ተዋህዶ orthodox ሃይማኖተይ

ተዋህዶ orthodox ሃይማኖተይ እዚ page እዚ ንኽሉ ኣማኒ orthodox ዝተፋላለየ ትምህርቲ ሓዘል video?

13/03/2022

🙏🙏🙏

13/12/2021

🙏🙏🙏 ተዋህዶ ንዘልኣለም ትንበር 🙏🙏🙏

01/11/2021
29/01/2021

ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቁዱሳን ኣስተርእዮ 21 ጥሪ
ጸጋኣን ለውሃታን ጣዕማን ፍቕራን ርህራሄኣን ወትሩ ምስ ኩልና ናይ ሓደራ ደቃ ይኹን፥ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሰላም ዝሰፈኖ ሰናይ ናይ ራህዋ ዓመት ይግበረልና።

ኣሜን ኣሜን ኣሜን

24/01/2021



ሎሚ ወርሓዊ በዓል ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም እዩ፥ ናይ ኪዳነ ምሕረት ኣዴና ጸጋኣን ለውሃታን ጣዕማን ፍቕራን ርህራሄኣን ወትሩ ምስ ኩልና ናይ ሓደራ ደቃ ይኹን፥ ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሰላም ዝሰፈኖ ሰናይ ናይ ራህዋ ማዓልቲ ይግበረልና።

ኣሜን ኣሜን ኣሜን

"ረቡዕ 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም." ብግእዝ"ረቡዕ 13 ጥሪ 2021 ዓ.ም." ብፈረንጂ   በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።  ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ```````````...
13/01/2021

