Eritrean Orthodox Tewahdo mahberemariam Medhanealem Church In Israel

  • Home
  • Israel
  • Tel Aviv
  • Eritrean Orthodox Tewahdo mahberemariam Medhanealem Church In Israel

Eritrean Orthodox Tewahdo mahberemariam Medhanealem Church In  Israel Mahberemariam is an Official sunday school under the Eritrean orthodox Tewahdo medhanealem church in Israel

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!ሎሚ ዕለት 7/፯ መጋቢት ወርሓዊ በዓል ናይ ቅድስት ስለሴ ፡ ማለት ናይ`ቲ ቅድስት ስላሴ ንኣቦና ኣብርሃም ብዕለት 7 /፯ ሓምለ ዝተ...
16/03/2023

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

ሎሚ ዕለት 7/፯ መጋቢት ወርሓዊ በዓል ናይ ቅድስት ስለሴ ፡ ማለት ናይ`ቲ ቅድስት ስላሴ ንኣቦና ኣብርሃም ብዕለት 7 /፯ ሓምለ ዝተገለጽሉ ዕለት ዝዝከረሉ
ወርሓዊ በዓል እዩ ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ብሰላም ኣብጽሓና! ናብ ቤት ኣቦና ኣብርሃም ዝኣተዉ ቅድስት ስላሴ ናብ ቤትና ኣትዮም ቤትና ይባርኹልና!!

ረድኤትን ምሕረትን ቅድስት
ስላሴ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!!

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን መዓልቲ ይግበረልና ! ኣሜን!

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!ሎሚ ዕለት 7/፯ የካቲት ወርሓዊ በዓል ናይ ቅድስት ስለሴ ፡ ማለት ናይ`ቲ ቅድስት ስላሴ ንኣቦና ኣብርሃም ብዕለት 7 /፯ ሓምለ ዝተ...
14/02/2023

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!

ሎሚ ዕለት 7/፯ የካቲት ወርሓዊ በዓል ናይ ቅድስት ስለሴ ፡ ማለት ናይ`ቲ ቅድስት ስላሴ ንኣቦና ኣብርሃም ብዕለት 7 /፯ ሓምለ ዝተገለጽሉ ዕለት ዝዝከረሉ
ወርሓዊ በዓል እዩ ።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እንቋዕ ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ብሰላም ኣብጽሓና! ናብ ቤት ኣቦና ኣብርሃም ዝኣተዉ ቅድስት ስላሴ ናብ ቤትና ኣትዮም ቤትና ይባርኹልና!!

ረድኤትን ምሕረትን ቅድስት
ስላሴ ምስ ኩላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን አሜን!!

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን መዓልቲ ይግበረልና ! ኣሜን!

ጾመ ገሃድበስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎሚ 28 ታሕሳስ ድሮ ብዐለ ልደት ጾመ ገሃድ እዩ። እግዚአብሔር አምላኽና ናብዚ ክቡር ...
06/01/2023

ጾመ ገሃድ
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎሚ 28 ታሕሳስ ድሮ ብዐለ ልደት ጾመ ገሃድ እዩ። እግዚአብሔር አምላኽና ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ዘብጽሓና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።
ርሑስ በዓለ ልደት ይግበረልና።

ጾመ ገሃድ ካብቶም ሾብዓተ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ሓደ እዩ። እዚ ጾም’ዚ ድማ ድሮ (ዋዜማ) በዓለ ልደትን በዓለ ጥምቀትን ኣብ ዘሎ መዓልቲ ዝጽወም ጾም እዩ። ብዛዕባ’ዚ ጾም ዝምልከት ዓመት መጸ ከም ሕቶ ስለዝለዓዓል ደጊምና ከነብርሆ ክንፍትን ኢና። ብዝኾነ ግና ኣቐዲሙ ንዝወጸ ጽሑፍ ጾመ ገሃድ ምምልካት ድማ ሓጋዚ እዩ።

መሠረት ጾመ ገሃድ

ታሪኻዊ መሠረት ጾመ ገሃድ ኣብ በዓላት ዘሎ ናይ ኣኸባብራ ሥርዓትን ትምህርትን እዩ። ኣብ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና በዓላት ካብቲ ዝበዓሉሉ ኣገባብ ወይውን ሥርዓት ገሊኣቶም ብጾም፣ ብሱባኤ፣ ብሓዘን ብስግደት ልማኖ ክኾኑ ከለዉ፡ ገሊኣቶም ድማ ብፍስሓ ብሓጐስ ብተድላ ዝኽበሩ እዮም። እምበኣር ብፍጹም ተድላን ፍስሓን ካብ ዝኸበሩ በዓላት ድማ ጥምቀት ልደት ትንሣኤ እቶም ቀንዲ ተጠቐስቲ እዮም። ምኽንያቱ ድማ ኣብዞም ዕለታት እግዚአብሔር ኣምላኽ ሰብ ኮይኑ ስሌና ንዝገበሮን ንዝሃበናን ዓቢ ጸጋታቱን ውዕለቱን እናዘከርና፡ ብምስጋና ብቅዳሴ ብሓጐስ ብፍስሓ ከነኽብሮ ግቡእ ምዃኑ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስለትእዝዘና እዩ። ሓቂ ድማ ጐይታ ስለዝተወለደልና፤ ጐይታ ድኅነት እንረኽበሉ ጥምቀት ምሳሌ ስለዘርኣየናን ሥርዓት ስለዝሠርዓልናን ዓቢ ምሥጢር ስለዝተገለጸልናን፤ ካብ ምውታን ተፈልዩ ንሞት ሥዒሩ በኵረ ትንሣኤ ስለዝኾነልናን ንሕጐስ እምበር ኣይንሓዝንን። ስሌና ጸዋተወ መከራ ብኢድ ኃጥኣን ንዝተቐበለሉን ንዝተሰቕለሉን ድማ ፍቕሩ እናዘከርና ንበኪ፤ ንሓዝን። ኵሉ ገጊዜኡ ኣለዎ። ሥርዓት ድማ ብጊዜን ፍጻሜታቱን ዝተሠርዐ እዩ። ስለዚ ድማ ልደትን ጥምቀትን ኣብ ጾም ክውዕሉ ከለዉ (ረቡዕን ዓርብን) ኣብ ክንዲኡ ለውጢ ብምግባር ብድሮ ክንጾሞ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሥርዓት ሠሪዓትልና ኣላ።
ኣብዞም በዓላት (ልደትን ጥምቀትን) ድማ ካብ ፍርቂ ለይቲ ብቅዳሴ ብቍርባን ድኅሪኡ ድማ ብመንፈሳዊ ሓጐስ ብምጡን መበልዕን መስተን ይኽበር። ኣብዘን መዓልትታት ሓዘን ብኽያት ዝፍቐድ’ውን ኣይኮነን። ሰማያዊ ትርጉሙን መልእኽቱን ድማ ካብቲ ምድራዊ ነገራት ኣዝዩ ዝዓዝዝ ብምዃኑ፡ ናይ ቀረባ ቤተ ሰብ እኳ ብሥጋ እንተዓረፈ ክብከየሉ ኣይፍቐድን እዩ። ብዝቐለለ ምሳሌ ንምርድኡ ዝኣክል ነዚ ዚስዕብ ንርኣይ። ሓደ ሰብ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣቶ እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ልዕሊ ሽሕ/1000 ብዝኸውን ኣዝዩ ዝተዓጻጸፈ መጓሰ ጥሪት ኣብቲ ዕለት እቲ ብህያብ እንተዝረክብ፣ ሓንቲ በጊዕ ጠፊኣትኒ ኢሉ ክሓዝን ዘይኮነሲ በቲ መዋዕሉ ጽዒሩን ግዒሩን ዘይረኽቦ ሃብቲ እዩ ከሐጒሶ ዝግባእ። ብኣምሳሉ’ውን ሓደ ሰብ ካብ ቤተ ሰቡ ሓደ ብሞት እንተተፈለዮ፣ ፍቓድ እግዚአብሔር ኮይኑ ንብረቱ ኣከበ፡ ናብቲ ሰማያዊ ቤቱ ከደ ኢሉ ክጸናናዕ ኣለዎ ደኣ እምበር እምብዛ ክሓዝን ኣይግብኦን። እኳ ደኣ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ንዝወዓሎ ውዕለትን ዝሃቦ ዘለዓለማዊ ሕይወትን ሃብቲ ገነት መንግሥተ ሰማያትን እናዘከረ ከብዕሎ ኣለዎ። ኣብቲ እግዚአብሔር ንደቂ ሰባት ክብል ንዝፈጸሞ ትንሣኤ ዝኣመሰለ ዓቢይ ግብርን ውዕለት ዘንጊዕኻን፤ ብምድራዊ ነገር ለዊጥካን ምሕዛን ምስ ኣይሁድ ዘጸብጽብ እዩ። ኣይሁድ ዜና ትንሣኤ ጐይታ ሰሚዖም ከምዝሓዘኑ፣ እቲ ዝሓዝን ሰብ ምስኣቶም ከም ምጽንበር የቝጽሮ ኣሎ ማለት እዩ፤ ወይውን ነቲ ዓቢ ውዕለት ጐይታ ክንዲ'ቲ ዝግብኦ ክብሪ ኣይሃበን ዘስምዕ እዩ። ብሓጺሩ እዚ ምሳሌ ክሳዕ ክንደይ ትንሣኤን ገሊኦም ካልኦት ናይ ጐይታ በዓላትን ንደቂ ሰባት ዓቢይ ሓጐስን ተድላን ምዃኖም ንምግላጽ እዩ።
እምበኣርከስ ገሃድ መበገሲኡ እዚ እዩ። ጥምቀትን ልደትን ድማ ጐይታ ዓበይትን ድንቂ ግብሩን ምሥጢሩን ዝፈጸመሎም ዕለታት ስለዝኾኑ ብተድላ ብሓጐስ እዮም ዝኽበሩ እምበር ሓዘን ኣይሕወሶምን እዩ። እዚኦም ክልተ በዓላት ዝውዕሉሉ ዕለታት ድማ ከም ትንሣኤ ዓዋድያት ኣይኮኑን። እዚ ማለት ኸኣ ኣብ ዓመት ኣብ ፍሉጥ ዕለት ዝበዓሉ እዮም ማለት እዩ። ልደት ዓመት መጸ ፳፱ ታኅሣስን (ብዘይካ ዘመነ ዮሐንስ ፳፰ ምዃኑ) ጥምቀት ድማ ፲፩ ጥሪ ይበዓል። ኣይድይቡን ኣይወርዱን ብሓጺሩ ኣይቀየየሩን እዮም። ብምዃኑ ድማ እዞም በዓላት ካብ ሰኑይ ክሳዕ ሰንበት ኣብ ዝኾነ ዕለት ክውዕሉ ተኽእሎ ኣሎ ማለት እዩ። ስለዚ ድማ ረቡዕን ዓርብን እንተወዓሉ እኳ፤ ረቡዕን ዓርብን ጾም እዩ ተባሂሉ ካብ ተድላን ሓጐስን ምፍላይ ዝግባእ ስለዘይኮነ፡ ትርጉምን ተድላን ናይዚ በዓል ዕዙዝ ስለዝኾነ ገሃድ (ጋድ) ተገብረሎም። ለውጢ፤ ምግላጽ ከም ማለት እዩ። በዚ መሠረት ከኣ እዞም በዓላት ረቡዕ እንተወዓሉ ገሃዶም ሠሉስ፤ ዓርቢ እንተወዓሉ ድማ ገሃዶም (ለውጦም) ኃሙስ ይጽወም።

ብሓጺሩ መበገሲ ሥርዓት ናይዚ ገሃድ፣ ኣምላኽ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ምእንቲ ደቂ ሰባት ዓቢ ግብሪ ዝፈጸመሎም ዕለታት፡ ብተድላን ሓጐስን ደኣ እምበር ብጾም ብሓዘን ወይውን ብኡኡ ብዝመስል ነገር ምብዓል ግቡእ ኣይኮነን ካብ ዝብል መሠረታዊ ትምህርቲ እዩ። ትንሣኤ ዝኣመሰሉ ካልኦት በዓላት ግና ጾም ምስ ተፈጸመ ኣብ ሰናብቲ ወይ ካብ ጾም ወጻኢ ኣብ ዘሎ ዕለታት ወይውን ቅድሚ ጾም ዝበዓሉ ስለዝኾኑ ገሃድ ኣየድልዮምን እዩ። ስለዚ ገሃድ ንልደትን ንጥምቀትን ጥራይ እተሠርዐ እዩ ማለት እዩ።
ብድጋመ እግዚአብሔር ኣምላኽና ናብዚ ዕለት እዚ ዘብጽሓና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።
ስብሐት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን አሜን አሜን!!!!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ ኣምላኽ አሜን።“ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ”  ዳን፫፡፳፮/3፡26)    ዘመኑ እስራኤል ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ርኽሰትን ...
28/12/2022

