Tyrannus Bible School

Tyrannus Bible School Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tyrannus Bible School, Religious organisation, Addis Ababa.

05/12/2025

የተወደዳችሁ የካሪስ ቲዩብ ቤተሰቦች ፕሮግራሞቻችን እየተከታተላችሁ ሁልጊዜ ገንቢ የሆኑ አስታየቶቻችሁ ስለምትሰጡን በካሪስ ቲዩብ ስም ከልብ እናመሰግናለን።ሰብክራይብ ያላረጋችሁ ....

ደቂ ብርሃን ቤተክርስቲያን!ሓንቲ መስዋዕቲ ንሓዋሩ!
04/12/2025

ደቂ ብርሃን ቤተክርስቲያን!

ሓንቲ መስዋዕቲ ንሓዋሩ!

ዝጥምት ይእዘዝ፡ዝእዘዝ ይጥዕም!!

28/11/2025

እሳተ ጎመራ የእግዚአብሔር ቁጣ ነውን?

የተፈጥሮ አደጋ በተከሰተ ቁጥር እግዚአብሔር ተናግሮኝ ነበር የእግዚአብሔር ቁጣ ነው የሚሉ ሐሰተኛች

ነገረ ፍጻሜዳንኤል ምዕራፍ ሁለትDaniel 2 አማ - ዳንኤል44: በእነዚያም ነገሥታት ዘመን የሰማይ አምላክ ለዘላለም የማይፈርስ መንግሥት ያስነሣል፤ ለሌላ ሕዝብም የማይሰጥ መንግሥት ይሆናል...
20/11/2025

ነገረ ፍጻሜ

ዳንኤል ምዕራፍ ሁለት

Daniel 2 አማ - ዳንኤል
44: በእነዚያም ነገሥታት ዘመን የሰማይ አምላክ ለዘላለም የማይፈርስ መንግሥት ያስነሣል፤ ለሌላ ሕዝብም የማይሰጥ መንግሥት ይሆናል፤ እነዚያንም መንግሥታት ሁሉ ትፈጫቸዋለች ታጠፋቸውማለች፥ ለዘላለምም ትቆማለች።

የመጨረሻ ዘመን (ነገረ ፍጻሜ) የዳንኤል፣ የህዝቅኤል፣ የማቴዎስ ወንጌል ፣የጻውሎስና የዩሀንስ ራዕይ ላይ ትኩረት ያደረገ ትምህርት ነውበጢራኖስ መጽሐፍ ቅዱስ ትምህርት ቤት የተሰጠ

14/11/2025

ESCHATOLOGY!
ነገረ ፍጻሜ!

26/09/2025

የተወደዳችሁ የካሪስ ሾው ቤተሰቦች ፕሮግራሞቻችን እየተከታተላችሁ ሁልጊዜ ገንቢ የሆኑ አስታየቶቻችሁ ስለምትሰጡን በካሪስ ሾው ስም ከልብ እናመሰግናለን።ሰብክራይብ ያላረጋችሁ ደግ....

25/09/2025

የተወደዳችሁ የካሪስ ቲዩብ ቤተሰቦች ፕሮግራሞቻችን እየተከታተላችሁ ሁልጊዜ ገንቢ የሆኑ አስታየቶቻችሁ ስለምትሰጡን በካሪስ ቲዩብ ስም ከልብ እናመሰግናለን።ሰብክራይብ ያላረጋችሁ ....

 #መጽሓፍ  #ቅዱስ  #ትምህርት ቤት  #በርቀት  #ይከታተሉ! #ጢራኖስ ቤት  #ትምህርቲ  #መጽሐፍ  #ቅዱስ  #ብርሕቐት  #ተኸታተሉሻሎም ቅዱሳን ባላችሁበት ሀገር ሁናችሁ፣የመጽሐፍ ቅዱስ ...
15/09/2025

#መጽሓፍ #ቅዱስ #ትምህርት ቤት #በርቀት #ይከታተሉ!

