Eritreische -Orthodoxe Tewahdo Kirche St Urael München

Eritreische -Orthodoxe Tewahdo Kirche St Urael München Eritreische Orthodoxe Kirche in München Gottesdienst jeden Sonntag Um 6:00 Uhr, Mit Vor gebeten Ab 5:00 Uhr. Gäste sind jeder Zeit Willkommen

እንቋዕ ናብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ኣብጽሓና!ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓ...
27/06/2026

እንቋዕ ናብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ኣብጽሓና!

ገዳም ደብረ ሲና፡ ኣብ ዞባ ዓንሰባ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ ከባቢ መንሳዕ፡ ካብ ዒላበርዕድ ንሸነኽ ምሥራቕ ብእግሪ ናይ ክልተ ሰዓትን ፈረቓን ምስ ከድካ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። እዚ ገዳም’ዚ ካብ ጥንቲ ካብ ዘመነ ብሉይ ጀሚሩ ሥርዓተ ኣምልኮ ዝፍጸመሉ ዝነበረ፣ ኣብ ዘመነ ሓዲስ ድማ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ኣደኡ ቅድስት ድንግል ማርያምን ቅዱስ ዮሴፍን ሰሎሜን ናብ ግብጺ ኣብ ዝተሰደሉ እዋን፡ ብግብጺ ኣቢሎም ኣብዚ ገዳም ደብረ ሲና ንኣርባዕተ ወርኂ ከምዘዕረፉ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያን ይነግሩ።
ኣብ 332 ዓ.ም. ኣባ ሰላማ ከሣቴ ብርሃን ካብ ግብጺ ሥልጣነ ክህነት ተቐቢሉ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሉ ናብ ደብረ ሲና ኣትዩ እዩ። ትምህርተ ክርስትና ሰቢኹ፡ ንመጀመርታ ጊዜ ጥምቀተ ክርስትና ዝፈጸመሉን ሥርዓተ ቍርባን ዝሠርዓሉን ቦታ እዩ። ነገሥታት ኣብርሃን ኣጽብሃን (ኤዛናን ሴዛናን) ካብ ኣክሱም ናብዚ ገዳም ብምምጻእ ተጠሚቖም ቆሪቦም እዮም።
ኣብ 474 ዓ.ም. - 478 ዓ.ም. ኣባ ዮሓኒ ምስ ብዙኃት መነኮሳት ብዙኅ ታቦት ኂዙ ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ብምምጻእ፡ ነቲ ብስም ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ዘምጽኦ ታቦት ኣብ ዘመኑ ብዝነበረ ጳጳስ ኣባ ናሆም ኣባሪኹ ኣብ ደብረ ሲና ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣእትዩ ከም ገዳም ገደማ። ናይዚ ገዳም ሥርዓተ ጳጉሚስ ማኅበር ሓድነት ዝመሥረተ ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ጐይታ ኣብ ጊዜ ስደቱ ብኢዱ ዝዳኅሰሳ ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀት መሠረት ዘይብላ ቤተ ክርስቲያን ኪጽሊ ኸሎ ኣብ 21 ግንቦት ቅድስት ድንግል ማርያም ንመላእኽትን ጻድቃንን ሰማዕታትን ኣኺታላ ካብ ፀሓይ ትበርህ ኮይና ብራእይ ስለዝተገልጸትሉ ነዛ ዕለት’ዚኣ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ በዓለ ማርያም ክብዕል ጀመረ። ከምኡ’ውን ኣብ 20 