St. Aregawi Church in Stockholm - ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም

  • Hem
  • Sverige
  • Upplands-Väsby
  • St. Aregawi Church in Stockholm - ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም

St. Aregawi Church in Stockholm -  ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ደብረ ስሂን ?

14/12/2024
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። አሜን።ሃሌ ሉያ፡ ለክርስቶስ፡ ንገኒ ስብሐት።ለዘአብፅሐነ፡ እስከ ዛቲ ዕለት።ዓመታዊ ክብረ ብዓል አቡነ አረጋዊ St. Aregawi Church ...
23/10/2023

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ። አሜን።
ሃሌ ሉያ፡ ለክርስቶስ፡ ንገኒ ስብሐት።
ለዘአብፅሐነ፡ እስከ ዛቲ ዕለት።
ዓመታዊ ክብረ ብዓል አቡነ አረጋዊ St. Aregawi Church in Stockholm - ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም ፡ ብዕለት 10/02/2016 ግዕዝ፡ 21/10/23 ብክብ ዝበለ ሓሊፉ። Matthew 10 ትግ - ማቴዎስ
41: ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። በረኸት ጻድቕ አቡነ አረጋዊ ምስ ኩላትና ይኹን፡ አሜን።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።  ብመጀመርታ  ሰላም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን ህዝበ ክርስትያን።  ብምቅጻል ቤተ ክርስቲያን አቡነ አረጋዊ ደብረ ስሂን...
19/10/2021

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ብመጀመርታ ሰላም እግዚኣብሄር ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን ህዝበ ክርስትያን።

ብምቅጻል ቤተ ክርስቲያን አቡነ አረጋዊ ደብረ ስሂን Stockhoolm ንዕለት 13 ጥቅምቲ 2014 ግዕዝ ንዕለት 23 ጥቅምቲ 2021 ፈረንጂ ዓመታዊ በዓል ናይ አቡነ አረጋዊ ጻድቕ ንገብር ስለዘለና፡ ተኻፈልቲ በረኸት ክትኮኑ፡ ብኽብሪ ንዕድም። ብዳሓን ምጹ።

Adress = Kapellvägen 2 Upplands Väsby
ንዝያዳ ሓበሬታ = ቀሺ መብራህቶም 0764224097 ሳይሞን = 0769341561

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።ርሑስ በዓል ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ንኹልና ኣመንቲ ክርስትና።እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ንዅሉ ህዝቢ ...
06/01/2021

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ርሑስ በዓል ልደት ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ይግበረልና። ንኹልና ኣመንቲ ክርስትና።

እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ አበስረኩም አሎኹ፡ እሞ፡ ኣይትፍርሁ። ምኽንያቱ ሎሚ መድሓኒ ክርስቶስ ጎይታ፡ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ሉቃ 2፡10

ክርስቶስ ኣብ ልብና ክውለድን፡ ኣብ ልብና ክብ ዝበለ ስፍራን ከነዳልወሉ ብጸግኡ ይደግፈና።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።ሓበሬታ ንተቐማጦ ስቶክሆሎምን ከባቢኣን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም Stockholm  ትግልገሉ።ብመጀመርታ...
11/12/2020

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ሓበሬታ ንተቐማጦ ስቶክሆሎምን ከባቢኣን፡ ብፍላይ ከኣ ኣብ ቤተ ክርስትያን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም Stockholm ትግልገሉ።
ብመጀመርታ ፍጹም ሰላም ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኩላትኩም ይኹን።

እሞ እቲ ንጥቀመሉ ቤተ ክርስትያን፡ Upplands Väsby ዝተዓራረ ንብረት ስለዘሎ ነዚ ጽባሕ ቀዳም ዕለት 12/12/2020 ክትጥቀምሉ ኣይትኽእሉን ስለዝተባህለ ጽባሕ ቀዳም ቅዳሴ የለን። ኣምላኽ እንተ ፈቐዶ ግን ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ክንሕብር ኢና።

ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ነዚ ወሪዱ ዘሎ ሕማምን ውግእን ወረ ውግእን ሰላሙን ምሕረቱን ይልኣኸልና።
ኣምላኽ ምስ ኩላትኩም ይኹን፡ ብሩኽ መዓልቲ።

