13/05/2022
ሓቢርና ነንብብ። ኣንቢብና ሂወትና ንፈትሽ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ዝረኸብክዋ እያ።
Po*******hy is devils iconography!
ብዙሓት ሰባት ዝጽለልሉ ግዜ ክመጽእ እዩ፣ ሽዑ ገለ ጥዑይ ሰብ እንተረኣዩ ከምኦም ብዘይምጽላሉ ጽሉል ኢሎም ከጥቅዕዎ እዮም።
*ቅዱስ ኣንጦንዮስ*
* ሎሚ ብዓርከይ ዓርክኻ ከምዝሙት ገይሩ ኣብ ዓለም ዝነገሰ ሓጥያት እንታይ ኣሎ፧ ከም ቅትለት ህጻናት ገይሩ ዝነገሰ ኣረሜንነት ከ እንታይ ኣሎ፧ ሎሚ ከም ስብከተ ወንጌል፣ ዝሙት ኣብ ኣደባባይን ኣብ ኩሉ ማስ ሜድያን ኣስተምህሮ (Course) ክወሃቦ ክርኢ እንከለኹስ፣ እቲ ብሰብ ዝተሰርሐ ገንዘብ ነቲ ዝሰርሖ ሰብ ኣምልኸኒ ከይበለ ክምለኽ ዝገበረ ሓያል ጣኦት ሙኻኑ ተገንዚበ።
* ጾር መንእሰያት ዝሙት ሙኻኑ ዝተገንዘቡ/ባ ሰብ You Tube ነዚ ኣፍራይ ዝኾነ መንእሰይ ብናይ ብዕሉግ ስእልታት ተመሪሑ ኣጸያፊ ዝኾነ ወልፊ ግብረ ሕቡእ ንኸሕድር ለይትን መዓልትን ንዘይጠቅም ገንዘብ ክብሉ ይሰርሕሉ ኣለዉ። እቲ ዘሕዝን ክርስትያን ሙኻነንን ኣብ ክሳደን ድማ ማዕተብ ኣንጠልጢለን ነዚ ብሃይማኖትናን ባህልናን ነውሪ ዝኾነ ኣርእስቲ "የኣይ ኣብ ቃልዕ ዘይምዝራብ ድሕረት ተሓሲቡስ
በዚ ክፍኣት ነቂሐን ሰባት ንኽፍኣትን ንዝሙትን ከነቃቅሓ ንርእየን ኣሎና። እንታይ ክትገብር ርኢኻዮም ዶ በልኩምኒ፧ ዓይኒ እንታይ ዘይትርኢ፤ ኣነስ ደቀይ ነቲ Thumbnail ኣንቢበ ጥራይ ብዙሕ ስለዝገረመኒ እየ።
* ሎሚ ናይ ዝሙት ፊልምታት፣ ስእልታት፣ ዕላላት፣ ፍጻሜታት ኮታስ ኩሉ ምስ'ዚ ዝተኣሳሰር ስራሓት ደሊናዮምስ ይትረፍ ከይደለናዮም ኣብ ኢመይላትና ኣብ ዋትሳብና... ይመጹና እዮም። ልዕሊ ኩሉ ድማ ህጻናት ደቅናን ኣሕዋትናን ብፍላይ ኣብዚ ምዕራባዊ ዓለም ኣብ ቤት ትምህርታት ዝመሃርዎ ዘለዉ ኣዝዩ ዘሕዝን እዩ። ዳርጋ ዝበዝሑ ካብ ክሊ ዕድመ 13 ንላዕሊ በዚ ኣጸያፊ ስእልታት ተለኺፎም ንወለዲ ብምሽካዕ ብብዙሕ ናይ ግብረ ሕቡእ ወልፍታት ግዙኣት ኮይኖም ኣለዉ። እዚ ከይኣክል ድማ ንመንእሰያት ውን በቲ ዝርደኣና ቋንቋ በሕዋትና ብዛዕባ ዝሙት ኣስተምህሮ ይወሃበና ኣሎ። ዓገብ ኣብ እትብለሉ ግዜ ዝመጸካ ግብረ መልሲ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ቅዱስ ኣንጦንዮስ "ብዙሓት ሰባት ዝጽለልሉ ግዜ ክመጽእ እዩ፣ ሽዑ ገለ ጥዑይ ሰብ እንተረኣዩ ከምኦም ብዘይምጽላሉ ጽሉል ኢሎም ከጥቅዕዎ እዮም።ዝበልዎ እዩ።
