Abel Zekarias

Abel Zekarias ኣብቲ ህይወት ዝህብ ኦም (ክርስቶስ) ፡ ከም ጨናፍር ጸኒዕካ ምፍራይ ኢዪ ዕላማናን ራእይናን

Dont Miss !
14/05/2021

Dont Miss !

17/11/2020

ሰንበት 15 ሕዳር 2020

ኣገ. ኣቤል ዘካርያስ

//ምግላጽ መንፈስ ቅዱስ ኣብ ህይወት ኣመንቲ //

ሓደ ካብ ኣካል እግዚኣብሄር ዝኾነ መንፈስ ቅዱስ // እግዚኣብሄር ኢዩ// ።

ይኹን እምበር ኣብ ሓዲሽ ኪዳን ብመንፈስ ዘይኮነ ኩሉ ካብ ቅድሚ ኣምላኽ ርሑቅ ሙዃኑ ይነግረና ። ንምንታይ ምስ እንብል?

መንፈስ ቅዱስ ን የሱስ ከኽብር ስለ ዝተገልጸ ፣ የሱስ ኣብ ህይወትና ክኸብር መንፈስ ቅዱስ ስለ ዘድሌና ።

የሱስ ድማ ስለ ዘይከበረ ፣ መንፈስ ቅዱስ ኣይወረደን ነበረ ፣ ይብል ቃል ኣምላኽ

መንፈስ ቅዱስ የብሉን ማለት የሱስ የብሉን ማለት ኢዩ ፣ ብዘይ እቲ መድሓኒ የሱስ ድማ ብ መንፈስ ሙዉታን ኢና ።

ስለዚ ብ ናይ እቲ ን የሱስ ከብ ሙውታን ዘተንሰአ መንፈስ ኣብ ህይወትና ክገዝእ ይግቦኦ ኢዩ።

ሎሚ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ዘሎና ኣመላኽኽታ ምስ ዝዕረ ፣ ህይወት ብመንፈስ ክህልወና ብግዲ ኢዩ ።

መንፈስ ቅዱስ ን ዝደረቀ የለምልም ፣ ንዝጸመአ የርዊ ኢዩ ፣ ንዝሞተ ድማ ህይወት ይህብ ። ኣብ መንፈስ ቅዱስ ምህላው ኣብ ህይወት ምህላው ኢዩ ፣ ህያው ሙዃን ኢዩ ፣
//ኣነ ህያው እየ እና በልካ ፣ ናይ ዝሞተ ናብራ ምንባር ግና ኣይከኣልን//

ምኽንያቱ !!!!!

ናይ መንፈስ ቅዱስ ተልእኾ ስለ ዘይኮነ .

ኩሉኹም ቅዱሳን ኣዲስ ኣበባ ምጹ ሕበሩና ኣገልግሉ ፣ ተገልገሉ !!!

ቦታ - ጀርመን ኣደባባይ ፣ ኣብ ኣደባባይ ምስ ኣተኻ ዘሎ እንዳ ነዳዲ ብድሕሪኡ ።
ዓርቢ - ናይ ጸሎት መደብ 4 -6 ድ.ቀ
ሰንበት - ናይ ኣምልኾን ቃል ግዜ ካብ 3.30 - 6 ድ.ቀ

16/06/2020
ሻሎም ! ዝንበብ ኢዩ 👇👇👇👇👇👇👇🇪🇷
16/05/2020

ሻሎም ! ዝንበብ ኢዩ 👇👇👇👇👇👇👇🇪🇷

 መዝሙር ? ?

መዝሙር ማለት፣ ሓደ ካብቲ ንዝደሓነ ወይ ዳግም ብመንፈስ ቅዱስ ዝተወልደ ሰብ ዝወሃብ ነጻ ህያብ መንፈስ ቅዱስ ኮይኑ ፣ ንምህናጽ ማሕበር ዝወሃብ ህያብ ድማ ኢዩ ፣ ኣብ ውሽጢ ነፍሲ ወከፍ ዳግም ዝተወልደ ድማ ኣሎ ! ካብታ ንጎይታ ክስዕብ ህይወቱ ዝወሰነላ መዓልቲ ድማ ብ መንገዲ መንፈስ ቅዱስ active ህያው ይኸውን።

 ያቆ 5 ፣13 ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ #ይዘምር።
 1 ቆረ 14 ፣ 12 - ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ኩኑ ።

 ጥቕምታት መዝሙር ? ?

1, ክትዝምር ከሎኻ ፣ ን ኣምላኽ ትእዘዝ ኣሎኻ ፣

 ቆሎ 3 ፣ 16 ብመዝሙርን #ውዳሴን #መንፈሳዊ #ቕኔን ንሓድሕድኩም #ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ #ብልብኹምውን #ብጸጋ ንኣምላኽ #እናዘመርኩም፡ #ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።

2 ፣ ክትዝምር ከሎኻ ፣ ኣብ ቃል ኣምላኽን ምስጋናን ዘሎ ሓይሊ ትርዳእ ፣

 ማቴ 26 ፣ 30 መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ።
 ያቆ 5 ፣13 ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ #ይዘምር።
 ቆሎ 3 ፣ 16 ብመዝሙርን #ውዳሴን #መንፈሳዊ #ቕኔን ንሓድሕድኩም #ኣስተምህሩን ምዓዱን፡ #ብልብኹምውን #ብጸጋ ንኣምላኽ #እናዘመርኩም፡ #ቃል ክርስቶስ ብዅሉ ጥበብ መሊኡ ይሕደርኩም።

3, ክትዝምር ከሎኻ ንኻሎኦት ትሃንጽ ፣

 1 ቆረ 14 ፣ 15 እንታይ ደኣ እዩ፧ ብመንፈስ ክጽሊ፡ ግናኸ በእምሮይ ድማ ክጽሊ እየ፡ ብመንፈስ #ክዝምር፡ ግናኸ በእምሮይውን #ክዝምር ኣየ።
 ኤፌ 5 ፣18-19 ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ #ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ #ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።
 1 ቆረ 14 ፣ 12 - ንምህናጽ ማሕበር ዕዙዛት ኩኑ ፣

4, ክትዝምር ከሎኻ ፣ ብመንፈስ ትምላእ ፣

 ኤፌ 5 ፣18-19 ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ #ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ #ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ #መንፈስ ይምላእኩም።

 ግብ 16 ፣25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ እናለመኑ #ብዜማ የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ።
 ያቆ 5 ፣13 ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ #ይዘምር።

5, ክትዝምር ከሎኻ ፣ ኣብ መንፈሳዊ ሓይሊ ትብርትዕ እሞ ፣ ሰዓሪ ኾንካ ከኣ ትወጽእ ፣

 እብ 2 ፣ 11-12 ማለት፡ እቲ ዚቕድስን እቶም ዚቕደሱን ኵላቶም ካብ ሓደ እዮም። በዚ ምኽንያት እዚ ኸኣ፡ ስምካ ነሕዋተይ ክነግሮም፡ ኣብ ማእከል ማሕበርውን #ክዝምረልካ እየ፡ ኢሉ ኣሕዋተይ ንምባሎም ኣይሐፍርን እዩ ፣
 ያቆ 5 ፣13 ኣብ ማእከልኩም ሓሳረ መከራ ዚጸግብ አሎ፧ ይጸሊ። ሕጉስዶ አሎ፧ #ይዘምር።
 ኤፌ 5 ፣18-19 ዝርገት ኣለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ #ብመዝሙርን #ምስጋናን #ብመንፈሳዊ #ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ #መንፈስ ይምላእኩም።
 ግብ 16 ፣25 ፍርቂ ለይቲ ምስ ኰነ ድማ፡ ጳውሎስን ሲላስን ንኣምላኽ #እናለመኑ #ብዜማ #የመስግኑ ነበሩ። እቶም እሱራት ከኣ ይሰምዕዎም ነበሩ። 26 ብድንገት ድማ፡ መሰረት እታ ቤት ማእሰርቲ ኽሳዕ ዚናወጽ፡ ብርቱዕ ምንድቕዳቕ ምድሪ ዀነ። ብኡብኡ ኸኣ ኲሉ እቲ መዓጹ ተኸፍተ፡ ናይ ኲላቶም መቓውሕውን ተፈትሔ።

