ራኢ ወለደ

ራኢ  ወለደ እዚ ገጽ እዚ ኣሰር ነቶም ብዓላማን ራእን ዝጎየዩ ዝጎዩ ዘለው ምድጋፍ ኣሰር ኣሰሮም ምስዓብ ዩ ።

02/09/2022
Congratulations all graduated ,teachers ,family and congratulations to BEARA THEOLOGY School In Khartum GOD bless you al...
02/09/2022

Congratulations all graduated ,teachers ,family and congratulations to BEARA THEOLOGY School In Khartum GOD bless you all

05/09/2021

ኣብ ኮምፒተረይ ክጸንሓኒ እዩ ኢለ ዘይሓሰብክዎ ፋይል ቅድሚ ቁሩብ ደቃይቅ ረኺበ። እዚ ፋይል ኣብ ጋዜጣ ኣልፋ ከገልግል ከለኹ፡ ኣዳለውቲ ጋዜጣ (ኣገ. ዳኒኤልን ኣገ. ኪዳነን) ቃለ መጠይቅ ፓስተር ሚካኤል ናብ ጽሑፍ ክቅይሮ ዕዮ ብዝሀቡኒ መሰረት ኣዳልየዮ እካ እንተነበርኩ፡ ኣብ ሕትመት ቀዳማይ ክፋል ጥራሕ እዩ ወጺኡ። እቲ ካልኣይ ክፋል ክወጽእ እናትባህለ ብምክንያት መገሻ ኣዳለውቲ ኣብ ጋዜጣ ኣይወጸን።
እንሆ ሕጂ ሰዓቱ ኣኪሉ፡ ንክብሪ ኣምላኽን ንታሪኽ ፓስተር ሚካኤን ከተንብብዎ ይልጥፎ ኣለኹ። ምስ ኣንበብኹም ድማ share ግበርዎ መታን ንስድርኡን ፈተውቱን ክበጽሕ። ሰናይ ንባብ
ጋዜጣ አልፋ ምስ ፓስተር ሚኪኤለ (2015፡ አዲስ አበባ)
አልፋ፡ ፓስተር ሚኪኤለ መጀመሪያ ዕድሜና አክቢርካ ነዚ ቃለ መጠይቅ ከነካይድ ፍቃደኛ ስለዝኮንካ ብሽም ጋዜጣ አልፋን ብሸም አንበብትን ከመስግነካ ይፈቱ።
ፓ.ሚኪኤለ፡ አነውን አቀዲመ ከመስግነኩም ይደሊ፤ ከምዚ ዝአመሰለ ዕድል ምርካብ ቀሊል አይኮነን። ስለዚ እግዛብሄር ይባርኩም፤ ቀጽልዎ ከአ ክብለኩም እደሊ። አልፋ፡ ምስ ገዛእ ርእስካን አገልግሎትካን ዶ ክትላለየና?
ፓ. ሚኪኤለ፡ ፓስተር ሚኪኤለ አብርሃ እየ ዝብሀል። አገልግሎተይ ከአ ምምህርና እዩ። ታሕሳስ 29፤ 1971 ዓ .ም ተመሀራይ ዩኒቨርስቲ ተቀቢለ። አብቲ እዋን ንፉዕ ተማሀራይ ስለዝነበርኩ ካብ ትምህርቲ ዓለም ክፍለ ድሌት አይነበረንን፤ እንተኮነ ጐይታ ምስ ተቀበልኩ ድሕሪ ክልተ ሰሙን ማለት ብ14 ጥሪ 1972 ዓ.