Felegeselam St Michael London Page

Felegeselam St Michael London Page This is the official account of Felege Selam Sunday School Debre Sahl St Michael's Eritrean Orthodox Church London.
(1)

07/04/2026

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

05/01/2023
We are Live now on YouTube. Debre Medhanit Kidane Mhret MedhaneAlem London Yohannes Brhane John Brhane Solomon Debesay T...
09/05/2020

We are Live now on YouTube.
Debre Medhanit Kidane Mhret MedhaneAlem London Yohannes Brhane John Brhane Solomon Debesay Tewahedoyety Eritrean orthodox tewahdo churchDeki TewahdoGodolyas ዘ Orthodox Tewahdo

We are Live on YouTube share it please 🙏
26/04/2020

We are Live on YouTube share it please 🙏

We are live on YouTube now
18/04/2020

We are live on YouTube now

ደብረ ሳህል ቅዱስ ሚካኤል ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤ/ክ ለንደን

Please share our YouTube live link so we could reach many people. Thanks God bless you all 🙏
17/04/2020

Please share our YouTube live link so we could reach many people. Thanks God bless you all 🙏

We are live now on Yonathan BrhaneEritrean  PageDebre Medhanit Kidane MhretEritrean orthodox tewahdo churchDeki TewahdoM...
15/04/2020

We are live now on Yonathan BrhaneEritrean PageDebre Medhanit Kidane MhretEritrean orthodox tewahdo churchDeki TewahdoMedhaneAlem LondonEritrean Orthodox TewahdoSt.Mary Eritrean Orthodox Church in ChicagoEritrean orthodox tewahdoEritrean Orthodox Tewahdo MinistryKidane Mihret Ethiopian Orthodox Tewahdo ChurchMedhanealem Eritrean Orthodox Tewahdo Church Youth & Sunday SchoolDebre Geezan Medhanealem Eritrean Orthodox Tewahdo Church - Atlanta@

St. Michael's Eritrean Orthodox Church in London

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!ኅዳር ጽዮንተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ...
29/11/2018

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ኅዳር ጽዮን

ተኣምር ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝነግር መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ከምዝገልጾ፡ ነቶም ዝኽበሩ 33 በዓላት ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ክንፈቅድ ከሎና ኅዳር 21 ንቘጽር። ዓመት ዓመት 21 ኅዳር ድማ ብስም

ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣብ ዝተሓንፁ ኣብያተ ክርስቲያን ‘ኅዳር ጽዮን’፡ ‘ኅዳር ማርያም’ ተባሂሉ መንፈሳዊ በዓል ይኽበር። እዚ በዓል'ዚ ኣቦታትና ካብ ቀደም እናኽበርዎ ዝመጽኡ ዓቢይ በዓል እዩ። ምኽንያት ኣበዓዕላኡ ድማ ፦

• መጽሓፍ ‘ተኣምረ ማርያም’ ኣብ መቅድሙ ከረድእ ከሎ፡- “ኣብዚ ወርኂ’ዚ ኣብ መበል 21 መዓልቲ ነቢይ ዘካርያስ ናይ ቀንዴል ፋና ኬበርህ ዝረኣየሉ መዓልቲ እዩ” (ዘካ. 2፥2)

• ታቦተ ጽዮን ኣብ ምርኮ፦ ብተኣምራ ንዳጎን ሰባቢራ፡ ንዝደፈሩ ኣረማውያን ብመቕሠፍቲ ገሪፋ ናብ ሃገራ ዝተመለሰትሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ እዩ። 1ይ ሳሙ. 2፥12፤ 7፥2። ‘ታቦተ ጽዮን’ ዝብል ስያመ’ ትርጕሙ ኣብ ጽዮን ዘላ ታቦት ማለት እዩ።

• ‘ታቦተ ጽዮን’ ኣብ ደብተራ ኦሪት (ኣብ ድንኳን) ንኣሽሓት ዓመታት ድኅሪ ምቕማጣ ንጉሥ ሰሎሞን ዓቢይ ቤተ መቅደስ ሓኒፁ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ በዓል ኮይኑ ዝኸበረሉ ወርኂ ኅዳር ምዃኑ ተፈሊጡ እዩ። (1ይ ነገ. 8፥1-67)

• ኣብዚ 4ይ ክፍለ ዘመን ድኅሪ ልደተ ክርስቶስ ኣብ ዘመን ቅዱሳን ነገሥታት ኣብርሃ ወኣጽብሐ ድማ ‘ታቦተ ጽዮን’ ብስም ‘ጽዮን ማርያም’ ተሰይማ ሥርዓተ ቅዳሴ ቤታ ኣብ ወርኂ ኅዳር ተኸቢሩላ እዩ።

• . . . ወዘይመስሎ

ዓመት መጽአ፡ 21 ኅዳር ብኣምሳል ታቦተ ጽዮን፡ ናይታ ኣማናዊት ታቦተ ጽዮን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ኅዳር ጽዮን” ብዝብል ስም ክብ ብዝበለ በዓል ምኽባርና መሠረቱ መጽሓፍ ቅዱሳውን ክርስቲያናዊ ትውፊትን እዩ።

• ኣብ ዘመን ቅዱስ ዳዊት፡ ታቦተ ጽዮን ካብ ቤት ኣሚናዳብ ሥርዓተ ንግሥ ተጌሩ ብዝደመቐ በዓል ብዜማ ንእግዚኣብሔር እናኣመስገኑ ብ 30 ሺሕ ዝኣኽሉ ሰባት ተዓጂባ ብኽብሪ ኣብ ቤት ኣቢዳራ ን3 ወርኂ ተቐሚጣ እያ። ብምኽንያት ታቦት፡ እግዚአብሔር እቲ ንቤት ኣቢዳራ ከም ዝባረኸ ዝሰመዐ ዘማሪ ዳዊት ናይቲ በረኸት ተሳታፊ ምእንቲ ኪኸውን ነታ ታቦት ብማኅሌትን ብዝማሬን ብዓቢይ ክብርን ኣብ ከረን ጽዮን ስለ ዘዕረፋ፡ ካብዚ ጊዜ እዚ ጀሚሩ ‘ታቦተ ጽዮን’ እናተባህለት ክትጽዋዕ በቕዐት (2ይ ሳሙ 6፥1-19)።

• ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ “ጽዮን” ዝብል ከከም ኣገላልጻኡ ዝተፈላለየ ትርጕም ኣለዎ፦

• ኣብታ ኣብ ከረን ሞርያ ዝተሓንፀት ቤት መቅደስ “ጽላተ ሕግ” (ታቦት ሕጊ) ስለ ዝነበረ ንከረን ሞርያ ‘ጽዮን’ ይብሎ። (ኢሳ. 8፥18 ፥ 18፥7 ፥ 24፥23)።

• ‘ኢዮሩሳሌም’ ውን ጽዮን ትበሃል ነይራ እያ። (2ይ ነገ. 19፥21 ፥ መዝ. 48፥2 ፥ 69፥35)።

• “ጽዮን” ዝብል ስም ሕዝቢ ኣይሁድ ይጽውዑሉ ኔሮም እዮም (መዝ 126፥1 ፥ ዘካ 9፥9)።

• ሰማያዊት ኢየሩሳሌም ውን ከረን ጽዮን ተባሂላ ትፍለጥ እያ (ዕብ 12፥22፣ ራእ 14:1)።

• . . . ወዘይመስሎ

ኣብ ዘመነ ብሉይ ኪዳን ኵሉ’ቲ ዝተነግረ ትንቢትን ዝተመሰለ ምሳሌን ኣማናዊ ትርጕም ዝረኸበ ኣብ ሓዲስ ኪዳን ኣካላዊ ቃል መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ብዘደንቕን ብዘይምርመርን ምሥጢረ ተዋሕዶ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሰብ ኮይኑ ድኅሪ ምግላጹ እዩ። “ኣነ ንነቢያትን ሕግን ክፍጽም ደኣ እምበር ክስዕር ኣይመጻእኩን” ከም ዝበለ (ማቴ. 5፥17)። ድኅሪ ትንሣኤኡ ውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ነቶም ኣርድእቱ ኦሪትን ነቢያትን እናጠቐሰ ፍጻሜ ከምዝረኸበ ከም ዝመሃሮም ቅዱስ ሉቃስ መስኪሩ እዩ። ስለዚ እቲ ምሥጢራዊ ኣማናዊ ትርጕም ናይ ‘ጽዮን’፦ ነታ ኣደ ኣምላኽና ሓቀኛ ታቦተ ጽዮን ንድንግል ማርያም ዝምልከት እዩ።

ዘማሪ ዳዊት በመንፈሰ ትንቢት ‘እምነ ጽዮን ይብል ሰብእ/ ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል’ (መዝ. 87፥5) ከምዝበለ፡ ዋላ እኳ ብምሳሌያዊ ኣዘራርባ ብዛዕባ ኢየሩሳሌም፡ ናይ ኦሪት ቤት መቅደስ፡ ብዛዕባ ሕዝበ እስራኤልን ምስኣቶም ብሃይማኖት ዝምድና ብዛዕባ ዝነበሮም ኣኅጉራትን እንተገለጸ፡ እቲ ኣማናውን ምሥጢራውን ትርጕም ግና ብዛዕባ ናይ ሓዲስ ኪዳን ቤት መቅደስ (ቤተ ክርስቲያን)፡ ብዛዕባ እስራኤል ዘነፍስ ዝተባህሉ ክርስቲያን ክኸውን እንከሎ እቲ ዋና ምሥጢራዊ ትርጕሙ ኸኣ ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝገልጽ ኮይኑ ንረኽቦ።

‘ጽዮን’ ዝተባህለት ድንግል ማርያም ምዃና ንኣና ንኦርቶዶክሳውያን ሓድሽ ነገር ኣይኮነን። ኣብቲ ናይ ወትሩ ጸሎትና’ውን “እንተ ይእቲ ስምዕየ ማርያም ጽዮን ለዓለመ ዓለም/ እታ ናይ ዘለዓለም ምስክረይ ድማ ጽዮን ማርያም እያ” ክንብል ከለና ማርያም ጽዮን ከም እትበሃል ንፈልጥ። “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ምባሉ ብወንጌል ኣሚኑ ዝተጠምቀ ክርስቲያን ናይ ሃይማኖቱ መንነትን ናይ ክርስትናኡ መረጋገጺትን ንዝኾነት ‘ጽዮን እምባ መጸግዒት ኣደይ ይብላ’ ንኽብል እዩ።

ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም “ጸወነ ሥጋ ጸወነ ነፍስ” ኮይና ንሕዝበ ክርስቲያን ብነፍሶምን ሥጋኦምን ተስፋ ከይቈርጹ በቲ ዝተዋህባ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን፡ ብጸሎታን ኣማላድነታን መጸግዒት ኮይና ብረዲኤታን ብለውሃታን እትሕልዎም መንፈሳዊት ኣደ ምዃና ፈሊጦም “ከውልና፡ መጸግዒት ኣዴና” እናበሉ ከም ዝምኅጸንዋ ንኽገልጽ እዩ ክቡር ዳዊት “ሰብ ኣዴና ጽዮን ይብል” ኢሉ ዝመስከረ። ኣብ ጊዜ ሓጐሶምን ኃዘኖምን ቈልዑ ናብ ኣደኦም ከም ዝጽግዑ እሞ ንሳ ድማ ከም እተጸናንዖም ንኻልእ ዝተከወለ ኣይኮነን።

ከምኡ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም መንፈሳዊት ኣዴና ምዃና ብቓል ኪዳና ተማኅጺንና፡ ብኣማላድነታ ምስ ንኣምን ካብ መከራ ሥጋን ነፍስን ድኂንና ወረስቲ መንግሥቲ ወዳ ከምእንኸውን ዝተረጋገጸ እዩ።

ናይ ኣዴና ጽዮን ቅዱስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ኣማላድነት ኣይፈልየና፡ ኣሜን።

https://lisantewahdo.org/

ወስብሐት ለእግዚአብሔር!

"ወይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ/ እምበኣር ካብ ሎሚ ንሰላም ንሰዓባ"
14/07/2018

"ወይእዜኒ ለሰላም ንትልዋ/ እምበኣር ካብ ሎሚ ንሰላም ንሰዓባ"

Address

London
SE57NR

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Felegeselam St Michael London Page posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share