Debre Mankarat Kidus Giorgis Charlotte NC

Debre Mankarat Kidus Giorgis Charlotte NC An Eritrean Tewahdo Orthodox Church

10/19/2023
06/30/2023

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ!

ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ ሎሚ ፳፫/23 ሠነ ወርኃዊ ብዓል ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። በረኸትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣይፈለየና አሜን።

ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ካብ ሞት ተንሢኡ፡ ሾብዓተ ዓመት ተጋዲሉ፡ ኣብ 27 ዓመት ዕድሚኡ ድማ ዓርቢ መዓልቲ ብ23 ሚያዝያ 304 ዓ.ም. ክሳዱ ብሰይፊ ተቘሪጹ ብሰማዕትነት ዝኃለፈ ቅዱስ ኣቦ እዩ።

ዓስቢ ተጋድሎኡ ድማ ሾብዓተ ናይ ዓወት ኣኽሊል ክብሪ ካብ ሰማይ ወረደሉ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ምእመናንን ምእመናትን ከኣ ንሥጋኡ ናብ ልዳ ትብሃል ዓዲ ወሲዶም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።

ክብረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ብሰማዕትነት ዝኃለፈሉ/ዘዕረፈሉ 23 ሚያዝያ፡ ቅዳሴ ቤቱ 7 ኅዳር፡ 18 ጥር ኸኣ ሥጋኡ ተጣሒኑ ኣብ ንፋስ ዝተዘረወሉ. . . እናተባህለ ይኽበር እዩ።

ኣሰረ ፍኖት ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቲልና ኽንከይድ እግዚአብሔር አምላኽና ይርድኣና።

​​ኦ ፍጡነ ረድኤት እምሩጸተ ነፋስ ወዓውሎ
ለዘይጼውዐከ በተወክሎ
ጊዮርጊስ ቅረብ ለምሕረት ወለተሣሕሎ
ተወከፍ ወትረ ጸሎትየ ወቃለ ጽራኅየ ኵሎ
እስመ ልበ አምላክ ርኅሩኅ በኀቤከ ሐሎ

ኦ ፍጡነ ረዳኤት፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ
ነቲ ዝጽውዓካ ብእመነት፡ብተወክሎ
ጊዮርጊስ ቅረብ ንምሕረት (ይቕሬታ) ንተሣሕሎ
ኵሉ ጊዜ ጸሎተይን ልማኖይ ተቐበሎ
ምኽንያቱ ናይ ርኅሩኅ አምላክ ልቢ ኣባኻ'ሎ

፠አማን መነኑ ጣዕማ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር፥ ወተዓገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት፠
ሰማእታት ናይ ብሓቂ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም ንዓቑ፥ ምእንቲ እግዚአብሔር ኢሎም ደሞም ኣፍሰሱ፥ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ፠ ዉዳሴ ማርያም ናይ ኃሙስ።

ምንጪ፡- ገድለ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ!በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ!

ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ ሎሚ ፳፫/23 ሠነ ወርኃዊ ብዓል ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ እዩ። በረኸትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ቅዱስ ጊዮርጊስ ኣይፈለየና አሜን።

ቅዱስ ጊዮርጊስ ሠለስተ ጊዜ ሞይቱ ካብ ሞት ተንሢኡ፡ ሾብዓተ ዓመት ተጋዲሉ፡ ኣብ 27 ዓመት ዕድሚኡ ድማ ዓርቢ መዓልቲ ብ23 ሚያዝያ 304 ዓ.ም. ክሳዱ ብሰይፊ ተቘሪጹ ብሰማዕትነት ዝኃለፈ ቅዱስ ኣቦ እዩ።

ዓስቢ ተጋድሎኡ ድማ ሾብዓተ ናይ ዓወት ኣኽሊል ክብሪ ካብ ሰማይ ወረደሉ። እቶም ሽዑ ዝነበሩ ምእመናንን ምእመናትን ከኣ ንሥጋኡ ናብ ልዳ ትብሃል ዓዲ ወሲዶም ብኽብሪ ኣቐመጥዎ።

ክብረ በዓል ቅዱስ ጊዮርጊስ፡ ብሰማዕትነት ዝኃለፈሉ/ዘዕረፈሉ 23 ሚያዝያ፡ ቅዳሴ ቤቱ 7 ኅዳር፡ 18 ጥር ኸኣ ሥጋኡ ተጣሒኑ ኣብ ንፋስ ዝተዘረወሉ. . . እናተባህለ ይኽበር እዩ።

ኣሰረ ፍኖት ሰማዕት ቅዱስ ጊዮርጊስ ተኸቲልና ኽንከይድ እግዚአብሔር አምላኽና ይርድኣና።

​​ኦ ፍጡነ ረድኤት እምሩጸተ ነፋስ ወዓውሎ
ለዘይጼውዐከ በተወክሎ
ጊዮርጊስ ቅረብ ለምሕረት ወለተሣሕሎ
ተወከፍ ወትረ ጸሎትየ ወቃለ ጽራኅየ ኵሎ
እስመ ልበ አምላክ ርኅሩኅ በኀቤከ ሐሎ