ም ብወንጌል ከተገልግለኒ እየ ዝደልየካ እዚ ትምህርቲ'ዚ ንዓካ አይኮነን ዝብል ድምጺ ሰሚዐ ዪኒቨርሲቲ አቋርጸዮ። ሽዑ ንዝፈልጦም ሰባት ጐይታ ንወንጌል ጸዊዑኒ ክብሎም ከሎኩ ዝሰምዓኒ ሰብ አይነበረን አይነበረን። ምክንያቱ እቲ እዋን ብዙሓት አመንቲ ብምክንያት ወንጌል ዝነበሮም ጽቡቅ ቦታታት ሓዲጎም ይወጹ ስለዝነበሩ እዩ። ትምህርቲ ንፉዕ ስለዝነበርኩ ብፍላይ ሓደ ሓዊ እዚ ትብሎ ዘሎካ ካብ ሰይጣን ከይከውን ይብለኒ ኔሩ። ክንራከብ ከሎና ሕጂ ንሰሐሐቆ ነገር አሎ። አነ ሰይጣን'ዶ ንወንጌል ይጽውዕ እዩ እናዳበልኩ ይጭርቀሉ፤ ንሱ ከአ ብጊዲኡ አታ ግደፈና እንዶ እዚ ብቆልዕነትና ዝተዛረብናዮ እናዳአምጻእካ … እናዳበለ የስሕቀኒ። እንታይ ክብል ደልየ እየ ጐይታ'ሲ ቀልጢፉ እዩ ንአገልግሎት ጸዊዑኒ። ቅድሚ እዚ ግን መጀመሪያ ምስ ተጋድሎ ቀጺለ ከአ ምስ ህዝባዊ ሓይልታት አብ ፖለቲካ ይነጥፍ ኔረ። ትምህርተይ አቋሪጸ ንደቀምሐረ ምስተመለስኩ ኮፍ ክብል ዝለዘይደለኩ አብ ናይ ሚሶናውያን ቤት ትምህርቲ መምህር ኮይነ ክሳብ 1973 ብዘይክፍሊት ብነጻ ምሂረ። ናይ ፓለቲካ ሰብ እዮ ኢሎም ስለዘይአምኑኒ አብዮምኒ ኔሮም፤ ወላ ብነጻ ክምህር ምስ በልክዎም እዮም ተቀቢሎምኒ። ሓንቲ ዓመት ምስ መሀርኩ ሓላፊ ናይቲ ቤትትምህርቲ ዝነበረ ሚስተር ሀይበርድ ብቅዓተይ ርእዮ እንደገና ዮኒቨርስቲ ክቅጽል እዃ እንተደለየኒ አነ ግና አምላኽ ንአገልግሎቱ ከምዝጸውዓኒ አጸቢቀ ተረዲአ ስለዝነበርኩ ምምህርና ገዲፈ ናብ አዲስ አበባ መጺአ። አብ አዲስ አበባ ክርስትያን ሰንተር ቤተክርስትያ ሕጂ ሕብረት ቤተክርስትያን ተባሂሉ ዘሎ ጐይታ ከም መድሓኒየ ተቀቢለ
1ከጠምቁኒ ምስ በሉ ወንጌል አብዝተዘርአለይ ደቀምሓረ ከይደ እየ ዝጥመቅ ስለዝበልክዎም እዚ ገና ናይ
ፓለቲካ ነገር አይወጸሉን ኢሎም ክሳዕ ኮምኒስት እዩ ምባል በጺሖም። በዝን ወዲከምዝን ምክንያታት
ቤተክርስትያን ምካድ ገዲፈዮ ነውሕ ጸኒሐ ብ21 የካቲት1975 እንደገና ንደቀምሓረ ተመሊሰ። ሓደ መዓልቲ
ፓስተርና ዝነበረ ዶ/ር ምስግና ምስ ዑቅባምካኤል ዝብሀል ሐዊ አብ ገዛይ መጺኦም እንደገና ናብ ሕብረት
ክመጽእን ከገልግልን ምስ አተባብዑኒ፤ ምሽ አነ ኮሚኒስት ኢየ፤ እንታይ ክገብር ቸርች ክመጽእ ኢለ አብዮም
ኔረ። ብዝኮነ መቸም አብታ ልዕሊ 50 ዝኮኑ ካብ ዩኒቨርስትን ኮሌጃትን ሀይስኩልን እትጥርንፍ ሕብረት
ተማሀሮ ተጸምቢረ ፓስተር ምስግና ዝህበና ዝነበረ ትምህርቲ ክሳተፍ ጀሚረ። እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ ሓደ
ምሸት ቃል አምላክ እናንበኩ አብ ግብረሓዋርያት ምዕራፍ 9፡5 “ናብ አፍ ብልሒ እንተአድሓርሓርካ ንርእስካ
ይገደካ” እትብል ቃል ብፍሉይ ንልበይ ወጊአትኒ። ብኡንብኡ ካብ ዓራተይ ወሪደ እናጸለኩ ከለኩ ከአ፤ ጽባሕ
ንዘለዓሉ ሕቶታት ምስግና ዘይኮነስ ንስካ ኢካ ትምልሶም ዝብል ቃል ይሰምዕ።