"ረቡዕ 5 ጥሪ 2013 ዓ.ም." ብግእዝ
"ረቡዕ 13 ጥሪ 2021 ዓ.ም." ብፈረንጂ

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ
```````````````````````````````
ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ሃገሮም ኣብ ንሂሳ ዝተባህለ ዓዲ ናይ ሃገረ ግብጺ ኢዩ። ኣቡኦም ስምዖን ኣዲኦም ድማ ኣቅሌስያ ይበሃሉ። እዞም ክልተ ናይ እግዚኣብሔር ሰባት ብዘይ ውላድ ንሰላሳ(30) ዓመታት ብፍቕርን ብስኒትን ተቐመጡ።

ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ኣቅሌስያ ኣብ ቤተ እግዚኣብሔር ኣትያ ኣብ ቅድሚ ስእሊ ቅድስት ሥላሴ ወዲቓን ክትጽልን ክትልምንን ከላ “ንሥኢ ወልደ ዘይትሌዑል ቀርኑ አምኑኅ ሰማይ፡ ክብሩ ካብ ናይ ሰማይ ክብሪ ዝበልጽ ወዲ ህንኪ ተቐበሊ” ዝብል ድምጺ ሰምዐት። በዚ ምኽንያት ከኣ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ 29 መጋቢት ተጠኒሶም 29 ታሕሳስ ተወልዱ።
ዓይኒ ቋሕ ካብ ዝበለሉ ግዜ ካብ ምርኣይ ከምዘይ ዓርፍ፡ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ልክዕ ካብ ማህጸን ኣዲኦም ካብ ዝወጹላ ግዜ ኣፎም ከፊቶም “ስብሐት ለኣብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ ዘአውጻእከኒ እምጽልመት ውስተ ብርሃን” እናበሉ ወትሩ ንእግዚኣብሔር እና ኣመስገኑ፡ ምድራዊ መብልዕ ከይበልዑ፡ ምድራዊ መስተ ከይሰተዩ፡ ንምስጋና ተጊሆም ብምንባሮም ንመላእክት ይመስሉ።

ኣብ መበል ሰለስተ ዓመቶም ቅዱስ ገብርኤል ሊቀ መላእክት ካብ እግዚኣብሔር ተኣዚዙ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ሑቕፊ ኣዲኦም ወሲዱ ናብ ሻውዓይ(7ይ)ሰማይ ናብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣቕረቦም’ሞ እግዚኣብሔር ድማ ባረኾም። ኣስዒቡ ናብ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያምን ናብ ኣብ ገነት ዝርከቡ ኩሎም ቅዱሳንን ወሰዶ እሞ ንሶም ውን ባረኽዎም። ብድሕሪ እዚ እቲ መልኣኽ ናብ ሓደ መነኮሳት ዘለውዎ ገዳም ወሲዱ ኣብ ወጻኢ ኣቐመጦም። ናይቲ ገዳም ኣበምኔት ኣባ ዘመደ ብርሃን ምልክት ተነጊርዎም ስለ ዝነበረ ሓቅነቱ ንምርግጋጽ ካብ ገዳማሞ ወጹ እሞ እንሆ ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ገጾም ሓጎስ መሊእዎ ኣብ ኣፍ ደገ ናይቲ ገዳም ረኸብዎም። እንሆ ከኣ ወሲዶም ኩሉ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ስርዓትን ትምህርተ ወንጌልን ዲቁናን ምሃርዎም። ናብ ኣቡነ ኣብርሃም ዝበሃሉ ጳጳስ ወሲዶም ድማ ማዕርገ ዲቁና ኣውሃብዎም። ብድሕሪ እዚ ሃብቲ ምፍዋስ ተዋህቦም፡ ብሓደ ግዜ ድማ ብዙሓት ሓንካሳትን ዕዉራንን ፈወሱ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ድማ ቅዱስ ገብርኤል መላኣኽ ብክንፉ ገይሩ ተሰኪሙ ናብ ቅድሚ ጎይታ ኣቕረቦም፡ ጎይታ ድማ በረኾም ብጸሎትካን ብኣማላድነትካን ካብ ሲኦል እተድሕነን ብዙሓት ነፍሳት ስለዘለዋ ካብ ሰብ ተፈሊኻ ሰብ ናብ ዘይብሉ በረኻ ኪድ፡ ናብራኻ ምስ60 ኣናብስን 60 ኣናብርን ይኹን” ድማ በሎም። “ዘኬድከ ጸበለ እግሪከ ይልሕሱ ወበውእቱ ይጸግቡ. . . . . . . . ጸበል እግሪኻ ልሒሶም ተመጊቦም ይንበሩ” በሎም። በዚ መሰረት ከኣ ናብ ገዳም ኣትዮም ምስ ኣናብርን ኣናብስን ምንባር ጀመሩ። ነቢይ ዳኒኤል ናብ ኣፍ ኣናብስ ኣብ ዝተደርበየሉ ግዜ ኣብቲ ጉድጓድ ዝጸንሑ ኣናብስ ዋላ ሓንቲ ጉድኣት ከምዘየውረድሉ፡ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሔር ብዝረኸብዎ ጸጋ ምስ 60 ኣናብስን 60 ኣናብርን ብሰላም ይንበሩ ነበሩ። ንሳቶም ኣይጎድእዎምን፡ ጸበል እግሮም ተመጊቦም ድኣ ነበሩ እምበር። ከምዚ ኢሎም ከኣ ን300 ዓመታት ተቐመጡ።

ብድሕሪ እዚ “ሑር ምድረ ኢትዮጵያ ወበህየኒ ሀለውከ ነፍሳተ ዘታወጽኦሙ” በሎም። ቅዱስ ገብርኤል ብሰረገላ ንፋስ ጽዒኑ ምድረ ከብድ ኣብ ዝበሃል ቦታ ኣብጽሖም። ቀጺሉ ድማ ናብ ዝቋላ (ደብረ ቅዱስ) ኣብጽሖም። ኣብዚ ኮይኖም ብንጽህና ናይ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓጢኣት ርእዮም ኣብ ባሕሪ ኣትዮም ቁልቁል ኣፎም ተደፊኦም ብርእሶም ኣብ ባሕሪ ቆይሞም ክጽልዩ ጀመሩ፡ ድሕሪ ኣርበዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ድማ እግዚኣብሔር “ዘገብረ ተዝካረከ ወዘጸውዐ ስመከ እምሕር ለከ” በሎም። ንሶም ከኣ ኢትዮጵያ ብምልእታ ከይመሓርካለይ ካብዚ ዘለኽዎ ቦታ ኣይወጽእን እየ ኢሎም ን100 ዓመት ዝኣክል ብርእሶም ቆይሞም ጸለዩ። ድሕሪ 100 ዓመት ጎይታ “ተንሥእ ወጻኣ መሐርኩ ለከ ኩሎ ኢትዮጵያ” በሎም እሞ ካብቲ ዝነብርዎ ወጹ።

ብድሕሪ’ዚ ናብ ምድረ ከብድ ወሪዶም ካብ ሰማይ ንታሕቲ ካብ ምድር ንላዕሊ ንሸውዓተ ዓመት ዝኣክል ከም ዝተተኽለ ዓምድ ኮይኖም፡ ዓይኖም ከይከደኑ ንሸውዓተ ዓመት ምሉእ ጸለዩ። ሰይጣን ንመንቀንኘት ስለ ዘይዓርፍ ግና ኳኽ መሲሉ መጺኡ ዓይኖም ኣንቊሩ ኣዕወሮም። ክልተ ሱባኤ ምስ ፈጸሙ ቅዱስ ሚካኤል መጺኡ ኣብ ዓይኖም ኡፍ ኢሉ ኣሕወዮም ከም ቀደሞም ድማ ኮኑ። ብድሕሪ’ዚ ናብ ዝቋላ ተበገሱ፡ ሥላሴ ብኣምሳል ሰለስተ ኣረጋውያን ኣብ ትሕቲ ጽላል ኣዕሪፎም ጸንሕዎም፡ እንሆ ድማ ብዝፋን ኣምላኽ ንምሕጸነካ ኣለና ሓሓደ ምዕራፍ ተሰከመና በልዎም። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ብኣምላኻዊ ፍቕሪ ተደሪኾም ሐራይ ኢሎም ተሰኪሞሞም ተበገሱ፡ እንተኾነ እንዳ ተጓዓዙ ከለዉ ብሓድነትን ብሰለስትነትን ተገልጽሎም እሞ ደንጊጾም ናብ ምድሪ ወደቑ፡ እንሆ ከኣ ኣተንስእዎም ናብ ዝቋላ ድማ በጽሑ።

ኣባ ሳሙኤል ዘዋልድባ፡ ኣባ አንበሴ ዘሐዘሎን ኣባ ብንያም ዘግብጽን ዝናኦም ሰሚዖም ኣናብሶም ኣኸቲሎም ንኽሓትዎም መጹ። ድሕሪ ሸውዓተ መዓልቲ ድማ ተገልጽሎም፡ እንተኾነ ሒዘሞም ዝመጹ ኣናብስ በቶም ናይ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣናብስ ስለ ዝተበልዑ ሓዚኖም ነበሩ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ግና እንሆ ጎይታ ጸበል እግረይ ልሒስኩም ክትምገቡዶ ኣይኮነን ዝፈቐደልኩም ስጋን ደምን ክትበልዑዶ ተፈቒድልኩም ኢዩ፧ ኢሎም ቀልጢፍኩም ትፍእዎም ክብሉ ነቶም ኣናብስ ኣዘዝዎም። ንሳቶም ከኣ ተፍእዎም ባሪኾም ድማ ኣተንስእዎም ንሳቶም ድማ “ርኢነ መንክረ ኦ ኣባ” እንዳ በሉ ነናብ ቦትኦም ተመልሱ።

