ተዋህዶ ናይ ዘለዓለም ቤተይ

ተዋህዶ ናይ ዘለዓለም ቤተይ ኩሉ ከም እትኽእልን ነቲ ዝመደብካዮ ድማ ዝኽልክለካ ከም ዘየልቦ ይፈልጥ ኣለኹ!
(1)

መጋቢት ፲፪/12  በዓለ ለቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክትበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ  ኣሃዱ ኣምላኽ  ኣሜን።በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ በልዓም ዝተለእከሉ ዕለት ኢዩ...
20/03/2026

መጋቢት ፲፪/12 በዓለ ለቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን።

በዚ ዕለት እዚ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት ናብ በልዓም ዝተለእከሉ ዕለት ኢዩ።

እስራኤላውያን ካብ ምድረ ስደት ካብ ግብጺ ድሕሪ ምውጽኦም ኣርብዓ ዓመት ኣብ ምድረ በዳ ድሕሪ ምግባሮም ሞኣብ ድሕሪ ምብጽሖም ናይ ሞኣብ ንጉስ ባላቅ ወልደ ጺጶር ንግብጻውያን ብትሽዓተ መቕዘፍቲ ብዓስራይ ሞት በኹሪ ብመበል ዓሰርተ ሓደ ድማ ኣብ ባሕሪ ሰጢሞም ከም ዝተርፉ ምኽንያት ዝኾኑ ጸላእቲ መጺኦምኒ ኣለዉ ንዓ ርገሞም ክብል ንበልዓም ጸውዖ። በልዓም እግዚኣብሔር ዝሃቦ ጸጋ ሃብቲ ምምራቕን ምርጋምን ተዋሂብዎ ነበረ። ነዚ ዘስተውዓለ ንጉስ ባላቅ “እንሆ እስራኤላውያን ካባይ ዝሕይሉ ኢዮም ንስኻ ዝረገምካዮ ርጉም፡ ዝመረቕካዮ ድማ ምሩቕ ከም ዝኾነ እፈልጥ ኢየ። ስለዚ ምናልባሽ ክስዕሮምን ካብ ሃገረይ ከውጽኦምን ይኽእል እኸውን ኢየ እሞ ንዓ ርገመለይ” ክብል ሹማምንቲ ሰደደ። እንተኾነ እግዚኣብሔር “እዞም ህዝቢ እዚኦም ዝተባረኹ ሕዝቢ ኢዮም ከይትረግሞም” ኢሉ ኣዘዞ። ባላቅ ድማ ደጊሙ ካብቶም ቀዳሞት ዝበዝሑን ዝኸበሩን ሹማምንቲ ሰደደ፡፡ እግዚኣብሔር ድማ ብለይቲ ናብ በልዓም መጺኡ “ምስኦም ኪድ ግና እቲ ኣነ ዝብለካ ጥራይ ግበር” በሎ። በልዓም ከኣ ንግሆ ተንሲኡ ኣድጉ ጽዒኑ ምስቶም ሹማምንቲ ሞኣብ ከደ። ንሱ ስለዝኸደ ድማ ኣምላኽ ተቖጥዐ ። ንሱ ኣድጉ ተወጢሑ ክልተ ገላውኡ ከኣ ምስኡ ክኸዱ ከለዉ መልኣኽ እግዚኣብሔር ክኽልክሎ ኣብ መንገዲ ደው በለ። እታ ኣድጊ ድማ መልኣኽ እግዚኣብሔር ምሉሕ ሰይፊ ኣብ ኢዱ ሒዙ ኣብ መገዲ ደው ኢሉ ረኣየት፡ ካብ መንገዲ ኣልጊሳ ናብ ግራት ኣቢላ ኣልገሰት፡ በልዓም ግና ናብ መንገዲ ክመልሳ ወቕዓ፡ እቲ መልኣኽ ድማ እንደገና ሰይፉ መሊሑ ደው ኢሉ ከልከላ ፡ንሳውን እንደገና ሪኣቶ ተመልሰት። እንተኾነ ተጺዒንዋ ዝነበረ ኣድጊ ነቲ ቅዱስ መልኣኽ ክትርእዮ እንከላ፡ እቲ ብኣርኣያ እግዚኣብሔር ዝተፈጥረ በልዓም ግና ክርእዮ ኣይከኣለን፡ መመሊሱ ድማ ነታ ኣድጊ ይወቕዓ ነበር። ኣብ መርወዳእታ እግዚኣብሔር ነታ ኣድጊ ከም እትዛረብ፡ በልዓም’ውን ኣዒንቲ ልቦናኡ ተኸፊቱ ነቲ መልእኽ ከም ዝርእዮ ገበረ። ርእይዎ ውን ፍግም ኢሉ ሰገደሉ። እቲ መልኣክ’ውን እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ኩሉ ክፍጽም ከም ዘለዎ ነጊሩ ምስቶም ሹማምንቲ ክኸይድ ሓደጎ። ከይዱ ድማ ሰለስተ ግዜ ንሕዝቢ እስራኤል መረቖም። እዚ ክገብር ከሎ ባላቅ ብብዙሕ ነገራት ምኽኒታት እንዳ ኣምጽአ ነቶም ቅዱስ እግዚኣብሔር ዝመረቖም ንኽረግሞም ጸዓረ። እንተኾነ እግዚኣብሔር ኣብቲ ግዜ እቲ ንእስራኤላውያን ንመርገም ኣሕሊፉ ኣይሃቦምን(ዘኅ22፡1- መፈ)።

ስለዚ እዚ ዕለት እዚ መልኣከ እግዚኣብሔር ሊቀ መላእኽት ቅዱስ ሚካኤል ናብ በልዓም ዝተላእኸሉ ዕለት እዩ።

በረከትን ኣማላድነትና ናይ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ሚካኤል ምስኩላትና ይኹን ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን

ደብረ ዘይቲ! በሪ ምጽኣት፣በሪ ዘይብሉ ዕጹው ቁምነገር ስለ ዘየለስ፣ እታ ብተስፋ እንጽበያ መዓልቲ! በሪ ምጽኣት’ውን ደብረ ዘይቲ እያ ክትከውን። ደብረ ዘይቲ እምባ ምሕረትን ፍርድን፣ እምባ...
18/03/2026

ደብረ ዘይቲ! በሪ ምጽኣት፣

በሪ ዘይብሉ ዕጹው ቁምነገር ስለ ዘየለስ፣ እታ ብተስፋ እንጽበያ መዓልቲ! በሪ ምጽኣት’ውን ደብረ ዘይቲ እያ ክትከውን። ደብረ ዘይቲ እምባ ምሕረትን ፍርድን፣ እምባ ወቐሳን ሞገስን እትኾነሉ መዓልቲ ርሑቕ ኣይኮነን። ጎይታ ክመጽእ እዩ፣ ኣይክተርፍን’ድማ እዩ። ደብረ ዘይቲ እቲ እምባ ክርዕድ፣ ዘይ ከም ክብሩ ድማ ብትርኢት ጎይታ ክመክኽን ክሰናጣጠቕን እዩ። ኣኽራን ክሓልፋ፣ እምባታት ድማ ክጸድፋ’ዮም። ወሓይ ነጺፎም ኣብ ከርሲ ምድሪ ክስወሩ፣ ሰማያት ከም ብሉይ ብራና ተተጠቕሊሎም ክሓልፋ፣ ምድሪ ድማ ዝወሓጠቶም ነፍሳት እንዳ መጠወት፣ ኣብ ዘይ ምህላው ክትሽመም እያ። ጸሓይን ወርሕን ከዋኽብትን ተመስጊኖም ክውደኑ እዮም። ነቲ ዝሓለፍዎ ናይ ኣገልግሎት ዘመኖም እንዳ ኣስተንተኑ ድማ ደጊሞም ስለ ዘይምለሱ ኣርሒቆም ክስወሩ እዮም። ብርሃኖም ዘየድልያ ምድሪ ትመጽእ ኣላ’ሞ በቲ ኣማናዊ ጸሓያ ክግረሙ እዮም። መሰረታተ ምድሪ ክናወጽ፣ ኣድባር ክርዕዱ፣ ድልዱላት ኣኻውሕ ኣኽራን’ዛ ምድሪ ከንቀጥቅጡ እዮም። ዘመናት ዝሰወሮ ኩሉ ክግለጽ እዩ፣ ኩሉ ሓሊፋ ድማ ነቲ ዝመጽእ መንገዲ ክጸርግ እዩ።
መባርቕ ተገሪም መውጽኢ ከም ዝሰኣነ እሳት ብሓይሊ መንፈስ ክምለሑ፣
ነጎዳ ሰማይ ከም ምህማም መላእኽቲ ምስ ኣእጋሮም ሰሚሩ ካብ ኣድማስ ናብ ኣድማስ ክሕምበብ፣ "ሽዑ! ትርኢቱ ዘርዕድ ድነ ንምድሪ ክደፍራ እዩ።"
ምድርና ካብ ፈኸራ ማያት ኣየሂ ዝዛይድ፣ ካብ ነውጺ ሰዶምን ገሞራን ዝብርኽ ብሓይሊ መንፈስ ካብ ልዕልና ኣርያም ምስ ተወርወረ፣ ደጊም ክትሓልፍ ይግባኣ እዩ’ሞ ብኸቢድ ቅልውላው ክትፋኖ እያ።
ደብረ ዘይቲ መዓልቲ ምጽኣት ንብዙሓት ህዝብታት’ዛ ምድሪ በሪ ደስታን ሓጎስን፣ በሪ ምውራስ ሓዳስ ዓለምን ክትከውን ከላ፣ ንብዙሓት ድማ ኣብ ከቢድ ስንባደን ቅልውላውን ብኸቢድ ራዕድን ዝተሓዙላ ናይ ጭንቂ መዓልቲ ክትከውን እያ። በዛ መዓልቲ ብበረኸት ዘይውለድ ወይልኡ፣ በዛ መዓልቲ ምስቶም ምስጉናት ዘይተናእደ፣ ግደ ሞት ክኸውን ክሕደግ እዩ። (ተሰሃለነ እግዚኦ)

በዛ መዓልቲ ኩሉ ክሓልፍ ንሕና ግና ተሪፍና ክንፍረድ ኢና። ኣብዛ ምድሪ ዘይሓልፍ ተራፊ የለን’ሞ ንሕና’ውን ናብ’ቲ ዘይሓልፍ፣ ከከም ግብርና ተፈሪድና ብኣእጋር ዘልኣለም ንኸይንምለስ ክንሓልፍ ኢና።
ኣብ ፍጹም ምስጋና ሕብረት መላእኽቲ ተሰዊርና፣ ምስ ኣበው ቅዱሳን ሰሚርና፣ ምስ ኣእላፍ ፍጹማን ብዘውጊ ብርሃን ተኸቢብና፣ ብድምጺ መለኸትን እልልታን ብሰረገላ ምስጋና እንዳ ተሓምበብና፣ ብፍጹም ትርኢት ነቲ ቀዳማይ ኣዳም ብዝተሓደሰ ምስሉ ተሰሊምና፣ ንጎይታ ምስ ቕዱሳን ክንቅበሎ የብቕዓና።

ክመጽእ እዩ፣ ኣይክንተርፍን ድማ ኢና። ክፈርድ እዩ ብሰይጣን ድማ ኣይክንክሰስን ኢና። ኣብ ምስሉ ተሰዊርና ኢና’ሞ ካብ ሓድነቱ ኣይክንፍለን ኢና።
ቀሲስ መሪሕ

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!‘ዘተወክፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ/ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።’ ማቴ. 10፡41ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡...
13/03/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

‘ዘተወክፈ ጻድቀ በስመ ጻድቅ ዐስበ ጻድቅ ይነሥእ/ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ።’ ማቴ. 10፡41

ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ናይ ቅዱሳን ጻድቃን ስም ትጽውዕን ዝኽሮም ተብዕልን እያ። እዚ ድማ ቅዱሳን ጻድቃን ምእንቲ መንግሥተ እግዚአብሔር ክብሉ ካብ ዓለምን ፍትወታን ተፈልዮም፡ ፍቓድ ሥጋኦም ንፍቓድ ነፍሶም ኣግዚኦም፡ ብጾም፡ ብጸሎት፡ ብስግደት፡ ብምናኔ ጸኒዖም ኣሠረ ፍኖት ክርስቶስ ስለዝሰዓቡ እያ። ከምቲ ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ፡ “. . . ሰኣኑ፡ ጸበቦም፡ ሓሳረ መከራ ጸገቡ። ዓለም ንእኣቶም ዘይትበቅዕ ስለ ዝኾነት ኣብ ምድረ በዳን ኣብ እምባታትን ኣብ በዓታትን ኣብ ጐዳጕዲ ምድርን ኮለል በሉ።” ዝበሎ (ዕብ. 11፡37-38)፣ ኵሉ ፈተና ዓለምን ጸብአ አጋንንትን ሰጊሮም ንእግዚአብሔር ስለዘሥመሩ ዓስቢ ገነት መንግሥተ ሰማያት ዝረኸቡ ከምኡ’ውን ንኻልኦት ደቂ ሰባት ምኽንያተ ድኅነት ዝኸውን ቃል ኪዳን ዝተቐበሉ፡ ‘ቅዱሳን ጻድቃን’ ንብሎም። ሓደ ካብዞም ቅዱሳን ጻድቃን ድማ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ እዩ።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ካብ ኣቦኡ ስምዖንን ኣደኡ ኣቅሌስያን ኣብ ላዕላይ ግብጺ ንሂሳ ኣብ ዝብሃል ቦታ ተወልደ። ኣቐዲሞም ስምዖንን ኣቅሌስያን ን30 ዓመት ዝኣክል መኻናት ስለዝነበሩ፡ እግዚአብሔር ብሩክ ውላድ ንኽህቦም ንግሆን ምሸትን ናብ ቤት እግዚአብሔር እናኸዱ ኵሉ ጊዜ ይጽልዩ ነበሩ። ‘ዝለመንካዮ ዘይከልእ፡ ዝነገርካዮ ዘይርስዕ’ ጐይታ እግዚአብሔር ብዓይኒ ምሕረቱ ጠሚትዎም፡ ኣቅሌስያ ብ29 መጋቢት ጸነሰት። “ቀደስኩከ እምከርሠ እምከ’ (ኤር. 1፡4) ከምዝብል እግዚአብሔር፡ገና ካብ ማኅፀን ኣደኡ ከይወፅአ ከሎ ጽላል ሕዝብን ዓምዲ ሃይማኖትን ክኸውን መሪጽዎ ብ29 ታኅሣሥ ብ853 ዓ.ም. ተወልደ። ዕለተ ልደቱ ምስ ናይ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ሓደ ዕለት ብምውዓሉ፡ መምህራነ ቤተ ክርስቲያን ኣብዚ ዕለተ ልደት ጐይታ ክውዕል ኣይግባእን ብምባል 30 ታኅሣሥ ከም ዝኸውን ገይሮሞ። ምስ ተወልደ ስሙ፡ “ኒኮላዎስ” ወይ ‘ኮቤዝ’ ኢሎም ጸውዕዎ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብ ዝውለድ ኣብ ሣልሳይ መዓልቱ “ስብሐት ለአብ፡ ስብሐት ለወልድ፡ ስብሐት ለመንፈስ ቅዱስ” ኢሉ ኣመስገነ። ንጽድቂ ዝተመደበ ስለዝነበረ፡ ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኡ ቅዱስ ገብርኤል መልኣኽ ካብ ሕቝፊ ኣደኡ ናብ ሰማይ ኣዕሪጉ፡ ብጸጋ እግዚአብሔርን በረኸት ወላዲተ ኣምላኽን ኵሎም ቅዱሳንን ከም ዝባረኽ ገይሩ ናብ ገዳመ ኣስቄጥስ ኣእተዎ። ብኣካልን ኣእምሮን ምስ ዓበየ፡ ኣበምኔት ናይዚ ገዳም ዝነበረ ኣባ ዘመደብርሃን ድማ ትምህርተ ሃይማኖት ምሂሩ መዓረገ ዲቁና ሤሞ። ቀጺሉ’ውን ዕምቈት ኣእምሮኡን ጽንዓት ሃይማኖቱን ርእዩ መዓረገ ምንኵስና፡ ኣስኬማ መላእክት ኣልበሶ። ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ብጽንዓት ገድሉ ዝተጸገዎ፡ ኣብ ክንዲ ዝብላዕ መግቢ ቃለ እግዚአብሔር ይምገብን፡ ኣብ ክንዲ ክዳን’ውን መላእ ሰብነቱ ፀጕሪ ዝተሸፈነን ነበረ። ጸበል እግሩ እናለሓሱ ዝነብሩ ብየማነ ጸጋሙ ዝስዕብዎ 60 ኣናብስትን 60 ኣናብርትን ነበሩ። በዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ገዳማትን ኣድባራትን ግብጺ ወንጌል እናሰበኸን ብዙኅ ተኣምራት እናገበረን ብተጋድሎ ጸኒዑ ን300 ዓመታት ዝኣክል ምስ ተቐመጠ፡

ናብ ምድረ ኣግዓዚ መጸ። ኣብዚ ምድረ ኣግዓዚ ኸኣ 262 ዓመት ዝበጽሕ ኣብ ዝተቐመጠሉ ጊዜ፡ ብስብከተ ወንጌልን ጽኑዕ ተጋድሎን ትሩፋትን ሠናይ ፍረ ሃይማኖት ኣፍርዩ፡ መጓሰ ክርስቶስ ኣብዚኁን ኣጽኒዑን እዩ።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ብጸሎቱ ንሕዝቢ ክረድእ ብዙኅ ፈተናን መከራን ኣኅሊፉ እዩ። ካብ ዕለታት ሓደ ዕለት ቁልቁል ኣፉ ተደፊኡን ብሰንሰለት ኣእጋሩ ተኣሲሩን ኣብ ልዕሊ ቀላይ ተንጠልጢሉ፡- ‘ኦ እግዚአብሔር እዞም ሰባት ሰኣን ዝምህሮም እዮም፡ ብፍላጥ ኣይኮኑን እሞ ብበደሎም ኣይትቕጽዓዮም፡ ይቕረ በለሎም’ ኢሉ እናጸለየ ከሎ፡ ጸላኤ ሠናያት ዲያብሎስ ነታ ዝተኣስረላ ሰንሰለት በተኻ። ብኡ ንብኡ ድማ ኣቦና ቁልቁል ኣፉ ካብ ላዕሊ ናብ ታሕቲ ጸዲፉ፡ ኵሉ ኣስናኑ ረገፈ። እንተኾነ እተን ኣስናኑ ንመዘከርታ ኣብቲ ቦታ በቖላ።