6, ኽትዝምር ከሎኻ ን ኣምላኽ ክብሪ ትህብ ፣

 ሮሜ 15 ፣ 9 ኣህዛብ ግና ከምቲ ጽሑፍ፡ ስለዚ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ኤመስግነካ ንስምካውን #እዝምር ኣሎኹ፡ ዚብል፡ ንኣምላኽ ምእንቲ #ምሕረቱ #የመስግንዎ።

7, ኽትዝምር ከሎኻ ወንጌል ንምስፋሕ ምኽንያት ይኸውን !

• ካብዚ ዝስዕብ ብ ዘማሪ የማነ ሃብተ ዝተላዕለ ሕቶ ምርኩስ ብምግባር ገለ ክሪኢ ክፍትን !

ኩሉ ዝዝምር ዶ ዘማሪ ኢዩ ? ?????

 መዝሙር ምንጩ ካብ መንፈስ ቅዱስ ኢዩ ፣ ይኹን እምበር ኩሉ ክዝምር ይኽእል ኢዩ ? ኩሉ ዝዝምር ውን ዘማሪ ክበሃል ጸገም ዘለዎ ኣይኮነን ፣ ሓንትስ ምንጩ መንፈስ ቅዱስን መሰረት ህያው ቃሉን ዝድግፍ ይኹን፣ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቅሰ ዕላሙኡ ፣ ማሕብር ክሃንጽ ኣለዎ ፣ እዚ ማለት ነፍሳት ክሃንጽ ኣለዎ ።

ኩሉ ዝዝምር ከ መዝሙር ድዩ ???????

 ኩሉ ዝዝመር መዝሙር ድዩ ? ? ????????

፣ እቲ ሚዛን ናይቲ መዝሙር ኢዩ ፣ ዝውስኖ ። ን ኣብነት ሓደ መዝሙር ምንጩ ካብ መንፈስ ቅዱስ እንተ ዳኣ ኮይኑ ብቀጥታ ካብቲ መንፈስ ዘለዎ ቃል ኣምላኽ ክጋጮ የብሉን ( Doctrinal inheritance ) ክህልዎ ኣለዎ ፣ ከም ኣብነት ኣብ ሓደ መዝሙር ዝሰማዕክዎ እንታይ ይብል * ኣይነቀጸን ደምካ ፣ ኣይዘሓለን ደምካ ፣ ኣይነጸፈን ደምካ የሱሰይ !!!! ክጅመር ከሎ እዚ/ እዛ ዘማሪ/ት ትርእዮ ዘላ literal blood ቐጥታዊ ዝዝሕል ፣ ዝነቅጽ ፣ ዝነጽፍ ደም ጥራይ ድዩ ዝረኣያ/ዮ ዘሎ ፣ ዶስ እቲ ፍጹም መለኮትን ፍጹም ስጋኡ ዝተወሃሀደ ህያው ወዲ ኣምላኽ ዘፍሰሶ ደም ፣ ነቲ ትርጉም እቲ ዝፈሰሰ ደም ንምግላጽ ዘይምጥን/ ዘበቅዕ ተራ ደም ዘምስል ቃላት ምስቲ መሰረታዊ ቃል ዝራጽም ኢዩ ፣ ንምንሲ እዞም ቃላት ትርጉም እቲ ዝፈሰሰ ደም ኣይገልጹን ኢዮም ፣ ስለዚ ነቲ ክንሓስቦ ዝግባኣና ስሌና ዝማልድ ዘሎ ደም ናይ የሱስ ኣየራኣየናን ፣ ዕላሙኡ ድማ ኣይሃርምን እብል ኣነ ።

ኩሉ ዝዝምር ገጣሚ ድዩ ?

ኩሉ ገጣሚ ኸ ዝዝምር ድዩ ?

ኩሉ ዘማሪ ዶ ዜማ ኣለዎ ኢዩ ?