* ብርግጽ ድማ ሎሚ ሓደ ዶክተር፣ ካህን፣ ሰባኺ ወንጌል፣ ኣውፋሪ
ናይ ቋንቋ መምህር ...ኣብ ፈይስ ቡክ ወጺኡ ብቀጥታ ፈነወ ትምህርቲ ኣብ ዝህበሉ ግዜ ዝከታተሎ ሰብ ምስቲ ቁም ነገር ዝበሃል ዘይብሉ ሃለውለው ክብል ዝውዕል ዝጻረፍ ክወዳደር እንከሎ ተገምጥሎ እዩ።
ዝበዝሐ ሰብ ዘርብሖን ዝጠቅሞን ገዲፉ ናብቲ ንግዜኡ ዘባኽን ናብ ድሕረት ዝመርሕ ክስዕብ ኢኻ እትርእዮ።
* Smartphone ኣብ ኢድ ነፍስ ወከፍ ሰብ ኣለዋ እንተኾነ ግና መን'ዩ
Smart Brain ዝውንን፧ ነዛ መልእኽቲ እተንብቡ ፍቱዋት መንእሰያት
ንንእስነትና ስድራና፣ ሃገርና፣ መንግስትና፣ ሕብረተሰብና፣ ዓለምና፣ ሰይጣን፣ ከምኡ ውን ኣምላኽና ይደልዩዋ እዮም። ንመኖም ንወፍያ፧
ብርግጽ ነቲ ብመዓልታት ንእስነትካ ንፈጣሪኻ ዘክር ዝበለና ኣምላኽ ክትከውን ክንውፍያ እዩ ዝግበኣና። ከምዚ ምስ እንገብር ኢና ድማ ነቲ ንእስነት ሃብቲ እዩ ተጠቀመሉ ዕዳ ውን እዩ ተጠንቀቀሉ ዝብል ምሳሌ ኣብ ተግባር እነውዕሎ። እዚ ክብል እንከለኹ ግና ኣብ ዓውደ ምርምርን ትምህርትን ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ንንእስነትና ኣይንጠቀመሉ ማለተይ ኣይኮንኩን። ካብ ናይ ሓጥያት ጎደና ግና ንርሓቅ።
ዘማራይ ቅዱስ ዳዊት ኣብ መዝሙር 119፣9
"ጐበዝ ንመገዱ ብምንታይ የንጽሃ፧ ብምባል ይሓትት እሞ ክምልስ እንከሎ ድማ ከም ቃልካ ንነፍሱ ብምጥንቃቕ እዩ። ይብል ስለዚ እምበኣር ብኽቡር ደም ጎይታና ኢየሱስ ንዝተቀደሰ ሰብነትና ብዝሙት ምስ እነርክሶ እንታይ ዓይነት ፍርዲ ካብ ኣምላኽ ይጽበየና ንምግማቱ ዘጸግም ኣይኮነን " ሓደ እኳ ነቲ ዝተቀደሰሉ ደም ኪዳን እንተኣርከሰ ኣምላኽ ከማስኖ እዩ፣...ኣብ ኢድ ህያው ኣምላኽ ምውዳቅ ዘሰክሕ እዩ። ብምባል ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ስለዝምህረና።
* ሓደ ግዜ ኣብዚ ገጻት ፌይስ ቡክ ከምዚ ዝብል ብኢንግሊሽ ዝተጻሕፈት ጽሕፍቲ ኣንቢበ ነይረ....
