our fellowship with christ

our fellowship with christ “እቲ ናብ ሕብረት ወዱ የሱስ ክርስቶስ ጐይታና ዝጸውዓኩም ኣምላኽ እሙን እዩ።” 1ቆረ 1፥9

AUGUST THE MONTH OF '' PRAISING OF GOD '' “እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።” 1ተሰ5፥18    ኣብ ህይወት ከም ኣመስጋኒ ...
05/08/2025

AUGUST THE MONTH OF '' PRAISING OF GOD ''

“እዚ ምእንታኹም ብክርስቶስ የሱስ ፍቓድ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ብዅሉ ኣመስግኑ።” 1ተሰ5፥18

ኣብ ህይወት ከም ኣመስጋኒ ሰብ ሓያልን ነዊሕ ዝጓዓዝን የለን። ምስጋና ንኣምላኽ: ምስጋና ንሰብ: ምስጋና ንርእሱን ዝለመደ ሰብ ኣዝዮ ብርቱዕ እዩ። እዚ ሰብ ንኣምላኽ ዘመስግን እምበር ዘየማርር፡ ንርእሱ ብሓሳብ ኣምላኽ ዘጽንዕን ዘትብዕን፡ ንሰብ ብምስጋናን ናእዳን ዘተባብዕ እምበር ዘይወቅስን ዘይንዕቅን እዩ።

ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲ ''ጥቅሚ ንሰብ ምንኣድ" ዝብል ጽሑፍ ሒዘልኩም ክመጽእ እየ። ሕጂ ግን ናብቲ ቀንዲ ኣርእስቲ ምስጋና ንኣምላኽ ክንኣቱ።

ምስጋና ኩነታትካ ክትስዕር ዝገብር እዩ። ኣብ ልዕሊ ኩነታትካ ጸብለል ኣቢሉ ዝበለጸ ሓሳብ ክትሓስብ ዝገብር ምስጋና እዩ። ዘመስግን ሰብ ኣብ ሽግር ንነዊሕ ክጸንሕ ኣይክእልን እዩ። ብምስጋና ዝተረጋግእ ኣእምሮ ስለዘለዎ፡ መፍቲሒ ህይወቱ ኣብ ጥቅኡ ከም ዘሎ ናይ ምርኣይ ዓቅሚ ኣለዎ። ኣመስጋኒ፡ ኩነታቱ ዘይኮነ ንኣምላኽ ዝነግር ንኩነታቱ እዩ ብዛዕባ ኣምላኽ ዝዛረብን ዘእውጅን።

እምበኣር ተመስግን እንተኮንካ ኣብ ኩነታትካ ከኣልነት ኣምላኽ ኢካ ክትርዳእ ትጅምር። ኩነታትካ ዘይኮነ ከኣልነት ኣምላኽ ብምርዳእ ኩነታትካ ክትርስዕን ክኣልነት ኣምላኽ ከተድንቅን እዩ ዝገብረካ። ኣብ ምስጋና ኩሉ ግዜ መፍትሒ ኣሎ። እቲ መፍትሒ ከከም ዓይነት ኩነታትካ ዝፈላለ እካ እንተኮነ፡ ምስጋና ግን ንኩሉ መልሲ ኣለዎ።

ገለ ካብቶም ብምስጋና እንስዕሮም ነገራት እስኪ ንርአ፦

- ምናልባት ኩነታትና ዘይምቹእ ክመስል ይክእል እዩ፡ ሓደ ነገር ንሕሰብ 'እዚ ሕጂ ዘለካዮ ንመጻኢካ ኣይገልጾን እዩ' እሞ ኣብ ናይ ተስፋ ኣምላኽ ተስፋ ገይርካ ኣመስግን።

- ጎዳይካ ዝደንጎየ እንተ መሰለና፡ ነገራት ደንጊዮ እንብሎ፡ ኣበይ ደኣ ኣሎ፧ እንብሎ ነገራት ኣምላኽ ግን ህያው ሙካኑ ኣብ ግዜኡ ጹቡቅ ክገብሮ ከም ዝክእል፡ ብምሕሳብ ምምስጋን።