ካልእ እዋን’ውን ጻድቅ ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ኣእዳዉ ኣልዒሉ ሕልናኡ ሰቒሉ እናጸለየ ከሎ፡ ዲያብሎስ ኳኽ መሲሉ ካብ ዓይኑ ማይ ክሰቲ ጀመረ። ጻድቕ ኣቦና ግና ‘ፍጥረት እግዚአብሔር ማይ ጸሚኡ ካብ ዝመውትሲ ንብዓተይ ሰትዩ ይንበር’ ኢሉ ጸሎቱ ደኣ ቀጸለ። ዋላ’ውን እቲ ኳኽ ዓይኑ እንተኣፍሰሶ፡ ጸሎቱ ኣየቋረጸን። በዚ ኸኣ እግዚአብሔር ጽንዓቱን ትዕግሥቱን ርእዩ፡ ነታ ዓይኑ ከም ቀደማ መለሰሉ።

ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ፡ ኣብ ትውልዲ ዓዱ ግብጽን ኣብዚ ምድረ ኣግዓዝን ንነዊኅ ዓመታት ሠናይ ገድሊ ምስ ተጋደለ 5 ጥቅምት ካብ እግዚአብሔር ኣምላኽ ቃል ኪዳን ተቐበለ። ‘ስምካ ዝጸውዐ፡ ተዝካርካ ዝገበረ፡ ብስምካ ቤተ ክርስቲያን ዝሓነፀ፡ ኅዙን ዘጸናንዐ፡ ሽጉር ዝረድአ፡ መጽሓፍ ገድልኻ ዝጸሓፈን ዘንበበን ዝሰምዐን. . . ብቃል ኪዳንካ ዝተማሕፀነ ዝደለዮ ክፍጽመሉ፡ ኃጢኣቱ’ውን ክድምስሰሉ እየ’ ክብል ጐይታ፡ በቲ ዘይሕሶ ቃሉ ተዛረቦ።

ኣብ መወዳእታ ድማ ጻድቕ ኣቦና ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ካብዛ ዓለም ዓርቢ 5 መጋቢት 1415 ዓ.ም. ኣብ መበል 562 ዓመት ዕድመኡ ዓረፈ። ንነፍሲ ኣቦና ቅዱሳን መላእኽቲ ብዝማሬ ተቐቢሎም ናብ ሰማያዊ ዕረፍቲ ኣዕረግዋ።

እቲ ቁም ነገር ኣብዚ ምድሪ ዝነበሮ ነዊኅ ዓመታት ዘይኮነስ፡ ኣብዘን ጊዜያት ዓስቢ ጽድቂ ዘውህብ ብስብከተ ወንጌልን ጾምን ጸሎትን ገድልን ትሩፋትን ንእግዚአብሔር ስለዘሥመረ እዩ። ንባዕሉ ከቢሩ፡ ካልኦት ዓስቢ ዝረኽብሉን ዝምሕፀንሉን ቃል ኪዳን ተቐበለ። ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብቅዱስ ቃሉ “. . . እቲ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዝቕበል ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። ካብዞም ንኣሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከምዘይስእን ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ” (ማቴ 10፡40) ከም ዝበሎ፡ ንኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ዝኣመሰሉ ቅዱሳን ምኽንያት ጌርካ ዝግበር ግብረ ሠናይ ንእኡ ንጐይታ ምኽባርን ናቶም ዓስቢ ምርካብን እዩ።

ስለዚ ነዛ ቅዱሳን ኣቦታትና ብኸምዚ ዓይነት ተጋድሎ ዘጽንሑልና ሃይማኖት ብኽብሪ ተቐቢልና ክንሕልዋን፡ ዝኽሮም እናገበርና ኣሰሮም ክንክተልን ይግብኣና። ነዚ ንምግባር እግዚአብሔር ጸጋኡ የብዝኃልና! ጸሎት ኣቡነ ገብረ መንፈስ ቅዱስ ድማ ኣይፈለየና።


ወስብሐት ለእግዚአብሑር!
ልሳን ተዋህዶ

ምስጢር ድሕነት ብመከራ እናተፈጸመ እንሆ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ንኩሉ ብሓጎስ ኣብ ልባ ተዓቁሮ ነበረት።
12/03/2026

ምስጢር ድሕነት ብመከራ እናተፈጸመ
እንሆ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና
ንኩሉ ብሓጎስ ኣብ ልባ ተዓቁሮ ነበረት።

እቶም ዝተፈወሱስ ዓሰርተዶ ኣይኮኑን፣ እቶም ትሸዓተ ደኣ ናበይ ኣበሉ?መጻጉእ ምፍዋሱ መኣስ ተሰዊሩነና፣ እዚ ናይ ትማሊ በዓል ስቓይ መጻጉእ። ስቓይ ዘላደዮ ብደዌ ዝሳጸየ ብሉይ፣ ሎሚ ናበይ ...
08/03/2026

እቶም ዝተፈወሱስ ዓሰርተዶ ኣይኮኑን፣ እቶም ትሸዓተ ደኣ ናበይ ኣበሉ?

መጻጉእ ምፍዋሱ መኣስ ተሰዊሩነና፣ እዚ ናይ ትማሊ በዓል ስቓይ መጻጉእ። ስቓይ ዘላደዮ ብደዌ ዝሳጸየ ብሉይ፣ ሎሚ ናበይ ኣበለ እዩ እቲ ምስጢራዊ ሕቶ። ከምቲ ብዙሓት ከንብልና ዝቐነዩ ጸሓፍቲ ዛንታ መጻጉዕ፣ ኣርስቱ
"ክትሓዊ'ዶ ትደሊ ኢኻ"
ወይ
"ዓራትካ ኣልዒልካ ተንስእ"
ዘይኮነ ,,,,,,,,,,,,, ዛንታ መጻጉእ፣ እዚ በዓል ስቃይ ዝኾነ መጻጉእ ሎሚ ናበይ ኣበለ ዝብል ሕቶ እዩ ክኽውን ዝግባእ ሎሚ ናበይ ኣበለ?
እቲ ሕሙም ሎሚ ናበይ ኣበለ?
እቲ ዝረሃዎ ምስ ተፈወሰ እንታይ ገበረ?
ኣብታ ናይ ጭንቂ ሰዓት፣ ስለ ሊቀ ካህናት ተሓሊቑ ስለምንታይ እዩ ንኢየሱስ ንምጽፋዕ ኣእዳዉ ዝሰንዘረ? መጻጉእ ያኢ ሓውዩስ ንጎይትኡ በደለ። እቲ ድሒኑ ብሓጢኣት ዝወደቐ ክርስትያን’ውን
ነዚ እዩ ዝመስል። ብግብሩ ዝወድቕ ንዝተገብረሉ ውዕለት ዝርስዕ ብሓለንጊ ሓጢኣት ንነብሱ እንዳ በደለ ንጎይትኡ ዘጉሂ ሰነፍ ኣይሰኣንን እዩ'ሞ ካብዚ ዝዓቢ ሓጢኣት ከይረኽበና ደጊምና ሓጢኣት ኣይንግበር።

ፈዋሴ ድውያን እግዚኣብሔር ካብ ሕማም ስጋን ነፍስን ይፈውሰና።

ናይ ግብጺ ማእሰርቲ ዝፈተኖ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ ኣብ ግብጺ ሓደ ሰሙን ጥራሕ እንተተኣሲርካ ብውሑዱ ዘጋጥመካ እዚ እዩ ከም ምንዋሕ መዓልቲ ከኣ ይውስኽ እሞ ኸኣ ገበን ዘይብልካ እዚ ንርእዮ ዘ...
24/02/2026

ናይ ግብጺ ማእሰርቲ ዝፈተኖ ጥራሕ እዩ ዝፈልጦ ኣብ ግብጺ ሓደ ሰሙን ጥራሕ እንተተኣሲርካ ብውሑዱ ዘጋጥመካ እዚ እዩ ከም ምንዋሕ መዓልቲ ከኣ ይውስኽ እሞ ኸኣ ገበን ዘይብልካ እዚ ንርእዮ ዘለና ሕጂ ዘጋጠመ እዩ ካልእ ካብዚ ዝኸፍእ እውን ኣሎ።
እግዚኣብሔር ምሕረቱ ይልኣኽ።
በጃኹም ድምጺ ንኹሉ Share ንበሎ ዓለም ትርኣዮ።

🇪🇷ኣብ ዓለም ዘለኩም ኤርትራውያን እዚ ኣብ🇪🇬ግብጺ🇪🇬 ዝግበር ዘሎ ግፋን እሱርቤትን ኣብ ዓበይን ነኣሽቱን ኣብ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይምቁራጽ መዓልታዊ ዝግበር ዘሎ፣ ነዚ ህዝቢ ድምጺ ክትከ...
24/02/2026

🇪🇷ኣብ ዓለም ዘለኩም ኤርትራውያን እዚ ኣብ🇪🇬ግብጺ🇪🇬 ዝግበር ዘሎ ግፋን እሱርቤትን ኣብ ዓበይን ነኣሽቱን ኣብ ኣወዳትን ኣዋልድን ብዘይምቁራጽ መዓልታዊ ዝግበር ዘሎ፣ ነዚ ህዝቢ ድምጺ ክትከንዎ ብትሕትና ንሕብረኩም፣ ኣምላክ ሰላም የውርደልና።🇪🇷

الشعب الذي يتعرض للاضطهاد والسجن في مصر، صغاراً وكباراً، صبياناً وبناتاً، بشكل يومي.
يا إريتريين في جميع أنحاء العالم، نرجو منكم بكل تواضع أن تكونوا صو الشعب الذي يتعرض للاضطهاد والسجن في مصر، صغاراً وكباراً، صبياناً وبناتاً، بشكل يومي.