#ጢራኖስ ቤት #ትምህርቲ #መጽሐፍ #ቅዱስ #ብርሕቐት #ተኸታተሉ

ሻሎም ቅዱሳን ባላችሁበት ሀገር ሁናችሁ፣የመጽሐፍ ቅዱስ ትምህርት በርቀት ለመከታተል የምትፈልጉ፣ በውስጥ መስመር አግኙን ፣ በሰርተፊከትና ፣በዲፕሎማ ፣መርሃግብር በ audio ፣ በ VIDEO፣ በ PDF ፣ ማተርያሎች ኣስተምረን እናስመርቃችዋለን።

ጢራኖስ መጽሐፍ ቅዱስ ትምህርት ቤት,

#ጢራኖስ ቤት #ትምህርቲ #መጽሐፍ #ቅዱስ #ብርሕቐት ተኸታተሉ

ሻሎም ኣብ መላእ ዓለም ትርከቡ ቅዱሳን፣ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብርሕቐት ክትመሃሩ እትደልዩ ብውሽጢ መስመር ርኸቡና።

ናይ ምስክር ወረቐት ብሰርተፊከትን ብዲፕሎማን

መደባትና ብድምጺ( AUDIO ፣ ቪድዮን ( VIDEO)
፣ፒዲኤፍ(PDF) ማተርያላት ክነቕርበልኩም ከሙከኣ ኣምሂርና ክነመርቐኩም ዱሉዋት ኢና።

ጢራኖስ ቤት ትምህርቲ መጽሓፍ ቅዱስ!

 #ሶቶርያ ( #ድሕነት) ) 2ይ ክፋል #ንድሕነት  #መሰረት  #ዘይኮኑ  #ነገራት👉1,ስራሕ✍️ንድሕነት መሰረት ካብዘይኮኑ እቲ ሓደ ስራሕ እዩ ወይከዓ ግብሪ እዩ።እዚ ግብሪ እዚ ከኣ ኣብ ዕ...
01/09/2025

#ሶቶርያ ( #ድሕነት) ) 2ይ ክፋል

#ንድሕነት #መሰረት #ዘይኮኑ #ነገራት
👉1,ስራሕ
✍️ንድሕነት መሰረት ካብዘይኮኑ እቲ ሓደ ስራሕ እዩ ወይከዓ ግብሪ እዩ።
እዚ ግብሪ እዚ ከኣ ኣብ ዕብራውያን መጽሐፍ ምውት ግብሪ(ሞት ዕዩ) ኢልዎ ኣሎ።
— እብራውያን 6፥1-2
ናይ #ሞት #ዕዩ ንስሓ ስለዝኣተና እግዚኣብሄር ስለ ምእማና ዳግማይ ካልኣይ መሰረት ንስርት(ገዲፍና ንመስርት)

ናይ ሞት ስራሕ(እግዚኣብሄር ክቕበለካ እትገብሮም እትሰርሖም ስራሕ ማንም ዓይነት ስራሕ እግዚኣብሄር ክቕበለካ ኣይገብርን ኢዩ፡ነዚ ኢዩ ወይ ከምዚ ዓይነት ስራሕ ናይ ሞት ስራሕ ዝተባህለ፡

“ደም ክርስቶስ ብናይ ዘለኣለም መንፈስ ገይሩ ርእሱ ብዘይ ጽያፍ ንኣምላኽ ዘቕረበ ግዳ፡ ንስካትኩም ንህያው ኣምላኽ ከተገልግሉ ኽንደይ ኣዝዩ ንሕሊናኹም ካብ ምዉት ግብሪ ዘየንጽሆ።”
— እብራውያን 9፥14

