Faran Mariam ፋራን ማርያም

Faran Mariam ፋራን ማርያም ዮሃንስ 1:12 ነቶም እተቐበልዎ ዘበሉ ዅሎም ብስሙ ንዚኣምኑ ግና ውሉድ ኣምላኽ ኪዀኑ መሰል ሃቦም።
About Orthodox Church ⛪️

✟✟✟ ፬ መስከረም ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ          ✟✟✟ ቅዱስ ኢያሱ ነቢይ ወመስፍን ✟✟✟          ኢያሱ ማለት መድሃኒት ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገ...
14/09/2026

✟✟✟ ፬ መስከረም ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

✟✟✟ ቅዱስ ኢያሱ ነቢይ ወመስፍን ✟✟✟

ኢያሱ ማለት መድሃኒት ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ኤፍሬም እዩ። መምህሩ ሊቀ ነብያት ሙሴ ኣብ ምድረ ሞኣብ ምስ ዓረፈ ፥ብድሕሪ ዚ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ከምዚ በሎ።

ኣባኻ ሓዲረ ንህዝበይ እስራኤል ናብታ ንፈተውተይ ኣብራሃምን ይስሓቅን ያዕቆብን ዝመሓልኩሎም ምድሪ ከነኣን እስራኤል ከእትዎም እየ እሞ ፥ በርትዕ ፥ ጽናዕ ፥ ከምቲ ምስ ሊቀ ነብያት ሙሴ ባርያይ ዝነበርኩ ከምኡ ድማ ኣብ ኩሉ ክርስትያናዊ ጉዕዞኻ ምሳኻ ኣሎኹ። ብድሕሪ ዚ መስፍን ነብይ ኢያሱ ንህዝበ እስራኤል ብግቡእ ይመርሖምን የማሓድሮምን ነበረ። ** መስፍን ነብይ ኢያሱ ንካሌብን ሳልሞንን ንኢያሪኮ ሰልዩ ኢሉ ምስ ለኣኾም ፥ ንሳቶም ድማ ንኹሉ ጎላጉል ሰልዮም ኢያሪኮ በጽሑ።

ንጉስ ኢያሪኮ ድማ እስራኤላውያን ካብ ግብጺ ምምጽኦም ሰሚዑ ንኢያሪኮ መታን ከይኣትው ብሸውዓተ ናይ ሓጺን ቀጽሪ ከሊሉዎ ይነብር ነበረ ። እቶም ሰለይቲ ማለት ካሌብን ሳልሞንን ኢያሪኮ ኣትዮም ኣብ ቤት ረኣብ ( ራኬብ ) እታ ኣመንዝራ ተዓቆቡ ( ኣብ ላዕለዋይ ናሕሲ ኣውጺኣ ሓሰር እንጣጢዕ ከዲና ሓብኣቶም) ።ሽዑ እቶም ልኡኻት ንጉስ ናብ ቤት ረኣብ( ራኬብ ) እታ ኣመንዝራ፥ መጺኦም መስፍን ነብይ ኢያሱ ዝለኣኾም ሰለይቲ ናብ ቤታ ከም ዝኣተው ፈሊጦም ከምዚ በሉዋ።

እስራኤላውያን ሰለይቲ ኣብ ቤትኪ ኣትዮም ስለ ዘለው ኣውጽእዮም በልዋ። ረኣብ ድማ ከምዚ በለቶም። እወ ምምጻእ መጺኦም ነይሮም እንጌራ በሊዖም ማይ ሰትዮም ድማ ቀቅድሚ ንስኹም ምምጻእኩም ከይዶም በለቶም። ሽዑ ምእታዎም ስለ ዘይከሓደት ፥ ከይዶም ክትብሎም ከላ ድማ ኣሚኖም ገዲፎማ ከዱ። ሽዑ ረኣብ ናብ ካሌብን ሳልሞንን ከይዳ ከምዚ በለቶም። ናብ ከተማና ክትኣትው ኢኹም ንነገስታትና ክትቀትልዎም ኢኹም ፥ ናይዚ ምልክት ድማ ብ 50 ን 60ን ሰብኡት ዝኽፈት ናይ ሓጺን ማዕጾ ፥ ባዕሉ ክኽፈትን ክዕጾን ይሓድር ኣሎ ፥ ስለዚ ኣብቲ ትመጹሉ ሰዓት ንዓይን ንስድራይን ከይተጥፍኡና መሓሉለይ በለቶም።

ንሳቶም ድማ "" ኩሎም ቤተ ሰብኪ ኣብ ቤትኪ ኣክብዮም ብመስኮት ድማ ሃሪ ገመድ ኣንጠልጢልኪ ጽንሕና "" ኢሎማ ከዱ። ብድሕሪ ዚ ንኢያሪኮ ሰልዮም ብምኻድ ዝረኣይዎን ዘጋጠሞምን ኩሉ ንኢያሱ ነገርዎ።
** መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ ታቦት ጽዮን ኣምሪሑ ብሓይሊ ኣምላኽ ንሩባ ዮርዳኖስ ከፊሉ ኣስገሮም። ክሳብ እዚ ግዜ ዚ ድማ ማና ካብ ሰማይ እንዳተመገቡ ማይ ካብ ከውሒ እንዳሰተዩ ይነብሩ ነበሩ። ካብዚ ንደሓር ግና ከነኣን ምስ ኣተዉ ግን ምድሪ ዘፍረየቶ ፍረ ተመገቡ። ከተማ ኢያሪኮ ድማ ሓጹራ ኣዝዩ ጽኑዕ ስለ ዝነበረ እስራኤላውያን ታቦት ኣምላኽ ሒዞም ሸውዓተ መዓልቲ ዘሩዋ።

ኣብ መበል ሻውዓይ መዓልቲ ድማ ነቶም ሓያላን ዝኾኑ ሕዝቦም ብየማንን ጸጋምን ኣሰሊፎም ፥ ካህናት ድማ ልብሲ ክህነት ተኸዲኖም ማዕጠንቲ ሒዞም ታቦት ጽዮን ኣብ ማእከል ገይሮም ፥ መስፍን ነብይ ኢያሱ እውን ኣብ ማእከል ኮይኑ ምስኦም ይኸይድ ነበረ። ድምጺ መለኸት ምስ ሰማዕኩም ዕልል በሉ ኢልዎም ስለ ዝነበረ ድማ ፥ መለኸት ምስ ተነፍሐ እቶም ህዝቢ ኩሎም """ ዕልል በሉ """" ። ቀጽሪ ኢያሪኮ ድማ ፈረሰ ።ሽዑ ረኣብን ቤተሰባን ብሰላም ወጽኡ ፥ ነብይ ኢያሱ ድማ ንህዝቢ ኢያሪኮ ኣጥፊኡ ከኣ ንከተማ ኢያሪኮ ተቖጻጸራ። መጽሓፈ ኢያሱ 6፥1--27 ንመልከት።
** መስፍን ነብይ ኢያሱ ንህዝቢ እስራኤል ኣኪቡ ከምዚ በሎም። "" ክሳብ ሕጂ ዘዝረኸብናዮ ንዓና ንወስዶ ነበርና ፥ ካብ ሕጂ ግን ዘዝረኸብናዮ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽና ይኹን "" በሎም።

ዘዝረኸብዎ ድማ ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ሃቡዎ። ንከተማ ኢያሪኮ ምስ ተቖጻጸርዋ ከኣ ምስ "" ዓይ "" ክዋግኡ ተሰለፉ እሞ ክዋግኡ ከለው ብሓንሳብ 36 እስራኤላውያን ሞቱ። መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ ናብ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ጸሎት ምስ ጸለየ ፥ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ድማ ከምዚ በሎ። "" ዝበልካዮ ዘይገበረ ኣብ ማእከልኩም ኣሎ """ በሎ። ሽዑ መስፍን ነብይ ኢያሱ ነቲ ዝተባህሎ ዘይገበረ ሰብ ንምፍላይ ከኣ ዕጫ ኣውደቑ እሞ ፥ እታ ዕጫ ድማ ናብ ኣካን ወዲ ዛራ በጽሐት ። ሽዑ ንኣካን ምስቲ ዝሓብኦ ወርቅን ብሩርን ብእምኒ ጨፍጪፎም ቀተልዎ እሞ ሞተ። ብድሕሪ ዚ ጎይታ "" ንከተማ ዓይ "" ኣሕሊፉ ሃቦም። ከተማ ዓይ ሓሊፎም ድማ ንጊብዖን ምስ በጽሑ ሓሙሽተ ነገስታት ኣሞራውያን ሓቢሮም ተዋግእዎ እሞ ብሰይፊ ገይሩ ቀዘፎም። እቶም ካብኡ ዝተረፉ ከኣ እግዚኣብሔር ብመብረቕ ወድኦም።

መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ ናብቲ ዝሓሰቦ ከይበጽሐ ከኣ ጽሓይ ክትዓርቦ ደለየት እሞ ፥ ጸሎት ገይሩ ኣብ ዘላቶ ከም እትቐውም ገበራ። መጽሓፈ ኢያሱ 10፥12 ንመልከት። መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ ኣብ መወዳእታ ዘመኑ ንእስራኤላውያን ኣኪቡ ከምዚ በሎም።ምረጹ ንመን ከም እተገልግሉ ንናይ ሞኣባውያን ኣምላኽ ዲኹም ተምልኹ ወይስ ንእግዚኣብሔር """ በሎም። ንሳቶም ድማ "" ንእግዚኣብሔር ደኣ እምበር ፥ ንኣምላኽ ሞኣባውያን ኣይነምልኽን ኢና "" በልዎ። መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ "" ምልክት ግበሩለይ """ በሎም። ንሳቶም ድማ "" ንስኻ ዝበልካዮ ይኹን "" በልዎ። መስፍን ነብይ ኢያሱ ድማ ሰለስተ ገጻት ዘለዎ እምኒ ወሲዱ ኣብ ሴሎ ጥቓ ታቦት ጽዮን ተኸላ።