ኦ ፍጡነ ረዳኤት፥ ካብ ንፋስ ኣውሎ
ነቲ ዝጽውዓካ ብእመነት፡ብተወክሎ
ጊዮርጊስ ቅረብ ንምሕረት (ይቕሬታ) ንተሣሕሎ
ኵሉ ጊዜ ጸሎተይን ልማኖይ ተቐበሎ
ምኽንያቱ ናይ ርኅሩኅ አምላክ ልቢ ኣባኻ'ሎ

፠አማን መነኑ ጣዕማ ለዛ ዓለም ወከዓዉ ደሞሙ በእንተ እግዚአብሔር፥ ወተዓገሱ ሞተ መሪረ በእንተ መንግሥተ ሰማያት፠
ሰማእታት ናይ ብሓቂ ጣዕሚ ናይዛ ዓለም ንዓቑ፥ ምእንቲ እግዚአብሔር ኢሎም ደሞም ኣፍሰሱ፥ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ድማ መሪር ሞት ተዓገሡ፠ ዉዳሴ ማርያም ናይ ኃሙስ።

ምንጪ፡- ገድለ ቅዱስ ጊዮርጊስ፥ አባ ጊዮርጊስ ዘጋሥጫ!

04/14/2023

"O Lord who tasted death in the flesh at the ninth hour, for us sinners, mortify our carnal desires, O Christ our God and deliver us...

O Lord, who commended Your soul into the hands of the Father when You were hanged on the cross at the ninth hour and led the thief, who was crucified with You, to enter Paradise with You, do not forget me, O Good Lord, or reject me. But sanctify my soul and enlighten my thoughts and allow me to partake of the grace of Your life-giving Sacraments. For if I taste Your goodness, I will offer You continuous praise, longing for Your greatness which is better than all things. O Christ our God, rescue us"

+ Ninth Hour Prayer of Good Friday +

08/29/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ!

ኣስተውዕል! ብጀካ ሰይጣን ካልእ ዝኾነ ጸላኢ ሰብ ኣይሃልኻ። ናይ ሰባት ስሕተት ኣይትመራመር፥ ናይ ብጻይካ ኃጢኣት ውን ኣይትግለጽ፥ ከምኡ'ውን ናይ ብጻይካ ውድቀት ደጋጊምካ ኣይትዛረብ። ኣብ ናይ ገዛእ ርእስኻ ኃጢኣት ጥራይ ፈራዲ ኹን፥ እምበር ኣብ ካልኦት ኣይትፍረድ። ምኽንያቱ ንስኻ ዋናኦም ኣይኮንካን።

ኃጣኣት ኣብ ዚፈጸመ ሰብ ውን ወቐሳ ኣይተብዝኅ፥ ንስኻ ውን ኃጢኣት ትፍጽም ሰብ ኢኻ፥ ንመጻኢ ውን ኣብ ከመይ ዓይነት ኃጢኣት ኪትወድቕ ትኽእል ኣይትፈልጥን ኢኻ። እንተ ኽኢልካ ግና ካብ ኃጢኣቱ ንኺምለስ ነቲ ዝወደቐ ሰብ ረዳእን መኻርን ኹኖ። ካብቲ ዝወደቖ ናይ ስሕትተት ኃጢኣቱ ንኺወጽእ ድማ ሓግዞ፥ ኣበራትዓዮ።

እቲ ኃጢኣት ዚወደቐ ሰብ ተስፋኡ ኣብ አምላኽ እንተደኣ ጌይሩ፥ ኃጢኣቱ፥ ልክዕ ከምቲ ኣብ ሓዊ ዝኣተወ ስብሒ ኮይኑ ቀልጢፉ መኺኹ ኪጠፍእ እዩ፥ ንሱ ኸኣ ናብ እግዚአብሔር እንተ ተመሊሱ ኃጢኣቱ ከም ዝሥረየሉ/ዝድምሰሰሉ ደጋጊምካ ንገሮ።

ቅዱስ፡ ጥንቁቅ፡ ግሉጽ፡ በሊሕ፡ መስተውዓሊ ሰብ ኩን። ህድኣት ዝተላበሰ ስብእና ይሃልኻ። ኵሉ ጊዜ ደስቴኛ ኹን፥ ሰላምታኻ ብፍሽኽታ ዝተዓጀበ ንጹህ ይኹን።

ኣዘራርባኻ እሩም፥ ሓጺርን ብጨው ከም ዝጠቐመመ ምቑር ይኹን። ቃላትካ ምጡን፥ ጥዕና ዘለዎ፥ ኵሉ ሰብ ኪርድኦ ዝኽእል ይኹን። ወቓስን ንሰብ ዚጐድእን ዘረባ ካብ ኣፍካ ከይወጸ ኣብ ውሽጥኻ እንከሎ ቅተሎ።

ናይ ብጻይካ ምስጢር ፈጺምካ ንኣደባባይ/ደገ ኣይትግለጽ፥ ነቶም ዚኣምኑኻን ዘይኣምኑኻን፥ ነቶም ዚፈትዉኻን ዘይፈትዉኻን ሰባት፥ ኵሉ ጊዜ ብማዕረ ንዅሎም እሙንን ፈቃርን ሰብ ኩን።

