ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኡን ጀርመን

  • Startseite
  • Deutschland
  • Cologne
  • ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኡን ጀርመን

ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኡን ጀርመን ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኣን ጀርመን
Eritreische Orthodoxe Tewahdo Kirche Debre Bisrat Kdus Gebriel Köln

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።ገዳም ደብረ ሲና (ደብረ ሲሓት)ደብረ ሲና ዝተባህለ ገዳም ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ፡ ከባቢ መንሳዕ ዝር...
28/06/2021

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ፡ አሜን።
ገዳም ደብረ ሲና (ደብረ ሲሓት)

ደብረ ሲና ዝተባህለ ገዳም ኣብ ሰሜን ኤርትራ ዞባ ዓንሰባ፡ ንኡስ ዞባ ዒላበርዕድ፡ ከባቢ መንሳዕ ዝርከብ ጥንታውን ታሪኻውን ገዳም እዩ። ኣቀዲሙ ገ’ዳም ሲሓት’ ይብሃል ነበረ። ብኣባ ዮሐኒ ብ 478 ዓ.ም ድማ ተገዲሙ። እዚ ገዳም’ዚ ብስም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ዝጽዋዕ ክኸውን ከሎ፡ ኣብ ዓመት ክልተ ጊዜ ይብዓል። 21 ግንቦትን 21 ሰነ እዩ። ብሕልፊ በዓለ ማርያም ሰነ ብዓቢ ድምቀት እዩ ዝብዓል።

ሀ. ገዳም ደብረ ሲና ዝተመሥረተትሉ ጊዜ
ኣባ ዮሓኒ ብ474 ዓ.ም ብዘመን ንጉሥ ገብርመስቀል ወይ ካሌብ፡ ምስ ብዙኅ ታቦታትን ምስ ብዙኃት መነኮሳትን ካብ ምድረ ግብጺ ናብ ሃገርና ምስ መጽኡ ብ478 ዓ.ም ነቲ ብስም ማርያም ዘምጽኦ ጽላት ጳጳስ ኣባ ናሆም ባሪኾም ናብዚ ሕጂ ዘላ ቤተ ክርስቲያን ኣእተውዎ። እንተኾነ ገዳም ደብረ ሲና ካብ ጥንቲ ካብ ዘመን ብሉይ ኪዳን ጀሚሩ ሥነ ኣምልኾ ዝፍጸመሉ ከምዝነበረ ዛንታ ይሕብር። በዚ መሠረት ተታኃኂዙ ዝመጸ ሃይማኖታዊ ልምድን ሥርዓትን ስለዝጸንሐ ብ332 ዓ.ም. ኣባ ሰላማ ብማርሳ ተኽላይ ኣቢሎም ናብ ሃገርና ብፍላይ ናብ ገዳም ደብረ ሲና ኣትዮም፡ ንኣርብዓ መዓልታት ትምህርተ ክርስትና ብምሃብ ንዘይኣመኑ እናኣእመኑን እናኣጥመቁን እናኣቍረቡን ጸንሑ። ከምኡውን ኤዛናን ሴዛናን ዝተበሃሉ ክልተ ኣኅዋት ነገሥታት ኣክሱም፡ ካብ ኣክሱም ናብዚ ዝተጠቅሰ ገዳም ተጓዒዞም ኣብዚ ገዳምዚ ከም ዝተጠምቁን ዝቘረቡን፡ ኣብርሃን ኣጽብሃን ተባሂሎም ድማ ከም ዝተሰምዩን ገድሊ ኣብርሃ ወኣጽብሃ ይነግር።
ሓደ ሓደ ኣዋልድ መጽሓፍቲ ከም ዝትርኽዎ ብዘመን ሄሮዶስ ቅድስቲ ድንግል ምስ ወዳ ብስደት ናብ ምድሪ ግብጺ ኣብ ዝወረደትሉ ጊዜ፡ ብመልኣኽ ተሓቢራ ምስ ይሴፍን ሰሎሜን ኮይና ክሳዕ ገዳም ደብረ ሲና በጺሓ ኣስታት 4 ኣዋርኅ ከም ዝተቐመጠት፤ ንንጉሥ ባዜንውን እዚ ነገር እዚ ብሕልሚ ስለ ዝተገለጸሉ። ሠራዊቱ ኣኸቲሉ መጺኡ ኣብዚ ቦታዚ ከም ዝተባረኸን፤ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ድማ እዚ ቦታዚ ዝተባረኸን ዓቢይን ስለ ዝኾነ ኣብ ዝመጽእ ጊዜ ብስመይ ታቦት ተቐሪጽዎ ክኣትዎ እዩ ኢላ ንንጉሥ ከም ዝነገርቶ ታሪኽ ይሕብር። ብሓልዮት ማኅበር ገዳም ደብረ ሲና ‘ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና’ እትብል ብመርጌታ ተወልደመድኅን መንግሥቱ ዝተሰናድአት ብ1994 ዓ.ም.(2002 ፈረንጂ) ሰፊሕ ትኅዝቶ ዘለዋ ከምዝተኃትመ ይፍለጥ።