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አኃዱ ኣምላኽ አሜን።

“ኣቱም ባሮት ልዑል ኣምላኽ ንዑ ናብዚ ውጹ” ዳን፫፡፳፮/3፡26)

ዘመኑ እስራኤል ካብ ሕጊ ኣምላኽ ወጺኦም ኣብ ትሕቲ ርኽሰትን መገዲ ኣሕዛብን ዝኸድሉ ዝነበሩ እዩ። እቶም እግዚኣብሔር “ሕዝበይ” እንዳ በለ ዝጸውዖም እስራኤላውያን ንሓድሕዶም ዝነብሮም ፍቕሪ ብምጥፍኦም ብሓደ ምሕደራን ብሓደ ንጉስን ምጉሳይ ገዲፎም ኣብ ክልተ ዝተኸፍልሉ ግዜ እዩ ነይሩ። በዚ ዘመን እዚ እዩ እምበኣር እቲ ሓያል፡ ናይ እግዚኣብሔር ቅዱስ መልኣኽ፡ መጋቤ ሓድሽ ዝተሰምየ ቅዱስ ገብርኤል ብረድኤት ናብቶም ኣብ እምነቶም ጸኒዖም ንእግዚኣብሔር ኣኽቢሮም ነቲ ጨካን ንጉስ ናቡከደነፆር ብጽንዓቶም ተደኒቑ ነቲ መልኣኹ ልኢኹ ዘድሓኖም ቅዱስ ኣምላኽ ከም ዘመስገን ዝገበረ። ናይ ቅዱስ ገብርኤል ውዕለት ከምቶም ካልኦት ቅዱሳን መላእክት ብሓደ ግዜ ተዘርዚሩ ዝውዳእ ኣይኮነን፡ እንተኾነ ንሎሚ ብዛዕባ እዚ ካብ ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝተዋህቦ ጸጋ ኣብ እቶን ሓዊ ኣትዩ ነቶም ናይ ሃይማኖት ሓርበኛታት ናይ ቅዱስ ስነ ምግባር ኣርኣያ ዝኾኑ ኣናንያ፡ ኣዛርያ፡ ሚሳኤል ዝገበሮ ዘድንቕ ናይ ተራዳእነት ተግባር ክንርኢ ኢና። ቅድሚኡ ግና ኣቐዲምና ስለ ቅዱስ ገብርኤል ካብቲ ብዙሕ ውሑድ ክንጠቅስ። ቅዱስ ገብርኤል ብቐዳምነት ዝጽውዓሉ ኣብቲ ንፈለማ ግዜ ክሕደት ዝተላዕለሉ ዓለመ መላእክት እዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ንቅዱሳን መላእኽቲ በታ ቀዳመይቲ መዓልቲ—-ሰንበት ምስ ፈጠሮም ካብ ኣዒንቶም ተሰወረ። ዲያብሎስ ዝተሰምየ ሳጥናኤል ኣብ ዙርይኡ ጠመተ፡ ንላዕሊ ንታሕቲ ቁሊሕ በለ፡ ሽዑ ነቲ ዝፈጠሮ ኣምላኽ ብዓይኒ ልቦንኡ ከስተብህሎ ስለ ዘይከኣለ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ ቅዱሳን መላእክት “ኣነ ኢየ ፈጢረኩም ንዓይ ኣመስግኑ” ክብል ተዛረበ። ነዚ ዝሰምዑ ቅዱሳን መላእኽቲ ብዘረብኡ ኣዝዮም ተገረሙ፡ ገሊኦም ብሓቂ ንሱ እዩ ፈጢሩና ኢሎም ኣመንዎ፡ ገሊኦም’ውን ሓሳባቶም ኣብ ክልተ ኾነ ተጠራጠሩ፡ እቲ ሓያል ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ገብርኤል ግና ካብ ማእከል ቅዱሳን መላእኽቲ ብድድ በለ እሞ፡ ዓው ብዝበለ ድምጺ “ንቁም በብህላዌ እስከ ንኣምር አምላክነ” ብምባል ነቶም ብሓሳባት ሳጥናኤል ተሃዊኾም ዝነበሩ ቅዱሳን መላእኽቲ ኣረጋግኦም።

ዝያዳ ንምንባብ ኣብዚ ዝስዕብ ጥብቆ (Link) ጠውቑ።
https://mahberemariamisrael.com/%E1%8A%A3%E1%89%B1%E1%88%9D-%E1%89%A3%E1%88%AE%E1%89%B5-%E1%88%8D%E1%8B%91%E1%88%8D-%E1%8A%A3%E1%88%9D%E1%88%8B%E1%8A%BD-%E1%8A%95%E1%8B%91-%E1%8A%93%E1%89%A5%E1%8B%9A-%E1%8B%8D%E1%8C%B9/

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜንዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት ፲፬/14 ታሕሳስ ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ  እዩ ።ናይ ስላሴ ምሕረት ፥  ናይ  ...
23/12/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት ፲፬/14 ታሕሳስ ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ እዩ ።

ናይ ስላሴ ምሕረት ፥ ናይ ኣቡነ ኣረጋዊ ፥ ናይ እመ አምላክ ጸጋ፥ በረከትን ኣማላድነት ናይ ኩሎም ቅዱሳን ጸሎትን ኣይፈለየና።


ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና።

፫/3 ታሕሳስ ባእታ እግዚእትነ ማርያምበስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜንንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቡኣ ኢያቄም ኣዲኣ ድማ ሃና ይበሃሉ። ቅድስት ድንግል ማርያም ብብስ...
12/12/2022

፫/3 ታሕሳስ ባእታ እግዚእትነ ማርያም

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

ንኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ኣቡኣ ኢያቄም ኣዲኣ ድማ ሃና ይበሃሉ።
ቅድስት ድንግል ማርያም ብብስራተ መልኣክ እዮም ወሊዶማ።

