Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church

Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church Derives its ecclesiastical authority to function from the apostolic Eritrean holy synod

10/05/2024

2ይ-ክፋል

ዕርቂ ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ኣብያተ-ክርስትያን ማለት ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያምን ቤተክርስትያን ደብረ-ኢየሱስን ኣብ ከተማ ሂዩስቶን 1ይ ክፋል ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 5ተ ዓ.ም.ፈ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ይካየድ ኣሎ።
ጽባሕ ሰንበት ጥቅምቲ 6ተ 2024 ዓ.ም.ፈ.
ኣብ ቤተክርስትያን ደብረ-ኢየሱስ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክቅጽል እዩ።

እግዝእብሔር ይመስገን!

እንቓዕ ሓጎሰና!

10/05/2024

ዕርቂ ሰላም ኣብ መንጎ ክልተ ኣሕዋት ኣብያተ-ክርስትያን ማለት ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያምን ቤተክርስትያን ደብረ-ኢየሱስን ኣብ ከተማ ሂዩስቶን 1ይ ክፋል ሎሚ ቀዳም ጥቅምቲ 5ተ ዓ.ም.ፈ ኣብ ቤተክርስትያን ቅድስት ድንግል ማርያም ይካየድ ኣሎ።
ጽባሕ ሰንበት ጥቅምቲ 6ተ 2024 ዓ.ም.ፈ.
ኣብ ቤተክርስትያን ደብረ-ኢየሱስ ብተመሳስሊ ኣገባብ ክቅጽል እዩ።

እግዝእብሔር ይመስገን!

እንቓዕ ሓጎሰና!

ክብረ በዓል (ንግድት) ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ሂዩስተን ቴክሳስ Lisan Tewahdo Menbere PatriarikKidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox ...
06/26/2024

ክብረ በዓል (ንግድት) ናይ ኣደና ቅድስት ድንግል ማርያም ሂዩስተን ቴክሳስ

Lisan Tewahdo Menbere Patriarik
Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church
St. Mary Eritrean Orthodox Tewahdo Church H. TX

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!ምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2016 ዓ.ም. (2024 ፈ.) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ...
05/05/2024