ለ. ደብር ሲና ተባሂላ ዝተሰመየትሉ ምኽንያት
እዚ ስም ብሮማውያን ዝኾኑ ተስዓቱ ቅዱሳን እዩ ተዋሂቡ። ተስዕቱ ቅዱሳን ሮማውያን፤ 1. ኣባ ኣረጋዊ፡ 2. ኣባ ጰንጠሌዎን፡ 3. ኣባ ገሪማ ፡ 4. ኣባ ጉባ፡ 5. ኣባ ጽሕማ፡ 6. ኣባ ይምኣታ፡ 7. ኣባ ሊቃኖስ፡ 8. ኣባ ኣሌፍ ፡ 9. ኣባ ኣፍጼ ይባሃሉ። ብ454 ዓ.ም ብዘመን ኣልኣሜድ ወዲ ሰልዓዶባ ካብ ሃገሮም ናብ ሃገርና መጺኦም ኣብ መንጽር ደብረ ሲና ብወገን ሰሜን ፍሉይ ስሙ ኣግዓሮ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቦታ ኮይኖም ክጽልዩ ከለዉ፡ ከምቲ ሙሴ ኣብ ደብረ ሲና ዝረኣዮ ኣብዚ ናይ ሕጂ ደብረ ሲና ዝተተኽለ ዓምደ ብርሃን ርኣዩ። ብድኅሪ እዚ ናብቲ ዝረኣይዎ ዓምደ ብርሃን እንተኸዱ ይስወሮም። ከምዚ እናበሉ 3 ጊዜ ተደናጊሮም ኣብ 3ይ ጊዜ መወዳእታ እቲ ዓንዲ ብርሃን ኣብዛ ሕጂ ዘላ በዓቲ ቤተ ክርስቲያን ተተኺሉ ጸንሖም፡ ማለት መንፈሳዊ ምሥጢር ብዘይ ፈተነ ስለ ዘይግለጽ። ድኅሪ ብዙኅ ድኻም ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተገልጻትሎም፡ በዚ ምኽንያት ድማ ሙሴ ምስ ኣምላኽ ኣብ ደብረ ሲና ቃል ንቓል ንዝተዛራረበሉ ብምምሳል ገዳም ሲሓት ትብሃል ዝነበረት ደብረ ሲና ኢሎም ሰመይዋ።

ሐ. ኣብ ዓመት 2ተ ጊዜ፡ 21 ግንቦትን 21 ሰነን ኪበዓል ዝተገብረሉ ምኽንያት
ኣባ ዮሓኒ ኣብዛ ሕጂ ዘላ ቤተክርስቲያን በዓቲ ኣብ ውሽጢ ቤተ መቅደስ ብ21 ግንቦት ቆይሙ ክጽሊ ከሎ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ጻድቃንን ሰማዕታትን መላእኽትን ኣኸቲላ ካብ ፀሓይ እትብርህ ኮይና ብራእይ ስለ እተገለጸትሉ፡ ብኣምሳል ደብረ ምጥማቅ 21 ግንቦት በዓለ ማርያም ክበዓል ተገይሩ። ብ21 ሰኔ ድማ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ምስ ቅድስቲ ድንግል ማርያም ካብ ሰማይ ወሪዱ ምስ 12 ሓዋርያትን ቅዱስ እስጢፋኖስን ቅዳሴን ሥርዓት ቍርባን ኪሠርዕ ስለዝረኣየ፡ 20ን 21ን ሰኔ ሕንፀተ ቤታን ቅዳሴ ቤታን ከም ዝብዓል ተገይሩ።

