ፍና ተዋህዶ Fna Tewahdo

  • Home
  • ፍና ተዋህዶ Fna Tewahdo

ፍና ተዋህዶ Fna Tewahdo ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ
Den Eritreisk-ortodokse kirke Felles Råd i Norge

ካልኣይ መሰማዕታ ቅዱስ ሲኖዶስ: ንዘይሕጋዊ ኣዘራግሓ ደብዳቤታት: ኣብ ማሕበረራዊ መራኸቢታት! Lisan Tewahdo #ማሕበራዊ
03/06/2026

ካልኣይ መሰማዕታ ቅዱስ ሲኖዶስ: ንዘይሕጋዊ ኣዘራግሓ ደብዳቤታት: ኣብ ማሕበረራዊ መራኸቢታት!
Lisan Tewahdo

#ማሕበራዊ

ደቅኻ ካብ መዓት ናይዚ  ወርሒ እዚ ሓሉ!🫵ኣብ ዝተፈላለያ ኮሙነታት (ምምሕዳራት) ኖርወይ ኣዝዩ ሓያል ክትዓት ዘካይዳሉ ዘለዋ፣  ንምብራዝ ወለዶ ዝዓለመ ምንቅስቃሳት ግብረ ሰዶማውነት ኣብዚ ...
02/06/2026

ደቅኻ ካብ መዓት ናይዚ ወርሒ እዚ ሓሉ!🫵

ኣብ ዝተፈላለያ ኮሙነታት (ምምሕዳራት) ኖርወይ ኣዝዩ ሓያል ክትዓት ዘካይዳሉ ዘለዋ፣ ንምብራዝ ወለዶ ዝዓለመ ምንቅስቃሳት ግብረ ሰዶማውነት ኣብዚ ወርሒ እዚ ኣዝዩ በርቲዑ ይርከብ። ዝተፈላለያ ናይ ሓቀኛ ክርስትና ዝድግፋ ማዕከናት ዜናን፣ ዝተፈላለዩ ሚስዮናውያንን ድማ ነቲ ባንዴራ ኣብ ዓለማውያን ኣብያተ ትምህርቲ ምስቃል ግቡእ ከም ዘይኮነ ብምግላጽ ኣብ ምቅዋም ይርከባ። እዚ ድማ መሰል ካልኦት ንምኽባር መሰልና ኣይትግሃሱና ብዝብል ኢዩ።

ኣስተውዕል ሎሚ ዓመት ነዚ ባንዴራ ንምትካል ነቲ pride ዝብል ዝነበረ ቃል ብብዙሓት ዓቃባውያን ክርስቲያናዊያንን ፖለቲካዊ ተቃውሞ ስለ ዝገጠሞ፣ እዚ ባንዴራ ኣይውክለናን ዝብል ውግዘት ቀሪቡሉ ኢዩ። ከም መርኣያ ናይዚ ድማ ኣብ ህንጻ ባይቶ ኖርወይ ዓመት መጸ ዝስቀል ዝነበረ ባንዴራ ከም ዝተርፍ ኮይኑ ኢዩ።

ሎሚ ዓመት ድማ ነቲ pride ዝብል ቃል ንምሽፋን mangfold markering (ናይ ብዙሕነት (ብዙሓውያን) ሰልፊ)፣ ብዝብል ቃል ብምትካእ ግና ድማ ባንዴራ ብዘይምቅያር ከኽብሩ ተኣኪቦም ይርከቡ።

ከም ክርስቲያንን እሞ ድማ ኦርቶዶክሳዊ ተዋህዶ ድማ እቲ ሓቀኛን ቅኑዕን እምነት ደቂ ወልድ ዋህድ ድማ፣ ወለዶና ምዕቃብ ንቤተ ክርስቲያንናን፣ ማኅደርናን ምዕቃብ ስለ ዝኾነ፣ ካብ ዝኾነ ኣብዚ ከምዚ ዘኣመሰለ ጉባኤታትን፣ ሰልፍታትን፣ ቤት ትምህርትታትን ደቅና ሓቁፍና ኣብ ቤቶም ከነዕቁቦምን፣ መሰል ካልኦት ከይገሃስና ድማ መሰልና ክንሕሉ ግቡእና ኢዩ።

Tsirha Aryam Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen 🫵

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያት ኣብጽሓና!ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኣዋጅ ንኽጽወሙ ዝሓገገቶም 7 ኣጽዋማት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ኣጽዋማት ከኣ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ጾመ...
31/05/2026

