20/09/2016
ጾም ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
1. ትርጕም ጾም ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
ሀ. “ጾምሰ ተከልኦተ ብእሲ እመብልዕ በጊዜ ዕዉቅ በውስተ ሕግ፤” ጾምስ ኣብ ሕጊ ንዝተፈልጠ ጊዜ ናይ ሰብ ካብ መግቢ ምኽልካል እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፷፬/564)።
ለ. “ጾምሰ ጸባሕተ ሥጋ ውእቱ በከመ ምጽዋት ጸባሕተ ንዋይ ይእቲ። ጾም ናይ ሥጋ ግብሪ እያ፤ ምጽዋት ናይ ገንዘብ ግብሪ (ቀረጽ) ከም ዝኾነ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፫/573)።
ሐ. “ወአኮ ጾም እምኅብስት ወማይ አላ ጾምሰ ዘውኩፍ ቅድመ እግዚአብሔር ውእቱ ንጽሐ ልብ። ወሶበ ኮነ ሥጋ ርኁበ ወጽሙአ፡ ወነፍስሰ ትበልዕ እመፍቅዳት ወልብኒ ይትፌጋዕ እምጣዕማት ምንትኑ ረባሑ ለጾምከ። ጾም ካብ እኽለ ማይ ምኽልካል ኣይኮነን። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ዝበጽሕ (ቅቡል ዝኸውን) ጾምስ ንጽሕና ልቢ እዩ። ሥጋ እናጠመየን እናጸምአን ነፍሲ ድሌታ ትገብር እንተ ኾነት፣ ልቢ ድማ በቲ ጣዕሚ ባህ እንተ በላ ናይ ጾምካ ረብሓ እንታይ እዩ፧!” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፺፰/598)።
እምበኣርከስ ጾም ማለት ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ብልዕን መስተን ምኽልካል፤ ንዝተወሰነ ጊዜ ካብ ጥሉላት መባልዕት ምኽልካል፤ ምስ’ዚ ድማ ኵሉ ጊዜ ሕዋሳትካ ካብ ክፉእ ነገራት ምኽልካል (ልብኻ ክፉእ ካብ ምሕሳብ፣ ኣፍካ ክፉእ ካብ ምዝራብ፣ ዓይንኻ ክፉእ ካብ ምርኣይ፣ እግርኻ ናብ ክፉእ ካብ ምስጓም፣ ኢድካ ናብ ክፉእ ካብ ምዝርጋሕ . . . ብሓፈሻ ክፉእ ካብ ምሕሳብን ክፉእ ካብ ምዝራብን ክፉእ ካብ ምግባርን ምኽልካል) እዩ።
2. ኣገዳስነትን ጥቕምን ጾም ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
እምበኣርከስ ብመሠረት ትምህርታት ቅዱሳን አበው ጥቕምታት ጾም እዞም ዚስዕቡ እዮም።
ሀ. “እንዘ ይትኤዘዝ ለዘሐገጎ ለሥርየተ አበሳ ወብዝኀ ዕሤት ፈቂዶ ኪያሁ ከመ ያድክም ኀይለ ፍትወት ወትትአዘዝ ለነፍስ ነባቢት። ንበደሉ ንምስትሥራይ፣ ዓስቡ ንምብዛኅ ባዕሉ ፈትዩ ሕጊ ንዝሠርዓሉ እናተኣዘዘ ንኃይሊ ፍትወት (ፍቓድ ሥጋ) ንኸድክምን ንፍቓድ ነባቢት ነፍሲ ክትእዘዝ ንኽገብርን።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፷፬/564)።