ብድሕሪ እዚ እግዚኣብሔር ናብ ንክርስቶስ ዝኸሓዱ ናብ ምዕራብ ሃገር ወሰዶም ኣብ ነገስታትን መኳንንትን ዝኣትውሉን ዝወጽእሉን ቦታ ድማ ኣቖሞም። ናይ ኣዕራብ ንጉስ ድማ ብዙሓት ሰራዊትን መኳንንትን፡ ጣዖታቱን ሒዙ ናብቲ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝነበርዎ ቦታ መጽአ’ሞ እቶም ኣብቶም ጣኦታት ሓዲሮም ዝነበሩ ኣጋንንቲ ፈሪሖም ክሃድሙ ጣኦታቱ ክሰባበሩ ርእዩ ፈርሐ፡ ነቲ ፈትሊ ብዝመስል ጸጉሪ ዝመልአ ሰብነቶም ርእዩ ከኣ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ “ንስኻ ሰብ ዲኻ፧” ክብል እንዳ ተገረመ ሓተቶም። “እወ በቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝኣምን ሰብ እየ” በልዎ። ምሊሱ ድማ እቲ ኣረሜን ንጉስ “ኣይሁድ ሰቒሎም ብዝቐተልዎ ወዲ ሰብ ተኣምን ኢኻ” በሎም። ንሶም’ውን “እወ ይኣምን እየ! በቲ ምእንታይ ዝተሰቕለ ክርስቶስ ኣይሓፍርን እየ! ንሱ ምእንቲ ኩላትና እዩ ዝሞተ ንስኻን ሰራዊትካን ብእኡ እመኑ እሞ ናይ ዘለኣለም ሕይወት ክትረኽቡ ኢኹም” በልዎ። ነዚ ዝሰምዐ ንጉስ ብሓዊ ኣቃጽልዎ ክብል ትእዛዝ ኣመሓላለፈ፡ እንተኾነ ዋላ ሓንቲ ክገብሮም ኣይከኣለን ብሰላም ድኣ ካብቲ ሓዊ ወጹ። ነዚ ዝረኣዩ ብዙሓት ወተሃደራት ድማ ኣመኑ። እቲ ንጉስ ምስቶም ዘይኣመኑ ወታሃደራቱ ኮይኑ ነቶም ብክርስቶስ ዝኣመኑ ወታሃደራቱ ብሴፍ ገይሩ ኣራእሶም ክቆርጽ ጀመረ። ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ’ውን ርእሶም ክቆርጾም ደለየ እሞ ካብ ሰማይ ሓያል መብረቕ መጺኡ ንዕኡን ንሰራዊቱን ቀተሎም። ንነፍሳቶም መላእኽቲ ጽልመት ክወስድዎም ዝረኣዩ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዚ ኩሉ ዝኾነ ብሰንከይዶ ኣይኮነን፧ ኢሎም ካብ ብርቱዕ ሓዘን ዝተላዕለ ኣእጋሮም ብገመድ ኣሲሮም ንቑልቁል ኣፎም ጠልጠል በሉ። ሕጂ’ውን ሰይጣን ዓቕሉ ስለ ዝጸበቦ ነቲ ተኣሲረምሉ ዝነበሩ ገመድ በተኾ እንተኾነ ቅዱስ ሚካኤል ኣብ ኣየር ከለዉ ተቐበሎም ግደፈኒ ብርእሰይ ይቑም ድማ በልዎ። በዚ ከኣ ን፴/30 ዓመታት ዝኣክል ብብርቱዕ ገድሊ ኣልቀሱ። እግዚኣብሔር ንገድሎምን ልማንኦምን ርእዩ ነቲ ዝለመንዎ ልማኖ ተቐበለሎም፡ ነቶም ሰባት ድማ መሓረሎም።

በዚ ንምስምዑ ዕጹብን ድንቅን ዝኾነ ገድሊ ሓሊፎም እምበኣር ኣብ ምድረ ኣግኣዚ ን262ዓመት ጸኒሖም ኣብ መበል 562 ዕድሚኦም ካብዛ ብስጋ መከራ ዝበዝሓ ዓለም ብሓሙሽተ(5)መጋቢት ብዕለተ ሰንበት ኣዕረፉ።

ጸሎትን በረኸትን ናይ ቅዱስ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ከምኡ 'ውን ናይ ኣቡነ ፊልጶስ ጻድቕ ኣቦና ምስ ኩላትና ይኹን ኣሜን!!!
ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሰናይ ናይ ራህዋ መዓልቲ ይግበረልና።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን!

ኢሳይያስ 9 (Isaiah)6፤ ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እ...
06/01/2021

ኢሳይያስ 9 (Isaiah)
