20/01/2022
ጥምቀተ ክርስቶስ
ጥምቀት ‘አጥመቀ፡ ኣጠመቐ’ ኻብ ዚብል ግእዛዊ ቓል ወይ ግሲ ዝወፅአ ኪኸውን ከሎ፡ ኣፈታትሕኡ ድማ ምጥላቕ፡ ኣብ ማይ መላእ ሰብነትካ ምእታው ማለት እዩ።
ምሥጢረ ጥምቀት ክንብል ከሎና ኻብቶም ኃሙሽተ ኣዕማደ ምሥጢር ሓደ ኾይኑ ቤተክርስቲያን ካብ እትምሥረት ኣትኂዛ ኺፍጸም ዝጸንሐን ዝነበረን ዘሎን ብምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ ብሰፊሑ የረድኣና፤ ብኣዕይንትና ዚርአን ዚምስከርን ዘሎን ሓቂ እዩ፤ እዚ ድማ ሠራቲኡ ዝኾነ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቀ መዛሙርቱ፡ “ኪዱ እሞ ንዅሎም ኣሕዛብ መሃሩ፡ ከተጥምቕዎም ከሎኹም ከኣ ‘በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ’ በሉ። ” (ማቴ፡ ፳፰፡ ፲፱/28፡ 19) ኢሉ ብዝለኣኾም መሠረት ንሰባት ብምምሃር ናብ እምነተ ክርስትና እናኣምጽኡ ኣጥሚቖም ኣባላት ቤተክርስቲያን ይገብርዎም ነበሩ። ስለዚ ጥምቀት ንድኅነት ሓደ ዓቢይ ኣገዳስነት ምህላዉ ተረዲኣ ቕድስቲ ቤተክርስቲያን ንሕፃናት ወዲ ኣብ ኣርብዓ፡ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልቲ ንኺጥመቑ ሕጊ ሠሪዓ ትርከብ፤ እዚ ድማ ወዲ ሰብ “ካብ ማይን ካብ መንፈስ ቅዱስን ዳግማይ እንተ ዘይተወልደ፡ ናብ መንግሥቲ እግዚኣብሔር ኪኣቱ ኸም ዘይክእል” ካብ ጐይታ ዝተዋህበ ትእዛዝ ንምፍጻም እዩ።
ብጥምቀት ሥርየት ኃጢኣት ይርከብ፡ ብጥምቀት እቲ ብውድቀት ኣዳምን ሔዋንን፡ ዝተኃድገ ውሉድነት ዳግም እነምልሶን ውልድነት እንኸብረሉን ካብ ኣብራከ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ከርሢ ዮርዳኖስ ምውላድና እነረጋግጸሉ ምሥጢር እዩ።
እምበኣርከስ ትርጒም ጥምቀት እንተተገንዚብና፡ ነዚ ሥርዓት እዚ ዘርኣየና ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ፡ ኻብ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተወሊዱ ኣብ መበል ሠላሳ ዓመቱ፡ ኣብ ዘመነ ሉቃስ፡ ጥሪ ፲፩ (11)፡ ሠሉስ መዓልቲ ብኢድ ዮሓንስ ተጠምቀ።
ስለምንታይ ጐይታ ኣብ ሠላሳ ዓመቱ ተጠምቀ፧
