Medhaniealem Menbere Tsebaot London

Medhaniealem Menbere Tsebaot London ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን መንበረ ጸባዖት መድኃኔ ዓለም ለንደን N4 2QP

ሰላም ናዓኹም ሕዝበ እግዚአብሔር ብቐዳምነት ዓመት ከምሐንቲ ማዓልቲ ኩሉ ዘለና ዓቂቡ ነዚ ዓቢይ በዓል መድኃኔ ዓለም ክብረ በዓል ናይድሕነት መዓልቲ ዝኾነት ዕለት ስለዘርአየና ክብርን ምስጋና...
31/10/2025

ሰላም ናዓኹም ሕዝበ እግዚአብሔር ብቐዳምነት ዓመት ከምሐንቲ ማዓልቲ ኩሉ ዘለና ዓቂቡ ነዚ ዓቢይ በዓል መድኃኔ ዓለም ክብረ በዓል ናይድሕነት መዓልቲ ዝኾነት ዕለት ስለዘርአየና ክብርን ምስጋናን ውዳሴን አምልኾን ንዕኡ ነቲ ኃያል አምላኽ ይኹን።

ኢተዘኪሮ አበሳ ዚአነ ኢኃደገነ ፍጹመ ንማስን
በደልና ዘኪሩ ፈጺምና ክንጠፍእ ዘይኃደገና አምላኽ ዝተመስገነ ይኹን።ኢሳይያስ ብናይ መንፈስ ቅዱስ አፍ ክዛረብ ከሎ እግዚአብሔር ጎይታ ሠራዊት ገለ ሒደት ትርፊ(ዘርኢ) እንተ ዘይሐድገልናስ ከም ሰዶም ምኾንና ንገሞራ ምመሰልና ኔርና ኢሳ1፥9 ማለቱ አዝዩ ዘደንቕ ምስጢር እዩ።

ሕዝበ ክርስቲያን,ንኖኅ ካብ ሰብአ ትካት,ንሎጥ ካብ ሰዶምና ገሞራ ,ንዳንኤል ከአፈ አናብስት ,ንሰለስቱ ደቂቅ ክነበልባለ እሳት,ንዮናስ ከከርሰ አንበሪ,ዘውጽአ አምላኽ ካብዚ ዘለናዮ ናይመዓት ዘመን የውጽአና፨
ሕዝበ ክርስቲያን ሎሚ ንሕና አበይ ከምዘለና ንስተውዕል አብ ማእከል ሰብአ ትካትን ሰዶምን ገሞራን ከምዘለና ዘጠያይቕ አኮነን አይንዘንግዕ ነሰተውዕል ንመለስ አቦታትና እንዳሳሐቑ ከምዝጠፍኡ ንሕናውን ሎሚ እንዳ ሰሐቕና ከይንጠፍእ ነስተውዕል ንነሳሕ ንመለስ ፨

ኩሉ ከንቱ,ካብ ፖለቲካ,ካብ ዓሌት,ካብ አካባቢ ንውጻእ
ኩሉ ሐላፊ ,ኩሉ ረጋፊ ምዃኑ ፈሊጥና ናብቲ አብ ቀራንዮ አደባባይ ናዓና ክብል ዕርቃኑ ዝተሰቕለ ጎይታ ንጠምት
ንነብስና ንአምላኽ ነማዕቚባ ዘይፈርስ ኅንጻ አብሰማይ ንስራሕ ብሕይወትና አይንጻወት ንነብስና አይነታልላ
ከምፈያታዊ ዘየማን ኩሉ ግዲፍና ንአምላኽ ኢድና ነሀብ ሉቃ 23፥42 ከም ማርያም መግደላዊት ኩሉ ገዲፍና ናብ ጎይታ ንምጻእ ሉቃ7፥41-49። እንኮ ናይድሕነት መዓልቲ ጽባሕ ቀዳም ስለዝኾነት ነዚ በዓል እዚ ተዓጢቕና ከነሕልፎ ቤተ ክርስቲያን እናዛኻኸረት እምበአር ኩሉ ገዲፍና አብጽላል መድኃኔ ዓልም ክንውዕል ቤተ ክርስቲያን ብድጋሚ ሐደራ ትብል ክም አጋጣሚ አባልነት
ንዘይከፈልኩም ክትከፍሉ ክምኡውን ብዝኾነ ምኽንያት ብ አካል ክትመጹ ንዘይትኽእሉ ባንኪ አካውንት አብዚ አዳሊናልኩም አለና ዓቕምኹም ዝፈቕዶ ንኸተወፍዩ። ጸግኡ የብዝሐልኩም ተባረኹ፨

Account Name: BEZA BUZUHAN ERITREA ORTHODOX MENBERE
TSEBAOT MEDHANIEALEM CHURCH NORTH LONDON CIO
Acc:No: 02774968
Sort Code: 402527

መደብ ሰሙነ ሕማማት መንበረ ጸባዖት መድሃኔዓለም ሎንደንSt Thomas Road.  FINSBURY PARK   N4 2QP
13/04/2025

መደብ ሰሙነ ሕማማት መንበረ ጸባዖት መድሃኔዓለም ሎንደን

St Thomas Road. FINSBURY PARK
N4 2QP

ሰላም ዝኸበርኩም ሕዝበ እግዚአብሔር እግዚአብሔር  ዘፍቅረኩም ከምኡውን ንእግዚአብሔር ተፍቅሩ። ብቐዳምነት ነቲ ብዘደንቕ ጥበቡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንጉሠ ነገሥት ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለ...
24/03/2025

ሰላም ዝኸበርኩም ሕዝበ እግዚአብሔር እግዚአብሔር ዘፍቅረኩም ከምኡውን ንእግዚአብሔር ተፍቅሩ። ብቐዳምነት ነቲ ብዘደንቕ ጥበቡ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ንጉሠ ነገሥት ጎይታ ጎይቶት መድኃኔ ዓለም አምልኮትን ስግደትን ይብጽሐዮ። ምኽኒያቱ ኃጢያትናን ክፉእ በደልናን ጸብጺቡ ከይተጸየፈ አብ ርእሲ ዕድመና ዕድመ እናወሰኸ ንኹሉ ሕማቕ ግብርና ከይጠመተ ተዓጊሱ ናብዛ ዓባይ ዕለት እዚአ ስለ ዘብጽሐና ብድጋመ ክብርን ምስጋናን ይብጻሐዮ:: ክቡራን ሕዝበ ክርስቲያን ንቀዳም 05/04/2025 ክብረ በዓል መድኃኔ ዓለም ብዝደመቐ ከነብዕሎ ተዳሊና ስለዘለና ዝዓበኹም ዝነአስኩም ናይዚ በረኸት እዚ ተሳተፍቲ ክትኮኑ ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብል

ማኅሌት ዝጅምረሉ ሰዓት 1:00 am Address St Thomas Road N4 ብሰላም ምጹ

“ቅድስት”በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስ...
02/03/2025

“ቅድስት”

በዛ ሰንበት እዚኣ ካብ ዋዜማ ጀሚሩ ኣብ ጾመ ድጓ፦ “ዛቲ ዕለት ቅድስት ይእቲ/ እዛ ዕለት’ዚኣ ቅድስቲ እያ”፣ “ሰንበትየ ቅድስትየ እንተ አዕረፍኩ/ ዘዕረፍኩላ ዕለት ሰንበት ቅድስት እያ”፣ “ቅዱሳን ኩኑ እስመ አነሂ ቅዱስ አነ/ ኣነ ቅዱስ ከምዝኾንኩ ቅዱሳን ኩኑ”፣ “አብ ቀደሳ ለሰንበት/ አብ ንሰንበት ኣኽበራን ቀደሳን” . . . እናበለ ብዛዕባ ቅድስና ሰንበት ይዝመር።

ቅዱስ ያሬድ ኣብዛ ዕለት ክዝመር ካብ ዝደረሶም ድርሰታት፡ “ግነዩ ለእግዚአብሔር ወጸውዑ ስሞ ወንግርዎሙ ለአሕዛብ ምግባሮ፡ ሀቡ ስብሐተ ለስሙ አክብሩ ሰንበተ ተገበሩ ጽድቀ፡ ዝግቡ ለክሙ መዝገበ ዘበሰማያት ኀበ ፃፄ ኢያማስኖ ወኢይረክቦ ሰራቂ፡ ድልዋኒክሙ ንበሩ፡ ዘበላዕሉ ሐልዩ ኀበ ሀሎ ክርስቶስ” ዝብል እዩ።

ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና’ውን ነዛ ዕለት ምኽንያት ገይራ፡ በቶም ኣብዛ ዕለት ብፍላይ ከኣ ኣብ ጊዜ ጸሎተ ቅዳሴ ዝንበቡ መልእኽታት፣ ምስባክ፣ ግብረ ሓዋርያትን ወንጌልን ብዛዕባ ቅድስና እግዚአብሔር፣ እግዚአብሔር ንዕለተ ሰንበት ኣብ ብሉይ ኮነ ሓዲስ ዝባረኻን ዝቀደሳን ዕለት ምዃናን ከምኡ’ውን እግዚአብሔር ቅዱስ ከም ዝኾነ፡ እቲ ፍጡሩ ሰብ ድማ ቅድስና ክኅዝ ከም ዝግብኦ ተተሓሳስብ።

‘ቅዱስ’ ተባሂሉ ዝምስገን ምንጪ ቅድስና ዝኾነ፡ቅድስና ናይ ባህርይኡ ዝኾነ ንቅዱሳን ዝቅድስ ቅዱስ ቅዱስ ቅዱስ እናተባህለ ዝቕደስን ዝሥለስን ሓደ እግዚአብሔር እዩ። (ኢሳ. 6፡1-10፣ ኢሳ. 40፡25)
ስሙ ቅዱስ ዝኾነ ፈጣሪ ብቅድስናኡ ነቶም ናቱ ዝኾኑ ይቅድስ እዩ። (ዘፀ. 28፡46) ነቲ ስሙ ዝጽወዓሉ ሠናይ ቃሉ ዝንገረሉ ሥጋኡን ደሙን ዝፍተተሉ ቤቱ ይቕድስ። (ዘፀ. 3፡5፣ ኢያ. 6፡9) ነቶም ዘሥመርዎ ይቕድስ። ከምቲ ጐይታ “ብሓቂ ቀድሶም” ዝበለ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ኵሉ ጊዜ ሕዝበ ክርስቲያን ኣብ እምነቶም ጸኒዖምን ትእዛዛቱ ሓልዮምን ቅዱሳን ንክኾኑ ትምህር። (ዘሌ. 19፡19)

ነታ ዕለተ ዕረፍት ዕለተ ኣምልኾ ዝኾነት ሰንበት ድማ ዝቐደሳ ንሱ እዩ። (ዘፍ. 2፡3) ሕዝበ ክርስቲያን ድማ ነዛ ዝተቐደሰት ዕለተ ሰንበት ብመዝሙር፡ ቅዳሴ፡ መንፈሳዊ ጉባኤ፡ ንዝተኣስሩ ብምብጻሕ፡ ንድኻታት ንምምጽዋት፡ ንዝተጻልኡ ብምዕራቕ . . . ከነኽብራ ቤተ ክርስቲያን ትእዝዘና። ‘መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘክር’ ከምዝበለ ዕለተ ሰንበት ንእግዚአብሔር ሂብና በዛ መዓልቲ ንሱ ዝገበረልና ምሕረት እናሓሰብና ከነመስግን፡ ብመንፈስ እንዓብየሉ ቅዱስን ሠናይን ክንሠርሕ ይግብኣና።

ካብቲ ብዕለተ ሰንበት ዝወሃብ በረኸት ተሳተፍቲ ንምዃን የብቅዓና።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ አሜን!

መንበረ ጸባዖት መድኃኔ ዓለም ሎንደን
ST Thomas road Finsbury Park N4 2QP

እንቛዕ ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ ብሰላምን ብጥዓናን አብጽሐና
19/01/2025

እንቛዕ ናብ ብርሃነ ጥምቀቱ ብሰላምን ብጥዓናን አብጽሐና

07/01/2025
በስመ አብ ወወልድ አሐዱ አምላክ እቲ አብ ጸልማት ምድሪ ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ነቶም አብ ጸልማት  ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም ኢሳ9፡2ብቐዳምነት ነቲ ሰማይን ምድርን...
06/01/2025

በስመ አብ ወወልድ አሐዱ አምላክ
እቲ አብ ጸልማት ምድሪ ዚነብር ሕዝቢ ዓቢይ ብርሃን ረአየ ነቶም አብ ጸልማት ምድሪ ሞት ዚነብሩ ድማ ብርሃን ወፀሎም ኢሳ9፡2

ብቐዳምነት ነቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ዓለም አሕሊፉ ዝነብር ሕጂውን ዘሎ ኢየሱስ ክርስቶስ ክብርን ምስጋናን ውዳሴን አምልኾትን ንዘለዓለም ንዕኡ ይኹን

ዝኸበርኩም ሕዝበ እግዚ አብሔር እንቓዕ ናብ ብርሃነ ልደቱ ብሰላምን ብጥዕናን ብሐድነትን አብጽሐና እምበአር ሕዝበ ክርስቲያን እዛ ዕለት እዚአ ድሕነትን ሰላምን ራህዋን ቅሳነትን ንወርሰላ ስለዝኾነት ቅድም ኢልና ብምምጻእ ናይዚ ኽቡር በዓል ተሳተፍቲ ክንከውን ቤተ ክርስቲያን ሐድራ ትብል።
ቤተ ክርስቲያን ካብ 6:00pm ክፉትዩ ካብኡውን
ብዝግባእ ,ብማኅሌት, ብስብሐታት,ብስብከት ,ብቕዳሴ,
ብዘደንቕ አገልግሎት ክንፍጽም ኢና።

መ/ጸ/መድኃኔ ዓለም ሎንዶን

ADRRESS

ST THOMAS ROAD
FINSBURY PARK
N4 2QP

03/11/2024

Address

St Thomas Road
London
N42QP

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Medhaniealem Menbere Tsebaot London posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Medhaniealem Menbere Tsebaot London:

Share

Category