ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

  • Home
  • Ethiopia
  • Mekelle
  • ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ

ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ እዚ ፔጅ ብናይ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስትያን ሕግን ስርዓትን(ዶግማ፣ቀኖና፣ትውፊትን) ዝንቀሳቀስ መንፈሳዊ ፔጅ እዩ።

25/08/2026
 በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና!ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያ...
22/08/2026



በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን።

እንቋዕ ናብ በዓለ ዕርገታ ለእግዝእትነ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሰላም ኣብጸሓና!

ጾመ ፍልሰታ ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ዕረፍታን፣ ትንሣኤን ዕርገታን ዝሕሰበሉ እዋን እዩ። ኣብዚ እዋን ምእመናን ኣብ ዝተፈላለዩ ገዳማትን ቤተክርስቲያናትን ብምእካብ፣ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንኣዲኡ መንበር ጌሩ ቀዲሱ ዘቆረበሉን ዕረፍታን ይዝክሩ። ኣብዚ ናይ ሱባኤ እዋን ብጾምን ጸሎትን ተወሲኖም «ብሓቂ ተንሢኣ» ኢሎም ብደስታ ይፍጽሙ።

ኣብ ቅድስቲ ቤተክርስቲያን ዝርከቡ ቅዱሳት መጽሓፍቲ ከምዝነግሩና፣ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዕረፍታ ምስ ኣኸለ ሓዋርያት ናይ ኣዴና ሥጋ ናብ ዝዓርፈሉ ጌቴሰማኒ ሒዞማ እንዳኸዱ ከለው፣ ኣይሁድ ብቅንኣት ተላዒሎም «ንዑ ተኣከቡ እሞ ብሓዊ ነቃጽላ» ብምባል ታውፋንያ ዝተባህለ መንእሰይ ለኣኹ። ንሱ ሥጋኣ ክሕዝ ምስ ደለየ ግና መልኣኽ እግዚአብሔር ብሰይፊ ሓዊ ንኽልተ ኣእዳዉ ቆረጾ። ዳሕራይ ግና ብኣማላድነት ድንግል ማርያምን ብኢድ ቅዱስ ጴጥሮስን ተፈዊሱ እዩ።

መልኣኽ እግዚአብሔር ሥጋ ድንግል ማርያም ናብ ገነት ወሲዱ ኣብ ትሕቲ ዕጸ ሕይወት ኣቀመጦ። ሓዋርያት'ውን ሥጋኣ ንምርካብ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ጀሚሮም ኣብ መበል 14 መዓልቲ ጐይታ ሥጋኣ ምስ ሃቦም ኣብ ጌተሰማኒ ቀበርዋ።

ኣብ እዋን ቀብሪ ዘይነበረ ቅዱስ ቶማስ፣ ካብ ህንድኬ ብደመና ተጻዒኑ ናብ ኢዮርሳሌም ክመጽእ ከሎ፣ ድንግል ማርያም ኣብ ሣልሳይ መዓልቲ ተንሢኣ ክትዓርግ ረኸባ። ንምልክት ዝኸውን መግነዚኣ ድማ ሂባቶ ዓረገት። ቅዱስ ቶማስ ናብ ሓዋርያት ምስ በጽሐ "ንኣዴና ቀቢርናያ" ምስ በልዎ፣ "ሞት ብጥሪ ቀብሪ ብነሓሰ ከመይ ይኸውን" ኢሉ ምስ ተማጎቶም፣ መቓብር ከርእይዎ ከዱ። መቓብር ምስ ከፈቱ ግና ሥጋኣ ስኣኑ። ሽዑ ቅዱስ ቶማስ ከምዝዓረገት ነጊሩ እቲ መግነዝ ኣርኣዮም።

ሓዋርያት ንትንሣኤኣ ንምርኣይ ኣብ ዓመቱ ባሕቲ ነሓሰ ሱባኤ ኣተዉ። ኣብ መበል 16 መዓልቲ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ ቀዲሱ ድሕሪ ምቁራቡ፣ ዕርገት ኣዲኡ ንምርኣይ ኣብቅዖም።

ናይ ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ትንሣኤ ፍሉይ ናይ ክብርን ሕይወትን ትንሣኤ ክኸውን ከሎ ካልኣይ ሞት ዘየስዕብን፣ ትንሣኤ ዘጉባኤ ዘይጽበን እዩ።

ናይ ኣቦታትና ተስፋ ዝተፈጸመላ ናይ ድኅነትና ምኽንያት ዝዀነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብረድኤታ ኣይትፈለየና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር፣
ወለወላዲቱ ድንግል፣
ወለመስቀሉ ክቡር።
አሜን!