Eritreans around the world, we humbly request you to be the voice of this people who are being persecuted and imprisoned in Egypt, young and old, boys and girls, on a daily basis.

ድምጺ የሕዋትና ንኹን
ኣኣብ ዘለናዮ ሃገራት ናብ ኢንባሲታት ብምድዋል
ናብ ዝምልከቶ ኣካል በብወገና ድምጺ የሕዋትና ንኹን
ኩልና ሼር ንግበሮ

ኪዳነ ምሕረትበስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!Share ብምግባር ንኻልኦት ነኻፍል!ኪዳነ ምሕረት ማለት ናይ ምሕረት ማሕላ ወይ ድማ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን(ውዕል)  ማለ...
22/02/2026

ኪዳነ ምሕረት

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላኽ ኣሜን!

Share ብምግባር ንኻልኦት ነኻፍል!

ኪዳነ ምሕረት ማለት ናይ ምሕረት ማሕላ ወይ ድማ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን(ውዕል) ማለት ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ልዕሊ ኩሎም ፍጡራት ዘኽበራ፡ ብድንግልና ጠኒሳ ብንድግልና ንኣምላኽ ዝወለደት ቅድስትን ብጽህትን ናይ ሃናን ናይ ኢያቄምን ፍረ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ። ነዛ ክብርትን ልዕሊ ኩሎም ፍጡራትን ዝኾነት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዝተዋህበ ኪዳን ድማ ኪዳነ ምሕረት፡ ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ናይ ምሕረት ማሕላ ኢዩ።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ንመጀመርታ ግዜ ቃል ኪዳን ዝኣተወሉ ንመን ኢዩ ነይሩ እንተተባህለ ነቲ ኣቦ ኩላትና ዝኾነ ኣዳም ኢዩ። ኣቦና ኣዳም እግዚኣብሔር ኣብ ዘቐመጦ ስፋራ እንዳ ነበረ በቲ ዝተዋህቦ ትእዛዝ ክኸይድ ሰላማዊ ዝኾነ ናብራ ክነብር ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣቐዲሙ ነገሮ። እንተ ኾነ ግን ነዚ ኣምላኻዊ ቃል ብምጥሓሱ ዝነበሮ ጸጋ ዝተዋህበቶ ሰላማዊት ስፍራ- ገነት ክስእንን ናብ ውርደትን መከራን ናብ ዘለዎ ምድሪ ክስደድ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት መግዛእቲ ናይ ዲያብሎስ ክቑረንን ከኣለ። እዚ ዝኾነ ኣዳም ብዝፈጸሞ ውድቀት ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ንሱ ትኽክለኛ ፈራዲ ምዃኑ ከፍልጥ ንኣዳም፡ ሄዋን ከምኡ ተመን ግቡእ ዝኾነ መቕጻዕቲ ክህቦም ከሎ፡ ምሕረቱን ለውሃቱን ምእንቲ ከርኢ ድማ “ካብ ጓል ጓልካ ተወሊደ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትን ፈረቓን ከድሕነካ ኢየ” ዝብል ናይ ድሕነት፡ ናይ ሰላም፡ ናይ ተስፋ ቃል ኪዳን ኣተወሉ። እዚ ቃል ኪዳን እዚ’ውን ዘመኑ ምስ ኣኸለ ተፈጸመ(ዘፍ፫፡፲፭/3፡15, መጽ. ቀለሜንጦስ፡ ገላ፬፡፬/4፡4)።

ብድሕሪ ኣዳምን’ውን እንተኾነ ምስ ብዙሓት ቅዱሳን ቃል ኪዳን ኣትዩ ኢዩ። ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዘፊሑ ተጻሒፉን ተዘርዚሩን ንረኽቦ ኢና። ቅድስት ቤተ ክርስቲያን’ውን ዝተፈላለዩ ቅዱሳን እግዚኣብሔር ንዝኣተወሎም ቃል ኪዳን ኣልዒላ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ትምህር፡ ደቃ ድማ ካብ ቃል ኪዳኖም በረኸት ክሳተፉ ከም ዝለዎም ትገብር ኢያ።

ናብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ቃል ኪዳን(ኪዳነ ምሕረት) ምስ እንምለስ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ቅዱስ እግዚኣብሔር ብዝገለጸሎም ብዙሓት ቅዱሳን ብብዙሕ ሕብሪ ኣምሳል ትገሊጻ ኢያ። ካብ ኣቡኣን ኣዴኣን ቅድሚ ምውላዳ፡ ንክርስቶስ ኣምላኽና ቅድሚ ብድንግል ጠኒሳ ብድንግልና ምውላዳ ብዙሕ ምሳሌታት ትንቢታትን ኢዩ ተነጊሩላ። እዚ ምስ ሓለፈ’ውን ቅዱሳን ሓዋርያት፡ ጻድቃን፡ ቅዱሳን ሰማእታት ትማሊ ዝነበሩ ኮነ ሎሚ ዘለዉ ሊቃውን ቅድስት ቤተ ክርስቲያን ሰቢኾምላን ይሰብኩላን ኣለዉ። ምኽንያቱ ብዛዕባ ነገረ ድሕነት ኣብ ዝለዓለሉ ግዜ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ውዕለትን መንነትን ከይተጠቕሰን ከይተዘርበሉን ክሕለፍ ስለ ዘይክአል።

ወልደ እግዚኣብሔር ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣደባባይ ቀራንዮ ዕራቐቱ ተሰቒሉ ኣብ መስቀል ደሙ ኣፍሲሱ ንደቂ ኣዳም ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ከም ዘሰጋገረና፡ ንዝተዓጽወ ገነት ከም ዝኽፈት ከም ዝገበረልና ዝተኣመነ ሓቂ ኢዩ። እዚ ግና ንሞትና ብሞቱ ክድምስስ፡ ካብ ስጋኣ ስጋ ካብ ነፍሳ ነፍሲ ተዋሃሂዱ ዝተወልደ ካብታ ናይ ድሕነትና ምኽንያት ዝኾነት ቅድስትን ብጽእትን ድንግል ማርያም ኢዩ።

ክርስቶስ ኣምላኽና ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ ኣብ እንብለሉ ግዜ ቁርን ኣስሓይታን ተጸሚማ ኣብ መሕደሪ ኣጋይሽ ዘይኮነስ ኣብ መብልዒ ማል ከምቲ ብዘይሕማም ዝጠነሰቶ ብዘይሕማም ዝወለደቶ ድንግል ማርያም ኣብ ልብና፡ ኣእምሮናን ዓይንናን ክትመጽእ ግድን ኢዩ። ኣብ ስደት ናብቲ መሪር ጉዕዞ ምድረ በዳ ግብጺ፡ ኣብ መዋእለ ስበከቱ እንተኾነ ኣብ ዝወዓሎ እንዳ ወዓለት ኣብ ዝሓደሮ እንዳ ሓደረት ክሳዕ ዕለተ ቀራንዮ ካብ እግሩ ዘየተፈልየት ኢያ።

እዚ ድሕሪ ዕረገቱ እውን እንተኾነ ኣየቋረጸቶን። ኣብቲ ዮሴፍን ኒቆዲሞስን ዝቐበርዎ መቓብር ከይዳ ድኣ ጸሎት ትገብር ነበረት። ነዚ ዝተዓዘቡ ኣይሁድ ንሳ ካብ ፍቕሪ ወዳን ኣምላኻን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተለዕለ ናብቲ ስጋኡ ተነቢሩሉ ዝነበረ መቓብር ከይዳ ክትጽሊ ብምርኣዮም ከም ኣመሎም ልቦን ምሕርቃን ገንፈለ። ብፍጹም ከኣ ኣብቲ ከባቢ መቓብር ናይ ወዳ ንኸይትመጽእን ንኸይትጽልን ብሓደ ልቢ ሰመሩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ኣብ መቓብር ናይ ወዳ እንዳ መጸት ጸሎት ካብ ምግባር ኣየቋረጸትን። ንሳቶም ክቐትልዋ ኢሎም ብዙሕ እኳ እንተሃቀኑ ክኾነሎም ግን ኣይከኣለን። ከምዚ ኢሉ ከሎ ካብ መዓልታት ሓደ መዓልቲ ብዕለት ፲፮/16 ለካቲት ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣጸናንዓ። እንሆ ከኣ እዚ ዓቢይን ፍሉይን ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ሃባ። ኣብ ወንጌል ጎይታ ዓለም ክርስቶስ ክዛረብ ከሎ “ብስም ወደ መዝሙር ዝሑል ብርጭቆ ማይ ዘስቲ ዓስቡ ከቶ ከም ዘይስእን ብሓቂ ብሓቂ ይብለኩም ኣለኹ”(ማቴ፲፡፵-፵፪/10፡40-42) ክብል ብስም ቅዱሳን፡ ካብ ኣምላኽ ብዝተዋህቦ ቃል ኪዳን ዘኪርና እንገብሮ ኩሉ፡ እንልምኖ ልማኖ ናይቲ ቃል ኪዳን በዓል ቤት ዝኾነ ቅዱስ ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዓስቢ ከም ዝህበና ኣረዲኡና ኢዩ። ኣብ ዘመነ ኦሪት እውን ብዙሓት ኣብ ውድቀት ዝተረኽቡ ሰባት ብናይ ቅዱሳን ቃል ኪዳን ተማሒሮም ኢዩም። ብኣካለ ስጋ ኣብ ምድሪ ዝነበሩ ቅዱሳን’ውን እግዚኣብሔር ንቅዱሳኑ ብዝኣተዎ ቃል ኪዳን ኣልዒሎም ስለ ዝለመኑ ዓቢ ናይ ምድሓን ስራሕ ተፈጺምሎም ኢዩ((ዘፍ 18፣16-33፣1 ነገ 11፣7-13 ፡ ዘጽ32፣13-14)።