ኩሉ ዜማ ዘለዎ ኸ ዘማሪ ድዩ ?

ኩሉ ሙዚቀኛ ዶ ዘማሪ ይኸውን ኢዩ ?

 መቸም ግጥሚ፣ ዜማ ፣ ሙዚቓ ካብ ነፍሳዊ ሓይሊ ፣ ማለት ኣእምሮኣዊ ዓቅሚ (ድጉል ሓይሊ ‘ Soulie Power ) ወድ ሰብ ዝምኝጩ ስለ ዝኾነ ፣ ጥበብ ኢዩ ዝበሃል ። ዋላ ዘይደሓነ ውን ክገጥም , ክዘይም ፣ ሙዚቃ ክጻወት ይኽእል ኢዩ ፣ እቲ ፍልልይ ግን ፣

1, ምኝጩ ካብ ህያው ቃል ኣምላኽ ዝገበረ ፣
2, ን ኣምላኽ ክብሪ ዝህብ ሙኻኑ ፣
3, ነቲ ከተሕልፎ ደሊኻ ዘሎኻ መንፈሳዊ መልእኽቲ ውን ብዝግባእ ይገልጽ ድዩ ምፍላጥ ፣

እዚ ክኽውን ከሎ እቲ ጥበብ ኣባና ኣድማዒ ኢዩ ። መንፈስ ቅዱስ ድማ ነቲ ዕዮ ይሓብሮ ንምንታይ ሲ
* ንምህናጽ ማሕበር " ‘ ስለ ዝኾነ ፣

#ጥቅሚ ናይቲ ግጥሚ፣ ዜማ ፣ ሙዚቃ ድማ በዚ ይምዘን ፣ ኩሉ ግን ክገጥም ኣይክእልን ፡ ክዘይም ኣክእልን ፣ ሙዚቃ ክሃርም ኣክእልን ። ኩሉ ዝገጥም ፣ ዝዘይም ፣ ሙዚቐኛ ውን ክዝምር ኣይኽእልን ፣ ሓንትስ ዝዝምር ዝተዋህቦ ጥራይ ። ብዕላማ ማሕበር ኣምላኽ ንምህናጽ !!!!!

ኩሉ ዘማሪ ዶ ኣምልኾ ይመርሕ ኢዩ ?

 ኣምልኾ ካብ ጥንቲ ዝነበረ ኾይኑ ብዝተፈላለይ ኣገባብ ድማ ይትግበር ኔሩ በብእዋኑ ውን እና ዓበየ መጹኡ ኢዩ ፡ ብግሩፕ ኮይንካ ኣምልኾ Quire ኣሎ ፡ ብ ውልቂ ውን solo ኣሎ ኢዩ ። ብ መዝሙር ደረጃ ውን ኣምላኾ ዓቢ ግደ ኣለዎ ፣ እንተኾነ ግን እቲ ፍልልይ ናይ ኣምላኾን Quire & solo ዓይነት መዝሙርን ፍልልዩ ብዙሕ ንጹር ኣይኮነን ፣ ኣምልኾ መዝሙር ኢዩ ፣ ብዘማሪ ወይ ዘመርቲ ይምራሕ ፣ መዝሙር ከኣ ብ ውልቂ ይምራሕ # ናይ ስርዓት ቤተክርስትያን ካብ ሙኻና ሓሊፉ ፡ እቲ ሶሎ ይዓቢ ወይ ድማ ብ ሕብረት ዘመርቲ ይጽብቕ ንብለሉ የብልናን ። ካብ ስርዓት ሙኻኑ ሓሊፉ ኣብ መንፈሳዊ ጽልዋ ዘምጾኦ ለውጢ የብሉን ። ብዝኾነ ግን እቲ ኣብ ውሽጡ መልእኽትን ፡ ንምህናጽ ማሕበር ክሳብ ዝኾነ ድማ መልእኽቲ ኣሎኒ ዝብል ከምልኽ ክዝምር ግን ይኽእል ኢዩ ። እቲ ወሃቢ ክሳብ ዝሃበ እዚ ግን ብስርዓትን መንፈሳዊ ኣገባባቱ ዘይሰሓተ ክኽውን ኣለዎ።

ኣምላኽ ይባርኽኩም !
ሓውኹም ኣቤል ዘካርያስ !
May 16 , 2020

10/04/2020
09/04/2020

#ሰላም ክቡራት ኣሕዋት ክርስትያናት
ካብ ኩሉ ዝበልጽ ሰላም ክርስቶስ ይግዛእኩም !