እብራውያን 11 (Hebrews)38፤ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።ኣቡነ ኣረጋዊ ጻድቅ ወመርዓዊ(2)ከም ሰ...
24/10/2020

እብራውያን 11 (Hebrews)
38፤ ዓለም ንኣታቶም ዘይትበቅዕ ኰይናስ፡ ኣብ በረኻታትን ኣብ ኣኽራንን ኣብ በዓትታትን ኣብ ጐዳጕድ ምድርን ኰለል በሉ።

ኣቡነ ኣረጋዊ ጻድቅ ወመርዓዊ(2)
ከም ሰብ ተወሊዱ፡ ግብሩ ሰማያዊ
ከም ሰብ ተወሊዱ፡ ግብሩ ሰማያዊ(2)
https://youtu.be/nyEmovuHwcg

ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ስቶክሆልም Stockholm ሃገረ ስዊድን Sweden ብድምቀት ብዒሉ። ነዚ ዝገበረ ቅዱስ እግዚኣብሄር ኣምላክና ክብርን ምስጋናን ይብጽሓዮ፡ ኣሜን። ከምዚ ንዓመታ ብሰላም ብጥዕናን የጽንሓና። በረኸትን ረድኤትን ናይ ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩልና ይኹን።

ንእግዚኣብሄር  ብምእዛዝ ዝርከብ በረኸት ዘጸ 28፡1፥14ዘዳግም 28 (Deuteronomy)1፤ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ...
18/10/2020

ንእግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝርከብ በረኸት ዘጸ 28፡1፥14

ዘዳግም 28 (Deuteronomy)
1፤ ኪኸውን ድማ እዩ፡ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣጸቢቕካ እንተ ሰማዕካ፡ እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ዅሉ ትእዛዛቱ ተጠንቂቕካ እንተ ገበርካዮ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ልዕሊ ዅሎም ህዝብታት ምድሪ ኽብ ኬብለካ እዩ።
2፤ ቃል እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሰሚዕካስ፡ እዚ ዅሉ በረኸት ኪመጸካን ኪረኽበካን እዩ።
3፤ ንስኻ ኣብ ከተማ ብሩኽ ትኸውን፡ ንስኻ ኣብ መሮር ድማ ብሩኽ ትኸውን።
4፤ ፍረ ኸርስኻን ፍረ ምድርኻን ፍረ ማልካን ምውላድ ላምካን ምፍራይ ኣባጊዕካን ከኣ ብሩኽ ይኸውን።
5፤ መሶብካን መልወሲኻን ብሩኽ ይኸውን።
6፤ ንስኻ ኣብ ምእታውካ ብሩኽ ትኸውን። ንስኻ ኣብ ምውጻእካውን ብሩኽ ትኸውን።
7፤ ነቶም ዚልዐሉኻ ጸላእትኻ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ቅድሜኻ ተሰዐርቲ ይገብሮም፡ ብሓንቲ መገዲ ይወጹኻ፡ ካብ ቅድሜኻ ድማ ብሾብዓተ መገዲ ይሀድሙ።
8፤ እግዚኣብሄር ኣብ ቆፎኻን ኣብ ኵሉ ተግባር ኢድካን በረኸት ይእዝዘልካ፡ ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ድማ ኪባርኸካ እዩ።
9፤ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ሐሎኻ፡ ብመገዱውን እንተ ኸድካስ፡ እግዚኣብሄር ከምቲ ዝመሐለልካ ንእኡ እተቐደሰ ህዝቢ ገይሩ ኼቚመካ እዩ።
10፤ ኵሎም ህዝብታት ምድሪ ኸኣ፡ ብስም እግዚኣብሄር ከም እተጸዋዕካ ይርእዩ እሞ፡ ይፈርሁኻ።
11፤ ኣብታ እግዚኣብሄር ንኣኻ ኺህበካ፡ ነቦታትካ ዝመሐለሎም ምድሪ ኣብ ፍረ ኸርስኻን ኣብ ፍረ ማልካን ኣብ ፍረ ምድርኻን እግዚኣብሄር ብጽቡቕ ኬብዝሓካ እዩ።
12፤ ዝናም ምድርኻ ብጊዜኡ ምእንቲ ኺህብ እሞ፡ ኵሉ ተግባር ኢድካ ድማ ኪባርኸ፡ እግዚኣብሄር እቲ ጽቡቕ መዝገቡ፡ ሰማይ፡ ኪኸፍተልካ እዩ። ንብዙሓት ህዝብታት ከተለቅሕ ኢኻ፡ ንስኻ ግና ገለ እኳ ኣይትልቃሕን ኢኻ።
13-14፤ ነዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኽትሕልዎን ክትገብሮን እንተ ሰማዕካዮ፡ ካብዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ንየማን ወይ ንጸጋም እንተ ዘየግለስካ፡ ንኻልኦት ኣማልኽቲ ኸተገልግሎም ደድሕሪኦም እንተ ዘይሰዐብካ ድማ፡ እግዚኣብሄር ርእሲ እምበር፡ ጭራ ኣይገብረካን፡ ብላዕሊ ጥራይ ትኸውን እምበር፡ ብታሕቲ ኣይትኸውንን።