ካብ ክብሪ ኩሎም ቅዱሳን ዝዓበየን ዝተፈልየን ክብሪ ዝተዓደለት ከኣ ቅድስት ድንግል ማርያም ኢያ። ንቕዱሳን ብዘሃቦም ቃል ኪዳን ዓቢ ነገር ዝገብር እግዚኣብሔር ብናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ምሕረት ቃል ኪዳን ድኣ ከመይ ዝበለጸን ዝዓዘዘን ምሕረትን በረኸትን ዘይፍጸመልና። ብርግጽ ከምቶም ዝሓለፉ ናይ እምነት ወለዶታት እዚ ሎሚ ዘሎ ወለዶ’ውን ብናይ ምሕረት ቃል ኪዳና ምስ ዝምዕቆብ ኩሉ ክፍጸመሉ ምዃኑ ዝተኣመነ ኢዩ። ከመይሲ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናት ስንቆምን ምርኩሶምን ገይሩማ ዝኸዱ ቅዱሳን ብጸሎታን ብቓል ኪዳናን ካብ ኩሉ ምግባር እኩይ ዝደሓኑ፡ ካብ ሲኦል ምውራድ ተናጊፎም ብርሃናዊ ልብሲ ልብሶም ኣብ ቦታ ዕረፍቲ ዝኣተዉ ሎሚ’ውን ስማ ጸዊዕና ንቓል ኪዳና ተማዕቂብና ብስጋን ብነፍስን ሰላም ክነብር ኢና። ምኽንያቱ ለሚንካያ ይትረፍ ከይለመካዮ ሽግርካን ጸገምካን እተቃል ኣዴና ኢያ ዘላትና፡ ናብ ቃና ዘገሊላ ነብሎ ልቦናና(ዮሓ፪፡፪-፲፩/2፡2-11)።

ምናልባት ሎሚ’ውን ከምቶም ዝሓለፉ ጸረ ቅድስት ድንግል ማርያም ተንሲኦም ከም ዘለዉ ክንዝንግዕ ኣይግባእን። ልብና ብፍቕራ ክምላእ፡ ካብ ጣዕማን በረኸታን ከይንርሕቕ ኩሉ ግዜ ንቅዱስ እግዚኣብሔር ክንልምኖ ይግባእ። ነቶም ስማ ጸዊዖም ውዳሴኣ ደጊሞም ዝሓለፉ ኣቦታት ንዘክሮም ኣብ ኣሰሮም ከኣ ንጓዓዝ ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም በረኸትን ረዲኤትን ድማ ዝያዳ ካልእ ግዜ ምሳና ክኸውን ኢዩ።

ጸሎታን በረኸታን ጣዕማን ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ምስ ኩላትና ይኹን።
ብቓል ኪዳና ትሓልወና።
ኣሜን!!!

ስብሃት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር

ኣሜን!!!

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!ጾምን ተግባራቱንሓደ ካብ ጥቕሚ ጾም፦ “ከመ ያእምር ጸዋሚ ሕማመ ረኃብ/ ዝጸውም ሰብ ናይ ጥሜት ፆር ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ” (ፍትሐ ነገሥት ፍ...
18/02/2026

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ!

ጾምን ተግባራቱን

ሓደ ካብ ጥቕሚ ጾም፦ “ከመ ያእምር ጸዋሚ ሕማመ ረኃብ/ ዝጸውም ሰብ ናይ ጥሜት ፆር ምእንቲ ኽፈልጥ እዩ” (ፍትሐ ነገሥት ፍትሕ መንፈሳዊ አንቀጽ 15) እዚ ኸኣ ጸዋሚ ንምረት ጥሜት ተረዲኡ ነቶም ጠምዮም ዝልምኑ ኽርኅርኃሎም ማለት እዩ።

‘ንሽግር(ጸገም) እቲ ዝቐመሶ ብእኡ ዝኃለፈ እዩ ዝፈልጦ’ ከም ዝበሃል፡ እቲ ጸዋሚ ሰብ ንጥሜትን ጽምእን ስለዝፈልጥ ንጥሙይን ጽሙእን ሰብ ይድንግጽን ይርኅርኅን። ከምቲ ‘ኣብ ከብዲ ጽጉብ የለን ጥሙይ’ ዝብሃል ዘይጸውም ሰብ ግና ረኃብ ኣይፈልጥን እዩ፣ ጽጉማት’ውን ኣየደንግፅዎን። ረኃብ ከማን እንታይ ከም ዝኾነ ኣይፈልጥን። ሓደ ቈልዓ ምስ ኣቦኡ እናኸደ ከሎ፡ ንሓደ ብጥሜት ተጠቒዑ ዝልምን ሰብኣይ ምስ ረኣየ ተገረመ። ንኣቦኡ ድማ ‘እዚ ሰብኣይ እንታይ ይገብር ኣሎ’ ክብል ሓተቶ። ኣቦኡ ድማ ‘ጠምዩ ዝበልዖ ስኢኑ ይልምን ኣሎ’ በሎ። እቲ ቈልዓ ድማ ‘ስለምንታይ ኬክ(ፓስተ) ዘይበልዕ!’ በሎ ይበሃል።

ነዚ ዝመስል ታሪኽ’ውን ብዛዕባ ንጉሥ ሰሎሞን ንጉሠ እስራኤል ዝትረኽ ኣሎ።

ጠቢብ ሰሎሞን ኣቦኡ ዳዊት ንጉሥ ብምንባሩ ብምቾት እዩ ዝዓበየ፡ ሽግር ዝበሃል ፈጺሙ ኣይፈልጥን ነበረ። ናይ ኣቦኡ ዳዊት ንግሥነት ተረኺቡ ብቕኑዕ ፍርዲ እናመሓደረ ሕዝቡ ኵሎም እናተደነቅሉ ኣብ ዝነበረ እዋን ሓደ መዓልቲ ሓደ ዝጠመየ ሰብ መጺኡ ስመ እግዚአብሔር ጸውዐ። ንጉሥ ሰሎሞን እንታይ እዩ፧ እንታይ ማለቱ እዩ ኢሉ ነቶም ኣገልገልቱ ሓተቶም፡ እቶም ኣገልገልቱ ከኣ እዚ ሰብ ድኻ እዩ ዝበልዖ ስኢኑ ጠምዩ እዩ ዝልምን ዘሎ በልዎ። ንጉሥ ሰሎሞን ከኣ ጥሜት እንታይ ማለት እዩ፧ ኢሉ ብምዝራቡ እግዚአብሔር ክምህሮ ደለየ። ንጉሥ ሰሎሞን ንግሥነቱ ዝፍለጠሉ ስመ እግዚአብሔር ዝተጸሓፈላ መስጥመ ኣጋንንት ዝኾነት ቀለቤት ነበረቶ። ሓደ መዓልቲ ኣብ ዝፋኑ ረሲዕዋ ከደ፡ እቲ ናይ ጽሬት ሠራሕተኛ ከጽርይ ከሎ ምስ ጓሓፍ ናብ ሩባ ደርበያ።

በዚ ጊዜ ሰይጣን ንንጉሥ ሰሎሞን ተመሲሉ ኣብ ዙፋኑ ጠቐመጠ፡ ንጉሥ ሰሎምን ኸኣ ናብ ቤተ መንግሥቱ ክዓቱ እንተደለየ ናይ ገዛእ ኣገልገልቱ ምእታው ከሊኦሞ፡ “ኣነ ንጉሥ ሰሎሞን እየ” እተበሎም ንጉሥ ሰሎሞን ደኣ “ኣብ ንግሥነቱ ተቐሚጡ ኣሎ” ኢሎም ሰጐጉዎ። ንጉሥ ሰሎሞን ካብ ገዛእ መንግሥቱ ተባሪሩ ንሾብዓተ መዓልቲ ኣብ ከተምኡ ከርተት በለ፡ ጥሜት እንታይ እዩ ኢሉ ስለዝነበረ ናይ ጥሜት እንታይነት ፈሊጡ ለሚኑ ክበልዕ ጀመር። ሓደ መዓልቲ ሰይጣን ልቦና ሰባት ኣጨኺኑ ዝዝኽሮ ሰብ ስኢኑ ጥሜት ኣዝዩ ጸኒዕዎ፡ ዓሳ ዝገፉ ሰባት ኣብ ገምገም ሩባ ርእዩ ክልምን ናብኦም እንተ ከደ ዝሞተ ዓሳ ሂቦሞ። ኣዝዩ ጠሚዩ ብምንባሩ ጠቢሱ ክበልዕ እንተጠብሖ ነታ ናይ ንግሥነት ቀለቤቱ ኣብ ከርሲ ዓሳ ረከባ። ቀለቤተይ ደኣ መን ኣብዚ ኣምጺእዎ ኢሉ ተለበሳ፡ ናይ ንግሥነት ግርማኡ ተመሊስዎ እቶም ኣብከባቢኡ ዝነበረ ሰባት ንጉሥ ኣብዚ መጺኡ ኣሎ ኢሎም ከበብዎ። በቲ ሕዝቢ ተዓጂቡ ድማ ናብ ቤተ መንግሥቱ ከደ፡ ኣብቲ ቤተ መንግሥቱ ምስ በጽሐ እቲ ንእኡ ተመሲሉ ኣብ ሥልጣኑ ተቐሚጡ ዝነበረ ሰይጣን ከምልጥ ምስ በለ ስመ ኣምላኽ ጸዊኡ ኣጥፊእዎ እዩ።(ትርጉም ቅዳሴ ማርያም፡ ኣክሊሉ ለሰሎሞን) እዚ ኵሉ ፈተና ንንጉሥ ሰሎሞን ዝበጽሖ ንጽጉም ብዘይ ምሕዛኑ ጥሜት እንታይ እዩ ኢሉ ብዘይግባእ ቃል ብምዝራቡ እዩ። ናይ ኣልኣዛርን ነዌን ታሪኽ እውን ነዚ ዘረድእ እዩ።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣንቀፀ ብፁዓን ትምህርቱ ንናጾም ጥቅሚ፡ “ብፁዓን እለ ይርኅቡ ወይጸምኡ በእንተ ጽድቕ” ማቴ. 5፡6 ኢሉ ምሂሩ እዩ። ምእንቲ ጽድቂ ፡ ምእንቲ መንግሥተ ሰማያት፡ ኢሎም ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። ኣንድም፡ ሎሚ ዝረኸብናዮ ፈጺምና እንተ በሊዕና ደኃር መንግሥተ ሰማያት ብምንታይ ክንዕድጋ ኢና ኢሎም ከፊሎም ንነዳያን እናሃቡ ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። ኣንድም ሎሚ ዝረኸብናዮ ኵሉ እንተ በሊዕና ሰብነትና ካብ ኃጢኣት ወሲንና ገቲእና ምንባር ከመይ ኢሉ ይከኣለና ኢሎም ከፊሎም ንነዳያን እናሃብ ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። “እስመ ዘያነዲ ርእሶ እምብዙኃት መባልዕት ውእቱ ይክል እኂዞተ ሥጋሁ” ከም ዝብል። ኣንድም ካብ ብልዒ ኃጢኣኣት ካብ መስተ ኃጢኣት ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። ኣንድም ንፍቕሩ ዝስስዑ ሰባት ንኡዳን ክብራን እዮም “ጸምኣት ነፍስየ ኀበ አምላክየ ሕያው” ከም ዝብል። ኣንድም ብምምሃር ብምስትምሃር ብንስሐ ብምናኔ ብሃይማኖት ዝጠምዩ ዝጸምኡ ሰባት ንኡዳን ክቡራን እዮም። (ኣንድምታ ማቴ. 5፡6)

ምስ ጾም ዝሥርሑ ብዙሕ መንፈሳውያን ሥርሓት ኣለዉ ፦ ፍቅሪ ሰላም ትሕትና ትዕግሥት ርኅራኄ ጸሎት ምጽዋት ወዘይመስሎ ዝመሰሉ ሥርሃት ኵሉ ምስ ጾም ክፍጸሙ ዝግብኦም ተግባራት እዮም።

ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መበል ሠላሳ ዓመቱ ድኅሪ ምጥማቁ ከይወዓለ ከይኃደረ ናብ ገዳመ ቆሮንቶስ ከይዱ 40 መዓልትን 40 ለይትንን ጸይሙ፡ ኣብኡ ከሎ ጠመየ በዚ ጊዜ ፈታኒ ሰይጣን መጺኡ፦ “ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል” በሎ። ኢየሱስ ግና “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወፅእ ኵሉ ቓል ደኣ እምበር ብእንጌራ ጥራይ ኣይነብርን እዩ፡’ ዚብል ጽሑፍ ኣሎ” ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ዲያብሎስ ናብታ ቕድስቲ ኸተማ ወሲዱ ኣብ ላዕላይ ጫፍ ቤት መቕደስ ኣቖሞ። ‘ወዲ እግዚአብሔር እንተ ዄንካስ እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ በእዳዎም ኪፆሩኻ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዞም ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ እስከ ንታሕቲ ጽደፍ” በሎ። ኢየሱስ ድማ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታተኖ፡’ ዚብል ጽሑፍ እውን ኣሎ” በሎ። ከም ብሓድሽ ዲያብሎስ ናብ ኣዝዩ ነዊኅ እምባ ወሲዱ መንግሥትታት ኵሉ ዓለምን ክብሮምን ኣርኣዮ እሞ “ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ” በሎ። ሽዑ ኢየሱስ “ንእግዚአብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንእኡ በይኑ ድማ ኣምልኽ” ዚብል ጽሑፍ ኣሎ እሞ ኪድ ሰይጣን በሎ። ብድኅርዚ ዲያብሎስ ኃደጎ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ።” (ማቴ. 4፡2-11)

ሠለስቱ አርእስተ ኃጣውዕ ዝበሃሉ ስስዐ ትዕቢት ፍቅረ ነዋይ እዮም፡ ጐይታናን ኣምላክናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ውን ኣብ ጊዜ ጾሙ ብስስዐ ንዝመጸ ፈተና ብትዕግሥቲ፡ ብትዕቢት ንዝመጸ ብትሕትና ብፍቅረ ነዋይ ንዝመጸ ብመንኖ ጥሪት ንሰይጣን ስዒሩ ንንኣና ድማ ጾም ንፈተና እንስዕረሉ ምዃኑ ብግብሪ ምሂሩና እዩ።

ጾም ኣብ ሕይወት ዘመንና ዝሰራሕናዮም ኃጢኣት ንምንጻሕ ካብ መግብና ነቶም ዘይብሎም ብምክፋል በረከት ክንረክብ ይሕግዘና። ዝጸውም ሰብ ንነብሱ ጥራይ ዘይኮነ ንዅሉ ሰለ ጸላዒኡ’ውን ከይተረፈ ክንጸውም ይግባዕ። ኣብ ዲዲስቅልያ 1፡5 “ነቶም ዘሳድድኹም ጹሙሎም” ተባሂሉ እዩ። ብሕማም ኣብ ሆስፒታል ንዘሎ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ንዘሎ ኣብ ስደት ንዘሎ ንዅሉ ኣብ ጊዜ ጾም ክንዝኽር ይግባእ።

ስለዚ ጾም ትዕግስቲ ትህትና ፍቅሪ ርኅራኄ እንመሃረሉ፡ ናብ እግዚአብሔር ዘቅርብ ምዃኑ መጽሓፍ ቅዱስ የረድኣና። እዚ ናይ ጾም ወቅት ናብ እግዚአብሔር እንቀርበሉ ንጸላዒና ሰይጣን እንስዕረሉ ስለዝኾነ ምስ ጾምና ጸሎት ምጽዋት ስግደት ዝኣመሳሰሉ መንፈሳዊ ግብርታት ክንገብር እግዚእብሔር ይሓግዘና።

ወስብሓት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!
ልሳን ተዋህዶ

መድኃኔ ዓለም  በስመ ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።       ```   ነቶም ጸዋዒት ቅዱሳን ዝሰምዑ ኣእዛንካ፡ ናብ ድኻታት ዝምልከቱ ኣዒንትኻን፡ሰላም ይብል። ንሓጢ...
03/02/2026