ሰኔ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ ዓሠርተው ክልተ ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዱስ ቍርባን ኪሠርዕ ስለ ዝረኣዮ 20 ሰኔ ሕንፀተ ቤታ፡ 21 ሰኔ ድማ ቅዳሴ ቤታ ከምዝበዓል ኮነ። በዚ መሠረት ከኣ ዓመት መጽአ ገዳም ደብረ ሲና ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ 21 ግንቦት ከምኡ’ውን 21 ሰኔ ብዓቢይ ድምቀት ይብዕል።
ኣብ ገዳም ደብረ ሲና፡ ብዙኃን ቅዱሳን ኣቦታት መናንያን ብብሕትውናን ሱባኤን ይነብሩ እኳ እንተነበሩ፡ ኣብ ከባቢ 454 ዓ.ም. ተስዓቱ ቅዱሳን ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዒሮ ኣብ ዝበሃል ብብሕትውና ተቐሚጦም ከለዉ ኣብዛ ናይ ሕጂ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን ዓምዲ ብርሃን ተተኺሉ ረኣዩ፣ ቅድስት ድንግል ማርያም’ውን ተገልጸትሎም። በዚ መሠረት ምስቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ራእይን ምስ እግዚአብሔር ቃል ንቃል ዝተዛረረበሉን ብምምሳል ነዚ ገዳም ሲሓት ዝበሃል ዝነበረ ‘ደብረ ሲና’ ኢሎም ሰመይዎ። (ዘፀ. 3፡2-6)
ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና ከም ደብተራ ሙሴ ብፍቓድ እግዚአብሔር ዝተገብረ መቕደሱን ቅድሳቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሐንፀ መሠረት ዘይብሉ ዓቢይ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ የገልግል እኳ እንተ ነበረ፡ ንኣገልግሎት ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም. ዝተሓንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ኪረክብን ሃይማኖት ኪሰፍሕን ኪምዕብልን ብዝብል ቅኑዕ ሕሊና፡ ብሓልዮት ገዳም ደብረ ሲና ተጣኒፀን መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዘበርክታ ዘለዋ ኣብያተ ክርስቲያናት ብዙኃት እየን።
ኣብ ከባቢ እዚ ቤተ ክርስቲያን’ዚ፡ ‘ወለንሳ’ ተባሂሉ ዚጽዋዕ ብታሕቲ በዓቲ ብላዕሊ ድማ ሰጣሕ ሜዳ ዝኾነ ዓቢይ ደንጐላ(ዓረ) ኣሎ። ኣብ ጊዜ ክብረ በዓል ውላድ ዝሰኣና ኣደታት “በዓልቲ ወለንሳ ኃዳጊት ኣበሳ” እናበላ ዚዝምራሉ ዚውድሳሉ በዓቲ እዩ። ኣብ ልዕሊ በዓቲ ወለንሳ ክልተ ዓበይቲ ኣጋንእ እምኒ ብተፈጥሮ ዝተሠርሑ ስለዘለው ድማ በዓል ማርያም ግንቦትን በዓለ ማርያም ሰኔን ኣብዞም ዝተጠቕሱ ናይ እምኒ ኣጋንእ ስዋ ተዳልዩ ንሕዝቢ ይዕደል።
ኣብ ክብረ በዓል ገዳም ደብረ ሲና ካብ ርኁቕን ቀረባን ዝተፈላለየ ቦታታት ብእግሪ ኮነ ብመኪና ዝመጽአ ሕዝቢ፡ በረኸት እግዚአብሔር ይረክብን ፍቕሪ ክብርቲ ወላዲተ ኣምላኽ ይገልጽን። ኣብዚ ቦታ ዘይተረኽቡ’ውን ኣብ ዘዘለውዎ ኾይኖም ብሕሊናኦም ተመሲጦም ዚዝክርዎ ክቡር በዓል እዩ።
እግዚአብሔር ኣምላኽና ካብዚ ናይዚ ዕለት እዚ በረኸት የሳትፈና!
ጸሎታን ልመናኣን ናይ እግዝእትና ማርያም ንዅሉ ዓለም ካብ መዓት ወዳ ይሓልዎ!
ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!

