05/09/2026
ፍልይቲ ወርኂ - ወርኀ ጳጕሜን
ብናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኣቈጻጽራ ዘመን፡ ሓደ ዓመት 13 ኣዋርኅ ይኅዝ። ናይ መወዳእታ መበል 13 ወርኂ ድማ ጳጕሜን ይብሃል። ጳጕሜን፡- ካብ 'ኤጳጎመን' (epagomene)’ ዝብል ግሪኻዊ ቃል ዝተወስደ ኾይኑ፡ 'ተወሳኺ' ማለት እዩ።
ንዓመት ኣብ 12 ኣዋርኅ በብ ሠላሳ ዕለታት ምስ ኸፈልናዮ እቶም ዝተርፉ ተወሰኽቲ ዕለታት ተጠርኒፎም ‘ተወሳኺ ወርኂ’ ጳጕሜን ይበሃሉ። እዞም ዕለታት ቍጽሮም ዝተፈላለየ እዩ። ኃሙሽተ ዕለታት ይኾኑ፣ ኣብ ኣኣርባዕተ ዓመት ድማ ሽዱሽተ ይኾኑ፣ ኣብ ሸሽዱሽተ ሚእቲ ዓመት’ውን ሾብዓተ ዕለታት ይኾኑ እዮም።
ወርኀ ጳጕሜን፡ መራኸቢ ኽልተ ዓመት፡ መፈጸምታ ኣረጊት ዓመት፡ መሰጋገሪ ናብ ሓድሽ ዓመት ብምዃኑ ዝተፈላለየ መንፈሳዊ ትምህርትን መልእኽትን፡ ኅብረ አምሳል፡ ትውፊትን ሥርዓትን ኣለዎ።
ሕዝበ ክርስቲያን፡ ንወርኀ ጳጕሜን ከም መፈጸምታ ዘመን ሓሲቦም፡ ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም ስለ ዳግም ምጽአት ይዝክሩ።
ሰማይ ዝረሓወሉ፡ ማያት ዝቕደስሉ ወርኂ ስለዝኾነ ‘ማይ ጳጕሜን’ ዘይሕጸብ ምእመን ዳርጋ የሎን። እዚ ምሳሌ ናይ ዝኃለፈ ዓመት ኃጢኣትካ ብንስሓ ምንጻሕ ኮይኑ "ሓድሽ ሰብ" ኴንካ ንዝመጽእ ዓመት ንምቕባል እዩ። (1ይ ጴጥ. 4፡3)
ብዛዕባ ወርኀ ጳጕሜን ካብ መጽሐፈ ተአምረ ማርያም ከምዚ ዝስዕብ ተጻሒፉ ኣሎ፦
ወበአሐቲ ዕለት ጊዜ መንፈቀ ሌሊት አስተርአየቶ እግዝእትነ ለናዖድ ንጉሠ ኢትዮጵያ ወትቤሎ ኦ ፍቁርየ ናዖድ ምንተ ትፈቅድ ከመ እግበር ለከ፧ ውእቱኒ ይቤላ . . . እፈቅድ አእምር ከመ መኑ ይእቲ ዕለት ዘትሰመይ ጳጒሚት፧
ወትቤሎ እግዝእትነ ለናዖድ ንጉሠ ኢትዮጵያ ዛቲ ወርኀ ጳጒሚት ዘተረክበት ትሩፈ እምአርባዕቱ አዝማናት ወእምዐሠርቱ ወክልኤቱ አውራኅ ተኀብር ወበእንተዝ ተሰምየት ጳጒሚት።
ወዛቲ ይእቲ ዘመነ ምጽአት ይእቲ። ወካዕበ ትቤሎ ዛቲ ዘመን ምስትሥራየ ኃጢአት ወምዕራገ ጸሎት ይእቲ ወኵሉ ሰብእ በይእቲ ወርኅ ዘጾመ ወጸለየ ወበዘይዘንም ዝናም ዘተሐጽበ ወዘተጠምቀ ይትፌወስ እምደዌሁ እስመ ዝናመ ምሕረት ወጠለ በረከት ውእቱ።
ወበዛቲ ወርኅ ይከበር በዓለ መላእክት ኵሎሙ ወነገሥት ቅዱሳን ወበዓለ ርኅወ ሰማይ። ርኅወ ሰማይኒ ብሂል በዓለ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ውእቱ።
ወአመ ሠሉሱ ለይእቲ ወርኅ በዓለ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ወበዓለ መልከ ጼዴቅ ካህን ዘአልቦ አብ ወእም ወዘአልቦ ሞት ወመቃብር እስመ ንጉሠ ሳሌም ወነቢይ ወአልቦ ዘይትማሰሎ በሰማይ ወበምድር።
ወለይእቲ ዕለት ዘአልዓላ ወአክበራ በጾም ወበጸሎት ወበምጽዋት ይትከሠት ሎቱ ምሥጢረ ሥላሴ ወየኀድር ላዕሌሁ መንፈሰ እግዚአብሔር ልዑል።
ወይመልእ ላዕሌሁ በረከተ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ወበረከተ መልከ ጼዴቅ ካህን ወበረከተ ሩፋኤል ሊቀ መላእክት ወበረከተ ቅዱሳን ነገሥታት አብርሀ ወአጽብሐ።
ወይረክብ ክብረ ወብዕለ ጸጋ በዲበ ጸጋ ግርማ ወሞገስ ወይገርሩ ፀሩ ወጸላእቱ ከመ አብርሃም ፍቁረ እግዚእ።
