Tigray Orthodox Tewahedo Church: the See of Selama: Kassate Berhan

Tigray Orthodox Tewahedo Church: the See of Selama: Kassate Berhan Contact information, map and directions, contact form, opening hours, services, ratings, photos, videos and announcements from Tigray Orthodox Tewahedo Church: the See of Selama: Kassate Berhan, Religious organisation, Aksum, Addis Ababa.

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ7 ሓምለ በዓለ ቅድስት ሥላሴ ሃዋርያዊት ቅድስት ቅንዕቲ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖትና ስርዓታን እምነታን መምርሒኣን ካብቲ ንፍጥረት...
13/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ

7 ሓምለ በዓለ ቅድስት ሥላሴ
ሃዋርያዊት ቅድስት ቅንዕቲ ዝኾነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ሃይማኖትና ስርዓታን እምነታን መምርሒኣን ካብቲ ንፍጥረት ካብ ዘይምንባር ናብ ምንባር ዘምፅእ ዘለኣለማዊ ቅድሚ ዓለም ዝነበረ ኣብ ዓለም ዘሎ ድሕሪ ዓለም ሕልፈት እውን እንተኾነ ህሉው ዝኾነ ኣምላኽና እግዚአብሔር ዝተዋህባ እዩ። በዚ ድማ ንዘመናት ኣሚናን እንዳ ኣእመነትን ትነብር።

እቶም ኣዕኑድ ቤተ ክርስቲያን ተባሂሎም ዝፅውዑ 5ተ ኣእማደ ምስጢራት እዮም። ንሳቶም እውን
1. ምስጢረ ሥላሴ
2. ምስጢረ ስጋዌ
3. ምስጢረ ጥምቀት
4. ምስጢረ ቅዱስ ቁርባን
5. ምስጢረ ትንሳኤ ምዉታን እዮም።

ንቤተ ክርስቲያን መሰረታዊ ኣዕኑድ ከም ምዃኖም መጠን ንምእመናን ድማ ብእምነት ተኾስኪሶም ዓብዮም ናብ መንግሰተ እግዚአብሔር ዘእትዉ ምስ ኣምላኽ ብፍቕርን ብሓድነትን ዘንብሩ እዞም ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስናዮም 5ተ ኣእማደ ምስጢር ተባሂሉም ዝፅውዑ ናይ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ምስጢራት እዮም።

ምስጢረ ሥላሴ ካብቶም 5ተ ኣእማድ ምስጢረ ቤተ ክርስቲያን ሓደ ኮይኑ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ብሉይን ሓዱሽን ኪዳን በቢዘበኑ ብጥበቡ ንደቂ ኣዳም እናተገለፀ መፂኡ እዩ።
ኣቦና ኣብርሃም ገዝኡ ኣብ መስቀላዊ መንገዲ ሰሪሑ ንዝሓልፉ ኣጋይሽ እናተቐበለ የጋይሾም ነይሩ። ሰይጣን ድማ ነዚ ርህራሄኡን ትሕትንኡን ርእዩ ንኽፍትኖ ተላዕለ ርእሱ ፈጊኡ ደሙ እናኸዓወ ኣብ መገዲ ኮፍ ኢሉ ንዝሓልፉ ኣጋይሽ ሰብ ተመሲሉ ናበይ ትኸዱ ኣለኹም ኢሉ ይሓቶም። ንሳቶም ድማ «ጠሚና ክንበልዕ ለሚእና ክንሰቲ ናብ ኣብርሃም ንኸይድ ኣለና” በልዎ።» ንሱ ድማ «ኣብርሃም ከም ቀደሙ ከይመስለኩም ኣነ ጠምየ ከብልዓኒ ኢለ ምስ ከድኩ ከምዚ ትርእዩኒ ዘለኹም ርእሰይ ፈጊኡ ሰዲዱኒ በሎም።» እቶም ኣጋይሽ ድማ ሓቂ መሲልዎም እናሓዘኑ ተመልሱ። ንሰለስተ መዓልቲ ድማ ኣጋይሽ ናብ ኣብርሃም ከምዘይኸዱ ገበረ። ኣብርሃም ድማ ብዘይ ኣጋይሽ ስለ ዘይበልዕ ኮፍ ኢሉ ጋሻ ይፅበ ነበረ።

ኣብ ሳልሳይ መዓልቲ ድማ ቅድስት ሥላሴ ብኣምሳለ ሰብ ተመሲሎም ተገልፅሉ። ከይዱ ድማ «ጎይቶተይ ኣብ ቅድሜኹም ሞጎስ እንተድኣ ረኺበስ በጃኹም ንባርያኹም ረጊፅክሞ ኣይትሕለፉ» በሎም። ንሳቶም ድማ «ደኺምና ስለ ዘለና ሓዚልካ ውሰደና» በልዎ። ንሓደ ሓዚሉ ምስኣተወ እቶም ክልተ ብኣምላካዊ ግብሪ ኣተዉ። ኣብርሃም ድማ ንሳራ ሰለስተ መስፈር ሓሪጭ ሰፊርኪ ሰለስተ ቅጫ ስርሒ በላ። ንሱ ድማ ስቡሕ ብተይ ሓሪዱ ፀባን ርግኦን ወሲኹ ቀረበሎም እሞ በልዑ። ምብልዖም ግን ከምዚ ሓዊ ንጠስሚ ዝበልዖ እዩ። እቲ ተሓሪዱ ዝቐረበ ጣዕዋ ተንሲኡ «ስብሃት ለአብ ስብሃት ለወልድ ስብሃት ለመንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ኣመስገነ።

ክኸዱ ከለዉ ድማ ካብ ሰለስቲኦም ብሓደ እግዚአብሔር ቃል «ንዓመታ ከምዛ ሎሚ መዓልቲ ናባኻ ክመፅእ እየ ሳራ ሰበይትኻ ቆልዓ ክትወልደልካ ኢያ» ኢሉ ንግዚኡ ልደት ይስሓቅ ፍፃሚኡ ግን እግዚአብሔር ሰብ ኮይኑ ከም ዘድሕኖ ነገሮ። እዚ ታሪኽ ዝተፈለመሉ ካብ 2000-1850 ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ከባቢ ነበረ።

7 ሓምለ ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባሉ ኣጋእዝተ ዓለም ቅድስት ሥላሴ ኣብ ቤቱ ዝተኣንገዱሉን ብዙሕ ፀጋን በረኸትን ዝሃቡሉን ዕለት እዩ።

በዚ ዕለት
1. እግዚአብሔር ብሓድነቱን ሰለስትነቱን ከም ጋሻ ኾይኑ ዝተገልፀሉ ዕለት እዩ።
ኣቦና ኣብርሃም ብስነ ፍጥረት ተመራሚሩ ምስ በፅሖ እግዚአብሔር ኣምላኽ
«ካብ ዓድኻን ካብ ኣዝማድካን ካብ ዓዲ ኣቦኻን ውፃእ ናብቲ ኣነ ዘርእየካ ምድሪ ኸኣ ኺድ» ኢሉ ኣዘዞ። በዚ መሰረት ካብ ቤቱን ስድራኡን ምእንቲ ፍቕሪ እግዚአብሔር ተፈልዩ ናብቲ እግዚአብሔር ዝኣዘዞ ቦታ ከይዱ ከም ፍቓድ እግዚአብሔር ክነብር ጀመረ። ኣቦና ኣብርሃም ጋሻ ብምቕባል ፍሉጥን ብዘይ ጋሻ ዘይበልዕ ስለዝነበረ ጋሻ እናተፀበየ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ እግዚአብሔር ተገለፀሉ። ቅድስት ሥላሴ ብኣምሳለ ሰለስተ ሰብኣይ ናባኡ ክወርዱ ረኣየ እሞ «ኦ ጎይታይ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ በጃኻ ንባርያኻ ጎሲኻኒ ኣይትሕለፍ ሒደት ማይ ከምፅኣልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፀቡ ኣብ ትሕቲ እዚ ኦም ድማ ኣዕርፉ። ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ ቁራስ እንጀራ ከምፅኣልኩም እሞ ብልዑ ብድሕሪኡ ትሓልፉ» በሎም። ንሳቶም ድማ «ከምቲ ዝበልካዮ ግበር» በልዎ።

2. እግዚአብሔር ንኣብርሃም ውላድ ከም ዝወልድ ኣበሰሮ
ኣቦና ኣብርሃም ዋላ እኳ እግዚአብሔር ብዙሕ ግዜ እናተገልፀ ኣቦ ብዙሃን ሕዝብታት ከም ዝገብሮ እንተነገሮ ውላድ ግና ኣይነበሮን። በዚ ጋሻ ምቕባል ሰናይ ተግባሩ እግዚአብሔር ብግሽነት ኣብ ቤቱ ምስ ኣተወ ግና ኣብ እርግናኡ ውላድ ከም ዝህቦ ኣበሰሮ።