#ማሕበር ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ትግራይ።

20/08/2026

ተካታታሊ ትምህርቲ ክርስትያናዊ ሕይወት
✝️አርእስቲ ትምህርቲ #2ይ #ክፋል #ንስሓ
ብክቡር ኣቦና ሊቀ ካህናት ኃይለሥላሰ
ንክቡር ኣቦና ቃል ሕይወት የስመዐልና ብሓቂ።
#ካብ #መንበረ #ሰላማ #ዘኦርቶዶክስ #ተዋህዶ #ትግራይ #ብናይ #እዮሩሳሌም #ማእኸላይ #ምብራቅ #ሀገረ #ስብካት #እናተዳለወ #ዝማሓላለፍ : #ትምህርቲበ ትንሽ ይመልከቱ

19/08/2026

#ትምህርቲ #ብዛዓባ #ደብረ #ታቦር
ብክቡረ ኣቦና አስከለ ሊቀሊቃውንት ከሳቴ ብርሃን።
ንክቡር ኣቦና ቃል ሕይወት የስመዐልና ብሓቂ።
#ካብ #መንበረ #ሰላማ #ዘኦርቶዶክስ #ተዋህዶ #ትግራይ #ብናይ #እዮሩሳሌም #ማእኸላይ #ምብራቅ #ሀገረ #ስብካት #እናተዳለወ #ዝማሓላለፍ : #ትምህርቲ