አልፋ፡ ከመልሰካ ፓስተር፤ ንበዓል ፓስተር ምስግና አነ እኮ ኮሚንስት እየ ክትብሎም ከሎካስ እንታይ ማለትካ
እዩ ኔሩ? አሚንካሉ ዲካስ ወላስ?
ፓስተር ሚኪኤለ፡ ኮሚኒስት ኮይነ ነዊሕ ስለዝጸንሓኩ ዋላ ናብ ጐይታ ምስመጻእኩ ውን ተጽዕኖኡ ኔሩ እዩ
አልፋ፡ ክሳብ እዛ ክትብላ ዝጸንሓካ ለይቲ ማለት ዲዩ?
ፓስተር ሚኪኤለ፡ እወ፡ ድሓር ንጽባሐይቱ ድሕሪ ትምህርቲ ምስግና ሕቶታት እንተሎና ምሰ ሓተተ፤ ተመሀሮ
ክሐቱ ጀሚሮም። ንምስግና አነ ክምልሰሎም አፍቂደ አነ ሕቶታቶም አነ መሊሰዮ። ዑቅባንኪኤል ሽዓ ምሸት
ናብ ገዛይ መጺኡ ሎሚ ፕርግራም ፍሉይ ኔሩ እንታይ እዩ እቲ ነገር በለ። ዑቅባንኪኤል ንዓይ ናይ ሓቂ ከም
ባርነባስ ኮይኑ እዩ አሊዩኒ። እዚ ዝከውን ዘሎ ጐይታ ምስ ተቀበልኩ ድሕሪ 3 ዓመትን 9 ወርሕን እዩ። አብዚ
እዋናት ንምስግና ክጥመቅ ደልየ ይብሎ ዝተጠምቁ እዩ ዝመስሎ ኔሩ ክሳዕ ሕጂ አይተጠመቅካን ኔርካ ኢሉ
ገሪምዎ። ተጠሚቀ አባል ኮይነ ቅሩብ ጸኒሐ ከአ ሽማግለ ቤተክርስትያንን ተሓዝ ገንዘብን ኮይነ አገልጊለ።
አብዚ ኩሉ ግን ብፍላይ አደይ ማስተር ዲግሪ ክህልወኒ ትጽቢት ስለዝነበራ ናይ ትምህርቲ ነገር አዚዩ
ይፍትነኒ ነሩ። እንተድአ ተመርዕየ እዚ ነገር ክዕጾ እዩ ኢለ ገና ወዲ 25 ዓመት ከለኩ ቀልጢፈ ብ1977
ተመርዕየ፤ አብ ዓመትና ከአ ወሊድና። አብዚ ብዛዕባ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክዛረቦ ዝደሊ፤ አብ
21975 እዩ ናይ ጆን ማካርቱር ስብከት ብካሴት እናሰማዕኩ ከለኩ ሓንቲ ራኢ ክርኢ ጀሚረ። እናታይ እዩ ኔሩ እቲ
ራኢ፤ አብ ሓንቲ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ኤርትራ እናመሀርኩ እዩ ኔሩ። እዚ ራኢ ንፓስተር ምስግናን
ዑቅባንኪኤልን ምስ ነገርክዎም፤ ብዙሕ አይአመኑን። ከምዚ እናበለ ፓስተር ምስግና ንወጻኢ ምስከደ አብ
ክንድኡ ዑቅባንኪኤል ተተኪኡ ድሕሪኡ ከአ ብ1979 ቤተክርስትያን ናዓይ ፓስተር ሾይማትኒ። ክሳዕ 1987
ከአ ፓስተር ኮይነ አገልጊለ። እንደገና ብ1982 መጽሓ ፍ ቅዱስ ዘፍጥረት 22 እንዳአንበብኩ ከሎኩ፤ ንምንታይ
ግን አምላክ ንአብርሃም ኢሳቅ ወዱ ክስውአሉ ሐቲትዎ? ኢለ ንገዛእ ርእሰይ ሓቲተ፤ ተመሊሰ ንገዛእ ርእሰይ፤
አምላክ ንክልቲኦም ክባርኾም ስለዝደለየ እዩ ኢለ መሊሰያ። ብኡንብኡ አምላክ ትምህርቲ ናዓካ አይከውንን
እዩ ዝበለካስ ካባካ ክወስዶ ስለዝደለየ ዲዩ? ዝብል ሕቶ አብ ውሽጠይ ምስመጸኒ እንዳፈራሕኩ እወ ይብል