ከምኡ'ውን ፈጺምካ ናብ ጭቕጭቕን ክርክርን ካብ ምእታው ንገዛእ ርእስኻ ሓሉ። እቶም ዝሰምዑኻ ሰባት ዅሎም መታን ከይጸልኡኻ ድማ ናብ ጽልኢ ኣይትእቶ።

ነዚ ኺንገብር ቅዱስ እግዚአብሔር ይሓግዘና። በረኸት ናይ ወላዲት አምላኽን ቅዱስ ጊዮርጊስን ምስ ኵላትና ይኹን አሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል

ምንጪ፡- ናይ ምኽሪ ቃላት ብቅዱስ ኤፍሬም ሶርያዊ።

08/15/2022

علق القمص موسى إبراهيم المتحدث باسم الكنيسة القبطية الأرثوذكسية، على الفيديو المتداول بشأن استمرار قمص كنيسة أبي سيفين في الصلاة، برغم اندلاع حريق بداخلها وهو ما أ...

06/01/2022
05/02/2022

ናይ ሶርያ ቅዱስ ፓትርያርክ ኣግናጥዮስ ኤፍሬም ካልኣይ፡ መልእኽቲ ሰዲዶም

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ፡ 5ይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ብምኽንያት በዓለ ትንሣኤ ናብ ዝተፈላለያ ኣብያተ ክርስቲያናትን ማኅበራትን ድኅሪ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ኤፍሬም ካልኣይ፡ ፓትርያርክ መንበረ ኣንጾኪያን ኵሉ ምብራቕን ከምኡ’ውን ርእሰ መንበር ኵላዊት ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሶርያ ናይ እንቋዕ ኣብጸሓና መልእኽቲ ሰዲዶም።

ንሶም ናብ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ቄርሎስ ቀዳማዊ ኣብ ዝሰደድዎ መልእኽቲ፡ “ንሱ ናብ ሲኦል ወሪዱ ነቲ ተኣሢሩ ዝጸንሐ ኣዳም ረኸቦ እሞ ፈትሖ፡ ካብ ሞት ድማ ናብ ገነት ኣሰጋገሮ” ንዝብል ቃል ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ መእተዊ ብምግባር፡ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ኢየሩሳሌም ኣብ ዝኣተወሉ “ሆሳዕና ለወልደ ዳዊት” ንዝብል ምስጋና ሕዝብን ንኣልኣዛር ካብ ሞት ብምትንሣእ ዝፈጸሞ ድንቂ ተኣምራትን ኣብቶም ደቂ መዛሙርቱ ኣኅዲሩሎም ዝነበረ ተስፋ ልዑል ምንባሩ ድኅሪ ምጥቃስ፡ ብስቅለቱን ሞቱን ግና ደቀ መዛሙርቱ ሓጐሶም ናብ ኃዘን ተቐይሩ ኃዚኖም ምንባሮም ኣዘኻኺሮም። ኣብ ሣልስቱ ግና ንሞት ስዒሩ ብምትሥኡን፡ “ንሱስ ተንሢኡ፡ ኣብዚ የሎን።” ዝብል ኣዋጅ ብምእዋጁን፡ ንዅሉ ዓለም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት፡ ካብ ፍርሂ ናብ ሓጐስ ከምዝቀየሮ ገሊጾም። ነቶም ኃዚኖም ዝነበሩ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኃዘኖም ናብ ሓጐስን እምነትን ተስፋን ለዊጥዎ ኢሎም።

ቅዱስነቶም ኣብ መወዳእታ፡ ብምኽንያት ብርሃነ ትንሣኤኡ ድማ ንቅዱስነትኩምን ኃፍትና ንዝኾነትን ኣብ ኵሉ ዓለም ንእትርከብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ሰላምታና ይብጽሓኩም ድኅሪ ምባል፡ ንልዑል ጐይታና ብዘይውዳእ ጸጋኡ ንዓለም ሓጐስ፡ ተስፋ፡ ሰላም ክዕድለልና ጸሎትና ነቕርብ ኢሎም። ኣብ ሞንጎ ክልቴአን ኣኃት ኣብያተ ክርስቲያናት ዘሎ ዝምድና ብዝያዳ ክዓምቝን ብሓባር ክንሠርሕን ድሌትናን ተስፋናን እዩ ብምባል መልእኽቶም ዛዚሞም።

ናይ ሶርያ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን ሓንቲ ካብተን ሽዱሽተ ኣኃት ኦርየንታል ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት ኮይና፡ ምስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ካብ ራብዓይ ክፍለ ዘመን ኣትኂዙ ኣዝዩ ጥንታዊን ታሪኻዊን ዝምድና ዘለዋ ቤተ ክርስቲያን እያ።

https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-27-19-45-59/2019-09-30-10-44-29/item/1297-2022-05-02-10-19-

Address

4419 Monroe Road
Charlotte, NC
28205

Opening Hours

Friday 5pm - 7pm
Sunday 4am - 11am

Telephone

+17046549714

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Debre Mankarat Kidus Giorgis Charlotte NC posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share

Category