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!
ምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 2016 ዓ.ም. (2024 ፈ.) ብኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዝተዋህበ ቃለ ቡራኬ።
ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን፡ በዓቢይ ኃይል ወሥልጣን፡ አሠሮ ለሰይጣን፡ አግዓዞ ለአዳም ሰላም እምይእዜሰ ይኩን ፍሥሐ ወሰላም።
ክቡራንን ክቡራትን ኣመንቲ ክርስትናን ብሓፈሻ ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወፃእን እትነብሩ ኵልኹም ኤርትራውያን፣ ጾምና ብሰላም ኣፈጺሙ እንቋዕ ናብ ብርሃነ ትንሣኤ ጐይታናንን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብደኃነ ሰላም ኣብጽሓኩም እናበልና መንፈሳዊ ሰላምታና ነቕርበልኩም።
“ወአርአየ ከመ ወልደ እግዚአብሔር በኃይሉ ወበመንፈሱ ቅዱስ ወከመ ተንሥአ ኢየሱስ ክርስቶስ እግዚእነ /ብኃይሉን ብቅዱስ መንፈሱን ካብ ሙታን ብምትንሥኡ ወልደ እግዚአብሔር ከም ዝኾነ ዘርኣየ ንሱ ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ እዩ። ሮሜ 1፥4 ከምዝብል ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መግነዝ ፍትሑለይ መቃብር ክፈቱለይ ከይበለ ሥጋኡን ነፍሱን ኣዋሒዱ ብሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኡ ነቶም ን5500 ዘመን ኣብ መግዛእቲ ዲያብሎስ፡ ኣንሥእ ኃይለከ ወነዓ ኣድኅነነ/መዝ. 80፥2 “አምላኪየ አምላኪየ ነጽረኒ ወለምንት ኃደገኒ/ኣምላኸይ ኣምላኸይ ጠምተኒ ንምንታይ ኃደግካኒ” መዝ. 22፤1 ብምባል ዝልምኑ ዝነበሩ ኣዳምን ደቁን "ሰላም ንኵልኹም ይኩን" ብምባል ሰላምን ናጽነትን ዝሃበሉ ዕለት እዩ።
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብገዛእ ሥልጣኑ፡ ሥልጣን አብን፡ ሥልጣን መንፈስ ቅዱስን መግነዝ ፍትሑለይ መቓብር ክፈቱለይ ከይበለ ተንሥአ፡ ጐይታ ኣብ ከርሢ መቃብር ሠለስተ ለይትን መዓልትን ብምግባር ሙስና መቃብር ኣጥፍኣልና፡ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ድማ "ተንሥአ እግዚእነ ከመ ይምሃረነ ተንሥኦ ሥጋቲነ" ከም ዝብል ንኣና ትንሣኤ ከም ዘለና ንኽምህረና ተንሥአ።
ከምቲ ኣምላኽናን ፈጣሪናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንፍቅርና ክብል ካብ ሰማያት ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ ቀራንዮ ተሰቂሉ ብሞቱ ትንሣኤን ሕይወትን ዝሃበና፣ ንሕና ውን በዚ በዓልና መንፈሳዊ በረኸት ምእንቲ ኽንረክብ ብፍቕርን ምክብባርን ከነሕልፎ ይግባእ።
ስለዚ ክርስቶስ ካብ ምውታን ከም ዝተንሥአ፡ ንሕና ድማ ካብ ዓራት ትህኪት ክነቅሕ፡ ካብ ዓራት ኃጢኣት ብንስሓ፡ ብምትንሣእ ንዝተሸገሩ ብምርዳእ፡ ንዝሓመሙ ምሕረት፡ ንዝገሹ ብሰላም ክመልሶም ብምጽላይ፡ ነቶም ዘይብሎም ካብታ ዘላትና ዓዓቅምና ብምሕጋዝ ከነኅልፎ ንላቦ።
ብፁዕ ኣቡነ ጴጥሮስ (ሊቀ ጳጳስ)
ዓቃቤ መንበር
https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-27-19-45-59/2019-09-30-12-00-43/item/1944-2016-2024

መልእኽቲ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳንእንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና!ቤዛ ኩሉ ዓለም ዮም ተወልደLisan Tewahdo Menbere...
01/07/2024

መልእኽቲ ብጹዕ ኣቡነ ኤልያስ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካን ካናዳን

እንቋዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና!

ቤዛ ኩሉ ዓለም ዮም ተወልደ

Lisan Tewahdo Menbere Patriarik

እንቛዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና። ኣሜን
01/07/2024

እንቛዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላም ኣብጽሓና። ኣሜን

“ብውኁድ ዝተኣመንካ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ” (ማቴ 25፥23) ዜና መዋዕል ሊቀ ማእምራን መሪጌታ ኣብርሃም ኃይለ ኢየሱስሊቀ ማእምራን መሪ. ኣብርሃም ኃይለ ...
07/04/2023

