Christos Mindset/ ሓሳብ ክርስቶስ

Christos Mindset/ ሓሳብ ክርስቶስ "ንሕና ግና ሓሳብ ክርስቶስ ኣሎና።"
"ንሕነሰኬ ሕሊናሁ ለክርስቶስ ብነ።"
"But we have the mind of Christ." (1 ቆሮ 2፥16)

መገዲ ፍልጠትንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምፍላጥ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣጉሊሓ እያ እተርእየና። ቀዲሙ እቶም ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባራት በዓል ትግሃት፡ ሕያውነት፡ ፍልጠት፡ ምግታእ ...
23/06/2025

መገዲ ፍልጠት
ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምፍላጥ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣጉሊሓ እያ እተርእየና። ቀዲሙ እቶም ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባራት በዓል ትግሃት፡ ሕያውነት፡ ፍልጠት፡ ምግታእ ርእስኻ፡ ዓቕሊ፡ መንፈሳውነት፡ ኅውነት፡ ፍቕሪ ሓደ-ብሓደ ዘርዚሩ ምስ ወድኣ ከምዚ ይብለና፦ "እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፥ እናማዕበለ'ውን እንተ ኸደ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰፍልጠኩም እዩ።" ስለዚ ፍቁራተይ ነዞም ዝተዘርዘሩ ሥነ ምግባራት ወኒንና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ዝግባእ ገይርና ክንፈልጦ መንፈስ ኣምላኽ ይሓልወና።🙏

(2 ጴጥ 1፥3-9)

23/06/2025

ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንምፍላጥ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፋ መልእኽቲ ኣጉሊሓ እያ እተርእየና። ቀዲሙ እቶም ክርስቲያናዊ ሥነ ምግባራት በዓል ትግሃት፡ ሕያውነት፡ ፍልጠት፡ ምግታእ ርእስኻ፡ ዓቕሊ፡ መንፈሳውነት፡ ኅውነት፡ ፍቕሪ ሓደ-ብሓደ ዘርዚሩ ምስ ወድኣ ከምዚ ይብለና፦ "እዚ ነገር እዚ እንተ ኣሎኩም፥ እናማዕበለ'ውን እንተ ኸደ፥ ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኰፍልጠኩም እዩ።" ስለዚ ፍቁራተይ ነዞም ዝተዘርዘሩ ሥነ ምግባራት ወኒንና ንጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ከምቲ ዝግባእ ገይርና ክንፈልጦ መንፈስ ኣምላኽ ይሓልወና።🙏

.          ክበር ምስ ሓቂ!!!ኣብ ሓሶት ክትሰፍር ሓቂ ኣይተፍርስንሓሶት ከተዕቢ ንሓቂ ኣይተንእስንሓሶት ከተጽድቕ ንሓቂ ኣይተብርስንሓቂ ከተሕርር ንሓሶት ኣይትኾስኩስንሓሶት ከተንጽሕ ሓ...
18/05/2024

. ክበር ምስ ሓቂ!!!
ኣብ ሓሶት ክትሰፍር ሓቂ ኣይተፍርስ
ንሓሶት ከተዕቢ ንሓቂ ኣይተንእስ
ንሓሶት ከተጽድቕ ንሓቂ ኣይተብርስ
ንሓቂ ከተሕርር ንሓሶት ኣይትኾስኩስ

ንሓሶት ከተንጽሕ ሓቂ ኣይተርክስ፤
ንሓሶት ከተነጽር ሓቂ ኣይትሓምስ፤
ሓሶት ክትዛረብ ሓቂ ኣይትዕበስ፤
ስቕታኣ ሰዓሪ'ዩ ስንኻ ኣይትንከስ፤