ኩሉ ዝረኣየ ድማ መስፍን ነብይ ኢያሱ ምስ እስራኤላውያን ዝተመሓሓለላ ሓወልቲ እንዳበለ ይዝክራ ኣሎ። ናይ ሎሚ ቤተ ክርስትያን እያ። መስፍን ነብይ ኢያሱ ብኩሉ ቅድስና ንእግዚኣብሔር ኣምላኽ ኣገልጊሉ ኣብ መበል 110 ዓመቱ 26 ሰነ ዓረፈ።

ጸሎቱን ጸጋ በረኸቱን ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን


✟✟✟ አባ መቃርስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ቅዱስ አቦ ፡ ናይ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት አባ መቃርስ አዕረፈ። ንሱ ንአቦታት ሊቃነ ጳጳሳት መበል ፷፱ (69) ን እዩ።እዚ አቦ ካብ ብንእስንቱ ብገድሊ ዝተጸመደ ኾነ፡ ናይ ምንኩስና ልብሲ ክለብስ ስለ ዝፈተወ ድማ ናብ ገዳመ አስቄጥስ ከደ።

አብኡ ድማ ኣብ አባ መቃርስ ቤተ ክርስትያን መንኮሰ። አብ ምንኩስና ኮይኑ ድማ ዓብዪ ተጋድሎ ተጋደለ። ኵሉ ጊዜ መጻሕፍቲ ዘንብብን ትርጓሜኦም ዘረድእን ስለዝኾነ ብትሩፋቱ ስራሕ ልዕል ልዕል አብ ዝበለሉ ጊዜ ቅስና ተሾመ። ቅድሜኡ ዝነበረ ሊቀ ጳጳሳት አባ ሚካኤል ምስ አዕረፈ ድማ ኤጲስቆጶሳት ናብ ገዳመ አስቄጥስ ከዱ።ምስኣቶም ሃይማኖቶም ዝቐንዐ ብዙሓት ፈላጣት ካህናት ነበሩ።

አብ ገዳመ አስቄጥስ ምስ ዝነብሩ ዓበይቲ መነኮሳት አኼባ ጌሮም ድማ ነዛ ዝኸበረት ሹመት ዝግባእ ሰብ እናመርመሩ መዓልታት ተቐመጡ።ድሕሪኡ ዝሐሸ ነዛ ዝኸበረት ሹመት ዝግባእ ንአባ መቃርስ ረኺቦም፡ ሊቀ ጵጵስና ንክሸምዎ ኵሎም ብሐንቲ ምኽሪ ተሰማምዑ። ስለ ትሩፋቱን ስለ ተጋድሎኡን አብ ገዳመ አስቄጥስ ዝነብሩ ብዙሓት መነኮሳት ምስክር ስለ ዝኾኑ፡ ሒዞምዎ ክኸዱ ብዘይ ፍቓዱ አሰርዎ። ንሱ ግን ከምዚ እናበለ ዓው ኢሊ ይበኪ ነበረ።

"አነ ነዛ ዝኸበረት ሹመት ዘይግባእ እየ። አደይ ክልተ ሰብኡት ተመርዕያ ስለዝነበረት እዚ ሹመት አይግብአንን እዩ" ፡ ነዚ ዝበለ ምእንቲ ክገድፍዎ እንበር አደኡ ግን ብሐደ ሰብኣይ ጥራሕ ዝነበረት ካልእ ዘይትፈልጥ ንጽሕቲ ከም ዝኾነት ብዙሓት ምሥክር ኮይኖም እዮም። ስለዚ ድማ ነዚ ዝተዛረቦ አይተቐበልዎን። ድሕሪኡ ናብ እስክንድርያ ወሲዶም ሊቀ ጵጵስና ሸምዎ።ናብ ምስር አውጺኦም አብ መዓልቃ ትርከብ አብ ናይ ወላዲት አምላኽ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተ ክርስቲያን ናይ ሹመቱ ደብዳቤ ብዮናኒ፣ ብቅብጥን ብዓረብን ቋንቋ ተነበበት።

አብ ናይ ሹመቱ ወርሓት ጽቡቅ ስራሕ፣ ትሩፋትን ተጋድሎኡን አብዚሑ ዝሰርሕ ኮነ። ኵሉ ግዜ ድማ ንህዝቡ ንእግዚአብሔር ክፈርሑ ይምህሮም ስለ ድሕነት ነፍሶም ድማ ይግስጾም ነበረ። አብ ሹመቱ ዘመን ድማ ንባዕሉ ካብ ደሞዙ ንቤተ ክርስትያን ይህብ ንድኻታትን ንዝተሸገሩን እውን ይምጽውት ደኣ ነበረ እንበር፡ ካብ ናይ ቤተ ክርስትያን ገንዘብ ሓንቲ እኳስ አይወሰደን። አብ ሹመቱ 27 ዓመታት ኔሩ ንእግዚአብሔር ድማ አገልጊሉን ደስ አቢልዎን ብሰላም በዛ ዕለት እዚኣ አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንዓና ድማ ብጸሎት እዚ አቦ ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለመቃርስ በእስክንድርያ ዘተአምነ
መርዔተ ክርስቶስ ይርዐይ መሲሐውያነ
ለእለ ኀረይዎ ሕዝብ ዘይሰመዩ ኄራን
ጸሊኦ ሲመተ ጵጳሴ እንዘ ውእቱ ኢኮነ
ወልደ ዳግሚት ብእሲት ይቤሎሙ አነ።

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ስምዖን ዘጾማዕት፣ ፣ አርዳሲ ሊቀ ጳጳሳት፣ አብ ሀገረ አንጾኪያ ሰማዕት ዝኾኑ ፻፶ ሰማዕታት፣ ካብ ሰብአ እንጽና እንትያ ፣ ታዖድሮስ ኤጲስ ቆጶስ፣ ከምኡ እውን ቴዎጎሎስ ዘእመቃብረ እልዳኑ፤ መዘከርታኦም እዩ።

እግዚአብሔር ብጸሎቶም ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።

ዐርኬ

ሰላም እብል ለቴዎጎሎስ ደንጎላ
አመ ወለደቶ እሙ እንዘ ተሐውር ምድረ ቆላ
መቲሮሙ ዕፀ ሶበ ገብሩ ለምጽላላ
በተአምሪሁ ዕፀዋት በቈላ
ማርያምኒ ሰመየቶ ቴዎጎላ።

✟✟✟ ኣባ ሙሴ ዻዻስ ✟✟✟

እሥራኤላዊ ኮይኖም ካብ አቡነ #ሰላማ ቀጺሎም ዝመጽ ዻዻስ ምድረ ኣግኣዚ እዮም።

ፍጹም ገዳማዊን ትጉህ: ነዊሕ ዕድመ ዝገበሩ ጻድቅ እዮም።ገዳሞም ኣብ ኢትዮጵያ #ወሎ ኣብ ዝበሃል ቦታ ይርከብ እንተኮነ ግን እቶም መናንያን ዝጥእምዎ መግቢ እዃ ስኢኖም ክሽገሩ ምርእይ ኣዝዩ የሕምም እዩ።

✟✟✟ ኣብ ልዕሊ ቅዱስ ዮሐንስ ዝሓደረ ፍቅሪ ድንግል ማርያምን ወዳን ኣብ ልዕሌናውን ይሕደር።

✟✟✟ መስከረም 4 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት

1.ቅዱስ ኢያሱ ወልደ ነዌ (ነቢይን መስፍንን)
2.ቅዱስ ዮሐንስ ወንጌላዊ (ልደቱ)
3.ቅዱሳን ዘብዴዎስን ማርያም ባውፍልያን
4.አባ መቃርስ ሊቀ ዻዻሳት
5.አባ ሙሴ ዻዻስ

✟✟✟ ወርኀዊ በዓላት

1.ቅዱስ እንድርያስ ሐዋርያ
2.ቅድስት ሶፍያ ሰማዕት
3.ቅዱስ ዮሐንስ ዘሐራቅሊ (ሰማዕት)

✟✟✟ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ✟✟✟
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

✟✟✟ ፫ መስከረም ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ       በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ቅዱስ አቦ ሊቀ ጳጳሳት አባ ዲዮናስዮስ ካብ ዝሽወም አብ መበል ካልኣይ ዓመት አብ ከተማ እ...
13/09/2026

✟✟✟ ፫ መስከረም ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ቅዱስ አቦ ሊቀ ጳጳሳት አባ ዲዮናስዮስ ካብ ዝሽወም አብ መበል ካልኣይ ዓመት አብ ከተማ እስክንድርያ ጉባኤ ማሕበር ኤጲስቆጶሳት ተኸናወነ፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን፤ ንአ'ዉን ብጸሎት ቅዱሳን አቦታትና ይምሐረና ፤ በረከቶም ትብጽሐና፤ ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለክሙ ቅዱሳን እንግልጋ
ለገሥጾ አብዳን ዘይሴፈዉ ሞተ ነፍስ ምስለ ሥጋ
ተንብሉ ሊተ እንበለ ሕጸጽ ወንትጋ
ለትምህርትክሙ ከመ እጽናዕ በሕጋ
ወእምጸጋክሙ ከመ እንሣእ ጸጋ፡፡

✟✟✟ አባ ሙሴ ዘገዳመ ሲሐት ✟✟✟

ገዳመ_ሲሓት ዝበሃሉ ቦታታት ብዙሓት እዮም። ቀዳማይ ግን ናይ ግብጺ ስለዝኾነ ሎሚ ናይዚ ገዳም ቅዱስ ኢና ክንርእይ። ሕይወቶም ኣዝዩ መሃሪ እዩ። ኣባ ሙሴ ናይ 4ይ ክፍለ ዘመን ኣቦ እዮም። ጻድቕ ኣባ ሙሴ ካብ ካልኦት ቅዱሳን ዝፈልዮ ሓደ ነገር እዩ። ብዘይካ ምግባርን ትሩፋትን ዋላ ሓንቲ ቃል እግዚኣብሔር ኣይፈልጡን ግን ብትሕትናን ብለዋሕነትን ይነብሩ ነበሩ።

