Catholic Archeparchy of Asmara

Catholic Archeparchy of Asmara Welcome to the official page of Catholic Archeparchy of Asmara, Eritrea (ካቶሊካዊ ርእሰ-ኤጳርቅና ዘበኣሥመራ ፣ ኤርትራ)

By continuing to access the Catholic Asmara`s online Services, you agree to be bound by the ter ms outlined below. Please check this page regularly so you are aware of any updates to the terms. Your continued use will indicate your acceptance of any modifications. PLEASE NOTE: If you breach these Terms of Use, Catholic Asmara may block your account o r contributions. Content/membership may be dele

ted from our website, page, and twitt er as per Catholic Asmara Online Terms of Use: http://www.catholicasmara.com/about-us/

• Use your real names instead of nicknames.

•Be polite. Treat other people using the website, Facebook, and Twitter, including Catholic Asmara staff moderators, with respect and courtesy. Comments using inappropriate language, which are abusive towards other users, or which appear to deliberately provoke arguments, will be deleted.

• You must not compromise the privacy of any person.

• You must not impersonate someone else.

• You must not comment/share/post on behalf of others.

•Stay on topic. All discussions, tweets, Facebook comments and posts should be purely spiritual.

•Don't break the law. Do not post comments which are defamatory, discriminatory, incite violence, infringe copyright or are otherwise unlawful. Messages that are factually wrong and misleading will be deleted.

•Don't dominate the conversation. So that Catholic Asmara can publish comments from as many different perspectives as possible, it reserves the right to reject contributions from participants who seek to dominate the discussion.


• Be original.

06/14/2026

✝️[🙏 ወንጌል ዮሓንስ 17 ] ✝️21 ኦ ኣቦ! ንስኻ ከም ዝለኣኽካኒ ዓለም ምእንቲ ኽትኣምንሲ፥ ኵላ...

ሓጺር ጸብጻብ ጸሎተ ፍትሓትን ካልኣይ ቀብርን ናይ ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ሞሳሃንደበታዊ ሞት ናይ ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ሞሳ ብ 16-05-2026 እዃ እንተ ነበረ ...
06/13/2026

ሓጺር ጸብጻብ ጸሎተ ፍትሓትን ካልኣይ ቀብርን ናይ ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ሞሳ

ሃንደበታዊ ሞት ናይ ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ሞሳ ብ 16-05-2026 እዃ እንተ ነበረ መዓልቲ ሓመድ-ድበኦም ንምፍላጥ ግን ዳርጋ ክልተ ሰሙን እዩ ወሲዱ። ሓመድ ኣዳም ዝለብስሉ ብ 01-06-2026 ኣብ ስዊድን ምኻኑ ምስ ተፈለጠ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ናይ ሓበሻ ካቶሊካውያን ኣብያተ-ቤተክርስትያናት ኣኣብ ቤተ-ክርስትያኖም ጸሎተ-ፍትሓትን መስዋእተ-ቅዳሴ ኣዕሪጎም እዮም።

ኣብ ሃገረ-ኤርትራ ከኣ ኣብ ደብረ-ጽንሰታ ቅድስቲ ማርያም (እምባ-ጋሊያኖ ኣስመራ)ን ኣብ ርእሰ ኣድባራት ቅዱስ ሚካኤል ሰገነይትን ካብ ሰዓት 5.00 ክሳብ 8.00 ወጋሕታ ጸሎተ-ፍትሓት መስዋእተ-ቅዳሴ ኣዕሪጎም እዮም ።

ኣብ ሰገነይቲ ድሕሪ ስርዓተ-ቅዳሴ ምፍጻሙ ውሉደ-ክህነት ህዝብን ናብ ቅርዓት ብምውጻእ ንተወፋይነትን ሙያን መንፍዓትን ክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ዝገልጽን ንቤተ-ሰብ ዘጸናንዕን ባህላዊ መስርሕ ዝተከተለ ብወየ ወየ ዝፍለጥ ግጥምታትን ናይ ጽሑፍ ግጥምታትን ተሰሚዕም ምስ ጨረሹ ናብ ዝተዳለወሎም ዳሳት ኣትዮሞ ዝተቀረበሎም ሺሻይ ተመገቡን ተቓደሱን። ብድሕሪዚ ሓጺር ታሪክ ሂወቶም ተነበበ።
ኣብቲ ካልኣይ ቀብሪ ካብ ምሉእ ጽነዓደግለ፣ ሓደግቲ ፣ ደቂ-ድግናን መረታን፣ ካብ ኣስመራን፣ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኤርትራ ዝመጹ ብዙሕ ሕዝቢ ተረኪቡ ኔሩ እዩ። ብድሕሪ'ዚ ቤተ-ሰብን ውሉደ-ክህነቲን ምስቲ ካልኣይ ቀብሪ ክቀብር ዝመጸ ህዝቢ ተመሳጊኖም ተፋነዉ።
ንጽባሒቱ ማለት ብ 02-06-2026 ኣብ ደብረ መድሃኔ-ኣለም ገጀረት ኣስመራ 7ተ ቀዳስያን ካህናት ዝተሳተፍዎ ካብ ሰዓት 5.00 ክሳብ 8.00 ንግሆ ጸሎተ-ፍትሓት መስዋእተ-ቅዳሴ ኣዕሪጎም እዮም ።

