Qale Tsedq ZeTewahdo ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ

Qale Tsedq ZeTewahdo ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Qale Tsedq ZeTewahdo ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ, Religious organisation, Temple Hills, MD.

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ 2018 ናብ ዘመነ ሉቃስ 2019 ዓመተ ምሕረት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብጽሓና!!https://youtu.be/4mN0zDvGYpk?is=m5sng2LoYqLlQq59      ...
09/12/2026

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ 2018 ናብ ዘመነ ሉቃስ 2019 ዓመተ ምሕረት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብጽሓና!!

https://youtu.be/4mN0zDvGYpk?is=m5sng2LoYqLlQq59

His Grace’s Benediction for the 2019 New Year“You crown the year ...

09/12/2026

ቃለ ቡራኬ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ናይ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሐንስ: ዘመነ ሉቃስ ፳፻፩፱/ 2019

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን::

ወትባርክ ኣክሊለ ዓመተ ምሕረትከ:
ንዓመት ብሳህልኻ ትኽልላ: (መዝሙር 65:11)

እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ 2018 ናብ ዘመነ ሉቃስ 2019 ዓመተ ምሕረት ብሰላምን ብጥዕናን ኣብጽሓና።

ዘመን ናይ እግዚኣብሔር እዩ፤ ንሕና ድማ ኣብዚ ዘመን’ዚ ብምሕረቱ ንመላለስ ኣገልገልቱን ውሉዱን ኢና። ነቢይ ዳዊት ንዓመት ብሣልኻ ትኽልላ ንስኻ ኣብ ዘለኻዮ ጽጋብ ኣሎ(መዝሙር 65:11) ከም ዝበሎ፡ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ነዛ ሓዳስ ዓመት ናይ ምሕረትን ናይ በረኸትን ዘመን ይገበርልና::
ኣብዛ ዘመነ ሉቃስ ሕይወትና ብበረኸት ዝመልአ ክኸውን እዞም ዝስዕቡ ሰለስተ ዓበይቲ ኣዕማድ መሰረት ክንገብሮም ይገባእ፡

ሓዳስ ዓመት ብሓድሽ ልቢ ምጅማር፡
ዓመት ጥራይ ምቕያሩ እኹል ኣይኮነን፤ ልብናን ሓሳብናን እውን ክሕደስ ኣለዎ። ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 2ይ ቆሮንቶስ 5:17 ከም ዝበሎ: እምበኣርከስ ሓደ እኳ ኣብ ክርስቶስ እንተ ኣልዩ፡ ንሱ ሓድሽ ፍጥረት እዩ፤ እቲ ብሉይ ሓሊፉ፡ እንሆ ኩሉ ሓድሽ ኮይ::
ካብ ሕሉፍ ጌጋታትና ተማሂርና ናብ እግዚኣብሔር ብንስሓ ሰብነትና ከነሕድስ ይግብኣና።

መኣዲ ፍቕርን ይቕሬታን፡
ወንጌላዊ ቅዱስ ሉቃስ ብዛዕባ ምሕረትን ፍቕር ኣምላኽን ኣስፊሑ ዝጸሓፈ እዩ። ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ወንጌል ሉቃስ እቲ ሰማያዊ ኣቦኹም ርሕሩሕ ከም ዝኾነ፡ ንስኻትኩም ከኣ ርኅሩኃት ኩኑ (ሉቃስ 6:36) ይብለና። ስለዚ ንዝበደሉና ብምሕረት ክንሓልፍ፡ ጽልእን ቅርሕትን ኣርሒቅና ብፍቕሪን ሰላምን ክንነብርን ክንመላለስን ይግባኣና::

ጸሎትን ትግሃትን:
በረኸት ዓመት ዝርከብ ብጸሎትን ብትግሃትን እዩ። ያዕቆብ ድማ፡ እንተ ዘይባረኽካኒስ ኣይሓድገካን እየ ከምዝበለ ኣብ ዘፍጥረት 32:26:: ንሕና ድማ ክቡራት ናይ መንፈስ ደቀይ “ኅሱ ሰላማ ንሃገር ወበሰላመ ዚኣሃ ይከውን ሰላምክሙ: ንሃገርኩም ኮነ ነታ እትነብሩላ ሃገር ሰላም ለምኑ ብናታ ሰላም ድማ ሰላም ክኾነልኩም ኢዩ ከም ዘበለ ነቢይ ኤርምያስ ኣብ መልእኽቱ (ትንቢት ኤርምያስ 29:7) ሰላም ንሃገርና፡ ርግኣት ንኣእምሮና፡ በረኸት ንመኣድና ካብ ኣምላኽ እናለመንና ብጽቡቕ ግብሪ ክንተግህ ይግብኣና::