ምስ ሓሶት ክትከይድ ሓቂ ኣይትጉሰ፤
መን ኣሎ እሞ ብሓሶት ዝነገሠ፧

ብዙሓት ብዙሓት ዲኻ ዝበልካ፧

ኣይትዘርዝሮም መወዳእታም ኣስተውዕል
ዘለውዎ ሕይወት ሓደ ብሓደ መርምር

ኣኽሊል ሓሶት ካባ ሓሶት፤
ዝፋን ሓሶት ዘንጊ ሓሶት፤
ዝወደዩ ኵሎም ቀደምት ነገሥታት
መኣስ'ሞ ጥዒምዎም ምንባር ኣብ መዓት

ንሓሶት ከተትብዕ ንሓቂ ኣይተፈራርሕ፤
ሓሶት ክሕጐሰልካ ኣብ ቅድሚ ሓቂ ኣይትንባሕ፤

ደስ ኣይበልካ ኣይኹን ባህታኻ፤
ሕሚማ ተሳቕያ ተሓሪዳ ርኢኻ፤
ጸላእታ ሰሲኖም በዚሖም ሰሚዕካ፤
ሓቂ ኣይትመውትን ዝተመነኻ እንተ ተመነኻ፤
ሞይታ ኣይትመውትን ዝሓለንካ እንተ ሓለንካ፤
ደጊም ንቓሕ ምዘን ዓይር
ሓቂ ካብ ሓሶት ፈሊኻ መርምር

ንኣ ርኣያ ነዛ ቤተ ክርስቲያን፤
ስፍራ ቅድስና ስፍራ ፍጹማን፤
ስፍራ ፍቕሪ ስፍራ ግሩማን፤
ምዃና ኣስተውዕል ሰማያዊት መካን፤

ንሕና ምእመናን ኣይኮናን ባሮቱ፤
ውሉዱ ኢና ወረስቲ መንግሥቱ፤

ስለዚ ፍቁረይ ክበር ምስ ሓቂ፤
ምስ ክርስቶስ ምረጽ ምስቲ ጐይታ ጽድቂ፤

"ኣብ መርዓ ወዱ ሞት መርዓዊ ዝተረድአ ኣቦ"      ወለዲ ኣብ ሕይወቶም ካብተን ዘሐጕሳኦም መዓልታት ሓንቲ ካብአን መርዓ ወዶም ወይ ጓሎም ዝርእዩላ መዓልቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ እንተ ...
27/09/2023

"ኣብ መርዓ ወዱ ሞት መርዓዊ ዝተረድአ ኣቦ"

ወለዲ ኣብ ሕይወቶም ካብተን ዘሐጕሳኦም መዓልታት ሓንቲ ካብአን መርዓ ወዶም ወይ ጓሎም ዝርእዩላ መዓልቲ እያ። እዛ መዓልቲ እዚኣ እንተ ርእዮማ መብዛሕቲኦም "ደጊም ሞት ከም ኣዳም" ዝብል ሓረግ ክጥቐሙ ኢና እንሰምዖም። እዚ ኸኣ ኣዝዮም ዝሕጐሱላ መዓልቲ ምዃና ርኡይ ምልክት እዩ።

ኮይኑ ግና ኣብዚ ሓጐስ እንከለዉ ሞት መርዓዊ ወይ መርዓት ምስ ዝርድኡ መጥን ክስምዖም ዝኽእል ኀዘን ብምንታይ ክልካዕ ይኽእል፧ እንድዒ! ኣነ'ኮ ይትረፍ ነዚ ኀዘን'ዚ ነቲ ቀዲሙ ዝስምዖም ዝነበረ ናይ ሓጐስ ስምዒት መለክዒ ዝርከበሉ ኣይመስለንን። ክብደቱ ወላ እኳ ዓቕሚ ስኢነ "እዚ" ኢለ ክገልጾ እንተ ዘይከኣልኩ ንማንም ሰብ ግና ክርድእ ዝኽእል እዩ።

ልክዕ ከምኡ ኸኣ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ብምኽንያት በዓል መስቀል ጌርና ንስሓ ኣቲና ቅዱስ ቁርባን ቈሪብና መርዓና እንጽንብለሉ መዓልቲ ንምርኣይ ዝነበሮ ሃንቀውታ ተሰይሩ ሞትና ክሰምዕ ከሎ ከመይ ኢሉ ይሓዝን ይኸውን፧

በዓል መስቀል እኮ መስቀል ተቐቢሩ ነይሩ ደሓር ከኣ ብመርሒነት ንግሥቲ እሌኒ ተረኺቡ ከም ዝወጸ ጥራይ ኣይኮነን ዝዝከረሉ። እኳ ደኣ ልዕሊኡ ነታ ቅድሚ 2 ሽሕ ዝነበረት ፍልይቲ ዓርቢ ብምዝካር ምእንታይን ምእንታኹምን ዝፈሰሰ ደሙ፡ ዝተቘርሰ ሥጋኡ፡ ሕማሙ፡ ዘሕለፎ ግፍዒ፡ ሞቱ፡ መቓብሩ ብዕምቈት እነስተንትነላን ንስሓ ኣቲና ምስ እግዚኣብሔር እንዕረቐላን መዓልቲ እያ ነይራ። እዚ ብምግባር ከኣ መርዓና እነኽብረላ መዓልቲ'ያ ክትከውን ዝተሠርዐት።

ነገር ግና ፍቁራት ደቂ ክርስቶስ በዓልና መርዓ ኮይኑ ክሓልፍ ዝግብኦ ክንሱ ናብ ቤት ኀዘን ካብ ምቕያር መኣዝ ኢና ከነዕርፍ፧ ምኽንያቱ ሕክምናታት (Hospitals) ልዕሊ ማንም መዓልቲ ኣብ ጊዜ በዓላትና ስራሕ ይጽዕቆም'ዩ ዘሎ። እቶም እናተቐያየሩ ዝሰርሑ ዝነበሩ ናይ ጥዕና በዓል ሞያ ብበዓልና ግና ዕረፍቲ ዝወሃብ ሰብ ሓደ እኳ የብሎምን፣ ኵሎም ኣብቲ ስራሕ ጽሙዳት እዮም። በዚ ኸኣ እግዚኣብሔር ክምስገነላ፡ ክኸብረላ፡ ክሕጐሰላ ዝጽበያ ዝነበረ መዓልቲ ኣብ ከመይ ዝበለ ሓዘን ንሸሞ ከም ዘሎናስ ይርደኣናዶ ይኸውን፧

ከምቲ ኣቡነ ሺኖዳ "ካብቲ ኣብ ተራ መዓልቲ ዝግበር ኃጢኣት ኣብ በዓልት ዝግበር ኃጢኣት ይኸብድ" ዝበልዎ፣ በዓል ምኽንያት ብምግባር ንሰክር፡ ንበኣስ፡ ነዕገርግር፡ ለይታዊ ትልሂት ብምኻድ ብዝሙት እንጽመድ ሰባት ኃጢኣትና ከምይ ገይሩ ክቐልል ይኽእል፧

እምበኣር ዝፈትወኩም ኣሕዋተይን ኣሓተይን በዓልና ለዋህን ፈቃርን እግዚኣብሔር ኣቦና ዝኃዝነላ ዘይኮነስ ዝሕጐሰላ መርዓ ክትኮነልና ከምዚ ብምባል ናብ እግዚኣብሔር ንቕረብ፦
"ኦ እግዚኣብሔር ኣነ ኃጥእን በደለኛን ከለኹ ይቕረ ኢልካ ናብዚ ክቡር በዓል ብርሃነ መስቀልካ ክበጽሕ ፈቒድካለይ ኢኻ'ሞ አመስግነካ ኣሎኹ። በዛ መዓልቲ እዚኣ መርዓይ ክትርኢ ሃረርታ ከም ዘሎካ እፈልጥ እየ! ነገር ግና ሞተይ ኣርዲኦምኻ ኣብ ከቢድ ኀዘን ከም ዘሎኻ ርእየ ምሳኻ እጕሂ ኣሎኹ። ደጊም ግና ንዓኻ ካብ ምኅዛን ክቑጠብ ኣንቂደ ኣሎኹ። 'ከም ብዝኂ ኃጢኣተይ ዘይኮነስ ከም ዝብኂ ምሕረትካ ይኹን' እናበልኩ ናብ ቤት መቕደስካ እቐርብ ኣሎኹ'ሞ ቅዱስ ሥጋኻን ክቡር ደምካን ሃበኒ! ኣሜን!!!"

ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
16/ 01/ 2016 ዓ.ም
27/ 09/ 2023 ዓ.እ
Adiss Ababa/ Ethiopia

✥┈┈•◦●◈◎💠◎◈●◦•┈┈✥
https://t.me/ReadtoGrow21
✥┈┈•◦●◈◎💠◎◈●◦•┈┈✥

.                  💠ዝዓበየ መቕጻዕቲ💠           💠𝐓𝐡𝐞 𝐆𝐫𝐞𝐚𝐭 𝐏𝐮𝐧𝐢𝐬𝐡𝐦𝐞𝐧𝐭💠ኣብ ህይወት ብዙሕ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣሎ። ነፍስ ወከፍ ሰብ ውን ነቲ 'ዝዓበየ እዩ' ኢሉ...
15/09/2023