እሞ፤ አይ ከምታ ቀዳመይቲ እባ መልሳ ዝብል ብርቱዕድምጺ ይሰምዕ። ድሕሪ እታ ራኢ ዝረአኩላ 7 ዓመት
ብአካል ዘይኮነስ ብወረ ዝፈልጠኒ ሚስተር ቮልቮልስኪ ዝበሀል አብ ደቀምሓረ ዝነበረ ክርስትያን ፈረንጂ፤
እግዛብሄር ስለ ፓስተር ሚኪኤለ ጸልይ ይብሎ እሞ ደንጺይዎ ንሰበይቱ ይነግራ። ንሳካ ከአ ተመሊሳ መን እዩ
ፓስተር ሚኪኤለ ትብሎሞ እዋእ አነ ውን ብወረ እየ ዝፈልጦ እምበር ብአካል አይፈጦን እየ ኢልዋ።
ድሐር ስለይ እንዳጸለዮ ከሎው አምላክ ደገ ትምህርቲ ቲዮሎጂ ብመንገዶም ከምዝከፍተለይ ተዛረቦም።
አብቲ እዋን አነ አባል ቦርድ ቃለሕይወት ኢትዮጵያ ስለዝነበርኩ ብስራሕ ናብ አዲስ አበባ ከይደ ኔረ። ብድንገት
አብቲ ዘዕረፍክሉ አፍደገ መዕረፊ አጋይሽ ምስ ቮልቮልስኪን በዓልቲ ቤቱን ሀንደበት ተራከብና።
አልፋ፡ አይፈልጠካን እዩ?
ፓስተር ሚኪኤል፡ ብአካል አይፈልጠንን እዩ። እናገረሞ ተላልዩኒ። አብ ኢትዮጵያ አብ ሓንቲ ከተማ ቤት
ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክምህር እዩ መጺኡ ኔሩ። ምስ ተላለና ኩሉ እቲ አምላክ ብዛዕባይ ዝበሎምን ንሓደ
ወርሒ ዝአክል ዝጸለዩሉን ነገር ይነግረኒ። ኩሉ ክፍሊት ከፊሎምለይ ከአ ኢትሲ ዝብሀል መጽሓፍ ቅዱስ
ኮሌጅ አትየ ትምህርቲ ትኦሎጂ ጀሚረ። እንተኮነ ግን ንዲግሪ 4 ዓመት ጥራይ ክወስድ ዝግብኦ ንዓይ ግን 12
ዓመት እዩ ወሲዱለይ።
አልፋ፡ ስለምንታይ ድአ ክንድዚ ዝአክል ጊዜ ወሲዱ?
3ፓስተር ሚኪኤለ፡ ንአይውን አይርድአንን እዩ። ትምህርቲ ሕማቅ ኮይነ አይኮነን። ካብቶም ንፋዓት ዝበሀሉ ሓደ
እየ ኔረ። ስራሕ በዚሑኒ እውን አይኮነን። ንምንታይ ክንድዚ ጊዜ ወሲዱ አይርዳአንን እዩ። ሕጂ ኮይነ ክሐስቦ
ከሎኩ ጊዜ አምላክ ስለዘይነበረ እዩ እየ ዝብል። እቲ አምላክ ዝሀበኒ ራኢ አብ ልክዕ ጊዜኡ ክከውን
ስለዝነበሮ እዩ እየ ዝብል። ድሕሪ ምምራቀይ ብ1995 ብቀጥታ ናብቲ ቅድም አቢለ ብ1993 ጀሚረዮ
ዝነበርኩ ትምህርቲ መጽሐፍ ቅዱስ ምክፋትን ምምሀርን ኢየ አድሂበ። አብዚ ክዛረቦ ዝደልዮ እንታይ እዩ፤
ጐይታ እቲ ዝሀበኒ ራኢ ድሕሪ 20 ዓመት አዩ ተፈጺሙ። ስለዚ ራኢ ብግዜ አምላክ እምበር ብናትና ጊዜ
ከምዘይከውንን ናይ ጐይታ ጊዜ ክንጽበ ከም ዘሎናን እየ በዚ አጋጣሚ ክምዕድ ዝደሊ። ቤት ትምህርቲ
መጽሓፍ ቅዱስ ብ1995 ብሰርትፊከት ክንጅምሮ ከሎና ዳይረክተር ኔረ። ብ2005 ከአ ተዓጺዮ። አብ 2006
ናሆምን መኮንን ዝተበሀሉ ተመሀሮ መጽሓፍ ቅዱስ አብ ካርቱም ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ክንከፍት
