The True Vine Jesus World Wide Ministry/TTVJ-WWM

The True Vine Jesus World Wide Ministry/TTVJ-WWM ናይ ሓቂ ጉንዲ ወይኒ የሱስ፣ዓለም ለካዊ ሚኒስትርይ

ሻሎም ብሩካት፡ሎሚ ናይ ፈዉሲ ጸሎትን፡ ኣገልግሎትን፡ከማኡ ዉን ብድምጺ ስብከት ኣብ ዙም ፡ኣብ ፌይስቡክ፡እዩ ክህልወና።ፈዉሲ ኣብ ኣካላትኩም እትደሉን ፡ክንጽልየልኩም ፡ ኣብዛ ተለግራም ሊንክ...
08/23/2024

ሻሎም ብሩካት፡ሎሚ ናይ ፈዉሲ ጸሎትን፡ ኣገልግሎትን፡ከማኡ ዉን ብድምጺ ስብከት ኣብ ዙም ፡ኣብ ፌይስቡክ፡እዩ ክህልወና።
ፈዉሲ ኣብ ኣካላትኩም እትደሉን ፡ክንጽልየልኩም ፡ ኣብዛ ተለግራም ሊንክ(https://t.me/TTVJ22) እተዉ እሞ ተገልገሉ።

08/16/2024
04/27/2024

እዚ ኣብ ህይወትኩም ኣዉጅዎ ብሩካት።

ኣነ ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል ኣሎኒ!

ኣነ ምስ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽ እየ እሰማማዕ፡ ኩሉ የሱስ ዝእዝዘኒ ብጸግኡ ኣገብሮ።

ዅሉ በረኸት ኪመጸንን ኪረኽበንን እዩ።

ኣነ ኣብ ከተማ ብሩኽ፡ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ እየ::

ፍረ ኸርሰይን ፍረ ምድረይ ክኣ ብሩኽ እዩ::

መሶቦይን መልወስየን ብሩኽ እዩ::

ኣብ ምእታወይ ብሩኽ እየ ። ኣብ ምውጽአይን ብሩኽ/ብርኽቲ እየ

ነቶም ዝለዐሉኒ ጸላእተይ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜይ ተሰዓርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይመጹ፡ ካብ ቅድመይ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ።

እግዚኣብሄር ቆፎይን ኵሉ ተግባር ኢደይን ንበረኸት ይእዝዘለይ:: ኣብዛ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዚሀበኒ ምድሪ ድማ ብሩኽ/ብርኽቲ እየ::

ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕኩ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኒ።

ኣብታ እግዚኣብሄር ዝሃበኒ፡ ነቦታተይ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርሰይን: ኣብ ፍረ ማለይ: ኣብ ፍረ ምድረይ እግዚኣብሄር ጽቡቕ ኬብዝሓለይ እዩ።

ዝናም ምድሪ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድይ ድማ ኪባርኽ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ ሰማይ ኪኸፍተለይ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከለቅሕ እየ፡ ኣነ ግና ገለ እኳ ኣይልቃሕን እየ።

ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኽሕልዎን ክገብሮን ክሰምዖ፡ ካብዚ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ዝኣዘዞ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም ኣየግልስን እየ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኣየገልግልን ደድሕሪኦምውን ኣይስዕብን እየ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረንን፡ ብላዕሊ ጥራይ ይኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይኸውንን እየ::

ብስምብራት ቁስሉ የሱስ ተፈዊሰ እየ: ኣብ ዘመነይ ንየሱስ እንዳኣገልገልኩ እየ ዝነብር: ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሄር ኢና ነገልግል::

ሕማም ኣብ ዱኳነይ ፈጺሙ ኣይቀርብን እዩ::
ኣነን ቤተይን ንእግዚኣብሄር ከንነግልግሎ ኢና::

እግዚኣብሄር ዝጸዋዓኒ ኣብ ሂወተይ ገይረ ክነብር እየ የሱስ ሓይለይን ዋልታይን እዩ::

ኣነ ኣብቲ ጉንዲ ወይኒ የሱስ እጸንዕ ብዙሕ ፍረ ከኣ እፈሪ: ፍረይ ከኣ ነባሪ ይኸዉን።

ሞጎስ እግዚኣብሄር ኣሎኒ።
ኣብ ቅድሚ እግዚኣቢሄር ሰብን ሞጎስ ኣሎኒ።

ዓወት ከኣ ናተይ እዩ ።

Address

0000000000000000000
Twin Falls, ID
83301

Opening Hours

Monday 7pm - 12am
Wednesday 7pm - 12am
Friday 7pm - 12am
Saturday 7pm - 12am

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when The True Vine Jesus World Wide Ministry/TTVJ-WWM posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to The True Vine Jesus World Wide Ministry/TTVJ-WWM:

Shortcuts

Share