6፤ ሕጻን ተወሊዱልና፡ ወዲ ተውሂብና እዩ እሞ፡ እቲ ግዝኣት ከኣ ኣብ መንኲቡ እዩ፡ ስሙውን ግሩም፡ መካር፡ ብርቱዕ ኣምላኽ፡ ኣቦ ዘለኣለም፡ መስፍን ሰላም ኪስመ እዩ።

ርሑስ በዓል ልደትን ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና ብፋቓዱ ክንማላለስ ብጸግኡ ይደግፈና። ኣሜን

05/01/2021

በስመኣብ ወወልድ ወመንፍስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን
27 ወርሓዊ በዓል
በረኸቱን ረድኤቱን ፣ ሰላሙን ምሕረቱን ናይ ኣልፋን ኦሜጋን ዝኾነ መድሓኒዓለም ክርስቶስ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን🙏🙏🙏
ክብርን ምስጋናን ኣምልኾን ውዳሴን ንዕኡ ንኹኖ ኣሜን🙏

29/12/2020

ብዙሕ ኣብ ናይ ሓጢኣት ተጓዒዝካ
ብዙሕ ኣጥፊእካ
ብዙሕ ከሲርካ
ብዙሕ ተሃሲኻ
ብዙሕ ሕማቕ ለሚድካ
ብዙሕ ካብ ጥዑይ ህይወት ርሒቕካ
ኣድራሻኻ ምስ ምውታን ኮይኑ፡ ዝረኣየካ ናይ ሓሽሽ፡ ዝሙት፡ ጠላዕ፡ ኢሉ ኣፉ ይርምጥጠልካ። እዚ ግን ዓይኒ ሰባት፡ ኣተሓሳስባ ሰባት እዩ።

እግዚኣብሄር ግን የፍቕረካ እዩ
እግዚኣብሄር ይደልየካ እዩ
እግዚኣብሄር ከም ዘለኻዮ ይቅበለካ እዩ
እግዚኣብሄር ብኣኻ ብዙሕ ክሰርሕ ይደሊ እዩ
እግዚኣብሄር ማዕጽኡ ርሑው እዩ ንዓኻ

ኣታ ኃወይ ቃል ኣምላኽ ዝብሎ እሞ ስማዕ:-

እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። (ሮሜ 8፥31-32)

ሕቶ መን እዮም ሕሩያት ?

ኢየሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም። (ማቴ 9፥12-13)

ስለዚ ኣታ ኃወይ፦

እግዚኣብሔር ቀቅድሜኻ ኺኸይድ እዩ፥ ምሳኻ ኪኸውን እዩ፥ ኣይኪጠልመካን እዩ፥ ከምኡውን ኣይኪኃድገካን እዩ። ኣይትፍራህ፥ ኣይትሸበር” በሎ። (ዘዳ 31፡8)

29/12/2020

ጸሎትን ኣማላድነትን ናይ ኣዴና ቅድስተ ቁዱሳን ድንግል ማርያም ምስ ክልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን። ኣሜን 🙏🙏

ዳዊት 91 (Psalms)13፤ ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።ጸለቶምን በረከቶምን ናይ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ኣ...
22/12/2020

ዳዊት 91 (Psalms)
13፤ ኣብ ልዕሊ ኣንበሳን ተመንን ክትከይድ፣ ሽደን አንበሳን ገበልን ክትረግጽ ኢኻ።
ጸለቶምን በረከቶምን ናይ ጻድቅ ኣቡነ ኣረጋዊ ምስ ኩልና ህዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን ኣሜን ኣሜን።

Adresse

Volvic

Site Web

Notifications

Soyez le premier à savoir et laissez-nous vous envoyer un courriel lorsque ተዋህዶ orthodox ሃይማኖተይ publie des nouvelles et des promotions. Votre adresse e-mail ne sera pas utilisée à d'autres fins, et vous pouvez vous désabonner à tout moment.

Contacter Le Lieu De Culte

Envoyer un message à ተዋህዶ orthodox ሃይማኖተይ:

Partager