* ስጋዊ ርክብ ካብ ፍቅሪ ንላዕሊ ኣብ ዝኸበረሉ፣ ሞባይል ምጥፋእ ካብ ድንግልና ምጥፋእ ንላዕሊ ዘቀንዝወሉ፣ ዘመናውነት ማለት ዕርቃንካ ምውጻእ ኣብ ዝኾነሉ፣ ተዘይሰተኻ እንተዘይኣትከኽካን ፋራ ቅዲ ኣልቦ ትበሃለሉ፣ ኣወዳት ሰብኣይ ሙኻን ጸሊኦም ኣወዳት ኮይኖም ዝተርፉሉ፣ ኣዋልድ ውን ሰብኣይ ኮይነን ኣብ ልዕሊኦም ኣብ ዝሰልጠናሉ፣ ንወለድኻ እንተዘይኣዐሺኻ በሊሕ ኣይኮንካን እትበሃለሉ፣ ባዝ ሩም ቤት ስእሊ ኮይኑ ኣብ ዝተረኽበሉ፣ ፒዛ ደሊቨርይ ካብ ኣምቡላንስ ንላዕሊ ኣብ ዘቀልጠፈሉ፣ ሰባት ካብ ንኣምላኽ ንሰራቅን ኣሸባርን ኣብ ዝፈርሕሉ፣ ንኣምላኽ ምምላኽ ኣሸጋሪ ኣብ ዝኾነሉ፣ ቤት ጸሎት ናብ መሓንበሲ ቦታን ባርን ኣብ ዝተቀየረሉ፣ ሓሶት ሓቂ ኣብ ዝኾነሉ
* ደቀንስትዮ ካብ ኤች ኣይ ቪ ንላዕሊ ንጥንሲ ኣብ ዝፈርሓሉ፣ እታ ኣደ መታን ከተምልጥ ቆልዑ ኣብ ዝቕተልሉ፣ ገንዘብ ካብ ኣምላኽን ስድራን ኣብ ዝኸበረሉ፣ ቆልዑት ነቲ ዘፍቅርዎ ግዝያዊ ነገር ክረኽቡ ክብሉ ንወለዶም ኣብ ዝገድፍሉ፣ ቃል ኪዳን ከም ቅዱስ ምስጢር ብጥንቃቀ ኣብ ዘይተሓዘሉ፣ ክሕደት ኣብ ዝበዝሓሉ እምነት ኣብዝጠፍኣሉ
ባእሲ ኣብ ዝበዝሓሉ ይቅሬታ ኣብ ዝጠፍኣሉ፣ እምነትካ ምኽሓድ ኣብ ዝሰልጠነሉ ሰይጣን ኣብ ዝነገሰሉ ግዜ ንኣምላኽ ብምፍራሕ ትመላለስ ነብሲ ክንደይ ተዓዲላ! ብሓቂ ንኣምላኽ ዘፍቅር ልቢ ይሃበና
* ምንባብ ስለዝኣበናዮ እምበር እቲ ቅዱስ ጽሑፍ ውን ከምዚ ብምባልስ ኣጠንቂቁና ዶ ከይነበረ 2ይ ጢሞቴዎስ 3፥1-4
ኣብተን ዳሕሮት መዓልትታት ግና ክፉእ ዘመን ከም ዚመጽእ፡ እዚ ፍለጥ።ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡ ፍቕሪ ንስድራ ቤቶም እኳ ዜብሎም፡ ተቐየምቲ፡ ሓመይቲ፡ ቀለልቲ፡ ጨካናት፡ ሰናይ ዘይፈትዉ፡ኣሕሊፎም ዚህቡ፡ ህዉኻት፡ ተፈኽነንቲ፡ ካብ ንኣምላኽ ምፍቃርሲ ኣዕዚዞም ተድላ ዚፈትዉ፡
* ድሕርዚ ቅዱስ ቃል እንታይ ምባል ይከኣል፧ ወለሓደ። እሞ ፍቱዋተይ ንሕና ውን ከም ኣንበብትን፣ ሰማዕት፤ ተዓዘብትን ነየን ክንክተል ከምዘለና ነየን ዓገብ ክንብል ከምዘለና ክንፈልጥ ይግበኣና እዩ። እንተዘይትደፍኣንስ መን መጽደፈኒ ከምዝበሃል ሕማቅ ንዝገብር ሰብ ግዜና ወፊና ኣጆኻ ካብ ምባል ንላዕሊ ሰብኣውነትካ ዘንእስ እንታይ ኣሎ፧ ስለዚ ንሃይማኖትናን ክብርታት ባህልናን ዘነውር ኩሉ ዓገብ ክንብል ይግበኣና እዩ።
* ደጊም ካብ ዝሙት ንህደም
* ጽዩፋት ስእላትን ተንቀሳቀስቲ ቪድዮታትን ናይ ሰይጣን ስእልታት
እዮም።
* ከም ፍቃድ ኣምላኽ ብቅድስና ንንበር
* ብቅዱስ ተክሊል መጻምድና ንምረጽ
* ንእስነትና እግዚአብሔር ዝኸብረላ ክትከውን ንጸሊ
ኣምላኽ ንዝተጋገዩ ብምሕረቱ ይምለሰልና፣ ንዓና ውን ሕማቅ ካብ ምዝራብን ካብ ምርኣይን ካብ ምስማዕን ምትግባርን ይሓልወና።
ኣሜን።
*ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ።
እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ።ማቴዎስ 24፥12-13
ዕላማና ክርስቶስ ኢዩ።