ኣብ ግብጺ ተወሊዶም ዓብዮም ብንእስነቶም ናብ ደብረ ስሓት ኣተው። ኣብኡ ብጾምን ጸሎትን ተሓጺሮም ን45 ዓመታት ተቐመጡ። ኣዝዮም ለዋሕ ስለ ዝኾኑ ኣብ ፍጽምነት ደረጃ በጽሑ። ኣብቲ ከባቢ ሰብ ስለዘይነበረ ምስ እንስሳ ዘገዳም ይዘናግዑ ይእዘዝዎም ነበሩ። ኣባ ሙሴ ብተኣምር ዝናብ የዝንብሎምን መግቢ ይሕብዎም ነበሩ ። ኣባ ሙሴ ክዳን ስለ ዘይነበሮም ብቆጽሊ ይሽፈኑ ነበሩ። መግቦም "ብመጠነ ኦፍ" . . ማለት ክንዲ ንእሽቶ ርግቢት ትበልዖ በሊኦም ቅሩብ ማይ ሰትዮም እዮም ዝነብሩ ኔሮም።

ስለዝበቅኡ 'ገነት' ይርእዮን ካብኡ ንበረኸት ቆሪጾም ይበልዕው ነበሩ።ሰይጣን ኽወድቆም ብዙሕ እኳ እንተ ጽዓረ፡ ኣይተዓወተን። ኣብ መወዳእታ ግን ሓደ መንገዲ ረኸበ። ሓደ መዓልቲ ምስቶም አራዊት እንስሳታት ኣብ ኣፍደገ ቤቶም ኮፍ ኢሎም ከለዉ ሰይጣን ኣረጊት መነኮስ ተመሲሉ መጸ። ኣራዊት እንስሳታት ፈሪሖም ሃደሙ፡ ንሶም ግን ከይኣማተቡ ጎይዮም ተቐቢሎም ናብ በዓቶም ኣእተውዎ። "

መን ምዃንካ ንገረኒ" በልዎ ንኣባ ሙሴ ዲያብሎስ መነኮስ መሲልዎም ነበረ። ብዛዕባ ናይ 45 ዓመት ድንግልናን ተባሕቶ ሕይወቶም ነገሩዎ። ብሃሶት "ኣነ ኣብ ዓለም ብበደል ዝነብር ዝነበርኩ ሰብ እየ። ግና ንዓለም ገዲፈ ኣብ በረኻ ንዝሓለፉ 40 ዓመታት ብንስሓ እየ ዝነብር ነይረ። ሓንቲ ጓል ኣላትኒ'ሞ መን ይመርዓዋ ኢለ ኣብ ዝጭነቕሉ ዝነበርኩ እዋን ንስካ ክትምርዓዋ ምዃንካ ተገሊጹለይ።" በሎም። ኣባ ሙሴ ሰንቢዶም "ከመይ ድንግልና ሂወተይ ገዲፈ ክምርዖ" ኢሎም ሓተቱ።

ሰይጣን ግን "ካብ ኣብርሃም፡ ያእቆብ፡ ዳዊት ንስካ ትዓቢ ዲኻ? ንሶም ተመርዕዮም እዮም!" እንዳበለ ምስ ገንሕዎም ሓደ ሓደ ግዜ ዘይምምሃር ግናይ እዩ'ሞ ኣባ ሙሴ ተሰኣሩ።ድሕሪኡ ብሓባር ናብ ዓለም ጉዕዞ ጀመሩ። ኣብ መንገዲ ግን እቲ መነኮስ እየ ዝብል ዲያብሎስ ወዲቑ ዝሞተ መሰለ። ኣባ ሙሴ ብንብዓት ቐቢሮሞ ምስ ከዱ ከም ትኪ በኒኑ ጠፍአ። ኣባ ሙሴ ቁሊሕ ኢሎም ምስ ጠመቱ ሰይጣን ዝሰርሆ ጽቡቅ ጀርዲንን ጽብቕቲ ሰበይቲን ረኣዩ። ክቀርብዋ ምስ በሉ ሕቦብላ ነፋስ ወቒዑ ደርበዮም። ኣባ ሙሴ ካብቲ ዝወደቐሉ ቦታ ምስ ተንስኡ ኩሉ ዝረኣይዎ ሰይጣናዊ ስሕበት ምዃኑ ፈለጡ።

ናብ በዓቶም ተመሊሶም ፍረ ገነት ምስ ጠዓሙ ጸጋ እግዚኣብሔር ስለ ዝተፈለዮም መሪር ኮኖም። እናበኸዩ ካብ በዓቶም ወጺኦም ከዱ። ኣብ መንገዲ ድማ ዲያብሎስ ነጋዳይ መሲሉ "መንገዲ ክመርሓካ" ኢሉ ናብ ጭው ዝበለ በረኻ ወሲድ ደርበዮም። ጥሜትን፡ ጽምኢን፡ ካብ ጸጋ ፈጣሪ ምፍላይ ኩሉ ተሃዋዊሱ ኣቃጸሎም። ሕጂ’ውን ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ መነኮስ ሃንደበት መጺኣ ናብ በዓታ ኣእትወቶም። ንሳ ድማ ግጉይ ነገር ክገብሩ ገበረቶም። ካብኡ ዝገደደ ድማ ናብ ኣይሁድነት ክቕየሩ ኣእሚናቶም።

ናብ ካልእ ቦታ ወሲዳ "ፈሊጥካኒ ዲኻ" ኢላ ሓተቶም ። "ኣይፈለጥኩክን" በልዋ። ተቐይራ ጋኔን ምዃና ኣርእያቶም ተሰወረት።ኣባ_ሙሴ ንኩሉ ብሓደ ግዜ ሰኣኑ። በኸዩ ንብዓቶም ከም ወሓይዝ ወሓዘ። ዋይ እንዳበሉ ክበክዩ ከለው ጎይታና መልኣኹ ለኣከሎም እሞ ከም ቀደሙ ኣጸናንዖም።ኣጆኻ! ፈጣሪ ንብዓትካን ንስሓካን ተቐቢሉ እዩ" ኢሉ ናብ ከተማ ስውራን ወሰዶም። ኣብኡ ን7 መዓልቲ ጸኒሖም ኣብዛ መዓልቲ እዚኣ ኣዕረፉ። ድማ ቐበርዎም።

ዐርኬ

ሰላም ለሙሴ ዘረሰየ እም ዓለም ተፈልጦ
ቈጽለ ሆሣዕና አራዘ ወፍሬ ዘይቶን ሥብጦ
በብዙኅ መከራ እም ድኅረ ሰይጣን አስፈጦ
እግዚአብሔር መሐሪ መንገለ ገዳም ሜጦ
ኀበ ሥጋሁ የዓርፍ ወነፍሶ ይትሜጦ፡፡

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ሰማዕት አባ ዲዮስቆሮስ፥ ሰማዕት ሊቀ ጳጳሳት ዲዮናስዮስ፥ ዲያቆን በትንከልን ብዙሓት ናይ ፋርስ ሰማዕታትን መዘከርታ ዕረፍቶም እዩ። በረከቶም ድማ ምሳና ትንበር፤ ንዘለዓለመ ዓለም

✟✟✟ ኣቡነ ኣንበስ ✟✟✟

ኣቦና ኣቡነ ኣንበስ ስም ኣቡኦም ዜነብ ስም ኣዲኡ ዜነባዊት ይበሃል። ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ ኣብ ሮም ዝተወልዱ ቅዱስ ኣቦ እዮም። ሎሚ ዕለት 3 መስከረም ድማ ዓመታዊ በዓለ ዝኽሪ ዕረፍቶም እዩ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ምስ ወለዶም ከም ፍቓድ እግዚኣብሔር ምስ ዓበዩ ቃል ወንጌል ብግብሪ ንምፍጻም "" ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ ብጹዓን እዮም" ብዚብል ቃል እግዚኣብሔር ተመሪሖም ከም ኩሎም ቅዱሳን ናብ ምድሪ ኣግኣዚት ተበገሱ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ከም ቃል ቅዱስ መጽሓፍ ዚጠቕሶ ፥ ኣቡኡን ኣዴኡን ገዲፉ ፥ ምስ ብጾቱ ኣብ ምድረ ኣግኣዚት ኪረግጹ ከለው ፥ ካብ ኩሎም ብጾቱ ዝነኣሱ ብምንባሮም ብድኻም ተሰኒፎም ተረፉ እሞ ብጾቶም እውን ገዲፎሞም ኸዱ።

እንተ ኾነ ግና ከምቲ ልቢ ኣምላኽ ቅዱስ ዳዊት ዝበሎ ፥ መልኣኽ እግዚኣብሔር ፥ ኣብ ዙርያ እቶም ዝፈርህዎ ይሰፍር ፥ ካብ ድንገት ከኣ የናግፎም ። መዝሙር ዳዊት 34፥7 ዚበሎ ንጻድቕ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ኣብ ምድረ በዳን ዘይፈልጦም ሃገርን ረዳእን ሓይልን ብምዃን ኣብ ኩሉ ጉዕዞኡ ከም በቕሊ ኮይኑ ዚውጥሕዎ ዚእዘዞም ኣንበሳ ተዋህቦም።ብድሕሪዚ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሖም ናብ "በለሳ" ዝተባህለ ከባቢ ጸሮና ኣትዩም ተቐመጡ። ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ ቀዳማይ ስሞም ገብረክርስቶስ እዩ።

ኣብ ኣንበሳ ተወጢሖም ንብጾቶም ምስ ኣርከብዎም ግና ፥ እቶም ምስኡ ዝተበገሱ ቅዱሳን ብምንታይ ደኣ መጺእካ ፥ ኢሎም ምስ ሓተትዎ ፥ ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ ድማ ኣብ ኣንበሳ ተወጢሑ ከም ዝመጸ ገለጸሎም እሞ ፥ ካብ ሽዑ ጀሚሮም ድማ ስሙ "ኣቡነ ኣንበስ" ኢሎም ሰመይዎም።ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ ኣብ በለሳ ጥራይ ኣይተቐመጡን "ክሳድ እምባ" ኣብ ዝበሃል ዓዲ ፥ ኣብ ንኡስ ዞባ ሰንዓፈ ዚርከብ ከባቢ 10 ኪሎ ሜትር ንወገን ምብራቕ ኣብዚ ሎሚ ብስሞም ዚጽዋዕ ዘሎ ዓብይ ደብሪ መጺኦም ተቐመጡ። እዚ ቦታ እዚ ቤት ጸሎትን ኣምልኾኡን ዝፍጽመሉ ቦታ ነበረ።

