12/09/2026
፪ /2 መስከረም ምትረተ ርእሱ ለቅዱስ ዮሃንስ
፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨
በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ አምላክ ፡ አሜን።
~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~~
፨፨፨ ምትረተ ርእሱ ለቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ መለኮት፨፨፨
፪ መስከረም ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ወዲ ካህን ዘካርያስ ቅዱስ ዮሐንስ መጥምቅ ብኢድ ዓላዊ ሄሮድስ ሰማዕት ኾነ።
እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ድማ ነቢይ ዮሐንስ ብዛዕባ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ሄሮድያዳ ስለ ዝገሰጾ እዩ። ሓዉ ስለ ዝኾነ ፡ "ሰበይቲ ሓውኻ ፊልጶስ ከተእቱ አይግብአካን" ኢሉ አትሪሩ ተቓወሞ፡ በዚ ምኽንያት እዚ አብ ቤት ማእሰርቲ አእተዎ። ስለ ክፉአት ምግባራቱ ኵሉ ጊዜ ይግሥጾ ዝነበረ እንትኸውን ፡ ሀዚ እውን በዚ ምኽንያት አብ ልዕሊ ተግሳጽ ተግሳጽ ወሰኾ።
ሄሮድስ ንዮሐንስ ቅዱስን ጻድቕን ሰብ ምኽዋኑ ስለ ዝፈልጥ ይፈርሖን ይክታተሎን ነበረ። ሐደ መዓልቲ ልደቱ ዘኽብረሉ መዓልቲ በጽሐ። ሄሮድስ ሥቡሐት ሓሪዱ፡ ሜስ አድሪቑ፡ ክንደይ ዓበይትን መኳንንትን አኪቡ ይሕጐሰሉ አብ ዝነበረ እዋን ጓል ሄሮድያዳ መጺኣ ሳዕሰዐትሉ፡ ንሱ ድማ “ዝለመንክኒ ክሳዕ ፍርቂ መንግሥተይ ክህበኪ እየ፡” ኢሉ ቓል አተወላ። ሽዑ ተመሊሳ ኸይዳ ነዲኣ ሓተተታ፡ አደኣ ድማ “ርእሲ ዮሓንስ ቈሪጽካ ሃበኒ በልዮ” ኢላ መኸረታ፡
እቲ ዝተዋህባ ምኽሪ አዲኣ ሒዛ ፡ ከይዳ ንንጉሥ ለመነቶ። "ወተከዘ ንጉሥ በእንተ መሐላሁ ወበእንተ እለ ይረፍቁ ምስሌሁ" ከምዝብል፡ ንጉሥ ሄሮድስ፡ እቶም ምስኡ አብ እቲ በዓሉ ተዓ ዝነበሩ "ቃሉ ለዊጡ ማሕላኡ አፍሪሱ" ፡ በቲ ሓደ ወገን’ውን "ነቢየ እግዚአብሔር አቕቲሉ" ክብሉኒ እዮም ኢሉ ተከዘ። ተኪዙ አይተረፈን ሽዑ ወተሃደራት ልኢኹ ‘ርእሲ ዮሐንስ መጥምቀ መለኮት "ቈሪጺኩም ሃብዋ" ኢሉ አዘዘ። እቶም ዝተአዘዙ ወተሃደራት ቅዱስ ዮሓንስ አብ ቤት ማእሰርቲ እንተሎ ርእሱ ቘሪጾም አብ ጻሕሊ ጌሮም ሃብዋ።
ንሳ ድማ ወሲዳ ነዲኣ ሃበታ፡ አብቲ መዓልቲ ንሱ “ዎ ሄሮድስ ሰበይቲ ኃውኻ ፊልጶስ ከተእቱ አይግበአካን” እናበለት ፡ ርእሲ ቅዱስ ዮሐንስ ካብ ኢድ ሄሮድያዳ ናብ አየር ስለ ዝነፈረት ፡ ዓብዪ ድንጋጸ ኮነ። ደቀ መዛመርቱ ምስ ሰምዑ ፡ በድኑ ተቐቢሎም ፡ ቀበርዎ።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎቱ ን ቅዱስ ዮሐንስ ምጥምቅ ይምሐረና ፡ በረከቱ እውን ምሳና ትንበር ለዓለመ ዓለም አሜን #
ዐርኬ
፨፨፨፨፨፨
ሰላም እብል ለዮሐንስ ካህን
ሰማዕተ ብርሃን
ቀተልዎ እፎ ለኅሩመ ሥጋ ወወይን
እንዘ ይበልዑ ነግሀ መኳንንተ ዘመን አብዳን
ምስለ ንጉሦሙ ወሬዛ ምኑን።
ሰላም እብል በቃለ ስብሐት ወዝማሬ
ዮሐንስሃ እንተ አጥመቀ ፈጣሬ
ለዝ ካህን ዐቢየ ክህነት እም ደቂቀ ቆሬ
መምህራን አንበሩ በዓሎ ውስተ ርእሰ ዓመት ዘኅሬ
በላዕለ ዕፅ ከመ ይነብር ፍሬ።
ተዘኪረከ ምትረተ ርእሱ ለዮሐንስ ግዩር
በቅናተ ዓዲም ዘዔለ ወበ ሠቀ ፀጕር
ማዕበለ ጌጋይየ አቅም እግዚአብሔር
በከመ አቀምከ ተከዘ ዮርዳኖስ ባሕር
እስከ ካህናት ዐደዉ በእግር።
~~ ቅዱስ ዳስያ ሰማዕት ~~
፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨፨
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ካብ ውሽጢ ግብጺ ታዕዳ ካብ ትበሃል ሃገር ቅዱስ ዳስያ ሰማዕት ኮነ። ነዚ ቅዱስ ድማ ናይ ሃገረ እንዴናው መኰንን አርያኖስ አሳቐዮ፤ ጽኑዕ ስቃይ ምስ አሳቐዮ ድማ ርእሱ ብሴፍ ንክቖርጹዎ አዘዘ፡ አብ መንግስተ ሰማያት እውን ናይ ሰማዕትነት አክሊል ተቐበለ። በረኸቱ ምስ ኩላትና ይኹን አሜን።
ልእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለአና እውን ብጸሎት እዚ ሰማዕት ይምሐረና ፡ ለዓለመ ዓለም አሜን።