24/03/2026
ሥርዓተ_ሕማማት
• ፍትሐ ነገሥት ኣብ ውሽጡ ካብ ዝሓዞም ሥርዓታት፡ እቲ ንሕማማት ዝምልከት ሥርዓት ሓደ እዩ። ብዛዕባ ሕማማት እንታይ ከም ዝብል ምሉእ ትሕዝቶኡ ንስኻትኩም ክተንብብዎ እናዓደምና፡ እቶም ዋና ዋና ነጥብታት ምስ ገለ መጽሓፍ ቅዱሳውን ናይ ኣቦታት ትምህርትን እነሆ፦
ዝፍቀዱን ዘይፍቀዱን ብግልጺ ክንርእዮም ኢና ፦
---
• ዘይፍቀዱ ፦
✥ ፩. ፍትሓት
ኣብ ሰሙነ ሕማማት ንዝሞቱ ሰባት ጸሎተ ፍትሓት ኣይግበርን። ፍትሓት ብዕለተ ሆሣዕና እዩ ዝፍጸም።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: እዚ ሰሙን ፍሉይ ናይ ሓዘንን ስግደትን ስለ ዝኾነ፡ ትኹረትና ካብቲ ብሕታዊ ሓዘን ናብቲ ናይ መላእ ዓለም ድሕነት ዝኾነ መከራ ክርስቶስ ከነቕንዕ እዩ ዕላማኡ።
✥ ፪. ሰዓታት 🕔
• ጾም ክሳብ ምሸት (ፍጻሜ መዓልቲ) ይጸወም።
* መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ጾም መብዛሕትኡ ግዜ ክሳብ ምሸት ይጸንሕ (መሣፍንቲ 20፡26, 2 ሳሙኤል 1፡12)።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: ዲዳስቅልያ 30፥16, ሃይማኖተ ኣበው 20፥19 ኣቦታት ነዚ ሰሙን ፍሉይ ብዝኾነ ጾም ከነሕልፎ ምሂሮም።
✥ ፫. ስልማት
• ዝኾነ ዓይነት ሥጋዊ ስልማት (ሽልማት፡ ክዳን፡ ወዘተ) ምግባር ክልኩል እዩ።
• መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: 1 ጴጥሮስ 3፡3-4 "ንኣኻትኩምሲ እቲ ብውሽጢ ልቢ እተሰወረ ሰብ፡ ብዘይሐልፍ ልስሉስን ህዱእን መንፈስ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ክቡር ዝኾነ፡ ይኹን እምበር፡ እምብዛ እቲ ብሽሩባ ጸጕሪ ርእስን ብስልማት ወርቅን ብኽዳንን ኣብ ንግዳም ዝግበር ኣሰኣእሳ ኣይኹን።" እዚ ጥቕሲ ነቲ ናይ ውሽጢ መንፈሳዊ ህይወት ካብ ናይ ደገ ትርኢት ንላዕሊ ኣገዳስነት ይህቦ፡ ኣብዚ ሰሙን ድማ እዚ ብፍላይ ይስረሓሉ።
• ናይ ኣቦታት ትምህርቲ/ምኽንያት: እዋኑ ናይ ሓዘንን ንስሓን ስለ ዝኾነ፡ ልብና ካብ ዓለማዊ ነገር ኣልጊስና ናብ መንፈሳዊ ነገራት፡ ናብቲ መከራ ጎይታና ከነተኩር ይግባእ።
✥ ፬ ቡራኬ መስቀል ምስላም
መስቀል ምብራኽ፡ ምስላም፡ መሳለም ክልኩል እዩ።
• እቲ ቡራኬ ናይ ካህናት ስርየት ሓጥያት ስለ ተውህብ ስጋብ ዲያብሎስ ዝቕጥቀጥ ኣይወሃብን ምስ ተቐጥቀጠ ግን ዓርቢ ምሽት ይወሃብ ።