ጐይታ ኣብ መበል ሠላሳ ዓመቱ ምጥማቑ ወይ ትሕት ኢሉ ኣብ ዕሥራ ዓመቱ ፡ ወይ’ውን ልዕል ኢሉ ኣብ ኣርብዓ ዓመቱ ኺጥመቕ ዚጽግሞ ኣይኮነን፤ እንተኾነ ንኣዳም ኪፈጥሮ ኸሎ ወዲ ሠላሳ ዓመት ጐበዝ መንእሰይ ገይሩ እዩ ዝፈጠሮ። ድኅሪ ምፍጣሩ ድማ ኣዳም ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቱ ኻብ ሥላሴ ውሉድነት ተቐበለ፡ (ኣክሲማሮስ ዘዐርብ፡ ክፍሊ 2 ቊጽሪ 2-6 ፤ ኩፋ፡ 4፥9-10) ኣዳም ድኅሪ ምውዳቑ ነዚ ኻብ ሥላሴ ዝተቐበሎ ውሉድነት ስኢንዎ ብምንባሩ፡ ጐይታ ድማ ነታ ኣዳም ዘጥፍኣ ውሉድነት ንኺመልስ ኣብ መበል ሠላሳ ዓመቱ ልክዕ ኣብ ናይ ኣዳም ዕድመ ተጠምቀ። መግለጺ፡ - ሓደ ሰብ ሠናይ ተግባራት፡ ብሱል ሓሳብ፡ ርጡብ ጒዕዞ፡ መንፈሳዊ ሥነ ሓሳብ ሃዲኡ ዚሓስበሉ ጊዜ ኻብ መበል ሠላሳ ዓመት ንላዕሊ እዩ። ከመይ ካብዚ ዕድመ እዚ ንታሕቲ ዚርከብ ዘበለ ጊዜ ዋዒ ንእስነት ስለ ዘለዎ ብዅሉ ተፈታኒ፡ ተነቃፊ እዩ።
ከምኡውን ካህናተ ኦሪት ኣገልግሎቶም ኪጅምሩ እንተኾይኖም ካብ ሠላሳ ዓመት ንላዕሊ ኸምዝኾነ ቕዱሳት መጻሕፍቲ ይነግሩና።
ስለምንታይ ጐይታ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ዮሓንስ ተጠምቀ፧
እቲ ንዅሉ ፍጡር ዘገርም ነገር ጐይታ ናብ ዮሓንስ ከይዱ “ኣጥምቐኒ” ምባሉ፡ ፈጣሪ ዅሉ ዓለማት ክንሱ ብሓደ ኣገልጋሊኡ ምጥማቑን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ክንዲ “መጺእኻ ኣጥምቐኒ” ዚብሎ ናብቲ ዮሓንስ ዚርከበሉ ቦታ ባዕሉ ኸይዱ “ኣጥምቐኒ” ምባሉ ብሓቂ ዘደንቕ እዩ። እዚ ንደቂ ኣዳም ትምህርቲ ንኺኸውን ዝተዓየ ሥራሕ ጐይታ ትሕትና ለዋህ ኣምላኽና እዩ፤ መግለጺ፡ - ጐይታ ናብዚ ምድሪ እዚ ምምጽኡ ንትሕትና ደኣ እምበር ንልዕልና ኣይነበረን፤ ስለዚ ድማ እዩ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ዝተጠምቀ፤ ዮሓንስ’ውን እንተኾነ ግብሪ ኣምላኹ ብምድናቕ “ጐይታይ ኣነ ብኣኻ ኽጥመቕ ምፈተኹ ደኣ እምበር፡ ንስኻ ብኣይ ክትጥመቕዶ ፍታውካ ኾነ፧ ባርያ ብኢድ ጐይታኡ ይጥመቕ እምበር፡ ጐይታዶ ብኢድ ኣገልጋሊኡ ምተጠምቀ፧ ሓሰር ኣብ ጥቓ ሓዊ ኸመይ ኢሉ ይቐውም፧ ኣነኸ ጐይታይ ኣብ ቕድሜኻ፡ ኸመይ ኢለ ኽቐውም እየ” በሎ። ጐይታ ንዮሓንስ “መጺእኻ ኣጥምቐኒ” ኢልዎ እንተዚነብር፡ ሎሚ መኳንንትን ሰበ ሥልጣናትን “ኣብ ቤትና መጺእኩም ኣጥምቑና” ምበሉ ነይሮም። ስለዚ ኣርኣያ ምእንቲ ኺኸውን ንዅሉ ተግባር ትሕትና ፈጸመ። “ሖረ ኢየሱስ እምገሊላ ኀበ ዮሐንስ ከመ ያጥምቆ በፈለገ ዮርዳኖስ፡ ” ማር፥፩፡ ፱(1፥9) “እስመ አንተ እግዚእ፡ ወአነ ገብር፡ አንተ ንጉሥ ወአነ ላእክ፡ አንሰ እፈቅድ እጠመቅ እምኔከ፡ ወአንተኑ ትፈቅድ ትጠመቅ እምኔየ፡ ” ማቴ፡ ፫፡ ፲፬(3፥14) ዮሓንስ ክብሪ ጐይታኡ ብምፍላጥ “ብኣይሲ ኣይኸውንን እዩ” ኢሉ ኣበዮ፤ ጐይታ ግና “ሓንሳእ ኅደግ ደኣ” በሎ፡ ‘ሓንሳእ’ ምባሉ ሓንሳእ ሓደ ጊዜ ምስ ተጠምቀ፡ ንኻልኣይ ጊዜ ስለ ዘይጥመቕ ሓንሳእ በሎ፤ ንመጻኢውን ጥምቀት ሓደ ጊዜ ዚፍጸም ዘይድገም ምስጢር ምዃኑ ንምርዳእ እዩ።
ቀጺሉውን “እዝስ ንኣና ተድላና እዩ” ብምባል ወሰኸሉ። “ንኣና ተድላና እዩ” ምባሉ ንኣና ንሥላሴ ሓድነትናን ሠለስትነትናን ዚግለጸሉ ጊዜ ምእኻሉን፡ ንስለ ትሕትና ንርእሱውን ምስ ዮሓንስ ሓደ ብምግባር፡ “እዚ ንኣይን ንኣኻን ተድላ፡ ሓጐስና እዩ”በሎ። ንዮሓንስ ድማ “ንኣኻውን መጥምቀ መለኮት ተባሂልካ ልዕልናኻ ኺንገር ኪነብር እዩ” በሎ። ንኣና ንደቂ ኣዳም’ድማ ካብ ሥላሴ እንውለደሉ ምሥጢር ብምዃኑ ንደቂ ሰባት ዓቢይ ተድላናን ሓጐስናን እዩ። ቀጺሉ ድማ ጐይታ “ኣነውን ዝመጻእኩ ፍቓድ ክፍጽም እየ እሞ፡ ብኢድ ባርያኡ ዚተጠምቀ ኣምላኽ፡ ተባሂሉ ትሕትናይ ንዘለዓለም ኪዝከር ኪነብር እዩ” በሎ።
ዮሓንስ ድማ ኻብኡ ኣቐዲሙ ውሉድነት ዘውህብ ንሥርየተ ኃጢኣት ዚኸውን ጥምቀት ንስሓ የጥምቕ ነበረ እሞ፡ ኸምዚ ምስ ተበሃሃሉ ምስ ጐይታ ተተኃኂዞም ናብቲ ሩባ ወረዱ፤ ሽዑ ዮሓንስ ንጐይታ “ንኻልኦትሲ ብስምካ አጠምቖም ነይረ፡ ንኣኻኸ፡ ብስም ኣቦ ኸየጥምቐካ ኣቦ ኣባኻ ህልው እዩ፤ ብስም ወልድ ኸየጥምቐካ ወልድ ንስኻ ኢኻ፡ ብስም መንፈስ ቅዱስ ከየጥምቐካ፡ መንፈስ ቅዱስ ኣባኻ ህልው እዩ። ብስም መን ደኣ ኸጥምቐካ እየ፧” በሎ።
ጐይታ ከኣ “ከም ሽመት መልከጼዴቅ ንስኻ ንዘለዓለም ካህን፡ ወዲ ቡሩኽ ገላጺ ብርሃን ይቕረ በለልና ኢልካ ኣጥምቐኒ” በሎ።
ስለምንታይ ጐይታ ተጠምቀ᎒