እንቋዕ ናብ ጾመ ሓዋርያት ኣብጽሓና!
ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኣዋጅ ንኽጽወሙ ዝሓገገቶም 7 ኣጽዋማት ኣለዉ። ሓደ ካብዞም ኣጽዋማት ከኣ እዚ ጀሚርናዮ ዘሎና ጾመ ሓዋርያት እዩ።
ጾመ ሓዋርያት፡ ‘ጾመ ሰነ’ ተባሂሉ ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ ማቴ. 9፡14-15 “ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧”
ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ኪጾሙን ኪኃዝኑን ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ኪጾሙ እዮም፡’በሎም” ዝብል ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ጐይታ ምስ ዓረገ ደቀ መዛሙርቱ ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሎም ኃይሊ ረኺቦም፡ ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ።
በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ነቦታትና ሓዋርያት ኣብነት ገይሩ ካብ ጽባሕ ሰንበት ጰራቅሊጦስ ክሳዕ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጸውም ትእዝዝ እያ። ኣብ ፍትሐ ነገሥት’ውን (አንቀጽ 15) ‘ወውእቱ ይተሉ እምበዓለ ኃምሳ ወፋሲካሁ አመ ኃምሱ ለሐምለ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ’ ከምዝብል እዩ። እዚ ጾም እዚ ብ”ኢያዐርግ፡ ኢይወርድ” ስለ ዝመላለስ ውሱን ጊዜ የብሉን። ሓሓደ ጊዜ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ይዛይድ፡ ሓሓደ ጊዜ’ውን ካብ ሠላሳ መዓልቲ ይውኅድ። ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ማርቆስ 2018 ዓ.ም. ካብ ሰኑይ 24 ሰኔ ክሳዕ 5 ሓምሌ ይጽወም።
ስለዚ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን በዚ ቅዱስ ጾም’ዚ ነፍሱ ምእንቲ ክቕድስ ክጸውም ይግባእ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን!!
Lisan Tewahdo

በዓለ መንፈስ ቅዱስ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ መበል 40 መዓልቲ “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣር...
31/05/2026