- እዚ ነገር ሕቶ ኣሎና ወይ ዘይተመለሰ ነገር ኣሎኒ እንተኢልና፡ ኣብቲ ቁጻር ዝመስል ነገርና እካ ወዳጂ መዓሙቅ ብሙካኑ ብዘገርም መገዲ ንሕቶካ ክምልሶ ከምዝክእል ኣሚንና ነመስግኖ።

- ዘይተረደኣና ዘጋጠመና ነገር እንተሎ እካ: ጳውሎስ እካ ''እንገብሮ ይጠፍኣና ግን ተስፋ ኣይንቀብጽን'' ኢሉ ኣሎ። ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ እካ ኣምላኽ ጻድቅ ሙካኑ ንረዳእ። ትማሊ ዝከበዱና ሎሚ ከም ዝቀለሉና ሎሚ ዝከብዱናውን ወይ ድሕሪ ዝተወሰነ ደቃይ ወየ ከኣ ጽባሕ ከም ዝበርሁልና ተረዲእና ንጻድቅ ኣምላኽ ምምስጋን ኣይነቃርጽ።

ምምስጋን እዞም ነገራት ኣየድልዮንን ዘይኮነ ''ካብኦም ኣምላኽ ይዓቢ ብግዚኡ ከኣ ክረክቦም እየ፡ ሕጂ ግን ንኣምላኸይ ከመስግን እየ'' ምባል እዩ። ምስጋና ካብቲ ጎዲሉኒ ዝብል ምርዳእ የውጽኣካ እዩ። ካብቲ ኣምላክ ሂቡና ዘሎ ዝዓቢ ወልሓደ ነገር የለን። ስለጥዕናካ ተመስግንዶ፧ ስለ ዘሎካ ሰላም ተመስግ'ዶ፧ ስለዘሎካ ትሕስቶ'ከ፧ ስለዘይብልካ ዘይኮነስ ስለዘሎካ ኣመስግን።

ሰብ ነቲ ዘለዎ ቡሉይጽ ነገር ስለዘይርድኦ ካብኡ ዝጎድል ወይ ዝንእስ ነገር ክረክብ ናብ ዝገደደ ዘይምርግጋን ጌጋ ውሳኔን ይኣቱ። ኤሳው ንዘክሮ መግቢ ክበልዕ ቡክርናኡ ከሲሩዎ። ንምድራዊ ነገር ክብል ዝበለጸ መንፈሳውነቱ ዝንዕቀ ሰብ ኣሎ። ከምዚ ክንከውን ኣይግባእን፡ መንፈሳውነትና ካብ ኩሉ ይበልጽ። ስለ ምድራዊ ነገር ክንብል ኣብ ዘይቦታናን ኣብ ዘይንኣምነሉን ኣይንረከብ።

እንታይ ዘመስግኖ ነገር ኣሎኒ፧ ንዝብል: እስኪ ገለ ከዘክረካ/ኪ

- ስለ ዘሎካ ጥዕና፦
እቲ ዘሎካ ጥዕናካ ከም ቀሊል ኣይትርኣዮ ብእኡ ደስ ይበልካን ኣመስግንን። ምክንያቱ ገንዘብ ዘለዎም ዝፈላለየ ትሕስቶ ዘለዎም ግን ብጥዕና ምስኣን ዝሽገሩ ከም ዘለው ኣይትረስዕ። ወላ እካ ኣብ ጥዕናካ ዝኮነ ጸገም እንተለካውን ካባካ ዝገድድ ከም ዘሎ ኣይትስሓቶ። እዛ ዘላትካውን ዓቅምካ ስለዝኮነ እዩ። ንፈውስካውን ከቀላጥፎ እዩ እሞ ኣሚንካ ኣመስግኖ።

