16/04/2026
Matthew 28 ትግ - ማቴዎስ
1: ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ።
2: እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ።
3: ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ።
4: እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ።
5: እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ።
6: ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ።
7: ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኽን።