10/09/2026
እንቋዕ ናብ ዘመነ ሉቃስ ኣብጽሓና 2019 ዓ.ም.
ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ፡ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ። (መዝ. ፷፰፥፲፫/68፥13)
እቲ ንለይትን መዓልትን ጸልማትን ብርሃንን ኣፈራሪቁ ካብ ሰዓት ናብ ዕለት ካብ ዕለት ናብ ሰሙን ካብ ሰሙን ናብ ወርኂ ካብ ወርኂ ናብ ዓመት ዘሰጋግር ንዘመን ብዘመን ዝክትእ ብዘመን ዘይውሰን ፈጣሪ ኣዝማናት እግዚአብሔር እንቋዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ (፳፻፲ወ፱ ዓ.ም.) ብሰላም ኣብጽሓና።
ብመሠረት ኣቈጻጽራ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ካብ ሓደ ዓመት ናብ ካልእ ዓመት መስጋገሪ ናይ መጀመርታ ዕለት ሓደ መስከረም እዩ። እዚ ዕለት ንኽብርን መዘከርታን መጥምቀ መለኮት ቅዱስ ዮሓንስ፡ ርእሰ ዓውደ ዓመት ቅዱስ ዮሓንስ ይበሃል። እዚ ኸኣ ቅዱስ ዮሓንስ ዛዛሚ ዘመነ ብሉይ፡ ጀማሪ ዘመነ ሓዲስ ካብ ቅዱሳን ነቢያት ናብ ቅዱሳን ሓዋርያት መሰጋገሪ ድልድል ስለዝኾነ እዩ።
ጊዜ ማለት ምስ ሥነ ፍጥረት ዝመጽአ ውህበት እግዚአብሔር እዩ። እግዚአብሔር ንፍጥረታቱ ኣብ ውሽጢ ጊዜ የመላልስን ይምግብን ይሕሉን፡፡ ነቲ ሥራሕ ብኣምላኽነቱ ኣብ ዝደለዮን ዝመደቦን ዝወስኖን ጊዜ ደኣ ይፍጽሞ እምበር ንንግሆ ዝሓሰቦ ንምሸት፥ ንሓጋይ ዝሓሰቦ ከኣ ንኽረምቲ ኣይገብሮን እዩ። “ሣህሉ ለእግዚአብሔር በጊዜሁ/ ምሕረት እግዚአብሔር ኣብ ጊዜኡ እዩ፤(መዝ. ፷፰፥፲፫/ 68:13) ከም ዝብል ኣዳም ብምክረ ከይሲ ተታሊሉ ትእዛዝ ምስ ኣፍረሰ እግዚአብሔር ኣብታ ዝመደባ ጊዜ ቀጽዖ። በዲሉ ኣሚኑ ንስሓ ምስ ኣተወ ኸኣ ባዕሉ እግዚአብሔር ኣብቲ ዝወሰኖ ጊዜ ኣድኃኖ። ነዚ ንኸረድእ ንዋየ ኅሩይ ዝተባሃለ ቅዱስ ጳውሎስ “ወአመ በጽሐ ዕድሜሁ ፈነወ እግዚአብሔር ወልዶ ወተወልደ እምብእሲት/ ጊዜኡ ምስ በጽሐ ድማ እግዚአብሔር ንወዱ ለኣኾ፤ ካብ ድንግል ማርያም ተወልደ” ይብል።(ገላ.፬፥፬/4:4)
ንደቂ ሰባት ድማ እግዚኣብሔር ኣብ ምግባርን ትሩፋትን ንኽጽመዱ ዝሃቦም ናይ ሥራሕ መድረኽ፡ ፈቓድ፡ ዕድል፡ ባይታ እዩ። ወዲ ሰብ ሰማያውን ዘለዓለማውን ርስቱ መንግሥተ ሰማያት ዘውርሶ ናይ ጽድቂ ሥራሕ ከም ጾም፡ ጸሎት፡ ምጽዋት፡ ስግደት፡ ሠናይ ግብርታት ወዘይመስሎ ክሠርሕ ዘመን የድልዮ። ከምቲ ጥበበኛ ሰሎሞን" ንዅሉ ዘዘመኑ ኣለዎ ኣብ ትሕቲ ሰማይ ንዘሎ ኵሉ ነገር ጊዜ ኣለዎ ንምውላድ ጊዜ ኣለዎ፡ ንሙማት ጊዜ ኣለዎ" (መክ. ፫፥፩/3፥1-8) ብምባል ዝገልጾ ንኹሉ መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ እንፍጽመሉ ብውጥንን ትግሃትን እንጥቀመሉ ጊዜ ተዋሂቡና ኣሎ። ነዚ ተዋሂቡና ዘሎ ጊዜ ድማ ምስ ኃጢኣትና ዘይኮነስ ብንስሓ ጸሪና ንዝተበኣስናዮ ተዓሪቅና፡ ንዝበደልናዮ ክሒስና፡ ንዝተጋገናዮ ኣሪምና፡ ክንከይድ ከምዘሎና "ዑቁ እንከ ዘከመ ተሐውሩ ከመ ጠቢባን በንጽሕ ወኣኮ ዘከመ ዐብዳን … እስመ እኩይ መዋዕሊሁ/ እምበኣር ተጠንቐቁ እቲ ቅንያቱ ክፉእ እዩ እሞ ነቲ ዝተዋህበኩም ጊዜ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልኩም ከም ዓያሹ ዘይኮነስ ከም ለባማት ተመላለሱ" ከም ዝተባህለ ዝኃለፈ ዕድሜና ብኃጢኣት ብሸለልትነት ዘኅለፍናዮ ዘመን ከይከውን ጉድለትና ገምጊምና ምእራም ይግባእ። ምኽንያቱ ሓድሽ ዓመት እቶም ብጥንተ ተፈጥሮ ዝተረኽቡ ዕለት ተደሚሮም ዝህብዎ ለውጢ እምበር ካልእ ዝተወሰኸ ነገር የልቦን፡፡ ነቲ ቀመር ሓልዩ ዝመላለስ ዘይልወጥ ጊዜ ሓድሽ ዘብሎ ናትና ሥራሕ ብምዃኑ ንዝተዋህበና ጊዜ ኣብ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ዘውህብ ዝተፈላለየ መንፈሳውን ሥጋውን ዕዮ ክነውዕሎ ይግባእ። ንኣብነት፦
ሀ. ኣብ ትምህርቲ፦ ምሥጢር ሃይማኖት ምፍላጥን ምጽናዕን ይግባእ “ወዘእንበለ ተአምኖሰ ኢይትከሃል ያሥምርዎ ለእግዚእብሔር/ ብዘይ ሃይማኖት ንእግዚኣብሔር ከተሥምሮ ኣይከኣልን እዩ።(ዕብ. ፲፩፡፮/11፡6) ከም ዝብል ንእግዚአብሔር ንምሥማር ሃይማኖት መሠረት እዩ፥ ሃይማኖት ንምፍላጥ ድማ ትምህርቲ መሠረት እዩ።(ሮሜ ፲፡፲፯/10፡17) ስለ’ዚ ካብ ጊዜና መደብ ሠሪዕና ንትምህርትን ምንባብ ቅዱሳት መጻሕፍትን ከነውዕል ይግባእ። በዚ መንገዲ እንተኸድና ከኣ እምነትና ክጸንዕ እዩ። እምነትና እንተጸኒዑ ምግባርና ይቐንዕ ምግባርና እንተቐኒዑ ድማ ንኣምላኽና ከነሥምሮ ንኽእል፡፡ ከምኡ’ውን ምስትውዓል ንዘጥርያ ሰብ ሕይወት ትህቦ እያ” ከምዝብል።(ምሳ፡፲፮፡፳፪/16፡22) ምስትውዓል ንኽንረኽብ ኵሉ ጊዜና ኣብ ምንባብን ጸሎትን ከነውዕሎ ይግባእ።
ነቢይ ሆሴዕ’ውን "ሕዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ ኣሎ" ከም ዝበለ።(ሆሴ፡፬፡፮/4፡6) መንገዲ ጽድቅን ኵነኔን ንኽንፈልጥ ከነንብብን ክንመሃርን ክንክእል ኣሎና። ምኽንያቱ ኣብዛ ላዕልን ታሕትን ኃጢኣትን መናፍቅነትን ምፍኽኻርን ምልውዋጥን ዝዓብለላ ዓለም፡ ካብ ርቱዕ ሃይማኖትናን ሠናይ ምግባርናን ምእንቲ ከይንወፅእ ንጊዜና ኣብ ፍልጠት ነውዕሎ።
ለ. ኣብ ሥራሕ፦ እግዚኣብሔር ንሰብ ብሥራሕን ዕዮን ክነብር ኣዚዙ እዩ። ንኣብነት እግዚአብሔር "ንሰብ ወሲዱ ኽዓያን ክሕልዋን ኣብ ገነት ኣቐመጦ" ይብል (ዘፍ.፪፥፲፭/2፥15) ደኃር’ውን ኣዳም ብኃጢኣቱ ናብ ምድሪ ኣብ ዝተሰደደሉ እዋን ብረሃጽ ገጹ ክበልዕ ኣዚዝዎ እዩ።(ዘፍ.፫፥፲፯/3፥17)
ስለዚ ዝተዋህበና ጊዜ ካብ ፍቃደ እግዚእብሔር ከይወፃእና ብውጥን ክንሠርሓሉ ይግባእ። ንጊዜና ብውጥን ኣብ ሥራሕ ምውዓል ብዓቢኡ ፆር ሥጋ ኣውኂዱ ካብ ኃጢኣት ንኽንሕሎ ዝሕግዝ እዩ። ቅዱሳን ኣቦታትና ሥራሕ ኣልቦ ኮይኖም ጊዜኦም ብኸንቱ ንኸየሕልፉ እሞ ፆር ሥጋ ንኸይብርትዖም፡ ኣብ ሥራሕ ተጸሚዶም ንርእሶም ኮይኖም ንኻልኦት ይምጽውቱ ከም ዝነበሩ ገድለ ቅዱሳን ይነግረና። ልዑል እግዚኣብሔር እትሠርሓሉ ጊዜን ዝሓስብ ኣዕምሮን ምሉእ ኣካል ምስ ጥዕናን ሂብካ ከሎ ብትህኪት ተታኂዝካ ንጊዜኻ ብዋዛን ፈዛዛን ምኅላፍ፡ ከምኡ’ውን ተጊህካ ብቅንዕና ኣብ ተግባረ ነፍስን ተግባረ ሥጋን ዘይምውዓል ንመከራ ሥጋን ነፍስን ዘቃልዕ እዩ። ቅዱስ ጳውሎስ “ክሠርሕ ዘይደሊ ኣይብላዕ ኢሉ ኣሎ። (፪ይ ተሰ. ፫፡፲/3፡10) ጥበበኛ ሰሎሞን’ውን "ብልዕን ድቃስን ጥራይ እንተኾንካ ጨርቃም ክትከውን ኢኻ" ይብል። (ምሳ. ፳፫፥፳፩/23፥21) ስለዚ በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ንምርካብ ነቲ እግዚኣብሔር ዝሃበና ጊዜ ብውጥንን ትግሃትን ኣብ ሥራሕ ከነውዕሎ ይግባእ።
ሐ. ብምሕዳስ ኣዕምሮ፦ ሓድሽ ዓመት መጽአ ኢልካ ዓመታት ምቑጻር ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን፤ እንታይ ደኣ ንሕና ዘይሥነ ምግባራዊ ሕይወትና ኣመሓይሽና ጉዕዞና ጉዕዞ ቅዱሳን ክኾነልና ክንነቅሕ ከምዘሎና፡ ዝጸልመተ ሕይወትና ብቓል ኣምላኽና ክነብርሆ፡ ዝኣረገ ኣተሓሳስባና ታሪኽ ቅዱሳንና ብምንባብ ከነሐድሶ፡ ዝኃጥአ ሰብነትና ብማየ ንስሓ ሓጺብና ሓድሽ ልብን ብስለት ዘለዎ ኣእምሮ ክህልወና ይግባእ።(ኤፌ. ፬፡፳፫/4፡23)
መ. ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክህልወና፦ ምስ መንፈሳዊ በዓላትናን ሥርዓትናን ሥጋዊ ጉዳያት ከም ጓይላን ደርፍን ብዝኂ መግብን መስተን ስስዐን ካብ ዝኣመሰሉ ርኂቅና ብዝከኣለና ንነዳያን እንተኣማቒልና ሽዑ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ክንፈሪ ኢና። (ገላ. ፭፥፳፪-፳፫/5፥22-23)
ሠ. ተሳተፍቲ በረኸት ምዃን፦ ቅድስቲ ቤተርስቲያና ምስ ፈጣሪናን ቅዱሳንን እተራኽብ ኣብ ምድሪ ዘላ ናይ እግዚአብሔር ቤተ መንግሥቲ እያ፡ ስለዚ ኣብቲ ምስ ፈጣሪና ዘራኽበና ዝሰርዐቶ መዓዲ ጸሎት፡ ማኅሌት፡ ቅዳሴ ክንርከብ ይግባእ። ንኣብነት እዚ ሎሚ ነስብዕሎ ዘሎና ክብረ በዓል ቅዱስ ዮሓንስ ቅድስት ቤተ ክርስቲያና ኣብ ዓመት ናይ እግዚአብሔር ዘደንቕ ግብርን ዘይውዳእ ምሕረቱን ንርእየለንን ንዝክረለንን በዓላትን ንዕኡ ነሥምረሉ ኣጽዋማት ዝእወጀሉ ፍሉይ መዓልቲ እዩ። በዚ ዕለት ዝተኣወጁ ኣጽዋማትን በዓላትን ድማ ኵሉ ሰብ መንፈሳዊ ኮነ ማሕበራዊ ጉዳያቱ ይሠርዕ። ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ዘጉደሎ ንኽምልእ ኸኣ ብሩህ ባይታ ይፈጥር።