ናይ ክርስቶስ ደም ከመይ ጌሩ ህያው እግዚኣብሄር ከተምልኹ ካብ ናይ ሞት ዕዩ ሕሊናኹም የንጽህ ይኸውን፡

*ስራሕ መሰረት ድሕነት ኣይህብን ኢዩ፡ነገር ግን ድሕነት ምርካብ ጽቡቕ ስራሕ ክንሰርሕ ይገብረና፡ንሱውን የሱስ አቀዲሙ ዘዳለወልና ሰናይ ግብሪ ብኣና ይግሃድ።

“ፍጡራቱ ኢና እሞ፡ ነቲ ኣምላኽ ክንመላለሰሉ ኢሉ ቐደም ዘዳለዎ ሰናይ ግብሪ ብክርስቶስ የሱስ እተፈጠርና ኢና።”
— ኤፌሶን 2፥10

👉2)ገንዘብ
ኣብ ሓድሽ ኪዳን ገንዘብ ስለዝሃብካ ድሕነትካ ክትሕልዎ አይትኽእልን ወይ ከኣ ገንዘብ ስለዘይሃብካ ድሕነትካ ኣይውሰድን (ኣይቅንስን)

✍️ብዙሓት አመንቲ ዕሽር እንዘይከፊሎም ካብ መንግስቲ አምላኽ ከምዝጎድሉ ከሙ ከኣ ካብ በረኸት ከምዝጎድሉ እዬም ዝሓስቡ ይኹን እምበር ትኽክል አይኮነን
ኣማኒ ስለዝደሓነ ግን ኩሉ ግዜ ሰናይ ግብሪ ባህሪኡ እዩ።ባህሪኻ ስለዝኾነ ከኣ ካብ ፍቅሪ ተበጊስካ ንካልኦት ብልግስና ተካፍል።

2ይ ቆረንቶስ 9
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
¹² እቲ ኣገልግሎት እዚ ግብሪ እዚ ብብዙሕ ምስጋና ንኣምላኽ ጸብለል ይብል እምበር፡ ጐደሎ እቶም ቅዱሳን ጥራይ ኣይኰነን ዚምልእ፡
¹³ ንሳቶም ብምጽራይ እዚ ኣገልግሎት እዚ ንምእማን ወንጌል ክርስቶስ ስለ እተገዛእኩም፡ ስለቲ ንኣታቶምን ንዅሉን ዚኸውን ልግሲ ሐገዝኩም ንኣምላኽ የመስግኑ እዮም።
¹⁴ ንሳቶምውን ስለቲ ኣባካትኩም ዘሎ ማእለያ ዜብሉ ጸጋ ኣምላኽ ምእንታኻትኩም እናጸለዩ ይናፍቑኹም እዮም።
ቲቶስ 3
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
¹ ንሓላቑን ንስልጣናትን ኪግዝኡ፡ ንመራሕቶም ኪእዘዙ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ እተዳለዉ ኪዀኑ፡
² ንሓደ እኳ ኸይጸርፉ፡ ተባኣስቲ ኸይኰኑ፡ ልኡማት፡ ለውሃት ዘበለ ንዅሉ ሰብ ዜርእዩ ኪዀኑ ኣዘክሮም።

👉3)ሃይማኖታዊ ስርዓት ምፍጻም
✍️*ሰንበት ሰንበት ቤተክርስትያን ምኻድ
ኩሉ ግዜ ሰንበት ሰንበት ቤ/ን ስለዘይከድካ ካብ ድሕነት ኣይትጎድልን ድሕነትካ ፈሊጥካ ቃል አምላኽ ክትመሃርን ምስ ወገናት ኮይንካ ዘድሓነካ ጎይታ ክተምልኽን አምበር ደሕንነትካ ንምምላእ አይትከይድን።