ለ. “ወመፍቅደ ሕግሰ በጾም ከመ ትድክም ኀይለ ፍትወት ወትትአዘዝ ለነፍስ ነባቢት። ሕጊ ንጾም ዘኽበሮ ኃይሊ ፍትወት (ሥጋ) ደኺማ ንነባቢት ነፍሲ ንኽትግዛእ እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፫/573)።
ሐ. “ወእምረባኅተ ጾም ንትሜሰል በመንፈሳውያን፤ ወበተመስሎት ይትከሀል ይብጻሕ ተመሳሊሁ ኀበ ተመስሎ። ወካዕበ ከመ ያእምር ጸዋሚ ሕማመ ረኀብ ወይምሐሮሙ ለርኁባን ወለእለ ይስእሉ። ወካዕበ ከመ ይትመጠው ቍርባነ እንዘ ውእቱ በጽኑስ ፍትወት ለተሴስዮቱ። ወይኩን ተመጥዎቱ በጻሕቅ ነፍሳዊ ወሥጋዊ። ወዓዲ ከመ ያምልኮ ለእግዚአብሔር በኵለንታሁ በአሰንዮተ ጾም እመንገለ ተአንስሶ ወበጸሎት እመንገለ ነባብያን ወበቀኖናት ንቡራት በእንተ አጽዋም። ጾም ይጠቕመና እዩ ኢልና ካብ ምጽዋምና ዝተላዕለ ንመንፈሳውያን ንመስል። እንተ መሲልካ ድማ ከም’ቲ እትመስሎ ክትከውን ይከኣል እዩ። ካልኣይ ድማ ጸዋሚ ናይ ጥሜት ሽግር ፈሊጡ ንዝጠመዩን ንዝልምኑን ንኺረድኦም ይጠቅም። ከምኡ’ውን ንሥጋኡን ደሙን ብጽኑዕ ባህጊ ኮይኑ ኪቕበሎ። ምቕባሉ ድማ ብመንፈሳዊን ሥጋዊን ትግሃት ይኹን። ካልእ’ውን ካብ እንስሳዊ ባህርይ ተፈልዩ፣ ሥርዓት ጾም ሓልዩ፣ ካብ ሰባት ድማ ብጸሎት ተፈልዩ፣ ብዛዕባ ኣጽዋማት ብዝተሠርዑ ሕግታት ጸኒዑ፣ ብዅለንትናኡ ንእግዚአብሔር ንኸምልኾ እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፬/574)።
ብሓፈሻኡ ጥቕሚ ጾም እዞም ዚስዕቡ እዮም።
ሀ. ለሥርየተ አበሳ (ንኅድገት ኃጢኣት)፣
ለ. ለብዝኀ ዕሤት (ዓስቢ ንምብዛኅ)፣
ሐ. ፈቃደ ሥጋና ኣድኪምና ኣብ ትሕቲ ፈቃደ ነፍስና ንምግዛእ፣
መ. ጸዋሚ ናይ ጥሜት ሽግር ተረዲኡ ንዝጠመዩን ንዝልምኑን ንኺረድኦም፣
ሠ. ንሥጋኡን ደሙን ብጽኑዕ ባህጊ ንምቕባል፣
ረ. መንፈሳዊ ንኽትከውን።
3. ዝርዝር ኦርቶዶክሳውያን አጽዋማት ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
ወዘተአዘዘሂ ላዕለ ኵሎሙ ክርስቲያን፣ ንዅሎም ክርስቲያን ዝተኣዘዙ ኣጽዋማት እዞም ዚስዕቡ እዮም።
፩. ጐይታ ዝጾሞ ጾመ ኣርብዓ ምስ ሰሙነ ስቅለት፣
፪. ኵሉ ጊዜ ዓርብን ረቡዕን (ብዘይካ ኣብ በዓላተ ኃምሳን በዓለ ልደትን ጥምቀትን ተደሪቦሞም እንተ ውዒሎምን)፣
፫. ጾመ ሰባአ ነነዌ ሠለስተ መዓልታት፣
፬. ጾመ ድራረ ልደት ወድራረ ጥምቀት (ጾመ ገሃድ)፣
፭. ቅድሚ ልደት ዘሎ ጾም (ጾመ ነቢያት)፣
፮. ጾመ ሐዋርያት
፯. ጾም በእንተ በዓለ እግዝእትነ (ጾመ ፍልሰታ ለማርያም)፣
