26/08/2026
✟✟✟ ፳፩ ነሐሰ ✟✟✟
በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን
✟✟✟ ተዝካረ በዓለ ለእግዝእትነ ✟✟✟
፳፩ ነሐሰ ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ንአምላኽ ብሥጋ ናይ ዝወለደት ናይ እምበይተና ድንግል ማርያም መዘከርታ በዓላ እዩ። ንሳ ኹሉ ጊዜ ምእንታና ትማልድ እያ እሞ።
ንእግዚአብሔር እውን ምስጋና ይኹን ፡ ነዓኣ ንአዲኡ ወደብ ሕይወትን መድሐኒትን ንኽትኮነና ሂቡና እዩ እሞ። በረከታ እውን አብ ልዕሊ ኹልና ሕዝበ ክርስቲያን ይሕደር ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ዐርኬ
ሰላም ለኪ ለዘእምኔኪ ወጽአ
ዘያድሕን እግዚእ እንስሳ ወሰብአ
በቊስለ ሐጢአት ሥጋየ አመ በኍበኈ ወጼአ
ኢረከብኩ ማርያም እንበሌኪ አሐደ ባቊዐ
እም ኢገበርኪ ሊተ ሐዲሰ መልክዐ።
✟✟✟ ቅድስቲ ኄራኒ ✟✟✟
ካብኡ እውን ፡ በዛ መዓልቲ እዚኣ ፡ ትርጒም ስማ ሰላምን ፍቕርን ዝኾነ ጓል ንጉሥ ሉክያኖስ ቅድስቲ ኄራኒ ሰማዕት አዕረፈት። እዛ #ቅድስቲ ጎርዞ ድማ መልክዕ ምስ ጽባቐ: #ምግባር ምስ ምስ ዝተሓባበረላ ሰማእት እያ:: #ኄራኒ ማለት " #ሰላማዊት: #ዝተፈትወት" ማለት እዩ:: ከምኡ እውን ብጥረኡ " #ሰላምን #ፍቕርን" ማለት እዩ:: ቅድስቲ ኄራኒ አብ መጀመርታ 100 ክ/ዘመን ኣብ ንእሽቶይ እስያ ጓል ንጉሥ #ሉክያኖስ እያ:: ካብ ትውለድ ጀሚራ ስለ ክርስትና ሰሚዓ አይትፈልጥን:: ምኽንያቱ አቦኣ ጣዖት መምላኺ ካብ ምዃኑ ንላዕሊ ንክርስቲያን ይቐጽዕ ስለዝነበረ እዩ:: ንጉሥ ንጓሉ ንቅድስቲ ኄራኒ ቤተ መንግስቲ ሰርሐላ:: ዋላ ሓደ እውን ከይኣቱ አብ ዝርያኡ 12 ሓጹር ሓጸረሉ:: ነቲ ጣዖት ክትዓጥን ድማ አገልገልቲ ሾመላ:: ምናልባት ሓጹር ንሰብ ክኽልክሎ ይኽእል እዩ:: #እግዚአብሔር ግን እግዚአብሔር እዩ እሞ ዋላ ሓደ አይኽልክሎን:: ጎይታ ድማ ነዛ ጎርዞ ንናይ ወንጌል አገልግሎት ይደልያ እዩ:: ሓደ መዓልቲ አቡኣ: ጓሉ ምህርቲ ምእንቲ ክትኾነሉ፡ አሎ ዝተበሃለ ሽማግለ ፋላስፋ ቆጸረላ:: ናይ እግዚአብሔር ጥበብ ማለት እዚ እዩ:: አቦኣ እዚ ሽማግለ ንመን ከምዘምልኽ ይፈልጥ ኣይነበረን:: እቲ አረጋዊ ፋላስፋ ብጣዕሚ ዝድነቕ ክርስቲያን እዩ ዝነበረ:: ግን ማንም አይፈልጦን:: እቲ አረጋዊ ንቅድስቲ ኄራኒ ሱቅ ኢሉ ክሰብካ አይፈተወን:: መጀመርታ ብሥነ ምግባር ሃነጻ:: ቀጺሉ ግን "ኦ ጎይታ! ብጎደናኻ ምርሐያ" እናበለ ክጽልየላ ጀመረ:: ጎይታና ናይዚ ኣረጋዊ ጸሎት ስለዝሰምዐ እዛ ቅድስቲ ሓደ መዓልቲ ዘገርም ራእይ ርአየት፡፡ ንሳ ንማአዲ ተቀሚጣ እንተላ: ናይ ምብራቕን ናይ ምዕራብን መስኮት ተኸፊቱ እንተሎ: ብአንፈት ምብራቕ ብዘላ መሽኮት ጻዕዳ ርግቢት አብ አፋ ቆጽሊ አውሊዕ ሒዛ አትያ አብ ልዕሊ እቲ መአዲ አንቢራቶ ከደት:: ደዲሕሪኣ ተኸቲሉ ድማ ንስር ፡ አብ አፉ አክሊል ሒዙ አትዩ አብቲ መአዲ አቐሚጥዎ ከደ:: አብ መበል 3ይ ግን ኳኽ: ተመን አብ ኣፉ ሒዙ ብአንፈት ምዕራብ ብዘላ መሽኮት አትዩ አብ መአዳ አቐሚጥዎ ወጸ:: ቅድስቲ ኄራኒ ዝርአየቶ ራእይ ስለዘጨነቃ ንቱ ሽማግለ መምህራ "ተርጒመለይ" በለቶ:: ንሱ ድማ "ዛ ጓለይ! ንዘመናት ዝጽበዮ ዝነበርኩ ትምኒተይ እዩ ጎይታ ዘርአየኪ:: ናይ ሕልምኺ ትርጉም ከምዚ እዩ:- ጻዕዳ ርግቢት ናይ መንፈስ ቅዱስ (ናይ ሃይማኖት) ምሳሌ እያ:: እቲ ቖጽሊ ዘይቲ (አውሊዕ) ድማ ( #ሜሮን) እዩ:: ኳኽ ናይ ርጉማት ነገሥታት ምሳሌ ክኸውን እንተሎ ተመን ናይ መከራ ምሳሌ እዩ:: #ንስሪ ናይ ዓወት ምልክት ክኸውን እንተሎ አኽሊል ድማ ናይ መንግሥተ ሰማያት ምሳሌ እዩ:: ጓለይ! ክርስቲያን ኮይንኪ ዝበጽሐኪ ኩሉ ጎይታ አርእዩኪ አሎ" ኢሉ ተርጒሙላ ተስናቢትዋ ኸደ:: ንሳ ድማ ናብ ወገን ምብራቕ ዘወር ኢላ ጸለየት:- "ዘይፈልጠካ አምላኸይ! ናብ ሓቅኻ ምርሐኒ" ክትብል ለመነት:: በታ ሰዓት ናይ እግዚአብሔር መልአክ መጺኡ አጸናንዓ:: ዘጥምቓ ከም ዝልእኸላ እውን ነገራ:: በቲ ጊዜ አቦኣ አትዩ "ጓለይ! ካብ ወገን መሣፍንቲ ንዝኾነ ከመርዕወኪ ስለዝኾንኩ እንታይ ትብሊ?" በላ:: "3 መዓልቲ ሃበኒ" በለቶ ንሱ ድማ እሺ በላ:: አብታ ዕለት ናብቲ ጣዖት ዘለዎ ቦታ ወሪዳ "ክምርዖ ዶ ወይስ ይትረፈኒ?" በለቶም:: ብወርቂ ዝተለበጡ አእማን እዮም እሞ ሱቕ በሉ:: ንሳ ድማ ንኹሉም ጣዖታት ቀጥቂጣ ሰባቢራቶም ተመለሰት:: አብቲ ዘመን (ብፍላይ በዓል ) ብሕይወተ ሥጋ ስለዝነበሩ ንቅዱስ ዻውሎስ ወዲ መዝምሩ ዝኾነ ሓደ ቅዱስ፡ እቲ ቤት ብዕጽዉ አተወ:: ክርስትና ካብ ጥንቱ ክሳብ ተፍጻሜቱ አምሂሩ አጥመቓ:: አብ መበል 3ይቲ መዓልቲ አቦኣ "እንታይ መኺርኪ?" እንተበላ "ናተይ ውሳኔ ምዃን እዩ" በለቶ:: አቦኣ ሰንበደ:: ብጣዕሚ ስለ ዝሓረቐ ናብ አደባባይ አውጺኡ: አሲሩ አብ መሬት አውዲቑ ፡ ብ100ቲ ዝቑጸሩ አፍራስ ከምዝረግጽዋ ገበረ::
አብቲ ወቕቲ ሰብ ዝጽበዮ ዝነበረ ናይ አካላ ቁርጽራጽ ነበረ:: ነገር ግን ጎይታ ምስኣ ስለዝነበረ ንልብሳ እኳ ጭቃ አይተንከፎን:: አቦኣ ንጉሥ ሉክያኖስን ሰራዊቱን ንዝርአይዎ ነገር ክአምኑ ክኣምኑ አይከኣሉን:: ኩሎም ድምጾም አልዒሎም "ብዘይካ ክርስቶስ ካልእ አምላክ የለን" በሉ:: ቅድስቲ ኄራኒ ምንም ከይተዛረበት ነዞም ኩሎም ሰባት ማረኸት:: ሽዑ እቲ ንጉሥ መልአኽተኛ ልኢኹ: ንናይ ቅዱስ ጳውሎስ ወዲ መዝሙር አጸዊዑ: ምስ ቤተሰቡ ተጠመቐ:: ናይዚ ዓለም ክብሪ ንዒቑ ድማ ንግሥናኡ ገደፈ:: ናይ ጸሎት ሰብ ድማ ኾነ:: ናይ ቅድስቲ ኄራኒ ተጋድሎ ግን ቀጸለ:: አብቲ አከባቢ ዝነበረ ንጉሥ መጺኡ ናይ አቦኣ መንግሥቲ ወረሰ:: ንዓኣ ድማ ብጣዕሚ አሳቐያ:: ንሱ ሓሊፉ አርማንዮስ ዝበሃል ንጉሥ እውን ከምኡ አሳቐያ:: ንሱ እውን ሓለፈ:: ድሕሪኡ ዝመጸ ንጉሥ እውን ብዙሕ መከራ አብ ልዕሌኣ አውረደላ:: ብዂናት ድማ ጎና ወጊኡ ቀተላ:: ድሕሪ ቅሩብ ሰዓታት ግን ልክዕ ካብ ድቃስ ከምዝነቅሐ ሰብ ተሲኣ ጸውዐቶ:: ብጣዕሚ ደንጊጹ "አምላኽኪ አምላኸይ እዩ" ክብል አመነ:: ልዕሊ 30,000 ዝኾኑ ሰራዊቱ ሒዙ ድማ ተጠመቐ:: ቅድስቲ ኄራኒ ብዝተረፈ ሂወታ ብስብከተ ወንጌል ክሳብ እስያ አብጸሐት:: ጎይታ አብሪሁላ: ንሳ እውን አብሪሃ: እልፍ ፍረ አፍርያ: በዛ መዓልቲ አዕረፈት::
በረከታ ምስ ኩልና ውሉደ ጥምቀት ይኹን ለዓለመ ዓለም አሜን
ዐርኬ
ሰላም ለሔራኒ ከመ ትርጓሜሃ ለስማ
ምስጢረ ጥምቀት ዘርእየት አምሳለ ቈጽለ ዘይት በሕልማ
በጊዜ ነጸሩ ኪያሃ በጽንዐ ሃይማኖት ቀዊማ
ሶበ ኢክህለ ሙቃሔ ወእግረ ፈረስ ያሕምማ
አሰረ ዚአሃ ተለዉ አቡሃ ወእማ።
ንእግዚአብሔር ምሥጋና ይኹን ፡ ለኣና እውን ብጸሎት እዞም ቅዱሳን ይምሐረና ፡ ልዘለዓለመ ዓለም ፡ አሜን።
ብቴሌ ግራም ንምክትታል ነዚ ሊንክ 👉 https://t.me/snksarTigrinyaaamealtawi እናተንከፍካትኩም እተዉታ