19/08/2026
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።"ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ።" መዝ.መዝ.፹፰፥፲፪እንኳዕ ንበዓለ ደብረ ታቦር ብሰላም ኣብፀሓናደብረ ታቦር ካብ ትሸዓተ ዓበይቲ ...
19/08/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ።
"ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ።" መዝ.መዝ.፹፰፥፲፪
እንኳዕ ንበዓለ ደብረ ታቦር ብሰላም ኣብፀሓና
ደብረ ታቦር ካብ ትሸዓተ ዓበይቲ በዓላት ሓደ ኮይኑ ብረሃነ መለኮቱ ንቅዱሳን ሐዋርያት ዝገለፀሉ ከረን እዩ። ደብር ማለት ከረን ወይ ገቦ ማለት እንትኾን ታቦር ድማ ናይቲ ከረን ስም እዩ። ጎይታ ኣብ መዋዕለ ስብከቱ ዝበዘሐ ግዜ ዘምህረሉን ተኣምራት ዝሰርሓሉን ኣብ ከረናት እዩ ነይሩ። ኣብዚ ዕለት ትሸዓቲኦም ኣብ እግሪ ደብሪ ሓዲጉ ሠለስቲኦም ማለት እውን ጴጥሮስ፣ ዮሐንስን ያዕቆብን ኣኸቲሉ ናብቲ ርእሲ ከረን ወፂኡ እዩ። ደሓር ኣብኡ ምስ ወፁ "ወተወለጠ ራእዩ በቅድሜሆሙ ወአብርሀ ገጹ ከመ ፀሐይ ወአልባሲሁኒ ኮነ ጸዐዳ ከመ በረድ፤" ይብል ኣርኣያኡ ተለዊጡ፣ ገፁ ከም ፀሓይ ኣብሪሁ፣ ልብሱ ከም በረድ ነፂሁ ሙሴን ኤልያስን ብየማንን ፀጋምን ኮይኖም ተረኣይዎም።
ሐዋርያትስ ምሥጢረ መለኮቱ፣ ኣምላክነቱ ከረድኦም እንበል ሙሴን ኤልያስንኸ ካብ ዅሎም ነቢያት መሪፁ ልምንታይ ኣምፂእዎም እንተተበሃለ፣ ሙሴ ንሓሙሽተ ሚኢትን ሰብዓን ግዜ ተነጋጊረካ እየ ግና ክርእየካ ይደሊ እየ ኢልዎ ነይሩ፣ ጎይታ ግና "አልቦ ዘይሬኢ ገጽየ ወየሀዩ አሐተ ሰዓተ እምዘሕይወቱ በዲበ ምድር፣" ገፀይ ርእዩ ንሓንቲ ሰዓ እኳ ምቋም ምፅናሕ ዝከኣሎ የለን በሎ። ክርእየካ እንተዘይክኢለማ በዓል ውዕለታኻ ዝበሃለሉ ኣብ ምንታይ እዩ እንተበሎ፣ "ድኅረሰ ትሬኢ ገጽየ" መሥዋዕት ኮይነ እንትቀርብ ግዜ ትርእየኒ ኢኻ ኢልዎ ስለዝነበረ ቃሉ ንክፍፅም ኣምፂእዎ። ካልኣይ ድማ ጎይታ ዕዉር እንተብርህ፣ ምዉት እንተልዕል ሙሴ እዩ ኤልያስ እዩ ወይ ካብ ነቢያት ሓደ እዩ ይብልዎ ስለ ዝነበሩ ናትና ጎይታ ናይታ ኣምላክ መን እዩ ሙሴ ዝብለካ መን እዩ ኤልያስ ዝብለካ ናይ ሙሴን ኤልያስን ናይ ነቢያትን ኣምላክ ይበሉኻ እምበር ኢሎም ንክምሥክሩ ኣምፂእዎም እዩ።
ፍፃሜኡ ግና ደብረ ታቦር ናይ መንግሥተ ሰማያት ምሳሌ እያ። እዛ መንግሥቲ እዚኣ ሕጋውያንን ደናግልን ብሕብረት ከም ዝወርስዋ ንምርዳእ ካብ ሕጋውያን ሙሴ፣ ካብ ደናግል ድማ ኤልያስ ኣምፂኡ እዩ። ደሓር ግና እቲ ክርእይዎ ዝተመነዩዎ ብርሃነ መለኮቱ እንትገልፀሎም ኣብ ቅድሜኡ ምቋም ተስኢንዎም ሙሴ "ትኄይሰኒ መቃብርየ፣" ኢሉ፣ ኤልያስ እውን ናብ ሠረገላኡ ተመሊሶም እዮም። ቅዱስ ጴጥሮስ እዚ እንትርኢ "እመሰ ትፈቅድ ንንበር ዝየ ወንግበር ሠለስተ ማኅደረ አሐደ ለከ ወአሐደ ለሙሴ ወአሐደ ለኤልያስ፤" ጎይታይ ፍቃድካ እንተኮይኑስ ሓደ ንዓኻ ሓደ ንሙሴ ሓደ ድማ ንኤልያስ ሠለስተ መሕደሪ ሰሪሕና ኣብዚ ንንበር በሎ። ደሓር ግና ወእንዘ ዘንተ ይትናገሩ "ናሁ ደመና ብሩህ ጸለሎሙ ወናሁ መጽአ ቃል እምውስተ ደመና ዘይብል ዝንቱ ውእቱ ወልድየ ዘአፈቅር ዘቦቱ ሠመርኩ ወሎቱ ስምዕዎ፤" እናተናገሩ ከለዉ ብሩህ ደመና መፂኡ ፀለሎም ሽዑ ንሽዑ እቲ ዝፈትዎ ወደይ እዚ እዩ፣ ንዕኡ ድማ ስምዕዎ ዝብል ድምፂ ካብ ላዕሊ ተሰመዐ። እኒ ቅዱስ ጴጥሮስ ደንጊፆም ናብ መሬት ወዲቆም እዮም፤ ጎይታና ድማ "ተንሥኡ ወኢተፍርሁ" ኢሉ ኣልዒልዎም እዩ። እዚ ዅሉ ምሥጢር ኣርእዩ ካብቲ ከረን እንትወርዱ "አዘዞሙ ኢይንግሩ ዘርእዩ እምደብር" ዘርአይኹኩም ምሥጢር እስካብ ትንሣኤ ንማንም ከይትናገሩ ኢሉ ኣዚዝዎም እዩ። ማቴ.፲፯፥፩-፱
ካብ ሓውርያት ሠለስቲኦም ጥራሕ ንምንታይ ወሲዱ እንተተበሃለ ቅዱስ ጴጥሮስ ጎይታ ክሞትየ ክለዓል እየ እንተበለ እዚስ ካባኻ ይርሓቅ ኢልዎ ስለ ዝነበረ፣ ዮሐንስን ያዕቆብን እውን ኣብ ግዜ መንግሥቱ ብየማንን ፀጋምን ክሽወሙ ደልዮም ስለ ዝነበሩ ንዕኡ ስምዕዎ ዝብል ቃል ንክሰምዑ ኣምፂእዎም። ንምንታይከ ካብዚ ዅሉ ከረናት ወይ ገቦታት ንደብረ ታቦር መሪፁ እንተበሉ ድማ ትንቢተ ነቢያት ንክፍጽም፤ ዳዊት "ታቦር ወአርሞንኤም በስመ ዚአከ ይትፌሥሑ።" መዝ.፹፰፥፲፪ ኢሉ ስለ ዝነበረ ትንቢት ንክፍጽም ኣብኡ ገይርዎ እዩ።
አምላክና ንኣቦታትና ምሥጢረ መለኮቱ ገሊፁ ኣምላክነቱ ብዘረደኦም ጸጋ ምሥጢሩን ጥበቡን ገሊፁ ኣብ ኣምልኮቱ ከፅንዓና ኣብ እምነትና ከፅንሐና ኣብ ምግባረ ጽድቅ ከውዕለና ቅዱስ ፍቓዱ ንክኾን ናይ ጎይተተና ምክንያተ ድኅነት ወላዲተ አምላክ ቅድስት ድንግል ማርያም ጸሎትን ማልዶትን፣ ናይ ነቢያትን ሐዋርያትን በረከት፣ ኣብ ኹላትና ይሕደር። ብዝናመ ምህረቱ ብጠለ ረዲኤቱ ይተዓረቐና፣ ዘይውሰድ ሰላም ዘይሃልቅ ሓጎስ ይሕደገልና ኣብ ፀገም ኣለናሞ የእኽለኩም ይበለልና አሜን፠
ወስብሐት ለእግዚአብሔር
ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦረቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ
መቐለ፠

Address

Mekelle

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to ማኅበረ ቅዱስ ያሬድ ዘኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ትግራይ:

Shortcuts

Share