ሶበ ይመውት የዐዱ ባሕረ እሳት ወይነግሥ በመንግሥተ ሰማያት እስከ ለዓለም ወከመዝ ትቤሎ ተሠወረት እምኔሁ።
ወሶበ ነቅሐ እምንዋሙ ናዖድ ንጉሠ ኢትዮጵያ ተፈሥሐ ዓቢየ ፍሥሐ ወሰብሖ ለእግዚአብሔር ወአእኰታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም ወላዲተ አምላክ በእንተ ዘገብረት ሎቱ። /
ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ፍርቂ ለይቲ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ንናዖድ ንጉሠ ኢትዮጵያ ተገሊጻ፥ ‘ኦ ፈታውየይ ናዖድ እንታይ ክገብረልካ ትደሊ፧’ በለቶ። ‘ንሱ ኸኣ . . . እዛ ጳጕሚት እተሰምየት ብኸመይ ከም ዝመጽአት ክፈልጥ ምደለኹ’ በላ።
እግዝእትነ ማርያም ኸኣ ‘እዛ ጳጕሚት እትበሃል ወርኂ ካብ ኣርባዕተ ወቕታት ዘለዉ መዓልታት ዝተረፈት እያ። በዚ ምኽንያት ኸኣ ምስ ዓሠርተ ክልተ ኣዋርኅ ተፈቒዳ መበል ዓሠርተው ሠለስተ ወርኂ ጳጕሚት ተባህለት። እዛ ወርኂ እዚኣ ዘመነ ምጽኣት ትበሃል እያ’ ኢላ ነገረቶ።
ደጊማ’ውን ከምዚ በለቶ፥ “እዛ ወርኂ’ዚኣ ኃጢኣት ዝሥረየላ፣ ጸሎትን ምጽዋትን ዝዓርገላ እያ። ኣብዛ ወርኂ እዚኣ ዝጸለየን ዝጾመን ከምኡ’ውን ኣብዛ ወርኂ’ዚኣ ዝዘንም ዝናመ ምሕረትን ጠለ በረኸትን ስለዝኾነ ብእኡን ብማየ ጸሎትን ዝተሓጽበ ካብ ሕማሙ ይፍወስ እዩ።
እዛ ወርኂ እዚኣ በዓለ ቅዱሳን መላእክትን ነገሥታትን ዝኽበረላን፣ ኣፍ ደገ ሰማይ ዝረሓወላን እያ። ርኅወተ ሰማይ ማለት በዓል አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ማለት እዩ።
ኣብ ዕለት ሠለስተ ናይዛ ወርኂ እዚኣ ከኣ ክብረ በዓል ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል እዩ። ከምኡ’ውን ናይ ንጉሥ ሳሌምን ነቢይን ዝኾነ፡ ኣቦን ኣደን ከም ዘለዎ ዘይፍለጥ ሞይቱ ተቐቢሩ ዘይበሃል ካህን መልከ ጼዴቅ በዓል ዝኽበር’ውን ኣብዛ ዕለት እዚኣ እዩ።
ነዛ ዕለት’ዚኣ ብጾም ብጸሎትን ብምጽዋትን ዘኽበራን ልዕል ልዕል ዘበላን ኵሉ ምሥጢረ ሥላሴ ይግለጸሉ እዩ። መንፈሰ እግዚአብሔር’ውን ኣብ ልቦናኡ ይኃድር እዩ።
በረኸት አብን ወልድን መንፈስ ቅዱስን፣ በረኸት ካህን መልከ ጼዴቅ፣ በረኸት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤልን በረኸት ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽብሐን ኣብ ልዕሊኡ ይኃድር እዩ።
ክብርን ልዕልናን ይረኽብ፣ ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ይውሰኸሉ፡ ግርማ ሞገስ ይወሃቦ፣ ከምቲ አርከ እግዚአብሔር ዝተሰምየ ኣቦና ኣብርሃም’ውን ኵሎም ጸላእቱ ይጠፍኡሉ እዮም።
እንተ ሞተ’ውን ባሕረ እሳተ ሲኦል ተሳጊሩ ኣብ መንግሥተ ሰማያት ንዘለዓለም ነጊሡ ይነብር” ኢላ ምስ ነገረቶ ካብኡ ተሠወረት።
ንጉሥ ናዖድ ኸኣ ካብ ድቃሱ ተበራበረ። ፍጹም ሓጐስ እናተሰምዖ ንእግዚአብሔር ኣመስገነ። ራእይ ንዝገለጸትሉን ነዚ ተስፋ ዝሃበቶን እግዝእትነ ቅድስት ድንግል በክልኤ ማርያም ወላዲተ ኣምላክ’ውን ናይ ጸጋ ምስጋና ኣቕረበላ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!