3. እግዚአብሔር ንኣቦና ኣብርሃም ዘለዎ ኽብርን ፍቕርን ገለፀ
እግዚአብሔር «ነቲ ኽገብሮ ዘሎኒ ካብ ኣብርሃም ኣይሓብኦን እየ። ኣብርሃምሲ ዓብይን ብርቱዕን ሕዝቢ ኺኸውን እዩ። …………… ብሰንኪ ሰዶምን ገሞራን ኣውያት በዝሐ ሓጢኣተን ከኣ እምብዛ ዓብይ ኾነ። ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ምግባሮምን ዘይምግባሮምን ምእንቲ ኽፈልጥ ወሪደ ኽርኢ እየ» በሎ። ኣቦና ኣብርሃም እውን እዚ ምስ ሰምዐ ብፍርሃትን ብጥበብን ኣብ ቅድሚ እግዚአብሔር ደው ኢሉ «ጎይታይ ነቲ ፃድቕሲ ምስ ሃጥእዶ ከተጥፍኦ ኢኻ ምናልባት ኣብታ ከተማ 50 ፃድቃን ……ክሳዕ ዓሰርተ ይርከቡ ይኾኑ እሞ ብርግፅዶ ክተጥፍኦም ኢኻ» ኢሉ ምእንቲ ህዝቢ ሰዶም ለመነ። እንተኾነ ግና ኣብ ከተማ ሰዶም 20 ፃድቓን ኣይተረኽቡን። እግዚአብሔር ሓጢኣት ሰዶም ንኣብርሃም ዝነገሮ ለውሃቱን ክብሪ ቅዱሳኑን ንኽገልፅ እዩ።
ስለዚ ኣቦና ኣብርሃም በዚ ዕለት እዚ ጋሻ ሰብ ዝተቐበለ መሲልዎ ንቅድስት ሥላሴ ብምእንጋዱ ካብ እግዚአብሔር በረኸትን ፀጋን ዝተዋህበሉ ዕለት እዩ እሞ ንሕና ውን ኣሰር ኣቦና ኣብርሃም ክንስዕብ ይግባእ።

ኣብ መፅሓፍ ቅዱስ ኦሪት ዘፍጥረት
ዘፍጥረት 18÷1-33 «ኣብርሃም፥ ብቐትሪ ኣብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ተቐሚጡ እንተሎ፥ ኣብ ኣእዋም መምሬ፥ እግዚኣብሄር ተገለፀሉ። ኣዒንቱ ቘላሕ እንተበለ፥ እንሆ ሰለስተ ሰባት ኣብ ቅድሚኡ ደው ኢሎም ረአየ። ምስ ረአዮም ድማ ኻብ ኣፍ ደገ ድንኳኑ ብድድ ኢሉ ኽቕበሎም ጐየየ፤ ናብ ምድሪ ፍግም ኢሉውን ሰገደ። ንሱ ድማ፡— “ኦ ጐይታ፥ ኣብ ቅድሜኻ ሞገስ እንተ ደኣ ረኺበስ፥ በይዛኻ ንባርያኻ ኸይትሓልፈኒ እልምን ኣለኹ። ቁሩብ ማይ ከምፅአልኩም እሞ ኣእጋርኩም ተሓፂብኩም፥ ኣብ ትሕቲ እዛ ኦም ኣዕርፉ።
ብባርያኹም ኣቢልኩም ካብ ሓለፍኩም ድማ፥ ቍራስ እንጀራ ኸምፅአልኩም፤ ልብኹም ደግፉሞ ብድሕሪኡ ትሓልፉ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ከምቲ ዝበልካዮ ግበር” በልዎ። ኣብርሃም ቀልጢፉ ናብቲ ሳራ ዘላቶ ድንኳን ኣትዩ፥ “ቐልጢፍኪ ሰለስተ መስፈሪ ሕሩጭ ኣቘምጢዕኺ ቕጫታት ሰንክቲ” በላ። ሽዑ ኣብርሃም ናብቲ መጓሰ ኸፍቲ ዘለዋኦ ብጕያ ኸይዱ፥ ስቡሕ ጣዕዋ ወሲዱ፥ ነቲ ኣገልጋሊኡ ሃቦ፤ ንሱ ኸዓ ኸሰናድዎ ተቐላጠፈ።
ርግኦን ፃልጣ ፀባን፥ እቲ ዘዳለዎ ስጋ ጣዕዋን ወሲዱ ድማ ኣቕረበሎም፤ ንሳቶምውን በልዑ። ኣብርሃም ድማ ኣብ ትሕቲ እታ ኦም ኣብ ጥቓኣቶም ደው ኢሉ ነበረ። ንሳቶም ድማ፥ “ሰበይትኻ ሳራ ኣበይ ኣላ?” ኢሎም ጠየቕዎ። ኣብርሃም ከዓ “ኣብ ውሽጢ ድንኳን እኒሃ” በሎም። ሽዑ፥ እግዚኣብሄር “ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ፥ ብርግፅ ክምለሰካ እየ፤ ሰበይትኻ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሳራ ኸዓ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ብድሕሪኡ ዝነበረ ድንኳን ስለ ዝነበረት እዙይ ሰምዐት። ሽዑ ኣብርሃምን ሳራን ዕድመኣቶም ዝደፍኡ ኣረጋውያን ነበሩ። ንሳራ ድማ እቲ ልማድ ደቂ ኣንስትዮ ገዲፍዋ ነበረ። ሳራ ድማ ብልባ “ድሕሪ እርጋነይዶ ፍትወት ክኾነለይ ይኽእል? ጐይታይውን ፈፂሙ ኣሪጉ እዩ” ኢላ ሰሓቐት። እግዚኣብሄር ከዓ ንኣብርሃም “ስለ ምንታይ ሳራ፥ ‘ኣሪገ እንተለኹዶ ብሓቂ ውሉድ ክወልድ እየ’ ኢላ ዝሰሓቐት? ንእግዚኣብሄርዶ ዝሰኣኖ ነገር ኣሎ እዩ? ንዓመታ ኸምዛ እዋን እዚኣ ኽምለሰካ እየ፤ ሳራ ድማ ወዲ ኽትወልድ እያ” በሎ። ሽዑ ሳራ ደንገፀት፤ ስለ ዝፈርሐትውን “ኣይሰሓቕኩን” በለት። ንሱ ግና “ኣይፋልክን፥ ስሒቕኪ እባ” በላ።
እቶም ሰባት ድማ ኻብኡ ምስ ተስኡ፥ ገፆም ንሰዶም ኣቢሎም ኣምርሑ። ኣብርሃምውን ከፋንዎም ምስኣቶም ከደ። እግዚኣብሄር ድማ በለ፡— “ነቲ ኣነ ኽገብሮ ዘለኒ፥ ካብ ኣብርሃምዶ ኽሓብኦ እየ? ኣብርሃም ብሓቂ ዓቢይን ብርቱዕን ህዝቢ ክኸውን እዩሞ፤ ኣህዛብ ኵላ ምድሪ ድማ ብእኡ ኽባረኹ እዮምሞ። ፅድቅን ፍትሕን ብምግባር፥ መንገዲ እግዚኣብሄር ምእንቲ ኽሕልዉ፥ ንደቁን ብድሕሪኡ ኸዓ ንቤቱን ኸም ዝእዝዞም እፈልጥ እየሞ፥ እዙይውን እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሊ ኣብርሃም ዝተዛረቦ ዅሉ ምእንቲ ኸምፅእ እዩ።” እግዚኣብሄርውን በለ፡— ኣውያት ሰዶምን ገሞራን የመና በዚሑ እዩሞ፥ ሓጢኣቶም ከዓ እምብዛ ኸቢዱ እዩሞ፥ እምበኣር ከምቲ ናባይ ዝበፅሐ ኣውያት ገይሮም እንተ ኾይኖም ወሪደ ኽርኢ እየ፤ እንተ ዘይኮነውን ክፈልጥ እየ። እቶም ሰባት ድማ ገፆም መሊሶም ናብ ሰዶም ኣምርሑ። ኣብርሃም ከዓ ገና ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ደው ኢሉ ነበረ። ኣብርሃምውን ቅርብ ኢሉ፡— “ብሓቂ ነቲ ፃድቕስ ምስ ሓጥእዶ ኽተጥፍኦ ኢኻ? ምናልባሽ ኣብታ ኸተማ ሓምሳ ፃድቃን እንተ ተረኽቡ፥ ብርግፅዶ ኽተጥፍኦም ኢኻ? ምእንቲ እቶም ኣብኣ ዘለዉ ሓምሳ ፃድቃን ኢልካ እኳዶ ነታ ቦታ ኣይትምሕራን? ከምዙይ ዝበለ ነገር ምግባርስ ካባኻ ይርሓቕ። ነቲ ፃድቕ ከም ሓጥእ ቈፂርካ፥ ንፃድቕ ምስ ሓጥእ ምጥፋእ ካባኻ ይርሓቕ። እቲ ንዅላ ምድሪ ዝፈርድ፥ ቅኑዕ ፍርዲዶ ኣይፈርድን እዩ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣብ ከተማ ሰዶም ሓምሳ ፃድቃን እንተ ረኺበስ፥ ንዅላ እታ ኸተማ ምእንታኣቶም ኢለ ኽምሕራ እየ” በለ። ኣብርሃም ድማ መሊሱ “እንሆ፥ ኣነ ሓመድን ሓመዅሽትን እንትኸውን ምስ ጐይታይ ብምዝራበይ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ካብቶም ሓምሳ ፃድቃን ሓሙሽተ እንተ ጐደሉኸ፥ ብዛዕባ እቶም ሓሙሽተዶ ንብኸተማኣ ኽተጥፍኣ ኢኻ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ኣርብዓን ሓሙሽተን እንተ ረኺበስ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ።
መሊሱ ድማ “ምናልባሽ ኣብኣ ኣርብዓ እንተ ተረኽቡኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ኣርብዓ ኢለ ኣይገብሮን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ክዛረብ እየ እሞ፥ ጐይታ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ሰላሳ እንተ ተረኽብዋኸ?” በለ። እግዚኣብሄር ከዓ “ሰላሳ እንተ ተረኽቡውን ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “እንሆ፥ ምስ ጐይታይ ክዛረብ ደኣ ደፊረ እምበር፥ ምናልባሽ ዕስራ እንተ ተረኽብዋኸ?” በሎ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዕስራ ኣየጥፍኣን እየ” በሎ። ኣብርሃም ድማ “ኦ ጐይታ! ሓንሳእ ጥራሕ ኽዛረብ እየ እሞ ኣይትቈጣዕ። ምናልባሽ ዓሰርተ እንተ ተረኽብዋኸ?” ኢሉ ጠየቖ። እግዚኣብሄር ከዓ “ምእንቲ እቶም ዓሰርተ ኣየጥፍኣን እየ” ኢሉ መለሰሉ። እግዚኣብሄር ምስ ኣብርሃም ተዛሪቡ ምስ ወድአ፥ ከደ። ኣብርሃምውን ናብ ቦታኡ ተመለሰ።»
እግዚአብሔር ኣምላኽና ከምቲ ንቤተ ኣብርሃም ዝባረኸ ህዝብናን ሃገርናን ይባርኽ።
ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኹን።