እግዚኣብሔር ኣምላኽ ምእንቲ ድኅነት ኣዳም ኪብል እንትርፎ ኃጢኣት ካልእ ኵሉ ዘይፈጸሞ ተግባርን ዘይወዓሎ ውዕለትን ኣይነበረን፡ ስለዚ ስለምንታይ ጐይታ ተጠምቀ ንዚብል ሕቶ ድማ፡-
ኣምላኽነቱ ብሠለስተ ነገር ንኸመስክር፡ - እዚ ናይ ምስክርነት ቃል ሰማይ ተኸፊቱ ኣቦ ኣብ ደመና ኾይኑ “እንሆ ብእኡ ዝሠመርኩ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ፡ ”ዚብል ነበረ፡ ከምኡውን መንፈስ እግዚኣብሔር ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ኣብ ርእሱ ምዕላቡ፡ ሠለስተ ዓበይቲ ተግባራት ኪፍጸሙ ተራእየ፡ እዚ ራእይ እዚ ባህርይ ዘእምባህርይ፡ ኣካል ዘእምኣካል ብሓቅን ሓድነትን ዘይፈላለዩ ብምዃኖም፤ ክንድኡ ኣምሲሉ፡ ኣእኪሉ ቕድሚ ዓለም ብዘይ ኣደ
ዝወለድክዎ፡ቐዳምን፡ ተተካእን ዘይብሉ ዘፍቅሮ ወደይ እዚ እዩ” ዚብል ምስክርነት እዩ፤ “ወበውእቱ መዋዕል ወረደ መንፈስ ቅዱስ በርእየተ ርግብ ፀዓዳ፡ ወነበረ ዲበ ርእሱ ለእግዚእነ ኢየሱስ” ዮሓ.፡ ፩፡ ፴፪ (1፡32)።
ብዘይውሰን ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽ ምእንቲ ደቂ ሰባት ኢሉ ብሓጺር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ተራእዩ፡ ኣብ ማየ ዮርዳኖስ ተጠምቀ፤ ናይ ኣቦ ናይ ባህርይ ወዱ ምዃኑ ኣፍለጠ፡ ነዚ ድማ ኣቦን መንፈስ ቅዱስን መስከሩሉ። ከምኡ’ውን ጥምቀት ውሉድነት ሥላሴ ብርደተ መንፈስ ቅዱስ ኸምእንረክብ ኪምህረና ደኣ እምበር፡ ጐይታስ ጥምቀት ዘድልዮ ኣምላኽ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ንኣና ውሉድነት ንኺህበና ተጠምቀ።
መግለጺ፡ - እምበኣርከስ ንስኻትኹም’ውን ብሓቂ ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ኣቦ፡ ናይ ባህርይ ወዱ ኸም ዝኾነ ኣሚንኩም፡ ብዕለተ ዓርቢ ኻብ የማናይ ጐድኑ ብዝፈሰሰ ማየገቦ ምስ እትጥመቑ መንፈስ ቅዱስ ኪኃድረኩም፡ ካብ ኣቦን ወልድን መንፈስ ቅዱስን ድማ ውሉድነት ትረኽቡ። ብምባል ንሓዋርያት ዝመሃሮም ንኣና ንደቂ ሰባት እዩ፤ ንሕና ኻብ ሥላሴ እንውለደሉ ብማየገቦ ምስ እንጥመቕ እዩ። “ወነገረ ስምዖ ዮሐንስ ወይቤ ርኢኩ መንፈስ ቅዱስ እንዘ ይወርድ እምሰማይ ከመ እንተ ርግብ ወይነብር ዲቤሁ፡” ዮሓ.፡ ፩፡ ፴፪ (1፡ 32)።