መ. ብዛዕባ ሕንፀት ገዳም ደብረ ሲና
ቤተ ክርስቲያን ገዳም ደብረ ሲና መቅደሱን ቅድስቱን ብኢድ ሰብ ዘይተሓንፀ መሠረት ዘይብሉ ከም ደብተራ ሙሴ ብፍቓድ ኣምላኽ ዝተገብረ ዓቢይ ደንጎላ እምኒ ካብ ጥንቲ ጀሚሩ ንኣገልግሎት ዝጥቀሙሉ ዘለዉ እዩ። ንኣግርልግሎት ቅኔ ማኅሌት ጥራይ ብወገን ምዕራብ ምስቲ በዓቲ ለጊቡ ብ1951 ዓ.ም ዝተሓንፀ ዘመናዊ ሕንፃ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ሠ. ናይ ደብረ ሲና ምንኩስና መንፈሳዊ ትውልዲ
ካብ ኣባ ዮሓኒ ተተኃኂዙ ዝመጽአ ኮይኑ ኣብ ዳኅራይ ትውልዲ ግን ናይቲ ገዳም መነኮሳት ስለዝተሳእኑ ካብ ደብረ ቢዘን ኃሙሽተ መነኮሳት ከይዶም መምህር ኣስራት ብኢዱ ዝተባህሉ ነቲ ገዳም ብዙኅ ኣበራቢሮሞ። ብድኅሪኦም መምህር ፍሥሓ ቦዅራይ ዝተባህሉ ተተኪኦም እዞም ሕጂ ብህልውና ዝርከቡ ካብኣቶም ብምንኩስና ዝተወልዱ እዮም። ናይቲ ገዳም ማኅበር ናብራ ድማ ኣባ ዮሓኒ ብዝሠርዖ መሠረት ብሥርዓተ ጳኵሚስ ብሓድነትን ብመቚነንን ኮይኑ እዚ ናተይ እዚ ናትካ ዝብሃል የለን። ካብ ዅሉ ኵርናዓት ዓለም ብመልክዕ ምናኔ ንዝመጽእ ይቕበልዎ፡ ምሉእ መሰል ዘለዎ ወዲ ማኅበር ድማ ይኸውን። ካብቶም ብቅድስንኦም ዝተፈልጡ፡ ብጸሎቶም ዝረድኡ፡ ብፍቅረ እግዚኣብሔር ዝተመልኡ ብፁዕ ኣቡነ ሰላማ፤ ካብ መዓረ ዲቁና ክሳዕ ኣበምኔት ገዳም፡ ከምቲ ብፅዕ ኣቡነ ማርቆስ ዝተነበይዎ
‘ብመንፈሳውነቶምን ኣገልግሎቶምን ንተቀብኦ ጵጵስና’ ክሳዕ ሊቀ ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ፡ ሊ.ጳ.ሃ.ስ. ደቡብ መንደፈራ፡ ናይ ገዳማት ሊቀ ጳጳስ .... ወቦዘተርፈን ኪኾኑ ዝበቕዑ ፍረ እዛ ቅድስቲ ገዳም ደብረ ሲና እዮም።

ብኃላፍነት ደብረ ሲና ዝተተኽሉ ኣብያተ ክርስቲያናት
ሀ. ኣብ ባሕሪ ምራራ ኣብ ርስቲ መንሳዕ ታቦተ ሚካኤል ምስ ገዛውቱን ርስቱን ኣታኽልቱን።

ለ. ኣብ ከባቢ ኣግዓሮ ንኡስ ወረዳ መንሳዕ ዝርከብ ፍሉይ ስሙ ገለብ፡ ታቦተ ማርያም ቊስቋም ብ1948 ዓ.ም ፈራሪሱ ዝነበረ ከም በሓድሽ ዝተሓንፀ
ሐ. ኣብ ሳሕል ከተማ ናቕፋ ዝርከብ ታቦተ ኪዳነ ምሕረት
መ. ኣብ ከተማ ኣፍዓበት ዝርከብ ታቦተ ኣቡነ ተኽለሃይማኖት
ሠ. ኣብ ዒላበርዕድ ዝርከቡ ታቦተ መድኃኔ ዓለምን ታቦተ ኣቡነ ኣረጋዊን፡

ኣብ ላዕሊ ብዝርዝር ዝተገልጻ ኣብያተ ክርስቲያናት ብሓልዮት ገዳም ደብረ ሲና ተሓኒፀን መንፈሳዊ ኣግልግሎት ከበርክታ ጸኒሐን ሕጂ ግና ብሰበካ ጉባኤ ተሠሪዐን ብናይ ዞባ ጳጳስ ይመኃደራ ኣለዋ። ስለዚ ብ21 ግንቦት ኣብ ደብረ ሲና ብዓብይ ክብሪ ይብዕል፡ ሊቃውንት ብማሕሌትን ቅዳሴን ውዳሴን ከመስግንዋ ከለው፤ ኣዴታትና ወለድን መንሰያትን ድማ ኣብ ‘ወለሳ’ ኮይኖም ካብ ድሮ ጀሚሮም ‘ማርያመየ በዓል ወለሳ፡ ኃዳጊት ኣበሳ!’ ብዝብል ውዳሴታት ንድንግል ምስ ወዳ እናወደሳ ይኃድራ። ነዚ ክብረ በዓል ብፍሉይ ውዳሴ ደኺምና ጸሚእና ማይ መጺኡና ከይበላ ከመስግንኣ ይኃድራ፡ ኣብ መወዳእታ ‘ኣነስ ከይደ ዓደይ ከይደ ዓደይ፡ ናይ ልበይ ነጊረያ ከይደ ዓደይ!’ እናበላ ይኸዳ፡ ናይ ልበን ድማ ወላዲተ ኣምላክ ድንግል ማርያም ትህበን። ያሮስላቭ ጉትጋርጽ ዝተበሃለ ሩስያዊ ደራሲ ‘መምሃሪ ዝርርብ፡ ትግርኛ-ሩስያኛ፤ ሩስያኛ-ትግርኛ ምስ መዝገበ ቃላት’ ‘ ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲና፡ ድርሰታት…... የንብብ’የ’ ብምባል ኣብ ቃለ መሕተት መመረቕታ መጽሓፍ ተዛሪቡ ነይሩ፡ ንሕና ድማ ከም ወረስትን ኣመንትን መጠን ኣንቢብና ንኻልኦት ከንካፍል ክርስቲያናዊ ተልእኾና እዩ እሞ፡ ሓደራ ሕዝበ ክርስቲያን ርስትና ንዓቅብ [ሓዳስ ኤርትራ፡ 17 ሰነ 2018 - ገጽ 8]።

ጸሎታን በረኸታን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን ኣሜን፡ ንዓመታ ብሰላም ብፍቕሪ የጽንሓና ኣብ ሃገርናን ሕዝብናን ነኽብሮ በዓል ይግበረልና ኣሜን።

ምንጪ
• መጽሓፈ ስንክሳር
• ተኣምረ ማርያም ግእዝን ትግርኛን፡ ገጽ 126-130
• ታሪኽ ገዳም ደብረ ሲናን
• ሊቃውንት ዘሃገረ ኤርትራ
- ብመምህር ክነፈርግብ ማርቆስ ወሊቀ መዘምራን መልኣከ ገነት የኔታ ተክለማርያም
• ዜና መዋዕል ብፅዕ ኣቡነ ሰላማ፡ ልሳን ተዋሕዶ 2019
ኣዳላዊ= መም. ዲያቆን ዳንኤል ኣብርሃም ዘደብረ ኤፍራታ
12- ግንቦት (9)- 2012 ዓ.ም

ስብሐት ለእግዚአብሔር ልዑል፡ ወለወላዲቱ ማርያም ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር ወኃያል፡ አሜን።

20/06/2021

ጾመ ሓዋርያት

ጾመ ሓዋርያት፡ ቅዱሳን ሓዋርያት ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ፡ ቅድሚ ንስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾሙዎ ጾም እዩ። እዚ ጾም እዚ ሓዋርያዊት ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ብኣዋጅ ንኽጽወሙ ካብ ዝሓገገቶም 7 ኣጽዋማት ሓደ እዩ።

ጾመ ሓዋርያት፡ ‘ጾመ ሰነ’ ተባሂሉ 'ውን ይጽዋዕ’ዩ። ኣብ ማቴ. 9፡14-15 “ደቀ መዛሙርቲ ዮሓንስ ናብ ጐይታ ኢየሱስ መጺኦም “ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙኅ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ደኣ ስለምንታይ እዮም ዘይጾሙ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎ፡ “መርዓዊ ምስኣቶም ከሎዶ ኣዕሩኽ መርዓዊ ክጾሙን ክኃዝኑን ይኽእሉ እዮም፧ ግናኸ መርዓዊ ካብኣቶም ዝውሰደላ መዓልቲ ኽትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ኽጾሙ እዮም፡’በሎም” ዝብል ተጻሒፉ ከምዘሎ፡ ጐይታ ምስ ዓረገ ደቀ መዛሙርቱ ቅዱሳን ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ተቐበሎም ኃይሊ ረኺቦም፡ ቅድሚ ናብ ስብከተ ወንጌል ምውፋሮም ዝጾምዎ ጾም እዩ።