Tigray Orthodox Tewahedo Church:
7/11/2018 ዓ/ም
ቅድስት ኣክሱም - ትግራይ

እዋናዊ መግለፂ Tigray Orthodox Tewahedo Church:               1 ሓምለ 2018 ዓ/ም             ቅድስት ኣክሱም - ትግራይ
08/07/2026

እዋናዊ መግለፂ
Tigray Orthodox Tewahedo Church:
1 ሓምለ 2018 ዓ/ም
ቅድስት ኣክሱም - ትግራይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ደቡብ ትግራይ ማይጨው ሃገረ ስብከት ብዛዕባ ስርፀት መንበረ ሰላማ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ምስ ሊቃውንቲ ዓብይ መንፈሳዊ ዋዕላ ኣካይዱ። ...
07/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ደቡብ ትግራይ ማይጨው ሃገረ ስብከት
ብዛዕባ ስርፀት መንበረ ሰላማ ኣመልኪቱ ኣብ ከተማ ኣላማጣ ምስ ሊቃውንቲ ዓብይ መንፈሳዊ ዋዕላ ኣካይዱ። እቲ ዋዕላ ድሕሪ 5 ዓመት ንመጀመርያ ግዜ ዝተኻየደ ታሪኻዊ መንፈሳዊ ዋዕላ እዩ።
እቲ መንፈሳዊ ዋዕላ አብ መንበረ ሰላማ ሕቶታት ስለ ዘለውና ሃገረ ስብከት መፂኡ መብረሂ ይሃበና ዝብል ፃውዒት መሰረት ገይሩ ዝተኻየደ መንፈሳዊ ጉባኤ እንትኾን:-

ሓቀኛ ታሪኽን ኣመፃፅኣን መንበረ ሰላማ ብዝብል ርእሲ ብመጋቤ ሐዲስ እንቆባሕሪ ታመነ ኣካያዲ ስራሕ ደቡብ ትግራይ ማይጨው ሃገረ ስብከት ምስ ፍትሕ መንፈሳዊ ፅሑፍ ዝቐረበ ኮይኑ ኣብቲ ዝቐረበ ፅሑፍ ሰፊሕ ዘተን ምይይጥን ድሕሪ ምግባር ምስ ሹመት ኤጵስ ቆጶሳት ተተሓሒዙ ንዝተልዓሉ ሕቶታት ብመሰረት ቀኖና ቤተ ክርስቲያን መብርሂ ብምሃብን ብምርድዳእ ሕቶታት ተምሊሶም እዮም።

ቅዱስ ፍሬምናጦስ ኣባ ሰላማ ከሳቴ ብርሃን ቅድስት ኣኩሱም ማእኸል ገይሮም ናይ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ስርዓተ እምነት መሰረት ዘትሓዙ ምኻኖም:-
-ስርዓተ ጥምቀት
-ስርዓተ ክህነት
-ስርዓተ ጵጵስና
-ብሓፈሻ ስርዓተ ምስጢራተ ቤተ ክርስቲያን

ናብ ሃገርና ዘተኣታተው ኮይኖም ብእኦም ምኽንያት ቅድስት ኣኩሱም መንበረ ሰላማ ካፍቶም ናይ ዓለም 8 መናብር ሓደ ምኻኑ ብታሪኽን መሰረት ኣብቲ መፅናዕቲ ቀሪቡ ሰፊሕ ገለፃ ተገይርሉ እዩ።
እቲ መንፈሳዊ ጉባኤ መንበረ ሰላማ መሰረት ታሪኹ ጥራሕ ከይኮነይ መሰረት ሃዮማኖቱ ብምኻኑን ድሕሪ ምርድዳእ ኣብ ጎኒ መንበረ ሰላማ ጠጠው ኢሉ ከም ዝሰርሕ ብምግላፅ ጉባኤኡ ብዝማሬን ብጸሎትን ዛዚሙ።
Tigray Orthodox Tewahedo Church:

ሪፖርተር ካብ ደቡብ ትግራይ ማይጨው ሃገረ ስብከት

እዋናዊ መግለፂ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝተጣየሸ መፃረይ ዓብዪ ኮሚቴ ዝተዋህበ እዋናዊ መግለፂ Tigray Orthodox Tewahedo Church:      ...
06/07/2026

እዋናዊ መግለፂ
ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝተጣየሸ መፃረይ ዓብዪ ኮሚቴ ዝተዋህበ እዋናዊ መግለፂ

Tigray Orthodox Tewahedo Church:
29/10/2018
ቅድስት ኣክሱም - ትግራይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ  አብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ሃ/ስብከት እንደርታ ወረዳ ቤተ ክህነት ጣቢያ ደርጋጀን  ሰበኻ ማይቃያሕናይ አቡነ ተ/ሃይማኖትን አቡነ አረጋዊን አብ...
05/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
አብ ዞባ ደቡብ ምብራቅ ሃ/ስብከት እንደርታ ወረዳ ቤተ ክህነት ጣቢያ ደርጋጀን ሰበኻ ማይቃያሕ
ናይ አቡነ ተ/ሃይማኖትን አቡነ አረጋዊን አብያተ ክርስቲያናት ዝተውሃበ ስልጠና ኾይኑ
ብፁዕ አቡነ እንባቆም ሊቀ ጳጳስ ደ/ም/ሃ/ስብከት
በኩረ ብዙኃን ቀሲስ አብርሃም ተካ ስራሕ መካየዲ ሃ/ስብከት
አባ ገ/ሓዋርያ አፈ ቀሲስ
መ/ር ፀጋይ ሓጎስ ትልምን ልምዓትን ክፍሊ ሓላፊን
ናይ ዕለቱ አሰልጣንን
መንፈሳዊ ሕይወት ብዝብል ስልጠና ዝተዋህበ ኮይኑ
ንሕድሕድ ሰልጣኒ ካህን ንአባላት ቤት ትምህርቲ ሰንበት ሓዊሱ ሓሓደ ብድምር 50 መፅሐፍ ቅዱስ ተዋሂቦም። እቲ ሓገዝ ካብ መፅሐፍ ቅዱስ ማሕበር ትግራይ ብውህብቶ ዝረኸቦ እዩ።

Tigray Orthodox Tewahedo Church:
© ደቡብ ምብራቕ ትግራይ ሃገረ ስብከት

ስነ ስርዓት ምንባር እብነ መሠረት ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ደ/ብርሃን ቅ/ሥላሴ፡⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺ሎሚ 25 ሰነ 2018 ዓ/ም ብፁእ ኣቦና ኣቡነ...
02/07/2026

ስነ ስርዓት ምንባር እብነ መሠረት ሙሉእ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ ኣብ ደ/ብርሃን ቅ/ሥላሴ፡
⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺⁺
ሎሚ 25 ሰነ 2018 ዓ/ም ብፁእ ኣቦና ኣቡነ ጴጥሮስ ሊቀ ጳጳስ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሽረ እ/ሥላሴ ሃ/ስብከት ኣባል ቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ትግራይ፤

ኣብ ደብረ ብርሃን ቅ/ሥላሴ ቅ/ማርያም ቤተ ክርስቲያን ዝስራሕ ቀዳማይ ብርኪ ቤት ትምህርቲ እብነ መሠረት ኣቐሚጦም እዮም፤ኣብዝ ስነ ስርዓት እዙይ፣ክቡር ንቡረ እድ ተስፋይ ተወልደ ኣካያዲ ስራሕ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ሽረ እ/ሥላሴ ሃ/ስብከት፣ናይ ሃ/ስብከትና ላዕለዎት ናይ ስራሕ ኣመራርሓ፣መርጌታ ይብራህ ተ/ማርያም ናይ ከተማ እ/ሥላሴ ቤተክህነት ሊቀ ካህናት፣መ/ብርሃናት ገ/ሚካኤል ሃይሉ ናይ ደብረ ብርሃን ቅ/ማርያም ቤተ ክርስቲያን ኣማሓዳሪ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም እዮም።

ኣብ መወዳእታ ብፁእ ኣቦና ኣብዝ ዘለናዮ ዘመን ኣብያተ ክርስያናትና ዘመናዊ ቤት ተምህርቲ እንዳተኸላ ነቲ ትውልዲ ብዘመናዊ እንዳተማህረ ብፅቡቕ ስነ ምግባር እንዳሃነፅና እንድ ሕር ዘይበፂሕናሉ ከምቲ ዝፀንሖ ክቕፅል ስለ ዘይኽእል ኣብዝ ርእሰ ኸተማ እ/ሥላሴ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያት እዚ ኣሰር እዙይ ተኸቲለን ክስዕብኦ ይግባእ ዝብል ቃለ ምዕዳንን ቡራኬን ምስሃቡ እቲ ናእቲ ስነስርዓት ተዛዚሙ እዩ።
ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኹን

Tigray Orthodox Tewahedo Church:

25/10/2018
© Tigray Orthodox Tewahedo Church Diocese of North West Endasslasie

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ብቐዳምነት ንኩልኹም ተመረቕቲ ደቀ መዛሙርት እንዃዕ ናብ ምርቓት መዓልቲኹም ኣብፀሓኩም እንዃዕ ድማ ደስ በለኩም ክንብል ንፈቱ። ኣብ ትሕቲ ኦ...
02/07/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ

ብቐዳምነት ንኩልኹም ተመረቕቲ ደቀ መዛሙርት እንዃዕ ናብ ምርቓት መዓልቲኹም ኣብፀሓኩም እንዃዕ ድማ ደስ በለኩም ክንብል ንፈቱ።
ኣብ ትሕቲ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ሃገረ ስብከት ኣውሮፓ ካብ ዝመሓደራ አብያተ ክርስቲያናት ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን (Church Administration) ንሓደ ዓመት ዝኣክል ኣብ ቅዱስ ኣግናጥዮስ ናይ ኦርቶዶክስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ዝሰልጠኑ ተምሃሮ መደብ መመረቕታ ንዕለት 04/07/2026 G.C ብኣቆፃፅራ ኣውሮፓ ሰዓት 7:00pm ብኣቆፃፅራ UK ድማ ሰዓት 6:00pm ተዳሊዉ ስለዘሎ ኣብቲ ብZoom ዝካየድ ምርቓት ሥነ-ሥርዓት ክትካፈሉ ኩሉኹም ብኽብሪ ተዒዲምኩም ኣሎኹም።

እዙይ ዕድል ስልጠና ብብፁዕ ኣቦና አቡነ ኤፍሬም ፃዕሪ ዝተረኸበ ኮይኑ፣ ብቅዱስ ኣግናጥዮስ ኮሌጅ ሰናይ ፈቓድን ሓልዮትን ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ብሓይሊ ሰብ ንምጥንኻር ሙሉእ ወፃኢ ብቅዱስ ኣግናጥዮስ መንፈሳዊ ኮሌጅ ተሸፊኑ ዝተወሃበ ሥልጠና እዩ። በዙይ ኣጋጣሚ ድማ ቅዱስ እቲ ኮሌጅ ንዝገበረልና ሓገዝ ብሽም ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያና ዝለዓለ ምስጋና ነቕርብ።

ዋና ዓላማ እቲ ሥልጠና (course) ቤተ ክርስቲያን ናይ ባዕላ ሕግን ስርዓትን ዘለዋ መንፈሳዊት ተቛም ስለዝኾነት እሞ ብዓለማዊ ኣረዳድኣን ኣመራርሓን ድማ ክትምራሕ ስለዘይግባእ፣ ሊቃውንቲ፣ ካህናት፣ ዲያቆናት ከምኡ'ውን ምእመናን ተረዳዲኦም ብሕግን ሥርዓተ ቤተ ክርስቲያንን ቤተ ክርስቲያና ንከገልግሉን ንክግልገሉን ሙሉእ ዓቕምን ፍልጠትን ንክህልዎም ዝዓለመ ስልጠና እዩ ተዋሂቡ።

ኣብ መወዳእታ ሐዚ'ውን ብፍሉይ ንኣቦታት ካህናት፣ ዲያቆናት ከምኡ'ውን መንፈሳዊ ፍልጠቶም ከዕብዩ ንዝደልዩ ምእመናን ኣብዞም ዝስዕቡ ዓይነት ትምህርቲ ንሓደ ዓመት ዝወሃብ ኮርስ (Course) ስለ ዝጅምር ስካብ July 29, 2026 G.C ኣብቲ ቐፂሉ ዘሎ Link ክትምዝገቡ ነፍልጥ።

ንሓደ ዓመት ዝተዳለዉ ዓይነት ትምህርቲ፦

1.ትምህርቲ ነገረ መለኮት
2. መፅናዕቲ መፅሓፍ ቅዱስ
3. ቅዳሴን ኣገባቡን
4.ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን እንትኾኑ ኣብ መወዳእታ ካብቲ ኮሌጅ ሕጋዊ ሰርቲፊኬት certificate ንተመረቕቲ ክወሃቦም እዩ።

እግዚአብሔር ሃገርናን ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያናን የሓሉ።
Tigray Orthodox Tewahedo Church:

© Tigray Orthodox Tewahedo Church Archdiocese of Europe

https://docs.google.com/forms/d/e/1FAIpQLSevVTTGgNUutriZ4-Vb7V17fAHRNZhMPOFYDW9zRLtlIICrvg/viewform

ቅድስት ኣክሱም ጽዮን ብሔረ ሕግ ኮነ ሞዴላ ሞዴል ካብ ዝሕተም ጀሚሩ እናወሰደት መፂኣ እያ። ቅድስት ኣክሱም ጽዮን ከምተን ካልኦት ሃገረ ስብከታት ብሔረ ሕግ ኣብ ምፅዳቕ ተሳቲፋ እያ። ኣብ ...
01/07/2026