ናይ መብጽዓ ውላድ ስለዝኾነት ጓል ሰለስተ ዓመት ምስኮነት እዛ ቆልዓ ኣፋ እኽሊ ከይለመደ፡ ከብዳ ድማ ፍቕሪ ሰብ ከየሕደረ ከሎ ንሃባ ኢሎም ሞባእ ወሲኾም ሒዞማ ናብ ቤት መቕደስ ከዱ።

ንዝያዳ ንባብ ኣብዚ ዝስዕብ Link ጠውቑ!

https://mahberemariamisrael.com/%E1%8D%AB-3-%E1%89%B3%E1%88%95%E1%88%B3%E1%88%B5-%E1%89%A3%E1%8A%A5%E1%89%B3-%E1%8A%A5%E1%8C%8D%E1%8B%9A%E1%8A%A5%E1%89%B5%E1%8A%90-%E1%88%9B%E1%88%AD%E1%8B%AB%E1%88%9D/

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።ዝኸበርኩም ናይ እግዘአብሔር ቤተሰብ ሎሚ ፲፮/16 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ናይ ኪዳነ ምሕረት አዴና እዩ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድ...
26/10/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

ዝኸበርኩም ናይ እግዘአብሔር ቤተሰብ ሎሚ ፲፮/16 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ናይ ኪዳነ ምሕረት አዴና እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድኅሪ ትንሣኤ ጐይታ ናብ መቓብሩ እናኸደት ትጽሊ ነበረት። ጸላኤ ሠናያት ዝኃደሮም እኩያን ኣይሁድ ብዳርባ እምኒ ኪቐትልዋ መዲቦም ነቲ መቓብር ብወተሃደራት ኪሕሎ ብሥዉር መኺሮም ከብቅዑ፡ ንሳ ግና ብረድኤት ወዳ ተኸሊላ ናብቲ ቦታ እናኸደት ትጽሊ ነበረት።
እንሆ ድማ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ዕለት 16 የካቲት ከም ልማዳ እናነብዐት ክትጽሊ ከላ ፍቁር ወዳ እልፍ ኣእላፋት መላእክት ኣኸቲሉ ብግርማ መለኮቱ ምስ ተገልጸላ፡-“ዝኽረይ ዚገብር፣ ብስመይ ቤተ ክርስቲያን ዚሐንፅ፣ ብስመይ ንዚዓረቐ ዚኸድን፣ ንዝጠመየ ዜብልዕ፣ ንዝጸምአ ዜስቲን ከምኡ ውን ንዝኃዘነ ዜጸናንዕ፡ ምስጋናይ ዚጽሕፍ፥ ብስመይ ውሉዱ ዚሰሚ፣ ኣብ ዕለት በዓለይ ምስጋናይ ዘብጽሕ፡ ኦ! ጐይታ፡ ዓይኒ ዘይረኣዮ፡ እዝኒ ዘይሰምዖ፡ ልቢ ሰብ’ውን ዘይሓሰቦ፡ ብዙኅ ዓስቢ ሃቦ።” እናበለት ለመነቶ።
ፍቁር ወዳ ድማ ጸሎታ ሰሚዑ፥”ስምኪ ዚጸውዐ፤ ብስምኪ ቤተ ክርስቲያን ዚሓነፀ፤ ብስምኪ ሽጉር ዚረድአን ኅዙን ዜጸናንዐን፤ ውዳሴኺ ዚጸሓፈን ዜጽሓፈን፤ ንውላዱ ብስምኪ ዚሰመየ፤ ኪምሕረልኪ እየ. . .ኵሉ ዚደለኽዮ ኪፍጽመልኪ፡ ዚለመንኪዮ ኪህበኪ እየ። ነዚ ኪዳን እዚ ንኸየፍርስ ድማ ብስመይ ምሒለልኪ ኣሎኹ።” ብምባል ቃል ኪዳን ምሕረት ኣተወላ።
ስለዚ ከአ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ኩሉ ግዜ ዕለታ 16 ወርሓዊ ይኹን ዓመታዊ ናይ እመ ብርሃን ኣዴን ኪዳን ዝተቐበለትሉ ኢላ ተብዕሎ።
እግዚአብሔር ብምሕረቱ እመ ኣምላኽ ብቃል ኪዳና ምስ ኩላትና ይኹኑ።
ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜንዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት ፲፭/15 ጥቅምቲ  ወርሓዊ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ እዩ ።ናይ ስላሴ ምሕረት ፥ ናይ  እመ አ...
25/10/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት ፲፭/15 ጥቅምቲ ወርሓዊ በዓል ቅዱስ ቂርቆስ እዩ ።

ናይ ስላሴ ምሕረት ፥ ናይ እመ አምላክ ናይ ቅዱስ ቂርቆስን ናይ ኩሎም ቅዱሳንን ጸጋ፥ በረከትን ኣማላድነትን ኣይፈለየና።

ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!፴/30 መስከረም ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍቱ ናይ አቡነ አብሳዲ    ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ደበሽን እንዳ ማርያም...
10/10/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!!!
፴/30 መስከረም ዓመታዊ ክብረ በዓል ዕረፍቱ ናይ አቡነ አብሳዲ
ኣብ “ሓይቀ መሳሕል” ትብሃል ኣብ ትግራይ ደበሽን እንዳ ማርያም እትርከብ ዓዲ ዝቕመጡ፡ ካህን ቶማስን እምነ ሰሎሜን ዝበሃሉ ፈራህያነ እግዚአብሔር ሰብ ኃዳር ነበሩ።
ካህን ቶማስ ንበዅሪ ወዱ ኣቡነ መርቆሬዎስ ምስ ወለደ ንቅድስት እምነ ሰሎሜ ከይነገራ ‘ደጊም ይኣኽለኒ እዛ ዓለም እዚኣ ኃላፊት እያ እሞ ነታ ዘይትኃልፍ ዓለም ዘውርስ ግብረ ጽድቂ ክፍጽም እየ” ኢሉ ንኪምንኵስ ናብ ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከደ። ኣቡነ ኤዎስጣቴዎስ ከኣ ንካህን ቶማስ “ካባኻ ዚውለዱ ቅዱሳን ውሉድ ስለ ዘለዉ ምንኵስና ክፍልኻ ኣይኮነን” በሎ እሞ ብድኅር’ዚ ናብታ እምንቲ በዓልቲ ቤቱ ተመሊሱ ብቕዱስ ሥርዓት ሰብኣይ ሰበይትን ንኣቡነ ኣብሳዲ ኣቡነ ማቴዎስን መክብበ ድንግልን ወለደ። በዚ ኸኣ ኣቡነ ኣብሳዲ ብዕለት 16 የካቲት 1277 ዓ.ም. ተወልደ እሞ ስሙ “ሃሎ ክርስቶስ” ተባህለ።