በዓለ መንፈስ ቅዱስ
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ድኅሪ ትንሣኤኡ ኣብ መበል 40 መዓልቲ “እንሆ ኣነ ተስፋ ኣቦይ መንፈስ ቅዱስ ክሰደልኩም እየ። ንስኻትኩም ግና ካብ ኣርያም ኃይሊ ክሳዕ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ኢልዎም ናብ ሰማይ ዓረገ። (ሉቃ. 24፡4-9) እንሆ ድማ እቶም ሚእትን ዕሥራን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ዝበሃሉ፥ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ዓሰርተው ክልተ ሓዋርያት፡ ሰብዓን ክልተን ኣርድእትን ሠላሳን ሽድሽተን ቅዱሳት ኣንስትን፡ ከምቲ ቅዱስ ዳዊት “ነፍሰይ ብተስፋ ትኃድር” ዝበሎ፡ ኣብ ኢየሩሳሌም ብጸሎት ተጊሆም ነቲ ጐይታ ዝሃቦም ተስፋ ይጽበዩ ነበሩ። በዚ ኸኣ ካብ ዝዓርግ ኣብ ዓሥራይ መዓልቲ፡ ካብ ዝትንሥእ ኣብ ኃምሳ መዓልቲ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ተቐበሉ።
ፈርሓት ዝነበሩ ተብዓት ኮኑ፣ ካብ ብልየት ተሓደሱ፣ ብኣእምሮ በርትዑ፡ ምሥጢር ተርጐሙ፣ ሓደ ቋንቋ ዝፈልጡ ዝነበሩ ሰብዓን ሓደን ቋንቋ ተገሊጽሎም ብሰብዓን ክልተን ቋንቋ ተዛረቡ። (ግብ. ሓዋ. 2፡2-10)
ኣቐዲሙ ነቢይ ኢዩኤል ዝተነበዮ፦ “በተን ዳኅሮት መዓልትታት ኪኸውን እዩ ይብል ኣምላኽ፥ ‘ኣብ ልዕሊ ሥጋ ዘበለ ዅሉ ካብ መንፈሰይ ኸፍስስ እየ። ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩን ኪንበዩ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ ኣረገውትኹም እውን ሕልሚ ኺሓልሙ እዮም። በተን መዓልትታት እቲአን ድማ ኣብ ሰብኡትን ኣንስትን ባሮተይ ካብ መንፈስይ ከፍስስ እየ ንሳቶም ድማ ኪንበዩ እዮም።’ . . . ” ዝብል ተፈጸመ። (ኢዩ. 2፡28-30፣ ግብ. ሓዋ. 17፡2)
እቶም ዓመት መጸ ከም ልሙድ ነቲ ካብ ምድረ ግብጺ ዘውፅኦም እግዚአብሔር ኣምላኽ ንምዝኻር ካብ በዓለ ፋሲካ 50 መዓልቲ ዘሎ መፈጸምታ በዓለ ፋሲካ ዝኾነ በዓለ ሰዊት ንምኽባር ዝተፈላለየ ቋንቋ ዘለዎም ካብ ዝተፈላለየ ቦታ ኣብ ኢየሩሳሌም መጺኦም ዝነበሩ ኣይሁድ፡ በብቋንቋኦም ትንሣኤ ክርስቶስ ምስ ተሰብኩ ኣዝዮም ተደነቑ። ገሊኦም፦ “እዞም ዚዛረቡ ዅሎም ገሊላውያን’ዶ ኣይኮኑን፧ ከመይ ኢልና ደኣ ኵላትና በብቲ ዝተወለድናሉ ቛንቋ ብዛዕባ እቲ ዓቢይ ግብሪ ኣምላኽ ኪዛረቡ ንሰምዖም ኣሎና” ክብሉ ከለዉ፣ ገሊኦም ድማ “ጕዕሽ ሜስ ሰትዮም ደኾን ሰኺሮም ይኾኑ” በሉ።
ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ግና ነዚ ሓሳቦም ፈሊጡ ብዓቢይ ቃል፥ “ከምቲ ትብልዎ እዚኣቶም ስኹራት ኣይኮኑን፣ ምኽንያቱ ገና ሣልሳይ ሰዓት ናይ መዓልቲ እዩ። እዚ ግና እቲ ብነቢይ ኢዩኤል ‘መንፈሰይ ከፍስስ እየ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ክንበዩ እዮም’ ዝበሎ ትንቢት ይፍጸም ኣሎ” ብምባል እቲ ንሳቶም ዝሰቐልዎ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ ንሞት ሥዒሩ ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ከም ዝተንሥአ፡ ንሱ እቲ ነቢያት ዝተነበይሉ ምሳሌ ዝመሰሉሉ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምዃኑን ዳግም ብኽብሪ መላእኽቲ ብምስጋና መጺኡ ንዅሉ ከከም ግብሩ ከም ዝፈርድ ሰፊሕ ትምህርቲ መሃሮም። በዚ ድማ ልዕሊ ሠለስተ ሺሕ ዝኾኑ ሰባት ብጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም ተጠምቁ። ግብ.ሓዋ. 2፡1-41
እዛ ዕለት’ዚኣ ሀብተ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋህበላ፣ ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ኣይሁድ ዝኣመኑላ . . . ዕለት ብምዃና “ልደት ቤተ ክርስቲያን” ብምባል ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ይጽውዕዋ።
ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ድኅሪ በዓለ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ኢየሩሳሌም እናመሃሩ ንሓደ ዓመት ብሓባር ምስ ተቐመጡ፡ ‘ሑሩ ወመሃሩ ውስተ ኵሉ ዓለም’ ዝበሎ መምርሒ ብምግባር ነዛ ዓለም ብዕጫ ተኻፊሎም ንስብከተ ወንጌል ተዋፈሩ።
ኣብ ሃይማኖትና ዘጽንዕ፡ ንሠናይ ምግባር ዘትግህ፡ ንጸሎት ዘንቅሕ . . . ጸጋ መንፈስ ቅዱስ የብዝኃልና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለመላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ሕብረትን ሰላምን ሕዝብና ምሕላው ሓላፍነትና ኢዩ! ኣመሓዳሪ ደብረ ኢየሱስ በርገን2ይ ክፋል ኣብቲ ብዕለት 23 & 24 ግንቦት ዝተኻየደ ክብረ በዓል ደብረ ኢየሱስ በርገን፣ ኣብ ድሕሪ ቅዳሴ ...
28/05/2026