በዚ መሠረት ቅድስት ቤተ ክርስቲያን፡ ኵሉ ሕዝበ ክርስቲያን ነቦታትና ሓዋርያት ኣብነት ገይሩ ካብ ጽባሕ ሰንበት በዓለ ጰራቅሊጦስ ክሳዕ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ ክጸውም ትእዝዝ። ኣብ ፍትሐ ነገሥት’ውን (አንቀጽ 15) ‘ወውእቱ ይተሉ እምበዓለ ኃምሳ ወፋሲካሁ አመ ኃምሱ ለሐምለ በዓለ ጴጥሮስ ወጳውሎስ’ ከምዝብል እዩ። እዚ ጾም እዚ ብ”ኢያዐርግ፡ ኢይወርድ” ስለ ዝመላለስ ውሱን ጊዜ የብሉን። ሓሓደ ጊዜ ካብ ኣርብዓ መዓልቲ ይዛይድ፡ ሓሓደ ጊዜ’ውን ካብ ሠላሳ መዓልቲ ይውኅድ።

ናይ ሎሚ ዓመት ዘመነ ማቴዎስ 2013 ዓ.ም. ካብ ሰኑይ 14 ሰኔ ክሳዕ 5 ሓምሌ (ብፈረንጂ ካብ 21 ሰነ ክሳዕ 12 ሓምለ) ይጽወም።
ጾምና ብሰላም ኣጀሚሩ ብሰላም የፈጽመና!

19/06/2021

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን!

" በእንተ እለ ኖሙ ’’

ካህን፦ኩሉ ንዝኅዝ እግዚኣብሔር ኣቦ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ከም ብሓዱሽ ምእንቲ ዝዓረፉ ኣቦታትና ንልምኖ ኣሎና። ነፍሶም ኣብ ዝለምለመን ኣብ ናይ ዘልዓለም ሕይወት ከዕርፍን፡በታ ትንሳኤ ዝመደበላ ዕለት ከኣ በቲ ዘይሕሶ ተስፋኡ ሥጋኦም ብኅብረት ከተንሥእ መንግስተ ሰማያት ድማ ክዕድሎምን ንልምን ኣሎና።
+++ ምእንቲ ነፍሲ ባሮትካ “ኩሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ”
+++ ምእንቲ ነፍሲ ባሮትካ “ኩሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ”
+++ ምእንቲ ነፍሲ ባሮትካ “ኩሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ”

ናይ ነፍሲ ዕረፍቲ ክህብ ሥልጣን ዘለዎ እግዚኣብሔር ኣምላኽና እዩ።
ዲያቆን፦ ምእንቲ ዝሞቱ ጸልዩ።
ሕዝቢ ፦
“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ
“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ
“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” ምሓራን ይቅረ በለላን።

ካህን፦ ኦ ኹሉ እትኅዝ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ምእንቲ ዝሞቱ ኣቦታትና ንልምነካን ንማልደካን ኣሎና። ናብ ዝለምለመ ቦታን ናብ ናይ ዘለዓለም ሕይወትን ንነፍሶም ዕረፍቲ ኽትህብ፡ በታ ንትንሳኤ ዝመደብካያ ዕለት ከኣ ሥጋኦም ብኅብረት ከተተንሥእ፡ በቲ ዘይሕሶ ተስፋኻ ድማ መንግስተ ሰማይ ከተውርሶም ንልምነካ ኣሎና።

“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ
“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ
“ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” ምሓራን ይቅረ በለላን።

መገዲ ነፍሶም ሓራ ጌርካ ብዘይ ምኽልካልን ብዘይ ክፍኣትን ሃቦም። ሥጋኦም ከኣ በቲ ዝድለ ግዜ ኣሕቢርካ ኣተንሥእ ናይ ሰማያት መንግስትኻ ድማ ኣውርሶም።

+++ "ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ

+++ "ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” መሓራ

+++ “ኦ ጎይታ ፡ንነብሲ ባሮትካ “ኩሎም ሰማዕታተ ኤርትራ” ምሓራን ይቅረ በለላን።

ኣብ ልቢ ዘይተሓስበ ነቶም ዘፍቁርኻ ብዘዳለኻዮ መጠን ዘይትሓለነን እዝኒ ዘይሰምዖ ዓይኒ ዘይርኣዮ፡ንስኻ ኦ እግዚኣብሔር ሠናይ ዓስቢ ክትህብ ከሎኻ፡

+++ ንስድርኦም መጻናንዕን ናዛዝን መንፈስ ፈኑ
+++ ንስድርኦም መጻናንዕን ናዛዝን መንፈስ ፈኑ
+++ ንስድርኦም መጻናንዕን ናዛዝን መንፈስ ፈኑ

ሓላዊ ኴንካ ዓድል ። ብኽርስቶስ ምስኡን ምስ መንፈስ ቅዱስን ምሥጋናን ጽንዓትን ብኡ ዘሎካ ሎምን ኩሉ ሳዕን ንዝለዓለም ዓለም ኣሜን።

ኦ እግዚኦ አዕርፍ ነፍሰ ኩሎሙ ሰማዕታተ ኤርትራ!!