መድኃኔ ዓለም

በስመ ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣኃዱ ኣምላክ ኣሜን።

```
ነቶም ጸዋዒት ቅዱሳን ዝሰምዑ ኣእዛንካ፡ ናብ ድኻታት ዝምልከቱ ኣዒንትኻን፡ሰላም ይብል። ንሓጢኣት እምበር ሓጥያተኛ ዘይትጸልእ ሕያዋይ ጓሳ ብርሃን ንዝሰኣነት ሰብነት ብርሃን ትዕድል ብርሃን ንስኻ ኢኻ እሞ፡ብብርሃንካ ብርሃን ንርኢ ኣሎና።ኣነ ብርሃን ዓለም'የ ከምዝበልካና ብርሃንካ ንዘልዓለም ዘይጠፍእ መመላለሲና ኢዩ።

ኦ ክርስቶስ፡- ኣብ ዝባን ኪሩቤል ተቐሚጥካ ጥልቀት ባህርና ትምልከት፡እሙን ጓሳ ንነፍስና ካብ ፈተና ሰይጣን, ካብ ዓመጸኛ, ካብ ተንኮለኛ,ኣድሕና።ንስኻ ንባሕሪ ኣድሪቕካ ንደረቕ ንልሙዕ ሳዕሪ ተማዕርግ ከኣሊ ኩሉ ኣሸናፊ አምላኽ ኢኻ።
ኦ ጎይታ፡-ብሓጢኣት ዝደረቐ ሰብነተይ ብጽድቅኻ ኣለምልሞ
ክወጽእ ካብ ጸላም ንቓላትካ ክስለሞ
ኦ መድኃኔ ዓለም ሓልወኒ ንዘልአለም።

መድኃኔ ዓለም

ኣብ ክንዳይ ጽፍዒት ኣይሁድ ንምቕባል ድልዋት ንዝኾኑ ገጽካ ሰላም ይብል።
እቲ ሓጢኣት ኣነ ዝፈጸምክዎ፡መግረፍተይ ግን ኣባኻ ረኣኽዎ
ኣብ መስቀል ዝረኣኽዎ ፍቕሪ
ንዘንት እለት ኣብ ውሽጠይ ነባሪ

ኦ ክርስቶስ! ሠራዊተ መላእክት እንዳ ኣንቀጥቀጡ ኣብ ቅድሜኻ ዝቖሙ፡ ንስኻ ግን ኣብ ቅድሚ ቀያፋን ሐናን ኣብ ኣደባባይ ቆምካ።ኦ ጎይታ ናተይ ምጥፋእ ኣብ ቅድሜኻ ተደላዪ ኣይኮነን'ሞ ከምዝሰማዕክዎን ከምዝፈልጦን ብኣብ መስቀል ተበጃውነትካ ኣድሕነኒ።

ዝተባረኸን ዝተቐደሰን ሰናይን ጥዑምን ዝመልኦ ኅይወት እንረኽበሉ ዝተባእሱ ዝዕረቑሉ ዝሓዘኑ ዝድበሱሉ ዝተኣስሩ ዝፍትሑሉ ዝጨነቖም ዝርህወሉ ናይ ሰላምን ራህዋን መዓልቲ ይግበረልና።

ወስብሐት ለእግዚኣብሔር

ወለወላዲቱ ድንግል

ወለመስቀሉ ክቡር።

ኣሜን።

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴ...
11/12/2025

ቤተ መቅደስ ናብ ቤተ መቅደስ ኣትያ - ‘በአታ ለማርያም’

‘በአታ ለማርያም’ ፦ ማለት ምእታው ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ናብ ቤተ መቅደስ ማለት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ዘርኢ እሴይ፡ ካብ ቤት ዳዊት ካብ ዝኾኑ ኢያቄምን ሓናን ሕጋዊ ብዝኾነ ሩካቤ ዝተረኽበት ጓል መብጽዓ እያ። ምስ ተወልደት ኣብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ወሲዶም ንቤተ መቅደስ ሃብዋ። ውሉድካ ንቤተ እግዚአብሔር ምሃብን ኣብኡ እናኣገልገሉ ከምዝዓበዩ ምግባርን ኣብቶም ቅዱሳን ወለዲ ልሙድ እዩ። ከም በዓል ነቢይ ሳሙኤል ኣብ ቤተ መቅደስ ዓብዮም ምሉእ ሕይወቶም ንእግዚአብሔር ዝተወፈዩ እዮም ነይሮም።

ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ቅድመ ዓለም ኣብ ሕልና ኣምላኽ ተሓሲባ ዝነበረት እያ’ሞ ገና ኣፋ እኽሊ፡ ከብዳ ድማ ዘመድ ከይለመደ ካብ ሕቍፊ ኣደኣ ሓና ተወሲዳ፣ ንሥላሴ ከም ኣቦን ኣደን፡ ንመላእኽት ድማ ከም ኃውን ኃፍትን ገይራ ኣብ ቤተ መቅደስ ንክትዓቢ ብ3 ታኅሣሥ ተዋህበት።

ናብ ቤተ መቅደስ ምስ ኣምጽእዋ ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንካህናት ኣኪቡ ብዛዕባ መግባ ኽመክር ከሎ ቅዱስ ፋኑኤል መልኣኽ ኅብስት ሰማያውን ጽዋዕ ሰማያውን ኂዙ ተራእየ።

ሊቀ ካህናት ዘካርያስ ንኣይ ዝመጸ እዩ ኢሉ ክቕበል እንተ ተንሥኦ ንላዕሊ ረኃቐ፣ ቀጺሉ ናቱ ሰዓቢ ስምዖን’ውን ኽቅበል ደልዩ እንተ ቐረበ ንእኡ ኸኣ ረኃቖ። ጥበብ እግዚአብሔር ኣይፍለጥን’ዩ፡ ምናልባት ናብዛ ሕፃን ዝመጸ ሃብቲ ከይከውን ኢሎም ንበይና ገዲፎማ ድኅር እንተበሉ፣ ንሳ ድማ ደድኅሪ ኣደኣ ክትስዕብ ከላ፡ ብፍጥነት እቲ መልኣኽ ወሪዱ ሓደ ክንፉ ኣንጺፉ ንሓደ ክንፉ ጋሪዱ ክንዲ ቁመት ሰብኣይ ዝኣክል ካብ ምድሪ ክብ ኣቢሉ መጊብዋ ዓረገ። እምበኣር እዚ ፍቓድ እግዚኣብሔር እዩ ኢሎም ብ 3 ታኅሣሥ ናብ ቤተ መቅደስ ኣእተዉዋ። (ቅዳሴ ማርያም ቍ. 38-44) ነዚ ንምኽባር ዓመት መጸ ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣማናዊት ታቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤት ኣቦኣን ኣደኣን ሠለስተ ዓመት ጸኒሓ ናብ ቤተ መቅደስ ዝኣተወትሉ 3 ታኅሣሥ ‘በአታ ለማርያም’ እናበለት ብዓቢይ መንፈሳዊ ክብሪ ተብዕሎ።

ቅድስት ድንግል ማርያም ካብ ሠለስተ ዓመት ዕድመኣ ጀሚራ ኣብ ቤተ መቅደስ መላእኽቲ ዘምጽኡላ ሰማያዊ ኅብስት እናተመገበት፡ ሰማያዊ መስተ እናሰተየት፡ ሓርን ወርቅን ኣሰማሚዓ እናፈተለት ብሞግዚትነት መላእኽቲ ዓበየት፣ እምበር ንጽሕተ ንጹሓን ድንግል ማርያም ከምተን ቅድሜኣን ድኅሬኣን ዝኾና ሕፃናትን ኣዋልድን ብስሓቅን ጸወታን ዝዓበየት ኣይኮነትን። ቅዱስ ያሬድ፡ ‘ከመዝ ነበርኪ ውስተ ቤተ መቅደስ ወመላእክት ያመጽኡ ወትረ ሲሳየኪ፡ ከመዝ ነበርኪ ዓሠርተ ወክልኤተ ዓመተ እንዘ ትትናዘዚ እምኀበ መላእክት’ (ኣንቀጸ ብርሃን) ኢሉ ከምዝጠቐሶ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ብቅድስናን ብንጽሕናን እናኣገልገለት ኣብ ቤተ መቅደስ ዓሠርተ ክልተ ዓመት ምስ ተቐመጠት፡ ልማድ ኣንስቲ ዘይብላ ንጽሕተ ንጹሓን ክነሳ ኣይሁድ ብመንቀኝነት ተላዒሎም ‘ንቤተ መቅደስና ከይተርክሰልና ትውፃእ’ በሉ።

ካህን ዘካርያስ ንእግዚኣብሔር ብጸሎት ሓቲቱ ብዝረኸቦ ጥበብ መሠረት ብሠለስተ መሰኻኽር እቲ ዘመዳ ዝኾነ ኣረጋዊ ዮሴፍ ምእንቲ ክሕልዋ ብሓደራ ተዋህበት። ሀብተ ንጽሕና ዝነበሮ ዮሴፍ ሓላዊኣ ኮይኑ ምስኣ እንተነበረ፡ ቅድስት ድንግል ማርያም ግና ኣብ ሕልና ኣምላኽ ሰለዝነበረት፡ ንሓደ ኣካል ካብ ቅድስት ሥላሴ ንኣካላዊ ቃል እግዚኣብሔር ወልድ ብድንግልና ፀኒሳ ብድንግልና ከም እትወልዶ ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ኣበሠራ፣ ንሳ ድማ ብእምነት ስለዝተቐበለቶ ኣደ ኣምላኽ ክትከውን በቕዐት። (ሉቃ. 1፡26-28)

ቅድስት ድንግል ማርያም ንእግዚአብሔር እምንቲ መዝገብ ምሥጢር ኮነት፣ ነቲ ኣብ ደቂ ሰባት ሠልጢኑ ዝነበረ ገዛኢ ጸልማት ዲያብሎስ ዝስዕር ኣማናዊ ብርሃን ፀሓየ ጽድቅ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኽበላ ኣማናዊት ምሥራቅ ምኽንያት ድኅነትና ብምዃና ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ፍሉይ ሥፍራ ኣለዋ። ድኅሪ ስም ሥላሴ ቀጺልና ናታ ስም ምጽዋዕ፡ ድኅሪ ንፈጣሪ ዝቐርብ ምስጋና ኣስዒብና ንኣና ምምስጋን፣ ናይ ወዳን ፈጣሪኣን ለውሃትን ተኣምርን ድኅሪ ምዝራብ ናታ ፍቕርን ተኣምርን ምዝራብ ልሙድ እዩ።

ስለዚ ነዛ እግዚኣብሔር ዘኽበራን ዝኃረያን (መዝ. 132፡13-14) ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ በዓላ (በአታ ማርያም 3 ታኅሣሥ) እንተኣኽበርናን ብስማ እንተ ተማኅፀንናን ሰማያዊ ዓስቢ፡ በረከተ ሥጋ ወነፍስ ዘውህብ እዩ’ሞ ናይዚ በረከት ተሳተፍቲ ክንከውን ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።

ጸሎታን በረከታን ምሕረት ፍቁር ወልዳን ምስ ኵልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ኣሜን።