ሕብረትን ሰላምን ሕዝብና ምሕላው ሓላፍነትና ኢዩ! ኣመሓዳሪ ደብረ ኢየሱስ በርገን

2ይ ክፋል

ኣብቲ ብዕለት 23 & 24 ግንቦት ዝተኻየደ ክብረ በዓል ደብረ ኢየሱስ በርገን፣ ኣብ ድሕሪ ቅዳሴ ኣብ ዝቀጸለ መደብ ቃሎም ዝሃቡ ብቀዳምነት ኣቦ ወንበር ን ኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ፣ ሊቀ ካህናት ምሉእብርሃን ዓ.ማርያም ኢዮም። ንሶም ኣብ ቃሎም ድማ፣ ደብረ ኢየሱስ በርገን ሓደ ካብቶም ኣለዉ ዝበሃሉ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣብ ኖርወይ ኣብ ትሕቲ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኮይኑ፣ ብዘለዎ ናይ ምሕደራ ስጡምነትን ምርግጋእን ድማ ሓደ ካብቶም ኣብ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ውን ከይተረፈ ብቀዳምነት ካብ ዝተሓባበሩ ኣብያተ ክርስቲያናት ኮይኑ ኣሎ ብምባል፣ ናይ ሎሚ በዓለ ዕርገት ድማ ምስ በዓል ናጽነት ኤርትራ ኣኳ እንተወዓለ፣ መንፈሳዊ ክብሪ ዝተላበሰ ብመዝሙር ንኣምላኽና ዝሃበና ናጽነት ኢልና ንዝክሮ ገይርዎ ከም ዘሎ ኣዘኪሮም። ኣብ መወዳእታ ድማ ርሑስ በዓል ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስን፣ ብተወሳኺ ርሑስ በዓል ኪዳነ ምሕረት ኣዴናን፣ በዓል ናጽነትን ኤርትራ ኢሎም።

ብድሕሪ እዚ ኣብ ድማ ናይ ገንዘብ ምውጻእ ስርዓት ተኻይዱ፣ ናይ ሎሚ ዓመት ምስብሳብ ካብ ዝነበሮ ፍሉይነት ድማ፣ ደብረ ኢየሱስ በርገን ንዘለዎ ልምዓታዊ መደባት ንምክያድ ብዘለዎ ዓቅሚ ክቃለስ ክገብርን፣ እቲ ዝዋጻእ ድማ እቲ ዝበዝሕ ሚእታዊት ሓግዙና ንዝበላ ቤተ ክርስቲያናትናን ገዳማትናን ክውዕል ከም ዝተመደበ ብምግላጽ ተኻይዱ።

ኣብ መወዳእታ ኣመሓዳሪ ደብረ ኢየሱስ በርገን ቀሲስ ገብረመድኅን ወልደኣብ ኣብ ዘስመዖ ቃል ፣ ሰላምታ ድሕሪ ምሃብ ንታሪኽ ቤተ ክርስቲያንን፣ ህዝብን ከተማ በርገንን፣ ንሕግን ስርዓትን ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ንከይጠሓስን ልዑል መስዋእቲ ዝኸፈለን ምዃኑ ኣዘኪሮም።

ንሶም ቀጺሎም ሓደ ካብቶም ደብረ ኢየሱስ በርገን ኣብ ትሕቲ ዝኾነ ኩነታት ዘይቅየረሎምን፣ ናይ ቀዳምነት ቀዳማይ ዝኾኑ ዕላማታቱን፣ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ፣ ሕዝብና ኣብ ስደት እታ እንኮ መዕረፊቱ ክትከውን ዝተኸላ ቤተ ክርስቲያን ከም ምዃና መጠን፣ ብሰላም መጺኡ፣ ጸሎቱ ገይሩ፣ ጭንቀቱ ኣራጊፉ ዝኸደላ፣ ንጽድቂ ሃሪፉ ዝመጻ፣ መጻኢ ወልዶ ዝቅረጸላ፣ ጽድቂ ዝሕፈሰላ፣ ጣዕሚ መንግስተ ሰማያት ነስተማቅረላ፣ ምግባራ ኢዩ ኢሎም።

ኣብ መወዳእታ ድማ ናይ ሎሚ ዓመት ክብረ በዓል ድሕሪ እቲ 6ይ ፓትርያርክ ኤርትራ ዝኾኑ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ባስልዮስ ነዚ ቦታ ረጊጾም ካብ በረኸቶም ሂቦምን፣ ናይ መጀመርታ ማየ ጸሎት ኣብ ሃገር ኖርወይ ኣብ በርገን ባሪኾም ምኻዶምን፣ ይበዓል ምህላዉ ፍሉይ ኢዩ ። እዚ ንክኸውን ድማ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ንዘርኣይዎ ምትሕብባር ኣዚና ነመስግን፣ ብኸምዚ ዝበለ ጉባኤ ውን ስለ ዘየመስገንናዮም፣ ሎሚ ብወግዒ ሊቀ ካህናት ምሉእብርሃን ኣብ ዝተረኽቡሉ ብዕሊ ነመስግን ብምባል ድማ ናይ ምስጋና ሰርቲፊኬት ን ኣቦ ወንበር ንኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ካብ ኢድ ርእሰ ደብር ቀ.ጸጋይ ግርማይ ኣቀቢሎሞም።

