ቤ/ት/ሰ/ማሕበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዶድ ቤተ/ክ መድኃኔ ዓለም ቴል ኣቪቭ እስራኤል።

  • Home
  • Israel
  • Ashdod
  • ቤ/ት/ሰ/ማሕበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዶድ ቤተ/ክ መድኃኔ ዓለም ቴል ኣቪቭ እስራኤል።

ቤ/ት/ሰ/ማሕበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዶድ  ቤተ/ክ መድኃኔ ዓለም ቴል ኣቪቭ እስራኤል። ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትምህርቲ ሃይማኖትን ስርዓትን ሓልዩ ዝዳሎ መንፈሳዊ ገጽ። st. michael sunday school association ashdod at the holy land of israel

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት   ኣብ ወርሒ  #ጳጕሜን ዝገበሮ እዚ እዩ።ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ምስ ኩላትና ...
08/09/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ኣብ ወርሒ #ጳጕሜን ዝገበሮ እዚ እዩ።
ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ምስ ኩላትና ይኹን። ብፍቓድ ልዑል ኣምላኽ ንዝተሸገሩ ዝረድእ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ዝገበሮ ተኣምር እዚ እዩ።
ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ዝፈቱ ብስም ቅዱስ ሩፉኤል’ዉን ወትሩ ምጽዋት ዝህብ ሓደ ንጉስ ነበረ። እዚ ንጉስ ሓደ መዓልቲ ኣብ ዉሽጢ ባሕሪ ቆይሙ እንከሎ ዓሳ ነባሪ ክበልዖ መጸ። እዚ ንጉስ ድማ “ፈታውየይን መመክሕየይን ኦ! ቅዱስ ሩፋኤል ካብዚ ናይ ባሕሪ ኣራዊት ምእንቲ ከተድሕነኒ ቀልጢፍካ ብጽሓኒ።” እንዳበለ ዓው ኢሉ ጨደረ። ቅዱስ ሩፋኤል’ውን ከም ሓንባሲ ተመሲሉ መጺኡ ኣድሓኖ እምበር እቲ ዓሳ ነባሪ ንክበልዖ ኣይሓደጎን፥ ሊቀ መላእክት ምኳኑ’ዉን ነቲ ንጉስ ኣረድኦ።
እዚ ንጉስ’ዉን ብስም ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን ክሰርሕ ሓሰበ። ነዛ ቤተ ክርስቲያን’ዉን ብዙርያኣ ኣጸቢቑ ሰሪሑ ፈጸማ። ንምዕረፊ ቅዱሳን ክትከዉን ገደማ። ካብዛ ቤተ ክርስቲያን’ዉን ከይተፈለየ መባእን ዕጣንን እና ሓለየ ንድኻታት’ዉን ምጽዋት እና ሃበ ንብዙሕ ዘመናት ንኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዝኸዉን ወርቅን ብሩርን ኣቐመጠ።
እዚ ንጉስ ምስ ዓረፈ ብኣማላድነት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ናብ ሓጐስ ገነት ኣተወ። ነገር ግን ኣብ ዉሽጢ መዝገብ ቤተ ክርስቲያን ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ከም ዘሎ ዝሰምዑ ናይ ቍዝን ናይ በርበር ሰባትን ብመርከብ ተጻዒኖም መጹ። ዝመጸሉ ምኽንያት ድማ ናይዛ ሃገር ሰባት ማሪኾም፥ ሃብቲ ቤተ ክርስቲያን ንኽዘምቱ እዩ።
ናይዛ ሃገር ሰባት ግና ኣብ ርሻን ገዛዉቶም ኮይኖም ምምጻእ ጸላእቶም ስለ ዝረኣዩ ኣፍደገ ልዳዉቶም ዓጸዉ። ናብ እግዚአብሔር’ዉን “ኦ! ጐይታ ስለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኢልካ ኣድሕነና።” እና በሉ ተማሕጸኑ። ኣብዚ ልማኖ እንከለዉ ኸኣ ንዕዖም ንምዝራፍ ዝመጹ ጸላእቶም ጣቓን ጸልማትን ኣብ ዉሽጢ መርከቦም እንከለዉ ወሓጦም። እሳት ነበልባል ዝመስል’ዉን ተራእዮም ኣዝዮም’ውን ፈርሑ። እቶም ጸላእቶም ንቅዱስ ሩፋኤል ዝተመዘዘ ሴፍ ሒዙ ኣብ መንጐ ምድርን ሰማይን ቆይሙ ረኣይዎ። /1ይ ዜና 21፡16/
ድሕሪዚ’ዉን ኣብ መንጐ እሳትን ጣቓን ኮይኑ፥ “ኣነ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ዝቆዉም። ስለ ሰባት ዘውትር ናብ ኣምላኸይ ዝልምን ሩፋኤል እየ። እንሆ እዚ መቕዘፍት ስለ ክፍኣት ልብኹም ብሓይሊ ፈጣሪየይ እግዚአብሔር ኣምጺኤልኩም ኣለኹ እሞ ካብዚ ዝኸፍአ ናይ ሞትን ናይ ጥፍአትን መከራ ከይረክበኹም ካብ ሕጂ ናብ ሃገርኩም ተመለሱ።” በሎም ነዚ ኢሉ’ዉን ካብኣቶም ተሰወረ።
ኦ! ዝተፈተኹም ኣሕዋት ልዑል ክቡር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ልዕሊ እዞም ዓመጽቲ ንዝገለጾ ድንቂ ተኣምር ኣስተውዒልኩምዎዶ፧ እግዚአብሔር ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝኸበሩ ናይ ሰማያት መዛግብት ክኸፍትን ክዓጹን ሓላዊ ማዕጾ ገይሩ ሸይምዎ እዩ። ስለ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኢሉ ንኻልእ ሰብ ሰናይ ዝገብር። ስለ ክብሩ ዝዛረብ። ነዚ ክቡር መጽሓፈ ድርሳኑ ዝጽሊ፥ ዝሳለሞ፥ ዝትርጉም፥ ስርናይ ወይ ወይኒ፥ ወይ ዕጣን ወይ፥ መብራህቲ ንቤተ ክርስቲያኑ ንዝህብ ከም ዝምሕረሉ ቃል ኪዳን ተዋህቦ።
ካልኣይ’ዉን ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ንዝጠመየ ዘብልዕ፥ ንዝጸምአ ዘስተየ፥ ንዝዓረቀ ዝኸደነ፥ ንዝሓዘነ ዘጸናንዐ፥ ብዓይኒ ዘይተራእየት ብልቢ ሰብ’ዉን ዘይተሓስበት እግዚአብሔር ንፈተውቱ ጥራይ ዘዳለዋ ሓዳሽ ምድሪ የውርሶ። ኣምላኽ ቅዱስ ሩፋኤል ጐይታ ኢየሱስ ክርስቶስ “ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” ኢሉና እዩ።/ማቴ.10፡40-42/
እምበኣር ኦ! ኣሕዋትና ምስጋና ናብ ዝግብኦ ናብ እግዚአብሔር ለምኑ ምእንቲ ካብ ጥፍኣት ከድሕነኩም ዘውትር ተማሕጸኑ። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል በብጊዜኡን በብዕለቱን ንዘለዓለምን ምስኩላትና ይኹን ኣሜን።!
ዐርኬ፦
አሀዱ ንጉሥ በኃይለ ሩፋኤል ዘተፀምደ፣
በስመ ሩፋኤል ሐኒፆ መቅደሰ አዳመ፣
አንበረ ወርቀ ለዘይፈቅድ ክመ፣
ለሰብአ በርበር ወቍዝ ኅሠሥተ በርብሮ ኤላመ፣
በኅይለ ግርማሁ ሜጦሙ ሩፋኤል ፍጹመ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ወርሒ ነሓሰ 19ተአምሪሁ ለቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክቲ ዜናዌ ፍስሐ ወሐሴት ጸሎቱን ...
25/08/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ወርሒ ነሓሰ 19
ተአምሪሁ ለቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክቲ ዜናዌ ፍስሐ ወሐሴት ጸሎቱን በረከቱን ምስ ኵላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን ኣሜን።!
ኣብ ሓደ ዓዲ ኣብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ዝነብር ሓደ ኤጲስ ቆጶስ ነበረ። ኣብ ሓደ ዓቢይ በዓል ድማ ቅዳሴ ኣብ ዝገብረሉ ጊዜ እቲ ህዝቢ ኵሉ ተኣኪቡ ከሎ ቃል እግዚአብሔር ይምህሮምን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ክብሩ የረድኦምን ነበረ።
ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ዕብየቱ ኣብ ዘድንቕሉ ዝነበሩ ጊዜ፥ ሰባት ሓደ ብናይ ርኹስ መንፈስ ዝተኣስረ ሕሙም ሒዞም መጹ። ሒዞሞ ድማ ኣብ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ቤተ ክርስቲያን ውሽጢ ኣብ መንጐ ክልተ ኣዕኑድ ኣንቢሮም፥ ብቅድስት ስላሴ ስም ምስጋና ኣቕሪቦም፥ ኢድ ነሲኦም ገዲፈሞ ከዱ። ኣብኡ ዝነበሩ ሰባት ኣብ መንጐ ኣዕኑድ ተደርብዩ ዝነበረ ድውይ እንዳጠመትዎ ከለው ካብቲ ዓንዲ ዝፈሰሰ ዘይቲ ኣዝዩ ጥዑም ጨና ተቀቢኡ ረኣይዎ። በዛ ሰዓት እዚኣ ድማ ካብ ሕማሙ ሓውዩ ብእግሩ ደው በለ።
እቲ ተኣኪቡ ዝነበረ ህዝቢ ኵሉ ድማ በቲ እግዚአብሔር ዝገበሮ ዓቢይ ተአምራት ምስ ረኣዩ ምስጋና ኣቕረቡ። ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ድማ ኣኽበርዎ።
ነቲ ዝደሓነ ሰብ ቐሪቦም ክርእይዎ፥ ኣብ’ቲ ማእከል ዝነበሩ ሰባት እንዳ ተጸቓቐጡ፥ ብጉያ ሓደ ኣብ ርእሲ ሓደ ክሳብ ዝወድቁ እንዳ ተቐዳደሙ ከዱ።
እቲ ጋኔን ሓዲርዎ ዝነበረ ሰብ ካብ ማእከሎም ተንሲኡ ከም ፈረስ እንዳጐየየ ክኸይድ ከሎ። እቶም ሰባት ድማ ኣዝዮም ተደነቑ(ተገረሙ) ንእግዚአብሔር ኣመስገንዎ። ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ድማ ዓቢይ ኣኽብሮት ሃብዎ።
ንኵላትና ብጥምቀት ውልድነት ዝረኸብና በረኸቱ ንዘልኣለም ምስ ኵላትና ይኹን።አሜን!
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ናይ ወርሒ ነሓሰ 19
ጢሞቴዎስ ሰማእት ንቍልቍልያኖስ መኰንን ናብቲ ርኹስ ጣዖት ምስጋድ ምስ ኣበዮ። ንስግኡ ቅጥራንን ዕንዲዳን ጌሮም ደፊኦም ናብ እቶን ሓዊ ከእትውዎ ኣዘዞም። ከምቲ ዝተኣዘዝዎ ድማ ገበሩ። በቲ ጊዜ እቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ ሰማይ ናብኡ ወሪዱ ካብቲ ዝተፈረደሉ መከራን ስቓይን በቲ ብርሃናዊ ክንፉ ገይሩ ኣድሓኖ(ኣናገፎ)። ጸሎቱን ረድኤቱን ምስ ኽውላትና ህዝበ ክርስቲያን ይኹን። አሜን።!
ለጢሞቴዎስ፡ ሰማዕት፡ ኣኽሊል፡ ስምዕ፡ ዘነሥአ።
ዘበክንፍከ፡ ከለልኮ፡ አመ፡ ውስተ፡ እሳት፡ ቦአ።
ረዳኤ፡ ግፉዓን፡ ገብርኤል፡ እንበለ፡ ትኅሥሥ፡ መርድአ።
አስተአፅብ፡ መንክራቲከ፡ ወኂሩተከ፡ ሰሙዐ።
እምነ፡ ገፋዒ፡ ትባልሕ፡ ኪያየ፡ ግፉዐ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ክቡር መልኣኽ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ  ብእሳት ዝተሳእለ ምስጋንኡ ልዕሊ ባሕሪ ቅድስንኡ ከም ነጐድጓድ ዝ...