ብፍላይ ድማ ኣብ "ዕራግ" ዝበሃል ቦታ ናይ ጻድቅ ኣቡነ ኣንበስ ዝጽልይሉ ፍሉይ ቦታ ከም ዝነበሮም እዮም ቅዱሳን ኣቦታትና ብኣፈ ታሪኽ ዝነግሩና።ካብ ስሙ ከም እንርድኦ "ዕራግ" ማለት "ዓረገ" ካብ ዝብል ግእዛዊ ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ካብ ዝተሓተ ቦታ ናብ ዝለዓለ ቦታ ሓፍ ምባል ማለት እዩ። እዚ ዕራግ ዝብል ቦታ ድማ ኣቦና ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ጸሎቶም ናብ ኣምላኽ ዘዕርጉሉ ፍሉይ ቦታ፥ ስለ ዝነበረ በዚ ዕራግ ተባሂሉ ክሳብ ሕጂ ይጽዋዕ ኣሎ። ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ድሕሪ ዚ እውን ናብ "ሓዘሎ" ዚበሃል ስፍራ ተጓዒዞም እዮም። ኣብኡ ምስ ኣቡነ ሳሙኤልን ኣቡነ ቢንያምን ዚተባህሉ ቅዱሳን ኣቦታት ተራኸቡ እሞ ፥ ሰለስቲኦም ብሓደ ኮይኖም ይጽልዩ ነበሩ።

እዞም ሰለስተ ኣቦታት ፥ በረኸትን ቅድስናን ንምርካብ ብሓደ ኮይኖም ናብ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከዱ። ኣብቲ ቦታ ምስ በጽሑ ከኣ ፥ኣብቲ ቦታ ዚነበሩ ኣናብስ እንስሳታት ኪበልዑ ፥ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣዚዝዎም ነበረ እሞ ፥ ነቶም ናይቶም ሰለስተ ቅዱሳን ኣናብስ በልዕዎም።ኣቡነ ኣንበስን ኣቡነ ብንያሚን ኣቡነ ሳሙኤልን ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ፥ "እዞም ኣናብስትኻ እንበር ነዞም ኣናብስትና በሊዖምዎም " በልዎ። ሽዑ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ነቶም ኣናብስቲ "ስለምንታይ ንዓኻትኩም ዘይተኣዘዘ ትበልዑ ፥ ኢሉ ገንሖም እሞ ፥ እቶም ኣናብስቱ ድማ ፥ ነቶም ዚበልዕዎም ኣናብስቲ ተፍእዎም።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከኣ ፥ነቲ በድኒ ናይቶም ኣናብስቲ ባሪኹ ካብ ሞት ኣተንሲኡ ንዋናታቶም ሃቦም ( ገድለ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ )። ካብዚ ቀጺሉ ቅዱስ ኣቡነ ኣንበስ ናብ "ግዔን" ዚተባህለ ቦታ ከዱ። ኣብቲ ግዜ እቲ እንስሳታት ናይቲ ከባቢ ፥ ኣብ ሕርሻን ግርሁን እንዳ ኣተው ጉድኣት ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት የውርዱ ነበሩ ። እቶም ሕዝቢ ድማ ፥ ከም ግብረ መልሲ ነቶም እኽሎም ዚበልዕሎም እንስሳታት የሃድንዎም ነበሩ። ነዚ ዝተዓዘቡ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ነቶም ሕዝብን ነቶም እንስሳታትን ቃል ኪዳን ኣተኣታተዎም ፥ እቲ ቃል ኪዳን ከኣ ፥ "እቶም እንስሳታት ናብ ዝሩእን ናብ ዘይተዓጽደን ግራት ከይኣትው ፥ እቶም ሕዝቢ ከኣ ኣብ ዓጺድ ዚነጠበ ግንቦ እኽሊ ከይቕርሙን ፥ ከምኡ ድማ ዕለተ ሰንበት ኬኽብሩን" ነበረ ።

እንተኾነ ነዚ ቃል ኪዳን እዚ ሕዝቢ "ግዔን" ጠሓስዎ። ድሕሪዚ ኣቡነ ኣንበስ ፥ ኣንበሳኦም ሰዲዶም ነቶም ቃል ኪዳን ዚጠሓሱ ሕዝቢ ጥሪቶም ክበልዓሎም ኣዘዝዎም ። ሕዝቢ ግዔን ድማ "እዚ ሰብኣይ እዚ ጥሪትናን ገንዘብናን ኪውድኣልናን እዩ" ኢሎም ንኺቐትልዎ ተሰማምዑ።

ብኸምዚ ኣገባብ ከኣ ኣቡነ ኣንበስ፥ ብኢድ ሕዝቢ ግዔን ብሰለስተ መስከረም ኣብ ግዔን ብሰማእትነት ዓረፉ። እንሆ ድማ ቅድስት ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ሃይማኖት ቤት ክርስትያን ዓመት መጸ በረኸቱ ንምክፋል ክብረ በዓሉ ኣብ ሰለስተ መስከረም ብድምቀት ተብዕሎ።

✟✟✟ ዲዮናስዮስ ሐዋርያ እለ ኮነ ለኅሬ፤
ወአንበስ ዘሐዘሎ በዓለ ሠናይ ዝማሬ፤
ሙሴ ዘሲሐት ዘልብሰ መትከፍቱ ጶዴሬ፤
ወፌቤን ኅሪት ዘትጸድል እምወራውሬ፤
ዲዮስቆሮስ ወበትንከል ወሰማዕታት ዘኁባሬ!

ሰላም ለአባ አንበስ በፍኖተ ፃማ ወሥራሕ
ዘይጼዓን ዘልፈ ዲበ አንበሳ መፍርህ
ለዘይጸድቅ ብእሲ እስከ ይገብእ ፍትሕ
ኢያጠፍኦ ማይ ወርደተ ዝናም ብዙኅ
ለዓሠረ ደሙ ቀይሕ ዘሀሎ በኰኵሕ፡፡

ንእግዚአብሔ ምሥጋና ይኹን፤ ንአና ብጸሎት ቅዱሳኑ ይምሐረና፤ ንዘለዓለመ ዓለም አሜን፡፡

✟✟✟ መስከረም 3 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት

1.አባ ሙሴ ዘደብረ ሲሐት
2.አባ አንበስ
3.አበው ኤዺስ ቆዾሳት
4.አባ ዲዮናስዮስ
5.አባ ዲዮስቆሮስ ሰማዕት
6.ቅዱስ በትንከል ዲያቆን

✟✟✟ ወርኀዊ በዓላት

1.በዓታ ለእግዝእትነ ማርያም ድንግል ወላዲተ አምላክ
2.ቅዱሳን ኢያቄም ወሐና
3.ቅዱሳን ሊቃነ ካህናት አበው (ዘካርያስን ስምዖንን)
4.አባ ሊባኖስ ዘመጣዕ
5.አቡነ ዜና ማርቆስ
6.አቡነ መድኃኒነ እግዚእ ዘደብረ በንኮል
7.ቅዱስ ቄርሎስ ሊቅ (ዓምደ ሃይማኖት)

✟✟✟ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ✟✟✟
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

✟✟✟ ፪ መስከረም ✟✟✟በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ            ✟✟✟ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ  ✟✟✟     በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዲ ካህን ዘካርያስ ቅዱስ ዮሐንስ መጥም...
12/09/2026

✟✟✟ ፪ መስከረም ✟✟✟

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

✟✟✟ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ✟✟✟

በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዲ ካህን ዘካርያስ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ብኢድ ዓላዊ ሄሮድስ ሰማዕት ኾነ።

እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ነቢይ ዮሐንስ ንሄሮድያዳ (ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ) ከይምርኣዋ ስለ ዝገሰጾ እዩ። "ሰበይቲ ሓውኻ ፊልጶስ ከተእቱ አይግብአካን" ኢሉ አትሪሩ ተቓወሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ አብ ቤት ማእሰርቲ አእተዎ። ስለ ክፉ ምግባራቱ ኵሉ ጊዜ ይግሥጾ'ኳ እንተ ነበረ ፡ ሕጂ እውን በዚ ምኽንያት አብ ልዕሊ ተግሳጽ ተግሳጽ ወሰኾ።ሄሮድስ ዮሐንስ ቅዱስን ጻድቕን ሰብ ምኽዋኑ ስለ ዝፈልጥ ይፈርሖን ይክታተሎን ነበረ። ሓደ መዓልቲ ልደቱ ዘኽብረሉ መዓልቲ በጽሐ።

ሄሮድስ ዓበይትን መኳንንትን አኪቡ ይሕጐሰሉ አብ ዝነበረ እዋን ጓል ሄሮድያዳ መጺኣ ሳዕሰዐትሉ፡ ንሱ ድማ “ዝለመንክኒ ክሳዕ ፍርቂ መንግሥተይ ክህበኪ እየ፡” ኢሉ ቓል አተወላ። ሽዑ ተመሊሳ ኸይዳ ነዲኣ ሓተተታ፡ አደኣ ድማ “ርእሲ ዮሓንስ ቈሪጽካ ሃበኒ በልዮ” ኢላ መኸረታ፡ እቲ ዝተዋህባ ምኽሪ አዲኣ ሒዛ ፡ ከይዳ ንንጉሥ ለመነቶ። "ወተከዘ ንጉሥ በእንተ መሐላሁ ወበእንተ እለ ይረፍቁ ምስሌሁ" ከምዝብል፡ ንጉሥ ሄሮድስ፡ እቶም ምስኡ አብቲ በዓሉ ተዓዲሞም ዝነበሩ "ቃሉ ለዊጡ ማሕላኡ አፍሪሱ" ከይብልዎ ፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን "ነቢየ እግዚአብሔር አቕቲሉ" ክብሉኒ እዮም ኢሉ ተከዘ።

ተኪዙ አይተረፈን ሽዑ ወተሃደራት ልኢኹ ‘ርእሲ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት "ቈሪጺኩም ሃብዋ" ኢሉ አዘዘ። እቶም ዝተአዘዙ ወተሃደራት ቅዱስ ዮሓንስ አብ ቤት ማእሰርቲ እንከሎ ርእሱ ቘሪጾም አብ ጻሕሊ ጌሮም ሃብዋ። ንሳ ድማ ወሲዳ ነዲኣ ሃበታ፡ አብቲ መዓልቲ “ዎ ሄሮድስ ሰበይቲ ኃውኻ ፊልጶስ ከተእቱ አይግበአካን” እናበለት ፡ ርእሲ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ኢድ ሄሮድያዳ ናብ አየር ስለ ዝነፈረት ፡ ዓብዪ ስንባደ ኮነ። ደቀ መዛመርቱ ምስ ሰምዑ ፡ በድኑ ተቐቢሎም ፡ ቐበርዎ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎቱ ን ቅዱስ ዮሐንስ ምጥምቅ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ንዓለመ ዓለም አሜን #

ዐርኬያት

ሰላም እብል ለዮሐንስ ካህን
ሰማዕተ ብርሃን
ቀተልዎ እፎ ለኅሩመ ሥጋ ወወይን
እንዘ ይበልዑ ነግሀ መኳንንተ ዘመን አብዳን
ምስለ ንጉሦሙ ወሬዛ ምኑን።

ሰላም እብል በቃለ ስብሐት ወዝማሬ
ዮሐንስሃ እንተ አጥመቀ ፈጣሬ
ለዝ ካህን ዐቢየ ክህነት እም ደቂቀ ቆሬ
መምህራን አንበሩ በዓሎ ውስተ ርእሰ ዓመት ዘኅሬ
በላዕለ ዕፅ ከመ ይነብር ፍሬ።

ተዘኪረከ ምትረተ ርእሱ ለዮሐንስ ግዩር
በቅናተ ዓዲም ዘዔለ ወበ ሠቀ ፀጕር
ማዕበለ ጌጋይየ አቅም እግዚአብሔር
በከመ አቀምከ ተከዘ ዮርዳኖስ ባሕር
እስከ ካህናት ዐደዉ በእግር።



✟✟✟ ቅዱስ ዳስያ ሰማዕት ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ካብ ውሽጢ ግብጺ ታዕዳ ካብ ትበሃል ሃገር ቅዱስ ዳስያ ሰማዕት ኮነ።

ነዚ ቅዱስ ናይ ሃገረ እንዴናው መኰንን አርያኖስ ብዙሕ አሳቐዮ፤ ጽኑዕ ስቃይ ምስ አሳቐዮ ድማ ርእሱ ብሴፍ ንክቖርጹዎ አዘዘ፡ አብ መንግስተ ሰማያት እውን ናይ ሰማዕትነት አክሊል ተቐበለ። በረኸቱ ምስ ኩላትና ይኹን አሜን።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንአና እውን ብጸሎት እዚ ሰማዕት ይምሐረና ፡ ንዓለመ ዓለም አሜን!

✟✟✟ መስከረም 2 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት

1.ቅዱስ ዮሐንስ ነቢይ (መጥምቀ መለኮት)
2.ቅዱስ ዳስያ ሰማዕት
3.ቅዱስ ዲዲሞስ ሰማዕት
4.ቅድስት መሪና

✟✟✟ ወርኀዊ በዓላት

1.ቅዱስ ታዴዎስ ሐዋርያ (ካብ12 ሐዋርያት)
2.ቅዱስ ኢዮብ ጻድቅ ተአጋሲ
3.ቅዱስ አቤል ጻድቅ
4.ቅዱስ አባ ዻውሊ ገዳማዊ (ዓብይ)
5.ቅዱስ ሳዊሮስ ዘአንጾኪያ
6.አባ ሕርያቆስ ዘሃገረ ብሕንሳ

✟✟✟ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ✟✟✟
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

✟✟✟ ፩ መሥከረም ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ                ✟✟✟ ጻድቕ ኢዮብ ✟✟✟     በዛ ዕለትእዚኣ ፡ ጻድቕ ኢዮብ አብ ወራዲ ማይ ተሐጺቡ ፡ ካብ ኵ...
11/09/2026

✟✟✟ ፩ መሥከረም ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

✟✟✟ ጻድቕ ኢዮብ ✟✟✟

በዛ ዕለትእዚኣ ፡ ጻድቕ ኢዮብ አብ ወራዲ ማይ ተሐጺቡ ፡ ካብ ኵሉ ሕማሙ ተፈወሰ። ስለዚ ድማ ዓመት መጽአ ኵሉ ጊዜ ብማይ ምጥማቕን (ምሕጻብ) ልምዲ ኮነ።

በረኸት ጻድቕ ኢዮብ ድማ ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለኢዮብ ዘኢነበበ ከንቶ
አመ አኀዞ ዓበቅ ወአመ ሐጒለ ጥሪቶ
ሐዋርያ መንፈስ ይቤ እንዘ ያነክር ኂሩቶ
ናሁ ናስተበጽዖሙ ብቃለ ብዙሕ አእኵቶ
ለእለ ተዐገሡ ለኢዮብ ትዕግሥቶ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ ጻድቕ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ንዓለመ ዓለም አሜን።

✟✟✟ ቅዱስ ራጉኤል ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ፱ ሊቃነ መላእክቲ ሐደ ቅዱስ ራጉኤል መዘከርታ በዓሉ እዩ። እዚ ቅዱስ መልአኽ ፡ ንሄኖክ ብዛዕባ ዝነድድ እሳትን ብማይ አይሂ ዝጠፍኡ ሓጥአንን ዘረድኦ መልአኽ እዩ።

ናይ እዚ ብርሃናዊ መልአኽ አማላድነቱ ምሳና ተሀሉ ንለዓለመ ዓለም



✟✟✟ ቅዱስ በርተሌሜዎስ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ካብ 12 ሐዋርያት ሐደ ቅዱስ በርተሌሜዎስ ሐዋርያ ሰማዕት ኾነ። እዚ ቅዱስ ሐዋርያ ፡ ወንጌል ክሰብኽ ብዕጫ ዝበጽሐቶ ሀገረ ስብከቱ እልዋህ ትበሃል ዓዲ እያ።

ንሱ ድማ ምስ ጴጥሮስ ከደ። ብስም ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ሰበኹሎም። ዘደንቅ ተአምራትን መንክራትን አብ ቅድሚኦም ምስ ገበሩ ድማ ንእግዚአብሔር ናብ ምፍላጥ መለስዎም።ናብቲ ከተማ ንምእታው ምኽንያት ደለዩ እሞ ቅዱስ ጴጥሮስ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ “ አትክልተኛ እዩ “ ኢሉ ንሐደ ሃብታም በዓል ሕርሻ ወይኒ ነቲ ቦታ ክሕልወሉ ባርያ ጌሩ ሸጦ። እቲ ሃብታም ሰብኣይ ከዓ ንበርተሎሜዎስ ብ300 ዲናር ገዚኡ ሒዝዎ ከደ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ነቲ ገንዘብ ሓቢኡ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ኽምጽውቶ ነጊሩ ሃቦ። ንሱ ከዓ ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሰ።ቅዱስ በርተሎሜዎስ እልዋሕ ምስ አተወ ። ሓላዊ ሕርሻ ወይኒ ኮይኑ 40 መዓልቲ ተቐመጠ። ቅዱስ በርተሎሜዎስ ኣብ ካልኦት ሃገራት’ውን ከይዱ አስተሚሂሩ እዩ። አምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ናብ በርበር ከይዱ ወንጌል ክሰብኽ አዘዞ። ረዳኢ ክኾኖ ከዓ ንቅዱስ እንድርያስ ካብ ደቂ መዛምርቲ ለኣኸሉ። ሰብ እታ ሃገር ግና አዝዮም ክፉኣት ነበሩ።

አብ ቅድሚ ሓዋርያት ብኣስማት ዘደንቅ ተኣምራት እንዳርኣዩ ትምህርቶም ዘይቅበሉ ሰባት ኮኑ።
አብቲ እዋን አምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰብ ካብ ዝበልዑ ሓንቲ ሃገር ገጸ ከልብ ሰደደሎም ። ነቲ ገጸ ከልብ ከኣ ክእዘዞምን ካብቲ ዝብልዎ ከይወጽእ አዘዞ። ሐዋርያት ዳግማይ ናብታ ዓዲ ምስ አተዉ ክበልዕዎም ምእንቲ ኃያል አራዊት አምጺኦም ሰደዱሎም። እቲ ገጸ ከልብ እውን እንዳመንጠለ በብሐደ በልዖም። ነቲ ዝረአዩ ሰብአ በርበር ድማ አዝዮም ፈርሑ። ብስንባደ ጥራሕ እውን ዝሞቱ አለዉ። አብ ትሕቲ ኢድ ሐዋርያት ከዓ ወደቑ። ካብዚ ዝተላዕለ ኩሎም ሰብ እታ ሃገር ብጐይታና መድሐኒና ኢየሱስ ክርስቶስ አሚኖም ተጠመቑ።

ንሓዋርያት ከኣ ተአዘዝዎም። ሐዋርያት ከዓ ቤተ ክርስትያን ሰሪሖም ካህናት ሸይሞሙሎም ናብ ካልእ ሀገር ከዱ።ድሕር እዚ ድማ ፡ ቅዱስ በርተሎሜዎስ ንእግዚአብሔር ዘይፈልጡ አብ ገማግም ባሕሪ ዝነበሩ ሰባት ከይዱ ክብርን ምሥጋናን ንኡ ይኹን እሞ ፡ ብስም ጐይታና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ሰበኽ። ብዙሕ ተኣምራት ብምግባር አምሂሩ አጠሚቕዎም እዩ። ካብ ዝሙት ናብ ንስሓ ክምለሱ እውን አዘዞም። ናይ ከሓዲ ንጉሥ አግሪጳ ሰበይቱ እውን ብትምህርቱ አሚና ተጠመቐት።