ካብዚ ቀጺሉ ታቦት ሰለስተ ግዜ ኣብ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ድሕሪ ምዛሩ፣ ምህላ ተገይሩ፣ መዘምራን ድማ ታቦት በውስቴታ ኢሎም እና ዘመሩ ታቦት ናብ መንበሩ ብምምላስ መፈጸምታ እቲ በኦኣል ኮነ።

ኣባላት ደብረ ኢየሱስ በርገን ኣብ ዝሃቡና ሓበሬታ እዚ ቤተ ክርስቲያን ብዕለት 6/5/2011 ተመስሪቱ። ናይዚ ቦታ ፍሉይ ዘብሎ ድማ ክብረ በዓል ዕርገት ናይዚ ቦታ በዓል ንክኸውን ብመንፈስ ቅዱስ ዘዛረበን ኣደይ ዙፋን ዝበሃላ ምዃነን ኢዩ። ኣደይ ዙፋን ስለምንታይ ዕርገት ክኸውን ከም ዝተዛረባ ኣብ ዝተሓተታሉ ድማ "ኣነ ዝፈልጦ የብለይን ኣምላኽ ኣዛሪብኒ እምበር" ብምባል መንፈስ ቅዱስ ከም ዘዛረብን ምስክርነተን ሂበን።

ጸብጻብ ክብረ በዓል ዕርገት ደብረ ኢየሱስ በርገን! 1ይ ክፋልክብረ በዓል ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ በርገን በዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ከም ዝተባዕለ ተፈሊጡ። እዚ ደብረ ኢየ...
28/05/2026

ጸብጻብ ክብረ በዓል ዕርገት ደብረ ኢየሱስ በርገን! 1ይ ክፋል

ክብረ በዓል ዕርገት ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ከተማ በርገን በዓቢይ መንፈሳዊ ድምቀት ከም ዝተባዕለ ተፈሊጡ። እዚ ደብረ ኢየሱስ በርገን ካብ ዝምስረት ንመበል 16 ዓመቱ ዝበዓል ዘሎ በዓል ምዃኑ ይፍለጥ። መደባት ካብ ድሮ 23 ግንቦት ብዋዜማ ድሕሪ ምጅማሩ፣ ብድሕሪኡ ድማ ናይ ሩብ ሰዓትታት ዕረፍቲ ብምክያድ ናብ መደባት ትምህርቲ ሰንበት ተኣትዩ። ኣቀዲሞም ድማ ህጻናት ኣብ ክልል ዕድመ 9-13 ዝርከቡ ሰለስተ መዛሙር ኣቅሪቦም። ቀጺሉ ብማእምር ሃብተማርያም ሶልያና ኣደ ኣምላኽ "ኣንትሙሰ ንበሩ ሃገረ ኢየሩሳሌም" ብዝብል መሪሕ ቃል ትምህርቲ ሂቦም። ንሶኣም ኣብ መልእኽቶም ንዕርገት ጎይታን ኣብ ድሕነትና ዘለዎ ተራን ብምብራህ ድማ፣ ሕዝቢ ንዕርገት ናብ ሰማያዊ ዕርገት ብምሕሳብ ተስፋ ዝገበርናሉ ዕለት ውን ኢዩ ኢሎም።

ካብዚ ብምቅጻል ማእከሎት መዘመራን ት/ሰ ሰለስተ መስሙር ምስ ኣቅረቡ፣ ኣብ ሞንጎ ናይ ሕቶን መልስን መደባት ካብ መንፈሳዊ ብዛዕባ ዕርገት ዝምልከትን፣ ካብ ታሪኻ ዊ ድማ ንቤተ ክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ዝምልከትን ነይሩ። ሓደ ካብቶም ዝተዋህቡ ሕቶታት ድማ ካብ ዕርገት ቀጺሉ ናይታ ቀዳመይቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምስረታ ዘበሰረት ገዛ እንዳ መን ነይራ? መልሲ ኣብ እንዳ ማርቆስ ምስ መለሱ፣ ደብረ ኢየሱስ በርገን ድማ ክትምስረት ክትብል ቀዳመይቲ ጉባኤ ወይ ርክብ ዝተካየደላ እንዳ ኣቶ ጊላይ ምንባራ ኣዘኪሮም።

ድሕሪ እዚ ካብ ደብረ ገነት ኪዳነ ምሕረት ሼን ዝመጹ መዘምራን ምስ ዘመሩ ድማ ዓበይቲ መዘምራን ድብረ ኢየሱስ ድማ ክልተ ሓደስቲ መዝሙራት ከቅርቡ እንከለዉ፣ ሓንቲ ድማ ወረብ "ኣንትሙሰ ንበሩ" ብምባል ኣሸብሺቦም።