18/08/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ክቡር መልኣኽ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናይ ወርሒ
ብእሳት ዝተሳእለ ምስጋንኡ ልዕሊ ባሕሪ ቅድስንኡ ከም ነጐድጓድ ዝድምጹ። ወትሩ ኣብ ቅድሚ ሰረገላ መፍርሕ ናይቲ ልዑል ዝቀውም እንዳ ሰገደ ከኣ ንኩሉ ትውልድ ምሕረት ይልምን ።
ሓይሊ ጸሎቱ ካብ ደብዳቤ ሞት ይባልሃና። ካብ ገጽ እቶም ዝኸቡና ጸላእትና ከኣ የድሕነና። ብዝሒ ልማኖኡ ነቶም ጽሉሙታን እኩያት ኣጉናድ ሰራዊት ቤልሆር ይቆርጸልና። ንኩላትና ደቁ ከኣ ይብጽሓና። በታ ዓባይ ማዓልቲ ከይንሓፍር ኢዱ ዘርጊሑ ይባርኸና። ካብ ሕጂ ክሳዕ ዘለኣለም ብኵሉ መዋእል ንኹሉ ትውልዲ ካብ ሲኦል ማዕበል ይባልሃና ንዘልኣለም ኣለም ኣሜን።
ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ነበረ። እዚ ሰብኣይ’ዚ ብርቱዕ ሕማም ደዌ ዝነበሮን ክልቲኤን ኣዒንቱ ከኣ ዕውራት ነበራ። ከምዚ ኢሉ እንዳ ተሳቀየ ከሎ ከኣ ናይ ክቡር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት በዓል በጸሐ። እቲ በዓል ከኣ ዓሰርተ ክልተ (12) ሕዳር ነበረ። ንኹሎም ደቁን ቤተሰቡን ከምዚ በሎም “ንዑናይ ንኺድ ናብ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ቤተ ክርስቲያኑ እቲ ክቡር በዓሉ ቀሪቡ ስለ ዝኾነ” በሎም። “ኣብታ ሰማያዊት ኢዮሩሳሌም ምስ ኩሎም ቅዱሳን ምእንቲ ክነብር። ብሓጐስን ብደስታን ኣብ ማኣዲ መርዓዊ ምእንቲ ክንሳተፍ፥ ካብ ጽዋዕ ሕይወት ከኣ ክንሰቲ” በሎም። በቲ ሽዑ ጊዜ ከኣ ነቲ ኣዕንቱኡ ዝዓወረ ሰብኣይ ወሰድዎ። መሪሖሞ ከኣ ናብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብቲ በዓሉ ኣብጸሕዎ። በታ ለይቲ እቲኣ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል ክጽሊ ሓደረ። ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ወንጌል ክንበብ ከሎ ከኣ ተንሲኡ ጠጠው ኢሉ ኣእድዉ ዘርጊሑ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ብብዙሕ ብካይን፥ ብዓብይ ገዓርን፥ ንብዓትን ብዘይ ምቁራጽን፡ ብብዙሕ ምቑዛም፣ ከምዚ ኢሉ ጸለየ።
“ኦ! ጐይታይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ንስኻ ኢኻ ኵሉ ጊዜ ምእንቲ ደቂ ሰባት ኢልካ ትልምንን ተታዓርቅን ካብ እግዚአብሔር ለሚንካ ምሕረት እተውርድ። ሕጂ ከኣ ናባኻ ይጽልን ይልምንን ኣለኹ። ንስኻ ድማ ምእንታይ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ጸሊ። ምእንቲ ብርሃን ክህበኒ፥ ንዓዕይንተይ ድማ ክሕውየን ንሱ ኵሉ ይካኣሎ እዩ። ኣቀዲሙ ስጋ ሰብ ለቢሱ ኣብ ምድሪ ክምህር ከሎ ብዙሕ ተኣምር ገይሩ እዩ። ብዙሓት ድውያን ፈዊሱ፥ ሙውታን ኣተንሲኡ፥ ኣዕንቲ ዕውራት ኣብሪሁ፥ ነቲ ካብ ማህጸን ኣዲኡ ብዕዉሩ ዝተወልደ ከኣ ብርሃን ሂብዎ። ሕጂ ከኣ ፍቓድካ ኮይኑ እንተ ለሚንካዮ ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ። ኣነስ እፈልጥ እየ ካብዚ ሕማመይ ከም ዝሓውን ኣዕንተይ ከኣ ብርሃን ከምዝርእን። ሕጂ ከኣ እንተ ሓውየ ብፍስሃ ከኣ ንገዛይ እንተ ተመሊሰ። መብጽዓ ይኣትወልካ ኣለኹ።
በብወርሑ ብዕለት (12) ዓሰርተ ክልተ ተዝካርካ ክገብር፥ ንቤተ ክርስቲያንካ ኣብ ዅሉ መዋእል ሂወተይ ክልኣኻ ካብዛ ዓለም ብሞት ክሳዕ ዝፍለ ከኣ ከገልግለካ እየ። ከምዚ ምስ በለ ከኣ በታ ዕለት እቲኣ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣብታ ቆይሙላ ዝጽልየላ ዝነበረ ቦታ ድቃስ መጺእዎ ደቀሰ። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ድማ ቅዱስ ሚካኤል ብርሃን ተወንዚፉ እንዳ ኣንበልበለ ናብኡ መጽአ ነታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብርሃን መልአ።
ኣብ ሊዕሊ ርእሱ ከኣ ተራእዮ ነቲ ሰብኣይ ከኣ ካብ ድቃሱ ኣተንስኦ። ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእኽቲ ከኣ ከምዚ በሎ “እንሆ እግዚአብሔር ፈዊሱካን ንዒንትኻ ከኣ ብርሃን ሂቡካ እዩ። ግን ዝኣተካዮ መብጽዓ ኣይትረስዕ።” በሎ ።
ከምዚ ኢሉ ድማ ኢዱ ዘርጊሑ ኣዕይንቱ ዳህሰሶ። ካብ ኣዕይንቱ ከኣ ከም ቅርፍቲ ዕንጨይቲ ዝመስል ወደቀ። ቀትሪ ምስ ኮነ ከኣ ኣዕይቱ በሪሀን ከምቲ ቅድም ዝርእዮ ዝነበረ ብርሃን ረኣየ። ብፍስሃን ብሓጐስን ከኣ ንእግዚአብሔር ኣሞስገኖ። እቶም ኣብቲ ቤተ ክርስቲያን ተኣኪቦም ዝነበሩ ሕዝቢ ከኣ ነዚ ተኣምር እዚ ምስ ረኣዩ ንእግዚአብሔር ኣመስገንዎ። ንቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መለእክት ከኣ ኣዕበይዎ ነቲ ብባህርይኡ ምስጉን ዝኾነ እግዚአብሔር ከኣ ባረኽዎን ኣመስገንዎን። እቲ ዝሓወየ ሰብ ከኣ ንቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት እንዳ ተላእከ ክሳዕ ጊዜ ዕረፍቱ ነበረ። ምስ ዓረፈ ከኣ ናብ መንግስቲ ሰማያት ብኣማልድነት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኣተወ።
ንዓና ንኹልና ሕዝበ ክርስቲያን ከኣ ካብ ናይ ሰይጣን ተቃራኒ(ተጻራሪ) ይሓልወና። ንዘላኣለም ኣለም ኣሜን ።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!።
ኣብ ዓስርተ ክልተ (12) ነሓሴ፡ እዚ ዕለት ዝክሩ/በዓሉ/ ናይ ክቡር መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት እዩ። በዚ ዕለት እዚ ንንጉስ ቆስጠንጢኖስ ጻድቅ ኣብ ሃገረ ሮሜ ተራኣዮ። ንጸላእቱ ክስዕሮም ድማ ሓይሊ ሃቦ። መንግስቱ ከኣ ጸንዐት። ኣብያት ጣዖት ድማ ኣፍሪሱ፥ ኣብያተ ክርስትያናት ሃነጸ። ብፉሉይ ክብሪ ከኣ ሰለሞ። ናይ ቤተ ክርስቲያን መመሃራን ከም ዝኣዘዙና ንግበር በዓሉ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት በብወርሑ ኣብ ዓሰርተ ክልተ (12)። ኣማላድነቱ ምሳና ይሃሉ ። ለዓለም ዓለም ኣሜን ።

ስላም ፡ ለከ ፡ መልኣከ ፡ ኪዳኑ ፡ ወምክሩ።
ለእግዚአብሔር ልዑል ፡ ዘግሩም ፡ ግብሩ።
በረድኤትከ ፡ ረዋጼ፡ ዘአሠረ ፡ ነፋስ ፡ አሠሩ ።
ሶበ ፡ ላዕሌየ ፡ እኵየ ፡ መከሩ።
ጉባዔ፡ፀርየ ፡ ሚካኤል፡ ዝሩ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።!!!"ኦ! እግዚአብሔር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።"/መዝ. 132፡8/ዝኸበርኩም ህዝበ እግዚአብሔር ቤተ...
06/08/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን።!!!
"ኦ! እግዚአብሔር፣ ንስኻን ታቦት ሓይልኻን ተንስእ፣ ናብ ቦታ ዕረፍትኻ ንዓ።"/መዝ. 132፡8/
ዝኸበርኩም ህዝበ እግዚአብሔር ቤተሰብ እታ ተፈታዊት ካብ ጽባሕ ዓርቢ ብግእዝ ዕለት ፩ ነሓሰ ፳፻፲፰ ዓ.ም.ግእዝ ክሳዕ ቀዳም ፲፭ ነሓሰ ፳፻፲፰ ዓ.ም.ግእዝ (ብፈረንጂ ድማ 07/08/2026 ክሳዕ 22/08/2026 ዓ.ም.) እዩ።
ጾምና ንኃጢአትና መደምሰሲ መንግስተ ሰማያት መውረሲ ይግበረልና።
ብሩኽ ምጅማር ጾም ይግበረልና።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!። ተኣምር ናይ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ናይ ወርሒ ሓምለ 19ኣብ ኒቂሎን ብብስራትን ረዲኤትን ቅዱስ ገብርኤል ካህን ኣዉር ዝተባህ...
26/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!።
ተኣምር ናይ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ናይ ወርሒ ሓምለ 19
ኣብ ኒቂሎን ብብስራትን ረዲኤትን ቅዱስ ገብርኤል ካህን ኣዉር ዝተባህለ ቤተ ክርስቲያን ሃኒጹ ምስ ወደአ። ኣቡኡ ሰፈር ኣጋይሽን መቀመጢ ስፍራ ዘኽታማትን ኣማሊኡ’ሉ ነበረ። ኣብ’ዚ ንዝሃንጹ ዝነበሩ ጸላኤ ሠናያት ብኣምሳል ዓቢይ መነኮስ ወዲ 100 ዓመት ተመሲሉ፥ ስፍራ ከም ዘይብሉ ቦታ ዝስኣነ ተመሲሉ መጺኡ ከም’ዚ በሎም። ``ናይ'ዚ ስፍራ ሓለቓ መን ይበሃል፧ ኣብ'ዚ ክቅመጥ ደልየ።`` በሎም። ንሳቶም ድማ ኣዉር እዩ በልዎ። ንሱ ድማ ናብኡ ዉሰዱኒ ብምባል ናብኡ ከደ። ፈሊጡ ኣብ ጥቅኡ ምስ በጽሐ ድማ ወደቀ'ሞ ``ክቡር ወደይ ኣነ ከምዚ ትርኤኒ ዘለኻ ሽማግለ እየ። ስለዚ ሰፈር ቦታ ስለዘይብለይ ኣብ’ዚ ምስዞም መነኮሳት ቦታ ክትህበኒ ይሓተካ ኣለኹ። ትርኤኒ'ውን ኣለኻ ረዳኢ ዘይብለይ ይወድቕን ይድገፍን ኣለኹ። ዕድመ ንእስነተይ ተወዲኡ፥ ኣዒንተይ ደኺሙ፥ ኣእጋረይ ድማ ፈዚዘን እየን ዘለዋ።`` በሎ። ካህን ኣዉር ድማ ብጣዕሚ ሓዘነሉን ደንገጸሉን ከምዚ ድማ በሎ “ነዓ ኣብ'ዚ ኵን ኣነ ባዕለይ ክረድኣካ እየ። ዝደለኻዮ ድማ ባዕለይ ክቕርበልካ፥ እትደልዮ ድማ ኣይትስእንን ኢኻ።” በሎ።
ብድሕርዚ ሰይጣን እቲ ኣረጊት ሰብኣይ ተመሲሉ ዝኣተወ ``ዝወደይ ብዘይ ክፊሊት ክነብር ዝግብኣኒ ኣይኮነን። ኢደይ’ዉን በዓል ጽቡቕ ኣይኮነን። ስለዚ ትርኤኒ ኣለኻ ኣነ ቀደም ንብዙሓት ይሕግዝን ይረድእን እየ ነይረ። መነኮስ ንነብሱ ጥራይ ክረድእ የብሉን። ንብዙሓት ነብሰይ ገዲፈ ሓጊዘ'የ ስለዚ መነኮስ ልዕሊ ነብሱ ንብጻዩ ከፍቅር ኣለዎ።`` በለ። በዚ ዝበሎ ነገር ኵሎም ተገረሙን ብጣዕሚ ተደነቁን እንተኮነ ልሳኑ ዳኣሉ ጽቡቕ ዝዛረብ ዘሎ እንበር ዉሽጡስ ንክፍኣት ዝነቐለ እዩ ነይሩ። ኣዉር ድማ ስራሕ ዝፈቱ ካብ ኮነስ ኢሉ። ማይ ቀዲሑ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ከብጽሕ ፈቀደሉ። ነቲ ማይ ዘማላሉሱሉ ዝነበሩ ዕትሮ ኣብ’ቲ ቀጽሪ ምስ በጽሐ ይሰብሮን የዉድቆን፥ ነቲ ማይ'ውን የፍስሶ ነበረ። እቶም ወረድቲ ማይ ድማ ደኸሙ።
