Saint Teklehaimanot, Eritrean Orthodox Tewahdo Church Des Moines IA

Saint Teklehaimanot, Eritrean Orthodox Tewahdo Church Des Moines IA church

12/31/2021
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን::"ሰላምለፅንሰትከ ወለልደትከእምከርሥ።አመ ዕሥራ ውረቡዑ ለወርኃታኅሣሥ።ተክለሃይማኖት በኩሉ ወበውስተኰሉውዱስ ።ናሁ ወጠንኩ ወዕቤ ለስብሓቲ...
03/03/2021

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ አምላክ አሜን::

"ሰላምለፅንሰትከ ወለልደትከእምከርሥ።አመ ዕሥራ ውረቡዑ ለወርኃታኅሣሥ።ተክለሃይማኖት በኩሉ ወበውስተኰሉውዱስ ።ናሁ ወጠንኩ ወዕቤ ለስብሓቲከ ሐዲስ።በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ።" መልክዐ ተክለ ሃይማኖት

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ካብ ኣቦኦም ጸጋዘኣብን ኣደኦም እግዚእኃረያን ብዕለት 24 ታኅሣሥ ተወሊዶም። ቅድሚ ንኣቡነ ተክለሃይማኖት ምውላዶም እዞም ወለዲ እዚኦም ኅሩይ ኮይኑ ንዕኦምን ንኣምላኽን ዘሥምር ከም ናይ ሃናን ኢያቄምን መዕረፊ ዓይኖም ዝኸውን ውላድ ክህቦም ብንብዓት ኣሰንዮም ይልምኑ ነበሩ።
ብሕልፊ ኣብ በዓል መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ወወርኂ ካህናት ፡ ድኻታትን ነዳያንን ዓዲሞም የብዕልዎ ነበሩ። ሓደ ጊዜ ሞተሊሚ ዝተባህለ ከሓዲ፡ ንእግዚእኃረያ ምስ ብዙኃት ደቂ ዓዳ ማሩኹ ወሰዳ፡ እሞ መልክዐኛ ብምንባራ እዚ ንጉሥ ምስ ረኣያ ኣብ ልዕሊ እተን 10 ኣንስቱ ኣንጊሡ፡ ኣብቲ ንጣዖት ዝሥውዓሉ ቦታ ክወስዳ መዓልቲ ቈጸረ። ቅድሚኡ ግና ልብሲ ንግሥቲ ኣልቢሶም ከጽንሕዋ ኣዘዘ።
እግዚእኃረያ ግን ን8ተ መዓልቲ ዝኣኽል መግብን፡ ድቃስን ኣቢይዋ ብንብዓት ናብ ኣምላኽ ጸለየትን፡ ንቅዱስ ሚካኤል ተማኅፀነትን። ኮነ ድማ ብፍቓድ እግዚኣብሔር ቅዱስ ሚካኤል ፈልዩ (ነጢቑ) ናብቲ ዝዓጥን ዝነበረ ካህን ሰብኣያ ኣብጽሓ። ካህን ጸጋዘኣብ ዓጢኑ ምስ ወድአ፡ ብልቡ ‘ጓል ነገሥታት ትመስል’፡ ኢሉ እናሓሰበ እንከሎ እግዚእኃረያ ልብሰ ንግሥነታ ኣውፂኣ፡ ሰበይቱ ምዃና ነገረቶ። ብሓንሳብ ኮይኖም ድማ ንኣምላኽ ኣመስጊኖም ናብ ቤቶም ተመልሱ።
እንሆ በታ ለይቲ ዓምደብርሃን ብጐኑ ከዋክብቲ ከቢቦም ብሕልሚ ረኣዩ። በታ ዕለት 24 መጋቢት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተፀኒሶም፡ 24 ታኅሣሥ ተወልዱ።
ጻድቕ ኣቦና ካብ ዝተወልድሉ ኣብ 3ይ መዓልቲ ብዕለተ ሰንበት ካብ ሕቚፎ ኣዲኦም ወሪዶም “ሓደ ኣብ ቅዱስ እዩ ሓደ ወልድ ቅዱስ እዩ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ውን ሓደ እዩ” ኢሎም ብተኣምር ኣመስገኑ። “ካብ ኣፍ ቆልዑን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳለኻ” ከም ዝብል ቅዱስ ዳዊት። ኣብ 40 መዓልቲ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ወሲዶም “ፍስሐ ፅዮን” ብዝብል ስም ኣጠመቕዎም። ወዲ ዓመትን 3 ወርኅን ምስ ኮነ ኣብ ከባቢ ሽዋ ደርቂ ኮይኑ ህዝቢ ዝብላዕ ስኢኑ ኣብ ከቢድ ጥሜት ነበረ። ኣቡኡ ካህን ጸጋ ዘአብ ድማ ነቲ ዘኽብርዎ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ዝኸውን እኽለ ማይ ስኢኖም ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም ከልቅሱ እንከለዉ ሰበይቶም ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ገዝኣ ኮይና ትኃዝን ነበረት። ነዚ ዝረኣየ ሕፃን ግና ነዲኡ ነቲ ዝነበራ ቊሩብ ሓርጭ ከተምጽኦ ነገራ ምስ ኣምጸኣትሉ ኢዱ ምስ ኣንበረሉ እቲ ሓርጭ በርከተ። ነቲ መትኃዚ ዘይቲ ውን ብተኣምራቱ መልኦ በዚ ድማ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል የሕለፍዎ። ክሳዕ ወዲ ሾብዓተ ዓመት ዝኸውን ቅዱሳት መጻሕፍቲ እናመሃሩ የዕበይዎ፡ ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮኑ ኣቡኦም ናብቶም ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ጳጳስ ዝነበሩ ግብጻዊ ቅዱስ ቄርሎስ ወሰድዎም። ቅዱስ ቄርሎስ ኣቐዲሙ መልኣኽ እግዚአብሔር ጽባሕ ሓደ ሕፃን ክመጸካ እዩ ተቐቢልካ ዲቁና ሽሞ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፡ ርእይ ምስ ኣበልዎ ተቐቢሎም ሸምዎም። ከምቲ ኣብ ከባቢኦም ዝነበረ ታዕሊም ናይ ፈረስን ሃድን አራዊትን ተማህሩ።

