04/04/2026
ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ ኣሜን!
ናይ ዕለቱ (መጋቢት 26/
April 04🗓️)
⛪️.ምስባክን ምንባባትን
🎤:-
ተሐፅበኒ እምበረድ ወእፀዐዱ፤
ታሰምዐኒ ትፍሥሕተ ወሐሤተ፤
ወይትፌሥሑ አዕፅምተ ጻድቃን።
መዝ. ፶፥፯-፰
✍️:-ትርጉም:-
ብስምዕዛ ንጸገኒ ኽነጽህ ድማ እየ፤ ሕጸበኒ፤ ካብ በረድ ከዓ ኽጽዕዱ እየ። ደስታን ሓጐስን ኣስምዐኒ፤ ዝሰበርካዮም ኣዕጽምተይ ደስ ይበሎም። ዳዊት 51:7-8
📖:- ወንጌል. ማቴዎስ 26:14-31
ሽዑ እቲ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ዝተብሃለ ሓደ ኻብቶም ዓሰርተ ኽልተ፥ ናብ ሊቃነ ካህናት ከይዱ፥ “ኣነ ንኢየሱስ ኣሕሊፈ ኽህበኩምስ እንታይ ትህቡኒ?” በሎም። ንሳቶም ከዓ ሰላሳ ቕርሺ ሃብዎ። ካብታ ዕለት እቲኣ ጀሚሩ ድማ፥ ኣሕሊፉ ኽህቦ ምችዊ ጊዜ ይደሊ ነበረ። በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ፋሲካ፥ ደቀ መዛሙርቱ ናብ ኢየሱስ ቀሪቦም “ድራር ፋሲካ ኽትበልዕስ፥ ኣበይ ክነዳልወልካ ትደሊ?” በልዎ። ንሱ ድማ “ናብ ከተማ ኼድኩም ንእገለ ‘መምህር፥ ጊዜይ ቀሪቡ እዩ እሞ፥ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ኣብ ገዛኻ ፋሲካ ኸብዕል እየ ይብል ኣሎ’ በልዎ” በሎም። እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ ከምቲ ኢየሱስ ዝኣዘዞም ገበሩ፤ ድራር ፋሲካውን ኣዳለዉ። ምስ መሰየ ምስቶም ዓሰርተ ኽልተ ደቀ መዛሙርቱ ኣብ ማእዲ ተቐመጠ። እናበልዑ እንከለዉ ኸዓ “ካባኻትኩም ሓደ ኣሕሊፉ ኸም ዝህበኒ፥ ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” በሎም። ንሳቶም ከዓ ብዙሕ ሓዘኑ፤ ነፍሲ ወከፍውን “ኦ ጐይታ! ኣነ ደኾን እኸውን?” ክብልዎ ጀመሩ። ኢየሱስ መሊሱ “እቲ ኢዱ ኣብ ፃሕሊ ምሳይ ዝፀብሕ፥ ንሱ እዩ ኣሕሊፉ ዝህበኒ። ወዲ ሰብ ከምቲ ብዛዕባኡ ዝተፅሓፈ ኽመውት እዩ፤ ነቲ ንወዲ ሰብ ኣሕሊፉ ዝህቦ ሰብ ግና ወይለኡ! እቲ ሰብ እቱይ ከም ዘይተወለደ ምሐሾ ነይሩ” በለ። እቲ ዘትሕዞ ይሁዳ ድማ፥ “መምህር፥ ኣነ ደኾን እየ?” ኢሉ ጠየቖ፤ ኢየሱስ ከዓ “ባዕልኻ እኳ ትብል ኣለኻ” በሎ። እናበልዑ እንከለዉ፥ ኢየሱስ ሕብስቲ ኣልዓለ፤ ኣመስጊኑ ድማ ቘሪሱ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ “እዚይ ስጋይ እዩ፤ እንኩ ብልዑ” ኢሉ ሃቦም። ከምኡውን ፅዋዕ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ፥ “እዚይ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዝፈስስ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፥ ካብዚ ኵልኻትኩም ስተዩ” ኢሉ ሃቦም። “ድሕሪ ሕጂ፥ ክሳዕ እታ ዕለት እቲኣ፥ ኣብ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም፥ ከም ብሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፥ ካብዝ ፍረ ወይኒ እዚይ፥ ከቶ ኸም ዘይሰቲ እብለኩም ኣለኹ” ድማ በሎም። ናይ ምስጋና መዝሙር ምስ ዘመሩ፥ ናብ ደብረ ዘይት ደየቡ። ሽዑ ኢየሱስ “ ‘ነቲ ጓሳ ኽቐትሎ እየ፤ እተን መጓሰ ኣባጊዕ ድማ፥ ፋሕ ክብላ እየን’ ዝብል ተፅሒፉ ኣሎ እሞ፥ በዛ ለይቲ እዚኣ፥ ኵልኻትኩም ክትክሕዱኒ ኢኹም።
📜:- መልእኽታት ንባብ
➡️ 1ይ ቆሮንቶስ 11:20-30
እቲ ብሓደ ምእካብኩም፥ ማእዲ ጐይታ ንምብላዕ ኣይኮነን። ክትበልዑ እንከለኹም፥ ነፍሲ ወከፍ ተቐዳዲሙ ደድራሩ ይበልዕ እዩ እሞ፤ እቲ ሓደ እንክጠሚ፥ እቲ ሓደ ይሰክር። እትበልዑሉን እትሰትዩሉን ኣባይቲዶ፥ የብልኩምን ኢኹም? ነቶም ዘይብሎም እተሕፍርዎም ዘለኹምስ፥ ንቤተ ክርስቲያን እግዚኣብሄር ንዒቕኩም ዲኹም? እንታይ እሞ ኽብለኩም እየ? ወይ እንታይ እሞ ኽብል? በዚ'ዶ ኽንእደኩም እየ? ከቶ ኣይንእደኩምን። እቲ ንኣኻትኩም ዘመሓላለፍኩልኩም፥ ነቲ ኻብ ጐይታ ኢየሱስ ዝተቐበልኩዎ እዩ፤ ጐይታና ኢየሱስ፥ በታ ዝተትሓዘላ ለይቲ፥ ሕብስቲ ኣልዓለ። ኣመስጊኑ ቘሪሱ፥ “እንኩ፥ ብልዑ፤ እዚይ ምእንታኻትኩም ዝወሃብ ስጋይ እዩ፤ እዚይ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ከምኡ ኸዓ ምስተደረሩ፥ ነቲ ፅዋዕ ኣልዒሉ “እዚ ጽዋዕ እዚይ፥ ብደመይ ዝኸውን ሓድሽ ኪዳን እዩ፤ ኣብ እትሰትዩሉ ጊዜ ዅሉ፥ ንመዘከርታይ ግበርዎ” በለ። ነዚ ሕብስቲ እዙይ ኣብ እትበልዕዎ፥ ነዚ ጽዋዕ እዚይውን ኣብ እትሰትይዎ ጊዜ ዅሉ፥ ክሳዕ ጐይታ ዝመፅእ፥ ሞቱ ኢኹም እትነግሩ። ስለዚይ እንከይተገብኦ፥ ሕብስቲ ጐይታ ዝበልዕ ወይ ፅዋዕ ጐይታ ዝሰቲ፥ ንናይ ጐይታ ስጋን ደምን እዩ ዝብድል። እምበኣር ሰብ ካብዚ ሕብስቲ እዚ ቅድሚ ምብላዑን፥ ካብዚ ፅዋዕ እዚ ቅድሚ ምስታዩን ንባዕሉ ይመርምር። እንከይተገብኦ ዝበልዕን ዝሰትን፥ ናይ ጐይታ ስጋ ስለ ዘይፈለጠ፥ ኣብ ባዕሉ ፍርዲ እዩ ዘምፅእ። በዚ ምኽንያት እዚይ እዮም፥ ኣብ ማእኸልኩም ብዙሓት ድኹማትን ሕሙማትን ዘለዉ፤ ዝደቀሱውን ብዙሓት እዮም።