“ብውኁድ ዝተኣመንካ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ” (ማቴ 25፥23)
ዜና መዋዕል ሊቀ ማእምራን መሪጌታ ኣብርሃም ኃይለ ኢየሱስ
ሊቀ ማእምራን መሪ. ኣብርሃም ኃይለ ኢየሱስ ብ1948 ዓ.ም (1956 ዓ.ም.ፈ) ካብ ኣቦኦም ኃይለ ኢየሱስ ዑቕቡን ካብ ኣደኦም ኣስካሉ ቀሲስ ጸጋይን ኣብ ዓዶም ጸዓዘጋ፡ ተከለ ዓገባ፡ ናይ ሕጂ ንኡስ ዞባ በሪኽ ተወሊዶም፣ ክሳብ ወዲ 7 ዓመት ዝኾኑ ምስ ኣቦኦምን ኣዲኦምን ብኣገባብ እናዓበዩ ምስ ጸንሑ፣ ኣቦሓጎኦም ቀሲስ ጸጋይ ክፍለ፡ “ነዛ ክህነተይ ዝትክእ ንሱ እዩ” ዝብል ትንቢታዊ ሓሳብ ስለዝመጾም፣ ኣብ ትሕቲኦም ክዓብዩ ካብ ጸዓዘጋ ናብ ዓዲ ገብሩ ወሰድዎም። ኣብቲ ዓዲ መሪ. ጽጌ ዝተባህሉ መምህር ስለዝነበሩ ከኣ ካብ ፊደል ምቝጻር ኣትኂዞም ክሳብ ንባብ ወንጌል ዮሓንስ ተማህሩ። ብድኅርዚ ወዲ 13 ዓመት ምስኮኑ፡ ኣቦሓጎኦም ቀሲስ ጸጋይ ክፍለ ብልሒ ኣእምሮኦም ኣስተውዒሎም፣ ማይ ወሪዱ ከስተይኒ፡ ዕንጸይቲ ኣርዩ ከሙቐኒ ከይበሉ ብቑዕ ‘ኣብነታዊ ትምህርቲ ዝምህሩ ፍሉጥን ውሩይን ኣብ ዓዲ ከፈለት ዝተባህለ ዓዲ የነታ ኣካለወልድ ዝበሃሉ ኣለዉ’ ስለዝምሰዑ፣ ስንቆም ቆጺሮም ናብ የነታ ኣካለወልድ ኣረከብዎም።
ሊቀ ማእምራን መሪ. ኣብርሃም ፍሉይ ተውህቦ ናይ ምስማዕን ምስትውዓልን በሊሕ ኣእምሮ ስለዝተዋህቦም፣ ካብ የኔታ ኣካለወልድ ምሉእ ያሬዳዊ ዜማን ንባብን ብጽፈት ኣብነታዊ ዘብቅዕ ትምህቲን ተማህሩ። እዚ ማለት ድማ ዜማ ውዳሴ ማርያም ፡ ትምህርተ ኅቡኣት፡ መስተጋብእ፡ ኣርባዕት፡ ኣርያም፡ ሠለስት፡ ክሥተት፡ ምስማክ፡ ምሉእ ምዕራፍ፡ ጾመ ዱጓ፡ ኣቋቋም ክብረ በዓል ምስ መዝሙርን ወርኃ በዓልን፡ መዝገበ ቅዳሴ፡ ዝማሬ መዋሥዕት፡ ንባብ መጽሓፍ ክሳብ ዳዊት ብጽፈት ንመምህርነት ዘብቅዕ ተማህሩ።
“ተመሃራይ ከም መምህሩ እንተኾነ ይኣኽሎ እዩ” (ማቴ. 10:24) ከምዝብል መሪ. ኣብርሃም ድማ ኣብነታዊ ብቑዕ መምህር ከም መምህሮም ኮኑ። ብድኅርዚ ትምህርት ቅኔ ንኽመሃሩ ናብ ገዳም ኣቡነ ኣብሳዲ (ደብረ ማርያም) ናብቶም ውሩይን ፍሉጥን መምህር ቅኔ ዝነበሩ የኔታ ዮሓንስ ዝበሃሉ ከይዶም፣ ቅኔ ምስ ኣገባቡን ባሕረ ሓሳብን ተማሂሮም ኣብነታዊ መምህር ኮይኖም ተረኽቡ። ከምኡ’ውን ዝተረፈ ትምህርቶም ንምጽፋፍ ናብ ገዳም ኣቡነ መርቆሬዎስ (ደብረ ድማኅ) ንዝተወሰነ ዓመታት ተቐሚጦም ተማህሩ። ኣብዚ ገዳም እዚ ከኣ መኒኖም ብምንኵስና ከገልግሉ ሓሳብ ከምዝነበሮም ናይ ቐረባ ፈለጥቶም የዘንትዉ እዮም።
እንተኾነ በቲ ጊዜ‘ቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ኲናት፡ ቅትለትን ሞትን ስለዝበዝኀ፣ ደሃይ ስድራቤቶም ክፈልጡ ንዓዲ መጽኡ እሞ፣ እቶም ብክንክን ኣዕብዮም፡ ኣብነታዊ መምህር ንክኾኑ ዘምሃሩዎም ኣቦሓጎኦም ቀሲስ ጸጋይ፡ ብግፍዒ ጸላኢ ተቐቲሎም ዓሪፎም ጸንሕዎም። ድኅሪዚ ዓባዮም ኣደይ ወለተኪዳን ዝኣልየን ስለዝሰኣና ንዕአን ክኣልዩ ኣብ ዓዲ ገብሩ ተቐመጡ። ዓባዮም ውን ቍሩብ ጸኒሐን ምስ ዓረፋ፣ ብ1971 ዓ.ም (1979 ዓ.ም.ፈ) ምስ ወይዘሮ ኣመተጽዮን ገብረእግዚአብሔር ብሕጊ ቃል ኪዳን ተመርዕዮም ኣብ ጸዓዘጋ ደብረ ሰላም ቅዱስ ጊዮርጊስ መምህር ተመዲም በቲ ዝተማህርዎ ትምህርቲ ብዙኃት ዲያቆናትን ካህናትን ኣፍረዩ።