ንዝያዳ ንባብ ኣብዚ ዝስዕብ ሊንክ ጠውቑ!

https://mahberemariamisrael.com/%E1%8D%B4-30-%E1%88%98%E1%88%B5%E1%8A%A8%E1%88%A8%E1%88%9D-%E1%8B%93%E1%88%98%E1%89%B3%E1%8B%8A-%E1%8A%AD%E1%89%A5%E1%88%A8-%E1%89%A0%E1%8B%93%E1%88%8D-%E1%8B%95%E1%88%A8%E1%8D%8D%E1%89%B1-%E1%8A%93/

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜንዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት 24 መስከረም ወርሓዊ በዓል ኣቡነ ተኽለሃይማኖት እዩ።በረኸትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ኣ...
04/10/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን

ዝኸበርኩም ናይ እግዚአብሔር ቤተ ሰብ ሎሚ ዕለት 24 መስከረም ወርሓዊ በዓል ኣቡነ ተኽለሃይማኖት እዩ።
በረኸትን ጸጋን ኣማላድነትን ናይ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት ኣይፈለየና።

ኣቡነ ተክለሃይማኖት ጻድቅ ትውልዲ ዓዶም ኣብ ኣውራጃ ሽዋ ዝርከብ ኮይኑ ዞረሬ ይበሃል። ስም ወላዲኦም ጸጋዘአብ ስምወላዲቶም ከኣ እግዚእ-ኃረያ ይበሃሉ። ጸጋዘኣብ ካብ እቶም ንቤተክርስትያን ብሃይማነቶም ብርሃን ዝኾኑዋ ወገን ካህናት እዩ። እዞምቅዱሳን ስድራ ውላድ ስለ ዝደንጎዮም ብዙኅ ይኃዝኑን ይትክዙን ነይሮም፡ ኣማላኽ ውላድ ክህቦም ከኣ ብዘይ ቀቢጸ ተስፋ ይጽልዩነይሮም።