• ናይ ኣቦታት ትምህርቲ ፡ ክርስቶስ ኣብ መስቀል መከራ ስለ ዝረኽበሉ ፡ ነቲ መስቀል ኣብዚ ሰሙን እዚ ከም ምልክት ሓዘንን ስቓይን እምበር፡ ከም ምልክት ዓወት ጥራይ ኣይንርእዮን። ስለዚ፡ ብፍርሃትን ብትሕትናን ነቲ መከራኡ ንዝክር።
✥ ፭. : ምስጢራት
• ጥምቀት ምጥማቕን ሥልጣነ ክህነት ምሻምን ክልኩል እዩ።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: እዚ ግዜ ናይ ሓዘንን ስቓይን እዩ። ጥምቀት ዳግማይ ልደትን ክህነት ድማ መንፈሳዊ ስልጣንን ሓላፍነትን ዝውሃበሉ ስለ ዝኾነ፡ ምስቲ ናይ ሓዘን ባህሪ ናይዚ ሰሙን ስለ ዘይከይድ፡ ኣብ ካልእ ግዜ ይፍጸም።
✥ ፮. ምስዓም ወይ ሰላምታ
• ብጀካ ጸሎተ ሓሙስ፡ ሰላም ምብህሃል ኣይተኸልከለን። ኣብ ጸሎተ ሓሙስ ግን "ምስዓም" ወይ ሰላምታ ኣይግባእን።
• መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: ማቴዎስ 26፡48-49 "እቲ ኣሕሊፉ ዝሀቦ ድማ፡ እቲ ዝስዕሞ ንሱ እዩ እሞ፡ ሒዝኩም ውሰድዎ፡ ኢሉ ምልክት ሀቦም። ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ረቢ፡ ሰላም ንኣኻ፡ እናበለ ሰዐሞ።" እዚ ንዘኪርና፡ ኣብታ ይሁዳ ንጎይታ ብምስዓም ኣሕሊፉ ዝሃበላ መዓልቲ፡ ናይ ግብዝና ሰላምታ ንኽንጥንቀቕን ነቲ ፍጻሜ ንምዝካርን እዩ።
• ናይ ኣቦታት ትምህርቲ/ምኽንያት: ነቲ ተግባር ይሁዳ ንምዝካርን ካብ ናይ ግብዝና ሰላምታ ንኽንርሕቕን።
✥ ፯.: ጾታዊ ርክብ
• ሩካቤ ሰብኣይን ሰበይትን ርክብ ብፍጹም ክልኩል እዩ።
• መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: 1 ቈረንቶስ 7፡5 "ንጸሎት ክትተግሁ ምእንቲ ጊዜ ደኣ ብምስምማዕ ንሓድሕድኩም ተኸላሊኹም ንጊዜኡ ተፈላለዩ እምበር፡..." እዛ ሰሙን ፍሉይ ናይ ጸሎትን ንስሓን ግዜ ስለ ዝኾነት፡ እዚ ትእዛዝ እዚ ይፍጸም።
• ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: እዚ ሰሙን ንጸሎትን መንፈሳዊ ተጋድሎን ፍሉይ ትኹረት ስለ ዝወሃቦ፡ ካብ ሥጋዊ ተድላ ንርሕቕ።
✥ ፰. በዘይ ሳእኒ
• ብዕርቃን እግሪ ምኻድ ግዴታ ኣይኮነን፡ ግናኸ ንትሕትናን ንስሓን ዝግበር፡ ምኻዱ'ውን ኣይተኸልከለን።
* መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት (ብመንፈሱ): ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብዕርቃን እግሪ ምኻድ ምልክት ትሕትና፡ ሓዘን፡ ወይ ንቕዱስ ስፍራ ኣኽብሮት ምሃብ እዩ (ዘጸኣት 3፡5, 2 ሳሙኤል 15፡30, ኢሳይያስ 20፡2-4)።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: ከም ናይ ነፍሲ ወከፍ ዓቕምን መንፈሳዊ ድሌትን ዝግበር ናይ ትሕትና ተግባር እዩ።