ሊቀ ማእምራን መሪ. ኣብርሃም ሓሳባቶም ሰፊሕ ስለዝነበረ፡ “ንዅሉ ሠናይ ትምህርቲ ክበጽሖ ኣሎኒ” ብምባል፣ ጊዜያዊ ትምህርቲ ምእንቲ ክመሃሩ ብ1987 ዓ.ም.ፈ ካብ ጸዓዘጋ ናብ ኣሥመራ መጺኦም፣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ሰላም ቅዱስ ጊዮርጊስ ገጀረት ተመዲቦም ከም መምህር እናኣገልገሉ፣ ብዙኃት ዲያቆናትን ካህናትን ኣፍረዩ፤ እቲ ዝሓሰብዎ ጊዜያዊ ትምህርቲ ከኣ ኣብ ናይ ምሽታዊ እብረ እናተማህሩ 12 ክፍሊ ኣጠናቐቑ። ድኅሪ ናጽነት ሃገርና ኤርትራ መሪ. ኣብርሃም ብ1994 ዓ.ም.ፈ፡ ኣብ መንበረ ፓትርያርክ ኣሥመራ ኣብ ክፍሊ ቅርሳ ቅርሲ (ቤተ መዝክር) ዋና ጸሓፊ ኮይኖም ተመዲቦም ብትግሃትን ተወፋይነትን ሠሪሖም እዮም። ከም ብሓድሽ ብዕቤት ኣብ ክፍሊ ንብረት ኃላፊ ኮይኖም ተመዲቦም እናሠርሑ እንከለዉ ብ2004 ዓ.ም ፈረንጂ ክእለቶም፡ ዓቕሞም፡ ትምህርቶምን ትዕግሥቶምን ርእዮም፣ ናብ ሃገረ ኣሜሪካ ክፍለ ሃገር ቴክሳስ ከተማ ህዩስቶን ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ተላእኩ። ኣብዚ ቦታ ኮይኖም እናኣገልገሉ፡ ኣብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ንመጀመርታ ጊዜ ሃገረ ስብከት ኣብ ዝቖመሉ ምክትል ኣቦ መንበር ብምዃን ን3 ዓመታት ኣገልገሉ።
ሊቀ ማእምራን ኣብርሃም ኣብ ኅቡራት መንግሥታት ኣሜሪካን ካናዳን ንዝርከባ ኵለን ኣብያተ ክርስቲያናት፡ ንኣገልገሎት ቀዳምነት እናተረኽቡ ዘገልገሉ ብምዃኖም ብኃለፍቲ ቤተ ክርስቲያን፡ ቤተ ክህነትን ሕዝብን ዝምስገኑ ሊቅ ከምዝነበሩ ሃገረ ስብከት ኣሜሪካ ዝምስክርዎ ሓቂ እዩ። ሊቀ ማእምራን ኣብርሃም በቲ እግዚአብሔር ዝሃቦም ጸጋ “ናሁ ጸጋሁ ውሉድ ዕሤተ ፍሬሃ ለከርሥ” ከምዝብል ኣቦ 4 ኣወዳትን 5 ኣዋልድን ኮይኖም፣ ከምቲ ቃሉ ኮይኖም ዝተረኽቡ ኣቦ እዮም። 1ይ ጢሞ 3:1። ቲቶ 1:6-9 ብተወሳኺ’ውን እግዚአብሔር ብዝሃቦም ብሩህ ኣእምሮን ፍልጠትን፡ ደኺመ ከይበሉ፡ ኣድለይቲ ዝኾኑ መጽሓፍቲ ከም ባሕረ ሓሳብን መጽሓፈ ቀሌምንጦስን ከምኡ ድማ ንኅትመት ተዳልዩ ዘሎ መጽሓፍ መዝገብ ቅዳሴ ንቤተ ክርስቲያን ኣበርኪቶም እዮም።
ኣብ መፈጸምታ ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ናብ ጢሞቲዎስ ዝጸሓፎ መልእኽቱ፣ “ሠናይ ገድሊ ተጋዲለ እየ፤ ጕያይ ወዲአ እየ፤ ነታ እምነት’ውን ሓልየያ እየ፤ ደጊም እቲ ቅኑዕ ፈራዲ ዝኾነ ጐይታ በታ መዓልቲ እቲኣ ዝህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ ኣሎ” ዝበሎ፡ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ሠናይ ጕያኦም ወዲኦም፡ ብዝኃደሮም ሓፂር ሃንደበታዊ ሕማም ብዕለት 4 ሰኔ 2015 ዓ.ም (11/06/2023 .ፈ) ኣብ ሕክምና ዓሪፎም። ስለዚ በቲ ዘፍረዩዎ ፍረ ከምቲ ነቲ በዓል 10 “ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሽመካ እየ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ።” ዝበሎ ንእኦም ዘይኃልፍ መንግሥተ ሰማያት፣ ንስድራቤቶም ድማ ጽንዓት ክህብ እግዚአብሔር ሠናይ ፍቓዱ ይኹን።