ስለምንታይ መንፈስ ቅዱስ ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ፧
ኣቐዲሙ ኣብ ዘመነ ሰብኣ ትካት፡ ኖኅ ርግቢ ልኢኹ ንማይ ኣይኅ ምጒዳሉን ዘይምጒዳሉን ርእያ ኽትመጽእ ብምባል ልኢኽዋ ነበረ። ንሳ ድማ መልእኽታ ብዚግባእ ንምፍጻም ምጒዳል ናይቲ ማይ ርእያ ቘጽሊ ኣውሊዕ ኂዛ ብምምጻእ ዓቢይ ብሥራት ኣበሢራቶ እያ። እምበኣር መንፈስ ቅዱስ ከኣ ኸምታ ርግቢት “ሐፀ ማየ አይኅ፡ ነትገ ማየ አይኅ’’ ብምባል ንኖኅ ዘበሠረቶ፡ ንኣና ንደቂ ሰባት ድማ “ሐፀ ማየ ኃጢኣት፡ ነትገ ማየ ኃጢአት” ክብል ብኣምሳል ርግቢ ወሪዱ ንሕና ደቂ ሰባት ድማ ዓቢይ ተስፋ ድኅነት ተበሠርና።
ርግቢ ኻብ ስፍራኣ እንተሰጐጕዋን እንተሃረምዋን፡ እንቛቊሖኣ’ውን እንተሰበሩላ ኽሳብ እታ ቤታ ዘይፈረሰት ናብ ስፍራኣ ምምጻእ ኣይትኃድግን እያ፤ መንፈስ ቅዱስ ድማ ደቂ ሰባት ኃጢኣት እንተሰራሕና ኽሳዕ ብፍጹም ክሕደት ዘይከሓድናዮ ኻብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍና አይፍለየናን እዩ፤ ስለዚ ብኣምሳል ርግቢ ወረደ።
ስለምንታይ እዩ ጐይታ ኻብተን ኵለን ኣፍላጋትን ቀላያትን ኣብ ፈለግ ዮርዳኖስ ዚተጠምቀ እንተተባህለ᎒
1, ነቲ ምሳሌኡ ሓቂ ንምግባር እዩ፡ -ዮርዳኖስ ማለት ናይ ዳን ወሓዚ ሩባ እዩ፤ ዮርዳኖስ ካብ ላዕሊ ምንጩ ሓደ እዩ። ትሕት ኢሉ ምስ ዚውሕዝ ግና ብደሴት ተኸፊሉ ይርከብ፡ መሊሱውን ኣብ ታሕቲ እቲ ኣብ ክልተ ተኸፊሉ ዝነበረ ተጸንቢሩ ሓደ ይኸውን። ስለዚ ዮር ዝተባህለ ፈለግ ብወገን እስራኤል ዚርከብ ኮይኑ ዳኖስ ድማ ብወገን ኣሕዛብ ዚርከብ ፈለግ እዩ፤ ካብ ምጽንባር ክልቲኦም ኣፍላጋት ዮርዳኖስ ዚብል ስያሜ ረኸበ። ጐይታ ድማ ኣብዚ ምጽንባር ክልቲኡ ፈለግ እዚ ተጠምቀ። ኢያ፡ ፫፡ ፰(3፡ 8)።
እምበኣርከስ ናይዚ ምሳሌ እዚ ኸምቲ ዮርዳኖስ ኣብ ምንጩ ሓደ ምዃኑ፡ ዅሉ ፍጥረት ኵሎም ሰባት ደቂ ሓደ ኣዳም፡ ደቂ ሓንቲ ሔዋን ምዃኖም ኪነግር ከሎ፡ ትሕት ኢሉ ምፍልላዩ ድማ እስራኤል ኣብ ኦሪት፡ ኣሕዛብ ድማ ኣብ ጣዖት ናይ ምፍልላዮም ምሳሌ እዩ። ዳግማይ’ውን ክልቲኡ ኣፍላጋት ኣብ ሓደ ምጽንባሩ ሕዝብን ኣሕዛብን፡ ኣመንትን ዘይኣመንትን ብሓደ ወንጌል ናይ ምእማኖም ምሳሌ እዩ።