- ብሰላም ምውጻእ ምእታዎው፦
ብሰላም ወጺጽካ ብሰላም ምምላስካ ከም ቀሊል ኣይትርኣዮ ምሕረት ኣምላኽ በዚሑልካ እዩ። ምስ ወጹ ኣባይ ከም ዝከድን እንታይ ከምዘጋጠሞም ከይፈለጡ ናብ ሰማይ ዝከዱ ከም ዘለው ኣስተውዕል። ስለዝከኣልካዮን ርእስካ ስለዝሓለካ ዘይኮነስ እቲ ዝክእለሉ ኣምላኽ መፈንጠራካ እንዳ በተከ ስለዝሓለወካ እዩ። ስለዚ.......(ኣመስግኖ)

- ብስራሕካ፦
ሰሪሕካ ስለ እትረክቦ ዘሎካ ኣታዊ ኣመስግን። ክሰርሑ እንዳ ደለዮን ክሰርሑ እንዳ ከኣሉን ነዚ ድላዮም ዘይረከቡ ኣለው። ንስካ ግን ትሰርሕ ምህላውካ ንኣምላኽ ኣመስግኖ። ከተመስግን ከሎካ ከኣ ዝበለጸ ደገ ስራሕ ክኽፈተልካ እዩ።

- ብሰላም ምድቃስካን ምትሳእካን፦
ብሰላም ደቂስካ ምትንሳእካ ኣመስግን ኣምላክ ብሂወት ንበር ስለዝበለካ ጹቡቃት መዓልትታት ስለዝወሰኸልካ እዩ። ብገዛእ ርእሱ ብዓቅሙ ዝነብር ሰብ የለን። ኣምላኽ ንእስትንፉሱ ኡፍ ዝበለሉን ዝከናከነሉን እዩ ዝነብርን ምንባሩ ዝቅጽልን።

- ኣብ መወዳእታ ብሕጂ ኣምላኽ ዝህበካ ካብቲ ዘሎካ ኣይዓብን እዪ(ሴላ)። ዝበለጸ ኣሎኒ ኢልካ ሕሰብ።''ነቲ ዘለዎ ይውሰኮ'' ድዩ ዝብል ክውሰኸካ እዩ።

ኣምላኽ ካብ ሕቶናን ጎደሎናን ይዓቢ ስለዚ ክምስገን ይግብኦ እዩ። አመስግን ነገራትካ ክፍታሕ እዩ፡ ኣመስግን ሕቶካ ክምለስ እዩ፡ ኣመስግን ጎደሎካ ክምላእ እዩ: ኣመስግን ዝደንጎየ ክቅልጥፍ እዩ። እዛ ወርሒ ናይ ምስጋና ወርሒ ትኩነልኩም። ምስጋናውን ይገለጸልኩም። ውጽኢት ከኣ ክትረክቡ ኡኩም ኣብ ምስክርነት የራክበና።

ክብሎ ዝደሊ ቡዙሕ እካ ዘሎ ክነሱ ብጽሑፍ ዝውዳእ ስለዘይኮነ ንምስጋና ዝከውን ጥበብ ዝህበኩም መንፈስ ኣብ ውሽጡኩም ስለዘሎ ብእኡ እንዳ ተመራሕኩም ቀጽልዎ።

መጻኢኩም ብሩህ እዩ፦

ኣስተውዕል ድንቂ!

23/02/2024

Part 2 love of God

07/02/2024

Part 1 ''love of God''

20/12/2023

Part 3 our fellowship with christ

07/12/2023

Part 2 our fellowship with christ

27/11/2023

Part 1 our fellowship

I have reached 500 followers! Thank you for your continued support. I could not have done it without each of you. 🙏🤗🎉
15/09/2023

I have reached 500 followers! Thank you for your continued support. I could not have done it without each of you. 🙏🤗🎉

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንሎሚ ረቡዕ ጽቡቅ ግዜ ክህልወና እዩ። ኩላትኩም ዕዱማት ኢኹም። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ+251954893316
14/06/2023

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንሎሚ ረቡዕ ጽቡቅ ግዜ ክህልወና እዩ። ኩላትኩም ዕዱማት ኢኹም። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ
+251954893316

JUN The month of glory ፍቁራት ኣሕዋት ናይ ክብሪ ወርሒ ክብል ከለኩ ብዙሕ ሓጎስ እንዳተሰምዓኒ እየ:: ክብሪ ብብዙሕ መገዲ ይግለጽ እዮ:: ልዕሊ 12 ዝከውን ትርጎም ኣለዎ:: ...
12/06/2023