. 💠ዝዓበየ መቕጻዕቲ💠
💠𝐓𝐡𝐞 𝐆𝐫𝐞𝐚𝐭 𝐏𝐮𝐧𝐢𝐬𝐡𝐦𝐞𝐧𝐭💠

ኣብ ህይወት ብዙሕ ዓይነት መቕጻዕቲ ኣሎ። ነፍስ ወከፍ ሰብ ውን ነቲ 'ዝዓበየ እዩ' ኢሉ ዝኣመነሉ መቕጻዕቲ እዩ ዝኽተል። ይኹን ደኣ እምበር ካብ ኩሉ ዓይነት መቕጻዕቲ ግና እቲ ዝዓበየ መቕጻዕቲ ፍቕሪ እዩ።

'ፍቕሪ ደኣ ካብ መኣስ እዩ መቕጻዕቲ ዝኾነ፧' ዝብል ሰብ ኣይሰኣንን እዩ። ዕላማ ናይ መቕጻዕቲ፦ እቲ ዝተቐጽዐ ኣካል ጌጋኡ ኣሚኑ ናብ ቅንዕና ንምምላስ እዩ። እምበኣር ፍቕሪ መቕጻዕቲ ዝኾነሉ ነቲ ኣብ ጌጋ መገዲ ዘሎ ንምምላስ ካብኡ ዝሕይል ብዘይምህላዉ እዩ።

ኣብ ብሉይ ኪዳን ሰብ ብቕንዕና መታን ክመላለስ ተባሂሉ ዝተፈላለየ መቕጻዕቲ ንርኢ ኢና። ንኣብነት፦ ብዳርባ እምኒ ሙሟት - Stoning [1]፡ ኣብ ዕንጸይቲ ምስቃል - Hanging [2]፡ ምቅጻል - Burning [3]፡ ምስያፍ - Spear [4] ……… ወዘተ። እዚኣቶምን ነዚኣቶም ዝኣምሰሉን መቕጻዕቲ ግና መሃርቲ ዝኾኑ ነቲ ነዚ ዝርኢ ዘሎ ሳልሳይ ኣካል እዮም እምበር፣ ነቲ ዝቕጻዕ ዘሎ ኣካል መሃርቲ ክኾኑ ኣይክእሉን እዮም። ነቲ ዝቕጻዕ ዓቢይ መምህር ክኾኖ ዝኽእል መቕጻዕቲ ግና ፍቕሪ እዩ።

"ጸላእትኹም ኣፍቅሩ፣ ንዚጸልኡኹም ድማ ጽቡቕ ግበሩ። ንዚረግሙኹም መርቑ፣ ምእንቲ እቶም ዚጸርፉኹም ጸልዩ።" [5] ዝብል ትእዛዝ ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ጥቕሙ ኣባና ጥራይ ተሓጺሩ ዝተርፍ ኣይኮነን። ከመይሲ እንተ ደኣ ኣፍቂርናዮም፡ እንተ ደኣ መሪቕናዮም፡ ስለኦም ድም እንተ ጸለና፣ ኣብ ሰብነቶም በሰላ ዘይክረኣየና ይኽእል እዩ፤ ነገር ግና ንልቦም ከም ጒሁር ሓዊ ከንድዶ እዩ። [6] ሰብ ነቲ ብደገ ዘሎ ቊስሊ ብዝተፈላለየ መድኃኒት ክፍውሶ ይኽእል እዩ፣ ነቲ ብፍቕሪ ዝቖሰለ ልቡ ግና ብይቕሬታ ጥራይ እዩ ክፍውሶ ዝኽእል።

ስለዚ ሓይሊ ፍቕሪ ተረዲእና ንዝመጸና ጸላኢ ብፍቕሪ ቀጺዕና ንስዓሮ! ንሱ ከኣ ጸላኢና ዝነበረ ፈታዊና ክኸውን እዩ።
━━━━━━━━━━━━━
[1] ዘጸ 19፥13/ ዘሌ 20፥27
[2] ዘሁ 25፥4/ ዘዳ 21፥22
[3] ዘፍ 38፥24/ ዘሌ 21፥9
[4] ዘጸ 32፥27/ ዘሁ 25፥8
[5] ሉቃ 6፥27-28
[6] ሮሜ 12፥20/ ምሳ 25፥21
━━━━━━━━━━━━━
ነታ ቃል ኣምላክ ጽምኣት ዘለዋ ነፍሲ መታን ከተርውዩ መሃሪ ምዃኑ ኣስተውዒልኩም SHARE, JOIN, FOLLOW ምባል ናትኹም መንፈሳዊ ዕዮ እዩ።

ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
ዘደ/ሰ/ቅ/ሚ/ዓዲ-ቀይሕ
23/ 11/ 2021 ዓ.እ
14/ 03/ 2014 ዓ.ም
Addis Ababa / Ethiopia

💠ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ💠        ዮናስ ብግርሕነቱ ዝፍለጥ ዓቢይ ነቢይ እግዚኣብሔር እዩ። ገርሂ ዘብሎ ብዙሕ እኳ እንተ ሃለወ እቲ ናይ መጀመርታ ግና ካብ ገጽ ኣምላኽ ክዅብልል ...
14/09/2023

💠ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ💠

ዮናስ ብግርሕነቱ ዝፍለጥ ዓቢይ ነቢይ እግዚኣብሔር እዩ። ገርሂ ዘብሎ ብዙሕ እኳ እንተ ሃለወ እቲ ናይ መጀመርታ ግና ካብ ገጽ ኣምላኽ ክዅብልል ምፍታኑ እዩ።

ነቢይ ዮናስ ካብ ገጽ ኣምላኽ ክኽወል ምፍታኑ እግዚኣብሔር መሓሪ ብምዃኑ ኪምሕሮም እዩ ኣነ ከኣ 'ሓሳዊ ነቢይ' ከይበሃል ኢሉ ክብረት ርእሱ ጥራይ ዝደለየ ጌርካዶ ትርድኦ ኔርካ፧ በል ኣስተውዕል! ነቢይ ዮናስ ሓሳዊ እንተ ተባሂሉ፣ ክብሪ ይዅኖ! እግዚኣብሔር ሓሳዊ ካብ ምባል ዘምልጥዶ ይመስለካ፧ እቶም ብድሕሪ ዮናስ ዝመጹ ነብያትከ ካብ እግዚኣብሔር ዘምጽእዎ ትንቢት ሰማዒ ዝረክብ ይመስለካ፧ መንከ ከኽብሮም፧ ንዮናስውንኮ ሓሳዊ ጥራይ ኢሎም ዝገድፍዎ ኣይምሰልካ! "ሓሲኻ ንሰለስተ መዓልቲ ኣጥሚኻና! ኣጽሚእካና! ስራሕናውን ኣፍቲሕካና" ኢሎም ምተመዓትዎ ነይሮም። እምበኣር ንነቢይ ዮናስ ካብ ገጽ ኣምላኽ ምዅብላል ዘምረጾ እዚን ካልእን እዩ።

ኣብታ ናብ ተርሴስ እትጕዓዝ መርከብ ምስ ተሳፈረ እቲ ዝገርመኒ ዮናስ ደቂሱ ምንባሩ እዩ። እቶም ተሳፈርቲ በቲ ዝነበረ ማዕበል ተናዊጾም ዓቕሎም ጸቢብዎም እንከሎ፣ ነቲ ዝነበረ ሽገር ዋና ዘምጽኦ ዮናስ ደቂሱ ምንባሩ ኣዝየ እየ ተገሪመ!

እዚ ዝወርደና ዘሎ ሽግር፡ ምፍልላይ፡ ሓደ ቋንቋ እናተዛረብካ ዘይምስምማዕ፡ ቅትለት፡ መከራ፡ ዘይዕጉብነት ... ኮታስ ኵሉ ዝወርደና ዘሎ ብሰንኪ ናይቶም ጠንቂ ናይዚ ኵሉ መከራ ክንስና ደቂስና ዘሎና ምኳኑ ክትርዳእ እደሊ ኣሎኹ።

ሰባት ንእግዚኣብሔር እንተ ዘይተኣዘዝናዮ እግዚኣብሔር ዝእዘዞ ኣይስእንን እዩ። ዮናስ ምእዛዝ እኳ እንተ ኣበየ ነፋሳትን ማዕበላትን ከም ዝእዘዝዎ ርአን ተመልከትን፣ ንሕና ምእዛዝ እንተ ኣበናዮ ፍቓዱን ትእዛዙን ዝፍጽሙ ፍጥረታት ኣለውዎ።