እግዚኣብሔር ይባርኽካን ይሓሉኻን ኣብ ዘሁልቁ 6:24 ከም ዝተጻሕፈ፡ እዛ ሓዳስ ዓመት ዘመነ ሉቃስ ናይ ሰላምን፡ ናይ ፍቕርን፡ ናይ ዕልልታን ይገበረልና::
እግዚኣብሔር ንህዝቡ ሓይሊ ይሃብ፡ እግዚኣብሔር ንህዝቡ ብሰላም ይባርኽ (መዝሙር 29:11) ከም ዝበሎ፡: ኣብ ኣህጉርናን ኣብ ብዘላ ዓለምን ዘሎ ምፍልላይን ኣልዒሉ፡ ናይ ሓቅን ዘላቕን ሰላም የውርደልና: ንሕሙማት ፈውስ፡ ንዝተጨነቑ መጸናንዒ፡ ንጽጉማት ረድኤት ይኹኖም::

“ንሱ ከምታ በብእዋኑ ፍሬኣ እትሁብ ቆጽላ ዘይነቅጽ ኣብ ወሰን ወሓዚ ማይ ዝተትኽለት ኦም ኢዩ” (መዝ 1:3) ከም ዝተባህለ: እዚ ሓድሽ ዓመት ኣብታ ዓይኒ ዝኾነት ቤት ክርስትያና ተተኺልና ብበረኸት ምድርን ሰማይን ክንመልእ: መንፈሳዊ ፍረ ክንፈሪ እግዚኣብሔር ጸግኡ የብዝሓልና: እግዚኣብሔር ንሃገርና ሰላምን ቅሳነትን ሂቡ ናይ ልምዓትን በረኸትን ክገብራ: ከምኡ ድማ ንህ
ሕዝብና ፍቅርን ሓድነትን: ንቤት ክርስትያና ድማ መንፈሳዊ ዕብየት እንጓናጸፈሉ ዘመን ይግበረልና።

እቶም ዝዘራእናዮ ሰናይ ዘርኢ: ብዕጽፊ በረኸት ኣፍርዩ ንምሕፋስ የብቅዓና::

ርሑስ ዘመነ ሉቃስ 2019 ዓመተ ምሕረት ይገበረልና::

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል:
ወለወላዲቱ ድንግል:
ወለመስቀሉ ክቡር::

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፫ (Tirguamie Qidasie Maryam 12)Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mar...
08/21/2026

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፫ (Tirguamie Qidasie Maryam 12)

Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mary.

ብሩኽ ጾም ይግበረልና::

EriTewahdo TV: ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፫ (Tirguamie Qidasie Maryam 13)

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of the USA & Canada!!ናይ ኤ...

ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም (Tirguamie Wudasie Maryam for Monday)Let us listen and share for others to receive ...
08/20/2026

ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም (Tirguamie Wudasie Maryam for Monday)

Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mary.

ብሩኽ ጾም ይግበረልና::

EriTewahdo TV: ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሓሙስ ውዳሴ ማርያም

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of the USA & Canada!!ናይ ኤ...

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፪ (Tirguamie Qidasie Maryam 12)Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mar...
08/20/2026

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፪ (Tirguamie Qidasie Maryam 12)

Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mary.

ብሩኽ ጾም ይግበረልና::

EriTewahdo TV: ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፪ (Tirguamie Qidasie Maryam 12)

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of the USA & Canada!!ናይ ኤ...

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፩ (Tirguamie Qidasie Maryam 11)Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mar...
08/20/2026

ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፩ (Tirguamie Qidasie Maryam 11)

Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mary.

ብሩኽ ጾም ይግበረልና::

EriTewahdo TV: ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም ጉባኤ ፲፩ (Tirguamie Qidasie Maryam 11)

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of the USA & Canada!!ናይ ኤ...

ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም (Tirguamie Wudasie Maryam for Monday)Let us listen and share for others to receive ...
08/17/2026

ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም (Tirguamie Wudasie Maryam for Monday)

Let us listen and share for others to receive the blessings of St. Mary.

ብሩኽ ጾም ይግበረልና::

EriTewahdo TV: ኣብ ገዳም ደብረ ሲና ዝተቶርጎመ ናይ ሰኑይ ውዳሴ ማርያም

Eritrean Orthodox Tewahdo Church Diocese of the USA & Canada!!ናይ ኤ...