4. ሰዓታት ጾም ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
ጾመ አርብዓ ብሓፈሻ ክሳዕ ፍጻሜ መዓልቲ (ሰዓት 06፡00 ድ. ቀ.) ዝጽወሙ እዮም። ሰሙነ ሕማማት ግና ፍልይ ዝበለ ክሳዕ ፀአተ ኮከብ (ኮኾብ ድራር ክሳዕ ዝወፅእ) ኪጽወም ይግባእ። እቶም ካልኦት ኣጽዋማት ምስ ጾመ ሕርቃል ሓዊስካ ከኣ ክሳዕ ታሽዓይ ሰዓት ናይ መዓልቲ (03፡00 ድ.ቀ.) ይጽወሙ። ቀዳምን ሰንበትን ግና ካብ ጥሉላት ጥራይ ምኽልካል እምበር፡ ክሳዕ እዚ ዝተጠቕሰ ሰዓታት ምጽዋም ኣይግባእን እዩ። “ወኢይጹሙ በዕለተ እሑድ ወበሰንበት ዘእንበለ ጥሉላት። ብዕለተ ሰንበተ ክርስቲያንን ቀዳሚት ሰንበትን (ቀዳመ ሰንበት) ግና ካብ ጥሉላት መባልዕት ምኽልካል እንተ ዘይኮይኑ ኣይጹሙ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፪/572)።
5. ካብ ምንታይ ንጸውም፧ ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
ሀ. “ወኢይትበላዕ ቦሙ እንስሳ ዘይወፅእ እምኔሁ ደም ወኢ ዘውእቱ እምእንስሳት። በዚኣቶም (ኣጽዋማት) ደም ዝወፅእ እንስሳን ካብ እንስሳታት ዝርከብን ኣይብላዕልን እዩ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፷፭/565)።
ለ. “ወኢይብልዑ ቦሙ ሥጋ ዘእንበለ ዓሣ። በዞም ኣጽዋማት እዚኣቶም ሥጋ፣ ዓሣ’ውን ከይተረፈ ኣይብልዑ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፪/572)።
6. ወርቃዊ ሕጊ ጾም ካብ መጽሐፈ ፍትሐ ነገሥት
ኣቦታት ነዚ አንቀጸ ጾም እዚ በዚ ዚስዕብ ቃል እዮም ደምዲሞሞ ዘለዉ።
ሀ. “ወዘሰ አፈድፈደ ጾመ እምዝንቱ፡ ይፈደፍድ ዕሤቱ። ካብ’ዚ ዝተኣዘዘ ንላዕሊ ንዝጾመ ድማ ዓስቡ ይበዝኃሉ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፸፪/572)።
ለ. “እመ ይትከሀለክሙ፡ ፈድፋደ እምዝንቱ ጹሙ። ወለእመሰ መጽአ በእንቲአክሙ ተጋዕዞ ጸዊሞቱ፡ ድልዉ ወይኄይስ ፈድፋደ እመብልዕ። እንተ ኽኢልኩምስ ካብ’ዚ ንላዕሊ ጹሙ። ብምኽንያት ጾም ክርክር እንተ ተላዕለ ኸኣ ምጽዋም ይግባእ። ምኽንያቱ ካብ ምብላዕ ምጽዋም ኣዝዩ የኃይሽ።” (ፍትሐ ነገሥት አንቀጽ ፲፭/15 ቍ. ፭፻፹፬/584)።
ስለዚ ድማ እያ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሓደ ሰብ ኣብ’ዞም ዝተጠቕሱ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ጥራይ ተወሲኑ ዝነብር ዘይኮነስ፡ ናይ ፍቓድን ናይ ቀኖናን’ውን እናወሰኸ ክኸይድ ከም ዘለዎ ትምህር።