ምንጪ ፦ Lisan Tewahdo Menbere Patriarik

 #ቃላተ  #ቅዱሳን ✝️ካብ ዕለታት ሓደ ግዜ ፥ ሓደ ሰብ ናብ ኣባ እንጦንስ ብምምጻእ  "ኣባ ጸልዩለይ" በሎም። እቶም ዓቢ ኣቦ ክኣ ከምዚ በልዎ "ንስካ ንገዛእ ርእስካ ክሳዕ ዘይደገፍካ ከ...
24/06/2026

#ቃላተ #ቅዱሳን ✝️

ካብ ዕለታት ሓደ ግዜ ፥ ሓደ ሰብ ናብ ኣባ እንጦንስ ብምምጻእ "ኣባ ጸልዩለይ" በሎም። እቶም ዓቢ ኣቦ ክኣ ከምዚ በልዎ "ንስካ ንገዛእ ርእስካ ክሳዕ ዘይደገፍካ ከምኡውን ክሳዕ ዘይጸለካ ፥ ኣይድግፈካን እየ ፥ ከምኡውን አምላክ ኣይድግፈካን እዩ" በልዎ።

ዓቅምና እንዳጸለና ድኣ እምበር ደቂስና ብጸሎት ክንድገፍ ክንሓትት ከምዘይብልና ክምህሩና ስለ ዝደለዩ እዮም - ምክንያቱ ሓደ ሰብ ኣብ ማይ ምስ ዝጥሕል እሞ ካብቲ ማይ ክወጽእ ምስዘይቃለስ ወይ ነቲ ከድሕኖ ዝመጸ ሰብ ምስ ዘይሕግዞ ፥ ካብቲ ዝጠሓሎ ማይ ክወጽእ ኣጸጋሚ ስለ ዝኮነ።

19/06/2026
“አባ እስኬማከ ሠናይ ወቃልከሰ እኩይ፡ኣባ ኣስኬማኹም (ቆቢዕኹም) ጽቡቕ ፡ እንተ ዘረባኹም ግን ክፉእ ”በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ።፲፪/12 ሰነ ዓመታዊ በዓል ናይ ቅዱስ...
19/06/2026

“አባ እስኬማከ ሠናይ ወቃልከሰ እኩይ፡
ኣባ ኣስኬማኹም (ቆቢዕኹም) ጽቡቕ ፡ እንተ ዘረባኹም ግን ክፉእ ”

በስመአብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላኽ።

፲፪/12 ሰነ ዓመታዊ በዓል ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሊቀ መላእክት (ናብ ቅድስት ኣፎምያን ባሕራንን ዝተላእኸሉ ዕለትን ኃለቃ ኮይኑ ኣብ ልዕሊ ኵሎም ቅዱሳን መላእክት ዝተሸመሉ ክቡር ዕለት እዩ። ካብቲ ብዙኅ ተአምር ዝገበሮ ሓደ ናይ ቅድስት ኣፎምያ እዩ። ምሉእ ታሪኽ ……

”ዕረፍት ናይ ቅድስት ኣፎምያ”

ቅድስት ኣፎምያ ሃገራ ኪልቅያ ኮይኑ፡ በዓል ቤታ ድማ ኣስተራኒቆስ ይበሃል። በዓል ቤታ ቅድሚ ብሕማም ካብዛ ዓለም ምፍናዉ ናይ ኪልቅያ መስፍን(ገዛኢ) ነበረ። እዛ ቅድስት ኣደ ሰብኣያ ብሕማም ምኽንያት ምስ ኣዕረፈ ኵሉ ዝነበራ ሃብትን ንብረትን እናሸጠት፡ ካብቲ ዝሸጠቶ ድማ እና መጽወተት ብጾምን ብጸሎትን ተወሲና፡ ብንጽህናን ብቕድስናን ትነብር ነበረት።

እንተኾነ ከምቲ ቅዱስ ሐዋርያ ጴጥሮስ ኣብ መልእኽቱ ገሊጽዎ ዘሎ፡
” ዲያብሎስ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ከም ዝጓዝም ኣንበሳ ኮይኑ ይዘውር ኣሎ እሞ ተጠንቀቑ፡ንቕሑ ”