ነዚ ዝገብሮ ዝነበረ ግን እቲ ማይ ክውዳእ። እቲ መመላለሲ ክዉዳእን እሞ ብሰንኪ እዚ ቤተ ክርስቲያን ካብ ዘለዎ ስራሕ ጠጠው ክብል እዩ ኔሩ ዕላማኡን ድሌቱን። ምኽንያቱ ድማ ኣዉር ብዙሕ ቤተ ክርስቲያን ይሃንጽ ስለ ዝነበረ'ዩ። ብድሕሪኡ'ዉን ምስቶም እምኒ ዝፍንቁሉ ቦታ ቀየረሉ።
እተኮነ ነቶም ሰባት'ዉን እምኒ እንዳ ወደቀ ይሰብሮም ነበረ። ንሓደ ካብቶም ሰባት ዓብይ እምኒ ኣልዒሉ ጸቀጦ ሰብ ከልዕሎ ዘይክእል እምኒ ስለዝነበረ እቲ እምኒ ኣንከራርዩ ዳግማይ ን2 ሰባት ቀተለ። ከም ሰብ ድማ እዚ ኵሉ ግብሩ ርእዩ ኣእወየ እሞ ከም’ዚ በሎም። ``ስምዑ ኣብ’ዚ ቦታ ሓደ ሕማቕ ተጻባኢ ኣሎ። ስለዚ እዚ እምኒ ሰባት ካብ ቀተለልና ነዚ ገዲፍናዮ ንኺድ’ሞ ብዓቢኡ ነቲ ምህናጽ ነቋርጾ። ማለት ሰባት ፍጡራት እግዚአብሔር ካብ ዝጠፍኡናስ ህንጻ ጠጠዉ ይበል።`` ክብል ተዛረቦም። ብድሕር'ዚ እቲ ኣስራሒ መጸ ኵሎም ሰራሕተርኛታት ናብኡ ተኣከቡ ሰይጣን ከምስል ብቁልጡፍ ኣብ እግሩ መጺኡ ተደፍአ ሰላምታ ሃበ። ``ስማዕ ጐይታይ ንስኻ ኣብ ትሕቲ ንጉስ ተሰማዕነት ኣለካ። ስለዚ በዚ ኣብዚ ኮይኑ ዘሎ ቅትለት ነፍሲ ረአ። ሎሚ እምኒ ወዲቁ ሓደ ካባና ቀተለልና። እግዚአብሔር እኳ ነገስታትን፡ መራሕትን ሰበስልጣንን ከንግስ እንከሎ ንህዝቢ ዝሓልዩን፡ ዝርህርሁን ኢሉ እዩ። ጐድኒ ጐድኑ ከኣ ንህዝቢ ዝብድልን ዘጥፍእን ዝቀጽዕን እዩ።
ስለዚ ነዞም ንቤተ ክርስቲያን ዝሃንጹ ዘለዉ ከቃርጹዎ እንተዘይ ኣዚዝካ ብዙሕ ሰብ ክጉድኣናን ክህሰየናን እዩ።`` በሎ። ብድሕር’ዚ ተታሓሒዞም ናብ'ቲ ዝሞተ ሰብኣይ ብሓደ ከዱ። ንኣውር ኣሲሮም ተሸኪሞም ናብ ቅድሚ ንጉስ ክወስድዎ ኣዘዘ። እንተኾነ እቶም ማሕበር ህዝቢ ኣውር ንቁሩብ ጊዜ ምስኦም ክጸንሕ ነቲ ሓለቓ ለመንዎ። ኣውር ድማ ካብ'ዚ መከራ ከድሕኖ ናብ እግዚአብሔር ይጽሊ ነበረ። ከምዚ ኢሉ እንከሎ ብርሃናዊ ኣብሳሪ ብስራት መልእክ ቅዱስ ገብርኤል ወሪዱ "ኦ! ፍቁረይ ኣዉር ኣይትሕዘን ነብስኻ እዉን ኣይተድከም። ስለ'ዚ ኬድካ ነቲ ኣረጋዊ ሰብኣይ ሓዞ። ንሱ መን ምኾኑ ክትፈልጥ ኢኻ" በሎ። ቅዱስ ገብርኤል ድማ ንኣዉር ነቲ ሰይጣን ኣሲሩ ሃቦ። ሰይጣን ድማ ኣእወየ ብዙሕ ገዓረን ከምዚ ድማ በለ። ``ኣነ ካብ ጥንቲ ጀሚረ ጸላኢኻ ተጻባኢ ናትካን እየ። ነዞም ሰለስተ ሰባት ዝቐተልኩ'ዉን ኣነ እየ። ስለዚ በጃካ ኣዉር ሓይለይ ኣድኪምካኒ ኢኻ። መሓረኒ፥ ግደፈኒ ካብ ማእሰርቲ ፍትሓኒ ክብል ለመኖ።``
ኣዉር ናይቶም ዝመቱ ጸጋ ሪኡ ነቲ ሰይጣን ኣባረሮ። ንሳቶም ግን ብጸጋ ናብ ፈጣሪኦም ተማዕቖቡ። ብድሕር'ዚ ንጉስ ንኣውር ኣብ ኔቅሎን ከይወጽእ ክቕመጥ ፈቐደሉ። ስለዚ በዚ ወርሒ ኣብ መበል 26 መዓልቲ ነታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብጽቡቕ ኣወቂቡ ሰሪሑ ኣመረቐ። እቲ ህዝቢ ንኣውር እንዳ ወደሰ ንእግዚአብሔር ድማ ኣመስገንዎ። ብድሕር'ዚ ብርሃናዊ መልኣክ ወሪዱ "ኦ! ኣውር ሕጂ ብስራት ናይ ሓጐስ ከበስረካ እየ። ኣነ ብኵሉ ጻዕርካን ስራሕካን ተሓጒሰን ደስ ኢሉንን እዩ። ንኣምላኸይን ፈጣርየይን ስሌኻ ምእንቲ ናይ ክብሪ ቦታ ክህበካን ከዳልወልካን ቤት ክሃንጸልካን ኣብ ሰማይ እቲ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ ስፍራ፥ ብሰባት’ውን ዘይተሃንጸ ቦታ ክትወርስ ለሚነዮን ንዓካ'ውን ተዳልዩልካ ኣሎን። ኣብ'ዚ ንስካ ዝሃነጽካዮ ቤት ዝመጸን ዝለመነን ብጸሎትካ ክመሓር እዩ።`` በሎ። ብድሕር'ዚ ኤጴስ ቆጶስ ኣውር ኣሪጉ ስለዝነበረ ንዮሓንስ ጸዊዑ። ``ኣነ ኣሪገን ሸምጊለን እየ። ስለ'ዚ ጊዜ ዕረፍተይ'ውን ኣኺሉ ናብ ኣቦታተይ ዝኸደሉ ጊዜ'ውን ስለ ዝበጽሐ፥ ንዓካ ክጽውዕ ዝነገረኒ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መልኣከ ብስራት እዩ።
ኣነ ምስ ዓረፍኩ ዝኾነ ነገር ጻዕዳ ዓለባ ኮነ ወርቂ ኣይትግብሩለይ። ኣነ ኃጥእን በደለኛን እየ። ኣብ ጐድኒ ቤተ ክርስቲያን ወሲድኩም ቅበሩኒ። ብዕለት 19 ወርሒ ሓምለ ጸዊዑ። እቲ ዝበልኩካ ፈጽመለይ። ኣነ ግን እፈርሕ ኣለኩ። ብግብረይ ዘይበቅዖ መዓርግ ሽመት ሒዘ ጸኒሐ ጽቡቅ ግብር'ውን ኣይገበርኩን። ነቶም አግብርተ እግዚአብሔር'ውን ኣይጓሴክዎምን። ካብ ጸላኢ ድያብሎስ'ውን ኣየውጻእክዎምን እየ ዝነበርኩ።`` ኢሉ እንዳ ነገረኒ ጊዜ ዕረፍቱ ኮነ። ኣነ ዮሓንስ ድማ ነቲ ዝበለኒ ፈጸምኩሉ። ኣብ ጐድኒ ቤተ ክርስቲያን ድማ ቀበርክዎ። ባዕለይ ድማ እቲ ዝበለኒ ኵሉ ፈጽምኩሉ።
ነቲ ኵሉ ታሪኹ ድማ ጸሓፍኩሉ ክብረ በዓሉ ድማ ክኽበር ከም ዘለዎ ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ገበርኩ። እምበኣር ``ኵሉኹም ኣመንቲ ጸበል ኣብ እትገብርሉ ጊዜ ዘክታማትን ድካታትን ጸውዑ። ምክንያቱ መላእኽቲ ኮኑ ቅዱሳን ክብሪ ከውሁቡና እዮም። ኣብ ሰማይ ምስጋና ንስሉስ ቅዱስ ንኣብ ንወልድ ንወመንፈስ ቅዱስ ይኹን።`` በልክዎም። ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ድማ ብምሕረት ክድግፈና፥ ሓይሊ ጸላኢ ከርሕቀልና፥ ዝዘራእንዮ ንበረኸት ንፍረ ክኸውን፥፡ ንጽጉማት እንረድኣሉ፥ ወሓይዝ ሩባታት ድማ ክሳዕ ዓቐኖም ክውሕዙ፥ ንከይጐድኡና። ኣብሳሬ ጥዑመ ዜና ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ይሓልወና። ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ብጸሎታ ትሓግዘናን ትሓልወናን፡ ጸሎትን በረከትን ናይ ሊቀ መላእክትን ናይ ቅዱስ ሊቀ ጳጳስ ኣውርን ኣይፈለየና። ኣሜን።!
ዘተራዳእኮ፡ ገብርኤል፡ ለዘሕንፃ፡ መቅደስ፡ ወጠነ።
በማዕሠረ፡ ሓፂን፡ ወብርት፡ እንዘ፡ ተአሥር፡ ሰይጣነ።
አጽራርየ፡ አመ፡ ወገሩ፡ አዕባነ።
መንገለ፡ ሀሎኩ፡ አነ።
እስከ፡ ይከሥቱ፡ ኪዳኖሙ፡ ዓይነ።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን!።

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ   ዝገበሮ እዚ እዩ።ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ፈታሒ ማሕጸን  ንወላድያን ንጹሓት ብእ...
20/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ኣብ ዝገበሮ እዚ እዩ።
ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ፈታሒ ማሕጸን ንወላድያን ንጹሓት ብእግዚአብሔር ዝኣመና፥ ኣብ ልዕሊ ሓንቲ መበለት ዝገበሮ ተኣምር። ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩላትና ይኹን ንዘልኣለም ዓለም ኣሜን።!
በዚ ናይ’ዚ ዓለም እዚ ንብረት ሓንቲ እኳ ዘይነበራ እንተኾነ ግና ብምግባረ ሰናይ ዝተፈልጠት ሓንቲ መበለት ኣብ ሓንቲ ሃገር ትነብር ነበረት። ቤታ ድማ ኣብ ጥቓ ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ቤተ ክርስቲያን ነበረ። ጥምየት ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ድማ እዛ መበለት ክሳዕ ናብ ሞት ክትበጽሕ ደለየት። ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ድማ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅዱስ ሩፋኤል ጠጠው በለት።
“ኦ! ንሽግረይ ጠሚትካ ኣብ ልዕለይ ለውሃትካ ምእንቲ ክግለጽ ንዓይ ንባርያኻ ናብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ኣማልደለይ፧” እናበለት ለመነት። በታ ለይቲ እቲኣ እዛ መበለት ደቂሳ ከላ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ብራእይ ተገሊጹ ካብ ድቃሳ ኣበራበራ(ኣተንሰኣ)። “ኣንቲ ሰበይቲ እግዚአብሔር ዝሃበኪ ነቲ ኣብ ዕትሮኺ ዘሎ ምእንቲ ክትርኢዮስ ተንስኢ” በላ። ከምዚ ብምባል ድማ ሰለስተ ሳዕ ደጋጊሙ ተዛረባ።/2ይ ነገ.4፡4-8/ ሽዑ እታ መበለት ተንሲኣ ቅዱስ ሩፋኤል ከም እተዛረባ ቐኒዓ ረአየት። እኽሊ መሊኡ ድማ ረኸበቶ። ዓቢይ ሓጐስ ድማ ተሓጐሰት።
ብናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሩፋኤል ዝገበርካለይ ንእግዚአብሔር እንታይ ዋጋ ክኸፍል እየ ብምባል ንእግዚአብሔር ፈጺማ ኣመስገነት። ጸሎቱን በረኸቱን ናይ ሊቀ መላእክት ምስ ነፍሳት ኣቡነ ብርሃነ ማርያምን ኣዴና ወለት ጻድቅን ይሃሉ ንዘልኣለም ዓለም አሜን።!

ዐርኬ፦
ኦ ዘይሁበ ዝናመ ለሣዕር፣
ወእክለኒ ለሴስዮ ኵሉ ፍጡር፣
አምላክ ሩፋኤል ሕያው እግዚአብሔር፣
በትንብልናሁ ለሩፋኤል ክቡር፣
በቤተ መበለት መልዐ በረከት ምድር።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ናይ  ተፈጥሩኡ ነደ እሳት ዝኾነ ቀዳማይን ተኸታልን ዘይቡሉ ናይ እግዚአብሔር ኣጋልጋላይ ዝኾነ ማዕሩጉ ልዕል ዝ...
19/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ቅዱስ ሚካኤል ናይ
ተፈጥሩኡ ነደ እሳት ዝኾነ ቀዳማይን ተኸታልን ዘይቡሉ ናይ እግዚአብሔር ኣጋልጋላይ ዝኾነ ማዕሩጉ ልዕል ዝበለ ከናፍሩ ናይ ምስጋና መፍሰሲ ዝኾነ ካብ ዘረቡኡ ናይ ሓዊ ብልኾታ (ነጸብራቓዊ ሓዊ) ዝወጽእ፥ መጐናጸፊኡ እሳት፡ ልብሱ ኣሳት፥ ብነበልባል ሓዊ ዝተሸለመ፥ ናይቶም ጸለእትና ድኹማት ሰራዊት ሳጥናኤል፥ ዝዓጽደሉን ዝቐዝፈሉን ናይ ስላሴ ሴይፍ ብኢዱ ዝሓዘ ናይ መላእክት ሓለቓ ቅዱስ ሚካኤል ዝገቦሮ ተኣምር እዚ እዩ።
እቲ ክቡሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ፍላጻ ጸላኢ የድሕነና። ጥዑም ድምጺ ዜማ ዘለዎ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ኣብ ኣርያም ብኣኽናፉ ዝመላለስ ካብ ናይ ጸላኢ ፍላጻ፥ ካብ መኣሰርቲ ሲኦል፥ ካብ ኣፍ በላዒ ተኹላ ርጉም፥ ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሕሱም የድሕነና ለዓለም ኣለም ኣሜን።!