✥ ፱.: ኣብ በዓል ግዜ ስግደት
• ዝኾነ በዓል ኣብ ሰሙነ ሕማማት እንተ ውዒሉ ይስገድ እዩ።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ፡ ክብሪን ሓዘንን ናይቲ መከራ ክርስቶስ ካብ ዝኾነ ካልእ በዓል ንላዕሊ ስለ ዝኾነ፡ እቲ ናይ ሓዘን ምልክት ዝኾነ ስግደት ቀዳምነት ይወሃቦ።
✥ ፲. : ሽቶ ምልካይ፡
• ዘይቲ ምልካይ፡ ኣፍካ ክትሕጸብ ከሎኻ ማይ ከይትውሕጥ ምጥንቃቕ፡ መግቢ ኣብ እዋን ምኽሻን ምጥዓም ክልኩል እዩ።
* መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: ዳንኤል 10፡3 "ክሳዕ እዚ ሰለስተ ሰሙን እዚ ዝመልእሲ፡ ባህ ዜብል እንጌራ ኣይበላዕኹን፡ ስጋን ወይንን ናብ ኣፈይ ኣየእተኹን፡ ዘይቲውን ኣይተለኼኹን።" እዚ ዓይነት ከቢድ ጾምን ሓዘንን ካብ ምሹእ ነገራት ምርሓቕ የጠቓልል።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ፡ እዚ ግዜ ናይ ሓዘንን ናይ ሥጋ ምግሳጽን ስለ ዝኾነ፡ ካብ ዝኾነ ዓይነት ተድላን ምቾትን ንርሕቕ።
✥ ፲፩. : ዓርብን ቀዳምን (ስዑር)፡
እቲ ዝኸኣለ ነዘን ክልተ መዓልታት ብሓባር ክጸውመን፡ ዋላ ሓንቲ ከይጥዕም ክሳብ ንግሆ ይግባእ። እንተ ዘይተኻኢሉ፡ ነታ ናይ ቀዳም ስዑር ጾም ብፍላይ ክሕልዋ ኣለዎ።
* መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት: ማቴዎስ 9፡15 "መርዓዊ ካባታቶም ምስ ተወስደ፡ ሽዑ ክጸሙ እዮም።" (ክርስቶስ ኣብ መቓብር ዝጸንሓለን መዓልታት ብፍሉይ ጾም ይዝከራ)።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: ዲዳስቅልያ (ትምህርቲ ሃዋርያት) ነዚ ፍሉይ ናይ ዓርብን ቀዳምን ጾም ኣዘኻኺርዎ ኣሎ። እዚ ነቲ ክርስቶስ ካባና እተወስደሉ (ሞት)ን ኣብ መቓብር ዝጸንሓሉን ግዜ ዘመልክት እዩ።
✥ ፲፪. : ሽዱሽተ መዓልታት ሰሙነ ሕማማት፡
ከምኡ'ውን ሮቡዕን ዓርብን ወትሩ ይጸወም።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ፡ ሮቡዕ - ኣይሁድ ንክርስቶስ ንምቕታል ዝመኸሩላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት። ዓርቢ - ጎይታና ዝተሰቕለላ መዓልቲ ስለ ዝኾነት። እዚ ናይ ሮቡዕን ዓርብን ጾም ካብ ቀዳሞት ዘመናት ጀሚሩ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ዝፍጸም እዩ (ዲዳኬ/ትምህርቲ 12 ሃዋርያት ምዕራፍ 8)።