ቅኔ ሥላሴ ብሊቀ ብርሃናት መሪ. አፈወርቅ፦
ኢንክል ለብሂል መንገለ ከሀ ወኀበ ዝየ እንዘ ጊዜሁ ብርሃን እለ ተጋባእነ ንሕነ፣
ፀሓይ ሊቀ ማእምራን እስመ ዓርበ ብነ፣
እምነ ዓለም ስደት ይእዜ እንዘ በዋሕድ ሀሎነ፣
ደመና መቅበርተ በዘተከድነ፣
ኀበ ላዕል ወታሕት ኢይርአይ ዓይንነ፣
ዘዘኮነ ከማሁ ኢኮነ።
ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

“ብውኁድ ዝተኣመንካ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ኣብ ልዕሊ ብዙኅ ክሸመካ እየ” (ማቴ 25፥23) ሊቀ ማእምራን መሪ. ኣብርሃም ኃይለ ኢየሱስ ብ1948 ዓ.ም (1956 ዓ.ም.ፈ) ካብ ኣቦኦም ኃይለ ኢየሱስ ዑ

07/01/2023

ዑደት ታቦት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሂዪስቶን ቴክሳስ

07/01/2023

ስብከት ብ መርጌታ ሰመረ
ኣብ ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሂዪስተን ቴክሳስ።

07/01/2023

ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church Lisan Tewahdo Menbere Patriarik St. Mary Eritrean Orthodox Tewahdo Church H. TX Kidstie Mariam Church

07/01/2023

ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

07/01/2023

ዋዜማ ዘሕንጸተ ቤታ

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም

Lisan Tewahdo Menbere Patriarik

Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church

Address

7860 W. Fuqua Drive
Missouri City, TX
77489

Opening Hours

Saturday 9am - 12pm
Sunday 5am - 12pm

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Kidstie Mariam Eritrean Tewahdo Orthodox Church:

Share