ኣብ ሓንቲ ሃገር ሓደ ክርስቲያናዊ ሰብኣይ ነበረ። ካብ ዕለታት ሓንቲ ማዓልቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ዝኽበረሉ ዝነበረሉ ዕለት እዚ ፍጻሜ ተፈጸመ፡፡ ኣብ ቅዳሴ፡ ኤጲስ ቆጶሳት፡ ቀሳውስት፡ ዲያቆናት፡ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ ቅዳሴ ዝፍጸመሉ ዝነበረ ጊዜ፥ ኣመንቲ ክርስቲያን ዝኾኑ ብዙሓት ሰባት፥ ስጋኡን ደሙን ንምቅባል፥ ሕግን ስርዓትን ብዝሓዘ መሰረት ደው ኢሎም ነበሩ።
ናይ እግዚኣብሔር ወልድን፥ ናይ ኣምላኽነቱን ነገር ዝገልጽ ቓል ወንጌል ኣብ ዝንበበሉ ዝነበረ ሰዓት ርኹስ መንፈስ ዝሓዶሮ፥ ንቡዝሕ ዘመናት፥ ብኡኩያት ኣጋንንቲ ዝተፋላላየ ዝሳቀ ዝነበረ ሓደ ሰብ መጸ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ድማ ኣተወ። ኵሉ ህዝቢ’ውን ይርእዮ ነበረ። ብኣዝዩ ሓያል ድምጺ ብዝስማዕ ከምዚ ኢሉ ገዓረ። “ኦ! ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ መሕደርየይ ኣውጺእኻ ኣባሪርካኒ ክሳብ ሕጂ ድማ ካብ ምስ ብጾተይ ዝጽጋዓሉ ኣውጺእካ የንከራትትን የዕነንን ኣለኹ። ኦ! ሊቐ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ጐይትኡ ዝኾንካ ካብ ስልጣንካ ናበይ ክኸይድ፧ ካብ ቅድሜኻ’ከ ናበይ ክሕባእ፧ ካብ ኢድካ ክሃድም ኣይክእልን። ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድሪ ንላዕሊ፥ ኩሉ ቦታታት፥ በዓርባዕቲኡ መኣዝን ኣውጺእካ ሰዲድካኒ። ስምካ ኣብ ዝጽዋዓሉ ቤተ ክርስቲያንካ ኣብ ዝተሃነጸሉ ቦታ ኵሉ ምእታው ከሊእካኒ።” እንዳ በለ ኣብቲ ናይ ቤተ ክርስቲያን ምእመና ዝተኣከቡሉ ርኹስ መንፈስ ብዓቢ ድምጺ ኣእወየ።
በዚ ጊዜ’ዚ ድማ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወረደ። ብርሃን ለቢሱ፥ ብርሃን ተጓናጺፉ ትእምርተ መስቀል ዘለዎ ናይ ወርቂ ዘንጊ ሒዙ ተራእየ። ነቲ ኣብ’ቲ ሰብ ሓዲሩ ዝነበረ ሩኵስ መንፈስ (ሰይጣን) ሒዙ ኣብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣብ ጥቃ ታቦት ብሸነክ ጸጋም ኣቒሙ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ ወገን ሰቂሉ፥ በቲ ሒዝዎ ዝነበረ መስቀል ዘበጦ። እቲ ሰይጣን ድማ ብዓቢ ድምጺ ክግዕር ጀመረ። “ወይ ኣነ! ወይ ኣነ! ብኢዱ ተተሓዝኩ ካብ ኢድካስ ብከመይ ክሃድም ይኽእል፧ ሊቀ መላእክቲ ቅዱስ ሚካኤል ብድፍረት ቤተ ክርስቲያን ምእታወይ ዓቢ በደል በደልኩ። ነገር ግን ክትፍንወንን ይቕረ ክትብለለይን በቲ ሓያል ክብሪ ዝሃበካ ብእግዚኣብሔር የምሕለካ ኣለኹ እነሆ ካብ ሕጂ ንደሓር ቤተ ክርስቲያንካ ከይኣቱ፥ ስምካ ኣብ ዝጽወዐሉ ቦታ፥ ዝክርካ ዝግበረሉ ቦታ፥ ኩሎም ብጾለትካ ዝተኣማመኑ ኵሎም ናብኦም ከይቀርብ እምሕል ኣለኹ።” ከምዚ ኢሉ ምስ ተዛረበ ኵሉ ህዝቢ እንዳረኣዮ ብዓቢ ሕፍረትን ፍርሓትን ካብ ቤተ ክርስቲያን ወጺኡ ከደ።
ካብዚ ንዳሓር እቲ ሰብ ካብ ሕማሙ ሓወየ ንእግዚኣብሔርን፥ ንቅዱስ ሚካኤልን ኣመስገነ። ናይ መላእክቲ ሓለቃ ዝኾነ ብቅዱስ ሚካኤል ኣማላድነትን ጸሎትን ብምእማን ሞተ፥ መንግስተ ሰማይ ክሳብ ዝወርስ ናይ ይቅሬታን ምሕረትን፥ ተላኣኣኺ ዝኾነ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስቲያን ብቅንዕናን ብትግሃትን የገልግል ነበረ።
ንሕና ኩላትና ብጸሎቱን ብኣማላድነቱን እንኣምን ካብ ሰይጣንን ሰራዊቱን ኣጋንንትን የድሕነና ህይወት ብዝህብ ምስጋንኡ፥ ካብ ድዌ ስጋ ካብ ድዌ ነብሲ ብተራድእነቱ ይፈውሰና። መብረቀ ስብሃት ዝተጓናጸፈ እሳት ዝኾነ ምስ ኣዕርኽቱ ምስ ኪሩቤል ኮይኑ ኣብዚሑ ይለመነና ። ህልውንኡ መወዳእታ ዘይቡሉ ነቲ ዘይምርመር ዝፋኑ ኣብ ኣርያም ዝዘርግሐ እግዚኣብሔር ጥቅሙ ብዙሕ ዝኾነ፥ ነጠብጣብ ምሕረቱ ኣብ ልዕሌና ዘፍሰሰ፥ ምሕረቱ ኣየርሕቀልና፥ ተኣምሩ ንዘንብብ፥ ኣማልድነቱ ረዲኤት ይኹኖ ኣብ ትሕቲ ክንፉ ይኸውሎ (ይሰወሮ ) ንዘልኣለም ዓለም ኣሜን ።!

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ
ብባህሪ ብህልውና ሓደ ኣምላክ ንኣምን ኣሜን ።
ናይ ቅዱስ ሚካኤል መዘከርታ (በዓል) ዝጽለን፥ ዝንበብ ድርሳን እዚ እዩ።
በዚ ዕለት እግዚኣብሔር ናይ ፋርስ ንጉስ ዝኾነ ሰናክሬብ ንኢየሩሳሌም ከቢቡዋ ኣብ ዝነበረሉ ጊዜ ሚእትን ሰማንያን ሓሙሽተን ሽሕ ሰራዊት ነብሩ።/2 ነገ.19፡35/ ንጉስ ሰናክሬብ “ካብ ህዝቅያስን ካብ ኣምላኹ እግዚአብሔርን ሕጂ ካብ ኢደይ ዘድሕነኩም መን እዩ ፧” እናበለ ፡ ናይ ብደዐ ናይ ዘለፋን ደብዳቤ ለኣኸሉ። ናይ ይሁዳ ንጉስ ህዝቅያስ ኣብ ልዕሊኡን ኣብ ልዕሊ ፈጣሪኡ እግዚአብሔርን ዝተንስአ ዘረብኡ‘ዉን ብዕብራይስጥ ክዛረብ ምስ ሰመዐ ብጣዕሚ ድማ ሓዘነ። ካብ ሓዘኑ ዝተላዓለ ማቕ ለቢሱ ህዝቡን ሃገሩን ኢዮሩሳሌምን ንምድሓን ናብ ቤት እግዚኣብሔር ኣተወ። እንዳ ወደቀ፥ እንዳ ተሰአ ክጽልን ንእግዚአብሔር ክልምንን ጀመረ። እግዚአብሔር ድማ ልማንኡን ጸሎቱን ተቀበለሉን፥ ንሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ናብ ሰናክሬብ ንጉስ ፋርስ ዝኾነ ለኣኾ። ካብ’ዚ ንኢየሩሳሌምን ንህዝቢ ይሁዳን ኣድሓኖም።
ስለዚ ናይ ቤተ ክርስቲያና ሊቃውንቲ ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል(ጸበል) ክንገብር ኣዚዞምና እዮም። ልማንኡን ኣማላድነቱን ንኹሉ ጊዜ ካባና ኣይፈለ። ንዘልኣለም ኣለም ኣሜን።!
ቅዱሳን ሰማእታታት ብተጋድልኦም ጊዜ እትረድኦም ስለ ጻድቃን እምኒ ተተሪኢሶም ኣውሊ ልሒሶም ኣብ ዱርን ኣብ ገደልን ንዘነበሩ ጻድቃን ትሕልዎም (ትበጽሖም) ኦ! ሚካኤል ንዝለምዑ ኣዝርእቲ ኣብሲልካ ንቀውዒ እትበጽሖም ጻሓይ ንስኻ ኢኻ።
ሕጂ’ውን ኣብ ትሕቲ ክንፍኻን ስልጣንካን ዘሎ ሂወት ካብ ዳግማይ ሞት ድቓስ የንቃሓና፡ የትጋሃና፡ ኣሜን።!

ሰላም ለከ ረዳኤ ቅዱሳን ሰማዕታት፣
ወሐዋጼ ጻድቃን ዕደው ዘውስተ ጾማዕት፣
ሚካኤል ፀሐይ ጥዒና ቈሪራን አዝርዕት፣
ያንቅሐኒ ወያንሥአኒ እምዳግም ሞት፣
ውስተ ክነፊከ ዘሀሎ ሕይወት።
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።! ተኣምር ናይ   ሊቀ መላእክት ናይ ወርሒ  ሓደ መዓልቲ ጸላኢ ሰናይ ሰይጣን ከም ዓቢይ ኣረጊት ሽማግለ ሰብኣይ ተመሲሉ ናብ ኣውር መ...