ክብረ በዓል ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ኣብ ላስቬጋስ ብድምቀት ተባዒሉ!ኣብ ምዕራብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካ ላስቬጋስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ዓመታዊ ናይ ኣጋዕዝተ ዓለ...
08/15/2026

ክብረ በዓል ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ኣብ ላስቬጋስ ብድምቀት ተባዒሉ!

ኣብ ምዕራብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካ ላስቬጋስ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ሥላሴ ዓመታዊ ናይ ኣጋዕዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል ብዕለት 8ን 9ን ሓምለ 2018 ዓ.ም.ግ. (7/15-16 2026 ፈ.) ብዝተፈላለዩ ካህናትን፡ ሊቃውንትን፡ ምእመናንን ብድምቀት ተባዒሉ።

ኣብ ድሮ ዋዜማ፡ ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ከብዕሉ ምስ ዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ብሓባር ንክብርን፡ ምሕረትን ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ዋዜማ ከምኡ ድማ ቅኔን መዝሙር ዳዊት ብምስናይ ድሕሪ ምብጻሕ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ንጽባሒቱ ለይቲ ሰዓት 1:00 ቤተ ክርስቲያን ተደዊሉ ብምንቃሕ፡ ሊቃውንት ንክብሪ በዓል ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ዝምልከት ንልቢ ዝምስጥ፡ ኣዕጽምቲ ዘጥልል ሥርዓተ ማኅሌት ተምሳል መላእኽቲ ኮይኖም ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳሮም፣ ኪዳንን ተኣምረ ማርያምን ድኅሪ ምብጽሑ ሰዓት 7፥00 ቅ.ቀ ቅዳሴ ምእታው ኮነ።

ሥርዓተ ቅዳሴ ተፈጺሙ ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት፡ ናይ እንቛዕ ደሓን መጻእኹም ቃል ምስጋና ብሊቀ ካህናት ቀሲስ ስምኦን ቀሲስ ደበሰይ ኣቦ መንበር እዛ ቤተ ክርስቲያን በጺሑ:: ድሕሪኡ ድማ መዝሙር ብሕጻናትን መንእሰያት ቤት ትምህርቲ ስንበት ድሙቕን መሳጥን መዝሙራት ኣቕረቡ::

ካብዚ ብምቅጻል ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ሊቀ ብርሃናት ቀሲስ ግርማይ መሃሪ ብዝኾነ ትምህርቲ ናይቲ ዘመንን ዕለትን ዝሰማማዕ ቀሪቡ።

ብድሕሪዚ ብወኪል ሰበካ ጉባኤ ብዛዕባ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምዕባለን ሓጺር ጸብጻብን ምስጋናን ቀሪቡ: ብምቕጻል ታቦተ ሕጉ ብካህናትን ሊቃውንትን ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ ክርስቲያን እናተዘወረ፡ ብመንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ድሙቕን መሳጥን መዝሙራት እናኣቕረቡ፡ ኣዴታት ድማ ብዕልልታን ምኅለላን ብሓባር ድሕሪ ምዕዋዶም “ሰላመ ኣብ” ተባሂሉ ጸሎተ ምህለላ ተፈጺሙ።

ብሰበካ ጉባኤን ሕዝብን ዝተዳለወ ናይ ዕለቱ መአዲ ድሕሪ ምቕራብ፡ መደብ ናይቲ በዓል ብጸሎት ተዛዚሙ።

ክብረ በዓል ቤተ ክርስቲያን ጽርሃ አርያም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ብድምቀት ተባዒሉ!ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ግዝኣት ሜሪላንድ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጽርሃ...
08/15/2026

ክብረ በዓል ቤተ ክርስቲያን ጽርሃ አርያም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዋሺንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ብድምቀት ተባዒሉ!