ንጉሥ ኣግሪጳ ድማ ብዛዕባ ሰበይቱ ምስ ሰምዐ አዝዩ ብምቑጣዕ ንቅዱስ በርተሎሜዎስ ሒዙ ብዙሕ ምስ አሳቐዮ። ሑጻ አብ ዝመልአ ከረጢት አእቲዉ ብሕይወቱ ናብ ባሕሪ ደርበዮ።ቅዱስ በርተሎሜዎስ ተጋድልኡ ብኸምዚ ፈጸመ። አምላከ ቅዱሳን እግዚአብሔር ድማ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ሃቦ። ሥጋኡ ከዓ ባሕሪ ብፍርሓት አውጺኣ አብቲ ገማግም አንበረቶ። አብ ኢዱ እውን ሐረገ ወይኒ ዓምቢባ አፍርያ ተረኽበት። ምእመናን ድማ ንሥጋኡ ብኽብሪ ገኒዞም ቀበርዎ።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ ሐዋርያ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ንዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለበርተሌሜዎስ ዘጠብለልዎ በሠቅ
አመ ወገርዎ ሎቱ ውስተ ባሕር ዕሙቅ
በቅድመ ጉቡአን ሕዝብ ትእምርተ ዝንቱ ጻድቅ
አስተርአየ ውስተ እዴሁ ዘምስለ ፍሬ ጽፉቅ
እም ሐረገ ወይን ብሉይ ዘተመትረ ዐጽቅ።

✟✟✟ ጻድቅ አባ ሚልኪ ዘቍልዝም ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ጻድቅ አባ ሚልኪ ዘቍልዝም አዕረፈ።

እዚ ቅዱስ አቦ ፡ ወለዱ ካብ ላዕላይ ግብጺ ቁልዝም ካብ እትበሃል ሃገር ካብ ሃፍታማት ሥድራ እዮም። ብጾምን ብጸሎትን ናብ እግዚአብሔር ለሚኖም ብመብጽዓ ዝረኸብዎ ውላዶም እዩ። አባ ሚልኪ ብሉይን ሐዲሥን ኩሉ ምስ ተመሃረ ሃብቲ ሥድራኡ ንድኻታት ብምሃብ ናብ ገዳም አትዩ መንኮሰ። ብዓቢይ ተጋድሎ’ውን ምንባር ጀመረ።

ሓደ ሹም ዓዲ ወዱ ገበል ውሒጥዎ ፣ አባ ሚልኪ ነቲ ገበል ጸዊዑ “ትፍአዮ” ምስ በሎ ብዘይ ሐደ ጉድኣት ምስ ሙሉእ ጥዕንኡ እቲ ሕጻን ካብቲ ገበል ወጽአ።
አብ ውሽጡ ዝሓደረ ከይሲ’ውን በኒኑ ጠፍአ። “ ወናሁ ወሀብኩክሙ ሥልጣነ ትኪዱ ዲበ አቃርብት ወዲበ አራዊተ ምድር፣ ወዲበ ኩሉ ኃይለ ጸላኢ ወአልቦ ዘይነክየክሙ” ((ሉቃ.10፣19))።ጻድቅ ኣባ ሚልኪ ቤተ ክርስትያን ክሠርሕ እንከሎ ባዕሉ ብተአምራት መሠረተ እምኒ ይተኽል ነበረ።

ንሠለስተ ሚእቲ መነኮሳት አቦ ብምዃንን ብተአምራቱ ንሰብአ ሮምን ፋርስን አእሚኑ እዩ።በዓቲ ዓጽዩ ክነብር ምሒሉ ምስ አተወ ሰይጣን ጸላኢ ሠናያት መሓልኡ ከፍርስ ሐሲቡ አብ ልዕሊ ጓል ንጉሥ ሮም ሐዲሩ አሕመማ’ሞ ዓበደት። እናእወየት እውን “ብዘይካ አባ ሚልኪ ዘድኅነኒ የለን” እናበለት ትጭድር ነበረት።እቲ ንጉሥ ከዓ 400 ሠራዊት አኸቲሎም ንኣባ ሚልኪ ደልዮም ከምጽእዎ ንሰራዋቱ አዘዞም።

እንተዘይምጽእዎ ከዓ ከም ዝሞቱ ነገሮም። እቶም ሠራዊት ንጉሥ ንአባ ሚልኪ ረኺቦም “ንኺድ” በልዎ። ካብ በዓቱ ከም ዘይወጽእ ድማ ሐበሮም ፣ ንሳቶም ከዓ ምስኣቶም እንተዘይከይዱ ንጉሥ ከም ዝቐትሎም ነገርዎ። አባ ሚልኪ ከዓ ሐዚኑ ናብ እግዚአብሔር ጸለየ። አብቲ እዋን ከዓ ደመና ተሸኪሙ ናብ ሮሜ አብጸሖ። አባ ሚልኪ ከዓ ጸልዩ ነቲ ጋኔን ገሲጹ ካብ ጓል ንጉሥ አውጽኦ።ድሕር እዚ አባ ሚልኪ ዓሠርተ አርባዕተ ሰባት ዘይሽከምዎ እምኒ ነቲ ሰይጣን አሸኪሙ ኩሉ ሰብ እናረአዮ ናብ ገዳሙ አምጽኦ።

ኩሉ ሰብ ነዚ ርእዩ ከኣ ተደነቐ ። መዕጸዊ በዓቱ እውን ገበራ። ነቲ ሰይጣን ከኣ ንሰብ ከየሳቒ አወጊዙ ሰደዶ።አባ ሚልኪ ዳግማይ ፈተና ከየጓንፎ በዓቱ ዓጽዩ ተቐመጠ። ድሕሪ ምምንኳሱ አርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ምስ ኰኖ ብሽምካ ጽቡቅ ሥራሕ ዝሰርሑ ኩሎም ክምሕሮም እየ ኢሉ አምላኽና መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ ዘልዓለማዊ ናይ ምሕረት ቃልኪዳን ሃቦ። ጊዜ ዕረፍቱ ምስ በጽሐ እውን አባ እንጦንስ፣ መቃርስ፣ ሲኖዳ፣ ብሶይ፣ ጳኩሚስ ተገሊጾምሉ “ክቡር ሓውና ናባና ነዓ” ኢሎምዎ ብሰላም በዛ መዓልቲ እዚኣ አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለሚልኪ እም ዐበይተ ቊልዝም ዘኮነ
ዘሠናየ ልሕቀ ወዘአዳመ ተሐጽነ
እም እግዚአብሔር ክሃሊ ነሲኦ ስልጣነ
በሐይለ ጸሎቱ ቀነየ ሰይጣነ
እንዘ ያጸውሮ ገብላተ ወስቊረ እብነ።

ዐርኬ

ሰላም ሰላም ለሄኖክ መተርጒም
ሩጸተ እሳት ዝአርአየከ እንበለ ድካም
ራጉኤል መልአክ እስከ ምጽአተ ወልድ ዳግም
ላዕለ ብርሃናት ዘውስተ ኵሉ ዓለም
ዘውእቱ ሥሉጥ ወሥዩም እም ቅድም።

ንእግዚአብሔር ምስጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ንዓለመ ዓለም አሜን።
+መስከረም 1 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት
1.ርዕሰ ዓውደ ዓመት
2.ቅዱስ በርተሎሜዎስ ሐዋርያ
3.ቅዱስ /ማር/ ሚልኪ (ትሩፈ ምግባር)
4.ቅዱስ ራጉኤል ሊቀ መላእክት
5.ቅዱስ ኢዮብ ተአጋሲ
6. ሜልዮስ ሊቀ ዻዻሳት

=>ወርኀዊ በዓላት
1.ልደታ ለማርያም ድንግል እግዝእትነ
2.ቅዱሳን ኢያቄም ወሐና።

✟✟✟ ፭ ጳጕሜን ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ                      ✟✟✟ አባ ያዕቆብ ✟✟✟         በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ኤጲስቆጶስ ሀገረ ምስር ንጹሕን...
10/09/2026

✟✟✟ ፭ ጳጕሜን ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

✟✟✟ አባ ያዕቆብ ✟✟✟

በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ኤጲስቆጶስ ሀገረ ምስር ንጹሕን ድንግልን አቦ ፡ አባ ያዕቆብ አዕረፈ። እዚ መስተጋድል አቦ ካብ ብንእስነቱ አልባስ ምንኵስና ኽለብስ ፈተወ።

ካብ ዓዱ ወጺኡ ድማ ናብ ገዳም አስቄጥስ ከደ። አብ በዓቲ አባ ዮሐንስ ሐፂር ድማ ነበረ። አብኡ ድማ ንብዙሕ ዓመታት ብጽኑዕ ገድሊ ተጸመደ። ብድሕሪ እዚ ድማ ፡ አብ ቤተ ክርስቲያን አባ ዮሐንስ ሐፂር ሊቀ ዲያቆናት ገይሮም ሾምዎ። ናይ ትሩፋቱ፣ ሕያዋይነቱን ቅድስናኡን ዜና ድማ ተሰምዐ። ብሥምረት እግዚአብሔር ድማ አብ ልዕሊ ሀገረ ምስር ኤጲስቆጶስ ገይሮም ሐረይዎን ሾምዎን።

አብ መንበረ ሲመቱ ምስ ተቐመጠ ድማ ፡ ጾምን ጸሎትን ተጋድሎን ወሰኸ። ካብቲ ናይ መጀመርያ ድኣ አብዝሐ እምበር ፡ ብምክንያት ስመቱ ምግልጋል አይተሀከየን። ንሕዝቡ ድማ ኹሉ ጊዜ ዝምህሮም ኮነ። መጻሕፍቲ እውን የንብበሎም። ምስጢር ዝኾነ ድማ ይትርጕመሎም ነበረ። አብ ገቢረ ኃጢአት ንዝነብሩ ድማ ይግሥጾም ብንስሓ እንተዘይተመሊሶም ድማ ካብ ምሥጢረ ቅድሳት የርሕቖም ነበረ።

ሠናይ ገድሉ ፈጺሙ ፡ ንእሽተይ ሕማም ሐመመ። ንመጓሰኡ ድማ ጸውዖም። አብ ቅንዕቲ ሃይማኖት ኽጸንዑ ድማ አዘዞም። ካብኡ ካህናት ጸዊዑ ፡ አብ ጊዜ ጸሎትን ቅዳሴን ኸይህከዩ አዘዞም። "ንምሥጢረ ቅድሳት ብንጽሕናን ብፈረሀ እግዚአብሔርን እንተዘየገልገልኩም አነ ካብ ደምኩም ንጹሕ እየ" ከዓ በሎም። ብድሕሪ እዚ ድማ ገጹን ብምልክት መስቀል አማዕተበ።

