ትቤ አክሱም

ትቤ አክሱም እዚ ዕላዊ ናይ ቤት ትምህርቲ ሰንበት ር/አድ/ወገ/አክሱም ጽዮን ቤተ-ክርስቲያን page እዩ።

 ንኹልኹም ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት➊ ደብረ ጽዮን ❷ ደብረ መዊዕ ቅዱስ ሚካኤል❸ ደብረ ዝማሬ ቅዱስ ያሬድ❹ ደብረ በረከት አቡነ አረጋዊኣቐዲምና እንኳዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብሰላም ኣብፀሐ...
08/08/2026


ንኹልኹም ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት
➊ ደብረ ጽዮን
❷ ደብረ መዊዕ ቅዱስ ሚካኤል
❸ ደብረ ዝማሬ ቅዱስ ያሬድ
❹ ደብረ በረከት አቡነ አረጋዊ
ኣቐዲምና እንኳዕ ናብ ጾመ ፍልሰታ ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና እንዳበልና ናይ 2018 ዓ/ም በዓል ደብረ ታቦር ወረብ ልምምድ ካብ ሶኒ ዕለት 4/12/2018 ንጉሆ ልክዕ ሰዓት 12: 15 ጀሚሩ ስለዝጅምር ኣብቲ ዝተጠቐሰ ሰዓት መፂኹም ክትለማመዱ ንሕብር።

 ብናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰበካ ጉባኤ ሰናይ ፍቓድ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን መናእሰይን ብኣስተምህሮ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ...
02/08/2026


ብናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰበካ ጉባኤ ሰናይ ፍቓድ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን መናእሰይን ብኣስተምህሮ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክፀንዑ፤ ብስነ ምግባር ክነብሩን ሃይማኖቶም ክዕቅቡን ብምሕሳብ ናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰብከት ወንጌል ንልዕሊ 7ተ ኣዋርሕ ከሰልጥኖም ዝሓገየ ናይ አርድእተ ወንጌል ተምሃሮ ክቡር ንቡረ እድ ጎዶፋ መርሐ ናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ኣመሓዳርን ናይ ዞባ ማእኸል ቅድስት አክሱም ሀገረ ስብከት ስራሕ መካየድን፣ ኣባላት ሰበካ ጉባኤ፣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት፣ ኣባላት ኅብረት ጽዋዕ ማሕበራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ሎሚ ሰንበት ዕለት 26/11/2018 ዓ/ም ድሕሪ ቅዳሴ በዓብዪ ጽንብል ተባዒሉ ሓሊፉ።
"ካብ ቤት እግዚአብሔር መረቕናኩም" መዝሙር 117: 26

 ብናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰበካ ጉባኤ ሰናይ ፍቓድ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን መናእሰይን ብኣስተምህሮ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤ...
01/08/2026


ብናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰበካ ጉባኤ ሰናይ ፍቓድ ካህናት፣ ዲያቆናት፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበትን ምእመናን መናእሰይን ብኣስተምህሮ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ክፀንዑ፤ ብስነ ምግባር ክነብሩን ሃይማኖቶም ክዕቅቡን ብምሕሳብ ናይ ርእሰ አድባራት ወገዳማት ቅድስት አክሱም ጽዮን ሰብከት ወንጌል ንልዕሊ 7ተ ኣዋርሕ ከሰልጥኖም ዝሓገይ ናይ አርድእተ ወንጌል ተምሃሮ ብጹአን አበው ሊቃነ ጳጳሳት፣ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፣ ኣባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት፣ ኣባላት ኅብረት ጽዋዕ ማሕበራትን ዕዱማት ኣጋይሽን ኣብ ዝተረኸብሉ ሰንበት ዕለት 26/11/2018 ዓ/ም ድሕሪ ቅዳሴ ልክዕ ሰዓት 1 ኣብ ኣክሱም ጽዮን ኣዳራሽ ከመርቕ እዩ። ኣፍቲ ስነ ሥርዓት ምረቓ ክትርከቡ ብስም ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ብኽብሪ ንዕድም።
"ካብ ቤት እግዚአብሔር መረቕናኩም" መዝሙር 117: 26

 ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ናብ ሎሚ ሓምለ 1/2018 ዓ/ም ዘውግሕ ለይቲ 6:30 ዝተፈፀመ ፈተነ ቅትለት ኣመልኪቱ እዋናዊ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።
08/07/2026


ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ናብ ሎሚ ሓምለ 1/2018 ዓ/ም ዘውግሕ ለይቲ 6:30 ዝተፈፀመ ፈተነ ቅትለት ኣመልኪቱ እዋናዊ መግለፂ ሂቡ ኣሎ።

 ኣቐዲምና ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩላትና ይኹን እንዳበልና ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ምኽንያት ብምግባር   ብዝብል መሪሕ ቃል ንኽ...
26/06/2026


ኣቐዲምና ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩላትና ይኹን እንዳበልና ዓመታዊ ክብረ በዓል ኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ሕንጸተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ምኽንያት ብምግባር ብዝብል መሪሕ ቃል ንኽልተ መዓልቲ ዝፀንሐ ፍሉይ መንፈሳዊ ጉባኤ ተዳልዩ ስለዘሎ ኣፍቲ መንፈሳዊ ጉባኤ ብኣካል ተረኺብኩም ናይ በረኸት ተኻፈልቲ ክትኮኑ ብስም እግዚአብሔር ብኽብሪ ንዕድም
#ዕለት 20-21/10/2018
#ሰዓት 10:00
#ቦታ ካቴደራል ዓወደ ምሕረት አክሱም ጽዮን