ቅድስት ኣክሱም ጽዮን ብሔረ ሕግ ኮነ ሞዴላ ሞዴል ካብ ዝሕተም ጀሚሩ እናወሰደት መፂኣ እያ። ቅድስት ኣክሱም ጽዮን ከምተን ካልኦት ሃገረ ስብከታት ብሔረ ሕግ ኣብ ምፅዳቕ ተሳቲፋ እያ። ኣብ ማእኸላይ ዞባ ሃገረ ስብከት ዝርከባ ወርዳ ቤተ ክህነት እውን ብሔረ ሕግ እናወሰዳ መፂአን እየን።

ብመሪሕነት ክቡር ንቡረ እድ ጎደፋ መርሐ
ሊቃውንት ቅድስት ከተማ ኣክሱም (ሰበካ ቅድስት ከተማ ኣክሱም) ንመስርሒ መንበረ ጵጵስና ሓገዝ ብር 3,000,000 ኣወፊዮም እዮም። ኣንፃር መንበረ ሰላማ እንተዝኾኑ ነዚ ሰናይ ነገር ኣይምገብርዎን።

ብዛዕባ ቅድስት ኣክሱም ኣብ ሚድያ ዝውረ ዘሎ ብሔረ ሕግ ኣይተቐበለቶን ዝብሉ ከምኡ እውን ኣንፃር መንበረ ሰላማ እዮም ዝብል ዘረባ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ ንምእመናን ዘደናግር ውዕለት ናይ ቅድስት ከተማ ኣክሱም ምእመናን ዘህስስ ንእግዚአብሔር ባህ ዘየብል ናይ ክፉእ መንፈስ ወረ እዩ።
ሰላመ እግዚአብሔር ምስ ኩልና ይኹን

Tigray Orthodox Tewahedo Church:
24/10/2018
ቅድስት ኣክሱም - ትግራይ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ ዞባ ምብራቕ ዓድግራት ሃገረ ስብከት ካብ 14 ወረዳ ቤተ ክህነት ዝተውፃእፅኡ 350 ካህናት ኣማሓደርቲ ኣብያተ ክርስቲያን እቲ ሃገረ ስብከት ...
30/06/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ዞባ ምብራቕ ዓድግራት ሃገረ ስብከት ካብ 14 ወረዳ ቤተ ክህነት ዝተውፃእፅኡ 350 ካህናት ኣማሓደርቲ ኣብያተ ክርስቲያን እቲ ሃገረ ስብከት በዚ ዕለት 23/10/2018 ዓ/ም ኣብ ዋና ከተማ እቲ ሃገረ ስብከት ዝኾነት ዓድግራት ጉባኤ ኣካይዶም።
ኣብቲ ጉባኤ ብዛዕባ ምሕደራ ቤተ ክርስቲያን ብሰፊሑ ዝዘትዩ እንትኾኑ እቲ ብቅዱስ ሲኖዶስ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ትግራይ ዝተወሰነ ውሳነ ሙሉእ ብሙሉእ ተቐቢሎም ተግባራዊ ከምዝገብርዎ ብሙሉእ ድምፂ ወሲኖም።

Tigray Orthodox Tewahedo Church:
23/10/2018 ዓ/ም
ቤት ፅሕፈት ዞባ ምብራቕ ዓዲ ግራት ሃገረ ስብከት

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ዝሰርሖ ህንፃ ኣመሪቑ።እቲ ብብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመረቐ ህንፃ ናይቲ ...
29/06/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሃዱ አምላክ
ቅዱስ ፍሬምናጦስ አባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ነገረ መለኮት ኮሌጅ ዝሰርሖ ህንፃ ኣመሪቑ።
እቲ ብብፁዓን አበው ሊቃነ ጳጳሳት ዝተመረቐ ህንፃ ናይቲ ክስራሕ ዝተተለመ በዓል 10 ደብሪ ህንፃ ሳልሳይ ደብሪ እዩ።
ምዝዛም እዚ ህንፃ ነገረ መለኮት ኮሌጅ ካብ ምምሃር ምስትምሃር ብተወሳኺ ብመዳይ ኢኮኖሚ ዓርሱ ንምኽኣልን ኣገልግሎቱ ንምስፋሕን ይገብሮ ኣብ ዘሎ ፃዕሪ ኣውንታዊ ኣበርክቶ ከምዘለዎ ተገሊፁ።

© St. Frumentius Abba Selama Kessate Berhan Theological College

Address

Aksum
Addis Ababa
1826

Telephone

+251989379313

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Tigray Orthodox Tewahedo Church: the See of Selama: Kassate Berhan posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Tigray Orthodox Tewahedo Church: the See of Selama: Kassate Berhan:

Shortcuts

Share