✍️*ኩሉ ግዜ ሓጥያትካ ምንሳሕ፡
ብናትካ ንስሓ ዝሕሎ ህይወት አይተቀበልካን ናትካ ሕይወት ንዘላለም ዘይትልወጥ ዘይትጠፍእ ህይወት እያ።
“ብህያው ንዘለኣለም ብዚነብር፡ ካብ ቃል ኣምላኽ ካብ ዘይጠፍእ ዘርኢ እምበር፡ ካብ ጠፋኢ ዘርኢ ኣይኰንኩምን ከም ብሓድሽ እተወለድኩም፡ ንሓቂ እናተኣዛዝኩምዋን፡ ግብዝና ንዜብላ ፍቕሪ ኣሕዋት ንነፍስኹም ኣጽርዩ፡ ብንጹህ ልቢ ንሓድሕድኩም ብሓቂ ተፋቐሩ፡”
— 1ይ ጴጥሮስ 1፥22-23

✍️ስለየሱስ ምምስካር ድሕነትካ ክሕልዎ ኣይክእልን!
ብዛዕባ የሱስ ምምስካር ናይ ድሕነትና ምልክት አምበር ኣየድሕነካን፣

✍️ድሕነትካ ኣብ ግብርኻ ከይኮነስ ኣብ ግብሪ ክርስቶስ እዩ።
“እቲ ጽሑፍ፡ ብእኡ ዚኣምን ዘበለ ኣይሐፍርን፡ ይብል እዩ እሞ፡ ሰብ ብልቡ ኣሚኑ ይጸድቕ፡ ብኣፉተኣሚኑውን ይድሕን እዩ፡ ስለዚ ብኣፍካ የሱስ ጐይታ ምዃኑ እንተ ነገርካ፡ ብልብኻውን ኣምላኽ ካብ ምዉታት ከም ዘተንስኦ እንተ ኣመንካ፡ ክትድሕን ኢኻ።”
— ናብ ሰብ ሮሜ 10፥9-11
[ ]
“ንጽብሒቱ ዮሃንስ ንየሱስ፡ ናብኡ ኺመጽእ ከሎ ረኣየ እሞ፥ እንሆ፡ ሓጢኣት ዓለም ዜርሕቕ ገንሸል ኣምላኽ፡ በለ።”
— ወንጌል ዮሐንስ 1፥29
ኢየሱስ ሓጥያትና ኩሉ ከም ዝኣለዩ ይነግረና፡

ወንጌል ዮሐንስ 16
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
⁸ ንሱ ምስ መጸ ኸኣ፡ ንዓለም ብዛዕባ ሓጢኣትን ብዛዕባ ጽድቅን ብዛዕባ ፍርድን ኪረትዓ እዩ።
⁹ ብዛዕባ ሓጢኣት፥ ብኣይ ስለ ዘይኣመኑ።
ኣብ መስቐል ዘይተኣለየ ነገር ሓደ ሓጥያት(ብኢየሱስ ብዘይ ምእማኖም) ከም ዝኾነ ይነግረና፡ስለዚ ካብ ሓጥያት ንስሓ ኣቲና ብኢየሱስ ከም እንኣምን ምስ እንምስክር ንድሕን፡

✍️*መስዋእቲ ምቕራብ
እብራውያን 10
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
¹ ሕጊ፡ ጽላሎት እቲ ዚመጽእ ሰናይ ነገር ከለዎ፡ መልክዕ እቲ ቑም ነገሩ ዘይኰነስ፡ በቲ በብዓመቱ ኵሉ ሳዕ ዚስውእዎ መስዋእትታት ነቶም ዜቕርብዎ ከቶ ፍጹማት ኪገብሮም ኣይከአሎን እዩ።

⁸ ኣብ ላዕሊ፡ ከምቲ ሕጊ ገይሮም ዜቕርብዎ መስዋእቲ ሕሩድን መስዋእቲ ብልዕን ዚሐርር መስዋእትን ስለ ሓጢኣት ዚስዋእን ኣይደሌኻን ብእኡውን ባህ ኣይበለካን፡ ኢሉ፡