ስብሓት ለእግዚኣብሔር ልዑል
ወለወላዲቱ ድንግል
ወለመስቀሉ ክቡር ኣሜን!

ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥርዓት ተፈጺሙ!ሎሚ ዕለት ፮ ሰነ 2013 ዓ.ም (13/06/2021...
13/06/2021

ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ወርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኤርትራ ብድሙቕ መንፈሳዊ ሥርዓት ተፈጺሙ!
ሎሚ ዕለት ፮ ሰነ 2013 ዓ.ም (13/06/2021) ሥርዓተ ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ ፭ይ ፓትርያርክ ኣብ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ብኣዝዩ ድሙቕን ምዕሩግን ሥነ ሥርዓት ብሰላም ተፈጺሙ።
ኣብዚ ዅሎም ጳጳሳትን ሊቃነ ጳጳሳትን፡ ገዳማውያን ኣቦታትን ኣዴታትን፡ ሊቃውንተ ቤተ ክርስቲያን፡ ሓለፍቲ ቤት ጽሕፈት መንበረ ፓትርያርክ፡ ሊቃነ ካህናትን ተወከልትን ሃገረ ስብከታት ውሽጥን ወጻእን፡ ሓለፍትን ተምሃሮን መንፈሳዊ ኮሌጃት፡ ሊቃነ መናብርት ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥመራ፡ ሓለፍቲ ሰበኻ ጉባኤን ኣገልገልቲ ርእሰ ኣድባራት ደብረ ጽዮን ቅድስት ማርያም ቤተ ክርስቲያን፡ መዘምራን ኣብያተ ትምህርቲ ኣብያተ ክርስቲያናት ኣሥመራ፡ ዓበይቲ ዓዲ፡ ምእመናንን ምእመናትን ከምኡ’ውን ብርክት ዝበሉ ሚኒስትራትን ላዕለዎት ሰበ ሥልጣን መንግሥትን፡ ኣብ ኣሥመራ ዝመደብሮም ኣምባሳደራት ዝተፈላለየ ሃገራት፡ ወከልቲ በበይኖም ዓለም ለኻዊ ውዱባትን ኣብ ዝተረኽቡሉ ሰዓት 11፡00 ቅ.ቀ ተፈጺሙ።
ብመሠረት ንምክልኻል ሕማም ኮቪድ-19 ኣብ ግምት ዘእተወ መርሓ ግብር፡ ፍርቂ ለይቲ ሊቃውንት ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተረኺቦም ዝግባእ ስብሓተ ማኅሌት ከብጽሑ ሓዲሮም። ሰዓት 4፡00 ቅ.ቀ ኣበምኔታት ገዳማት ኤርትራ፡ ተወከልቲ ሃገረ ስብከታትን፡ ሊቃነ መናብርት ኣብያተ ክርስቲያናትን ኣሥመራን ለባስያን ውሉደ ክህነትን ዓበይቲ ዓድን ኣብ ዘዝተመደበሎም መንበር ተረኺቦም። ብምቕጻል ተመራጺ 5ይ ፓትርያርክ ብብፁዓን ሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን፡ ገዳማትን፡ መስቀል ብዝሓዙ ለባስያንን፡ ጥዋፍ ኣብሪሆም ብዝሓዙ ተምሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅን መዘምራን ትምህርቲ ሰንበትን “ኦ አባ ቅዱስ ዕቀቦሙ” ብዝብል ጣዕመ ዜማ ተሰንዮም ኣብ ኆኅተ ር/ኣ/ደ/ጽ/ ቅድስት ማርያም ምስ በጽሑ፡ ካብ ዲያቆን እቲ ቤተ ክርስቲያን መርኆ (መፍትሕ) ተቐቢሎም ከፊቶም ብምእታው ምጅማር ሥርዓተ ሲመት ኣበሰሩ።