➡️ 1ይ ዮሃንስ 3:18-24
ኣቱም ደቀይ፥ ብግብርን ብሓቅን እምበር፥ ብቓል ወይ ብልሳን ጥራሕ ኣይንፋቐር። ካብ ሓቂ ወገን ምዃንና ኸዓ፥ በዙይ ክንፈልጥ ኢና፤ ሕሊናና እንተ ወቐሰና፥ እግዚኣብሄር፥ ካብ ኵሉ ዝዓብን፥ ኵሉ ዝፈልጥን ስለ ዝኾነ፥ ንልብና ኣብ ቅድሚኡ ኽነህድኦ ኢና። ኣቱም ፍቑራተይ፥ ልብና እንተ ዘይወቐሰና ግና፥ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ትብዓት ኣለና። ትእዛዛቱ እንሕሉን፥ ንእኡ ዘሐጕሶ እንገብርን ስለ ዝኾንና ድማ፥ ነቲ ዅሉ እንልምኖ ኻብኡ ኽንቕበል ኢና። ትእዛዙ ድማ፥ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዘና ጌርና፥ ብስም ወዱ ኢየሱስ ክርስቶስ ክንኣምንን፥ ንሓድሕናውን ክንፋቐርን እዩ። እቲ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ዝሕሉ፥ እግዚኣብሄር ኣብኡ ይነብር። ንሱውን ኣብ እግዚኣብሄር ይነብር። እግዚኣብሄር ኣባና ኸም ዝነብር ከዓ፥ በቲ ዝሃበና መንፈስ ቅዱስ ኢና እንፈልጥ።“
➡️ ግብሪ ሃዋርያት 4:24-31
ንሳቶምውን ነዚ ምስ ሰምዑ፥ ብሓደ ልቢ ኾይኖም፥ ድምፆም ልዕል ኣቢሎም፥ ናብ እግዚኣብሄር ከምዚይ በሉ፦ “ኦ ሰማይን ምድርን ባሕርን ኣብኣተን ዘሎ ዅሉን፥ ዝፈጠርካ ጐይታ! ከምቲ ብመንፈስ ቅዱስ፥ ብኣፍ ኣቦና ዳዊት ባርያኻ ‘ስለ ምንታይ ኣህዛብ ተቘጥዑ፤ ህዝብኸ ንምንታይ ከንቱ ነገር ይኣልሙ? ነገስታት ምድሪኸ ንምንታይ ተልዓሉ፤ እቶም መኳንንትኸ፥ ንእግዚኣብሄርን ንመሲሑን፥ ክፃረሩ ብሓደ ተኣከቡ’ ዝበልካዮ ብሓቂውን ሄሮድስን ጴንጤናዊ ጲላጦስን፥ ምስ ኣህዛብን ምስ ህዝቢ እስራኤልን፥ ኣብ ልዕሊ እቲ ዝቐባእኻዮ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ንሻራ ተልዓሉ። እዙይ ዝኾነውን፥ ንስኻ ኣቐዲምካ ብፍቓድካን ብሓይልኻን ዝወሰንካዮ፥ ምእንቲ ኽፍጸም እዩ። ሕጂ ድማ፥ ኦ ጐይታ! ምፍርራሖም ረአ፤ ንኣገልገልትኻ ኸዓ፥ ቃልካ ብምሉእ ትብዓት ክናገሩ ኣኽእሎም። ብስም እቲ ቕዱስ ወድኻ ኢየሱስ፥ ሕሙማት ክሓውዩ፥ ምልክትን ተኣምራትን ክፍፀም፥ ኢድካ ዘርግሕ” ኢሎም፥ እናፀለዩ እንከለዉ፥ እቲ ተኣኪቦሙሉ ዝነበሩ ስፍራ ተናወጸ፤ ኵላቶም ድማ ብመንፈስ ቅዱስ ተመልኡ፤ ቃል እግዚኣብሄርውን ብትብዓት ተዛረቡ።
💠 ቅዳሴ ናይ ኤጲፍንዮስ ወይ ጎይታና
ብሩኽ መዓልቲ