አእዳዉ እውን ዘርጊሑ ባዕሉ ንገጹ ኸደነ። ብሰላም ድማ አዕረፈ። ብጽቡቓት አልባሳት ድማ ገነዝዎ። ሐያል ብኽያት እውን በኸዩሉ። ብኽብሪ፣ ብምሥጋናን ብውዳሴን ድማ ቐበርዎ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ አቦ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም


✟✟✟ ቅዱስ አሞጽ ነቢይ ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ካብ 12 ደቂቀ ነቢያት አሞጽ ነቢይ አዕረፈ። እዚ ጻድቕ አብ ዘመን ነገሥታት እሥራኤል ኢዮአስን ኦዞያን ትንቢት ተዛረበ።

ንደቂ እሥራኤል ንነገሥታት እሥራኤልን ይሁዳን ይግሥጾም ነበረ።ቅዱስ አሞጽ ትሽዓተ ምዕራፋት ብዘለዎ መጽሐፈ ትንቢት አለዎ ስለ ነገረ ድኅነት ብዙሕ ትንቢታት ተዛሪቡ እዩ:: እዚ ቅዱስ ነቢይ ንወገናቱ አብዚሑ ይግስጾም ስለ ዝነበረ ተቆጢዖም በዛ መዓልቲ ቐተልዎ::

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ ጻድቕ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ለአሞጽ ነባቤ ቃሉ ለኤሎሄ
በምድረ አትሪም ዘቴቁሔ
እንዘ ይብል አመረ መዋዕለ ክርስቶስ መስተፍሥሔ
ያንጸፈጽፍ መዓር እም አድባር ኵለሄ
ወእም አውግር ሐሊብ ዘአልቦ ቱሳሔ።

✟✟✟ አባ በርሶማ ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ካብ ክዳን ዝዐረቐ ብርቱዕ አባ በርሱማ አዕረፈ። ነዚ ቅዱስ ፡ ወለዱ አብ ሀገረ ምስር አዝዮም ሃፋትም ንእግዚአብሔር ዝፈርሁ ነበሩ።

ንመጻእተኛታት ድማ ይፈትውን ብኹሉ ናይ እግዚአብሔር መንገዲ ድማ ይጓዓዙ ነበሩ። ነዚ ቡሩኽ በርሶማ ምስ ወለድዎ ድማ ብፈሪሀ እግዚአብሔር አዕብይዎ። ኵሉ መጻሕፍቲ ቤተ ክርስቲያን ድማ መሀርዎ።ብድሕሪ እዚ ወለዱ አዕረፉ። ብዛእባ ምምቃል (ምክፍፋል)ሃብቲ አዝማዱ ተዛረብዎ::

ነገር ግን ሓደ ጉልበተኛ ሓወብኡ ነበሮ'ሞ ንኩሉ ንብረቱ አሕደጎ:: ቅዱስ በርሶማ ድማ ብልቡ ሓሰበ:- "ንምንታይ ጽባሕ ንዝጠፍእ ገንዘብ ናብ ፍርዲ ቤት ይኸይድ?" በለ::ቀጺሉ ድማ ነዛ ዓለም ኽገድፋ ወሰነ:: ካብ ቤቱ ከኣ እናዘመረ ናብ በረኻ ገስገሰ:: "ምንት ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኩሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጉለ - ሰብ ንኩሉ ዓለም ኣትሪፉ ንነፍሱ እንተኣጉደለ እንታይ ይረብሖ::" (ማቴ. 16:26) እናበለ ከኣ ጉዕዝኡ ቀጸለ::

ልብሱ ኣብ መንገዲ ንነዳያን ሂቡ ጥርሑ ኣብ 5 ኮረብታታት ተቀመጠ::አብኡ ከዓ ናይ መዓልቲ ሐሩር: ናይ ለይቲ ቁሪ (ንፋስ) እንዳተፈራረቆ ንብዙሕ ዓመታት ነበረ:: ንሱ ግን እቲ ኩሉ መከራ እናኣሕለፈ ሕጒስ ነበረ:: ዘወትር ድማ መዝሙረ ዳዊት ብዘይ ምቁራጽ ይዝምር ነበረ:: ገድለ ቅዱሳን እናዳንበበ ከኣ መንፈሳዊ ቅንኢ ይቀንእ ነበረ:: ዘንበባ ነገር ከኣ ብተግባር ይፍጽማ ነበረ::እዚ ቅዱስ ዕርቃኑ ምዃኑ ኸይዝኽር ኩሉግዜ ንነብሱ"ኦ በርሶማ ! ኣብ ቅድሚ እቲ ሓቀኛ ዳኛ ጥራሕካ ምቋምካ ኣይተርፈካን እዩ'ሞ ናይ ሎሚ ግዝያዊ ዕርቃን ተዓገስ" እንዳበለ ይግስጽ ነበረ::

ንጸሎት ምስ ቆመ ዝቅመጥ ድሕሪ መዓልታት ነበረ:: ብዘይካ ዕለተ ሰንበት ድማ እኽሊ ኣይቀምስን ነበረ::ምግቡ ድማ ዝሻገተ እንጀራን ሃህ ኢሉ ዝሓደረ ማይን ነበረ:: ብኸምዚ ዝበለ ተጋድሎ እንከሎ ውዳሴ ከንቱ ስለ ዝበዝሖ ሃዲሙ ናብ ሃገረ ምሥር ከይዱ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ መርቆሬዎስ ሓደረ::

ኣብኡ ድማ ከምቲ ልሙድ ንሠላሳ ዓመታት ተጋደለ::
አብቲ ቦታ ጉድጓድ ማይ ነበረ'ሞ ኩሉግዜ ለይቲ ናብ ውሽጢ ኣቲዩ ይጽልይ ነበረ:: ከም ስሕለት ዝቆራርጽ ኣሳሒታ ድማ ይዕገሥ ነበረ:: ኣብቲ አካባቢ ብዙሕ ሰብን እንስሳታትን ዝወድአ ሓደ ገበል ነበረ እሞ በቲ ኣካባቢ ሰብ አይሓልፍን ነበረ::ዓቢ በርሶማ ግን ናብቲ ናይ ገበል በዓቲ ከይዱ ጸለየ:: "ኦ ጎይታይ! ብስምካ ንዝኣምኑ ዝሃብካዮም ሥልጣን አይትኽልኣኒ?" ኢሉ (ማር. 16:18) "

ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ::" ዝብል መዝሙር ዘመረ:: (መዝ. 90:13) ነቲ ገበል ድማ "ንዓ ውጻእ::" ኢሉ አዘዞ:: ብቅጽበት ወጽዪ ሰገደሉ:: ናይቲ ጻድቅ ሰብ ኣገልጋሊ ድማ ኮነ:: ናይቲ አካባቢ ሰባት ውን ብጣዕሚ ደስ በሎም:: ብዙሕ ግዜ ድማ አገልጊልዎም እዩ:: (አብቲ ሥእሊ እትርእይዎ ዘለኹም ንሱ እዩ::)ዓብዪ አባ በርሶማ ዝዓርፈሉ መዓልቲ ምስ በጽሐ ድማ ንደቂ መዝሙሩ "ክሳብ ናይ ዓለም ፍጻሜ 'ወዲ ብርቱዕ (ወዲ እግዚአብሔር)' ኢሉ ንዝጽዋዓኒ ብረዲኤት ክመጾ እዩ::" ኢሉ: ንመልሓሱ ብላማ ቆሪጹ ደርበያ'ሞ ብዓውታ ዘመረ።"እግዚአብሔር ከብርሀለይ እዩ: ከድሕነኒ እውን'ዩ:: እንታይ እዩ ዘፍርሐኒ::" በለ:: (መዝ. 26:1)

ልቢ በሉለይ! ወዲ ሰብ መልሓስ እንተዘይብሉ ክዝምርን: ክዛረብን አይክእልን። ቅዱሳን ግን ምስ በቅዑ ልሳን መንፈሳዊ'ዩ ዝወሃበም:: ድሕር'ዚ ብትእምርተ መስቀል አማዕቲቡ አዕረፈ::ፓትርያርክ አባ ዮሐንስን ሊቃነ ጳጳሳትን ናይ ምስር ሹማምንትን ገኒዞም ካብ በረኸቱ ተኻፈሉ:: ገድሉ ከም ዘቐመጦ ኣብ ኹሉ ዘመኑ ኣብ ልዕሊ ምንጻፍ ደቂሱ አይፈልጥን እዩ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዚ ጻድቕ አባ በርሱማ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ተሀሉ ፡ ንዘለዓለመ ዓለም

✟✟✟ ቅዱስ አባ መግደር ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ አባ መግደር አዕረፈ። እግዚአብሔር ብጸሎቱ ይምሐረና ፡ ንዘለዓለመ ዓለም አሜን።

ዐርኬ

ሰላም ለመግደር ንጹሐ ምግባር እም አበሳ
ወለ ሐቅለ ገዳም ባሕርየ ከርሣ
ምግባሮ ወደሰ ወአስተብጽዐ አንበሳ
እስመ ኀደረት ላዕሌሁ እም መልዕልተ መልዕልት ፈሊሳ
ጥብበ ኅሪት ዘትዌድስ ርእሳ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም አሜን።

✟✟✟ ጳጉሜን 5 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት
1.አብይ አባ በርሶማ
2.ቅዱስ አሞጽ ነቢይ
3.ቅዱስ ያዕቆብ ዘምስር
4.አባ መግደር

✟✟✟ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ✟✟✟
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

✟✟✟ ፬ ጳጕሜን ✟✟✟በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ                   ✟✟✟ ቅዱስ አባ ባይሞን ✟✟✟             በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ተጋዳሊ ቅዱስ አባ ባይ...
09/09/2026

✟✟✟ ፬ ጳጕሜን ✟✟✟

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ

✟✟✟ ቅዱስ አባ ባይሞን ✟✟✟

በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ተጋዳሊ ቅዱስ አባ ባይሞን አዕረፈ። እዚ ቅዱስ ካብ ሀገረ ምስር እዩ። 6 አሕዋት እውን አለውዎ። ስሞም ድማ ዮሐንስ፣ ኢዮብ፣ ዮሴፍ፣ ላስልዮስ፣ ያዕቆብ፣ አብርሃም ይበሃሉ ኵሎም ድማ መነኮሳት ኮኑ።