✥ ፲፫. : ብዘይካ ቀዳም ስዑር፡
ኣብ ካልእ ሰንበት (እሑድ) ምጻም ኣይግባእን።
• መጽሓፍ ቅዱሳዊ መሰረት (ብመንፈሱ): እሑድ መዓልቲ ትንሣኤ ጎይታ ስለ ዝኾነት፡ መዓልቲ ሓጎስ እምበር ናይ ጾም ሓዘን ኣይኮነትን። ቀዳም ስዑር ግና ጎይታ ኣብ መቓብር ስለ ዝነበረ፡ ፍልይቲ መዓልቲ ሓዘንን ጾምን እያ።
• ናይ ኣቦታት ትምህርቲ: ቀኖና ቤተ ክርስቲያን ብሰንበት ምጻም ይኽልክል (ብጀካ ቀዳም ስዑር)፡ ምኽንያቱ ሰንበት ናይ ትንሣኤ መዓልቲ እያ። እግዚኣብሔር'ውን ኣብ መበል ሻብዓይ መዓልቲ (ቀዳም ብሉይ ኪዳን) ኣዕሪፉ እዩ (ዘፍጥረት 2፡2)።
✥ ፲፬. መን ኢዩ ዝጸውም
ካብ ጾም ዝተፈቕደሎም (ዘይጾሙ): ህጻናት ትሕቲ 7 ዓመት፡ ኣዝዮም ዝኣረጉ፡ ሕሙማት፡ ጥኑሳት/መጥበውቲ እንተ ተኻኢሉ ደሓር ክፍጽምዎ ይግባእ።
* መጽሓፍ ቅዱስ መሰረት: ማቴዎስ 12፡7 "ምሕረት እምበር፡ መስዋእቲ ኣይፈቱን እየ፡ ትርጉሙ እንተ ትፈልጡስ፡ ነዞም ገበን ዘይብሎም ኣይምኾነንኩምዎምን።" እዚ ንኣድላይነትን ንምሕረትን ቀዳምነት ምሃብ የርኢ።
* ናይ ኣቦታት ትምህርቲ፡ ነቶም ዓቕሚ ዘይብሎም ጸጋ ትገብር። ዕላማ ጾም ንገዛእ ነፍስኻ ምግሳጽ እምበር ንኣካልካ ምጕዳእ ኣይኮነን።
እዚ ኣብ ላዕሊ ዝቐረበ ነጥብታት፡ ነቲ ኣብ ፍትሐ ነገሥት ዝጸንሐ ሥርዓት ጾምን ሕማማትን ምስ መጽሓፍ ቅዱሳውን ናይ ኣቦታት ትምህርትን ብምዝማድ ንምብራህ ዝዓለመ እዩ። እግዚኣብሔር ጾምናን ጸሎትናን ይቀበለልና።
✥ ⛪ ✍️
• ዝፍቀዱ
ኣብ መጽሓፍ ዘየለዉ፡ ብልምዲ ዝበሃሉ ኢ-መጽሓፋዊ ትምህርትታት እዞም ዝስዕቡ እዮም።
ብሕታዊ ጸሎት ምጽላይ፤ ኣመሳቒልካ ምልባስ፤ ምምዕታብ፤ በስመ ኣብ ኢልካ ምጅማር፤ ጸበል ምሕጻብ ኣይከኣልን እዩ ዝብል መጽሓፋዊ ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ የለን።
✥ ፩• ብሕታዊ ጸሎት ምጽላይ ኣይከኣልን ዝብል:
• ግቡእ መረዳእታ: እዚ ጌጋ እዩ። ሰሙነ ሕማማት እኳ ደኣ ናይ ጸሎትን ንስሓን ፍሉይ ግዜ እዩ። ቤተ ክርስቲያን፡ ብብሕትና ኮነ ብማሕበር ንኽንጽሊ እያ እተተባብዓና እምበር፡ ንጸሎትና ከነቋርጽ ኣይትእዝዝን። እቲ ኣብዚ ሰሙን እዚ ዝፍጸም ናይ ቤተ ክርስቲያን ሓባራዊ ጸሎት እኳ ንውልቃዊ ጸሎትና ከም ዘየወግዶ ግሉጽ እዩ። ስለዚ፡ ብሕታዊ ጸሎት ምጽላይ ዘኽልክል መጽሓፋዊ ወይ ቀኖናዊ ትምህርቲ የለን።
