Chosen Generation Ministries Utrecht

Chosen Generation Ministries Utrecht Contactgegevens, kaart en routebeschrijving, contactformulier, openingstijden, diensten, beoordelingen, foto's, video's en aankondigingen van Chosen Generation Ministries Utrecht, Kerk, Utrecht.

18/11/2019

ካብ ጉይይ ምውዓል፡ ንኢየሱስ ምሓዝ።

04/11/2019

ጊደፍዎ ኣይተሳቅቅዎ
ኢወ ጊደፍዎ ኣይተሳቅቅዎ!
ብርኢቶ ነቀፌታ ሕልንኡ ኣይተዕርብዎ!
በሰልኡ ኢንዳ ሓኸኽኩም ልቡ ኣይተድምይዎ!
ጊደፍዎ ኣይተኣቅቅዎ ካብ ቤት ኣብኡ
ሓሊፉ ኣበይ ኪዑቖብ ቲደሊዎ!
ሐሉፍ ፋይሉ ኢንዳ ገንጸልኩም
ብ ክሲ ኣብ መጋባያ ሰይጣን ኣይተቅርብዎ!
ንሱ ኢውን ኢኮ ወሉድ ኢዩ
ውሉድ ናይ ኣብኡ ብደም
ክርስቶስ ዚተዓደገ ረዚን ዚዋጉ!
ዘይ ብፍሕሶ ሰይጣን ተዓንቂፉ ኢዩ
ናብ ዓለም ወዲቁ!
አንበር መዓስ የህሪፍዎ ኔሩ!
ርፍራፍ ናይ ሓሰማ
ኣብ ቤት ኣብኡ መሊኡ ከሎ
ምዓር ምስ ጽባ !
ከሙ አወን ኣሎ ስጋ ምስ ጮማ!
ሕጊ ግና ዕረፍቲ ናፊቑ
ሰላሙ አንብዛ ሃሪፉ!
ኪምለስ ወሲኑ ካብ መሉአ ልቡ
ናብ ቤት ኣብኡ!
አንቢ ነሓጥያት ሕራይ ኢሉ ነብኡ!
ስለዚ የሕዋት ንሕና አወን
ኢድና ዘርጊሕና ንቀበሎ!
ብፍቅሪ ጸጋ ኣምላኽ አንዳ ሰበኽና
ናብ ኣቦ ነቅርቦ!
ብቃልቃል ኢትብል ፍቅሪ
ናይ ኣሕዋት አወን ን ውሽጡ ነማምቖ!
ብፍቅሪ ኪርስቶስ ተደሪኽና አውን ንምዓዶ!
ን ዝጠመየ ከርሱ አወን
አንጀራ ቃል ሂወት ንመግቦ!
ስማዕ ሓወይ ናተይ
ንዓኻ አወን ኪነግረካ!
ፈጺሙ ልብካ ናብ ዓለም
ከይሓስብ ክተጨክኖ ኣሎካ!
ክንደይ ግዜ ወዲቅካ
ክንደይ ግጼ ከ ትርንሲአካ!
ናይ ሰይጣን ውዲት
ፍሕሰኡ ኢንዳ ረሳዕካ!
ሕጂ ግና ይጽልየልካ
ብ ክርስቶስ ፈጹም ምትንሳ ኪኮነልካ!
ሰይጣን አወን ተደርቢዩ ኣሎ
ኣብ ተሕቲ አግርካ!
ክርስቶስ ጥራሕ ኢዩ ካብ ብሕጂ
ኪስልጥን ኣብ መሉአ ሂወትካ።

ጆን ብክርስቶስ.

ፍሉይ መደብ (ኮንፈረንስ)-------------------------------ኣብ ኣገልግሎት ሕሩይ ወለዶ፡ ምስ ሓፍትና ነብዪት ዲቦራቀዳም 16-11-2019ካብ ሰዓት 14:00 ኣብ  Lichten...
03/11/2019

ፍሉይ መደብ (ኮንፈረንስ)
-------------------------------

ኣብ ኣገልግሎት ሕሩይ ወለዶ፡ ምስ ሓፍትና ነብዪት ዲቦራ

ቀዳም 16-11-2019
ካብ ሰዓት 14:00 ኣብ Lichtenberchdreef 4, 3562 RD Utrecht.

ሰንበት 17-11-2019
ኣብ Burgemeester van Tuyllkade 87 Bis, 3553 AD
Utrecht.

ንሓበረታ፡
+31619441143

ብሰላም ምጹ

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ይባርኽኩም።

ብዕለት 26/10 ዝነበረ ኣገልጉሎት ብሓውና ኣገልጋሊ isseyas semere ብዛዕባ  ፍቅሪ     ትጸልኦ ሰብ ኣብ ልብኻ ከይህልወካ እምበር ኣስተውዕል ሰብ ከይጸልኣኒ ኢልካ ኣይትሕሰብ ምኽ...
28/10/2019

ብዕለት 26/10 ዝነበረ ኣገልጉሎት ብሓውና ኣገልጋሊ isseyas semere ብዛዕባ ፍቅሪ

ትጸልኦ ሰብ ኣብ ልብኻ ከይህልወካ እምበር ኣስተውዕል ሰብ ከይጸልኣኒ ኢልካ ኣይትሕሰብ ምኽንያቱ ቃል ኣምላኽ ንጸላእትኩም ኣፍቅሩ እምበር ንትጸልእዎም ኣፍቅርዎም ኣይበለናን፡ እንዳበለ ዘገርም ትምህርቲ ሚሂሩና፡ መበገሲ ቃል ካብ ሮሜ።

ሮሜ 12 (Romans)
20፤ ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ።
21፤ ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

ኣጎልጉሎት ሕሩይ ወለዶ Utrecht Holland

Adres

Utrecht
3511

Website

Meldingen

Wees de eerste die het weet en laat ons u een e-mail sturen wanneer Chosen Generation Ministries Utrecht nieuws en promoties plaatst. Uw e-mailadres wordt niet voor andere doeleinden gebruikt en u kunt zich op elk gewenst moment afmelden.

Delen

Type