እንኳዕ ንዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ኣብ ዘለኽሞ ሰላም ኣምላክ ይብዝሓልኩም እንዳበልና ብር/አድ/ወገ/አክ/ጽዮን ደብረ መዊዕ ቅዱስ ሚካኤል ሰንበት ት/ቤት ሕፅር...
18/06/2026

እንኳዕ ንዓመታዊ በዓል ቅዱስ ሚካኤል ብሰላም ኣብፀሐኩም ኣብፀሐና ኣብ ዘለኽሞ ሰላም ኣምላክ ይብዝሓልኩም እንዳበልና ብር/አድ/ወገ/አክ/ጽዮን ደብረ መዊዕ ቅዱስ ሚካኤል ሰንበት ት/ቤት ሕፅር ዝበሉ መርሐ ግብርታት ስለዝተዳለወ ኩላትና ኣብ ሰዓትና ተረኺብና ናይቲ ጉባኤ ተሳተፍቲ ክንከውን ብሽም እግዚአብሔር ንምሕፀን። 😇😇😊🙏🙏

ቅዱስ ሚካኤል ከምቲ ንባህራን ደብዳቤ ናብ መርዓ ዝቀየረ ዝንሄ መከራን ፈተናን ናብ ደስታ ይቀይረልና 🥹🙏🙏 ኩላትና ነዚ story ብምእታው ኩሉ ምእመን ጉባኤ ንክሳተፍ ንግበር

 ካብ ግንቦት 27-28/2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ህፁፅ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ ሰነ 1-7 ኣብ መላእ ትግራይ ጸሎተ ምህላ ክካየድ ወሲኑ...
06/06/2026


ካብ ግንቦት 27-28/2018 ዓ/ም ኣብ ዝተኻየደ ህፁፅ ምልኣተ ጉባኤ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ካብ ሰነ 1-7 ኣብ መላእ ትግራይ ጸሎተ ምህላ ክካየድ ወሲኑ።

ካብ ሚያዝያ 28-29/08/2018 ዓ/ም ቆኖናዊ ኣኼባኡ ዘሳለጠ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ንአክሱም   ተባሂላ ንኽትጽዋዕ ዝወሰነ ካብ ምንታይ ተበጊሱ እዩ?
28/05/2026

ካብ ሚያዝያ 28-29/08/2018 ዓ/ም ቆኖናዊ ኣኼባኡ ዘሳለጠ ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ንአክሱም ተባሂላ ንኽትጽዋዕ ዝወሰነ ካብ ምንታይ ተበጊሱ እዩ?

 ዓመታዊ ክብረ በዓል አምሳለ ሱራፊ ሊቁ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ምኽንያት ብምግባር ብምትሕብባር ቤት ትምህርቲ ሰንበት ር/አድ/ወገ/ቅድስት ከተማ አክሱም ጽዮን ቤተ ክርስቲያንን ሕብረት ጽዋዕ ...
17/05/2026


ዓመታዊ ክብረ በዓል አምሳለ ሱራፊ ሊቁ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ምኽንያት ብምግባር ብምትሕብባር ቤት ትምህርቲ ሰንበት ር/አድ/ወገ/ቅድስት ከተማ አክሱም ጽዮን ቤተ ክርስቲያንን ሕብረት ጽዋዕ ማኅበራት ቅድስት ከተማ አክሱም ጽዮንን ዝተዳለወ ፉሉይ መንፈሳዊ ጉባኤ

#ዕለት 10/09/2018 ዓ/ም
#ሰዓት ልክዕ ሰዓት 9ተ
#ቦታ ኣብ ኣደባባይ ቅዱስ ያሬድ

 ዓመታዊ ክብረ በዓል አምሳለ ሱራፊ ሊቁ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ምኽንያት ብምግባር ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ር/አድ/ወገ/ቅድስት ከተማ አክሱም ጽዮን ደብረ ዝማሬ ቅዱስ ያሬድ ቤተ ክርስቲያን ዝ...
16/05/2026


ዓመታዊ ክብረ በዓል አምሳለ ሱራፊ ሊቁ ማኅሌታይ ቅዱስ ያሬድ ምኽንያት ብምግባር ብቤት ትምህርቲ ሰንበት ር/አድ/ወገ/ቅድስት ከተማ አክሱም ጽዮን ደብረ ዝማሬ ቅዱስ ያሬድ ቤተ ክርስቲያን ዝተዳለወ ።

#ዕለት 10 ናብ 11 ዘውግሕ
#ሰዓት ምሸት ልክዕ ሰዓት 2ተ
#ቦታ ደብረ ዝማሬ ቅዱስ ያሬድ ሰፈሖ

#ዘለዉ ትሕዝቶታት

➊ ስብከት
❷ መዝሙር
❸ ተዋስኦ
❹ ስነ ጽሑፍ
❺ መንፈሳዊ ፀዋታትን
ካልኦት መሃርቲ ትሕዝቶታትን ተዳልዮም ኣለዉ።

ንዑ ኣፍቲ ጉባኤ ብኣካል ተረኺብና ናይ በረኸት ተኻፈልቲ ንኹን።

Address

Aksum

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ትቤ አክሱም posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share