ደሊናስ እንታይ ትሕግዘና ምስ በሉኑ ብትግርኛ ዘዳለክወን መጽሓፍቲ ህበዮም ምስ ሀብክዎም እቲ ትምህርቲ
አብ 2007 ጀሚምዎ። ነቲ ነትምህርቲ ክርእዮን ንክምህርን ዕድመ ተጌሩለይ ንካርቱም ከይደ 2 ወርሒ ጸንሔ
ንኤርትራ ተመሊሰ። ንኤርትራ ተመሊሰ 2 ወርሒ ምስጸናሕኩ ንሐደወ ወርሒ ዝአክል ተአሲረ፤ አቀድም አቢሉ
ተመሀሮ ካርቱም አብ መመረቅትኦም ክርከብ ዓዲሞሙኒ ኔሮም ስለዝነበሩ እሞ አነ ከአ ስለዝተአሰርኩ አብ
ክንዳይ ዑቅባንኪኤል ክከዶም እንዳተዳለወ ከሎ አነ ተፈቲሐ አብ መመረቀትኦም ክርከብ ኪኢለ። ሽዑ
ምስወጻእኩ ከአ አይተመለስኩን።
አብቲ ዝሓለፈ ቀዳማይ ክፋል ቃለመሕትት፡ ፓስተር ሚኪኤል ከመይ ኢሉ ናብ ጎይታ ከምዝመጸ አብ
መንፈሳዊ ህይወቱን አገልግሎቱን ዘጋጥሞ ዝነበረ ብድሆታት ሰጊሩ ብስነመለኮት ብደረጃ ማስተርስ
ከምዝተመረቀን አብ አብ ካርቱም ናይ ትግርኛ መጽሓፍ ቅዱስ ቤት ትምህርቲ መምህር ከም ዘሎ የዕሊሉና
ኔሩ፡፡ ዝስዕብ ዕላሉ እንሆ፤ ክትከታተሉ ብክብሪ ንዕድም፡፡
አልፋ፡ ቅድሚ ሕጂ መጽሓፍ ምንባብ ብፉሉይ ከምትፈቱ እየ ዝፈልጥ፤ ሕጂ ግን ምጽኃፍ ከምዝወሰካሉን ፤
ልዕሊ 40 መጽሓፍቲ ከምዝጸሐፍካን እዩ ዝንገር እሞ በዚ ነገር እስከ ንገረና፡፡
ፓ. ምክኤል፡ እግዝአብሄር ይመስገን ካብ ቁልዕነተይ አትሒዘ ዝፈትዎን ሒዘዮ ዝዓበኩ ልማድ መጽሐፍ
ምንባብ እዩ፡፡ ነዚ ዝያዳ ዘበራትዓኒ ከአ አብ መባእታ ትምህርቲ ቤት መማህርተይ ዝነበረ ደክተር ዘርአብሩክ
4እዩ፡፡ ዝተፈላለየ መጽሓፍቲ እናንበብኩ እየ ዓቢየ፡፡ ናብ መጽሐፍ ምንባብ ዝተሰጋገርኩሉ ግን፤ብግጥምታት
ምጽሓፍ እየ ጀሚረዮ፡፡ ድሒሩ ከአ ካብቲ ዘንበብክዋ የገድስ እዩ ዝብሎ ክጽሕፎ ጀሚረ፡፡ ከሚዚ እንዳበለ ከአ
አብ መጽሓፍ ምጽሓፍ አትየ፡፡ አብዚ ሕጂ ግዜ 44 መጽሓፍቲ ጽሒፈ አለኩ፡፡ ዝበዝሕ ካብኡ ትርጉም ኮይኑ
ካብአን 12 ግን ናተይ ድርሰት እየን፡፡
አልፋ፡ አብ ቀጻሊ ናይ ምጽሓፍ መደብካ ከመይ እዩ?
ፓ. ምኪኤል፡ ምጽሓፍ ክቅጽሎ እየ፡፡ ምክንያቱ አገልግሎተይ ምምሀር ክሳዕ ዝኮነ ምምህርና ከአ ምስ
ምጽሓፍ ዝተተሃሃዘ ጥራይ ዘይኮነስ ብፉልይ ከአ ዘማእበልክዎ ልማድ ዝለዝኮነስ ካብ ምጽሓፈይ ዘይተርፍ
እዩ፡፡
አልፋ፡ ስለዚስ ገና ብዙሕ መጽሓፍቲ ካባካ ክንጽበ ኢና ማለት እዩ፡፡ ናብታ ናይ ካርቱም ቤት ትምህርቲ
መጽሓፍ ቅዱስ ክመልሰካ፤ ምናልባት ካብቲ አቀዲምካ ዝበልካና ንላዕሊ አስፍሕካ እንተትገልጸልና?
ፓ. ምክኤል፡ እወ እቲ ትምህርቲ ቤት አነ አይኮንኩን መስሪተዮ፡፡ ፓስተር ናሆምን ፓስተር መኮነንን እዮም