¹⁰ በዚ ፍቓድ እዚ በቲ ሓንሳእ ንሓዋሩ ዚኣክል እተሰውኤ መስዋእቲ ስጋ የሱስ ክርስቶስ ተቐዲስና አሎና።

✍️ *ርእስኻ ምቕጻዕ
“እዚ ብትሑት ሓሳብን ብምሕሳም ስጋን ዚግበር ናይ ፍቓድ ርእስኻ ኣምልኾ፡ ሕብሪ ጥበብሲ አለዎ፡ ግናኸ ንምጽጋብ ስጋ እዩ እምበር፡ ንገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ።”
— ቆሎሴ 2፥23

👉4)ምግቢ ዝብላዕን ዘይብላዕን

✍️ምግቢ ወይከኣ ንጣዖት ዝተሰወአ ምግቢ ስለዝበላዕካ ወይም ስለዘይበላዕካ ምስድሕነትካ ኣይራኸብን።
“ብልዒ ግና ኣብ ኣምላኽ ኣየብጽሓናን እዩ፡ እንተ በላዕና፡ ኣይንውስኽ፡ እንተ ዘይበላዕናውን ኣይንንክን ኢና።”
— 1ይ ቆረንቶስ 8፥8

👉5)ስምዒት
✍️*ሓደ ሓደ ሰባት ሓደ ሓደ መዓልቲ ከም ዝደሓኑ ይስምዖም ብዝኾነ ግዜ ግን እዚ ስምዒት ኣይስምዖምን ናይ ምድሓንኩም መሰረት ንስኹም ኣይኮንኩምን
ምድሓንኩም ብትገብርዎ ወይ ብትሰርሕዎ ኩነታት ተመስሪትኩም ኣብ ዝስምዐኩም ስሚዒት ኣይተመስረተን።

ይቅጽል

ራፕቸሪንግ ናይ ጸጋ ኣገልግሎት
251914074464

 #ሶቶርያ  #ድሕነት(salvation)1ይ ክፋል  #ናይ  #ድሕነት  #መረጋገጺ 👉1, #ደህንነት  #ማለት  #እንታይ ማለት ዩ?ትርጉም✍️1)ትርጉም greek ሀ,sozo ለ,sotoria✍️ሀ,...
01/09/2025

#ሶቶርያ #ድሕነት(salvation)
1ይ ክፋል
#ናይ #ድሕነት #መረጋገጺ
👉1, #ደህንነት #ማለት #እንታይ ማለት ዩ?
ትርጉም

✍️1)ትርጉም greek ሀ,sozo ለ,sotoria

✍️ሀ, sozo
*ምድሓን፡ምፍዋስ፡ ሕማም(ብሕክምና)ምድሓን፡ካብ ክፉእ ምሕላው፡ብደሓን ኩነታት ምንባር፡ካብ ሓደጋ ወይ ካብ ጥፍኣት ምትራፍ፡ነጻ ምውጻእ ማለት ኢዩ፡ቃል ንስጋ ዋላ ንመንፈስ ንዝኾነ ይሰርሕ ኢዩ፡

*ሓድሽ ሂወት ምሃብ፡ሓድሽ ልቢ ከም ዝረክብ ምግባር
*ብመጀመርታ ከነታት ውሽጢ ተሓሊዩ ወይ ከኣ ናብ መጀመርታ ከነታት ተመሊሱ ምምጻእ ማለትዩ፡፡

ብድሕነት እግዚኣብሄር ንፍጡራቱ ናብ ባዕሉ ይመልሶም፡ብውድቐት መዘዝ ዝመጹ ጥፍኣት ኩሉ ይፍውስ፡
ናይ ገነት ክብሪ ምስምማዕ ሰላም ጥዕና ይመልስ፡

