10/04/2026
እምነትካ ዘሕይል እምነትን ስጉምቲ ናይቲ ሽፍታ🤔
ዓርቢ ስቅለት ሓደ ካብ ድሕነትና ዝተፈጸመሉ፡ ተገዲስኩም ከተንብብዋ ይላቦ።
ሕቶ ነቲ ቅኑዕ ውሳኔ ዝወሰነ ሽፍታ፧
ቅዱስ ያሬድ =- ኦ ናይ የማን ሽፍታ! ነዚ ክትፈልጥስ መን መሃረካ፧ መንከ ነገረካ፧ መኑ መሃረከ ወመኑ ነገረከ፧
ቅዱስ ቄርሎስ =- ነፍስኻ ዘብርሃልካ ከመይ ዝበለ ሓይሊ እዩ፧ ምሳኻ ተዋሪዱ እተሰቅለ ከተምልኾ መን መሃረካ፧
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ =- ኣንታ ሽፍታ እስከ ንገረኒ! መንግስቲ እግዚኣብሔር ብኸመይ ትዝ በለካ፧ ኣብ ቅድሚ ዓይንኻ ትርእዮም ዘለኻ ሽንካራት መስቀሉን፡ ክሲ ምውራድን ዶ ኣይኮኑን፧
239
ባዕሎም ሓቲቶም ባዕሎም ክምልሱ ከለዉ ሊቃውንቲ!
ቅዱስ ያሬድ =- ንነብያት ኣይሓተትኩን ንሓዋርያት'ውን ኣይሰዓብኩን፡ ጸሓይ ኣጸልሚታ ምልክት ገበረትለይ፡ ነዚ ኣብ ዝረኣኽዎ ግዜ ከኣ ኣመንኩ፡ ሓይሊ መስቀሉ ከኣ መድሓኒት ኮነኒ።
ቅዱስ ዮሓንስ ኣፍወርቅ =- እወ ነዚ ኹሉ ርእየዮ እየ ሽንካራት መስቀሉን ክሲ ምውራድን፡ ግን መስቀሉ ምሳሌ መንግስቲ እግዚኣብሔር እዩ፡ ስለዚ ኸኣ ምእንቲ ኣባጊዑ ዝሞተን ዝተሰቅለን ንጉስ ክጽውዕ'የ።
ኣባ ጊዮርጊስ =- ናይዚ ሽፍታ ምኽንያት ምስባር ልቡ፡ ብዘደንቅ መንገዲ ይርእዮ። ሓዋርያት ብመገዲ ኽሓልፉ ኸለዉ፡ ጽላሎቶም ኣብ ልዕሊ ሕሙማት ክዓልብ ከሎ ይፍውሶም ከምዝነበረ፡ እዚ ሽፍታ'ውን ካብ ሓጢኣት እተፈወሰ፡ ኣብ የማን ጎይታ ኣብ እተሰቅለሉ ግዜ፡ ጽላሎት መስቀል ክርስቶስ ዓሊብዎ ከይኮነ ኣይተርፍን ይብል።
እዚ ሽፍታ ብክርስቶስ ዝኣመነ፡ ዓሳን እንጀራን ኣበርኪቱ ከብልዕ ርእይዎ ዘይኮነስ፡ ብጽምኢ ማይ ክሳቀ ብምርኣይ እዩ።
እዚ ሽፍታ'ዚ ንክርስቶስ ዝረኣዮ፡ ኣብ ደብረ ታቦር ገጹ ከም ጸሓይ ከብርህ ከሎ ዘይኮነስ፡ ኣብ መልዕልተ መስቀል ገጹ ብደም ተዓሊሱ ከሎ እዩ።
239
ሎቱ ስብሐት ብቁስሉ ኢና ዝሓወና