ኢዮብ ኣብ ቀላይ ዮርዳኖስ ምስ ተሓፅበን ምስ ተጠምቀን ካብ ሕማሙ ሓወየ፤ እምበኣር ኢዮብ ናይ ኣዳም ምሳሌ፡ ሕማም ናይ መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስ ምሳሌ፡ ዮርዳኖስ ድማ ናይ ጥምቀት ምሳሌ እዩ፤ ኵሉ ዘርኢ ኣዳም ዘበለ ኻብ ከርሢ ዮርዳኖስ ዳግም ተወሊዱ ኻብ መርገመ ሥጋ ኻብ መርገም ነፍሲ ይናገፍ እዩ። ፪ነገ፡ ፭፡ ፲፬(5፡14)።
ኤልያስ ንዮርዳኖስ ተሳጊሩ ናብ ብሔረ ሕያዋን ዓረገ፡ እዚ ምሳሌ እዚ ድማ ምእመናን ኣሚኖም ምስ ዚጥመቑ፡ ብእምነቶም ተሳጊሮም ናብ ገነት ከም ዚኣትዉ ምሳሌ ኾነ።
ንእማን ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ተጠሚቑ ኻብ ለምጹ ሓውዩ እዩ፤ ስለዚ ንስኻትኩም’ውን ካብ ከርሢ ዮርዳኖስ ተጠሚቕኩም፡ ካብ ኃጢኣት፡ ካብ ጥፍኣት ክትነጽሑ ኢኹም ኢሉ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።
2, መጽሓፍ ዕዳ ኪድምስሰልና፦ጐይታ ናብ ዮርዳኖስ ከይዱ ዝተጠምቀሉ ምኽንያት ምሥጢር፡ ዲያብሎስ ብናይ ጸልማት መጋረጃ ጋሪዱ ኣብ ልዕሊ ኣዳምን ሔዋንን ኣዝዩ ስቓይ ኣጽኒዑሎም ነበረ፡ ብድኅርዚ ድማ “ስመ ግብርናትኹም (ስም ተገዛእነትኩም) እንተደኣ ጽሒፍኩም ሂብኩምኒ፡ ነዚ ኣብ ልዕሌኹም ኣጽኒዐዮ ዘሎኹ መከራ መፍኮስኩልኩም ነይረ’’ በሎም፤ ንሳቶም “ኣዳም ናይ ዲያብሎስ ባርያ (ኣገልጋሊ)፡ ሔዋን ናይ ዲያብሎስ ገረድ (ኣገልጋሊት)” ምዃኖም ተኣመኑሉ፤ በዚ ድማ ነዚ ስም እዚ ኣብ ክልተ ኣእማን እብነ ሩካም ጽሒፉ ነቲ ሓደ ኣብ ሩባ ዮርዳኖስ፡ ኣብቲ ምድማር ኽልቲኦም ሩባታት ኪድርብዮ ኸሎ፡ ነቲ ሓደ ድማ ኣብ ማእከል ሲኦል ደርበዮ፤ ስለምንታይ እንተተባህለ᎒ ነዞም ክልተ ኣብ ትሕቲ ዋንንተይ ዚርከቡ ፍጡራን እዚኣቶም ደኃር ጐይታ መጺኡ “ናተይ እዮም” ኪብለኒ እዩ እሞ፡ ኣነ’ውን “ከመይ ኢሎም እዚኣቶምሲ ናተይ እዮም፡ ናተይ ምዃኖም ድማ እንሆ ናይ ባሕሪ ጽሑፍ (ሰነደይ) ይረኣየለይ” ክብሎ እየ ኢሉ ብምሕሳቡ እዩ፤ እንተኾነ እቲ ኸኣሊ ዅሉ ዝኾነ ጐይታና ነቲ ኣብ መራኸቢ ኽልቲኡ ሩባታት ዮርዳኖስ ዝተደርበየ እምኒ ኣብ ጊዜ ጥምቀቱ ኣብ ልዕሊኡ ጠጠው ኢሉ ረጊጹ ኸም ኣምላኽነቱ ደምሲሱ ኣጥፍኦ፡ ነቲ ኣብ ሲኦል ዝተደርበየ እምኒ ድማ ጐይታ ብዕለተ ዓርቢ ኣብ ልዕሊ መስቀል ብኣካለ ሥጋ ተሰቒሉ ኸሎ፡ ኸም ኣምላኽነቱ ብኣካለ ነፍስ ናብ ሲኦል ወሪዱ ከም ገልዒ ቐጥቂጡ፡ ከም ስምዒ ኣምኪኹ ኣጥፍኣልና ቈላ፡ ፪፡ ፲፫-፲፭(2:13-15)።