26/06/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ናይ ወርሒ
ሓደ መዓልቲ ጸላኢ ሰናይ ሰይጣን ከም ዓቢይ ኣረጊት ሽማግለ ሰብኣይ ተመሲሉ ናብ ኣውር መጾ’ሞ ኣውር ድማ ``ካበይ ዝመጻእካ ኢኻ`` ክብል ሓተቶ፡ ንሱ ድማ ``ኣነ ካብ ትዉልዲ ዓድኻ ኢየ መጽየ። ኣቦኻን ኣዴኻን ድማ ኣታሊሎም ሰሪቆም ገንዘብ ሂቦም ከም ዝሰደዱኻ ይፈልጥ እየ። ንስኻ ድማ ልክዕ ከም ኣቦኻ ኣብራሲት ጠንቋልን መስተሰረይን ኢኻ። እዚ ኵሉ ዝነግረካ ዘለኹ ከኣ ሓቂ እዩ። ኣነ’ዉን ትሪኤኒ ኣለኻ ከማኻ ጐበዝ ኣይኮንኩን፡ ዓብየን ሸምጊለን እየ። ብሓሶት ኮነ ብክፍኣት ድማ ንሰባት ክብድል ኣይደልን። እዚ ኣነ ዝብለካ ዘለኹ ምኽሪ ስማዕ። ስለዚ ነቲ ብዓመጻ ዝሰራሕካዮ ህንጻ ቤት ኬድካ ኣፍርሶ። ንጉስ ንዓኻ ንምቅታል ወታሃደራቱ ከይልኣኸ ከሎ። እዚ ዝብለካ ስምዒኒ።`` ኣዉር ነዚ ምስ ሰመዐ ብቅልጡፍ ከይዱ ኢዱ ዘርጊሑ ብዛዕባ’ዚ ናብ ኣምላኹ ናብ እግዚአብሔር ጸልዩ ከምዚ ድማ በለ “ኦ! ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ገብርኤል ናብ መከራን ሽግርን ኣይተርእየንን፡ ኣይትደርብየንን፡ ኣድሕነንን ባዕልኻ ሓልወንን። ኣነ ካብ ቁልዕነተይ ጀሚረ ኃጥእን በደለኛን እየ። ስለዚ ባዕልኻ ሓልወኒ ንሰይጣን’ዉን ኣሕሊፍካ ኣይትሃበኒ ክሳብ ነዚ ሒዘዮ ዘለኩ ህንጻ ዝዉድኦ’ዉን ካብ ዝኾነ ፈተና ካብ ሕማቕ ዝሓሰበ ጸላኢ ኣድሕነኒ።`` እናበለ ይጽሊ ነበረ።
ከምዚ ምስ በለ ብርሃናዊ መልኣኽ ሊቀ መላኽት ቅዱስ ገብርኤል ተገለጸሉ’ሞ “ኦ! ኣዉር ተሓጐስ ደስ’ዉን ይበልካ እግዚአብሔር ጸሎትካ ሰሚዐ እዩ። ስለዚ እቲ ሽማግለ ሰብኣይ እንተ መጺካ ኣይትፍርሓዮ ሒዝኻ ብሰንሰለት ሓጺን እሰሮ'ሞ መን ከምዝኮነ ክትፈልጥ ኢኻ።`` በሎ። ኣዉር ድማ ከምቲ ብስራታዊ መልኣክ ዝነገሮ ነቲ ሰይጣን ድማ ኣብ’ቲ ዓንቀጽ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ኵሉ ሰብ ክፈልጥ ኣሰሮን ሰቐሎን። እቲ ጸላኢ ድማ ከምዚ ኢሉ ኣእወየ “ኣምህለከ ኦ! ኣዉር በስመ ቅዱስ ገብርኤል፡ ብስም እግዚአብሔርን ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ገብርኤልን ኦ! ኣዉር ቅዱሱ ለእግዚአብሔር ፍትሓኒ በጃኻ” ክብል ገዓረን ኣእወየን። ኣቦኻ ኣብራሲት ድማ ይሰግደለይን ከም ኣምላኹ ይኣምነንን እዩ ነይሩ። ስመይ ከኣ ያዉስ ኢሉ ይጽወዓኒ እዩ ዝነበረ። ስለዚ በጃካ ኣይተሳቕየኒ ኣብ ልዕሌኻ ሕማቅ ነገር ኣይገብርን እየ ምኽንያቱ ሓይሊ ቅዱስ ገብርኤል፥ ሰለዘፍርሓኒን ኣብ ልዕሌኻ ስለ ዘሎን፥ ኣብ ኢዱ ድማ ዝተመልሐ ሴፍ ኣለዎ። ስለዚ ክትምሕረኒ እልምነካ ኣለኹ። ብሓይሊ ኣምላኽካ ከይተጥፋኒ ዳግማይ ተመሊሰ ናባኻን፥ ንዓኻ ክፍትን ኣይመጽእን እየ።`` ንሊቀ መላእክት ድማ ከምዚ በሎ። ``ኦ! ገብርኤል ኣይተሳቅየኒ፡ ይልምነካ ኣለኹ ኣነ በዚ ዕለት ኣብ ኢድካን ትሕቴኻን ትሑዝ እየ።`` እናበለ ኣእወየ። ነዚ ነገር ኣዉር ምስ ሰመዐ ፈተሖ እሞ ክኸይድ ፈቐደሉ ሰይጣን ካብ ማእሰርቱ ምስ ተፈተሐ ርሒቁ ከምዚ በለ “ኦ! ኣዉር ወዲ’ቲ ጠንቋላይ ኣብራሲት ንስኻ መን ምኳንካ ይፈልጥ እየ፡ ስድራኻ ድማ ብዙሙት ኢዮም ዝወለዱኻ። ምስ ተወለድካ’ዉን ክቐትለካ ደልየ ነይረ እየ። እንተኮነ ካብ ኢደይ እግዚአብሔር ብኢድ ሊቀ መላእክት ቅደስ ገብርኤል ጌይሩ ኣድሒኑካ። ሕጂ’ዉን ተመሊሰ ናይ መወዳእታ ጭካነይን ሓይለይን ከርእየካ። ንስጋኻ’ዉን ብብርቱዕ ከሳቕይቅካ እየ።`` በሎ። እዚ ኢሉ ካብ ቅድሚኡ ከም ትኪ በኒኑ ተሰወረ ብዒቢ ፍሓት ድማ ረሓቐ።
ብድሕርዚ ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎ “ኦ! ኣውር ናይ እግዚአብሔር ሰብ። ስለ እቲ ጽቡቕ ግብርካ ብሓጐስ ክትነብር ናብ እግዚአብሔር ክልምነልካ እየ። ሰማያዊ ቤት ድማ ኣብ ሰማይ፥ ኣብ መንበረ ቅዱሳን ክወሃበካ ብኢድ ሰብ ዘይተሰርሐ ክዕድለካ እዩ። ከምኡ’ውን ኣብዛ ዝሃነጽካያ ቤት መጺኡ ዝለመነ ድኻ ይኹን ሃብታም መልሲ ልማኖኡ ክቕበል፥ ዝሓመመ፥ ሓሙሙ ክፍወስ ዝደለየ ድማ ልማኖኡ ክረክብ እዩ። እዚ ብሓይሊ እቲ ኵሉ ዝክእል ጐይታይን ኣምላኸይን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝርከብን ጸጋ ናይ’ዛ ቤተ ክርስቲያን ዜናካን፥ ናይዚ ቤተ ክርስቲያን ተኣምርን ኣብ ኵሉ ዓለም ክስማዕ፥ ካብ ኵሉ ክፍለ ዓለም’ውን ክነግድዎ ልክዕ ከም ኣዕዋፍ ሰማይ ክበዝሑ፥ ጸሎቶም ድማ ውኵፍ ክከ’ውን እዩ። ንስኻ ድማ ነቶም ህዝቢ ኣብ እምነቶም ክጸንዑ ምጽዋቶም ከቕርቡን ኣዝዞም። እዚ ኵሉ ንዓኻ ክሕግዝን ክረድኣካን ሊቀ መላእክት ሚካኤል ካባይ ኣይተፈልየን ብሕጂ’ውን ክንምግበኩምን ክንረድኣኩምን ኢና። ሕጂ ኪድ ናብ አባ ይስሓቅ እቲ ኣብ ፊዩም ዝቅመጥ ኤጴስ ቆጶስ መልእክቲ ለኣኽ እሞ ሰነ 26 መመረቅታ ግበረሉ። እዚ ዕለት ኣብ ልዕሊ ብርሃናውያን መላእክቲ ዝተሸምክሉ ዕለት እዩ። አባ ይስሓቅ ምስ ዓረፈ ድማ ንስኻ ነቲ መንበሩ ክትክኦ ኢካ። ስለ ስድራኻን ኣሕዋትካን ኣይትሻቐል። ኣብ ቅይስ እትበሃል ዓዲ ኣለው። እንተ ሞቱ’ውን ኣብዚ ገዳምካ ክኸውን እዩ። እዚ ድማ ንዮሓንስ ነቲ እስክንድራዊ ክነግሮ እየ። ንሱ ትጉኅን ንፉዕን ቅዱስን ሰብ ናይ’ዚ ደብሪ እዩ። ኣነ ምሳኻ ኣለኩ ክሳብ ካብ’ዛ ዓለም እትፍለ።`` ኢልዎ ንሰማይ ዓረገ።

ኣውር ድማ ብጣዕሚ ተሓጐሰን ደስ በሎን ናይ እግዚአብሔር ኣምላኩ ቃል ብብስራታዊ ቅዱስ ገብር ኤል ስለዝሰምዐ። ኣውር ናብ ኤጴስ ቆጶስ ኣባ ይስሓቅ ልኡካት ሰደደ። አባ ይስሓቅ ድማ ካህናትን፡ ዲያቆናትን ሒዙ ምስ ህዝቡ ተሰንዩ መጸ። ጸሎት ብምግባር ድማ ነቲ ቦታ ብስም ስሉስ ቅዱስ አብ ወልድ መንፈስ ቅዱስ አማዕቲቡ። ብዕለተ ሰንበት ብስም ቅዱስ ገብርኤል 26 ሰነ ባሪኹ ቅዳሴ ኣዕረገ። ኣውር ድማ ስሜተ ክህነት ተቐበለ። ብዓብይ ሓጐስ ንሸውዓተ መዓልቲ ዓብይ ድግስ ተገብረ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ ምስ ዓረፈ ኵሎም ካህናትን ዲያቆናትን ህዝብን ስርዓተ ቅዳሴ ምስ ዛዘሙ ንኣውር ናብ እስክንድርያ ወሰድዎ። ኤጲስ ቆጶስ ኣብኡ ስለ ዝነበረ ሊቀ ጳጳስ ክሸመሎም ነገርዎ ንሱ ድማ ንመን ትደልዩ በሎም። ንስቶም ድማ “ኦ! ኣቦና ንስኻ ካባና ወይ ካብ ሰብ ኣይኮንካን እትደልዮ። ምሳኻ ዘሎ ቅዱስ መንፈስ ክንግረካ እዩ።” ኢሎም መለስሉ በሉ ኪዱ ድሕሪ ሰሙን ክንግረኩም እየ ኢሉ ብቆጸራ ተፈላለዩ። መልኣክ ቅዱስ ገብርኤል ተገሊጹ ንኣውር በዓል ኒቅሎን ኣብ ሃገረ ስዩም ኤጲስ ቆጶስ ጌርካ ሽሞ፥ ቅብኣዮ። ንሱ ንሓሶት እንዳ ሰዓረ። ንሓቂ እንዳ ሰዓበ ንህዝቡ ዝመርሕ እግዚአብሔር ዝመረጾ ዝሓረዮን ሰብ እዩ።`` ኢልዎ ተሰወረ። እቲ ኤጲስ ቆጶስ ድማ ነቶም ህዝቢ ጸዊዑ እቲ ዝኾነ ኵሉ ነገሮም። በዚ ድማ ተሓጐሱ ደስ’ውን በሎም። ንእግዚአብሔር’ውን ኣመስገንዎ። ብድሕር’ዚ ኢዱ ብምንባር ቀብኦ። ኣብ ልዕሊ ሃገረ ስዩም ድማ ኣውር ኤጲስ ቆጶስ ኮነ። ንቤቱ ተመሊሱ ድማ ብዙሓት ኣብያተ ክርስቲያንን፡ መንበሪ መነኮሳትን ዝኸ’ውን ገዛውቲ ሃነጸ። እዚ ገይሩ ምስ ወድኣ እቲ ዝተረፎ ገንዘብ ንድኻታት መጽወቶ። ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ሊቀ ጳጳስ ኣውር ኣይፈለየና። ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ብጽላሉ ንዅልና ውሉደ ጥምቀት ይሓልወና ኣሜን!።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ አሜን።!
ብዕለት 19 ሰነ ወርሓዊ ቅዱስ ገብርኤል ክንገብር ሊቃውንቲ ቤተ ክርስቲያን ኮነ መጻሕፍቶም ይእዝዘና። በዚ ዕለት ቅዱስ ገብርኤል ናብ ሰማዕት ቅዱስ ገላውዴዎስ ዝተላከሉ ዕለት እዩ። ገላውዴዎስ ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ቆይሙ እንከሎ። ቅዱስ ገብርኤል ከምዚ በሎ “ኦ! ገላውዴዎስ ሰማዕቱ ለእግዚአብሔር ሴፍካ ሒዝካ ናብ ፋርስ ኪድ ኢልዎ ተሰወረ። ኣብዚ እዋን ፋርስ ምስ ሮም ኣብ ዓብይ ኲናት(ውግእ) ስለ ዝነበረት ሰራዊቱ ኣምርሑ ኣብ ኲናት ተሰለፈ። ብጸላእቱ ተሳዒሩ ድማ ኣብ እሱርቤት ኣተወ። ኣብኡ ኮይኑ ድማ ብብዙሕ ብኽያት ይጽሊ ነበረ። ሊቀ መላእክት ድማ ብዓብይ ብርሃን ተገሊጹ ከምዚ በሎ። “ኦ! ገላውዴዎስ ኣጆካ ኣይትፍራሕ” በሎ። ገላውዴዎስ ድማ “ኦ! ሓያልን ርህሩህን መልኣክ ኣነ ብጣዕሚ ፈሪሐ እዚ ንጉስ ከይቐትለኒ።” ክብል ተዛረቦ። “ኣጆካ ኣይክትመውትን ኢኻ። ካብ’ዚ ንጉስ ድማ ኣነ ክሕልወካ እየ። ክፉእ ነገር’ውን ኣይክረክበካን እዩ።`` ኢሉ ናብ ሰማይ ዓረገ። ብድሕር’ዚ እታ ሰበይቲ ንጉስ ድማ ንጓላ ከተመርዕዎ ሓቲታቶ ስለ ዝነበረት ስለ ዝኣበያ ድማ ብጹኑዕ ኣብ እሱርቤት ሒዛቶ ነበረት። ብዳግማይ ቅዱስ ገብርኤል መጺኡ ``እንካ እዚ ሴፍ ሓዝ ንጸላእትካ ቀቲልካ ውጻእ`` በሎ። ንሱን ቅዱስ ቴዎድሮስን ኮይኖም ልዕሊ ክልተ ሽሕ ሰራዊትን መራሕትን መኳንንትን ሰበ ስልጣንን ቐቲሎም ወጹ። በረከተ ሰማዕታት ኣይፈለየና፥ ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ይሓልወና ኣሜን።!
ለገላውዴዎስ፡ ሰማዕት፡ ዘክብረ፡ ሰማዕታት፡ ተወክፈ።
ከመ፡ ወሃብኮ፡ ቀዲሚ፡ ዘእሳት፡ ሰይፈ።
ንስረ፡ አርያም፡ ገብርኤል፡ አንተ፡ አቅለልከ፡ አክናፈ።
ሀበኒ፡ ለገብርከ፡ ከመ፡ ቃለ፡ ነቢይ፡ ጸሐፈ።
እንዘ፡ አሐዱ፡ እምአጽራርየ፡ ከመ፡ እሰድድ፡ እልፈ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት   ኣብ ወርሒ  #ሰነ ዝገበሮ እዚ እዩ።ሊቀ መላእክት ፈዋሲ ቑስሎም ንደቂ ሰባት ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ...
20/06/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ሊቀ መላእክት ኣብ ወርሒ #ሰነ ዝገበሮ እዚ እዩ።
ሊቀ መላእክት ፈዋሲ ቑስሎም ንደቂ ሰባት ካብ እግዚአብሔር ምሕረት ዝልምን ጸሎቱን በረኸቱን ኣባና የጽልል ንዘልኣለም ዓለም ኣሜን።!
ካብ ፍቓድ ልዑል እግዚአብሔር ዝተላዕለ ኣብ ውሽጣ ተኣምራት ዝግበረላ ናይ ኩላትና ናይ እግዚአብሔር ቤተሰብ ሃገር ቅዱሳን ዝኾነት ቅድስቲ ሃገረ ኢትዮጵያ(ኣጋዚት)፥ ናይ ቅዱሳን መላእክትን ሓለቓኦምን ናይ ሊቃነ መላእክት ክብሪ፥ ሓደ ሊቅ ዝጸሓፎ መጽሓፍ ብዛዕባ ሊቀ መላእኽቲ ቕዱስ ሩፋኤል ዕብየትን መስከረ። ከምዚ ድማ በለ። “ኣብ መጽሓፍ ገድሊ ቅዱሳን ብዛዕባ ቅዱስ ሩፋኤል ድንቒ ስራሕ ዝተጻሕፈ ረኸብኩ። እቲ መጽሓፍ ድማ ከምዚ ይብል፦ ኣብ ምድሪ ቅዱስ ላሊበላ ብሸነኽ ሰሜን ዘላ ቡግና ኣብ ታሕታይ ክፋል ወግረ ስህን ካብ ከውሒ እምኒ ዝተነድለ(ዝተወቕረ) ናይ በረኻ ቤተ ክርስቲያን ምእንቲ ክሓንጽ ንጉስን ካህንን ዝነበረ ቅዱስ ይምርሀነ ክርስቶስ ኣብ ዝጀመረሉ ጊዜ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሩፋኤል ካብ እግዚአብሔር ተኣዚዙ መጽአ። ቅዱስ ይምርሀነ ክርስቶስ ድማ ንእግዚአብሔር ኣምላኹ ቤት ምእንቲ ክትኸውን ዝሓለና ቅድስቲ ስፍራ ድማ ርኹሳን ኣጋንንቲ ኣሳደደቶም። እግዚአብሔር ድማ ከምዚ በሎ “ኦ! ፍትወይ ይምርሀነ ክርስቶስ ብስመይ ቤት ክትሓንጽ ምእንቲ፥ ሓርየካ ኣለኹ። ኣብ ኵሉ ዕዮኻ ኣነ ምሳኻ ኣለኹ። ትእዛዘይ ዝፍጽም ዐቃቤ ኈኅት ኮይኑ ምእንቲ ከገልግል ዝሸምክዎ ሩፋኤል ድማ ሂበካ ኣለኹ። ኣብ ኵሉ ተግባርካ ብዘሎ ጥበብ ድማ መስተውዓሊ ክገብረካ እየ። ካብ ኵሉ ክፉእ ዘበለ’ውን ክህልወካ’የ።” በሎ። ሊቀ መላእክቲ ቅዱስ ሩፋኤል ድማ ብትእዛዝ እግዚአብሔር ኣምላኽ ካብታ ሰዓት እቲኣ ጀሚሩ ለይትን ማዓልትን ካብ’ዚ ንጉስን ካህንን ቅዱስ ይምርሀነ ክርስቶስ ኣይተፈለየን። ናይ ህንጻ ጥበብ’ውን ገለጸሉ። ብምስጢርን ብጥበብን ብፍልጠትን መስተውዓሊ ገበሮ።
ናይ ሊቀ መላእኽቲ ቅዱስ ሩፋኤል ፋታሕ ማሕጸን፥ ረዳእ ሽጉራት ዝኾነ፥ ሓለቓ ናይ ስልጣናት እሳታውያን ዝኾነ፥ ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩላትና ይኹን ንዘለኣለም ዓለም ኣሜን።!
ዐርኬ፦
ሰላም ለህላዌከሙ ዘኢይትኌለቍ ዕድሜሁ፣
እስመ ለሊሁ ቀዳሚ ወደኃራዊ ለሊሁ፣
ህላዌክሙ ሥላሴ ወሀቤ ሰላም በበጊዜሁ፣
ይዕቀበኒ ፈቃድክሙ ለለመዋዕሉ ወለለወርኁ፣
ከመ እንግር ለትውልድ ዘሩፋኤል ዜናሁ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!ተኣምር ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ወርሒ ሰኔ ዝንበብ  ናይቲ ክቡሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣማላድነቱ ካብ ፍላጻ ...
19/06/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ተኣምር ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ወርሒ ሰኔ ዝንበብ
ናይቲ ክቡሩን ርህሩህን ዝኾነ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣማላድነቱ ካብ ፍላጻ ጸላኢ የድሕነና፥ ጥዑም ድምጺ ዜማ ዘለዎ ካብ ኣጽናፍ ናብ ኣጽናፍ ኣብ ኣርያም ብኣኽናፉ ዝመላለስ ካብ ናይ ጸላኢ ፍላጻ ካብ መኣሰርቲ ሲኦል ካብ ኣፍ በላዒ ተኹላ ርጉም ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ሕሱም የድሕነና ለዓለም ኣለም።
ሓደ ክርስቲያን ንእግዚኣብሔር ዝፈርሕ ሰብ ኣብ ደሴት ቆጵሮስ ነበረ። ኵሉ ጊዜ ድማ ብናይ ጸሎት ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ይእመን ነበረ። ኵሉ ጊዜ ድማ ሰናይ ነገር ብልቡ ይሓስብ ነበረ። በስም ቅዱስ ሚካኤል ልቀ መላእክት ቤተ ክርስቲያን ከስርሕ ይሓስብ ነበረ።
ከምቲ ዝሓሰቦ ድማ ቤተ ክርስቲያን ሰሪሑ ወደኣ ብኹሉ ውቅብቲ ጌሩ ዛዘማን ሸለማን፥ ኣጸባቃን። ብድሕረዚ ናብ ኤጲስ ቆጶሳትን፡ ካህናትን፡ ዲያቆናትን፡ መጺኦም ክባርኽዋን፡ ክቅድሱዋን መልእክቲ ሰደደ። ዓቢይን ድሙቅን መመረቅታ ቤተ ክርስቲያን ድማ ገበረ። ኩሉ ህዝቢ ድማ ተኣከበ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ምእመን፡ ህዝቢ ክርስቲያን ኣብቲ ክቡር ዕለት ንጊዜ ቅዳሴ ተኣከቡ። ብድሕሪ እዚ ድማ ህዝቢ ምስ ተኣከቡ ኤጲስ ቆጶስ ከምቲ ዝግባእ ሕግን ስርዓትን ጸሎት ቅዳሴ ጀመረ።
ኣብኡ ድማ ሓደ ኣይሁዳዊ ወዲ እታ ሃገር ጌኒን ዘልዎ ነበረ። ኩሉ ኣካላቱ ድማ ብለምጺ ዝተወቀዐ ፡ስኑ የሕርቅሞ፥ ካብ ቃንዝኡ ዝተላዕለ ድውየ’ውን በቲ ሕማማ ይጭነቅ ነበረ። ካብ ቡዝሕ ሕማም ድማ ኩሉ ነብሱ ከም እምኒ ኮነ። በዚ ዕለት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ጸሎት ቅዳሴ ከም ዘሎ ምስ ሰመዐ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብድድ ኢሉ ካብ መደቀሲኡ ተንሲኡ ክዳውንቱ ዘነበሮ ቀይሩ ልክዕ ነቶም ክርስቲያን መሲሉ ናብ ውሽጢ ቤተ ክርስቲያን ኣተወ።
እቲ ኤጰስ ቆጶስ ስርዓተ ቅዳሴ ጸሎት ምስ ወደኤ ካብቲ ማይ ቅዳሴ ነቲ ኩሉ ቦታ ቀጽሪ ቤተ ክርስቲያን ማይ ነጸገሉ። እቲ ድውይ ኣይሁድዊ ድማ ካብቲ ማይ ወሲዱ ናብ ኵሉ ነብሱ ብማይ ጸሎት ብፍጽም እምነት ብምግባር ተሓጽበ ካብቲ ቅብኣ ዘይቲ ቀንዴል ኣብቲ ትሕቲ ስእሊ ቅዱስ ሚካኤል ዝነበረ ኵሉ ነብሱ ተቀብዐ ።
ከምዚ ድማ በለ “ኦ! ጐይታይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ጥዕና ሃበኒ ካብዚ ኩሉ እዚ ለምጺ ድማ ፈውሰኒ ኢሉ ጸለየ። ካብዚ ለምጺ እንተ ኣሕዊኻኒ ኣነ ድማ ንቤተ ክርስቲያንካ ምጽዋት ክህበካ እየ ጽሩይ ዝኾነ 20 ግራም ወርቂ ብዘይ ግብዝና ክህበካ እየ። ኣነ ድማ ክርስቲያን ክኸውን ብስም እግዚእነ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ ክኣምን ካብ ድንግል ምውላዱን ትስብእቱን ንወልድ እግዚአብሔር ድማ ክኣምን እየ። በዛ ርትዕትን ሓቀኛን ሃይማኖት ክኣምን፥ ኣምላኽ ከሎ ሰብ ዝኾነ ካብ ዘርኢ ዳዊት ምእንቲ ድሕነት ኣዳምን ዘርኡን ከም ዝተወልደ ክእምን እየ። ንቤተ ክርስቲያንካ ድማ ንኹሉ ዘመነይ ከገልግለካ ክላኣኸካን እየ። እዚ ኢሉ ምስ ጸለየ ኣብቲ ቤተ ክርስትያን ድቃስ መጾ`ሞ ደቀሰ። ካብ ድቃሱ ምስ ተበራበረ ድማ ኵሉ ነብሱ ጥዑይ ኮነ። ኣብ ኣካላቱውን ዝኾነ ምልክት ናይ ለምጺ ኣይተረኸነሉን። ሽዑ ድማ ዓቢ ሓጐስ ተሓጐሰ ንእግዚአብሔር ድማ ኣመስገነ ንቅዱስ ሚካኤል`ውን ጥዕና ስለ ዝረኸበ ካብ ሕማሙ ስለ ዝፈወሶ ኣመስገኖ። እቲ ከጨንቖ ዝጸነሐ ጋኔን ካብ ነብሱ ወጸሉ። ኣብ ሰብነቱ`ውን ዝኾነ ነገር ኣይተረፈን።
ብድሕርዚ ድማ ነቲ ኣቀዲሙ ዝተመባጸዖ መብጽዓ 20 ግራም ወርቂ ንቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል መብጽዕዑ ፈጸመ። ናብቲ ኤጰስ ቆጶስ ብምኻድ ድማ ነቲ ቅዱስ ሚካኤል ዝገበረሉ ተኣምር ኵሉ ነገር፥ ጋጌን ከም ዝነበሮ ብኸቢድ ለምጺ`ውን ተታሒዙ ከም ዝነበረ ነገሮ። ብድሕሪኡ ነቲ ኢጲስ ቆጶስ ኣብ እግሩ ብምውዳቕ ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጥምቀኒ በሎ ምስ ማሕበር ክርስቲያን ድማ ከም ክርስቲያን ደምረኒ። እቲ ኤጰስ ቆጰስ ድማ ሕራይ ኢሉ ምስ ኵሎም ቤተሰቡ ኣጥመቆ። ብድሕርዚ ንቤተ ክርስቲያን ብእምነት እና ተላእከ የገልግል ይመላለስ ነበረ ብኹሉ ሰናይ ነገር እና ገበረ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ተኣምር ድማ ኵሉ ጊዜ ይነግርን የዘንቱን ነበረ። ካብቲ ዝነበሮ ድቅድቅ ጸልማት ብርሃን ስለ ዝበረሃሉ።
ከምቲ ብነብይ ዝተነግረ “እቶም ኣብ ጸልማት፡ ጽላለ ሞት ዝነብሩ ህዝቢ ብርሃን ረኣዩ። ነቶም ኣብ ጸልማት ዝነብሩ ድማ ብርሃን ጸሓይ በረሀሎም።” ከምኦም ድማ ነቲ ኣብ ጸልማት ዝነበረ ብስቃይ ጋኔን`ውን ዝሳቀ ዝነበረ እቲ ጋኔን ዘጽልመት ብዙሕ ድውየ ሒዝዎ ዝነበረ፥ ብጸሎትን ተአምርን ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ልዕሊኡ ብርሃን ክርስቶስ በርሃሉ።
ካብቲ ናይ ቀደም ሕማሙ ፈዊሱ ፡ ካብ ክሕደት ድማ ናብ ርትዕትን ሓቀኛን ዝኾነት እምነት ድማ መሎሶን መርሖን። ብሓያል ጸሎትን በረከቱን ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ኣዕይንቲ ልበናኡ ካብ ዕውረት ኣብሪሁ፥ ብእምነት ቅድስቲ ስሳሴ ዝመርሐ። ንዓና`ውን ብረድኤቱ ኽሕልወና ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን የድሕነና። ብምሕረቱ ይመግበና ምስ ኵሉም ሰራዊቱ ሰይፈ ረድኤቱ ካባና ኣይርሕቅ፡ ንሰራዊት ጸላኢ የሳድደልና ። ካብ ክፍኣት ሰባት ብሓሶት ካብ ዘስሕቱ ብእከይ ዝተመልኡ፥ ሓሶት ዝኣልሙ፥ ካብ ብቂም ዝተመልኡ ሰባት ብኣክናፉ ጌሩ ይከልለና። ካብ ቀደም ጀሚሩ ሰኣሊ ምሕረት ዝኾነ ሊቀ መላእት ምሕረቱ ይሃበና ንኽሉና ውሉደ ጥምቀት ኣሜን!።
ካብ 12 ሰኔ ታሪኽ ባህራን
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን!።
ዓሰርተ ክልተ ሰኔ ክቡር ሊቀ መላእክት ሚካኤል ወርሓዊ በዓልን ክቡር ዕለትን እዩ። ጸሎቱን በረከቱን ምስ ኵሉና ይኹን። እዚ ዕለት ክኽበረሉ ዝባዓለሉን ኣብ እስክድርያ ዓቢይ ቤተ ክርስቲያን ነበረ። ኣብ እሰክንድርያ ጓል ንጉስ በልጢሞስ ንጉስ ግብጺ ኣክኣ ንግስት ትባሃል ነበረት። ኣብ ግብጺ ድማ ብስም ኮከብ(ዙሓል ) ዝባሃል ጣዖት ነበረ። ኣብ ሰነ ወርሓዊ ዕለት 12 ድማ ዓቢይ በዓል ይገብርሉ ነበሩ።
ኣብቲ ቤት ጸሎት ዓቢይ ካብ ነሓሰ ዝተሰርሐ ጣዖት ነበረ። ስሙ ድማ ( ዙሓል) ይባሃል። ኣብቲ በዓሉ ብዙሕ ህያባት የቕርቡሉ። ከምዚ እናበሉ ንብዙሕ ዘመን ይነብሩ ነበሩ። ክሳብ ኣባ እለእስክንድሮስ ዝተሸሙሉ ጊዜ ንልዕሊ 300 ዓመት ከምኡ ጌሮም የብዕሉ ነበሩ። እለእስክንድሮስ ኣብ እስክንድርያ ሊቀ ጳጳሳት ምስ ኮነ ነቲ ቤት ጣዖት ክሰብሮ ከፍርሶን ደለየን ሓሰበን። ግና እቶም ህዝቢ እስክንድርያ ድማ ከልእዎ።
ጻድቕ ንጉስ ቍስጢንጢኖስ ምስ ነገሰ፡ ሃይማኖት ክርስትና ኣስፋሕፈሐ። ኣባ እለእስክንድሮስ ድማ ድጊሙ ክሰብሮ ደለየን ሓሰበን ሕጂ’ውን ሕሱራት ዝኾኑ ናይ እስክንድርያ ህዝቢ ከልእዎ። ከምዚ ድማ በልዎ “ንሕና ነይዚ ጣዖት በዓል ምግባር ልምዲ ኣሎና ቅድመኻ 18 ሊቃነ ጳጳሳት ሓልፎም እዮም። ግና ነዚ ልምድና ኣይ ለወጡልናን ኣየፍረሱልናን” በልዎ። ኣባ እለእስክንድሮስ ድማ ንዘርቦኦም ገሰጾን ገነሖምን። ከምዚ ድማ በሎም “ስምዑ እዚ ጣዖት ይጐድእን ይሃስን እምበር ኣይጠቅምን እዩ። ነዚ በዓል ዘብዕል ዝነብር ድማ ንሰይጣናት እዩ መስዋእቲ ጌሩ ዘምልክ ዘሎ።” በሎም። ኣባ እለእስክንድሮስ ድማ “ንምኽረይ እንተ ሰመዕኩምኒ ኣነ ነዚ ቤት ጣዖት ድማ ባሪኸ ቤተ ክርስቲያን ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ጌር ክባርኮ እየ። መስዋእቲ ንእግዚአብሔር ዘቅርብ ዘክብር ድማ ኣባጊዕ፡ ብዕራይ፡ ሓሪድና ነቶም መሳኪን ክክፍሉና ዘይክእሉ ንመጽውተሎምን፥ ነብላዓዮምን። ቅዱስ ሚካኤል ድማ ምእንታኹም ናብ ኣምላኹ ናብ ኢየሱስ ክርስቶስ ክልምነልኩም እዩ።” እዚ ኢሉ ኣረደኦም እሞ። ንእኡ ሕራይ በልዎ ቤተ ክርስቲያን ድማ ብስም ሊቀ መለእክት ቅዱስ ሚካኤል ሃነጹ። እዛ ቤተ ክርስቲያን ብብዝሕ ብዓባይን ትፍለጥ ነበረት ኣብ ግብጺ ድማ ክሳብ ኣስላም ዝነግሱ ተገልግል ነበረት። ኣስላም ምስ ነገሱ ግን ኣፍረስዋ። በዚ ዕለት ኵሎም ይዝክርዋን የብዕልዋን ነበሩ። ብስም ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኵሉ ጊዜ ዝክር ይገብሩ ነበሩ። ከምዚ እና ገበረ ዝነብር ንእግዚአብሔር ዝፈርህ ሓደ ሰብኣይ ነበረ ኵሉ ጊዜ ድማ ብፍላይ 12 ሕዳርን 12 ሰነን ዝክሪ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ይገብር ነበረ።
እንተኾ ግና ኣብ ጐረቤቱ ሓደ ርጉም ሃብተም ሰብኣይ ነበረ ነዚ ድማ ንእግዚአብሔር ብምኽባሩን ብምፍሩሑን ይጸልኣሉ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ከኽብር ከሎ ይንዕቆን የባጭወሉን ነበረ። እዚ እናገበረ ክነብር ከሎ ድሕሪ ጊዜ ሞቱ ምስ ቀረበ ካብዚ ዓለም ዝፍለየሉ ጊዜ በጽሐ። ስለዚ ብድሕረይ ዝክር ናይ ቅዱስ ሚካኤል በዓል ከይተ ቛርጺ ሓደራ ኢሉ ንሰበይቱ ኣዘዛ። ብፍላይ 12 ሕዳርን 12 ሰነን ኣየተቋርጺ። ንሱ ኣብ ጊዜ ዕረፍቱ ሰበይቱ ነብሰ ጾር ነበረት። ንሱ ድማ ሞተ። ኣብ መንግስተ ሰማይ ድማ ነብሱ ሊቀ መላእክት ተቀበላ። ሰበይቱ ሕማም ሕርሲ በጸሐት እሞ ብዙሕ ጻዓረት፥ ጸበባን ናብ ሊቀ መላእክት ኣብ ልዕለይ ምሕረት ግበር ርድእኒ ንእግዚአብሔር ድማ ምእንታይ ምእንቲ ከድሕነኒ ለምነለይ ንስኻ ዓቢ ሞጐስ ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ኣለካ’ሞ ናብኻ ይልምን ኣለኹ እናበለት ብዓቢ ቃል ጸለየት። ከምዚ እናበለት ከላ ገዝኣ ሙሉእ ብርሃን ኮነ። በዚ ሰዓት ካብ ጻዕራን ሽግራን ተገላገለት። መልክዑ ጽቡቕ ህጻን ወለደት። ብድሕሪኡ ክቡር መልእከ እግዚአብሔር ቅዱስ ሚካኤል ካብ ሰማይ ወሪዱ ነቲ ህጻን ባረኾ። ከምዚ ድማ በሎ እግዚአብሔር ነዚ ህጻን ባሪኽዎ እዩ ንኹሉ ንብረትን ሃብትን ናይዚ ንጉስ ሃብተም ምሕረት ዘይብሉ ክወርሶ እዩ። እዚ እናበለ ከሎ እቲ ርጉም ብመስኮት ቤታ ናይታ ሰበይቲ ኮይኑ ኵሉ ሰሞዖ።
ነዚ ምስ ሰመዐ ልቡ ብጓህን ሓዘን ተመልአ፡ ነቲ ህጻን ንክቀትል ድማ ምኽንያት ይደሊ ነበረ። እግዚአብሔር ግን ብረዲኤት ናይ ሊቀ መላእክት ይሕልዎ ነበረ። ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ግና ኵሉ ሃብታን ኵሉ ንብረታን ተወደአ። ዝኾነ ኣብ ቤታ ኣይነበረን። እቲ ርጉም ምሕረት ዘይቡሉ ጐረቤታ ድማ በዚ ምኽንያት ረኸበ እሞ ከምዚ በለ “ወድኺ ክላኣኸኒ ሃብኒ ኣነ ድማ ክምግቦን ክኸድኖን ንዓኺ ድማ (20) ዲናር ወርቂ ክህበኪ እየ።” በላ ነዚ ምሰመዐት ተሓጐሰት ደስ’ውን በላ መግቢ ዝብላዕ ስለ ዘይነበራ 20 ዲናር ወርቂ ሃባ እሞ ንወዳ ሃበቶ። ነዚ ህጻን ምስ ወሰደ ብጣዕሚ ደስ በሎ ተሓጐሰ: ብልቡ ድማ እቲ ዝሓሰብኩዎ ፍቓድ ልበይ ተፈጸመላይ “ወይበ በልቡናሁ፡ ተፈጸመ፡ ሊተ፡ ዘእፈቅድ ።”
ብዕንጸይቲ ድማ ዓቀኑ ጌሩ ሳጹን ሰረሐ። ናብኡ ድማ ነቲ ህጻን ኣእተዩ ዓጸዎ ድማ ተሸኪሞም ድማ ናብ ባሕሪ ደርበይዎ። ነቲ መፍትሕ ሳጹን ድማ ናብቲ ባሕሪ ደርበያ። ብፍቓድ እግዚአብሔር ድማ እታ ሳጹን ኣብቲ ልዕሊ ማይ ጸለል እና በለት ናብ ሓደ ርሑቕ ሃገር ከይዳ ኣብቲ ገንገም ጠጠው በልት።
ሓደ ጓሳ ኣባጊዕ ዝኾኒ ሰብኣይ ኣብኡ ዘወር ይብል ነበረ። ኣባጊዑ ኣብቲ ገምገም ከይኑ እናጠመተ ከሎ ነታ ዝተዓጸወት ሳጹን ረኣያ ኣልዕል ኣቢሉ ድማ ተሸኪሙ ናብ ገዝኡ ወሰዳ። ብምንታይ ጌረ ክኸፍታ እየ ኢሉ ሐሰበ ኮሎ፥ እግዚአብሔር ድማ ኣብ ልቡ ሓሰባት ኣልዓለሉ። ነቲ ገፋፋይ ዓሳ (ጀላባይ) መርበብካ ደርቢ እሞ ዓሳ ሰሓበለይ ዋግኡ ድማ ኣነ ክኸፍላካ እየ በሎ። መርበቡ ደርበየ ዓቢይ ዓሳ ድማ ሓዘ ነቲ ሰብኣይ ድማ ዋግኡ’ውን ሃቦ ተቀበሎ`ውን። ዓሳ ሒዙ ናብ ቤቱ ከደ። ንስድርኡ ዓሳ ክንበልዕ ኢና ነዚ ድማ ንጥብሓዮ በሎም። ነቲ ዓሳ ጠበሕዎ እሞ መፍትሕ ናይታ ሳጹን ኣብኡ ረኸባ ። እዛ መፍቲሒት ናይዛ ሳጹን መኽፈቲ ክትከውን ትኽእል እያ ኢሉ ክኸፍታ ፈተና’ሞ ንሳ ኻኣ ተኸፍተት። ብድሕርዚ እቲ ጓሳ ኣባጊዕ ብጣዕሚ ተገረመ እቲ ሳጹን ህጻን እቲ ርጉም ሰብእይ ዝደርበዩ ረኸብዎ እዚ ምስ ረእየ ዓቢይ ፍሳሓ ዓቢይ ሓጐስ ተሓጐሰ።
ስሙ ድማ ባሕራን ኢሉ ሰመዮ (ባሕራን ኣብ ባሕሪ ዝረኸብክዎ እዩ።) ምስኡ ድማ ከም ወዱ ከይኑ ይነብር ነበረን ዓበየን፥ ሓላዊ ኣባጊዕ ከይኑ ድማ የገልግሎ ነበረ። 10 መዓልቲ ንበርኻ እና ወፋረ ጓሰየ፥ ንእኡ ድማ ይላኣኾን የገልግሎን ነበረ።
ድሕሪ ነዊሕ ጊዜ እቲ ምሕረት ዘይቡሉ ሰብኣይ ንንግዲ ኢሉ ናብ ርሑቅ ሃገር ተጓዕዘ ጻሓይ ስለ ዝዓረበቶ ድማ ናብቲ ቤት ሓላዊ ኣባጊዕ ደንበ ኣልገሰ ከምዚ ድማ በሎ። “ዓስብኻ ክህበካ እየ ኣብዚ ምሳኻ ኣሕድረኒ” በሎ። ንሱ ድማ ናብ ቤቱ ኣእተዎ እሞ ንወዱ ባሕራን ክብል ጸወዖ ነዚ ስም ምስ ሰመዐ “ወድኻ ድዩ፧ እዛ ስምከ ክንደይ ትጥዕም እያ፧” በሎ። እወ “ነዚ ህጻን ብንእሽተዩ ከሎ ኣብ ገምገም ባሕሪ ኣብ ሳጹን ረኺበዮ ከም ወደይ ጌረ ድማ ኣዕቤዮ ሱሙ ድማ ባህራን ኢለ ኣውጼኤሉ” በሎ። እዚ ምስ ሰመዐ ዳግማይ ልቡ ብሓዘን ተመልአ። እቲ ክቐትሎ ኢሉ ናብ ባሕሪ ዝደርበዮ ህጻን ምኻኑ ፈለጠን ተረደአን።