ዝበሎ መሠረት፡ ሰይጣን ኵሉ ጊዜ ኣብ ዙርያና ኮለል ካብ ምባል ኣየዕርፍን እዩ። ንሕና ካብ ግብሪ ጽድቂ ኣብ ዘዕረፍናሉን ኣብ ዝደኽምናሉን ጊዜ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ግዝኣቱ የውድቐና። ብኣንጻሩ ኣብ ሃይማኖት ጸኒዒና እንተ ተቓወምናዮ ግና ፈጺሙ ካባና ይርሕቕ
(1ጴጥሮስ 5-8)።

ቅድስት ኣፎምያ ብእትጋደሎ ዝነበረት ተጋድሎ፥ ጾም፡ ምጽዋት፡ ጸሎት ዝተቓጸለ ሰይጣን፡ ከምቲ ብዝተፈላለየ ሜላ ከስሕት ኢሉ ናብ ደቂ ሰባት ዝመጽእ ናብዛ ቅድስት ኣደ ውን ንኸስሕታ ከም ሓደ ዓቢይን ኣረጊትን መኖኮስ መሲሉ መኖኮሳት ኣዴታት ኣኸቲሉ መጻ። ኣቐዲሙ ድማ ኣብ ኣፍ ደገ ኮይኑ ጸውዓ። ንሳ ከኣ ቅድስት ኣማኒትን ስለ ዝነበረት ካብ ቤታ ብቕልጡፍ ወጺኣ “ናብ ቤተይ እተዉ እሞ ኣብ ቅድሚ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ኴንኩም ጸልዩለይ ” በለቶም።

ንሱ ግን “ ንሕናስ ንግሆ ጸሊና ኢና ንስኺ ግን እዚ ኩሉ ጾምን ጸሎትን እንታይ ክገብረልኪ እዩ፧ ድኅሪ ብዙኅ ግዜ ከም ዝቐትለኪ ኣይትፈልጥን ዲኺ፧ ኵሉ ዝነበረኪ ሃብቲ ሼጥኪ ንድኻታትን ንዘኽታማትን ዝመጽወትክዮ ዝወዳእኽዮ ስለምንታይ ኢኺ፧ ኣብ መጨረሽታ ምስ ደኸምኪ ኸ ዝሕግዘኪ፡ ጸዊዕክዮ ዝረድኣኪ ውላድ የብልክን፡ ካልኣይ ግዜ ምምርዓው፡ ሰብኣይ ምእታው ከ ኃጢኣት ዲዩ መሲሉኪ ፧

በዓል ዳዊት ፡በዓል ኣብርሃም ካብ ብዙኃት ኣንስቲ ብዙኃት ውላድ ኣይወለዱን ድዮም፧ ሕጂ እምበኣር ቤት ዝሠርሓልኪ፡ዝኣልየኪን ዝለኣኸክን ወዲ የድልየኪ እዩ እሞ ሰብኣይ ኣእትዊ፡ ስለዚ ሐራይ በልኒ”በላ። ነዚ ቃል ዝሰምዐት እዛ ቅድስት ኣደ፡

“ኣባ እስኬማሰ ሠናይ ወቃልከሰ እኩይ ” ኣባ ኣስኬማኹም (ቆቢዕኹም) ጽቡቕ ነይሩ እንተዘረባኹም ግን ክፉእ እዩ” በለቶም። እቲ ሓሳብ ውን ናይ መን ከም ዝኾነ ተገንዚባ ናብ ውሽጢ ቤታ ኣትያ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ኣምጺኣ ኣርኣየቶ እሞ እንሆ
“ጽንሒ 12 ሰነ መጺኤ ምስቲ ሥእሊ ገይረ ከጥፍኣኪ እየ ” ኢልዋ በኒኑ ከደ።