ስለ’ዚ ካብ ብዙኅ ብውኅዱ በዚ ዝተዘርዘረ መንገድታት ጊዜና መዲብና ኣኣብ ጊዜኡ ዝግብ ኣና ግብርታት እንተገበርና እቲ ኣብ ጊዜኡ ምሕረቱ ዝልእኽ ፈጣሪ ድማ ንሱ ብዘመደቦ መንገዲ ኣኣብ ጊዜኡ ምሕረቱ ከም ዝህብ ዝተኣመነ እዩ።
#ለበዋ
እምበኣር ኣብ ዝኃለፈ ዓመት ነቲ ዝተዋህበና ጊዜ ብምሉኡ ኣብ ረብሓ ብዘይምውዓልና ሕልናና ዝኸሰሰናን ዝፈረደልናን እንተኾይኑ ከምዚ ኢለ ክሳዕ መዓስ᎒' ንበል! ነዚ ሓድሽ ዓመት እግዚአብሔር ብምሕረቱ ሓዳሽ ጊዜ ከምዝሃበና ፈሊጥና ድማ ብሩህ ናይ ዓወት ጊዜ ንምግባር ምስ ገዛእ ርእስና ቃል ኪዳን ንእቶ።
ለቡ፦ በዓልና ዓርቢ ውዒሉ ስለዘሎ ብጾምን ጸሎትን ተወሲንና ክሳዕ ጊዜ ቅዳሴ ክንውዕል ደኣ እምበር ብምኽንያት መንፈሳዊ በዓል ሥጋዊ ነገር ክንገብርን ኣብ ንሥጋ ጥራይ ዘዕግብን ካብ ሰዓታት ጾም ወፃኢ ብዝኾነ ጊዜን መግቢ እናበላዕና እናሰተናን ኣይኮነን ከነሕልፎ ዝግባእ። ምኽንያቱ ሕጊ ሓሊና ተሳተፍቲ በረኸት እምበር ሕጊ ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ኣፍሪስና ተሳተፍቲ መርገም ክንኸውን ኣይግባእን። “ኣቐዲምኩም መንግሥቱን ጽድቑን ድለዩ ብድኅሪኡ ኵሉ ክውሰኸልኹም እዩ።”(ማቴ.፯፥፴፫) ከምዝብለና መንፈሳዊ ነገር ነቐድም። እቲ ሥጋዊ ግና ተወሳኺ እዩ።
ነቲ ዝተወህበና ጊዜና ብምሉእ ኣብ ረብሓ እናኣውዓልና በረኸት ሥጋን በረኸት ነፍስን ክንረክብ ናይ እግዚአብሔር ቅዱስ ፍቃድ ይኹነልና። ጸሎት ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያምን ናይ ኩሎም ቅዱሳንን ኣይፈለየና።
ኣጽዋማትን በዓላትን ዘመነ ሉቃስ ወንጌላዊ ፳፻፲ወ፱ ዓ.ም.
ቅዱስ ዮሐንስ ፩ መስከረም፤ ጥንተ ዖን ፫፤ መንበር ፲፫፤ አበቅቴ ፳፫፤ መጥቅዕ ፯፤ ጾመ ነነዌ፤ ፲፭ የካቲት፤ ዓቢይ ጾም ፳፱ የካቲት፤ ደብረዘይት ፳፮ መጋቢት፤ ሆሣዕና ፲፯ ሚያዝያ፤ ስቅለት ፳፪ ሚያዝያ፤ ትንሣኤ ፳፬ ሚያዝያ፤ ርክበ ካህናት ፲፰ ግንቦት፤ ዕርገት ፫ ሰኔ፤ ጰራቅሊጦስ ፲፫ ሰኔ፤ ጾመ ሓዋርያት ፲፬ ሰኔ፤ ጾመ ገሃድ ፲፮ ሰኔ።
፩ መስከረም ፳፻፲ወ፱ ዓ.ም.(11/09/2026ፈ.)
ስብሐት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
አሜን።
Lisan Tewahdo Menbere Patriarik