ምስ ወገሐ ድማ ሰይጣናዊ ሓሳብ ሓሰበ። ነቲ ጓሳ ኣባጊዕ ድማ “ነዚ ህጻን ሃበኒ መልእክቲ ከብጸሐለይ ናብ ቤተይ፥ ንዓኻ ድማ 20 ዲናር ወርቂ ክህበካ እየ። ሓደ ነግር ኣብገዛይ ስለ ዝረሳዕኩ እየ።” በሎ። ወርቂ ምስ ሰመዐ ተሓጐሰ’ሞ ንወዱ ክልእኮ ጸወዖ “ኦ! ባህራን ወደይ እዚ ጋሻ ናብ ቤቱ ክልእኸካ እዩ’ሞ ብሰላም ተጓዓዝ፥ ብሰላም እቶ።” እቲ ሃብታም ሰብኣይ ናብቲ መጋቤ ቤቱ መልእኽቲ ጸሓፈ ከምዚ ድማ ይበል ነበረ “ነዛ ደብዳቤ ምስ ኣንበብካያ ነቲ ሒዚዋ ዝመጸ ባህራን ዝስሙ ኣብ ጉድጓድ ቅተሎ ዝኾነ ሰብ ድማ ከይረኣየካ ቅበሮ።” ኢሉ መልእኽቱ ጽሒፉ ዛዘመ። ንባሕራን ንመንገዲ ዝኸውን ስንቂ ሂቡ ድማ ሰደዶ።
ባህራን ናብታ ዓዲ ክኣቱ ናይ ሓደ መዓልቲ ምስ ተረፎ ክቡር ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ኣብ መንገዲ ተራኸቦ እሞ ከም ሓላፊ መንገዲ ተመሲሉ ኣብ ፈረስ ተወጢሑ ነበረ። “ንዓኻየ ዝወደይ ናበይ ትኸይድ ኣለኻ፧ እዚ ሕዚካዮ ዘላኻ እንታይ እዩ፧” “እዚ ምሳይ ዘሎ ደብዳቤ (መልእክቲ) እዩ ካብ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ናብ ቤቱ ተላኢኸ ይኸይድ ኣለኹ በሎ።
ሚካኤል ድማ እስከ እቲ መልእክቲ ኣርእየኒ በሎ። ባህራን ካብቲ ምስኡ ዘሎ ፈረሀ፥ ታ`መልእኽቲ ድማ ሃቦ ሚካኤል ድማ ነቲ መልእክቲ ኡፍ ብምባል ነቲ መልእክቲ ኣብ ብጥቕላላ(ፖስታ ወይ ሰታሪት) ከላ ቀየራ ነቲ ጽሑፍ ድማ ለወጦ። እቲ ጽሑፍ ከምዚ ይብል ነበረ፥ “ኣነ ጐይታኹም ነዚ ዝላእኽክዎ መንእሰይ ደብዳቤ ሒዙ ናባኩም ዝመጽእ ዘሎ። ንጓለይ ኣመርዕውዎ። ኵሉ ንብረት ቤተይ ናይ ገዛይ ይኹን ናይ ደገ ኣውርስዎ። ኣነ ስለ ዝድንጒ ንዓይ ኣይትጸበዩኒ ደስ ዝበሎ ኣብ ቤተይ ይግበር።” ትብል መልእክቲ ሚካኤል ነታ ደብዳቤ ቀየራ ንባህራን ድማ “እቲ ኣባይን ኣባኻን ዘሎ ዝምድና እዚ እዩ።” በሎ ።
“ኪድ ኣብ መንገዲ ኣነ ከም ዝረኸብኩኻ ንዝኾነ ሰብ ኣይትንገር. ነዚ መልእኽቲ ንኸይትቅተል ስለ ዝቀየርኩዎ።” “ኦ! ጐይታይ ዝኣዘዝካኒ ኵሉ ክገብር እየ።” ብምባል መንገዱ ቀጸለ። ኣብቲ ሃገር (ዓዲ) ድማ በጸሐ። ገዛ ናይቲ ንጉስ’ውን ሓተተ። ናብኡ ድማ ኣብጽሕዎ። ነቲ መልእኽቲ ድማ ነቲ መጋቤ ቤት ንጉስ ሃብዎ። ነቲ ደብዳቤ ኣንበባ። እቲ መልእክቲ ሓቀኛ ምኻኑ ተረደአ። ንባህራን ድማ ዓቢይ ከብካብ መርዓ ምስ ጓል ንጉስ ገበሩሉ። ብሕጊ ናብ ቤተክርስትያን ብምኻድ ቃል ተክሊል ፈጸመ። በቲ ዝኾነ ጊዜ እና ተሓጐሰ ኣብ ቤት ንጉስ ን40 መዓልታት ከብካብ ሓጐስ ደስታ ኮነ። ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዕለት እቲ ሰብኣይ ካብ መገሽኡ ናብ ዓዱ ተመልሰ። ብርቱዕ ድምጺ ጓይላ ሰምዐ እሞ “ናይ ምንታይ ድምጺ እዩ።” ኢሉ ሓተተ ።
“እቲ መልእክትኻ ሒዙ ዝመጸ ባህራን ከምቲ መልእክትኻ ዝሓበረና ነታ በኩሪ ጓልካ ኣመርዒናዮ። ነዚ ክብሪ ብምግባር ኣብ ቤትካ ን40 መዓልታት ከብካብ ሓጐስን፥ ደስታን ተግበረ።” በልዎ። “ኵሉ እቲ ናትካ ንብረት ድማ ከምቲ መልእክቲ ዝሰደድካዮ ጌሮም ኣውረስዎ።” ነዚ ምስ ሰመዐ ብዓቢ ድምጺ ኣእወየ እሞ ብስንባዴ ናብ መሬት ወደቀ ብኡንቡኡ ድማ ሞተ። ንነብሱ ኣጋንንቲ ጽልመት ወሲዶም ናብ ሲኦል ኣውረድዋ።
ብድሕሪዚ ባህራን ኵሉ ጊዜ ናይ ሚካኤል ዝክር እና ገበረ ይነብር ነበረ። ባህራን ነዚ ኵሉ ዝገበረሉ ሚካኤል ምኻኑ ኣብ መንገዲ ረኪቡ ነታ ደብዳቤ ሞት ዝነበርት ናብ ሂወት ዝለወጠሉ ንሱ ምኻኑ ተረደአን ፈለጠን። ብድሕርዚ ናብ ቤተ ክርስቲያን ብምኻድ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ቤተ ክርስትያን ክሃንጽ ሓሰበ። ሃኒጹ ዘዘመ’ውን። ኣብኡ ድማ ዓቢይ ስእሊ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ኣንበረ። እቲ ስእሊ ብስም ቅዱስ ሚካኤል ዓቢይ ተኣምራት ይገብር ነበረ። ዝሓመሙ ድማ ይፍውሱ ነበሩ ።
ባህራን ኣብታ ዓዲ ካህን ከይኑ ተሸሙ የገልግል ነበረ። ንክቡር ሊቀ መልእክት ድማ ክሳብ ዕለተ ሞቱ የገልግሎ ነበረ። ኵሎም ስድርኡ ድማ ብረድኤት ቅዱስ ሚካኤል መንግስተ ሰማያት ናይ ዘልኣለም ሕይወት ወረሱ። ነቶም ብንጹህ ልቢ ዝቀርብዎን ዝልምንዎን ካብ ኣቦ ምሕረት ዘኮነ ምሕረት ይረኽቡ ብስእለትን ተራዳእነት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ንኹሎም ዝክሩ ዝገብሩ ጽሑፍ ተጻሒፉ እዩ።
ኣብ ጊዜ ትንሳኤ ሙታን ወልድ ኣብ ዝመጻሉ ጊዜ ንፍርዲ ብዕለተ ሰንበት ክርስቲያን ኣብ ቅድሚ ጐይታ ቆይሙ ቅዱስ ሚካኤል ቀሪቡ ምሕረት ነብሲ ይልምንን የድሕኖምን። ከምዚ እናበለ ድማ “ኦ! እግዚእየ ወእምላኪየ፥ ኦ! ኣምላከይ ኣነ ኣገልጋሊኻን ተላኣኺካን እየ። ነዞም ኣብ ምድሪ ዝክረይ ዝገበሩ መሓረለይ ምእንቲ እሙንን ጻድቅን ቃልካ መሓርን፡ መስተሳህልን ስለ ዝኾንካ ።
“ንእግዚአብሔር ክብሪ ይኹኖ። ኦ! ሊቀ መላእክቲ ሚካኤል ነቶም ዝኣምኑኻን ዝክርካ ዝገበሩን፥ ባኣክናፍካ ጌርካ ክትጸሮም ናብ መንገዲ ሂወት ክትእትዎም ክሳብ ሰለስተ 3 ጊዜ ፈቒደ ኣለኹ።” ኢሉ ቃል ሃቦ።
ሚካኤል እዚ ምስ ሰመዐ ተሓጐሰን ደስ በሎን። ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ሰገደ። ብኣክናፉ ጌሩ ነብሳት 3 ጊዜ ጾረ። ነቶም ዝክሩ ዝገብሩ ካብ ባሕሪ እሳት ኣሰገሮም። ብዝሖም ኣሻሓት እዮም። ብዘይ’ካ እግዚኣብሔር ንቁጽሮም ዝፈልጥን ዝገልጽን የለን። ነቶም ኣብ ኣኽናፉ ዝተሸከሞም። ስለዚ ኵልና ህዝበ ክርስቲያን ኣሕዋት ንንቃሕ ነስተውዕልን፥ ዝኽሪ ቅዱስ ሚካኤል ድማ ንግበር። ንዘክርን ከከም ፍቓድ ዓቕምና ንግበረሉ። ከምቲ ኣብ ወንጌል “ብስም ነብይ ማይ ቆሪር ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን።” ይብለና። (ማቴ. 10፡40)
ምሕረት እግዚአብሔር ብናይ ሊቀ መልእክት ኣመላድነት ይዓድለና ።
ካብ ማእሰርቲ ሰይጣን ይሰውረና። ካበና ድማ ከቢድ ዝኾነ ሕማም የርሕቀልና።
ኣብ ምድሪ ዝዘረኣናዮ የብዘሐልና። ንሰናይ ተግባር የንቅሐናን ይርድኣናን የበርትዐናን፥
ኣበሳና ይደምሰስሰልና። ካባና ንዘተፈልዩና ብሞት ነብሶም ይምሓረልና። ኣብ መገሻን ኣብ ስደትን ኣቦታትናን ኣሕዋትናን ድማ ብሰላም ናብ ቤቶም ይምለሶም። ኣብ ማእከልና ፍቕሪ ይግበረልና ክሳዕ ምጽኣት ጐይታ ድማ ኣብ ሃይማኖትና የጽንዓና። ናይ ሊቀ መልእክት ተኣምር ብዙሕ እዩ። ነገር ግን በቲ ቁጽሪ ኮነ ዓቀን ዘይብሉ ምሉእ ምሕረቱን ይርዳኣናን ይሓልወናን። ኣሜን!።
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።!
ብዕለት 12 ሰነ ቅዱስ ሚካኤል
ናይ ቤተክርስቲያን ኣቦታት ኣብ ወወርሑ ብ12 መዘከርትኡ ክንገብር ኣዚዞምና። ሰኔ 12 ኣብዚ ዕለት እግዚአብሔር ኣብ ሰማይ ካብ ዘለዉ ቅዱሳን መልኣኽቲ ካብ ኵሎም ንላዕሊ ጌሩ ሽሞ። ስለ ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን፣ ንጐይቱኡን ፈጣሪኡን ዝኸሓደ ንኹሉ ጽቡቅ ስራሕ ተጻባኢ ዝኾነ ንሰይጣን ንኽስዕሮ ሥልጣን ተዋሂብዎ።
ኣብ ቅዳሴ`ውን “ተውህቦ ምሕረት ለሚካኤል ፣ ንሚካኤል ምሕረት (ርህራሄ) ተዋሂብዎ።” ንብል። ነብዩ ሄኖክ’ውን ንቅዱስ ሚካኤል ምሕረት ከምዝተዋህቦ ገሊጹ እዩ። ትሕትንኡን ተኣዛዝነቱን ኣረዲኡ እዩ። (ሄኖክ 6፡5, 10፡11)።
ናይ ሰማያውያን ሰራዊት ሓለቃ ንደቂ ሰብ ኵሉ ዝርህርህን ንደቂ ሰባት ብዘይ ምቁራጽ ናብ ፈጣሪኡ ዝልምን ርህሩህ ትሑት ዝኾነ ሓያል ቅዱስ ሚካኤል ዝሰርሖ ስራሕ ተኣምሩን ክብሩን ብሓጺሩ ተጻሒፉ ክውዳእ ዝከኣል ኣይኮነን። ናይ ቅዱስ ሚካኤል ጸሎቱን በረከቱን ተራዳኢነቱን ኣይፈለየና።
ሰላም ለሚካኤል መሐሪ ውእቱ፣
ወተአዛዚ ለሰብእ በዲበ ሠናይቱ፣
ለቀርነ ዝንቱ መልአክ በድምፀ ንፍሐቱ፣
በከመ ኮነ ቀዳሚ ውስተ ሰማያት ዕርገቱ፣
ለእግዚአብሔር ይከውን ዳግመ ምጽአቱ።
ወስብሓት ለእግዚአብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር አሜን።!

Address

Ashdod
77134

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ቤ/ት/ሰ/ማሕበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዶድ ቤተ/ክ መድኃኔ ዓለም ቴል ኣቪቭ እስራኤል። posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to ቤ/ት/ሰ/ማሕበር ቅዱስ ሚካኤል ኣሽዶድ ቤተ/ክ መድኃኔ ዓለም ቴል ኣቪቭ እስራኤል።:

Shortcuts

Share