✥ ፪• ምምታብ (ኣማዕትቦ) ኣይከኣልን ዝብል:
• ግቡእ መረዳእታ: ምልክት መስቀል (ኣማዕትቦ)፡ ናይ ድሕነትናን ዓወትናን ምልክት እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት ነቲ ኣብ መስቀል ዝተፈጸመ ምድሓን እናዘከርና ብእምነት ነማዕትብ እምበር፡ ከነቋርጾ ዝእዝዝ ትምህርቲ የለን። እቲ ኣብ ፍትሐ ነገሥት ዘሎ ክልከላ፡ ነቲ ብዕንጨይቲ ወይ ብብረት ዝተሰርሐ መስቀል ንምሳለምን ንምስላምን እምበር፡ ነቲ ብኢድና እንገብሮ ናይ እምነት ምልክት (ኣማዕትቦ) ኣይኮነን።
✥ ፫• በስመ ኣብ ኢልካ ምጅማር ኣይከኣልን ዝብል:
• ግቡእ መረዳእታ: ዝኾነ ነገር ክንጅምር ከለና (ጸሎት፡ ስራሕ፡ መግቢ ወዘተ) "ብስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሃዱ ኣምላክ" ኢልና ምጅማር፡ ንነገርና ንኽንቅድሶን በረኸት ንኽንረክብን ዝግበር ናይ ኩሉ ግዜ ልማድና እዩ። ኣብ ሰሙነ ሕማማት እዚ በረኸት እዚ ከነቋርጾ ዝእዝዝ መጽሓፋዊ ይኹን ናይ ቤተ ክርስቲያን ትምህርቲ የለን።
✥ ፬• ጸበል ምሕጻብ ወይ ምስታይ ኣይከኣልን ዝብል:
• ግቡእ መረዳእታ: ጸበል ናይ ፈውሲ ጸጋ ከም ዘለዎ ስለ ዝእመን፡ ንዝሓመሙን ንዝደለዩን ሰባት ምጥቃሙ ዘኽልክል መጽሓፋዊ ወይ ቀኖናዊ ትእዛዝ ኣብ ሰሙነ ሕማማት የለን። እዋን ጸሎትን ንስሓን ስለ ዝኾነ፡ ጸበል ከምኡውን ካልእ ናይ እምነት ነገራት ምጥቃም ዝኽልክል ምኽንያት የለን።
✥ ፭• መስቀላዊ ምጥቃም
• ኣመሳቒልካ ምልባስ (ነጸላ/ዓለባ/ጋቢ ብመስቀላዊ ቅርጺ ገይርካ ምልባስ)፡ እንተዘይኮይኑ ኣይከኣልን ዝብል:
• ግቡእ መረዳእታ: ብዙሓት ምእመናን ኣብ ሰሙነ ሕማማት ነቲ ነጸላኦም ወይ ዓለባኦም ብመንገዲ መስቀል ዘዘኻኽር መልክዕ፡ ኣብ ክሳዶም ወይ ኣብ መንኩቦም ይለብሱ። እዚ ድማ ምልክት ናይቲ ንጎይታ ዝወረዶ መከራ መስቀል ንምዝካር፡ ንትሕትናን ንናይ ሓዘን ስምዒትን ንምግላጽ ዝግበር እዩ። እዚ ኣገባብ ምልባስ እዚ፡ ፍቕራዊ ዝኾነ ናይ ኣምልኾ ተግባርን ባህላዊ ልምድን እምበር፡ ቤተ ክርስቲያን "ኣብ ሰሙነ ሕማማት በዚ ኣገባብ እዚ ጥራሕ ተኸደኑ" ወይ "ብኻልእ ኣገባብ ነጸላ ምልባስ ክልኩል እዩ" ዝብል ወግዓዊ ቀኖና ወይ ትእዛዝ የብላን። እቲ ቀንዲ ነገር ናይ ልቢ ስብራትን ንስሓን እምበር፡ እቲ ኣገባብ ምልባስ ነጸላሲ፡ ነቲ ውሽጣዊ ስምዒት ዝገልጽ ናይ ምርጫ ጉዳይ እዩ። ስለዚ፡ ነጸላ ብዝለመድካዮ መንገዲ ምልባስ ዘኽልክል ትምህርቲ የለን።