https://www.lisantewahdo.org/index.php/2019-09-30-11-59-39/2019-09-30-12-01-51/item/477-2019-12-12-14-52-37

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ   አምላክ አሜን ።"ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"ጉዕዞ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን  ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳ...
13/11/2025

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ አሜን ።
"ወተመይጠት ማርያም ሃገረ እስራኤል አቡሃ"
ጉዕዞ ሰለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ወርሕን ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ምስለ ፍቁር ወልዳን ዮሴፍን ሰሎሜን ዝተኸተልዎ መንፈሳዊ ናይ በረኸት ስደት ኣብቂዑ ናብ ሀገረ እስራኤል ዝተመልሰትሉ ዓመታዊ ክብረ በዓል ናይ ቅድስት ድንግል ማርያም ዘርኣየና እግዚኣብሄር ክብርን ምስጋናን ይኹኖ።
ኣብ መበል 14 ክፍለ ዘመን ዝነበሩ አበው ኣባ ጽጌ ብርሃን ፍረ ካብ ፍዮሪ ዕንበባ ዕንበባ ካብ ፍረ ከምዝርከብ ንኣዴና ቅድስተ ቅዱሳን ድንግል ማርያም ንወዳ መድኃኔ ዓለም ኢየሱስ ክርስቶስ ብፍረን ብዕንበባን እንዳመሰል ኣብ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል፡
“አፈወ ሮማን ማርያም ጽጌ ቀናንሞ ወአበሜ፣ እስከ ተጸምሐየየ በጾም ዘመልክዕኪ ጊዜ ድክታሜ፣ እምተመነይኩ ተሳትፎ ከመ እኅትኪ ሰሎሜ፣ ወፍሥሓኪ ዘአልቦ ፍጻሜ ” ፡፡ ትርጉሙ “ ሽቶ ሮማን ዕንበባ ቀናንሞ ዝኾንኪ ቅድስት ድንግል ማርያም ግርማ መልክዕኺ ክሳብ ዝጽልምው ብስደትን ድኻምን ብዙሕ ብኽያት ዝበጽሓኪ ኩሉ መከራ ፣ ኣነ’ውን ድሌተይከም ሓፍትኺ ሰሎሜ ቲ’ መከራኺ ሓቢረ እንተዝቅበሎ ።”

ኣብ ብዙሕ ድርሳናት ብዛዕባ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተጻሒፉ ዘይውዳእ እካ እንተ ኾነ ገለ ካብኡ ከኣ ኣብ አርክ ሥሉስ ኣብ ስደታ ዝበጽሓ ሓዘንን ሰቆቃውን እንዳዘከረ ኣብ “ ሰቆቃው ድንግል “ ዝደረሶ ድርሰቱ ከምዚ ይብል “ ጸሓይ ትለብሲ ውሉደ ብርሃን ድንግል ማርያም ካብ ክፋእ ሄሮዶስ ንወድኺ ሒዝኪዮ ምስ ሃደምኪ ዝበጽሓኪ መከራ ወርሒ ዝወድዩ ኣእጋርኪ ብብዝሒ መገዲ ብዋዕየ ሑጻ ክቃጸል ከሎ ይትረፍ ሰብ ኣእማንውን ምበኸዩ ኔሮም። “ ይብለና።
ከምኡ ውን ሊቃውት ቤተክርስትያን ኣብዚ ግዝያት ናይ ወርሓ ጽጌ፡ እቲ ምሉእ ለይቲ ሰንበተ ክርስቲያን ብፍሉይ ተመስጦ ዝቕጽልን ዝቐርብን ዘቕርብዎን ምስጋና ዝማሬ ውን ካብ ድጓ ቅዱስ ያሬድ፥ ማኅሌተ ጽጌ ከምኡውን ሰቆቃወ ድንግል ዝተረኽበ እዩ። ብምሳሌ ይኹን ብትንቢት ቅድመ ሓዲስ ኪዳን ንዝተነግረላን፤ ከምኡውን ካብ ጽንሰታ ጀሚሮም ኣብ ኵሉ መዋዕላ፡ ካብ ጐይታ ከይተፈልየት ምእንቲ ደቂ ሰባት ንዝገበረቶ ኵሉ እናተገልጸ ዝዝከረሉ ፍሉይ እዋን ንምስታፍ ሰንበት መጸ ሊቃውንትን ካህናትን ዲያቆናትን ምእመናን ብናፍቖትን ብሓንቀውታን ክጽበይዎ ይቕንዩ። ምስ ተጀመረ ድማ ለይቲ ምሉእ ብተመስጦ ክዝምሩ ይሓድሩ። ቅዳሴ ድማ የቕድሱ። ዝክራ ድማ በብተራ ብምግባር ካብ በረኸታ ይሳተፉ። ብሓፈሻ ወርኃ ጽጌ ኩሉ ዝበጽሕ መንፈሳዊ ኣገልግሎት መበገሲኡ “ነዚ ሕጻንን ኣዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም ክሳዕ ዝነግረካ ከኣ ኣቡኡ ጽናሕ” ኢሉ ብዝነገሮ መሠረት ክሳዕ “እቶም ነፍስ እዚ ሕጻን ዚደልዩ ሞይቶም እዮም እሞ፡ ተንሥእ፡ ነዚ ሕጻንን ነዲኡን ሒዝካ፡ ናብ ምድሪ እስራኤል ኪድ። ” ተባሂሉ እቲ መልኣኽ ገሊጹ ክሳዕ ዝነግሮ ድማ ኣብ ስደት ሠለስተ ዓመትን ሽዱሽተ ኣዋርሕን ጸኒሖም ። ድሕሪኡ ናብ ሃገሮም ናዝሬት ከምዝተመልሱ እንዝክረሉ እዋን እዩ። (ማቴ.2፥13,20) ፣ መዝ.83፣3

"ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን " ሰቆቃወ ድንግል"
ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ወላዲቱ ኣብ ግዜ ስደቱ ነቶም ድሒሮም ስለ ስሙ ገድልን ትራፋትን ሰማዕትነትን ዝፈጸሙ ቅዱሳን ስደቶም ክባርኽ ተሰደ። ነዚ ዝገለጹ ቅዱስ ኣባ ጽጌ ድንግል ኣብ ሰቆቃወ ድንግል ከምዚ እንዳበሉ ይውድስዎ። "ኢየሱስ ስዱድ ተስፋሆሙ ለስዱዳን ኢየሱስ ግፉዕ ምስካየ ግፉዓን" ዝተሰደድካ ኢየሱስ ተስፋ ናይ ስዱዳን ዝተገፋዕካ ኢየሱስ ንጉፉዓት።
ከምኡ ውን ርህርህቲ ሕልና ዝኾነት ቅድስተ ቅዱሳን ንጽህተ ንጹሃን ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብዚ ስደት ናይ ቀትሪ ፀሓይን ሃሩርን፡ ናይ ለይቲ ቍርን ኣስሓይታን ዝናምን፡ እሾክን ተኮርባን ብዙኅ ስቃያት እናወረዳ፡ በቲ ሠራዊት ሄሮድስ እናኣሳደድዋ፤ በዚ ደቂ ሰባት እናገፍዕዋን እናጸረፍዋን በቲ ሸፋቱ እናከተርዋ ብዙኅ ብቓላት ዘይግለጽ መከራ ረኺባ። ብጥሜትን ጽምእን ንሠለስተ ዓመትን መንፍቕን ጸኒሓ፤ ደኃር ብ6 ኅዳር ናብዛ ብርኽቲ ደብረ ቍስቋም በጺሓ ኣዕሪፋ ኢያ። ኣብዚ ስደት ዝጸንሓትሉ ጊዜ ብምድሪ ግብጺ ኣቢላ ብኪደተ እግራ ብዙኃት ቦታታት እናባረኸት ብሃገርና ኤርትራ ኣቢላ ከም በዓል ደብረ ሲና፡ ጸሎት ባእታ፡ ሃገረ ናግራን፡ ዓይላ ማርያም፡ ደብረ ቍስቋም ድባርዋ፡ ---- ወዘተ በጺሓ ናብ ደብረ ቍስቋም ብመሪሕነት መልኣኽ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ኣብዚ ደብሪ ብሰላም በጺሓ ኡፍ ኢላ ዘዕረፈትላ ገዳም ኢያ።
ኣብዚ ግዜ ድማ ቅድስት ቤተ ክርስትያን ዓመት መጸ ነዚ መንፈሳዊ ስደት ድንግል ማርያም ካብ 26 መስከረም ክሳብ 6 ሕዳር ሰቆቃወ ድንግል ማህሌተ ጽጌ ማሃልየ ሰሎሞን ዘወትር ሰንበት ኣብ 3 ክፋል ከፊሎም ሊቃውንት ቤተ ክርስትያን እንዳ ኣብጽሑ ካብ ስደታ በረኸት እንዳኣስተንተኑን ብማህሌት ይቖሙ። ናይ ቅድስቲ ቤተ ክርስቲያን ጸሓፍቲ ድርሳናት ስለ እዚ መሪር ስደት ንብዓት ካብ ኣዕይንቶም እናኣዛረዩ፡ ቈርበት ፍሒቖም ቀለም በጽቢጾም ኣብ ብራናታት ጽሒፎም ንማኅሌትን ንጸሎትን ዝኸውን ድርሳናት ገዲፎሙልና እዮም። እግዚኣብሄር ኣምላኽና ካብዚ ናይ ጥፍኣት ዓለም ሰዊሩ ስደትና ናይ በረኸትን ቅድስናን ጌሩ ካብ ናይ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ስደት በረኸት ከሳትፈና ናቱ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና።
እስከ ማእዜኑ እግዝእተየ ማርያም፡ውስተ ምድረ ነኪር ትሄልዊ
ሃገርኪ ናሁ ገሊላ እትዊ።
ክሳብ ማዓስ እግዝእተየ ኣብ ምድረ ባዕዲ ክትነብሪ ናብ ሀገርኪ ገሊላ እተዊ
"ሰቆቃወ ድንግል"
ወስብሐት ለእግዚኣብሄር
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር
ኣሜን።

Address

Cairo

Telephone

+201027727668

Website

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when ተዋህዶ ናይ ዘለዓለም ቤተይ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to ተዋህዶ ናይ ዘለዓለም ቤተይ:

Share