23/08/2026
ሃይማኖታውን ባህላውን በዓላት እንትነኽብር ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝን ብምዝካርን ክነብዕል ይግባእ።
ማህደረ ስብሐት ቅድስተ ቅዱሳን ማርያም ጉግሳ ካቴድራል ቤት ትምህርቲ ሰንበት መቐለ ምስ ሰበካ ጉባኤ ብምትሕብባር "ቁርስና ልነዳያን" ብዝብል ዝተዳለወ አብ ፆመ ፍልሰታ ንዝተፀገሙ ወገናት ናይ ምሕጋዝ ምድላው ንኻልኣይ ዙር ካብ ገባሪ ሰናይ ኣይተ ፍረዝጊ ዘመንፈስ ቅዱስ ብዝተለገሰ 30 ኹንታል ጣፍ ን150 ወገናት ብምክፍፋል ሓገዝ ኣበርኪቱ።
አብቲ ስነ ስርዓት ሓገዝ ዝተረኸቡ ኣመሓዳሪ'ቲ ካቴድራል መጋቤ ስብሐት ጌራ ወርቅ ፡ ፆም መንፈሳዊ በዓል ምኽባር ትርጉሙ ትእዛዝ እግዚአብሔር ምፍፃም ብምኻኑ ፆምን በዓላትን እንትነብዕል ዝተፀገሙ ወገናት ብምዝካር ክኾን ኸምዘለዎ ገሊፆም።
ብልዕሊ 400 ሺሕ ብር ዋጋ ሓገዝ ንዝተገበረሎም ወገናት ምስጋኖኦም ብምግላፅ ንብዙሓት ዘዐንግል ሰናይ ስራሕ ብምኻኑ ኻልኦት'ውን እዚ ሰናይ ተግባር ክስዕብዎ ፀዊዖም።