Saint Michael Eritrean Orthodox Church

Saint Michael Eritrean Orthodox Church Washington, DC

11/24/2025

Saint Michael Annual Celebration (Ngdet) pt. 6

11/23/2025

Saint Michael Annual Celebration (Ngdet) pt. 5

Saint Michael Eritrean Orthodox Church’s annual celebration is Saturday, November 18, 2023. We invite you all to celebra...
11/05/2023

Saint Michael Eritrean Orthodox Church’s annual celebration is Saturday, November 18, 2023. We invite you all to celebrate with us. We also ask for your support by donating to our fundraising.

You can make a difference by donating today to ST. Michael Orthodox Church. … Saint Michael needs your support for St. Michael Eritrean Orthodox Church

08/06/2023

መንፈሳዊ መልእኽቲ ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ
ዋሽንግተን ዲስን ከባቢኣን

መዘኻኸሪ ንጾምን ጸሎትን ንኹሎም ምእመናን

" ጾም ትፌውስ ቁስለ ነፍስ ... " ጾም ቁስሊ (ሕማም ) ነፍሲትፍውስ ... እያ " ቅ/ ያሬድ።

ናብ ኩሎም ምእመናንን ምእመናትን ክርስቶሳውያን
ሰላመ እግዚአብሔር አብ ዘዘለኹሞ ይብጻሕኩም ብሰላምን ብጥዕናን ክትህልዉ ድማ ዕለታዊ ጸሎት ቅድስት ቤተ ክርስቲያንኩም ምዃኑ ብኣኽብሮት ንገልጽ፡

መእተዊ " ስለቲ ዝገበረለይ ሠናይ ኩሉስ ንእግዚኣብሔር እንታይ ውሌታ ክመልሰሉ እየ " ከምዝብሎ፡መዝ፡116፡12፡ ካብቲ ዝሓለፈ ናይ ዓለም ለኻዊ ሕማም ኮቪድ ኣውጺኡ ክሳብ ሎሚ ብሕይወትን ብጥዕናን ንዝዓቀበና እግዚኣብሔር ኣምላኽና ደጋጊምና እናኣመስገና ፍጹም ሰላምን ምሕረትን ክህበና ኻኣ ኣብዚ ዓቢይ በረኸት ዘለዎ ቅዱስ ጾመ ፍልሰታ ነፍስ ወከፍ ኣማኒ ብውልቅን ብስድራ ቤትን ብማሕበርን ክጸውምን ክጽልን ይግባእ : በዚ ኻኣ ወሃብ ሰላምን ምሕረትን እግዚኣብሔር ካብ ዓመት ናብ ዓመት ብሰላምን ብጥዕናን ከሰጋግረና ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና እናበልና ኩልና ስለዚ ኣብ መላእ ዓለም ዝርአን ዝስማዕን ዘሎ ዘይምርግጋእን ሁከትን ኣብ ጾምናን ጸሎትናን ብመንፈሳዊ ሕሊና እናሓሰብና ክንጽልን ክንምህለልን ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ነዘኻኽር።

እዚ ክንገብር ከሎና ግና ቅዱስ ቃሉ ከም ዝብለና : ኢሳ:58:3-12:
ሓቀኛ ጾም ክንጸውም ይግብኣና :
ብሰላምን ብፍቕርን ንዝተጸገመ ብምሕጋዝ ካብ ዘሎና ብምክፋል ...ወዘተ ሓቀኛ ጾም እንተ ጾምና " ሽዑ ብርሃነይ ከም ፀሓይ ንጉሆ ከብርሃልኩም ምሕዋይኩም ቀልጢፉ ክመጽእ ጽድቀይ ቀቅድሜኹም ክኸይድ ክብረይ ድማ ደጀንኩም ክኸውን እዩ : ሽዑ ክትጽውዑኒ ኣነ ካኣ ክምልሰልኩም ክትልምኑ ኣነ ካኣ እኔኹ ክብለኩም እየ ... ኣነ ኩሉ ጊዜ ክመርሓኩም ብጽቡቕ ነገር ከጽግበኩም እየ : ንስኻትኩም ካኣ ከም ኣታኽልቲ ወይኒ ከምቲ ማዩ ዘይነጽፍ ዓይኒ ማይ ክትኮኑ ኢኹም ... " ወዘተ ይብለና :
እሞ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ከምቲ ዝብለና ኮይና ዝግብኣና እንተ ፈጺምና እቲ እንደልዮ ኩሉ ከምዝህበና ድማ ቅሩብ ምኻኑ መለኮታዊ ቃሉ ይነግረና ኣሎሞ ንምፍጻሙ ቅሩባት ንኹን::