07/10/2020
ናይ ዓመታዊ ዝኽሪ በዓለ መስቀል ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 17/01/2013።✝️❤✝️❤✝️❤✝️❤✝️❤ቃል መስቀል፡ ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንኣና ነቶም እንድሕን ግና፡ ሓይሊ ...
01/10/2020

ናይ ዓመታዊ ዝኽሪ በዓለ መስቀል ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ 17/01/2013።
✝️❤✝️❤✝️❤✝️❤✝️❤
ቃል መስቀል፡ ነቶም ዝጠፍኡ ዕሽነት እዩ። ንኣና ነቶም እንድሕን ግና፡ ሓይሊ ኣምላኽ እዩ። 1ይ ቆሮ 1፡18
✝️💒✝️💒✝️💒✝️💒✝️💒
ማቴዎስ 10 (Matthew)
38፤ እቲ መስቀሉ ጸይሩ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን ከምዝተባህለ፡ ንሕና ድማ መስቀልና ጼርና ንጎይታ ካብ ምስዓብ ንድሕሪት ኣይንበል።
🙏✝️🙏✝️🙏✝️🙏✝️🙏✝️

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበል...
30/09/2020

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።

ቅዱስ ኣቡነ አረጋዊ

‘ላዕለ ተኵላ ወከይሲ ትጼዐን፡ ወትከይድ አንበሳ ወከይሴ። ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ትጸዓን ሽደን ኣንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ። (መዝ. 91፡13)
ኣብ ኃሙሻይ ክፍለ ዘመን ኣብ ምድረ ኣግዓዚ መንፈሳዊ ፍሬ ኣገልግሎትን ምንኵስናዊ ሕይወትን ዘፍረዩ ትሽዓተ ቅዱሳን እዮም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ከኣ ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ኣረጋዊ እዩ። ኣቡነ ኣረጋዊ ትውልድ ሃገሩ ሮም ኮይኑ ካብ ንጉሣዊ ቤተ ሰብ እዩ ተወሊዱ። ወለዱ ኣቦኡ ይስሓቅን ኣደኡ እድናን ፈሪሀ እግዚአብሔር ዝነበሮም ቅዱሳን ነበሩ። ወለዱ ብጥበብን ፍርሃት እግዚአብሔርን፡ ብትምህርቲ ቅዱሳት መጻሕፍትን ሥነ ምግባርን ምስ ኣዕበይዎ፡ ገና ሕፃን ከሎ ነቲ ‘ ንሰብከ ኵሉ ዓለም ረቢሑ ነፍሱ እንተ ኣጥፍኦ እንታይ ይጠቕሞ’ ማቴ. 10፡26 ዝብል ኣምላኻዊ ቓል መሠረት ብምግባር ምድራዊ ንጉሥነት ገዲፉ ሰማያዊ መንግሥቲ መረጸ።