ናይ ክልተ ሰዓት ዕረፍቲ ብምግባር ድማ ማኅሌት ሰላም ለማርያም ኢሉ ብምጅማር ንዕርገት ዝገልጽ መልከዓትን ዚቅን ብምብጻሕ ልክዕ ሰዓት 5፣45 ድማ ቅዳሴ ብመሪሕነት ኣቦ ወንበር ን ኡስ ሃገረ ስብከት ኖርወይ ሊ.ካ.ምሉእብርሃን ቀ.ዓ.ማርያም ተቀዲሱ። ድህሪ ናይ ቅዳሴ ክፍለ ግዜ ትምህርቲ ብማእምር ያዕቆብ ማ.ገብረልዑል ካብ ቤ/ክ ቅዱሳን ጴጥሮስ ወጳውሎስ ዴንማርክ ተዋሂቡ። ንሶም ኣብ ዝሃብዎ ድማ እዚ በዓል ናይ ሎሚ ዓመት ናይ ሃገርና ናጽነት ውን ደሪቡ ምውዓሉ ኣዝዩ ዝተፍልየ ምዃኑ ብምዝካር፣ ዕርገት ጎይታ መግለጺ ናይ ነፍስና ናጽነት ምስ ምዃኑ በሓቂ እንቋዕ ኣብዚ ኣብጸሓና ብምባል ትምህርቶም ሂቦም።
፠፠፠፠፠፠፠፠፨ ይቅጽል.........

ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ!በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ ...
22/05/2026

ዕርገት ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ!
በዓለ ዕርገት፥ ሓደ ካብ ትሽዓተ ዓበይቲ በዓላት ኮይኑ፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ቀደም ክብሩ ከምዝተመለሰ ወይ ከም ዝዓረገ ዝገልጽ ዕለት እዩ። ኣብ ኣርብዓ መዓልቲ ንደቀ መዛሙርቱ መጽሓፈ ኪዳን መሃሮም፣ ብጉባኤ ሠለስተ ሳዕ ማለት ናይ ትንሣኤ፡ ኣግብኦተ ግብርን ናይ ጥብርያዶስን ተራእዮም። ብሓፈሻ ድማ ዓሠርተ ሓደ ጊዜ ተራእዮም። ዮሓ. 21፡14
ቅድሚ ዕርገቱ፡ ንደቀ መዛሙርቱ “አንትሙሰ ንበሩ ሀገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም”/ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳብ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ብምባል ናብ ቢታንያ ወሲዱ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ባሪኹን ክሳብ ፓትርያርክነት ዘሎ ሥልጣነ ክህነት ሃቦም። ክዓርግ ከሎ ናይ ክብሩ መግለጺ ዝኾነ ደመና ተቐበሎ፣ብርቀት ዘይኮነስ ብርሕቀት ካብ ኣዕይንቶም ተሠወረ።
ንሳቶም ድማ ኣንቃዕሪሮም ክርእዩ ከለዉ፡ ካብቶም ብሓጐስ ብዕልልታን ብዝማሬን እናኣመስገኑ ዕርገቱ ንምኽባር ዝተረኽቡ ኣእላፍ መላእኽቲ ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ክልተ መላእኽቲ “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝረአኽምዎ ከምኡ ጌሩ ከኣ ክመጽእ እዩ በልዎም።
(ግብ. 1፡9-11) እዞም ቅዱሳን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ከኣ ንእግዚአብሔር እናኣመስገኑን እናወደሱን ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤተ መቅደስ ይነብሩ ነበሩ። (ሉቃ. 24፡53)። ቅዱሳን ሓዋርያት ካብዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሮም ንጐይታ ብዓይነ ሥጋ ዘይኮነስ ብዓይነ ሕሊና እናረኣዩ፡ ብግብሩ ዘርኣዮምን ብቓሉ ዝኣዘዞምን እናሓሰቡን እናኣስተንተኑን ኣሰሩ ስዒቦም ሠናይ ተጋዲሎም ጕዕዞኦም ፈጸሙ።