ጾም :
ጾም ማለት ንዝተወሰነ ሰዓታት ካብ እኽለ ማይ ምኽልካል ማለት እዩ ፡
ስለ ምንታይ? ንዝብል:
"ምእንቲ ጽድቂ ዝጠምዩን ዝጸምኡን ክጸግቡ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም" ... ወዘተ ስለ ዝብለና ፡ ማቴ፡ 5፡ 6፡

ጸሎት :
ጸሎት ማለት ምስ እግዚኣብሔር ምዝራብ ማለት ክኸውን ከሎ ወድ ሰብ ምስ እግዚኣብሔር ዝራኸበሉን ድሌቱ ዝሓተሉን ሃይማኖታዊ ተሌፎን ማለት እዩ።
ብሓፈሻ ጾምን ጸሎትን ድማ ክልተ ኣኽናፍ ቅድሳን እየን::
ናብ እግዚኣብሔር ዘብጽሓኻ ካብኡ እትደልዮ ኩሉ ድማ ዘውህባኻ እየን::

ጾምን ጸሎትን ቅዱሳን ኣበው ንእግዚኣብሔር ተኣዛዝነቶም ዘረጋግጹሉ ሓሳቦም ዘስምሩሉ በረኸት እግዚኣብሔር ዝቕበሉሉ ሓጢኣት ዘስተስርዩሉ ምሕረት ዝረኽቡሉ ስለ ዝኾነ ብፍጹም እምነት ዝፍጽምዎ ዝነበሩን ዘለዉን ቅዱስ ሃይማኖታዊ ስራሕ እዩ።

እምነት:
እምነት ማለት ድማ ከምቲ ኣብ ዕብ፡ 11፡1. ዝብለና እምነት ማለት ነቲ ዘይረኣኻዮ ከም ዘሎ ነቲ ብተስፋ እትጽበዮ ነገር ከም እትረኽቦን ከም እትበጽሖን ዘረጋግጽ ማለት እዩ እሞ ነቲ እንደልዮን እንጽበዮን ብተስፋ እናተጸቤና ክርስቲያናዊ ግቡእና ንፈጽም መንፈስ ቅዱስ ሓይልን ጽንዓትን የሃበና ፡

ጾመ ፍልሰታ :
ጾመ ፍልሰታ ሓደ ካብቶም ሸውዓት ኣጽዋማና ክኸውን ከሎ ቅዱሳን ሓዋርያት ብምኽንያት ዕረፍትን ዕርገትን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ክልተ ሰሙን ሱባኤ ኣትዮም ኣዎንታዊ መልሲ ዝረኸቡሉ ሓሳቦም ዘሥመሩሉ እዩ እሞ ንሕና ውን እግዚኣብሔር ኣምላኽና ሓሳብና ከሥምረልና ንጾምናን ጸሎትናን መንፈሳዊ ሕቶናን ኣዎንታዊ መልሲ ክህበና ኣብ እምነትን ጾምን ጸሎትን ንጽናዕ በዓል ብዙሕ ምሕረት እግዚኣብሔር ካኣ ብሰላምን ንምፍጻም የብቅዓና ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ቅዱሳን ሐዋርያትን በረኸት ኣይፈለየና ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ወርሓት ይግበረልና እግዚኣብሔር ኣሜን

ጾመ ፍልሰታ ብግዕዝ ካብ ዕለት 1 ነሓሰ ክሳብ 16 / 2015 ኪዳነ ምሕረት ነሐሰ እዩ ( ብፈረንጂ 8 / 7/23 - 8/22 / 23 እዩ::

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር ይትኣኮት ወይሴባሕ ስሙ
በኩሉ ጊዜ ወበኩሉ ሰዓት ኣሜን!