መደምደምታ: እዞም ኣብ ላዕሊ ዝተዘርዘሩ (ብሕታዊ ጸሎት፡ ኣመሳቒልካ ምልባስ፡ ምምታብ፡ ብስመ ኣብ ምባል፡ ጸበል ምጽማቕ) ኣብ ሰሙነ ሕማማት "ክሉኩል እዮም" ዝብል ኣበሃህላ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ ልምድን ካብ ናይ ውልቂ ምርጫን ዝነቅል እምበር፡ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ወይ ኣብ ናይ ቤተ ክርስቲያን ወግዓዊ ቀኖናታት ዝተመስረተ ትምህርቲ ኣይኮነን።
መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቕስታት ንሰሙነ ሕማማት ዘዘኻኽሩ፡
✥ • ኢሳይያስ 53:5
"ንሱ ግና ብሰሪ ገበንና ቈሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ድማ ተኸትከተ፡ ንሕና ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ፡ መቕጻዕቲ ናብኡ ወረደ፡ ንሕናውን ብስምብራቱ ሓዌና።"
✥ • ማቴዎስ 26:41
"ንቕሑ፡ ኣብ ፈተና ምእንቲ ኸይትአትዉ፡ ጸልዩ። መንፈስ ተዳልዩ ኣሎ፡ ሥጋ ግና ድኹም እዩ።"
✥ • ፊልጲ 2:5-8
"እቲ ኣብ ክርስቶስ ኢየሱስ ዝነበረ፡ ንሱ አባኻትኩምውን ይሃሉ። ንሱ ብመልክዕ ኣምላኽ ክነሱ፡ ነቲ ማዕረ ኣምላኽ ምዃኑ ከም ምምንዛዕ ኣይረኣዮን። መልክዕ ባርያ ወሲዱ፡ ሰብ መሲሉ፡ ርእሱ ደኣ ኣሕሰረ። ብምስሉ ሰብ ኰይኑ ምስ ተረኽበ ኸኣ፡ ክሳዕ ሞት፡ እወ፡ ክሳዕ ሞት ኣብ መስቀል እኳ፡ ተኣዚዙ ርእሱ ኣትሐተ።"
✥ • 1 ጴጥሮስ 2:21
"ንኣኻትኩምሲ ናብዚ ኢኹም እተጸዋዕኩም፡ ክርስቶስውን ምእንታኹም መከራ ጸገበ፡ ንስኻትኩምውን ኣሰሩ ምእንቲ ኽትስዕቡ፡ ኣርኣያ ሓደገልኩም።"
✥ • ዮኤል 2:12
" ሕጂ ግና፥ ይብል እግዚኣብሄር፥ ብምሉእ ልብኹም፡ ብጾምን ብብኽያትን ብልቅሶን ናባይ ተመለሱ።"
ካብ ትምህርቲ ቀዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ዝተረኽበ፡
✥ • ቅዱስ ዮሃንስ ኣፈወርቅ፡
"ጾም ማለት ካብ መግቢ ጥራይ ምኽልካል ዘይኮነስ፡ ካብ ሓጢኣት፡ ካብ ክፉእ ዘረባ፡ ካብ ቁጥዐን ካብ ፍትወት ስጋን ምዕቃብ እዩ። ጾም ብጸሎትን ብምጽዋትን ክሰነ ኣለዎ።"
✥ • ቅዱስ ኣትናቴዎስ:
"ሰሙነ ሕማማት ፍሉይ ናይ ምስትንታን ግዜ እዩ። ጎይታና ምእንታና ኢሉ ዝተቀበሎ መከራን ስቅያትን ብዕምቈት ነስተንትነሉ እዋን እዩ። እቲ መወዳድርቲ ዘይብሉ ፍቕሩ ንዓና ንደቂ ሰባት እንዝክረሉ ግዜ እዩ።"
• ናይ ቀዳሞት ኣቦታት ትምህርቲ: "ኣብዘን ቅዱሳት መዓልታት፡ ብፍላይ ትሕትና፡ ንስሓ ምእታው፡ ንሓጢኣትና ምብካይ፡ ምስ እግዚኣብሄርን ምስ ብጾትናን ዕርቂ ምግባር የድሊ።"