ኣብ ሃገርና ኤርትራን ኣብ ምሉእ-ዓለምን ንክቡር ኣባ ሃይለ ተስፋማርያም ዮሴፍ ዝዓረገ ጸሎተ-ፍትሓት መስዋእተ-ቅዳሴ ጸሎትን ንመንግስተ-ሰማያት ይኹነሎም፣ ንቤተ-ሰብ ከኣ ጽንዓትን ይሃቦም ኣሜን።

ኣምላክ ነዚ ዝዓረገ ጸሎተ-ፍትሓትን መስዋእተ-ቅዳሴን ተቀቢሉ ካብ ቤተ-ክርስትያናን ውሉደ፡ክህነትናን፣ ብዙሓት ከም ኣባ ሃይለ ዝኣመሰሉ ነዛ ዓለም ዝዓይዋን ዝጓስይዋን ይሰደደልናን የፍርየልናን ኣሜን።
ንነብሲ ክቡር ኣባ ሃይለ ዘለኣለማዊ ዕረፍትን መንግስተ-ስማያትን የዋርሳ ኣሜን።

ኣዳላዊ፥ ኣቶ ተስፋሚካኤል ሹም ተኽለሚካኤል ግ/ራ ተሰማ
ኣስመራ።

06/12/2026

"ተራ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ዕለታዊ ሕይወትና"ወንጌል ዮሓንስ 14፣16፡17 ብጹዕ ሊቀ ጳጳሳት ኣቡነ...

06/11/2026

7ይ-መዓልቲጸሎት ታስዕቲ መቀራረቢ በዓለ ቅዱስ አንጠኒዮስ

ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።” ክርስቶስ ገበርቲ ሰላም፡ ንኽንከውን ጥራይ አይመዓደናን፡ አይጸወዓናን። እንታይ ደአ ብሕይወቱ ቃላቱ’ውን ብከመይ ገበርቲ ሰ...
06/11/2026

ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ አምላኽ ኪበሃሉ እዮም እሞ፡ ብጹዓን እዮም።”

ክርስቶስ ገበርቲ ሰላም፡ ንኽንከውን ጥራይ አይመዓደናን፡ አይጸወዓናን። እንታይ ደአ ብሕይወቱ ቃላቱ’ውን ብከመይ ገበርቲ ሰላም ክንከውን ከም ዘለና’ውን ምሂሩና ኢዩ።

ንሓዋሪያቱ ከምዚ በሎም “ሰላም እኃድገልኩም አሎኹ፥ ሰላመይውን እህበኩም አሎኹ። እቲ አነ ዝህበኩም ዘሎኹስ ከምቲ ዓለም እትህቦ አይኮነን፤ አይትሸበሩ፥ አይትፍርሁ”። ዮሓ.14፡27
ሰላም ክርስቶስ ልዕሊ ኩሉ ኢዩ። ዕርቂ ምስ ኣምላኽን ምስ ኣኅዋትን ኢዩ። ሓደ ካብቶ’ም ፍረ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ። ህድአት ናይ ሓንጎልና ኢዩ። ዕርፍቲ ነፍስና ኢዩ። ፍቕሪ፡ የውሃነት ናይ ልቢ፡ ሕብረት ኢዩ። “ንሱ ነቲ አብ መንጎ ዝነበረ፥ ናይ ጽልኢ ከልካሊ መንደቕ ብሥጋኡ ብምፍራስ፥ ነቶም ክልተ ሓደ ዝገበረ ፥ ሰላምና ኢዩ”።

ካብዚ ወጻኢ ናይ ድያብሎስ ጥራይ እዩ። ደቂ ሰባት ሎሚ ዓበይትና ነአሽቱና፡ መራሕትና ተመራሕትና ነዚ ናይ ክርስቶስ ሰላም አብ ክንዲ ንዘርእ፡ ብዝተፈላለየ መንገዲ ናይ ፍልልይ መሳርሕቲ ኮይና ንርከብ አለና።
ሎሚ ዓለም ሓንቲ አብ ትኾነሉ ዘላ ግዜ፡ ጸሊምን ጻዕዳን ተሓቃቒፎም አብ ዝሓድሩሉ ዘለዉ ግዜ፡ ሎሚ ብወገነይ ወገንካ፡ ጎዶቦይ ጎደቦኻ ተወዲብካ ክርዳድ ብምዝራእ ንእግዚአብሔር ነሕዝን አለና።

ብፍላይ እዚ አብ ቤተክርስቲያን ክትዕዘብ ስጋብ ክንደይ ብስነምግባር ወዲቕና ከም ዘለና የረድአካ።
ብፍላይ ኣብቶም ንግሆ ንግሆ " ኣሓዱ ኣብ ቅዱስ" እንዳበልና" ምእንቲ ሕዝብናን ገዛእ ርእስናን መስዋዕቲ እነዕርግ፥ ብፍላይ ነቲ ብፍቅሪ ተደሪኹ መኣዲ ሓድነት፣ መኣዲ ፍቅሪ፥ እንጌራ ሕይወት' እንሰርዕ ሰባት፥ ?