ዕርገት፥ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣቐዲሙ ብቅዱሳን ነቢያት ተነጊሩ ነይሩ እዩ። ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ንዝረኃቐ ኣቕሪቡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ዝተዛረበ ቅዱስ ዳዊት “ዓርገ እግዚአብሔር በይባቤ/ እግዚአብሔር ብዕልልታ ብደሃይ መለኸት ዓረገ” (መዝ. 47፡5) ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ተነበየ።
እዚ ቃል ትንቢት ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝገልጽ እዩ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ግብረ ምድኃን ኣብ መስቀል ምስ ፈጸመ ብሞቱ ንሞት ስዒሩ ካብ ዝትንሥእ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ እቲ ውሱንን ትሑትን ዝነበረ ሥጋ ብተዋሕዶ ንዝረኸቦ ክብሪ ልዕልና ንምግላጽ እዩ። ‘ዓርገ እግዚአብሔር’ ብምባል’ውን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት መስኪሩ ኣሎ። ኣቦና ሄኖክ ኮነ ነቢይ ኤልያስ ዝዓረጉ ብሥልጣኖም ዘይኮነስ ብእግዚአብሔር እዮም። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ እሞ ብኣምላኻዊ ሥልጣኑን ኃይሉን ንሞት ስዒሩ ከም ዝተንሥአ፡ እንሆ ዝዓረገ’ውን ብኃይሉን ሥልጣኑን እዩ። ዘፍ. 5፡24 ፣ 2ይ ነገ. 2፡11 ።
ከምኡ ውን “ዓረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ/ ናብ ላዕሊ ደየብካ ምርኮ ማረኽካ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላክ ኪነብሩስ ካብ ሰብ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።” (መዝ. 68፡18) ብምባል እግዚአብሔር ወልድ ናብዚ ዓለም ዝመጻሉ ዕላማ ብሓፂሩ ኣረዲኡና ኣሎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ውን “ናብ ላዕሊ ምስ ደየበ ምርኮ ማረኸ ንሰብ ውን ውህበት ሃበ። ንሱ ገሊኦም ሓዋርያት፡ ገሊኦም ድማ ነቢያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦም ውን ጓሶትን መምህራንን ኪኾኑ ሀበ ይብል።” (ኤፌ. 4፡8-14) ካብዚ እንርድኦ ደጊምና ንፍቓድ ሥጋናን ነፍስናን ናብ ምርኮ ሰይጣን እንተዘይኣግዚእና ከምኡ’ውን ኣብታ እግዚአብሔር ዝምለኸላ ክብሩ ዝግለጸላ መኅደሪት ስሙ ዝኾነት ቤተ መቅደስ እንተጸኒዕና ከምቲ ቅዱሳን ሓዋርያትን መምህራን ሊቃውንትን ዝተዓደልዎ ጸጋ ከምእንዕደል እዩ። ግብ. 2፡1-47።
ስለዚ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ “. . . ሥፍራ ከዳልወልኩም እኸይድ ኣሎኹ” ከምዝበለና (ዮሓ. 14፡2) ናብታ ዘለዓለማዊት መንበሪና ከምእንኸይድ ተረዲእና ነዛ ጊዜያዊት ዓለም ንዒቕና ንፍቓድ ሥጋና ስዒርና ነታ ሰማያዊት ርስትና ክንጥምት ይግብኣና። (ፊልጵ. 3፡20)
ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ብጸጋኡ ይደግፈና።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር። አሜን!
https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-30-12-08-10/item/2491-2026-05-21-09-07-53

ንኡሳን ኮሚቴታት ናብ ኮሚተ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ጸብጻቦም ኣቅሪቦም!ከም ኣካል ዓመታዊ ርክባቱ ትማል 18 ግንቦት 26 ኮሚቴ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ግብጺ ምስ ን ኡሳን ኮሚቴታት ርክቡ ኣካይዱ። ...
19/05/2026

ንኡሳን ኮሚቴታት ናብ ኮሚተ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጺ ጸብጻቦም ኣቅሪቦም!

ከም ኣካል ዓመታዊ ርክባቱ ትማል 18 ግንቦት 26 ኮሚቴ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ግብጺ ምስ ን ኡሳን ኮሚቴታት ርክቡ ኣካይዱ። እዘን ን ኡሳን ኮሚቴ ብኮሚቴ ስድራቤታዊ ክንክን ምስ አን ኣሰንየን ነቲ ጸብጻብ ከም ዘቅረበ ኦ መርበብ ሓበሬታ ቅብጢ ጸብጺቡ። ኣብ ርክቦም ድማ ኣብ ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦአሮቶድክስ ግብጺ ብዛዕባ ክቀርቡ ዘለዎም ጸብጻባት ብምስምማዕ ድማ ኣኬብኦም ዛዚሞም።