ኣብ ከምዚ ትካዘ እንከለዉ ሰይጣን ንመተሎሜ ናይ ዳሞት ንጉሥ ንክፉእ ኣለዓኣሎ ንኣብያተ ክርስቲያናት ከፍርስ፡ ንዝረኸቦ ከኣናብ ጣዖት ክሰግድ ከገድዶም ጀሚሩ። ኵሎም ሰብ ሥልጣን እታ ሃገር ኣንስቶም በብታራ ይህብዎ ነይሮም፡ ካብተን ዝማረኸንምልክዕቲ ሰበይቲ ኣንተረኺቡ ምስኡ የቐምጠን ነይሩ። በቲ ጊዜ ኣብ ምድረ ጽላልሽን ዞረሬን በጽሐ፤ ንኹሎም ክርስቲያናት ከኣቀተለ፡ ጸጋዘኣብ ካብቲ ዝነበረ መዓት ክኽውል ናብ ቀላይ ኣተወ፡ እቲ ቀላይ ከም ቤት መዕቆቢ ኮኖ፡ ንእግዚእ-ኃረያ ግናወተረሃደራቱ ማረኽዋ እሞ ናብ ንጉሥ ድማ ኣብጽሕዋ።
ንጉሥ ምስ ረኣያ ብመልክኣ ተደነቀ ብልቡ ድማ ኣዝዩ ተሓጎሰ ኣዝዩ ዘጌጸ ክዳውንቲ ኣልቢስዋ ድማ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ነቶምኣዘዝቱ ከብካብ ክገብሩላ ኣዘዘ እዚ ምስ ሰምዐት እግዚእ ኃረያ ምስ ኣረሚን ካብ ምውሳብ መታን ከድኅና ናብ እግዚአብሔርጸለየት ብኡንብኡ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት መጺኡ ካብ ማእከል እኩባት ሕዝቢ ኣውጽኣ፡ ብብርሃን ክንፉ ተሰኪሙ ድማካብ ምድረ ዳሞት ናብ ምድረ ዞረሬ ኣብጸሓ። ኣብ ናይ ጊዜ ጸሎተ ዕጣን ከኣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣእተዋ፡ ጸጋዘኣብ ማዕጠንት ኂዙካብ ውሽጢ መቕደስ ምስ ወጸ ብምልኩዕ ኣልባስ ዝተሠርገወት ሰበይቲ ደው ኢላ ምስ ረኣየ ተደነቀ ብልቡ ከኣ ከምዚ በለእንታይ ደኣላ እዛ ሰበይቲ፧ ናብዚ’ኸ መን ኣምጸኣ፧ ጸሎት ወዲኡ ምስ ሓተታ ከኣ ሰበይቱ ምዃና ፈለጠ ኵሉ ዘጋጠማንእግዚኣብሔር ዝገበርላን ከኣ ካብ መጀመርያ ክሳብ መወዳእታ ነገረቶ ብድሕር'ዚ መልኣኽ እግዚኣብሔር ብለይቲ ተራእዩ ምስክርነትጽድቁ ኣብ ኵሉ ዓለም ዝበጽሕ ውላድ ከም ዝወልዱ ነገሮም ። ድኅሪ ሒደት መዓልታት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ተክለሃይማኖት ተጸንሰ፡ብ24 ታሕሳስ ከኣ ተወልደ ኣብ ቤት ኣቡኡን ኣዲኡን ኣብ ኵሎም ኣዝማዱን ከኣ ዓቢይ ሓጎስ ኮነ ፡ ጥምቀተ ክርስትና ክህብዎከለዉ ፍስሓ ጽዮን ኢሎም ሰመይዎ። ምስ ተወልደ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ ከኣ ከምዚ በለ አሐዱ አብ ቅዱስ፡ አሐዱ ወልድ ቅዱስ፡አሐዱ ውእቱ መንፈስ ቅዱስ። እቲ ሕፃን ከኣ ብመንፈስ ቅዱስ ኃይልን ጥበብን ዓበየ፡ ብዙሕ ተኣምራትን ከኣ ይገብር ነበረ።
ወለዱ ቀለብ ኣብ ዘወድእሉ ጊዜ ብኣጻብዕቱ ናይ ሓሩጭ መቐመጢ ምስ ተንከፈ ቤቶም ኵሉ ብበረኸት እኽልን ዘይትን መልአ፡ እቶም ነዚ ዝረኣዩን ዝሰምዑን ኣዚዮም ተደነቑ። ወዲ 7 ዓመት ምስ ኮነ ኣቡኡ መዝሙረ ዳዊትን መጻሕፍቲ ናይ ቤተ ክርስቲያንመሃሮ ። ኣቡኡ ማዕረገ ዲቁና መታን ክቐብኦ ናብ ጳጳስ ኣባ ቄርሎስ ወሰዶ በቲ ጊዜ ኣባ ብንያሚን (ብንያም) ሊቀ ጳጳሳት ናይእስክንድርያ ብመንግሥቲ ዛጔ ብ1090 ናብ ጳጳስ ምስ ኣብጽሕዎ እዚ ቆልዓ ኅሩይ ኣቕሓ ናይ እግዚአብሔር ክኸውን ኢሉ ተነበየሉ።ሢመተ ዲቁና ተቐቢሉ ከኣ ናብ ዓዱ ተመልሰ ዓቕሚ ኣዳም ምስ ኣኸለ እንስሳታት ክሃድን ናብ በረኻ ወፈረ እግዚአብሔር ከኣብኣምሳል መንእሰይ ብጽቡቕ ኣምሳል ተራእዮ ከምዚ ከኣ በሎ ኦ ፍቁረይ ኣይትፍራሕ ካብ ሕጂ ሃዳናይ ኣራዊት ኣይኮንካንእትኸውን ናይ ብዙኃት ሰብ ነፍሳት ክትሃድን ኢኻ ስምካ ኸኣ ተክለሃይማኖት ይኹን ኣነ ኣብ ከርሢ ኣዴካ ከሎኻ ከም ኤርምያስነቢይን ዮሐንስ መጥምቅን ኃርየካየ። ዝሓመሙ ክትፍውስን ኣጋንንቲ ከተውጽእን ሥልጣን ሂበካ ኣሎኹ ኢልዎ ካብኡ ተሰወረ ናብቤቱ ከኣ ኣተወ። ድኅሪ ቅሩብ ጊዜ ከኣ ኣብኡን ኣዲኡን ዓረፉ።ድኅሪ ሞት ወልዱ ኵሉ ሃብቱ ንድኻታት ሃቦም፡ ገዝኡ ኸፊቱ ገዲፉድማ ብለይቲ ከምዚ እናበለ ወጸ “ ምንተ ይበቁዖ ለሰብእ ለእመ ኵሎ ዓለመ ረብሐ ወነፍሶ ኃጕለ’’። ብድኅር'ዚ ሢመተ ክህነትተቀበለ ወንጌል ክሰብኽ ወሰነ ፡ ብሓደ መዓልቲ ከኣ ኣዝዮም ብዙኃት ኣጥመቀ፡ ንመምለኽቲ ጣዖታት ኵሎም ሠዓሮም፡ ዘምልኽዎዝነበሩ ኣእዋም ቆራረጾ ኣብኡ ኃዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ሃዲሞም ከዱ። ብድሕሪ ሠለስተ ዓመት ካብ ሰማይ ከምዚ ዝብል ድምጺሰምዐ “ኦ ተክለሃይማኖት ተንሢእኻ ናብ ምድረ ዳሞት ኪድ" ከም ዝተንገሮ ተንሢኡ ከደ፡ ኣብ መንገዲ ጠንቆልቲ መሰርያን ረኸብዎምስ ተኸራከሮም ኣዕጽምቱ ክሳብ ዝረአ ብጽኑዕ ሃረምዎ ክሳብ ሞት ከኣ ኣብጽሕዎ ፡ ምሳጋና ይኩኖ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስክርስቶስ ከኣ ጉድኣት ዘይብሉ ብጥዕዩ ኣተንሥኦ ፡ ብከምዚ ከኣ 40 ዓመታት ዝኣክል ጸንሐ ስለ ዘይተመልሱ ናብ ኣምላኹ ጸለየብሕይወቶም ከለዉ ከኣ ምድሪ ወሓጠቶም ናብ ብሔረ ዳሞት ከይዱ ነቶም መሠርያን ኣጥፈኦም ንጉሥ መተሎሜ እዚ ምስ ሰምዐብጽኑዕ ኣሲሮም ናብኡ ከምጽእዎ ከኣ ኣዘዘ። ንምንታይ ሃገረይ ተናዕባ ኣለኻ ኢሉ ናብ ጸድፊ ኣጽዲፎም ክቀትልዎ ኣዘዘ። ብዙኅ ጊዜኣጽደፍዎ እግዚአብሔር ከኣ ብጥዕዩ ካይተጎድአ ኣተንሥኦ፡ ኣብ ቅድሚ ንጉሥ ኣዚ ተኣምራት ምስ ገበረ ነቶም መሠርያኑ ኣጥፍኦምበቲ እጹብ ተኣምራት ከኣ ንጉሥ መተሎሜ ብጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣመነ። ኣብ ቅድሜኡ ከኣ ምውታት ኣተንሥአ፡ በታ ዕለትእቲኣ ከኣ ብዙኃት ተጠምቁ ንኩሎም ክቐብኦም ሜሮን ምስ ተወድኦ ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ኣውረደሉ። ኣብዚ ታቦት ነዞምሕዝቢ ቅዱስ ምሥጢራት እናሃብካ ኣገልግሎም ኢኻ በሎ። ከምቲ ዝበሎ እናገበረ ንንጉሥ መጻሕፍቲ ናይ ነቢያትን ሓዋርያትንእናመሃሮ ጸንሐ። ኣብ ዳሞት ን12 ዓመታት ምስ ጸንሐ ብዕለተ ፋሲካ ናይ ጐይታ፤ ናብ ኣባ በጸሎተ ሚካኤል ኪድ ዝብል ካብ ሰማይመጾ ምስቶም ኣርድእት እናተራድአ ን10 ዓመታት ጸንሐ፡ ብመዓልትን ብለይትን መንፈሳዊ ሓገዝ ይፍጽም ነበረ፡ ከም ግብረ ማህረጽማይ ምቕዳሕ ዕንፀይቲ ምውፋር ዝኣመሰሉ። ምውታት ብምትንሣእን ዝሓመሙ ብምፍዋስን ከኣ ብዙኃ ተኣምራት ይገብር ነይሩ።ጐይታ ከኣ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ናብ ናይ እስጢፋኖስ ቀዳሜ ሰማእት ሥፍራ ሓይቅ እትበሃል ኪድ ናብ ቅዱስኢየሱስ ሞዓ ንሱ ኣርዑት ሙንኲስና ክህበካ’ዩ" በሎ ተንሢኡ ነቲ ባሕሪ ከኣ ከም መሬት እናረገጾ ሓለፈ። ኣባ ኢየሱስ ሞዓ ከኣ ልብሰምንኲስና ሃቦ ኣብኡ ከኣ ን10 ዓመት ብዙኅ ተኣምራት ኣናገበረን በብ6000 ሽሕ እናሰገደ ጸንሐ ፡ ብድሕሪ’ዚ ኣግዚአብሔር ከምዚበሎ "ኦ ፍቁረይ ተክለ ሃይማኖት ተንሢእካ ናብ ደብረ ዳሞ ኪድ ኣብኡ ከኣ ዮሃኒ ዝበሃል ቅዱስ ሰብ ክትረክብ ኢኻ፡ ካብኡ ከኣቆብዕ ኣስኬማ ውሰድ ክሳብ ዝነግረካ ከኣ ኣብኡ ጽናሕ በሎ።" ቆብዕ ኣስኬማ ወሲዱ ብዙኅ እናተጋደለ ን12 ዓመት ጸንሐ ። ጐይታኣንደገና ተራእዮ ካብ’ዚ ደብሪ ውጻእ ንኲሎም ኣበምኔታት ናይ ትግራይ ብጻሕ በሎ ካብ ደብረ ዳሞ ብገመድ እናወረደ ከሎ ኣቲገመድ ተበትከ ከም ንስሪ ከኣ ብኣክናፍ ንላዕሊ ወጸ ኵሉ ኣድባራት ምስ በጽሐ ብመልኣኽ ተመሪሑ ብእግሩ ናብ ኢየሩሳሌምወረደ። ብቅዱሳት መካናት ተባሪኹ ናብ ገዳማት ትግራይ ተመልሰ። ምስ ኲሎም ቅዱሳን ከኣ ተራኸበ፡ ካልኣይ ጊዜ ሣልሳይ ጊዜ‘ውን ናብ ኢየሩሳሌም ወረደ ኣብኡ ክነብር ‘ውን ደለየ መንፈስ ቅዱስ ግና ናብ ዝተወለድካሉ መሬት ተመለስ ክፍልኻ ኣብኡ እዩ" በሎ ። ምስ ተመልሰ ምስ ኣባ ዮሓኒ ኣብ ደብረ ዳሞ ተራኸበ፡ ናብ ምድረ ቡር ከይዱ ከኣ ምስ ኣባ መድኃኒነ እግዚእ ምንኲስና ዝሃቦጒናጒና ኣብ ዝበሃል ቦታ ተራኸቡ ኣቦ ብዙኃት ክትከዉን ኢኻ ኢሉ ከኣ ተነበየሉ። ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ ሓደ ካባኣቶም ናይምንኲስና ውልዱ እዩ። ካብኡ ወጺኡ ናብ መካነ ሓይቅ ከደ ካብኡ ድማ ኵሉ ገዳማት እናበጽሐ ምድረ ሸዋ ከደ 16 ዝኣኽሉኣርድእት ምስኡ ተጸምበርዎ ልብሰ ምንኲስና ከኣ ኣልበሶም። ብድኅርዚ ናብ ግራርያ ከደ ብብዙኅ ገድሊ ጸንሐ ብመዓልትንለይትን ካብ ገዳሙ ካይወጸ ንጸሎት ይነቅሕ ነበረ፡ ብዘይ ቆጽሊ ከኣ ካልእ ኣይበልዕን ፡ ማይ ጥራሕ ይሰቲ ነበረ፡ ብዙኃት ደቂተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ናብኡ መጺኦም ይምንኲሱ ነይሮም ። ደቂ ተባዕትዮን ደቂ ኣንስትዮን ኣብ ሓደ ገዛ ብሓደ ይሓድሩነይሮም ሰይጣን ብኃይሊ ጸሎት ኣቡነ ተክለሃይማኖት ስለ ዝተኣሥረ ብንጽሕና ብዘይ ገለ ነገር ይነብሩ ነይሮም። ኣብ ግዜ ጸሎተቊርባን ብሓደ ይቆሙ ነይሮም። ኣቡነ ተክለሃይማኖት ኣብቲ ዝጽልይሉ ቦታ ብየማን ብጸጋም ንሥጋኦም ዝወግእ በላሕቲ ሓፂንውንተኸሉ ደው ኢሎም ጸሎት ስለ ዘንወሑ ሓንቲ እግሮም ተሰብረት ፡ ብሓንቲ እግሮም ቆይሞም ከኣ ን7ተ ዓመታት ጸለዩ ብድኅር’ዚጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስጋና ይኹኖ'ሞ ምስ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ምስ 12 ሓዋርያትን ጻድቃንንሰማዕታትን ቅዱስ ሚካኤልን ገብርኤልን ናብኡ መጺኡ ከምዚ በሎ "ኦ ፍቁረይ ብሕማመይ ንኣይ መሲልካ ኢኻ‘ሞ ኣብ መንግሥተይክቀምጠካ እየ ካብ ሕጂ ኩሉ ናይ’ዚ ዓለም ድኻምካ ተወዲኡ እዩ ገድልኻ ተቕቢለዮ እየ ፡ ካብ ሕጂ ናይ ዘልዓለም ሕይወትክትወርስ ነዓ" ኢሉ ኪዳን ኣተወሉ። ስሙ ንዝጽውዕ ተዝካሩ ዝገበረ ብስሙ ምጽዋት ዝሃበ መጽሓፍ ገድሉ ዝጸሐፈ ብጸለቱንዝተኣመነ ኣነ ኣብ ኩሉ መከራኡ ክረድኦ እየ ኃጢኣቱ ከኣ ክሠርየሉ እየ ኢሉ ሰላምታ ሂቡ ናብ ሰማይ ዓረገ ። ኣቡነ ተክለሃይማኖትንቕሩብ ጊዜ ሕማም ውጽኣት ምስ ሓመሙ ኣብ 99 ዓመትን 10 ወርሕን 10 መዓልትን ብሰላም ዓረፉ ብክብርን ብምስጋናን ከኣ ቀበርዎም።
ጸሎት ልመንኦም ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን በረኸቶም ኣይፈለየና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር።
ወለወላዲቱ ድንግል።
ወለመስቀሉ ክቡር።

