Debre Damo ደብረ ዳሞ አቡነ አረጋዊ ገዳም

Debre Damo ደብረ ዳሞ አቡነ አረጋዊ ገዳም The legend of Orthodox

"ብክዩ  ኅዙናን  ኀልየክሙ እረፍቱ ለንቡረ ዕድ በላይ መረሳ"ናይ ቀለም ቀንዲል !ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን! ኦቦ ቅድስና ንቡረ እድ በላይ ምስኣን ብሓቂ የሕዝንን የብክን እዩ!:ሎሚ አክሱም ብ...
21/08/2025

"ብክዩ ኅዙናን ኀልየክሙ እረፍቱ ለንቡረ ዕድ በላይ መረሳ"

ናይ ቀለም ቀንዲል !ማኅቶተ ቤተ ክርስቲያን! ኦቦ ቅድስና ንቡረ እድ በላይ ምስኣን ብሓቂ የሕዝንን የብክን እዩ!:

ሎሚ አክሱም ብኸዪ ፍቁር ወድኺ ብርሃን ዓይንኺ ስኢንኪ!!!

ደቂ ቅዱስ ያሬድ ሎሚ ብኸዩ በኹረ ቅዱስ ያሬድ ስለዝሰኣና!

ፅንዓት ይሀብኪ አርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ!!

ንቦና መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ በብሩህ ገፅ ይቀበለልና!!

በረከተ ንቡረ እድ ይህድር በላእሌነ!!!

13/06/2025
ናይ መንበረ ሰላማ ኣርማ መንበረ ሰላማ ላዕዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ 11 ምዕራፍን 132 ዓንቀጽን ዘለዎ 'ደወለ ጽድቅ' ምፅዳቑ ይዝከር። ኣርምኡ እውን እዚ ዝ...
27/09/2024

ናይ መንበረ ሰላማ ኣርማ

መንበረ ሰላማ ላዕዋይ ቤተክህነት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ 11 ምዕራፍን 132 ዓንቀጽን ዘለዎ 'ደወለ ጽድቅ' ምፅዳቑ ይዝከር። ኣርምኡ እውን እዚ ዝስዕብ ንክኸውን ወሲኑ እዩ።

ንብርሃነ መስቀሉ እንኳዕ ኣብጸሐና!''ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።'' 1ይ ቆሮንቶስ 1፣18
27/09/2024

ንብርሃነ መስቀሉ እንኳዕ ኣብጸሐና!
''ናይ መስቀሉ ቓል፥ ንዝጠፍኡ ሰባት ዕሽነት እዩ፤ ንኣና ንእንድሕን ግና፥ ሓይሊ እግዚኣብሄር እዩ።'' 1ይ ቆሮንቶስ 1፣18