ኣብ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ግዝኣት ሜሪላንድ እትርከብ ቤተ ክርስቲያን ጽርሃ አርያም ቅድስት ሥላሴ ዓመታዊ ናይ ኣጋዕዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤት ኣብርሃም ዝተረኸብሉ ክብረ በዓል ብዕለት 10ን 11ን ሓምለ 2018 ዓ.ም.ግ. (7/17-18/2026 ፈ.) ብዝተፈላለዩ ካህናትን፡ ሊቃውንትን፡ ምእመናንን ብድምቀት ተባዒሉ።

ኣብ ድሮ ዋዜማ ዓርቢ ሰዓት 4:00 ድ.ቀ፡ ካብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣሜሪካ ከብዕሉ ምስ ዝመጹ ሊቃውንትን ውሉደ ክህነትን ብሓባር ንክብርን፡ ምሕረትን ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ዝምልከት ጣዕመ ዜማ ዘለዎ ዋዜማ ድሕሪ ምብጻሕ 7፥00 ድ.ቀ ብጸሎት ተዛዚሙ።

ንጽባሒቱ ለይቲ ሰዓት 1:00 ቤተ ክርስቲያን ተደዊሉ ብምንቃሕ፡ ሊቃውንት ንክብሪ በዓል ኣጋዕዝተ ዓለም ሥላሴ ዝምልከት ንልቢ ዝምስጥ፡ ኣዕጽምቲ ዘጥልል ሥርዓተ ማኅሌት ተምሳል መላእኽቲ ኮይኖም ከብጽሑ ድሕሪ ምሕዳሮም፣ ኪዳንን ተኣምረ ማርያምን ድኅሪ ምብጽሑ ሰዓት 7፥00 ቅ.ቀ ቅዳሴ ምእታው ኮነ።

ሥርዓተ ቅዳሴ ተፈጺሙ ብዝወፀ መርሓ ግብር መሠረት፡ ናይ ዕለቱ ትምህርቲ ብመሪጌታ ብርሃነ ኃይለኣብ መሃሪ ብዝኾነ መልእኽትን ሓድነትን ሠለስተን ሥላሴ ተኣምራትን መንክራት ናይዚ ክቡር በዓልን ምስ ኣቦና ኣብርሃም ዘለዎ ምትእስሳርን፡ ሃይማኖት ዝበሃል እምነት ምስ ግብሪ፡ ግብሪ ድማ ምስ እምነት ከም ዝኾነን ተነጻጺሉ ከም ዘይከይድን ምሂሮም።

ብድሕሪዚ ብወኪል ሰበካ ጉባኤ ኣቶ ረዘነ ካሕሳይ ብዛዕባ ናይቲ ቤተ ክርስቲያን ዘሎ ምዕባለን ሓጺር ጸብጻብን ምስጋናን ኣቕሪቡ።

ብምቕጻል ታቦተ ሕጉ ብካህናትን ሊቃውንትን ብኽብሪ ተዓጂቡ ኣብ ቀጽሪ እቲ ቤተ ክርስቲያን እናተዘወረ፡ ብመንእሰያት ትምህርቲ ሰንበት ድሙቕን መሳጥን መዝሙራት እናኣቕረቡ፡ ኣዴታት ድማ ብዕልልታን ምኅለላን ብሓባር ድሕሪ ምዕዋዶም “ሰላመ ኣብ” ተባሂሉ ጸሎተ ምህለላ ተፈጺሙ።

ብሰበካ ጉባኤን ህዝብን ዝተዳለወ ናይ ዕለቱ መአዲ ድሕሪ ምቕራብ፡ መደብ ናይቲ በዓል ብጸሎትን ሥርየትን ተዛዚሙ።

ኣብ ሲያትል ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣሜሪካ እትርከብ ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ናብ ጽላል ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ምምሓዳር ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ተመሊሳ::ንነዊሕ ዓ...
08/15/2026

ኣብ ሲያትል ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣሜሪካ
እትርከብ ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ናብ ጽላል ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ምምሓዳር ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን ተመሊሳ::

ንነዊሕ ዓመታት ካብ ምሕደራ ቅዱስ ሲኖዶስ ተፈልያ ዝጸንሐት ኣብ ሲያትል እትርከብ ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ብሰናይ ተበግሶ ብጹዕ አቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካን ካናዳን: ኩሎም ኣካየድቲ ስራሕ ሃገረ ስብከት ከምኡ ድማ ኣካየድቲ ስራሕ ንኡስ ሃገረ ስብከት ምዕራብ ኣሜሪካን ናብ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ተጸንቢራ::

ብጹዕ አቡነ ኤልያስ ኣብ ዓመት ካብ ኣርባዕተ ግዜ ዘይውሕድ ናብ ስያትል እንዳ ተማላለሱ ነቲ ዝነበረ ፍልልይ እንዳ ኣጽበቡን እንዳ ኣወገዱን: እተን 4 ኣብያተ ቤተ ክርስቲያናት ማለት (ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም፡ ቤተ ክርስቲያን ኮከበ ገዳም ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ቤተ ክርስቲያን ኪዳነ ምሕረትን) ዝነበረ ፍልልይ በቲኸን ሕብረት ብምፍጣር ኣማኒ ሕዝቢ ኩሉ ዝርከቦ ዝሓለፈ ዓመታት በዓለ መስቀልን በዓለ ጥምቀትን ብዓቢ ድምቀት ብሓባር ኮይነን ከብዕላ ክኢለን ኢየን።