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜንዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎሚ 5 /፭  መስከረም  ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ እዩ ።እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ...
15/09/2022

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን

ዝኸበርኩም ናይ እግዚኣብሔር ቤተሰብ ሎሚ 5 /፭ መስከረም ወርሓዊ በዓል ናይ ኣቡነ ገብረመንፈስ ቅዱስ እዩ ።
እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት እናሓለወ ናብዚ ክቡር ዕለት እዚ ዘብጽሓና ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን።

ኣቡነ ገብረመንፈስቅዱስ ካብ ዝገበርዎ ትኣምር ከምቲ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ "እቲ ብኣይ ዝኣምን ካብቲ ኣነ ዝገብሮ ዝዓቢ ተኣምራት ክገብር እዩ" ዝበሎ፡ እግዚኣብሔር ነቶም ቅዱሳናቱ ብስሙ ብዙሕ ተኣምር ክገብሩ ስልጣን ሂብዎም እዩ። ገለ ከብቲ ብዙሕ ውሑድ ንኣብነት ዝኾነና ናይ ኣቡነ ገበረ መንፈስ ቅዱስ ተኣምራት ምስእንርኢ፥
ሓደ ሰብኣይ ኣብ ሓደ ዓዲ ይነብር ነበረ። ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ናይ ገድሉ መጽሓፍ ይሰምዕ እሞ ናይ ዕረፍቶም መዘከርታ ኣብ ጾም ከምዝኾነ ይርዳእ።
ኣነኸ መዘከርትኡ ኣብ ዕለተ ልደቱ 29 ታሕሳስ ከገብር እየ ብዕራይን በጊዕን ከኣ ክሓርድ እየ በለ። ኣብ መዓልቲ ልደቱ ብዕራይን በጊዕን ሒዙ ናብ ቤተክርስቲያን እናከደ እንከሎ ኣብ መገዲ ኣንበሳን ነብርን ረኸበ፣ ንሱ ብዕራይ እናኸብከበ ወዱ ከኣ በጊዕ እናሰሓበ ኣንበሳን ነብርን ብዘፍርሕ ግርማ መጽእዎም እሞ እቲ ሰብኣይ ምስ ወዱ ነቲ ብዕራይን በጊዕን ገዲፎም ሃዲሞም ናብ ገዝኦም ተመልሱ። እቶም ኣንበሳን ነብርን ነቲ ብዕራይን በጊዕን እናከብከቡ ናብ ዱር ኣተዉ። ኣቡነ ገበረመንፈስ ቅዱስ ኣብቲ ኣንበሳን ነብርን ናብ ዘለውዎ ቦታ ብምምጻእ ከምዚ በልዎም " እንበሳ! ንስኻ ነዚ ብዕራይ ሓልዎ፡ ነብሪ ከኣ ነቲ በጊዕ ሓልዎ ክሳዕ እታ እትመጽእ ዓመት ናይ ልደተይ በዓል ሓሊኹም ናብ ቤተክርስቲያን ውሰድዎም። ዝነገርኩኹም ምልክተይ ድማ ንገሩ፡ እግዚኣብሔር ድማ ኣንደበትኩም ክኸፍተልኩም እዩ" ብምባል ሓዲገምዎም ከዱ።
እቶም ኣንበሳን ነብርን ድማ ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ነቲ ብዕራይን በጊዕን ክሳዕ ዓመት ክሕልውዎም ድሕሪ ምጽናሕ ዕለተ ልደት ናይ ኣቡነ ገበረመንፈስ ቅዱስ ምስኣኸለ ናብ ቤተክርስቲያን ኣብጽሕዎም። ኣብቲ ቤተክርስቲያን ዝጸንሑ ሰባት ከኣ ነቲ እንበሳን ነብርን ምስረኣዩ ሃደሙ። እንተኾነ እቶም ኣንበሳን ነብርን ኣፍ ኣውጺኦም ተዛረቡ። እቲ እንበሳ " እንሆ እዚ ብዕራይ ውሰድዎ " በለ ነብሪ ውን ከምኡ " እንሆ እዚ በጊዕ ውሰድዎ" በለ እዞም ትርእይዎም ዘለኩም ብዕራይን በጊዕን ካብ ሓደ ሰብ ዝወሰድናዮም ኮይኖም ኣቡነ ገበረ መንፈስ ቅዱስ ከምዝኣዘዙና ማይ እናኣስተና ሳዕሪ እናኣብላዕና ንሓደ ዓመት ዝኣክል ክንሕልዎም ጸኒሕና ሕጂ ግን ናባኹም ኣምጺእናልኩም ኣሎና" ብምባል ነቲ ዝተኣዘዝዎ ትእዛዝ ፈጺሞም ናብ በራካ ተመልሱ። እቶም ተቐማጦ ናይቲ ዓዲ ድማ በዚ ነገር እዚ ተደነቑ ነቲ ብዕራይን በጊዕን ሓሪዶም ከኣ ንሓደ ሰሙን ዝኣክል እናበልዑ ጸንሑ። ክሳብ ዕለተ ሞቶም እቶም ህዝቢ ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ መዘከርታ ይገብሩ ነበሩ።

ብድጋመ በረከቶም ጸጋኦምን ኣይፈለየና!!!

ምንጪ፥ መጽሔት ፍኖተ ጻድቃን ቁ.1
ቤ/ት/ሰ/ኣቡነ ገበረ መንፈስ ቅዱስ ቤተ ክርስቲያን መድኃኔ ዓለም ኦር ይሁዳ

በረከትን ረድኤትን ኣማላድነትን ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስቅዱስ ኣይፈለየና።
ብሩኽ መዓልቲ ይግበረልና።

Address

Tel Aviv

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Eritrean Orthodox Tewahdo mahberemariam Medhanealem Church In Israel posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share