ሓደ ካብ መዓልታት ምስ ብጾቶም ኣብ ሃድን እንከለዉ ቅዱስ ሚካኤል ተገሊጹ ካብ ድኅር ሕጂ ኣራዊት ዘይኮነ ሰባት ክትሃድን ኢኻ ድዉይ ናይ ምፍዋስ ኣጋንንቲ ናይ ምውፃእን ምዉት ናይ ምትንሣእን ሥልጣን ካብ እግዚአብሔር ተዋሂብካ ኣሎ፤ ስምካ ድማ ፍስሐ ጽዮን ዘይኮነ ተክለ ሃይማኖት ተባሂልካ ክትጽዋዕ ኢኻ፡ ተክለ ሃይማኖት ማለት ድማ ተክለ አብ ተክለ ወልድ ተክለ መንፈስ ቅዱስ ማለት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስውን ተገሊጹ ሓዋርያት ናብ ዘይበጽሕዎ ምድሪ ንኽልእኸካ ብቕዱስ ሚካኤል ገይረ ሓድሽ ስም ብምሃብ ሓድሽ ሓዋርያ ጌረካ ኣለኹ። 22 ዓመት ምስ መልኦም ናብ ኣባ ቄርሎስ ብምኻድ ቅስና ተቐቢሎም ኣቡኦም ብዘገልገሉሉ መዓርግ ኣቡኦም ኣብ ዘገልግልሉ ደብሪ ከገልግሉ ጀመሩ። ብመጀመርታ ኣዲኦም ቀጺሎም ድማ ኣቡኦም ምስ ዓረፉ ዘለዎም ኵሉ ሸይጦም ንድኻታት ብመሃብ ገዝኦም ብኽፍቱ ገዲፎሞ ወፁ። ብዙኃት ሕዝቢ ድማ ነቲ ብስም እግዚአብሔር ዝገብርዎ ብዙኅ ተኣምራት ርእዮም ብስም ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚኖም እናተጠመቑ ተኸተልዎም። ኣብቲ ጊዜ እቲ ኣብ ከባቢ ቡልጋ ኣብ ዕንጨት ዝኣምኑ ኣብ ባሕሪ ዘምልኹ መድኃኒት ዝቓምሙ ጠንቆልትን መምለኽቲ ጣዖትን መሊኦም ስለ ዝነበሩ፡ ኣቦና ነዚ ምስ ሰምዑ ሩባ ተሳጊሮም ብምኻድ ነቲ ሕዝቢ ካብቲ ኂዝዎ ዝነበረ እንስሳዊ ባህሪን ዘምልኾ ዝነበረ ገረብን ገዲፉ ናብ ኣምልኾ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክምለሱ እናገሠፁ ወንጌል ክምህርዎም ጀመሩ። እቲ ሕዝቢ ግና ክሰምዖም ኣይከኣለን ብኣንጻሩ ትምህርቲ ወንጌል ከቋርጽዎ ኣዘዝዎም። ኣቦና ግና ብፍጹም እምነት ናብቲ እቶም ሕዝቢ ዘምልኽዎ ገረብ ከዱ፡ ኣብቲ ገረብ ዝኃደረ ሰይጣን ኣነ ፈጣሪኹም እየ ዝብል ድምፂ የውፅእ ነበረ። ኵሎም ሕዝቢ ድማ ነቲ ገረብ ይሰግድሉን ዝደለዮ ይሥውዕሉን ነበሩ።
ኣቦና ምስቶም ሕዝቢ ናብቲ ገረብ ምስ ቀረቡ ኣብቲ ገረብ ኃዲሩ ዝምለኽ ዝነበረ ሰይጣን “ነዚ ሰብ’ዚ ኣይተቕርቡለይ” እናበለ ከጉርዕ ጀመረ። እቶም ደቂ ዓዲ ድማ ነቦና ገዲፎም ናብቲ ገረብ ከዱ፡ ኣቦና ግና ገጾም ናብ ምብራቕ ኣቢሎም ኢዶም ዘርጊሖም ናብ ፈጣሪኦም ምእንቲ ወገናቶም “ ኦ ጐይታ ነዚ ኣብ ልዕሊ ፍጥረትካ ዚሠልጠነ ሰይጣን ኣብ ትሕቲ እግርና ኣርግጸልና፡ ነዚ ሰይጣን እዚ ኣዋርዶ፡ ዘውትር ክረድኣካ እዩ ዝበልካኒ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ልኣኸለይ፡ ናይዚ ሰይጣን ኃፍረቱ ግለጽ፡ ጐይታ እግዚአብሔር ምግባር ካባኻ እዩ፡ኣብዞም ዝተኣከቡ ሰባት ስምካ ይገለጽ፡ ሥራሕካ ይፈለጥ ንስኻ ዓቢ ምዃንካ ይፍለጡ” እናበሉ ክጽልዩ ጀመሩ። ናብቲ ሕዝቢ ዘምልኾ ገረብ ተመሊሶም “ ኣንቲ ሰይጣን ኣባኺ እናኃደረ ሕዝቢ ዘስሕተልኪ ገረብ፡ እዚ ሕዝቢ ኃይሊ እግዚአብሔር ምእንቲ ክርኢ በቲ ኣነ ዝኣምኖን ዝሰግደሉን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ካብቲ ዘለኽዮ ተላዒልኪ ናባይ ክትመጽኢ እእዝዘኪ ኣለኹ” ኢሎም ኣዘዝዋ። ሕዝቢ ናብታ ገረብ እናሰገደ እታ ገረብ ግና እግሪ ከም ዘለዋ እና ተጓዕዘት ኣቦና ጻድቕ ተኽለሃይማኖት ናብ ዘለውዎ ቦታ ኸይዳ ቆመት። እቲ ኣብታ ገረብ ዚኃደረ ሰይጣን ድማ “ኣታ ክፉእ ሰብ እቲ ዝገደፍኩልካ መላእ ኣውራጃ ከይ ኣኽለካስ ነዞም ኣብዚ ዘለዉ ባሮተይ ኪትምንጥለኒ መጺኻ” እናበለ ጨርሐ። ብድኅሪ እዚ ቕዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ከም መብረቕ ብምውራድ ንሰይጣን ሓኒቑ ኃዞ። በዚ ጊዜ ሰይጣን “ሚካኤል ጊዜይ ከይበጽሐ ኣይተጥፍኣኒ ድኅሪ ሕጂ እዚ ሰብዚ ኣብ ዘለዎ ቦታ ኣይቀርብን እየ” እናበለ ጨደረ። ብድኅሪ እዚ እቶም ደቂ ዓዲ ናብ ኣቦና ጻድቕ ተክለ ሃይማኖት ቀሪቦም “ኦ ናይ ሕይወት ብርሃን ኣቦና ናብቲ ዝፍቶ ናይ ወንጌል ጐደና ምርሓና” እን በሉ ኣብ እግሩ ወደቑ። ቦታ ክሳዕ ዝጸቦም ንኣሽቱን ዓበይትን ኣወዳትን ኣዋልድን ተኣኪቦም “ንሕና ውን በቲ ትኣምኖ ኣምላኽ ኣሚንና ኣለና” በልዎም። ኣቦና ድማ “መጽኣት” ናብ ዝተባህለት ሩባ ወሪዶም ነቲ ማይ ብምብራኽ ብስም ኣብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ኣጠመቕዎም።

እግዚአብሔር ኣምላኽ ብጸሎትን ቃል ኪዳንን አቡነ ተክለ ሃይማኖት ይሓልወና!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

Address

3506 Hillsdale Drive
Urbandale, IA
50322

Telephone

+15157712027

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Saint Teklehaimanot, Eritrean Orthodox Tewahdo Church Des Moines IA posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Saint Teklehaimanot, Eritrean Orthodox Tewahdo Church Des Moines IA:

Share