ብብፁዕነቶም ኪዳን በጺሐ፡ ብለባስያን ተአምረ ማርያም ምስ በጸሐ፡ ሰዓት 6፡30 ቅ.ቀ ብፁዕነቶም ብሊቃነ ጳጳሳት ተሰንዮም ሥርዓተ ቅዳሴ ክሳብ ግብረ ሓዋርያት በጺሑ። ላዕለዎት ሰብ ሥልጣን መንግሥትን ኣምባሰደራትን፡ ዲፕሎማትን ብሓፈሻ ናይ ክብሩ ዕዱማት ቦታኦም ምስ ሓዙ ሥነ ሥርዓት ሢመት ወጸሎተ ተቀብዖ ብሊቃነ ጳጳሳትን ጳጳሳትን ክሳብ 8፡30 ቅ.ቀ ብኣዝዩ መሳጢ ኦርቶዶክሳዊ ሥርዓትን ተባርዮን ተኻይዱ። ንቅዱስ ኣቦና ድማ ኣብ ልዕሊ መንበረ ፓትርያርክ በብደረጅኡ ኣደይብዎን ኣንበርዎምን። ሊቃውንትን ተሳተፍቲ ሥርዓተ ሢመትን ድማ ብኃበራ “ይደልዎ” እናበሉ ድማ ኣማዕርግዎ። ብድኅሪኡ ሓጺር ታሪኽ ሕይወት ቅዱስነቶም ተነቢቡ። ቃለ ምስክርነት ቅዱስ ሲኖዶስ ብሊቀ ጳጳስ ኣቡነ ዮሓንስ ድኅሪ ምንባቡ ድማ ናይ ክብሪ ዕዱማት መስቀል ቅዱስነቶም እናተሳለሙን፡ ኣኽብሮቶም እናገለጹን ተፋነዉዎም።
ብመሪሕነት ብፁዕ ወቅዱስ አቡነ ቄርሎስ 5ይ ፓትርያርክ ዘሃገረ ኤርትራ ድማ ጸሎተ ኪዳን ጀሚሩ ምሉእ ሥርዓተ ቅዳሴ ተኻይዱ። ጸሎተ ቡራኬ ብቅዱስነቶም ተዋሂቡ ድማ መደብ ሥነ ሥርዓት ሢመት ወጸሎተ ተቀብኦ ተፈጺሙ። ብለባስያን ተመሪሖም፡ የማነ ጸጋም ብተምሃሮ መንፈሳዊ ኮሌጅን መዘምራን ኣብያተ ትምህርቲ ሰንበትን ተሰንዮም፡ ብገዳማውያን፡ ውሉደ ክህነትን፡ ካልኦት ዕዱማትን ድማ ተዓጂቦም፡ ናብ ቀጽሪ ኣምርሑ። ካብ ር/ኣ/ደ/ጽ/ቅድስት ማርያም ጀሚሩ ብሞተር ሳይክል ፖሊስ ትራፊክ ተዓጂቦም ብማእከል ከተማ ሕዝቢ የማነ ጸጋም ቡራኬኦም እናተቐበለ ናብ ቤት ጽሕፈት ኣምርሑ።

ነዚ ፍሉይን ክቡርን መዓልቲ ዘብጽሐና ብፍስሐን ሓሴትን ዘፈጸመነ ልዑል እግዚአብሔር አምላኽና ክብርን ምስጋናን ይብጽሐዮ!

Via - Lisan Tewahdo Menbere Patriarik

10/06/2021

"ናብ ሰማይ ዓረገ " ማር. 16፡19

ዓመት መጸ ብዓቢይ መንፈሳዊ ኽብሪ ካብ እነኽብሮም ዓበይቲ በዓላት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ እቲ ሓደ በዓለ ዕርገት እዩ። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ሙታን ምስ ተንሥአ ድኅሪ ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ናይ ቀደም ክብሩ ዝተመልሰሉ ወይ ዝዓረገሉ ዕለት እዩ።

ዕርገት ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ መጻሕፍተ ሓዲሳት ብሰፊሑ ተገሊጹ ኣሎ። ብፍላይ ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ዝጸሓፎም መጻሕፍቲ ናይ ዕርገቱ ቦታ፡ ሰዓት፡ ኵነታት፡ መሰኻኽር... ብዝርዝር ተጻሒፉ ኣሎ።

ንደቀ መዛሙርቱ “አንትሙሰ ንበሩ ሃገረ ኢየሩሳሌም እስከ ትለብሱ ኃይለ እምአርያም”/ ንስኻትኩም ግና ካብ ላዕሊ ኃይሊ ክሳብ እትለብሱ ኣብ ከተማ ኢየሩሳሌም ጽንሑ” ብምባል ናብ ቢታንያ ወሲዱ፡ ኢዱ ኣንቢሩን ባሪኹን ክሳብ ፓትርያርክነት ዘሎ ሥልጣነ ክህነት ሃቦም። ብድኅር’ዚ እናረኣይዎ ንሰማይ ዓረገ። ክዓርግ ከሎ መግለጺ ክብሩ ዝኾነ ደመና ተቐበሎ፣ ብርቀት ዘይኮነስ ብርሕቀት ካብ ኣዕይንቶም ተሠወረ።