ዝለዚ ከምቲ አቀዲምና ዝበልናዮ ንሱ ሰላምና ኢዩ። ክርስቶስ አብዚ መገዲ ሰላም ይምህረና። እቲ ናቱ ሰላም ውጽኢት ዓወት ኢዩ ነሩ። ወታሃደራዊ ዓወት ዘይኮነ፡ ውጽኢት መንፈሳዊ ገድሊ፡ መንፈሳዊ ዓወት እዩ ነሩ ፣ እቲ ንሱ ዝምህሮ መገዲ ሰላም እምበአር፡ ዓወት አብ ርእሲ ገዛእ ርእስና ደአምበር፡ ዓወት አብ ርእሲ ካልኦት አይነበረን። ንገዛእ ርእስና ምምላኽ ኢዩ። “አብ መስቀል ተሰቒሉ ብሙማት ነቲ ጽልኢ ደምሰሶ፥ ንኽልቲኦም ድማ ሓደ ብምግባር ከአ ብመስቀሉ ምስ አምላኽ አተዓረቖም። ኤፌ. 2፡16

ቀጺሉ ኸአ “ንአኻትኩም ነቶም ርሑቓት ዝነበርኩም ሰላም አበሰረኩም፥ ነቶም ቀረባ ዝነበሩ ኸአ ሰላም አበሠሮም”። ኤፌ.2:17
ብዙሕ ግዜ ምስቶም አቀረባና ዘለዉ ሰላም ንምግባር እቲ ዝበርተዓ ኢዩ ካብቶም ዝረሓቁ። ብኸመይ ኢና እምበአር ንሕና ከም ክርስቶሳውያን መሳርሕቲ ሰላም እንኸውን፡ አየናይ አብነት ንከተል፧ “እቶም ዝአምኑ ኹላቶም ሓደ ልብን ሓደ ሓሳብን ነበሩ” 4፡32 አብዚ ግና ሓገዝ መንፈስ ቅዱስ ይድሊየና።

ቅ. ኣጎስጢኖስ፡ ካብዚ ዝስዕብ ቃል አምላኽ ተበጊሱ ከምዚ እናበለ ይምህር፦ ዘፍ.11,3-4 ፣ግ.ሓ.2:11 አብ ዓለም ክልተ ከተማ አለዋ ይብል፦

ሓደ ባቢሎን ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ ሰይጣን ከተማ፡ እታ ካልኤይቲ ድማ ኢየሩሳሌ ተባሂላ እትጽዋዕ ናይ እግዚአብሔር ከተማ።
እታ ቀዳመይቲ አብ ፍቕሪ ርእሲ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተሃንጸት፡ ስጋብ ንእግዚአብሔር ምንዓቕ ዝበጽሐት ክትከውን ከላ፡ እታ ካልኤይቲ ግና አብ ፍቕሪ እግዚአብሔር ዝተሃንጸት ኮይና ስጋብ ገዛእ ርእስካ መስዋዕቲ እትሓትት ኢያ። እ
ዘን ክልተ ከተማታት ስጋብ ምጽአት ዓለም ንነፍሲ ወክፍና ክፉታት ኢየን፡ ነፍሲ ወከፍና ከአ አየነይቲ ተቐቢሉ ሕይወቱ ከምዝመርሕ ናቱ ምርጫ ይከውን።

እግዚአብሔርር መሳርሕቲ ሰላም፡ ሓቂ፡ ፍትሒ ይግበረና!

አሜን!
አባ ሓጎስ ተስፋጋቢር

06/10/2026

6ይ መዓልቲ– "ህያብ ፍቕሪ" ጸሎት ታስዕቲ መቀራረቢ በዓለ ቅዱስ አንጠኒዮስ

ዝርርብ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተሥፋማርያም PART 1
06/10/2026

ዝርርብ ምስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳስ ኣቡነ መንግሥተኣብ ተሥፋማርያም PART 1

✝️[ ወንጌል ማቴዎስ 16 ] ✝️18 “ኣነ ኸኣ እብለካ ኣሎኹ፥ ንስካ ጴጥሮስ ኢኻ፥ ኣብ ልዕሊ እዚ ኸ...

Address

USA, CANADA, EUROPE
Universal City, CA

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Catholic Archeparchy of Asmara posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Catholic Archeparchy of Asmara:

Share