19/03/2020
መዝሙር ዘደብረ ዘይት
“እንዘ ይነብር እግዚእነ ውስተ ደብረ ዘይት ወይቤሎሙ ለአርዳኢሁ ዑቁኬ ኢያስሕቱክሙ ወንበሩ ድልዋኒክሙ ብዙኃን ይመጽኡ በስምየ እንዘ ይብሉ አነ ውእቱ ክርስቶስ ወዘአዝለፈ ትዕግሥቶ ውእቱ ይድኅን ወአመ ምጽአቱሰ ለወልደ እጓለ እመሕያው ይትከወስ ኲሉ ኃይለ ሰማያት ወምድር አሜሃ ይበክዩ ኲሎሙ ኃጥአነ ምድር፡፡ ወይወርድ እግዚእነ እምሰማይ ዲበ ምድር በትእዛዙ ወበቃሉ ወበአዕላፍ መላእክቲሁ በንፍሐተ ቀርን ዘእም ኀበ እግዚአብሔር ይምሐረነ አብ በይእቲ ሰዓት እሞተ ኃጢአት እስመ ገባሬ ሕይወት ውእቱ እግዚኣ ለሰንበት፡፡”
“ጎይታ ኣብ ደብረ ዘይት ተቐሚጡ እንከሎ ንደቂ መዛምርቱ ከምዚ በሎም፣ "ከየስሕተኩም ተጠንቀቑ፣ ተዳሊኹም'ውን ንበሩ፣ ብስመይ ብዙሓት "ኣነ ክርስቶስ እየ " እናበሉ ክመጽኡ እዮም፣ እቲ ዝዕገስ፣ ግን ንሱ ክድሕን እዩ።" ወዲ ሰብ ኣብ ዝመጽአኩ ግዜ ኵሉ ሓይሊ ሰማያትን ምድርን ክነቓነቕ እዩ። ሽዑ ኵሎም ሓጥኣን ምድሪ ክበኽዩ እዮም። ጎይታና ካብ ሰማይ ናብ ምድሪ ብትእዛዙን ቃሉን መሰረት ምስ ኣእላፍ መላእክቱ ብምንፋሕ ናይ እግዚአብሔር ነጋሪት ክወርድ አዩ። በታ ሰዓት እቲኣ፣ እግዚአብሔር (አብ) ካብ ኃጢኣት ሞት ይምሓረና። ንሱ እቲ ጎይታ ሰንበት፣ ሕይወት ዝፈጠረ ስለዝኾነ።”