ካብ ሃገሩ ሮማ ናብቲ ኣባ ጳኵሚስ ዝርከበሉ ዓቢይ ገዳም “ዳውናስ” ዝተባህለ ኸደ። ቅዱስ ኣባ ጳኵሚስ ረድኤት እግዚአብሔር ዝኃደሮ ሕፃን ምዃኑ ብመንፈስ ፈሊጡ ምስ ርኣዮ ኣዝዩ ተሓጐሰ፣ ምኽንያት መምጽኢኡ’ውን ሓተቶ።
ኣቡነ ኣረጋዊ መምጽኢኡ ንምንኵስና ምዃኑ ነገሮ። ኣቡነ ጳኵሚስ ከኣ ‘ዝወደይ ምንኵስና ቐሊል ስለዘይኮነ ኣይትኽእሎን ኢኻ. . . ’ ምስ በሎ፣ ‘አመክረኒ ፈትነኒ’ በሎ። በዚ ተሰማሚዖም፡ ኣቡነ ኣረጋዊ ብጾም፡ ጸሎት፡ ስግደት፡ ትግሃትን ተራድኦን ልዕሊ ኵሎም ፈለስቲ ኮነ። ኣቡነ ጳኵሚስ ድማ ነዚ ዅሉ ትግሃቱ ርእዩ፡ ኣስኬማ ዘመላእክት ልብሰ ምንኵስና ኣልበሶ። ‘ንምንኵስና ኣቦታተይ ኣባ እንጦንስን ኣባ መቃርስን ዝባረኸ እግዚአብሔር ኣስኬማኻ ይባርኽ’ ኢሉ’ውን መረቖ። ብጣዕሚ ፈታው ጽድቂ ኾይኑ ብጾምን ጸሎትን ተጊሁ የገልግል ስለዝነበረ ካብ ኵሎም መነኮሳት በሊጹ ተራእየ። በዚ ኸኣ እቶም ናይ መንፈስ ኣኅዋቱ ተደኒቖም እዝስ ብጸጋ ዓብዩና ብምባል “ኣረጋዊ” ኢሎም ጸውዕዎ። ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ዘሚካኤል ዝብል ስሙ ‘ኣረጋዊ’ ብዝብል ስም ተተክአ።
ጻድቕ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስቶም ሾሞንተ ቕዱሳን ኮይኑ ነቲ ኣብ ጉባኤ ኬልቄዶን ዝተኸስተ ሓድሽ ‘ክልኤ ባህርይ’ ዝብል ትምህርቲ ብምቅዋሙ መከራ ስለዝጸንዖ ናብ ምድረ ኣግዓዚ ተሰዲዱ መጽአ። እዞም ተስዓቱ ቅዱሳን ብሓንሳእ ድኅሪ ምጽናሕ፡ ስብከተ ወንጌል ንምስፋሕን ሥርዓተ ምንኵስና ንምዝርጋሕን መንፈስ ቅዱስ ነናብ ዝመርሖም ተፈላለዩ። በዚ ኸኣ ንኣቡነ ኣረጋዊ ቦታኡ ካብ ኣክሱም 70 ኪ.ሜ. ንሸነኽ ምሥራቅ እትርከብ ደብረ ዳሞ ኾነት። ደብረ ዳሞ እምብዛ ነዊኅ ጎቦ ብምዃኑ ንምድያቡ ስለዘጸገሞ፡ ንከደይቦ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። ብተራዳእነት ቅዱስ ሚካኤል ከኣ ሠላሳ ሜትሮ ዝቑመቱ ገበል ከደይቦ ተኣዚዝሉ መጽአ። ኣቡነ ኣረጋዊ ነቲ ገበል ‘ጭራኻ ኣውርዶ’ሞ ኣደይበኒ’ በሎ። እቲ ገበል ግና ነቲ ጭራኡ ኣብ ፍርቂ ጸድፊ ጥራይ በጺሑ፡ ብልሳን ሰብ ‘ኣንታ ፈላሲ፡ ኣብዚ እምባ እዚ ብዘይካ ዝነፍሩ ኣዕዋፍ፡ ትበልዖ እንጌራ ይኹን ትሰትዩ ማይ፡ ወይ ድማ ተጽልለሉ ዕንፀይትን ገረብን የልቦን። ብመዓልቲ ፀሓይ፡ ብለይቲ ቍርን ኣሳሓይታን እዩ፡ ናይዚ እምባ’ዚ ጥሪትን ሃብትን እዚኣቶም ጥራይ እዮም’ ክብል ተዛረቦ። ኣቡነ ኣረርዊ ግን ‘ዝተኣዘዝካዮ ጥራይ ፈጽም፡ እግዚአብሔር እቲ ዝደለናዮ ኣየስእነናን’ዩ’ በሎ’ሞ ብኡ ንብኡ ጭራኡ ኣውሪዱ ኣብ መዓንጣ ኣቡነ ኣረጋዊ ብምጥምጣም፡ ብሓንሳእ ኣብ’ቲ ርእሲ እቲ ቅዱስ ደብሪ ኣደየቦ። እዚ ዅሉ እናተፈጸመ፡ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል እቲ ተመን ኣብ ልዕሊ ኣቡነ ኣረጋዊ ክፉእ ነገር ምእንቲ ከይፍጽምን ከየፍርሖን ብየማናይ ኢዱ ሴፍ መዚዙ ይሕልዎ ነበረ። ረድኡ ኣባ ማትያስን ካልኦት ስዓብቱን’ውን እናረኣዩ ይድነቑን ነበሩ።
ዕለት 12 ጥቅምት ኣቡነ ኣረጋዊ ኣብ ዝባን’ዚ ደብሪ ምስ በጽሐ፡ ሠለስተ ጊዜ “ሃሌ ሉያ ለአብ፡ ሃሌ ሉያ ለወልድ፡ ሃሌ ሉያ ወለመንፈስ ቅዱስ” እናበለ ኣመስገነ። በዚ ኸኣ እዚ ደብሪ’ዚ፡ “ደብረ ሃሌ ሉያ” ተባሂሉ ይጽዋዕ እዩ። ክሳዕ ሕጂ ‘ደብረ ዳሞ’ እናተባህለ ዝጽወዓሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ ሃጸይ ገብረ መስቀል መደያይቦ ሠሪሑ ንኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ረኸቦ፡ ንኣቡነ ኣረጋዊ ‘እዚ መደያይቦ ከፍርሶ ዶ ዋላስ ከም ዘለዎ ይኹን’ በሎ። ኣቡነ ኣረጋዊ ግና መደያይቦ ኪገብረሉ ፍቓደኛ ስለ ዘይነበረ እዚ ጌርካዮ ዘሎኻ መደያይቦ “ዳህምሞ (ኣፍርሶ)” ምስ በሎ፡ በዚ “ደብረ ዳህምሞ” ይበሃል ነይሩ፡ ምስ ምንዋኅ ጊዜ ‘ደብረ ዳሞ’ ተባህለ።