12 ሰነ ንግሆ፡ ብርሃናዊ መልኣኽ ቅዱስ ሚካኤል መሲሉ ድማ ከም ብሓድሽ መጸ እሞ
“ጾምክን ጸሎትክን ስግደትክን ምጽዋትክን ዓሪጉልኪ እዩ፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ሰይጣን መጺኤ ከጥፋኣኪ እየ ከምዝበለ ሰሚዔ ከድኅነኪ መጺኤ ኣለኹ ስገድለይ በላ።

ንሳ ከኣ “መን ኢኻ፧ በለቶ”። ንሱ ኸኣ መሊሱ “ኣነ ቅዱስ ሚካኤል መልኣኽ እየ ” ክብል ብሓሶት ተዛረበ። ንሳ ድማ ቀጺላ፡ “ እምበኣር ናይ ንጉሥ ወተሃደር፡ ልኡኽ፡ ብዘይ ማኅተም ይኸይድ ድዩ፧ በትረ መስቀልካ ኣበይ ኣሎ፧ ” ክትብል ሓተቶ። ከምታ ቀዳማይቲ መዓልቲ ዝገበረታ ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ክተምጽእ ኢላ “ ጽናሕ በል ሚካኤል እንተ ኾይንካስ ሥእልኻ ከምጽኣልካ ” በለቶ እሞ ገጹ ገልቢጡ ጽልመት ተኸዲኑ ካብ ቅድሚኣ በኒኑ ከደ።
እቲ ንረድኤት ቅልጡፍ ዝኾነ ቅዱስ ሚካኤል ድማ ከም ቅጽበት ዓይኒ ቀልጢፉ ናብኣ መጸ። ”ኦ ብጽእቲ ኣፎምያ! እንሆ ጾምክን ጸሎትክን ተሰሚዒልኪ እዩ እሞ ዕረፍትኺ ሎሚ እዩ ” ኢልዋ ንሰይጣን ኣባሪሩ ናብ ሰማይ ዓረገ።

ቅድስት ኣፎምያ ድማ ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዳ ናይ ክርስቶስ ቅዱስ ሥግኡን ክቡር ደሙን ተቐቢላ፡ ኣብኡ ዝነበሩ ጳጳሳትን ካህናትን ጸዊዓ ናብ ቤታ ተመልሰት። ናብ ቤታ ምስ መጹ ከኣ ከከም ማዕርጐም ኮፍ ኣቢላ ምሳሕ ኣብሊዓ ዝስተ ኣስተየቶም። ኣብ ኢዳ ዝነበረ ወርቂ ንቅድስት ቤተ ክርስቲያን መሥርሒ፡ ዝተረፈ ገንዘብ ድማ ንድኻታት ክኸውን ነቶም ናብ ቤታ ዝመጽኡ ጳጳስት ኣረከበቶም እሞ ብሰላም ዓረፈት። ንብዙኅ ግዜ ኣብ ሕቑፍኣ ተቐምታ ዝነበረት ናይ ቅዱስ ሚካኤል ሥእሊ ድማ ካብ ሕቑፍኣ ወጺኣ በሪራ ኣብ መንደቕ ቤት መቕደስ ተስቕለት። ንብዙኃት ሕሙማት ከኣ ትፍውስ ነበረት።

ጸሎታን በረኸታን ናይ ቅድስ ኣፎምያ ምስ ኩላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን።ንቅድስት ኣፎምያ ዝረድአ ቅዱስ ሚካኤል ሎሚ ውን ካብ ፈተናን ጸገምን ሽግርን ካብ ዓለማዊ ፍትወትን ብጸሎቱን ብረድኤቱን ይሓልወና።

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል
አሜን!

ምንጪ፡- ስንክሳር12 ሠነ፡ ድርሳነ ቅዱስ ሚካኤል ዘወርኅ ሠነ፥ አንቀጸ ተዋሕዶ።

Adresse

Max-Mannheimer/Ring 24
Haar
85540

Telefon

+4917662472673

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Eritreische -Orthodoxe Tewahdo Kirche St Urael München erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Verknüpfungen

Teilen

Kategorie