እዛ ደብዳቤ ንኹሉ ግዱስ ናይ ዜግነት ሓላፍነቱ ዝዋጻእ ፣ ከሙኡ ውን መንፈሳዊ ግቡኡ ንምፍጻም ኣምላኽ ከም ዝኽእል፣ እዚ ዘሎ ኩነታት ውን ሓሊፉ ውን ዝዓበየ ተስፋ እግዚኣብሄር ፣ ከም ዝሪኢ ዝኣምን ሰብ ፣ ንዝተሸገሩ ብምሕጋዙ ድማ ን ኣምላኽ የለቅሖ ከም ዘሎ እናተረዶኦ ክገብር ዝደሊ ፣ ነዛ ዘላ ኩነታት ኣብ ህይወትና ዓቢ ስራሕ ብምስራሕ ንጠቀመላ !

ንኹሉ ግዱስ ንኽባጻሕ ድማ share ንግበራ !
በረኸትና ኢኹም !

 #የሹዋ - የሱዕፊ - ኢየሱስ - የሱስ ፡መድሓኒት ህይወት ፡ መምለጢ ካብ ሞት ሰዓሪ ሓጢኣት ፡ መናገፊ ጸልማት ደምዳሚ ህይወት ፡ ኣዕናዊ ስልጣን ጸልማት ፈጻሚ ሕጊ ፥ ኣበሳሪ ጽድቂ ኣፍቃ...
27/03/2020

#የሹዋ - የሱዕፊ - ኢየሱስ - የሱስ ፡

መድሓኒት ህይወት ፡ መምለጢ ካብ ሞት
ሰዓሪ ሓጢኣት ፡ መናገፊ ጸልማት
ደምዳሚ ህይወት ፡ ኣዕናዊ ስልጣን ጸልማት
ፈጻሚ ሕጊ ፥ ኣበሳሪ ጽድቂ
ኣፍቃሪ ሓጥእ ፥ ጸላኢ ጥፋኣት
ንሱ ኢዩ በይኑ መድሓኒ ካልእ የለን ደጋፊ ንዑኡ።

27/03/2020

#ዎ ኣምላኽ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ !!!

"ዎ ኣምላኽ፣ ከም ሳህልኻ ምሐረኒ፣ ከምቲ ዓብዪ ርሕራሔኻ ኣበሳይ ደምስስ።

ካብ ኣበሳይ ኣጸቢቕካ ሕጸበኒ፣ ካብ ሓጢኣተይውን ኣጽርየኒ።

ኣነ ኣበሳይ እፈልጥ አሎኹ እሞ፣ ሓጢኣተይ ኵሉ ጊዜ ኣብ ቅድመይ እዩ።

ብዘረባኻ ጻድቕ፣ ብፍርድኻውን ንጹህ ኴንካ ኽትርከብሲ፣ ኣነ ንኣኻ ጥራይ በደልኩ፣ ኣብ ቅድሜኻ እከይ ገበርኩ።

እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።

እንሆ፡ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፡ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ።

ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።

እተን ዝቐጥቀጥካየን ኣዕጽምቲ ኺሕጐሳስ፣ ባህታን ሓጐስን ኣስምዓኒ።

ገጽካ ኻብ ሓጢኣተይ ከውሎ፣ ንብዘሎ ኣበሳይውን ደምስሶ።

ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።

ካብ ገጽካ ኣይትደርብየኒ፣ ቅዱስ መንፈስካውን ኣይተግድፈኒ።" ~ መዝ 51፡1-11

Address

Addis Ababa
25100

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Abel Zekarias posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share