ኣቡነ ኣረጋዊ ማኅበር ሓድነት መሥሪቱ፡ ብዙኃት ደቀ መዛሙርት ኣፍረየ። ኣብ ዘመኑ ክሳዕ 659 ዝበጽሑ መናንያን ኣብዚ ደብረ ዳሞ ከምዝነበሩ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር። ኣብ መወዳእታ ኸኣ ከምቲ እግዚአብሔር ንቅዱሳኑ ቃል ኪዳን ዝኣትወሎም ንኣቡነ ኣረጋዊ ድማ ኣብ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። ኣብ 99 ዓመት ዕድመኡ 14 ጥቅምት ከኣ ኣቡነ ኣረጋዊ ንደቀ መዛሙርቱ ኣጸናኒዑ ናብ በዓቱ ኣትዩ እናጸለየ ከሎ ገጽ ሞት ከይረኣየ ተሠወረ። ክሳዕ ጊዜ ምጽኣት ከይሞተ ከም ዝጸንሕ መጽሓፈ ገድሉ ይነግር።
ክሳዕ ሕጂ ኣብ ገዳሙ ብጸሎቱ ዝወፅአ ማይ ጸሎት ዝተፈላለዩ ሕማማት ይፍውስ ኣሎ።
ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።

Adress

Upplands-Väsby

Webbplats

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när St. Aregawi Church in Stockholm - ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Heliga Platser

Skicka ett meddelande till St. Aregawi Church in Stockholm - ቤተ ክርስቲያን ደብረ ስሂን ኣቡነ ኣረጋዊ ስቶክሆልም:

Dela

Typ