✍️ sozo (ሶዞ) ዝብል ቓል ብኻልእ ናይ መጽሓፍ ቕዱስ ቃል ክፍልታት ክትርጎም እንኮሎ፡
ግብረ ሐዋርያት 4
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
⁹ ሎሚ ንሕና ንሓደ ሕሙም ሰብኣይ ብዝዀነ ጽቡቕ ግብሪ ንሱውን ብዝሐወየሉ ኻብ እንምርመር፡
¹⁰ ብስም እቲ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ እሞ፡ ኣምላኽ ካብ ምውታት ዘተንስኦ የሱስ ክርስቶስ ናዝሬታዊ፡ ብእኡ እዚ ኣብ ቅድሜኹም ጥዕዩ ደው ኢሉ ኸም ዘሎ፡ ኣብ ኲላትኩምን ኣብ ኲሉ ህዝቢ እስራኤልን ይፈለጥ።
ድሓን ምኻን=(ሶዞ)
“ንሱ ጳውሎስ ኪዛረብ ከሎ ሰምዔ። ጳውሎስ ድማ ተኲሩ ጠመቶ ኪሐዊ እምነት ከም ዘላቶ ምስ ረኣየ፡”
— ግብረ ሐዋርያት 14፥9
ምድሓን ምፍዋስ=(ሶዞ)

✍️ለ)ድሕነት ብግሪኽ(soteria ሶቶርያ)
ድሕንነት፥ነጻ(ሓራ)ምውጻእ፡ሓለዋ ምግባር፡ብትኽክል ወይ ጽቡቕ ኩነታት ምኻን፡ብልጽግና(ምኻን)፡ሓጎስ፡ምድሓን(ምትራፍ)ኣጠቃላል ድሕነት ምርካብ ማለት ኢዩ፡ቃሉ ንመንፈሳውን ንስጋውን ይሰርሕ፡፡

“ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።”
— ናብ ሰብ ሮሜ 1፥16
ናይ ክርስቶስ ወንጌል ዘድሕን(ድሕነት)ዝኸውን ናይ እግዚኣብሄር ሓይሊ ኢዩ፡
ኩሉ ዝኾነ ካብ ኢየሱስ ዝተላዕለ ኢዩ፡ኢየሱስ ምስ ዝህልወኩም ኩሉ ነገር ይህልወኩም፡

ንኣብነት፥ኢየሱስ ዝባሃል ዓቢ ዕሹግ ኣሎ፡ዕሹጉ ክትከፍቱ ከለኹም ዝደለኽሞ ኩሉ ውሽጡ ትረኽቡሉ፡ኢየሱስ ውሽጢ

👉2) #ብጸጋ ጀሚርኩም #ብስራሕኩም ንምቕጻል ኣይትፈትኑ።
ናይ ዘልኣለም ሂወት ብኢየሱስ(ጸጋ ተቐቢልና፡ፈውሲ ንቕበሎ ብስራሕና ዲዩ?ከምኡ ኣይኮነን!
ናይ ዘልኣለም ሂወት ብኢየሱስ ብጸጋ ተቐቢልና፡
1ይ ዮሃንስ 5
¯¯¯¯¯¯¯¯¯¯
¹¹ ኣምላኽ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዝሀበና፡ እቲ ምስክር እዚ እዩ እሞ እዛ ህይወት እዚኣ ኣብ ወዱ አላ።
¹² እቲ ወዲ ዘለዎ ህይወት አላቶ፡ ወዲ ኣምላኽ ዜብሉ ህይወት የብሉን።


¹³ ንኣካትኩም ብስም ወዲ ኣምላኽ እትኣምኑ ዘሎኹም፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላትኩም ምእንቲ ኽትፈልጡ ኢለ እየ እዚ ጽሒፈልኩም ዘሎኹ።