3, ኣቐዲሙ ዝተባህለ ትንቢት ምእንቲ ኺፍጸም፦ልቢ ኣምላኽ ዝተሰምየ ቅዱስ ዳዊት፡ ጐይታ ቕድሚ ሰብ ኮይኑ ንዓለም ምግላጹ ቕድሚ ኣስታት ሓደ ሽሕ ዓመታት ዚኸውን ናይ ጐይታ ጥምቀት ኣብ ፈለገ ዮርዳኖስ ከም ዚኸውን ትንቢት ተዛሪቡ ነበረ። ንሱ ድማ “ባሕሪ ርእያ ሃደመት፡ ፈለገ ዮርዳኖስ ንድኅሪት ተመልሰ፡ ኣኽራን ከም ደዓውል፡ ኰረቢት ከም ዕያውቲ ተሰራሰሩ፡ ኣቲ ባሕሪ እንታይ ዄንኪ ኢኺ ዝሃደምኪ᎒ ዮርዳኖስከ እንታይ ኴንካ ኢኻ ንድኅሪት ዝተመለስካ፧ ኣቱም ኣኽራን እንታይ ዄንኩም ኢኹም ከም ደዓውል ዝተሰራሰርኩም፡ ኰረቢትከ እንታይ ዄንኩም ኢኹም ከም ዕያውቲ ዝዘለልኩም᎒ ኣቲ ምድሪ ኣብ ቅድሚ እቲ ንኣኻውሕ ናብ ቀላያት፡ ንዓረ ናብ ዓይኒ ማያት ዝለወጠ እግዚኣብሔር ኣምላኽ ያዕቆብ ኣንቀጥቅጢ።” መዝ፡ ፻፲፬፡ ፫-፰ (114፡ 3-8)። “ባሕርኒ ርእየት ወጐየት፡ ወዮርዳኖስኒ ገብአ ድኅሬሁ፡ አድባር አንፈርዓፁ ከመ ሐራጊት፡ ” መዝ፡ ፻፲፫፡ ፫-፯ (113:3-7) “ወሰጠጠ መጽሐፈ ዕዳሆሙ ለአዳም ወለሔዋን፡” ቅ.ኤፍሬም (ው.ማ.ዘሰኑይ)።
ስለዚ ሕዝበ ክርስቲያን! እዚ በዓለ ጥምቀት እዚ ነቲ ብጥምቀት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝረኸብናዮ ብዙኅ ጸጋ ከነስተውዕለሉ፡ ከምኡውን እቲ ንሕና ወዲ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ ጓል ድማ ኣብ ሰማንያ መዓልታ ብጥምቀተ ክርስትና ዝተዋህበና ጸጋ ብእምነትን ሠናይ ግብርን ብዝግባእ ዓቂብና ክሳብ መወዳእታ ንኸነብጽሖ ቃል ንኣትወሉ ዕለት እዩ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!
ሓድነትን ሠለስትነትን ዝተገልጸሉ ክቡር በዓለ ጥምቀት ጐይታናን አምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ውሽጥን ወፃእን ዝርከባ ኣብያተ ክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ...