Tigray Orthodox Tewahedo Debre Bisrat St Gabriel, London - TOTC

Tigray Orthodox Tewahedo Debre Bisrat St Gabriel, London - TOTC ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን London መንፈሳዊ ትምህርት ዝወሃበሉ ገጽ።

12/12/2025
ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፤ንትፈሣሕ ወንትሐሠይ ባቲ። እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን።እንኳዕ ናብ 2025 ዓ.ም G.C ብርሃን ትንሣኤ ...
20/04/2025

ዛቲ ዕለት እንተ ገብረ እግዚአብሔር፤
ንትፈሣሕ ወንትሐሠይ ባቲ።

እታ እግዚኣብሄር ዝገበራ መዓልቲ እዚኣ እያ፣ ብእኣ ንተሓጐስን ባህ ይበለናን።

እንኳዕ ናብ 2025 ዓ.ም G.C ብርሃን ትንሣኤ ብሰላም ብጥዕና ኣብፀሐና ኣብፀሐኩም!
እግዚአብሔር ምስ ደቂ ሰባት ዝነበሮ ፍቕሪ ብሰንኪ ናይ ኣዳምን ሄዋንን ስሕተት ብዝሰርሕዎ ሓጢኣት ደቂ ሰባት ካብ ገነት ተባሪሮም፡ ክብሮም ተቐንጢጦም ምስ ፈጣሪኦም ተባኢሶም ኣብ ፀላማት ይነብሩ ነበሩ: ሰብን ኣምላኽን ንምትዕራቕ ኣምላኽና እግዚአብሔር ብኣፈ ነብያት ኣቢሉ ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዝውለድ ምስ ፈጣሪና ቅዱስ እግዚአብሔር'ውን ከም ዘተዓርቐና ይዛረቦ ዝነበረ ልምፃም መፀ:: (ወለብሰ ሥጋ ሰብእ ወኮነ ከማነ ወጾረ ሕማመነ) ከምዘበሎ ቅዱስ መፅሓፍ ልዓና መሲሉ: ናትና ስጋ ለቢሱ: ንሕማምና ተሸኪሙ ኣብ ማሕፀን ኣዴና ድንግል ማርያም ሓዲሩ (ተፀኒሱ) ከምህፃን ጡብ ኣዲኡ ጠብዩ: ከም ውሉድ ተላኢኹ ወለዱ ኣገልጊሉ (ተላኢኹ) ሕሙማነ ሥጋን ሕሙማነ ነብሲ ዝኾኑ ደቂሰባት ፈዊሱ: ሙታን ኣተሲኡ: ንፁህ ኣምላኽ ክቡር ኣምላኽ እንከሎ: ተፀሪፉ ተገሪፉ መከራ መስቀል ተቐቢሉ (ሞተ በሥጋ) ከምዝበሎ ብስጋ ሞይቱ መቃብር ወሪዱ: ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኣብ መቃብር ሓዲሩ: መቃብር ክፈቱለይ መግነዝ'ውን ፍትሑለይ ከይበለ: ፀልማት መቃብር ሞትና ብሓይሊ ኣምላኽነቱ ደርዒሙ (ሰይሩ): መግነዝ ሓጢኣትና በቲኹ: ሓይሊ ዲያብሎስ ስዒሩ: ካብ ሞት ናብ ህይወት ካብ ፀልማት ናብ ብርሃን መሊሱ ነዓና ንባሮቱ ከይተገበኣና ብዙሕ ሓጢኣትና ከይተፀባፀበ ብምሕረቱ ናብ ጥንቲ ክብሪ ቦታና መሊሱ: ይቕረ ኢሉ ዝፈተወናን ዘኽበረናን ናብ ጥንቲ ቦታና ዝመለሰናን ፈጣሬ ዓለማት መድኃኔዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ቅዱስ እግዚአብሔር ኣምላኽና ይኽበር ይምገን።
ደጊምና እንኳዕ ንብርሃነ ትንሣኤ ብሰላም ብጥዕና ኣብፀሐና: ዝተባረኸ በዓል ይግበረልና!

"ወይቤ ተፈጸመ ኩሉ"ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ናይ መላእ ኣውሮፓ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ምስ ናይ ሃገረ ስብከ...
18/04/2025

"ወይቤ ተፈጸመ ኩሉ"

ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ናይ መላእ ኣውሮፓ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ላዕለዎት ሓለፍቲ መሳርሕቶም ዝካየድ ዘሎ ስግደት ሎሙዓንቲ'ውን ዓርቢ ስቅለት ዕለት 18 April 2025 G.C ኣብ መንበረ ጵጵስና ዝኾነ ኣብ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ለንደን ድሙቕ ብዝኸነ መልክዑ ተኸቢሩ ውዒሉ ኣሎ።

"ሐዋርያቲሁ ከበበ፥ እግረ አርዳኢሁ ሐፀበ፤ ኮኖሙ አበ ወእመ፤ወመሐሮሙ ጥበበ፡፡"ናይ ሊቁ ቅዱስ ያሬድ፣ ድጓሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ናይ ...
17/04/2025

"ሐዋርያቲሁ ከበበ፥ እግረ አርዳኢሁ ሐፀበ፤ ኮኖሙ አበ ወእመ፤
ወመሐሮሙ ጥበበ፡፡"

ናይ ሊቁ ቅዱስ ያሬድ፣ ድጓ

ሰሙነ ሕማማት ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ኣገልግሎት ናይ መላእ ኣውሮፓ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ላዕለዎት ሓለፍቲ መሳርሕቶም ዝካየድ ዘሎ ስግደት ሎሙዓንቲ ሓሙስ ዕለት 17 April 2025 G.C እውን ኣብ ናይ ሃገረ ስብከት መንበረ ጵጵስና ኣብ ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ለንደን ጸሎተ ሓሙስ ከምኡ'ውን ሕፅበተ እግር ምስ ትሕትና ድሙቕ ብዝኾነ መልክዑ ተኸቢሩ ውዒሉ።

16/04/2025

"ሰብ ኹሉ ዶ ፀሊኡኩም ዶ ይፈልጥ?"

ትምህርቲ ብብጹእ ኣቦና አቡነ ኤፍሬም

ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ሰሙነ ሕማማት ናይ መላእ ኣውሮፓ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ላዕለዎት ሓለፍቲ መሳርሕቶም ...
16/04/2025

ካብ ሰኑይ ዕለት 14/04/2025 G.C ጀሚሩ ዘሎ ሰሙነ ሕማማት ናይ መላእ ኣውሮፓ ሃገረ ስብከት ሊቀ ጳጳስ ብፁዕ ኣቦና ኣቡነ ኤፍሬም ምስ ናይ ሃገረ ስብከት ላዕለዎት ሓለፍቲ መሳርሕቶም ዝካየድ ዘሎ ስግደት ሎምዓንቲ ረቡዕ ዕለት 16 April 2025 G.C እውን ኣብ ደብርና ደብረ ብሥራት ቅዱስ ገብርኤል ትግራይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ለንደን ድሙቕ ብዝኾነ መልክዑ ተኸቢሩ ውዒሉ።

Address

113 Mildmay Grove N
London
N14PL

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Orthodox Tewahedo Debre Bisrat St Gabriel, London - TOTC posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share