ን ኡ ሳን ኮሚቴታት ኦርቶዶክስ ግብጺ ነዞም ዝስዕቡ የሓቁፍ፣
1. ሽማግለ ቅዳሴ
2. ሽማግለ መዝሙር
3. ሽማግለ ኣፍልጦ ቅዱሳን
4. ሽማግለ ቋንቋ ቅብጢ
5. ኮሚተ ቅርሲ ቅብኣውያን
6. ሽማግለ ትርጉም
እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ሽማግለ ስድራቤት ዝበሃል ድማ፤
1. ሽማግለ ምድላው ሓዳር
2. ሽማግለ ሰብ ሓዳር
3. ሽማግለ ህጻናት
4. ሽማግለ ደቂ ተባዕትዮ
5. ሽማግለ ሽማግለታት
6. ሽማግለ ኣገልግሎት ደቂ ኣንስትዮ

ሓፈሻዊ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ግብጻዊት ኮፕቲክ ቤተ ክርስቲያን ኣብ በዓላተ መንፈስ ቅዱስ ከም ዝካየድ ይፍለጥ።

ስእሊ፣ Coptic Orthodox Church - الكنيسة القبطية الأرثوذكسية

ኦርቶዶክሳውነት ሕብረት ዝረኣየሉ ኢዩ! ንኡስ ሃገረስብከት ዓባይ ብርጣንያኣብ ካርዲፍ ሃገረ ብርጣንያ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ብጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብጹዕ ኣቡነ ጳውሎስ ተባሪኹ። መርበብ...
19/05/2026

ኦርቶዶክሳውነት ሕብረት ዝረኣየሉ ኢዩ! ንኡስ ሃገረስብከት ዓባይ ብርጣንያ

ኣብ ካርዲፍ ሃገረ ብርጣንያ ሓድሽ ቤተ ክርስቲያን ብጳጳስ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ ብጹዕ ኣቡነ ጳውሎስ ተባሪኹ። መርበብ ሓበሬታ ንኡስ ሃገረስብከት ዓባይ ብርጣንያ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ብዕለት 15 ግንቦት ወግዓዊ ኣቀባብላ ብጹዕ ኣቦና ተገብረ፣ ብዕለት 16.05.2026 ቀዳም ለይቲ ብሊቃዉንት ማህሌት ተፈጺሙ። ጎኑ ንጎኑ ስለስተ ብክሕነት ኣርባዕተ ብማዕርገ ዲቁና ተቕቢኦም። እዚ ሓድሽ ህንጻ ብደብረ ሰላም መድኃኔዓለም ካርዲፍ ተባሂሉ ከም ዝጽዋዕ ውን ተፈሊጡ።

ካብዞም ክህነት ዝተቀብዑ ብፍሉይ ድማ፣ ኣብ ኩሉ መዘምራን ተዘካሪ ስራሕ ዘለዎ ፣ ናይ ሽዑ ዲያቆን ምስግና በየነ ወይ ነኣምን በሥላሴ እትብል መዝሙር ንምስጢረ ሥላሴ ብዘብርህ መንገዲ ገይሩ ዝዘመረን፣ ኣብቲ ፈታኒ እዋን ናይ ቤተ ክርስቲያን ነቶም ስእሊ ሥላሴ ኣይንቅበልን ኢሎም ዝተላዕሉ ደው ኢሉ ብመዝሙሩ ዝረትዐን ከም ዝርከቦም ክፍለጥ ተኻኢሉ።

ንኩሎም ዝተቀብዑ ክህነተ ኣሮን ወመልከጼዴቅ ይግበረሎም!
ስእሊ፣ ንኡስ ሃገረስብከት ዓባይ ብርጣንያ

ኤርትራ ኦርቶ. ፈላሚ ጽሑፋዊ ሐወልቲ አብ ሩባ ዮርዳኖስ አስፊራ! ገጻት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶከ‍መድኃኔ ዓለም አብ እስራኤል አብ ዘስፈሮ: ናይ ፈለማ ብቋንቋ ትግርኛ አብ ማርሞ ዝተጻሕፈ ንጥም...
16/05/2026

ኤርትራ ኦርቶ. ፈላሚ ጽሑፋዊ ሐወልቲ አብ ሩባ ዮርዳኖስ አስፊራ!

ገጻት ናይ ኤርትራ ኦርቶዶከ‍መድኃኔ ዓለም አብ እስራኤል አብ ዘስፈሮ: ናይ ፈለማ ብቋንቋ ትግርኛ አብ ማርሞ ዝተጻሕፈ ንጥምቀት ጎይታ ዝገልጽ: ካብ ማር 1:9 ብምጥቃስ ከም ዘስፈረ ተጠቂሱ።


Address


Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ፍና ተዋህዶ Fna Tewahdo posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

  • Want your place of worship to be the top-listed Place Of Worship?

Share