JUN The month of glory

ፍቁራት ኣሕዋት ናይ ክብሪ ወርሒ ክብል ከለኩ ብዙሕ ሓጎስ እንዳተሰምዓኒ እየ:: ክብሪ ብብዙሕ መገዲ ይግለጽ እዮ:: ልዕሊ 12 ዝከውን ትርጎም ኣለዎ:: ነዚ ኩሉ ኣጠቃሊሉ ዝገልጸልና ገላጺ ሓሳብ "ውሽጣዊ ዓቅምን ወይ ጽባቀ" (internal quality or beauty ) እዮ:: ክብሪ እቲ ዝበለጸ ኣብ ሰብ ዝግለጸሉ መገዲ ናይ ውሽጡ ዓቅሚ ወይ ጽባቀ ክወጽእ ከሎ እዮ:: ክብሪ ኣምላክ ክግለጽ ከሎ ኣብ ውሽጥና ዝተዋህበና ዓቅሚ ወይ ጽባቀ እዮ ዝግለጽ:: ማለት ናይ ሓደ ነገር ወይ ኣካል ክግለጽ ከሎ እዮ:: ክብሪ ኣብ ማእከል ዝተፈላለየ ኩነታት ንስካ ግና እንዳ ዓበካን ጸበቅካን እንዳ ተገለጽካን ክትከይድ ዝገብር እዮ:: ክብሪ ኣሎ ማለት ዝግለጽ ነገር ኣሎ:: ብዝርእን ዘይርእን ምንቅስቃስ እዮ ዝከውን::

-ክብሪ ናይ የሱስ ሂወት ኣባና ክግለጽ ዝገብር እዮ:: ክብሪ ህልውና ኣምላክ ኣባና ክግለጽ ዝገብር እዮ:: ክብሪ ተቀባልነት ክትረክብ ዝገብር እዮ:: ክብሪ ነገራትካ ክባዛሕ ዝገብር እዮ:: ክብሪ ናብ ብሉጽነት(excellence) ክትከይድ እቲ ዝበለጸ መገዲ እዮ::

-እዚ ጥራይ ዘይኮነ ኣብ ክብሪ ለውጢ ኣሎ:: የሱስ ነቲ ማይ ናብ ወይኒ ምስ ለወጦ ክብረቱ ገለጸ እዮ ዝብለና:: እዚ ማለት ኣብ ክብሪ ለውጢ ኣሎ:: ይባርከኩም ኣብዚ ወርሒ ኣብ ብዙሕ ነገርኩም ለውጢ ክትርእዮ:: ኣነ ቃል ኣብ ልዕሊኩም ይዛረብ ኣለኩ ብርግጽ ለውጢ ክከውን እዮ:: ብክብሩ ዝተተንከፈ ንድሕሪት ናይ ምምላስ ኣማራጺ የብሉን:: እንዳ ተቀየረ እንዳ ዓበየ ጥራይ እዮ ዝከይድ::

-ኣብዚ ወርሒ ነዚ ሂወት ንዳለው:: ብዙሓት ብብሉጽነት ክመላለሱ እየ ዝርእ ዘለኩ:: ንነገራት ምግባር ጥራይ ዘይኮነ ብብሉጽነት መገዲ ምግባር:: ክሳብ ከምዚ ዝገበረ የለን ዝብሉካ:: በዚ ድማ ኣምላክ ይክበር:: ነዚ እዮ ከኣ ክብሪ ኣምላክ ክንገልጽ ዝተጸዋዕና:: ንተስእ ናብ ውሽጥና ዘሎ ክብሪ ንጠምት::