ንዮናስ ኣተንሢኦም ዕጫ ምስ ገበሩ፣ ዮናስ እዚ ዝመጸ ማዕበል በቲ ዝገበሮ ንእግዚኣብሔር ዘይምእዛዙ ምዃኑ ተረድአ። እምበኣብር ኣብዚ እዩ ዘሎ እቲ ክርስቲያናዊ ውሳኔ! ዮናስ ቅድሚ እግዚኣብሔር ኣብ ልዕሊኡ ምፍራዱ "እዚ ብርቱዕ ማዕበል ብሰረይ ከም ዝበጽሓኩም ፈሊጠ ኣሎኹ እሞ፣ ኣልዒልኩም ናብ ባሕሪ ደርብዩኒ፣ እቲ ባሕሪ ኸኣ ኪሃድኣልኩም እዩ።" ብምባል ባዕሉ ኣብ ልዕሊኡ ፈረደ። ዮናስ ባዕሉ ንነፍሱ ፈሪድዋ ምጽንሑ ብእግዚኣብሔር ኣይተፈርደን እኳ ደኣ ዘይሕይኽ ዓሣ ነባሪ ተዋህቦ፡ እቲ ኣብ ከብዱ ዝነበረ ኣሲድውን (Hydrochloric acid) ወላእኳ ኣብ ዓለምና እቲ ዝሓየለ ኣሲድ እንተኾነ ከሕቕቆ ዘይኮነስ ከም ዝሑል ማይ ኰይኑ ብምሉእ ጥዕና ከም ዘጽንሖ ኢና ንዕዘብ።

እቲ ቐንዲ ንወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ምሳሌ ክኾነሉ ዝኸኣለ በዚ ምኽንያት እዚ'ዩ። ከምቲ ንዮናስ እቲ ዓሣ እንትርፊ ሠለስተ መዓልትን ሠለስተ ለይትን ኣብ ከብዱ ዘቐነዮ ወላ ሓንቲ ዘይገበሮ፣ ከምኡ ከኣ ነቲ መለኮት ዘይተፈለዮ ሥጋ ወልደ እግዚኣብሔር መቓብር ወላሓንቲ ክገብሮ ኣይከኣለን።

እምበኣር ነዚ ምሳሌ ወልደ እግዚኣብሔር ንምዃን ዘብቅዖ ንዮናስ ኣብ ባዕሉ ምፍራዱ እዩ። ንሕና ከኣ ናይዚ ኩሉ መከራ መበገስቲ ኰንና ዘሎና ነፍስና ንመርምር! ነቲ ምእዛዝ ዝኣበናዮ እግዚኣብሔር ሎሚ ብንስሓ ይቕሬታ ንሕተቶ፣ በዚ ንሕና ዘምጻእናዮ መከራ ብዙሓት ንጹሓት ኣበሳ ዘይብሎም ተሳፈርቲ እዛ መርከብ ይናወጹን፣ ንብረቶም ይድርብዩን ኣለዉ'ሞ! ንሕና ንመለስ፣ እቲ ዘይተርፍ እግዚኣብሔር ኪፈርድ እዩ፣ ቅድሚ ምፍራዱ ግና ኣብ ልዕሌና ባዕልና ንፍረድ እሞ፣ ዘይተጸበናዮ ምሳሌ ናይቲ ልዑል ወልደ እግዚኣብሔር ንምዃን ክንበቅዕ ኢና።

ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል.....

ነታ ቃል ኣምላክ ጽምኣት ዘለዋ ነፍሲ መታን ከተርውዩ መሃሪ ምዃኑ ኣስተውዒልኩም SHARE, JOIN, FOLLOW ምባል ናትኹም መንፈሳዊ ዕዮ እዩ።
ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
08/ 02/ 2023 ድ.ክ.ፈ
01/ 06/ 2015 ዓ.ም.ግ
Addis Ababa / Ethiopia

13/09/2023

💠ብምኽንያት ይሁዳ ካብ ጐይታ ዝተፈልዩ💠

ሕይወት ይሁዳ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘለዉ ዘሕዙንኒ ሰባት ቀዳማይ ዝተሰርዐ እዩ። ምኽንያቱ ንኽድኅን ዝተዋህቦ ዕድል እቲ ዝዓበየ እዩ ነይሩ፣ ንሱ ግና ከምቲ ፍቁር ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝበሎ ዓስቢ ዓመጻኡ ብግምባሩ ተደፊኡ ተተርተረ፥ ብዘሎ ኣማዑቱ ድማ ተዘልዚሉ ወጸ። (ግሓዋ 2፥18)