✍️መእተዊ
ሰባት መንግስተ ሰማይ ምእታዎምን ዘይምእታዎምን ንምፍላጥ ብጣዕሚ ኢዩ ዝጠቕሞም፡
ብዙሓት ሰባት ስለምድሓኖም ርግጸኛታት ስለዘይኮኑ ይፈርሑ፡ብክርስታናዊ በተሰብ ዝዓበዩ ከማን ስለምድሓኖም ርግጸኛታት ዘይኮኑ ይኽእሉ፡
ምድሓና ዘይንፈልጥ ንኸውን ወይ?ስለ ምድሓና ርግጸኛታት ዘይኮና ንኸውን?ብናይ ትምህርትና ክፍሊ ግና እወ ዲሒና ኢዩ እቲ መልሲ።

✍️መዘኻኸሪ
ሓደ ሓደ ሰበኽቲ ዝሰብክዎም ሰባት ስለ ምድሓኖም ርግጸኛታት ከምዘይኮኑ ንምግባር ዝስበኽ ስብከት ኣድላይ ኣይኮነን፡
ዝድሓኑ ኣመንቲ ስለዝደኸሙ ካልኣይ ንምውላድ (ንምድጋም) ንቕድሚት ምምጻእ ምጽዋዕ ኣየድልዩምን፡
ክንሰብኽ ከለና ሰባት ስለ ምድሓኖም ርግጸኛታት ንክኾኑ ዝገብር ጸጋ ኢና ክንሰብኮም ዘለና፡እዚ ንድሕነት መረጋገጺ ዝኾነ ሓጎስ ኣብ ልቦም ይፈስስ።

✍️መሰጋገሪ
ሎሚ ምስ እትመውት መንግስተ ሰማይ ንምእታው ዘይምእታውን እትህቦም ምኽንያት እንታይ ኢዩ?
ብጸጋ ስለዝደሓንካ ዲኻ ትኣቱ ወላስ ብዕለታዊ ንስሃኻ?
ብጸጋ እንተኮይኑ መልስኻ ደሕንነትካ ከምዘይውሰድ አሚንካለኻ።

✍️ንድሕነት ክኾኑ ዘይክእሉ ጌጋ ርድኢታት

ሀ፡ንድሕነት መሰረት ዘይኮኑ ነገራት ኣየኖት ኢዩም?
1)ስራሕ
“ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።”
— ኤፌሶን 2፥8-9
ጸጋ ብእምነት ኣድሒኑኩም እዚ ካኣ ናይ እ/ሄር ሂያብ ኢዩ፡እዚ ከኣ ካባኻትኩም ኣይኮነን ብዝኾነ ምስ ትምካሕ ካብ ስራሕካ ኣይኮነን፡፡

“ሰብ ብእምነት ብየሱስ ክርስቶስ እምበር፡ ብግብሪ ሕጊ ኸም ዘይጸድቕ ካብ ፈለጥና ግና፡ ኵሉ ስጋ ብግብሪ ሕጊ ዘይጸድቕ ስለ ዝዀነ፡ ንሕና ኸኣ ብግብሪ ሕጊ ዘይኰነስ ብእምነት ብክርስቶስ ምእንቲ ኽንጸድቕ ብክርስቶስ የሱስ ኣመንና።”
— ገላትያ 2፥16
ንሕና ንርእስና ብሕጊ ብምፍጻም ዘይኮነስ ንክርስቶስ ብምእማን ክንጸድቕ ምእንቲ ብክርስቶስ ኢየሱስ ኣሚና።

*ብጽቡቕ ስራሕ መሰረት(ጽቡቕ ግብሪ ኣለካ?)ወይ ከኣ ክፉእ ስራሕ ብዘይ ምስራሕ(ክፉእ ምስራሕ የብልካን) በዚ ምኽንያት ድሕነት ኣየርክበካን። ድሕነትካ አብ ግብርኻ ዝተመስረተ አይኮነን።

ይቕጽል....

ራፕቸሪንግ ናይ ጸጋ አገልግሎት!
251914074464

Address

Addis Ababa

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tyrannus Bible School posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share