ር/ ደ/ መሪ/ ኣፈወርቅ ገ/ ኣምላክ
ደ/ ሰ/ ቅ/ ሚካኤል ኦ/ ተ/ ቤ/ ኤ/
ዋሽንግቶን ዲስን ከባቢኣን::

11/20/2022

Saint Michael Church 2022 Nigdet

Saint Michael Day Celebration - Full Service 🙏🏽
11/20/2022

Saint Michael Day Celebration - Full Service 🙏🏽

.

11/20/2022

Saint Michael Day Celebration 🙏🏽

Saint Michael Annual Celebration Fundraiser
11/01/2022

Saint Michael Annual Celebration Fundraiser

In the Name of the Father, the Son and of The Holy Spirit one God Amen. "The hono… Saint Michael needs your support for St. Michaels Day Celebration 2022

LIVE NOW ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ክብረ በዓለ ደ/ሰ/ቅ/ ሚካኤል  11/20/2021 - 11/21/2021 (፫/ ፲...
11/21/2021

LIVE NOW

ደብረ ሰላም ቅዱስ ሚካኤል ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ዋሽንግቶን ዲሲን ከባቢኣን ክብረ በዓለ ደ/ሰ/ቅ/ ሚካኤል 11/20/2021 - 11/21/2021 (፫/ ፲፪/ ፲፬ ) ዓ.ም.

In the Name of the Father, the Son and of The Holy Spirit one God Amen."The honored Archangel Michael, is the head of th...
11/04/2021

In the Name of the Father, the Son and of The Holy Spirit one God Amen.

"The honored Archangel Michael, is the head of the hosts of heaven, who stands at all times before the great throne of God, interceding on behalf of the human race."

Hello Brothers and Sisters in Christ,

God has a plan for everyone and everything. That includes you, and it includes Saint Michael Eritrean Orthodox Church. None of us can fully know God’s plan—the best we can do is pray and listen for clarity. Our church leadership has been doing just that and are excited to announce our latest Saint Michael Day Fundraiser. We can't believe it has been a year already!

Our annual fundraiser will help us to maintain our church, continue with our services and also celebrate our upcoming Saint Michael Day festival.

But we can’t pull this off without your support. Whether you give to the church on a regular basis, or just attend on occasion, we’re asking you to consider contributing to this massive undertaking prayerfully. It’s something we need our entire church community’s help with.

Even if you can’t make a large gift, know that every little bit helps. It’s more about coming together as a community united behind a common cause. We hope that you’ll consider making a donation towards this great step forward that we’re making together.

All funds raised will be to benefit Saint Michael Eritrean Orthodox Church, and any donation will help make an impact. Thanks in advance for your contribution to this cause which means so much to our church.

ክቡራንን ክቡራትን ህዝበ እግዚአብሔር አብ ዘዘለኹሞ ሰላመ እግዚብሔር ይብጻሕኩም ዝደኸምኩም የበርትዕኩም ዝሓመምኩም ይፈውስኩም ብዝተፈላለየ ምኽንያት ዝተሸገርኩም ራህዋን ቅሳነትን የሃብኩም

እቲ ብዓቢይ ክብርን ድምቀትን እነብዕሎ ዓመታዊ በዓልና

ቅዱስ ሚካኤል ሕዳር ይቀራረብ ስለ ዘሎ ከምቲ ኩሉ ግዜ ንገብሮ ጎስጓስ ሓገዝ ቤተ ክርስቲያን ዕዉት ንምግባር ኣበርክቶኹም ብኽብሪ ንሓትት።

ንኹሉ ህዝቢ ሰላምን ምሕረትን

ንሃይማኖትና ዕቤትን ጽንዓትን የሃበልና አሜን

ደ/ ሰ/ ቅ/ ሚካኤል ቤተ ክሪስቲያን

More information about Saint Michael Eritrean Orthodox Church:

Address:
4006 53rd Street
Bladensburg, MD 20710

Website:
https://www.stmichaeldc.org/

YouTube Channel (LIVE Streaming Services):
Debre Selam St Michael Eritrean Orthodox Church DC

You can make a difference by donating today to Saint Michael Eritrean Orthodox Church.

In the Name of the Father, the Son and of The Holy Spirit one God Amen. "The honored Archang… Saint Michael needs your support for Saint Michaels Day 2021

Address

4006 53rd Street
Bladensburg, MD
20710

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Saint Michael Eritrean Orthodox Church posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Saint Michael Eritrean Orthodox Church:

Share