ኣብዛ ጽሕፍቲ ግና ስለ ይሁዳ ዘይኮነስ ብሰንኪ ይሁዳ ካብ ጐይታ ዝተፈልዩ ሰባት ኢና ክንርኢ።

ቅዱስ ወንጌል ኣብ ዝንበበሉ ጊዜ ስማ ዘይርሳዕ ኣደ 'ማርያም እንተ እፍረት' ብምባል እትፍለጥ ኣላ። እዛ ኣደ ንጐይታ ኣእጋሩ ብንብዓታ ሓጺባ ብኽቡር ቅዱይ ሽቶ ቀቢኣ ኃጢኣታ ዝተሓድገላ ኣደ እያ። ነዚ ኽትገብር ከላ ግና ይሁዳ ተሓዚ ገንዘብ ብምንባሩ ካብቲ ገንዘብውን ይወስድ ስለ ዝነበረ ኵሉ ኣገልግሎት ብመልክዕ ገንዘብ እዩ ዝጥምቶ ነይሩ። (ዮሓ 12፥6) ስለዚውን ነታ ቅድስቲ ኣደ በቲ ዝገበረቶ ነቐፋ። ንሳ ግና ንኢየሱስ ክርስቶስ ከተሐጕስ እምበር ንሰባት ኢላ ዝገበረቶ ብዘይምንባራ ነቲ ፈተና ክትሓልፎ ክኢላ እያ።

ንሕና ግና ኣገልገልቲ እግዚኣብሔር ስለ ዘይተሓጐሱልና ካብ ቤተ ክርስቲያን፡ ካብ ትምህርቲ ሰንበት፡ ካብ ማኅበር ዝተፈለና ሰባት ኣይንሰኣንን ኢና። እዚ ኸኣ ኣገልግሎትና ንሰባት እምበር ንኢየሱስ ክርስቶስ ከም ዘይነበረ ርኡይ ምልክት እዩ። ስለዚ ኣብ ኣገልግሎትና ንመን ኢልና ነገልግል ኣሎና ነብስና ንመርምር።

ኢየሱስ ክርስቶስ ካልኣይ ጊዜውን ብማርያም ሓፍቲ ኣልኣዛር ኣብ ማእከል እታ ዘፍቅራ ስዳራ ተቐቢኡ ነይሩ እዩ። (ዮሓ 12፥1-11) ኣብዚውን ይሁዳ ከም ልማዱ ንማርያም ተቈጢዑ ኰረየላ። ይሁዳ ልማዱ ኮይኑ ከምዚ እኳ እንተ ገበረ ናይቶም ዝተለከሙ ደቀ መዛሙርቲ ግና ኣዝዩ እዩ ዘኅዝን። ምኽንያቱ ይሁዳ ገንዘብ ክሰርቕ ኢሉ ከምዚ ገበረ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ግና እንታይ ንምርካብ ከምኡ ገይሮም ይኾኑ፧ ይሁዳ ደኣ ለኪምዎም እምበር ምንም ዝረኽብዎ ኣይነበሮምን። ኮይኑ ግና ይሁዳ ከምኡ ኢሉ ቀጺሉ ክሳዕ ንኢየሱስ ክርስቶን ምሻጥ በጺሐ፣ እቶም ካልኦት ደቀ መዛሙርቲ ግና ዝተመልሱ ብምዃኖም በዓል መን ከም ዝነበሩ መጽሓፍ ቅዱስ ኣይገልጾምን እዩ። ምኽንያቱ መጽሓፍ ቅዱስ ነቶም ዝተመልሱ በቲ ዝገበርዎ ኣይጽውዖምን እዩ፣ ንኣብነት 'ቶማስ እቲ ተጠራጣሪ' ፡ 'ጴጥሮስ እቲ ንጐይታ ዝኸሓዶ' ፡ 'ፍልጲስ እቲ ንጐይታ ምርኣይ ይኣኽለና ዝበለ' ፡ 'ሓዋርያት እቶም ንጐይታ ዝኸሓድዎ'..... ኣይብልን እዩ፣ ናይ ይሁዳ ግና እቲ ንጐይታ ዘትሓዞ ዝብል ቅጽል ኣብ ነፍስ ወከፍ ስም ይሁዳ ተቐጺሉ እና ንዕዘብ።

እምበኣር ሕይወት ይሁዳ ማዕረ ክንድዚ ኣዝዩ ክፉእ እኳ እንተ ኾነ ብዘይካ ነዞም ደቀ መዛሙርቲ ንማንም ዕንቅፋ ኮይኑ ኣይንረኽቦን ኢና። ብምኽንያት ይሁዳ ካብ ጐይታ ዝተፈልየ ሰብ ትፈልጥዎ ኣልኩምዶ፧ ኣነ'ኮ ክሳዕ እዛ በጺሐያ ዘለኹ ብምኽንያት ይሁዳ ካብ ጐይታ ዝተፈልየ ሰብ ክረክብ ኣይከኣልኩን። እዚ ክኸውን ዝኸኣለ ስለምንታይ እዩ ኢለውን ካብ ምሕሳብ ኣየቋረጽኩን። ምኽንያቱ ልዕሊ ሕይወት ይሁዳ ክዕንቅፍ ዝኽእል ዘሎ ኣይመስለንን።

