26/05/2026
ብምኽንያት ዒድ ኣል-ኣድሓ 1447 ዓመተ ሂጅሪያ ብ ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ ዝተወሃበ መግለፂ
ዕለት፦ 18/09/2018 (መቐለ, ትግራይ, ኢትዮጵያ)
ኣስ-ሰላሙ ዓላይኩም ወራሕመቱላሂ ወባራካቱሁ!
ብመጀመርያ ንመላእ ማሕበረሰብ ሙስሊም እንኳዕ ን1447 ዓመተ ሂጅሪያ ዒድ ኣል-ኣድሓ ዓረፋ ኣብፀሐኩም ብምባል ሰናይ ትምኒትና ክንገልፅ ንፈቱ። ብምቕፃል እዚ በዓል ንምኽባር ኣብ እንተኣኻኸበሉ እዋን፡ ዓሚቝ መንፈሳዊ ትርጉም እቲ ብ ኡድሕያ ዝፍለጥ ዒድ ኣል-ኣድሓ ክንዝክር ይግባእ።
እዛ መዓልቲ እዚኣ ነቲ ዘይንቕነቕ እምነትን ተወፋይነትን ነብይ ኢብራሂም (ዓ.ሰ) ዘዘኻኽር ጥራሕ ዘይኮነስ ነቶም ኣብ እምነትና ዝርከቡ መትከላት መስዋእቲ፣ ርህራሄን ሓድነትን ሓያል መዘኻኸሪ ኮይና እተገልግል እያ።
ዒድ ኣል-ኣድሓ፡ ኣብ መላእ ዓለም ብሚልዮናት ዝቑፀሩ ሙስሊሚን ብዓሚቝ ተወፋይነትን ኣስተንትኖን ዝገብርዎ ጉዕዞ ሓጅ ዝዛዘመሉ እዋን እዩ። ኣብ ዒባዳ እንተኣኻኽበሉ፣ ኡድሕያና እነቕርበሉ፣ ዝተዓደለና በረኸት ምስ ዝተፀገሙ እነካፍለሉ እዋን እዩ።
ኣብዚ እዋን እዚ፡ እምነትናን ማሕበረሰባዊ ምትእስሳርናን ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ኣገዳሲ ዝኾነሉ እዋን እዩ። ኡድሕያ ምግባር ሓዊሱ ስርዓታት ዒድ ኣብ እንፍፅመሉ ዘለና እዋን ነቶም ዝተፀገሙ ወገናትና ዘኪርና ልግስና ነስፍሕ። ብኢስላማዊ ኣስተምህሮ መሰረት ንሰናይ ተግባርን ማሕበራዊ ፍትሕን ዘለና ተወፋይነት ደጊምና ብምርግጋፅ በረኸት ናይዚ ዕለት ናብ ኩሉ ክበፅሕ ንግበር።
በዚ መሰረት ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ፡ ኩሎም ኣመንቲ ኣብዚ ዒድ እዚ እቲ በዓል ብርህራሄን ልግስን ከኽብሩ ይላቦ፤
• ናይ ዒድ ሶላት ብስነ-ስርዓት ምስጋድ።
• ከከም ዓቕምና ናይ ኡድሕያ ስጋ ምስ ዝተፀገሙ ምክፋል።
• ስድራቤትን ፈተውትን ብምዝያር(ብምብፃሕ) ናይ ዘመድነት ምትእስሳር ምፍጣር።
• ንብጣዕሚ ዝተፀገሙ ወይ ድማ ዝተሃሰዩ ኣብ ዝድግፍ ግብረ ሰናይ ስራሕቲ ኣበርክቶ ምግባር።
ዒድ ሙባረክ!
ኣሏህ (ሱ.ወ) ንሰላትና፣ ኡድሕያናን ሰናይ ተግባርናን ይቀበሎ።
ወ ቢላሂ ተውፊቅ!
ሓፈሻዊ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ትግራይ