-ኣብ ብዙሓት ማጎስ ኣምላክ ኣብ ሂወቶም ክግለጽ እዮ:: ማለት ካብ ኣምላክ ዝተላዕለ ተቀባልነት ዝረክቡ ኣለው:: ከምቲ ኣስቴር ኣብ ዘይምድራ ከይዳ ሞጎስ ተቀባልነት ዝረከበት: ኣብ ዘይምድሮምን ኣብ ምድሮምን ካብቲ ክብሪ ዝገልጾ ማጎስ ዝተላዕለ ተቀባልነት ዝረክባ/ዝረክቡ ኣለው:: ንሰብ ዘይከኣል ንኣምላክ ቀሊል እዮ:: ነቲ ኣምላክ ዝከፍተልና ደገ ከይንንዕቆ ከዘካክረኩም ይፈቱ:: ኣምላክ ከኣ ንፉዕ መካሪ ሰብ ክህበኩም ጸሎተይ እዮ:: ኣብ ውሽጡኩም ዘሎ ክብሪ ብደገ ክግለጽ ብስም የሱስ ይጽልየልኩም ኣለኩ:: መጻኢኩም ብሩህ እዮ::

ኣብ ክብሪ ዘሎ ለውጢ፦
ኣብ ክብሪ ምንቅስቃስ ምስ ትጅምር መጀመርታ ኣብ ሂወትካ ዝኮኖ ለውጢ እዮ:: ኣብ ሂወት እቲ ዝዓበየ ዓወት ንርእስካ ምስዓር እዮ:: ማለት ካብ ውድድር ወጺእካ ኣብ ሂወትካ ለውጢ ከተምጽእ ምክኣል እዮ:: እዚ ከኣ ካብ ክብሪ ዝተላዕለ ዝከውን እዮ:: ንሰብ እቲ ዝዓብየ responsibility ንሰብ ምምካርን ምልዋጥን ጥራይ ዘይኮነ ንገዛእ ርእሱ ክመክርን ክልውጥን ምክኣል እዮ:: ክብሪ ንርእስካ ካብ ምንባር ኣውጺኡ ንዕኡ ክትነብር ዝገብር ዓቅሚ ኣለዎ:: ናይ ርእስካ ከም ዘይኮንካን ክትፈልጥ ንስካ ጠፊእካ ንሱ ክርእን ክዓብን ዝገብር እዮ:: ስለዚ ትሓስቦ: ትርእዮ: ትዛረቦ: ትሰምዖን: ትከዶን ኩሉ እዮ ዝልወጥ::

ክብሪ ኣብ ሂወቱ ክዓይይ ዝጀመረ ምቅያር ናይ ካልኦት ዘይኮነ ምቅያር ናይ ሂወቱ እዮ ቅድም ዝርኢ:: ናብ ሂወትካ ምርኣይ ሓደ ካብቲ ክብሪ ዘምጽኦ ፈውሲ እዮ:: ካብ ኣብ ሓውካ ዘሎ በሰር ኣብ ሂወትካ ክእለ ዘለዎ ጉንዲ ኣርእዮ ክትልወጥ ዝገብር ናይ ኣምላክ ኣጽዋር እዮ:: ክትከስስ ግዜ የብልካን:: ኢሳያስ 6: ስለ ትኣቱ ንሂወትካ ትርእዮ ለውጢ ከም ዘድልየካ ተስተውዕሎ ካብ ክብሩ ዝተላዕለ ድማ ካብ ሂወትካ ይቅንጠጥ:: ስለዚ ንዝኮነ ክትወቅስ ዓቅሚ ትስእን ምክንያቱ ዝተገበረልካ ትፈልጥ ኢካ:: ኣምላክ ከኣ ቅድሚ ብኣካ ገሩ ንካልእ ምልዋጡ ንዓካ ክልውጥ እዮ ዝደሊ:: ኣብ ክብሪ ዘይቀሳቀስ ሰብ ግና ዘርእዮ ባህሪ ኣብ ሂወቱ ክልወጥ ዘለዎ ዓቢ ነገር ገዲፉ: በቲ ዝርእዮ ነገራት ክወቅስ ክከስስ እዮ ዝውዕል:: ክሳብ ክንደይ " ኣምላክ ንሂወተይ ይብህጎ " ዝብል ሓሳብ እዮ ዝጠፍኦ:: ኣምላክ ብዛዕባ ካልኦት ዝብሎ እዮ ክሓስብ ዝውዕል:: ከምዚ ዓይነት ሰብ ካብዚ ክወጽእ ዝክእል ብናይ ክብሪ ሓገዝ ጥራይ እዮ እምበር ሂወቱ ከምኡ ከምዘሎውን ኣየስተውዕሎን እዮ:: ስለዚ ክብሪ ናብ ልብካ ክትምለስ ንገዛእ ርእስካ ክትጥምትን ተለዊጥካ ናይ ኣሕዋትካ ጹቡቅ ነገርን ለውጥን ክትደሊ ዝገብር እዮ::
እቲ ለውጢ ከኣ ካብ መንፈስካ ናብ ነፍስካ ስጋካን ክሳብ ኩሉ ናትካ ዘበለን እዮ ዝከይድ:: ዕላማ ለውጢ ድማ ከምቲ ቃሉ ዝብለና ንምስሊ ወዱ ምምሳል እዮ::

