ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን مع الله لا شيء مستحيل.

  • Hem
  • Sverige
  • Stockholm
  • ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን مع الله لا شيء مستحيل.

ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን   مع الله لا شيء مستحيل. ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን( ሉቃስ 1፡36)
ንእግዚኣብሄ?

03/05/2023

News &Politics by Eritrean entertainment comedies, Dramas, movie, film and music video clips for you. Enjoy! ...

01/04/2023
27/02/2023

Meaza Tibeb | ፍሉይ መንፈሳዊ መደብ ካልኣይ ክፋል | Part 2 eritrea 2023.Welcome to Meaza Tibeb 👍ሰላም ተከታተልቲ መደባትና ✋መዓዛ ጥበብ ፡ ኣብዚ ቻነል ዝተፈላለየ ትሕዝቶ ዘለዎ መንፈሳዊ መደባት ብተከታታ...

27/02/2023

Meaza Tibeb | ፍሉይ መንፈሳዊ መደብ ቀዳማይ ክፋል | Part 1 eritrea 2023.

09/02/2023
31/01/2023

ሼር ሼር ሼር ያድርጉ ለሁሉም

    ።   ብዕለት 06/08/2022 ፈ. ኣብ ከተማ ሚላኖ ሐመረ ኖኅ ልደታ ለማርያም ቤተ ክርስቲያን ሚላኖ ቀዳማይ ዓመተ ሢመተ ጵጵስና ኣቡነ ጳውሎስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ኃቢሮም ን...
20/08/2022



ብዕለት 06/08/2022 ፈ. ኣብ ከተማ ሚላኖ ሐመረ ኖኅ ልደታ ለማርያም ቤተ ክርስቲያን ሚላኖ ቀዳማይ ዓመተ ሢመተ ጵጵስና ኣቡነ ጳውሎስ ኣብ ሃገረ ስብከት ኤውሮጳ፡ ኃቢሮም ንኡስ ሃገረ ስብከታት ኣብ ዝተረኽብሉ ተኸቢሩ።

እዚ ድኅሪ ፈተናን መከራን ንቤተ ክርስቲያና ናብ ድሙቕ ብርሃን ዝወሰደ ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ዝተገብረ ምሻም ጳጳሳት ንምዝካር፡ ብፍላይ ከኣ ንብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ኣብታ ሃገረ ስብከቶምን ብዙኅ ፈተና ዝኃለፉላን ቤተ ክርስቲያኖምን ብምኽባሩ ፍሉይ ይገብሮ።

ኣብዚ በዓለ ሢመት ዝተሳተፉ ካብ ንኡስ ሃገረ ስብከት ኢጣልያ ማለት ቤተ ክርስትያን ቅዱስ ሚካኤል ሮማ ቀሲስ ተስፋሥላሴ እስጢፋኖስ፣ ካብ ቤተ ክርስትያን ኪዳነ ምሕረት ቦሎኛ ቀሲስ ዘርኣይ የማነ ከምኡ’ውን ካብ ሓመረ ኖኅ ልደታ ለማርያም ሚላኖ መሪጌታ የማነ ገብረሕይወት ከምኡ’ውን ውሉደ ክህነትን ምእመናንን ምእመናትን ዝተሳተፍዎ ማኅሌትን ስብሐታትን ቅዳሴን ብምስራዕን እቲ በዓል ተኸቢሩ።

ድኅሪ ቅዳሴ ብቀሲስ ዘርኣይ ስብከተ ወንጌል ክወሃብ ከሎ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ድማ ኵሉ ኣገልጋልን ምእመንን ብፍቅርን ሓድነትን ክነብር፣ ንቤተ ክርስቲያኑ ከኽብር ሥርዓታን ሕጋን ክሕሉ ነቶም ሕጅውን ብፋሉልነት ንሕዝቢ እናታለሉ ዝነብሩ ናብ ልቦም ክምለሱ ደጊም ኣብ ናይ ጸልማት ዘመን ከይምለሱ ብኵሉ መዳይ ብሰላም ኣብዛ ሓንቲ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዖም ክነብሩ ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ሂቦም። ነቲ በዓል ድምቀት ዝህብ ብተመሃሮ ትምህርተ ሰንበት መዛሙር ምስ ቀረበ፡ ብብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ናይ መዓርግ ስም ተዋሂቡ። እዚ ድማ ንቀሲስ ተስፋሥላሴ እስቲፋኖስ ‘ርእሰ ደብር’ ፣ ቀሲስ ዘርኣይ የማነ ‘መልእከ ገነት’ ከምኡ’ውን ንመሪጌታ የማነ ገብረሕይወት ‘ሊቀ መዘምራን’ ዝብል መዓርግ እዩ።

ኣብ መወዳእታ ኵሉ ተሳታፊ ንክብሪ ብፁዕ ኣቡነ ጳውሎስ ዝተዳለወ ናይ ምሳሕ እንግዶት ተሳታፊ ኮይኑ።
https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-27-19-45-59/2019-09-30-10-44-29/item/1404-2022-08-20-12-39-26

