24/08/2025
ዕለት 18/12/2017ዓ/ም
🙏🙏ኣማኑኤል ሕብረት ቤተክርስቲያን ሽረ እንዳስላሴ🙏🙏
መምህር እግዚአብሔር መተሓላለፊ ቃል 👉 ሓውና ዳዊት ገብረእግዚኣብሔር
ርእሲ 📖👉👉🔊 📢 ከም ፍቓድ ኣምላኽ ዝኾነ ፀሎት 🙏 👇👇
“ካብ እግዚኣብሄር ኣቦናን ካብ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ጸጋን ሰላምን ምሳኻትኩም ይኹን።”
“ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።” — ወንጌል ማቴዎስ 6፥9
ሎሚ ኣብዚ ክፍሊ እንሪኦ ካብቲ ብልሙድ ዳርጋ ኩሉ ሰብ ዝፈልጦን ብቃሉ ውን ዝወፆ "አቡነ ዘበሰማያት" ካብ ዝሓዞ ብዙሕ ቁም ነገር ንሎሚ ኣብ ቁፅራ 9 ጥራሕ ዘሎ ክፍሊ ክንርኢ ኢና። “ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ ክበሃል ከሎ እንታይ እዩ🤔 ቅድም ግና ፀሎት ማለት ብውሕዱ ኣብ ሞንጎ እግዚአብሔርን ሰብን ብናይ ውልድነት መንፈስ ዝግበር ዝርርብ ልመናን መልስን እዩ ። ኣምላኽ ዝደልዮን ዝሰምዖን ፀሎት ከመይ ዝበለ እዩ👇👇
1. ከም ፍቃድ ኣምላኽ ዝኾነ ልመና ካብ ግብዝና ዝተላቀቀ “ንስኻትኩም ክትጽልዩ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ኣብ ኣባይቲ ጸሎትን ኣብ ቃራናታት መገዲን ደው ኢሎም ኪጽልዩ ይፈትዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።” — ወንጌል ማቴዎስ 6፥5
2. ንሕና ብናይ ውልድነት መንፈስ ንእንፅሊ ግና “ንስኻስ ክትጽሊ ኸሎኻ፡ ናብ ቤትካ እቶ፡ ማዕጾኻ ዕጾ፡ ነቲ ብሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ለምኖ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ” — ወንጌል ማቴዎስ 6፥6 "ማዕጾኻ ዕጾ" ክስመሮ ዝግባእ ቃል
3. ኣብ ቅድማ ኣምላኽ እቲ ክምለስ ዝግበኦ ኣምላኽ ይፈልጥ እዩ እሞ ንኣምላኽ ከምዘይሰምዕ ወይ ድማ ብብዝሒ ዘረባ ከንቱ ብዝኾነ ዘረባ ዘይምድግጋም “ክትጽልዩ ኸሎኹም ከኣ፡ ኣህዛብ ብምብዛሕ ዘረባኦም ዚስምዑ ይመስሎም እዩ እሞ፡ ከማታቶም ዘረባ ኣይተብዝሑ።”— ወንጌል ማቴዎስ 6፥7 ሕያው ምስክር ቃል ኣምላኽ ኣብ ሞንጎ ባርያ እግዚአብሔር ኤልያስን ኣገልገልቲ ጣዖት በዓል ዝተገበረ ፀሎትን መልስን ምርኣይ እዩ 1ይ ነገስ 18
4. ንምንታይ ኢና ከም ኣህዛብ ክንከውን ዘይተኣዘዝና👉“እምብኣርስከ ኣቦኹም ከይለመንኩምዎ፡ ዜድልየኩም ይፈልጥ እዩ እሞ፡ ኣይትምሰልዎም።” — ወንጌል ማቴዎስ 6፥8
👉 ስለዚ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል ዝኾነ ፀሎት እንታይ እዩ
1. መጀመርታ ፀሎትና ፍሉጥ ናብ ዝኾነ ኣድራሽኡ ክኸውን ይግበኦ “ንስኻትኩምሲ ኸምዚ ኢልኹም ደኣ ጸልዩ፡ ኣብ ሰማያት እትነብር ኣቦና፡ ስምካ ይቀደስ።” — ወንጌል ማቴዎስ 6፥9 እዚ ሰማይ ዝብል ቃል ወሰን ዘይብሉ ናይ ኩሉ ዝኾነ ቀደም እስራኤላዊያን ኣምላኽ ኣብርሃም, ይስሃቅ, ያዕቆብ ብምባል ናይ በይኖም ከምዝገበርዎ ኩሉ ኣብ ሓዱሽ ኪዳን ድማ ወሰን ኣልቦ ዝኾነ ናይ ኩሉ ኣምላኽ ምዃኑ ዘረጋግፅ እዩ።
👉 ካሊእ ድማ "ሽም እግዚአብሔር ይቀደስ" ምባል ሽሙ ማንነቱን ባህርይኡን ዕቤቱን ዝገልፅ እዩ ንኣብነት ኤልሻዳይ ኩሉ ከኣሊ, ሽም እግዚአብሔር ኣብ ኩለንተናና ሃገርና መንነትና ወዘተ ገኒኑ ይረአ ልዕል ይበል ይብለፅ ብምባል ነቲ ሽሙ ልዑል ዝኾነ ኣፍልጦ ምሃብ እዩ::
🤔👉 ሽም እግዚአብሔር ብኸመይ ነልዕሎ
1. ብኣንደበትና ወይ ካብ ኣንደበትና ብዝወፅእ ቃል ጥንቃቀ ብዘለዎ ኣገባብ ክንፅውዖ ይግባእ 👉 “እግዚኣብሄር ስሙ ብኸንቱ ንዘልዐለ ኸይቀጽዔ ኣይሐድጎን እዩ እሞ፡ ስም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብኸንቱ ኣይተልዕል።” — ኦሪት ዘጸአት 20፥7
2. ሽም እ/ር ብናብራና ንቅድሶ ፊሊ 1፥27