ጀሚሮሞ፡፡ ናሆም ማለት አብ ኤርትራ ካብቶ አነ ዝምህሮም ዝነበርኩ ሓደ እዩ፡፡ መኮነን ከአ ገረልጋሊ ቃለ
ህይወት ቤተ ክርስትያን ደቀምሓረ እዩ ኔሩ፡፡ አብ ካርቱም ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ንምክፋት እቲ ሓሳብ
ምስ አንቀልዎ ንዓይ እንታይ ክሕግዞም ከምዝክእል ተወኪሶሙኒ፡፡ ብትግርኛ ዝተዳለክዎ ትምህርታት
ሰዲደሎም፤ ብኡኡ ከአ ጀሚሮሞ፡፡ ብድሕሪኡ ንካርቱም መጺአ ክምህር ብዝዓዶሙኒ መሰረት 3 ኮርስ
ሚሂረሎም፡፡ ሕጂ ንሶም ካናዳ እዮም ዘሎዎ፡፡ ብድሕሪኦም እቲ ስራሕ አነ ብሓፍነት ተረኪበዮ፡፡ ድሕሪ
ዝተወሰነ ጊዜ ከአ ካብ ነፍታሌምን ዘጽአትን ዝተዋጽአ ቤርያ ማእከል መሰልጠኒ አገልገልቲ ቆይማ ትሰርሕ
አላ፡፡
አልፋ፡ እቲ ትምህርቲ ብእንግሊዝ ዲዩ ወይስ ብትግርኛ?
ፓ. ሚኪኤል፡ ክሳዕ ሕጂ ብትግርኛ እዩ ዘሎ፤ ንብድሕር ሕጂ ግን ክንገብሮ ንሓስብ፡፡ ምክንያቱስ ብእንግሊዝ
እዩ እኩል ማቴርያል ዘሎ፡፡
አልፋ፡ ጸጋ ውህበትካ መምህር ምካንካን ብኡኡ ከምተገልግልን ብንጹር እዩ ዝፍለጥ፡፡ ካብዚ ተላዒልካ፤
ብዛዕባ ጸጋ ውህበትካ አነጺርካ ፈሊጥካ ምግልጋል ዘሎ ረብሓታት ክትብለና እትደልዮ እንተሎ?
5ፓ. ሚኪኤል፡ እወ… እቲ ቀዳማይ ጸገም ኩሉ አማኒ ዝተፈላለየ ጸጋ ውህበት አገልግሎት ከም ዘሎዎ ዘይምፍላጥ እዩ፤ አብተን አብ ኤፈሶን 4፡13 ተጠቂሰን ዘሎዋ ጥራይ ክትሓጽሮ ምፍታን ከአ ነቲ ጸጋ ዘይምልላይ ጸገም ዘጋድዶ ይመስለኒ፡፡ አገልጋሊ ከድምዕ ዝክእል ከአ በታ ውህበቱ ምስዝዓዩ እዩ፡፡ አብ ኩሉ ጥልቅ ጥልቅ ትብል እንተድአኮንካ እተምጽኦ ውጺኢት የልቦን፡፡ ርግጽ እዩ ጸጋ ውህበት ቀልጢፍካ ከተለልዩ አይትክእልን ትከውን፡፡ ግዳ ንጡፍ መንፈሳዊ ህይወት እንተለሎካ ምስ ጊዜ እናለለካዩ ትመጽእ ኢካ፡፡ ብኡ መጠን እንዳገልገልካሉ ክትከይድ ከሎካ ከአ እንዳነጸረን እንዳዓበየን ይመጽእ፡፡ አነ አብ ምምህርና ውህበተይ ከምዚ እየ ርእየ፡፡ ከማን አብ መሪሕነት ምስ መጻእኩ አይተቀበልክዎን ምክንያቱስ መሪሕነት ዘይኮነስ መምህር ምካኑ ውህበተይ አብኡ ዝያዳ ከምዘድምዕ አጸቢቀ እየ ተረዲአ፡፡ ስለዝስ ጸጋ ውህበትካ አለሊካ አብታ ውህበትካ ጥራሕ ጸቂጥካ ምግልጋል ዕውት አገልግሎት ክህልወካ ይገብር እየ ዝብል፡፡ አልፋ፡ ፓ.ሚኪኤል ጊዜካ ወፊካ ተሞክሮ ህይወትካን አገልግሎትካን ስለዘካፈልካና ጐይታ የዕዚዙ ይባርካ፡፡ ብሽም አንበብቲ ከአ ነመስግነካ፡፡ ፓ. ሚኪኤል፡ አነውን ጐይታ ይባርኩም ይብል፡፡ የቀንየለይ ከአ፡፡