ጸሎትን በረከትን ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩሉ ህዝቢ ክርስቲያን ይኹን
20/08/2022

ጸሎትን በረከትን ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩሉ ህዝቢ ክርስቲያን ይኹን

“ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ" - ደብረ ታቦር ኣብ ምድረ  እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም  ዝነግረና፡ ጐይታናን...
19/08/2022

“ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ" - ደብረ ታቦር
ኣብ ምድረ እስራኤል፡ ካብ ባሕሪ ገሊላ ንሸነክ ምዕራብ ዝርከብ እምባ እዩ። ቅዱስ ወንጌል (ማቴ. 17፡1-13) ከም ዝነግረና፡ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ነቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ዝበሃሉ ሠለስተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ዝኾኑ ቅዱስ ጴጥሮስን ደቂ ዘብዴዎስ ቅዱስ ያዕቆብን ቅዱስ ዮሓንስን ኣኸቲሉ ናብዚ እምባ እዚ ምስ ደየበ፡ ኣምላኽነቱ ንምግላጽ ኣብ ቅድሚኦም ክዳኑ ከም በረድ ፃዕደወ፡ ገጹ’ውን ከም ፀሓይ በርሀ።
ክልተ ካብ ቅዱሳን ነቢያት ሙሴን ኤልያስን ተገሊጾም ምስኡ ተዘራረቡ። ነቢይ ሙሴ፡ ‘ንኣኻ ኣምላከ ሙሴ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ሙሴ ኢኻ ይብሉኻ’ በሎ። ነቢይ ኤልያስ’ውን ‘ንኣኻ ኣምላከ ኤልያስ ይብሉኻ እምበር ከመይ ኢሎም ኤልያስ ወይ ድማ ሓደ ካብ ነቢያት ይብሉኻ’ ብምባል መስከረ። ነቢይ ሙሴ ብሕጊ መውስቦ እናነበረ ዝኃለፈ ነቢይ’ዩ። ነቢይ ኤልያስ ግና ብድንግልናን ብምናኔን እናነበረ ዝዓረገ ኣቦ እዩ። ስለምንታይ ክልቲኦም ተገልጹ፡ ካልኦት ዘይኮኑ፧ እንተበልና ቤተ ክርስቲያን ብመርዓ ኮነ ብድንግልና ናይ ዝነብሩ ሕዝበ ክርስቲያን ቤት ምዃና ንምግላጽ እዩ።
ቅዱስ ጴጥሮስ ተንሢኡ “ኦ ጐይታ ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ። ትፈቱ እንተኴንካስ ኣብዚ ሠለስተ ዳስ ክንሠርሕ። ሓደ ንኣኻ፡ ሓደ ንሙሴ፡ ሓደ’ውን ንኤልያስ” እናበሎ ከሎ ብሩህ ደመና ጐልበቦም። ካብቲ ደመና ድማ እግዚአብሔር አብ፦ “ዘፍቅሮ ብእኡ ዝሠመርኩ ወደይ እዚ እዩ፡ ንእኡ ስማዕዎ” ኢሉ መስከረ። ቅዱሳን ሓዋርያት ነዚ ሰሚዖምን መለኮታዊ ክብሩ ርእዮምን ብግንባሮም ተደፊኦም እናፈርሁ ሰገዱ፡ ብኣምላኽነቱ ኣመኑ፡ ምሥጢር’ውን ተረድኡ።
ኣብዚ እምባ’ዚ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ግርማ መንግሥቱን ምሥጢረ መለኮቱን ዝገለጸሉ ዕለት፡ ዓመት መጽአ ‘በዓለ ደብረ ታቦር’ እናተባህለ ይኽበር ኣሎ።
ደብረ ታቦር ብቤተ ክርስቲያን ይምሰል እዩ። ኣብ ዝባን ደብረ ታቦር ኴንካ፡ ብላዕለዋይ ወገን ዓበይትን ገዘፍትን እምባታት ይርኣዩ። ናብ ታሕታዋይ ወገን ከኣ ጐልጐልን ስንጭሮን ይርኣዩ። ብተመሳሳሊ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ጸኒዑ ዝነብር ሰብ፡ ኣብኡ ኾይኑ ንኽብሪ መንግሥተ ሰማያት ይርኢ፡ ከምኡ’ውን ንታሕቲ ገጹ፡ ምረት ገሃነመ እሳት ይዕዘብ። እቶም ሃይማኖትን ምግባርን ናብ ቤተ ክርስቲያን ዝደየቡ ቅዱሳን፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም ጸብኢ ኣጋንንቲ ተዓጊሦም ደሞም ዘፍስሱ ክብራ ስለዝረኣዩ እዮም።
ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ “ስቓይ እዚ ዘመን’ዚ ነቲ ኣባና ክግለጽ ዘሎ ክብሪ ከምዘይመዓራረዮ እኣምን እየ” ይብል። ሮማ 8፥18። ቅዱስ ኤፍሬም’ውን ‘’ሰማዕታት ከዐው ደሞሙ በእንተ እግዚኣብሔር ወተዓገሡ ሞተ መሪር በእንተ መንግሥተ ሰማያት/ ሰማዕታት ምእንቲ እግዚኣብሔር ደሞም ኣፍሰሱ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት ኢሎም’ውን መሪር ሞት ተዓገሡ።” ይብል። (ውዳሴ ማርያም ዘኃሙስ)። ስለ’ዚ ጣዕሚ መንግሥተ ሰማያትን ምረት ገሃነመ እሳትን ኺንርኢ፡ ናብታ ካብ ዓለም ልዕል ዝበለት ቤተ ክርስቲያን ንደይብ። ምስትውዓል ሂባ ንኸተበርትዓና ወትሩ ደወላ ምስ ኣስመዐትን ኣፍ ደገኣ ምስ ኣርሓወትን እያ።
ባርቅን ዲቦራን ንሲሳራ ዝሰዓርሉ፡ ዝተዓወትሉ እምባ ደብረ ታቦር እዩ። (መሳ. 4፡4) ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ድማ ናይ ደብረ ታቦር ምሳሌ ብምዃና ናይ ዓወት መድረክ እያ። ናብአ ዝመጸ፡ መንፈሳዊ ኃይሊ ረኺቡ ብጾምን ጸሎትን ንሰይጣን ይስዕር። ኤፌ. 6፥12
ደብረ ታቦር፡ ጽንዓት ዝሓትት ተሪር ዓቀብ ኣለዎ፡ ነዚ ዓቐብ ምስ ደየብካ ግና ጐልጐል እዩ። ናብዚ እምባ’ዚ ብብዙኅ ጻዕርን ድኻምን ዝደየበ ሰብ ፡ ኣብዚ ሜዳ’ዚ ምስ በጽሐ ደስታን ሩፍታን ይስምዖ። ድኻሙ’ውን ይርስዖ። ብተመሳሳሊ ቤተ ክርስቲያንና’ውን ጹሙን ጸልዩን ስለ እትብል ንጊዜኡ ንብዙኃት ሰባት ንኺቀርብዋን በረከታ ኺሳተፉን ዓቀበት ትኾኖም። ኣጸቢቆም ምስ ቀረብዋ ግና ናይ ፍርሒ መንፈስን ኣወጊዳ ክፍኣት ዘይብሉ ህዱእ መንገድን ሰላምን ትህቦም። ንመንግሥተ ሰማያት ክንኣትዋ ዝግብኣና ብብዙኅ ጸበባ ምዃኑ’ውን ሓዋርያት ኣስተምሂሮም እዮም። ግብ. ሓዋ. 14፡22
ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ደብረ ታቦር መለኮታዊ ክብሩ ክገልጽ ከሎ ክልተ ካብ ነቢያት፣ ሠለስተ ድማ ካብ ሓዋርያት ተረኺቦም ነበሩ። ደብረ ታቦር ብሓድነት ኣቦታት ብሉይን ሓዲስን ኪዳን ኣአንጊዳ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ብሉይን ሓዲስን ይስበኸላ። ትንቢት ነቢያት ምስ ስብከተ ሓዋርያት ይንገረላ። ንሓዲስ ኪዳን ካብ ብሉይ ኪዳን ኣይትፈልን። ከመይ! ጐይታ “ኣነ ንሕጊን ነቢያትን ክፍጽሞም ደኣ እምበር ክስዕሮም ኣይመጻእኩን” ከምዝበለ። (ማቴ. 5፥17)
ኣብ ደብረ ታቦር ናይ እግዚኣብሔር ሓድነትን ሠለስትነትን ተገሊጹ እዩ። ቤተ ክርስቲያንና’ውን ንደቂ ሰባት ከም መጠን ኣእምሮኦም ምሥጢረ ሥላሴ ትምህር።
ስለዚ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዝን ብኻልእን ምሳሌን ደብረ ታቦር ብምዃና ቅዱስ ጴጥሮስ “ንኣና ኣብዚ ምንባር ጽቡቕ እዩ" ከምዝበለ፡ ንሕና ድማ ነዚ ቃል ወትሩ ንድገሞ፡ ካብኣ ከይንርሕቕ ድማ ቃል ንእቶ። ናይ’ዚ ዕለት በረኸት ተኻፈልቲ ኺንከውን፡ ምሥጢር ደብረ ታቦር ኺግለጸልናን ብርሃኑ ንምርኣይ ኺንበቅዕን ሎሚ ሕጂ ናብ ደብረ ታቦር ቤተ ክርስቲያን ብጐደና ሃይማኖትን ሥነ ምግባርን ንደይብ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ቅዱስ በዓል ይግበረልና!
ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!
https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-30-12-08-10/item/1402-2022-08-18-06-51-01

Adress

Stockholm

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን مع الله لا شيء مستحيل. postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Kontakta Heliga Platser

Skicka ett meddelande till ንእግዚኣብሄር ዝሰኣኖ ነገር የለን مع الله لا شيء مستحيل.:

Dela