ካብኦም ድማ ብዕድመ ዮሓንስ የዓቢ ነገር ግን ብፍልጠትን ብጥበብን ባይሞን ይበልጽ። ኵሎም ተሰማሚዖም ካብ ዓለም ወጽኡ። ካብ ሰብ ርሑቕ አብ ዝኾነ ቦታ ዝነብሩ እውን ኮኑ። ናይ ክብሪ በዓል ቤት ይታና ኢየሱስ ክርስቶስ አርዑት ተሸኪሞም ድማ ካብ ዘመድ ተፈልዮም ብጸባብ መንገዲ ተጓዓዙ።አዴኦም ድማ ክትርእዮም ደልያ ናብ በዓቶም በጺሓ አብ አፍ ደገ ቆመት። ናብኣ መጺኦም ክረአይዋ ድማ ለአኸትሎም። ንሶም ድማ ናብኣ ከምዚ ክብሉ ለኣኹ፡- "አብዛ ሓላፊት ዓለም ክትርእይና እንተደሊኺ አብ ላዕሊ ክትርእይና አይትኽእልን ኢኺ"።

ንሳ ድማ አስተውዓለት እሞ አይመለሰትሎምን። መንገዳ ድማ ተጓዓዘት።አባ ባይሞን ኣብ ገዳመ ኣስቄጥስ ንሽማግለታትን መንእሰያትን ካብ ማዕበል ፈተና ዘረጋግዕ ወደብ ኮነ። ካብ ጸላኢ ሰይጣን ዝመጽእ ናይ ሃይማኖት ጥርጣረ ወይ ድማ ደዌ (ሕማም) ፈተና እንተረኺብዎም ናብኡ ይመጽኡ። የረጋግዖን ካብ ሕማሞም ድማ ይፍውሶም ነበረ።

እዚ አቦ ድማ ብሕገ ምንኩስና ብዛእባ ተጋድሎን አምልኾን ብዙሕ ድርሳናትን ተግሳጻትን ደረሰ።
አብ ትምህርቱ ከምዚ በለ፡- "ዝተሰናኸለ ሓው እንተሪእኻ፡ ስሌኡ ተስፋ አይትቑረጽ። ልቡ ድኣ አንቅሐሉ እንበር። ካብ ዝወደቖ ክትንስእ ድማ አጸናኒዕኻ ሸኸሙ አቃልለሉ። አፍካ ዝተዛረቦ ኽሰርሕ ንልብኻ ምሃሮ" በለ።ሐደ ሓው ድማ ከምዚ በሎ፡- "ስርሑ ጽቡቅ ዝኾነ ሰብ እንተረኸብኩ ደስ ይብለኒ ናብ ቤተይ አእትየ እውን ብዘለኒ ነገር ደስ የብሎ። ነገር ግን ስራሑ ዝተባላሸወ ሰብ እንተረኺበ ናብ ቤተይ አየእትዎን እየ።"

አባ ባይሞን ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሉ፡- "ነቲ ሥርሑ ጽቡቕ ዝኾነ ጽቡቕ ከም ዝገበርካሉ ነቲ ስራሑ ብልሹው ዝኾነ ሰብ ድማ ዕጽፊ ጌርካ ብምስራሕ ደስ አብሎ፡ ምኽንያቱ ድማ ንዝሐመመ መድሐኒት ክገብርሉ ስለ ዝግባእ እዩ።" በሎ ድሕሪኡ ድማ አባ ባይሞን ነቲ ምስኡ ዝዘራረብ ዝነበረ ሰብ ከምዚ ኢሉ ነገሮ፡- "አብ መነኮሳት ገዳም ጢሞቴዎስ ዝበሃል ሓደ ሰብ ነበረ ብሓጥያት ድማ ወዲቑ፡ ኦ ጎይታይ ይቅረ በለለይ እንዳበለ ዝበኪ ኮነ።

ካብ ሰማይ ድማ ከምዚ ዝብል ቃል መጸ፡ ንስኻ ንሓውኻ ኣብ ግዜ መከራኡ ሸለል ኢልካዮ እንተዘይትኸውን ኔርካ አነ ድማ አይምደርበኹኻን ነይረ።"እዚ አቦ ከምዚ በለ፡- "ንሕና ናይ አሕዋትና በደል እንተሰዊርና እግዚአብሔር ድማ በደልና ይስውረልና እዩ"። እዚ አቦ ዕድሜኡ ብተጋድሎን ብትሩፋትን ምስ ፈጸመ ናብ ሠናይ ሽምግልና በጺሑ ንእግዚአብሔር አገልጊሉ ብሰላም አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንዓና እውን በዚ ናይዚ ጻድቅ ጸሎት ይምሐረና ፡ በረኸቱ ድማ ምሳና ትንበር ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም ዕብል በልሳንየ መዋቲ
፯ቱ አኃወ ኅዱራነ በአት አሐቲ
ሶበ ፈቀደት እሞሙ ትርአዮሙ ይቤልዋ ላቲ
ኢትክሊ ትርአዪነ በዓለመ ሰማይ እንታክቲ
ለእመ በዝየ ርኢክነ አንቲ፡፡

✟✟✟ አባ ሊባርዮስ ሊቀ ጳጳሳት ✟✟✟

ከሙኡ እውን ፡ በዛ ዕለት እዚኣ ፡ ናይ ሮሜ ሊቀ ጳጳስት አባ ሊባርዮስ አዕረፈ።

እዚ አቦ አርዮሳዊ አብ ዘመን 2ይ ቈስጠንጢኖስ አርዮሳዊ ተሾመ። ሓው ቈስጠንጢኖስ ቁንስጣ ድማ አብ ሮሜ ነጊሡ ነበረ።ንሐዋርያዊ አትናቴዎስን ጳውሎስን ካብ መንበረ ሢመቶም ምስ ዘሳደዶም ናብዚ አቦ ናብ አባ ሊባርዮስ መጽኡ። ክሕግዞም ድማ ለመንዎ። ንሱ ድማ ተቐበሎም። ምስ ደብዳቤ ድማ ናብ ንጉሥ ቍንስጣ ለአኾም።

ንጉሥ ድማ ደብዳቤኦም ተቐቢሉ ሠናይ ነገር ክገብረሎም፡ ናብ መንበረ ሢመቶም እውን ክመልሶም ናብ ሓዉ ናብ ቈስጠንጢኖስ ደብዳቤ ጸሐፈሎም።
ንሱ ድማ ናይ ሓዉ ደብዳቤ ምስ አንበበ ንአትናቴዎስ ናብ መንበረ ሢመቱ እስክንድርያ፡ ንጳውሎስ ድማ ናብ መንበረ ሢመቱ ቍስጥንጥንያ መለሶም።ድሕሪኡ ንጉሥ ቁንስጣ ብዓመጸኛታት ምስ ተቐተለ ቈስጠንጢኖስ ናብዚ አቦ ናብ አባ ሊባርዮስ መልአኽቲ ለአኸ፡ ንሐዋርያ አትናቴዎስ ኣ ሳዲዱ አርዮሳውያን ክቕበሎምን ብዙሕ ቃል ኪዳናት አተወሉ።

ንሱ ግን አይተቐበሎን ፡ አብ ምኽሩ ድማ ምስኡ አይተሰማምዐን።ስለዚ ድማ ነዚ አቦ ንአባ ሊባርዮስ ርሑቕ ናብ ዝኾነ ሃገር አግዓዞ። ድሕሪኡ ንሓዉ ቍንስጣ ንዝቐተለ ሰብ ልኢኹ ቀተሎ። ድሕሪኡ ቈስጠንጢኖስ ናብ ከተማ ሮሜ ከደ። ንአባ ሊባርዮስ ድማ ናይ ገዳማትን ናይ አድባራትን ሊቃውንትን ካህናትን ኵሎም ናብ መንበረ ሢመቱ ክመልሶ ንንጉሥ ለመንዎ።

ንሱ ድማ ልመናኦም ተቐቢሉ ናብ መንበረ ሢመቱ መለሶ።እዚ አቦ ናብ መንበረ ሢመቱ ምስ ተመለሰ ብቕንዕቲ ሃይማኖት ክጸንዑ ኵሉ ግዜ ንህዝቡ ክምህር ጀመረ። ብዙሓት ድርሳናትን ተግሳጻትን ድማ ደረሰ። ንአሮሳውያን የውግዞምን የሳድዶምን ድማ ነበረ። ካብ ስደት ምስ ተመልሰ አብ መበል 7ይ ዓመቱ ብሰላም አዕረፈ።

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንዓና እውን በዚ ጻድቅ ጸሎት ይምሐረና ፡ በረኸቱ ድማ ምሳና ትንበር ንዘለዓለመ ዓለም

ዐርኬ

ሰላም እብል ለዕጉሠ መከራ ወስደት
ሊባርዮስ ብፁዕ ሊቀ ጳጳሳት
እንዘ ያነግፍ መርዔቶ እም እደ መሠጥ ተኵላት
እም አመ ነበረ በውስተ ሢመቱ ቅድስት
አዕረፈ ዮም በሳብዕት ዓመት፡፡

ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ንኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ንዓለመ ዓለም ፡ አሜን!

✟✟✟ ጳጉሜን 4 ዝክበሩ ዓመታዊ ቅዱሳን በዓላት

1.ቅዱስ አባ ባይሞን (ጴሜን)
2.ሹዱሽተ ኣሕዋቱ (አብርሃም: ያዕቆብ: ዮሴፍ: ኢዮብ: ላስልዮስን ዮሐንስን)
3.ቅዱስ ሊባርዮስ ሊቅ

✟✟✟ ወስብሐት ለእግዚአብሔር ✟✟✟
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ኩቡር
ኣሜን

Adress

Gothenburg

Aviseringar

Var den första att veta och låt oss skicka ett mail när Faran Mariam ፋራን ማርያም postar nyheter och kampanjer. Din e-postadress kommer inte att användas för något annat ändamål, och du kan när som helst avbryta prenumerationen.

Genvägar

Dela