በሉ ሕይወት ይሁዳ ዓንቂፍዎ ካብ ጐይታ ዝተፈልየ ሰብ ክርከብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ሓንትን ዓባይን እየ ክዕዘብ ክኢለ ዘለኹ፣ ንሳ ኸኣ፦ ክብሪ ይዅኖ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ኃጢኣት ይሁዳ ይሓብእ ስለ ዝነበረ እዩ።

ኃጢኣት ይሁዳ ብዘይካ ኢየሱስ ክርስቶስ መን ይፈልጦ ነይሩ፧ ሓዋርያት እኳ ምስኡ ሓቢሮም ከለዉ ይፈልጥዎ ኣይነበሩን ምኽንያቱ እቲ ዘሕዘካ "መን እዩ ንሱ፧" ኢሎም ኣይምሓተቱን ነይሮም። (ዮሓ 13፥25)

እምበኣር ኃጢኣት ሓደ ኣገልጋሊ ምሕባእ ኣብ መንፈሳዊ ህይወት ማዕረ ክንደይ ኣገዳስነት ከም ዘለዎ ክንዕዘብ ንፈትን። ምኽንያቱ ኣብዚ ጊዜና ሓደ ኣገልጋሊ ብዝገበሮ ካብዛ ክርስቶስ ብደሙ ዘጥረያ ሓንትን ቅንዕትን ቤተ ክርስቲያን ዝተፈልዩ ሰባት እናበዝሑ ዝመጽሉ ዘሎ ጊዜ እዩ። ነዚ እንገብር ዘሎና ድማ እቶም ኣገልግሎት መሲሉና ጉድለት ጳጳሳት፡ ካህናት፡ ዲያቆናት፡ ሰበኽቲ ወንጌል፡ መዘምራን ..... ወዘተ ብምዝርጋሕ ኣይሁድ እኳ ዘይገበርዎ ንግሆ ንግሆ ኣካሉ እናቈራረጽና ንኢየሱስ ክርስቶስ ነሳቕዮ ዘሎና ሰባት ኢና። ብርግጽ ግብሮም ቅኑዕ ዘይክኸውን ይኽእል እዩ፣ ንሕና ግና ንሶም ዕንቅፋት ኮይኖም ብሰንኮም ካብ ክርስቶስን ቤተ ክርስቲያኑን ዝፍለዩ ሰባት ምእንቲ ክሰኣኑ ኢልና ጉድለቶም ብምሕባእ ንክርስቶስ ክንመስል ይግባእ።

ኣብ መወዳእታ ፖፕ ሺኖዳ ዝበልዋ ቃል ጌይረ ክዓጽዋ፦ ገለ መንእሰያት ናብኦም ቅርብ ኢሎም "ታሪኽ ቅዱሳን ክትነግሩና ከለኹምሲ ንምንታይ ኢኹም ሠናይ ግብሮም ጥራይ ትነግሩና፧" ኢሎም ምስ ሓተትዎም ከምዚ ብምባል መለሱሎም፣- "ሰይጣንከ እንታይ እዩ ስርሑ፧" እምበኣር ፍቁራት ደቂ ክርስቶስ ስራሕ ክርስቶስን ክርስቲያንን ካብ ስራሕ ሰይጣን ፈሊና ክንሰርሕ ኣምላኽ ኣቦታትና ይደግፈና።

ናሁ ሠናይ መልአከ ብርሃን
13/ 09/ 2023 ዓ.እ
02/ 01/ 2016 ዓ.ም
Addi Ababa

ነታ ቃል ኣምላክ ጽምኣት ዘለዋ ነፍሲ መታን ከተርውዩ SHARE, JOIN, FOLLOW ምባል ናትኹም መንፈሳዊ ዕዮ እዩ።

✥┈┈•◦●◈◎💠◎◈●◦•┈┈✥
https://t.me/ReadtoGrow21
✥┈┈•◦●◈◎💠◎◈●◦•┈┈✥

Address

Addis Ababa

Telephone

+251994699595

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Christos Mindset/ ሓሳብ ክርስቶስ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Share