ከም መቐጸልታ ናይዚ ብጹዕ አቡነ ኤልያስ ከይተሓለሉ ክገብርዎ ብዝጸንሑ ኣባታዊ ማዕዳንን ጉስነትን፡ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ድማ ብዕለት 11 ወርሒ ሓምለ 2026 ብወግዒ ተጸምቢራተን።

እቲ ኣብ 07/11/2026 ዝተገብረ ናይ ምምላስ ጉባኤ ብመሪሕነት ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ዝተመርሐ ኮይኑ ካብ ንኡስ ሃገር ስብከት ምዕራብ፡ መራሕ ስራሕ ሊቀ ትጉሃን ቀሲስ ሃብተኣብ ቀሺ ሰሎሞን ከምኡ'ውን ቀሲስ ግርማይ ገብረሕይወት ኣብ ዝተረኸቡሉ: ካህናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ምእመናን ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ንብጹዕ ፅብዝማሬን ብዕልልታን ድሙቕ ኣቀባብላ ተቀበልዎም፡

ኣብቲ ዝተገብረ ዕውት ጉባኤ፡ ካህናትን ኣባላት ሰበኻ ጉባኤን ምእመናን ናይ ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ቤተ ክርስቲያን ነቲ ካብ ጽላል ቅዱስ ሲኖዶስን፡ ምምሓዳር ሃገረ ስብከትን ወጺኦሞ ዝጸንሑ ግዜ: ዝባኸነ ግዜ ብምባል ካብ ሕጂ ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅዱስ ሲኖዶስን ምምሓዳር ሃገረ ኮይኖም ስሩዕ ኣምልኾኦም ክፍጽሙ ምዃኖም ብሓጎስ ብምሉእ ድምጽ ገሊጾም።

ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ድማ ኣብቲ ዘመሓላለፍዎ ቃለ ምዕዳ ድማ ካብ ስርዓት ቤተ ክርስቲያንን ቃለ ኣዋድን ብሓፈሻ ካብ ትእዛዝ ቅዱስ ሲኖዶስ ወጺእኻ ግዕዞ ዘየክይድ ከም ዝኾነ፡ ካብኡ ሓሊፉ፡ካብ ጉንዲ ዝተበትከ ጨንፈር ከም ዘይፈሪ ከምኡ ድማ እዚ ናይ ግዜ ሕቶ እምበር ጥፍኣት እንተዘይ ኮይኑ ፍረ ከም ዘይርከቦ፡ ቃል መጽሓፍ ቅዱስ እዩ ብምባል ኣብ ቅድስቲ እምነቶም ጸኒዖም ክነብሩ ተላብዮም።

ካብኡ ብምቕጻል ድሕሪ ስሙን ኣብ ዝተኽብረ ዓመታዊ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ኩለን ኣብ ትሕቲ ጽላል ቅዱስ ሲኖዶስ ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓባር ኣብ ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ከብዕለኦ ተላብዮም። ከም ውጽኢቱ ድማ ክብረ በዓል ቅድስት ሥላሴ ብዕለት 7/18 2026 ዓ/ፈ (11/11/2018 ዓ/ግ) ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ገነት ቅድስት ሥላሴ ብመሪሕነት ብጹዕ ኣቡነ ኢልያስ ብክብ ዝበለ ድምቀት ተባዒሉ።

ኣብቲ መዛዘሚ ናይቲ በዓል ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ፡ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ሰላም ሓላፍነት ኩሉ ኣማኒ ውሉደ ክህነትን ምእመናን ከም ዝኾነን ብግቡእን ብፍርሐት እግዚአብሔርን ክሕልውዎን፡ ኣብ ሓንትን ቅድስትን ሃይማኖቶም ጸኒዖም ክነብሩን ተላብዮም: በዚ ድማ መደብ ናይቲ በዓል ብናይ ብጹዕነቶም ቡራኬን ሥርየትን ተፈጸመ።

Address

Temple Hills, MD

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Qale Tsedq ZeTewahdo ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Qale Tsedq ZeTewahdo ቃለ ጽድቅ ዘተዋሕዶ:

Shortcuts

Share