ገለ ካብቲ ለውጢ ዘድልየና ንክንሓስብ:-
- ትሓስቦም ነገራት ንቅድሚት እንተዘይወሲዶሙካ ለውጢ የድልየካ ኣሎ::
- እትገብሮ ዘሎካ እንተዘየዕጊቡካ ለውጢ የድልየካ ኣሎ::
- ኣብ ዝኮነ ነገር ጹቡቅ ዘይስምዓካ ተሎ ለውጢ ከምዘድሊ ዘርኢ እዮ::
- ኣብቲ ትመሀሮ ዘሎካ ለውጢ እንተዘየለ ለውጢ የድልየካ ከም ዘሎ ኣስተውዕል::
- ትሰርሖ ዘሎካ ውጽኢታዊ እንተዘይኮይኑ ለውጢ የድሊ ኣሎ::
- ትፈልጦም ሰባት ክትዓቢ እንተዘይገሮሙካ ለውጢ የድሊ ኣሎ::
- ትፈልጦ ሰብ ብቀጻሊ ባእሲ እንተሎ ኣብ ገለ ለውጢ የድልየካ ኣሎ::

እዚ ግና ብምስትውዓልን ምርዳእን ዝግበር እምበር ብታህዋክ ዝግበር ኣይኮነን:: ብልክዕ እቲ ነገር ኮምኡ ሙካኑ ምስ ፈለጥካ ግና ከየድሓርሓርካ ብቅልጡፍ ስጉምቲ ምውሳድ ናይ ጻድቅ ባህሪ እዮ:: መጻኢኩም ብሩህ እዮ

ኣስተውዕል ድንቂ!!!

ካልኦት ክጥቀሙ share ግበርዎ::

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንረቡዕ 7-6-23  ሰዓት 3:30pm ብሉጽ ናይ ቃልን ኣምልኾን ግዜ ክህልወና እዩ። ኣብዚ ስቡሕ መኣዲ ዕዱማት ኢኩም ብክብሪ ምጹ። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ +251954893...
04/06/2023

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንረቡዕ 7-6-23 ሰዓት 3:30pm ብሉጽ ናይ ቃልን ኣምልኾን ግዜ ክህልወና እዩ።
ኣብዚ ስቡሕ መኣዲ ዕዱማት ኢኩም ብክብሪ ምጹ። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ +251954893316

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንረቡዕ 31-5-23  ሰዓት 3:30pm ብሉጽ ናይ ቃልን ኣምልኾን ግዜ ክህልወና እዩ። ኣብዚ ስቡሕ መኣዲ ዕዱማት ኢኩም ብክብሪ ምጹ። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ +25195489...
27/05/2023

ሻሎም ህዝቢ ኣምላኽ ንረቡዕ 31-5-23 ሰዓት 3:30pm ብሉጽ ናይ ቃልን ኣምልኾን ግዜ ክህልወና እዩ።
ኣብዚ ስቡሕ መኣዲ ዕዱማት ኢኩም ብክብሪ ምጹ። ንእትደልዩዎ ሓበሬታ +251954893316

Address

Addis Ababa

Telephone

+251954893316

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when our fellowship with christ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to our fellowship with christ:

Share