25/09/2024

ዘሐጉስ ዜና
ሕጊ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ፀዲቑ

ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ኣብ ጥንኻር ዓብዪ ትፅቢት ዝግበረሉ ንልዕሊ ሸሞንተ ኣዋርሕ ኣብ ከይዲ ምርቃቕ ዝፀንሐ ሕጊ ቤተክርስቲያን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዕለት 14 መስከረም 2017 ዓ/ም ፀዲቑ። እቲ ሕጊ ካብ ወርሒ ለካቲት 2016 ዓ/ም ጀሚሩ ካብ ኵለን ኣብ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ዝርከባ ኣህጉረ ስበከታትን መንፈሳዊ ኮሌጅ ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃንን ዝተወከሉ ኣባላት ዝሓዘ መርቀቓይ ኮሚቴ ተጣይሹሉ እቲ ኮሚቴ ድማ ስራሕቱ ናብ ጉባኤያት እናቕረበ እናገምገመ ፀኒሑ እዩ። ድሕሪ ቀደማይ ንባብ ድማ ናብ ኣህጉረ ስብከታት ብካህናት፣ መናእሰይ፣ ምእመናንን ሰብ ሞያ ሕጊን ርኢቶ ንክወሃበሉ ወሪዱ እዩ። ብዙይ መሰረት ድማ ኣብ ውሽጢ ዓዲ 8040 ተሳተፍቲ ከምዝዘተዩሉን ኣብ ወፃኢ ድማ ብመራኸቢ መሳርሒ Zoom ከምዝተዘተየሉን ፀብፃብ ቀሪቡ። ካብ ኣህጉረ ስብከታት ምስተመለሰ ድማ ኣብ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኣብ ወርሒ ሓምለ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ንኽዝትዩሉ ዝተገበረ እንትኸውን ኣብ ወርሒ መስከረም ድማ መዛዘሚ ምኽክር ተገይሩ ዕለት 14 መስከረም 2017 ዓ/ም ፀዲቑ ብ ' ' ንኽእወጅ ተወሲኑ ኣሎ።
' ዝርዝር መፈፀሚ ሕግታት ዝዝርዘሩሉን ኩሎም ሕጊታት ዝእወጁሉን ቅድም ኢሉ 'ቃለ ዐዋዲ' እናተብሃለ ይፍለጥ ንዝነበረ ሰነድውን ዝትክእን እዩ። ብምኻኑ ድማ ዝርዝር ትሕዝቶታት ' ' ክሳብ ናይ ጥቅምቲ ሲኖዶስ ተሓቲሙ ንክበፅሕ ተወሲኑ ኣሎ። ኣብ ደወለ ጽድቅ ተብራህሪሁ ክቐርብ ትፅቢት ካብ ዝግበረሎም ነገራት ሓደ ዝርዝር ስራሕን ሓላፍነትን ወኪል ቤት ፅሕፈት ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኣብ መቐለ ከምዝኸውን ተሓቢሩ።

ብተወሳኺ ጉባኤ ሊቃነ ጳጳሳትን ፈፀምቲ ስራሕን መንበረ ሰላማ፤ ናይ 2016 ዓ/ም ፀብፃብ ፈፀምቲ ስራሕ ብምግምጋም ናይ 2017 ዓ/ም ትልሚን በጀትን ኣፅዲቑ ኣሎ።
ኣብ 2016 ዓ/ም ዝነበረ ዝርዝር እቶት ኣህጉረ ስብከት ክሳብ 30 ነሓሰ 2016 ዓ/ም ብቅጥዒ ተመሊኡ ናብ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ኣታዊ ክግበር ብደብዳቤ መምርሒ ዝወረደ እንተኾነውን ክሳብ ሎሚ ኣታዊ ዝገበራ ኣህጉረ ስብከት ግን ሃገረ ስብከት ፣ ሃገረ ስብከት ሃገረ ስብከት ዞባ ጥራሕ ምዃነን ንምፍላጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ገንዘባዊ በጀቱ ካብ እቶት ኣህጉረ ስብከታት ብዝስብሰብ ምኢታዊ ብምዃኑ ኩለን ኣህጉረ ስብከታት ኣብ ጊዜአን ግቡአን እንተዘይፈፂመን ንስራሕቲ እቲ ላዕለዋይ ቤተ ክህነት ከምዝጎድኦ ርዱእ እዩ።

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ንመበል 11 ዓመት በዓለ ሢመቶም እንኳዕ ኣብጸሖም።
03/03/2024

ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ንመበል 11 ዓመት በዓለ ሢመቶም እንኳዕ ኣብጸሖም።

ዜና ዕረፍት ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን የመቐለ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ የበላይ ኃላፊ ሊቀ ጳጳስ  ከዚህ ዓለም ድካም አረፉ...
01/03/2023

ዜና ዕረፍት

ብፁዕ አቡነ ዮሐንስ በኢትዮጵያ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን የመቐለ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን መንፈሳዊ ኮሌጅ የበላይ ኃላፊ ሊቀ ጳጳስ ከዚህ ዓለም ድካም አረፉ።

09/12/2022

ኣይትረስዑ

Address

Bizet

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Debre Damo ደብረ ዳሞ አቡነ አረጋዊ ገዳም posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share