ቤርያ ማእከል መስልጠኒ ኣገልገልቲ   ካርቱም አገልግሎቱ ይቕጽል  ኣሎ:: ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልይዩ በቶም :ልቦም ነቲ ኣገልግሎት ዝተግሁ መምሃራን : ብምሉእ ልቦም ዝድግፉዎ   መምሃራን ሓደ...
02/04/2021

ቤርያ ማእከል መስልጠኒ ኣገልገልቲ ካርቱም አገልግሎቱ ይቕጽል ኣሎ:: ኣምላኽ ንርእሱ ይሓልይዩ በቶም :ልቦም ነቲ ኣገልግሎት ዝተግሁ መምሃራን : ብምሉእ ልቦም ዝድግፉዎ መምሃራን ሓደሽቲ ተምሃሮ መዝጊቡ ክምህር ጀሚሩ ኣሎ:: ኣምላኽ ሰናይ ናይ ትምህርቲ ግዜ ይግበርሎም ነቶም ነዚ ኣግልግሎት ዝተግሁ ኣገልገልትን መምሃራን ፍሬኩም የብዝሓዮ ተባረኹ ብሩኻት ኢኹም

08/03/2020

By pastor Michael Abreha
About joseph 's life

The power of plan and change
06/25/2020

The power of plan and change

Address

3950 Memorial College Avenue
Clarkston, GA
30021

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ራኢ ወለደ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share