ንሳቶም ድማ ኣንቃዕሪሮም ክርእዩ ከለዉ፡ ካብቶም ብሓጐስ ብዕልልታን ብዝማሬን እናኣመስገኑ ዕርገቱ ንምኽባር ዝተረኽቡ ኣእላፍ መላእኽቲ ፃዕዳ ክዳን ዝተኸድኑ ክልተ መላእኽቲ “ኣቱም ሰብ ገሊላ ስለምንታይ ናብ ሰማይ እናጠመትኩም ደው ኢልኩም ኣለኹም፧ እዚ ካባኻትኩም ናብ ሰማይ ዝዓረገ ጐይታ ኢየሱስ ከምቲ ናብ ሰማይ ክዓርግ ከሎ ዝረኣኽምዎ ከምኡ ጌሩ ከኣ ክመጽእ እዩ’’ በልዎም። ንሳቶም ከኣ ሰገዱሉ፡ ብብዙኅ ሓጐስ’ውን ናብ ኢየሩሳሌም ተመልሱ። ንኣምላኽ ኵሉ ሳዕ ኣብ ቤት መቕደስ ኮይኖም የመስግኑ ነበሩ። (ግብ.ሓዋ. 1፡8-11 ሉቃ. 24፡50-53) እዞም ቅዱሳን ቤተ ሰብ እግዚአብሔር ከኣ ካብዛ ዕለት’ዚኣ ጀሚሮም ንጐይታ ብዓይነ ሥጋ ዘይኮነስ ብዓይነ ሕሊና እናረኣዩ፡ ብግብሩ ዘርኣዮምን ብቓሉ ዝኣዘዞምን እናሓሰቡን እናኣስተንተኑን ኣሰሩ ስዒቦም ሠናይ ተጋዲሎም ጕዕዞኦም ፈጸሙ።

ዋላ ደኣ ነገረ ዕርገቱ ኣብ መጻሕፍተ ሓዲሳት ብዝርዝር እንተተገልጸ ኣቐዲሙ ብቅዱሳን ነቢያት ተነጊሩ ነይሩ። ሃብተ ትንቢት ተዋሂብዎ ንዝረኃቐ ኣቕሪቡ ንዝረቐቐ ኣጕሊሑ ዝተዛረበ ቅዱስ ዳዊት “ዐርገ እግዚአብሔር በይባቤ/ እግዚአብሔር ብዕልልታ ብደሃይ መለኸት ዓረገ” ኢሉ ብመንፈስ ቅዱስ ተመሪሑ ተነበየ።(መዝ. 47፡5)

እዚ ቃል ትንቢት ምሥጢረ ተዋሕዶ ዝገልጽ እዩ። እዚ ድማ እግዚአብሔር ወልድ ካብ ሰማየ ሰማያት ወሪዱ ካብ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ ብሓፂር ቁመት፡ ብጸቢብ ደረት ተወሲኑ ግብረ ምድኃን ኣብ መስቀል ምስ ፈጸመ ብሞቱ ንሞት ሥዒሩ ካብ ዝትንሥእ ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ፡ እቲ ውሱንን ትሑትን ዝነበረ ሥጋ ብተዋሕዶ ንዝረኸቦ ክብሪ ልዕልና ንምግላጽ እዩ። ‘ዓርገ እግዚአብሔር’ ብምባል’ውን ናይ ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህርይ ኣምላኽነት መስኪሩ ኣሎ። ኣቦና ሄኖክ ኮነ ነቢይ ኤልያስ ዝዓረጉ ብሥልጣኖም ዘይኮነስ ብኃይሊ እግዚአብሔር እዮም። ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እግዚአብሔር እዩ እሞ ብኣምላኻዊ ሥልጣኑን ኃይሉን ንሞት ሥዒሩ ከም ዝተንሥአ፡ ሕጅ’ውን ዝዓረገ ብኃይሉን ብሥልጣኑን እዩ። (ዘፍ. 5፡24 ፣ 2ይ ነገ. 2፡11)

ከምኡ ውን “ዓረገ ውስተ አርያም ፄዊወከ ፄዋ/ ናብ ላዕሊ ደየብካ፡ ምርኮ ማረኽካ ኣብ እግዚአብሔር ኣምላክ ክነብሩስ ካብ ሰብ፡ ካብቶም ተጻረርቲ እኳ ውህበት ተቐበልካ።” ብምባል እግዚአብሔር ወልድ ናብዚ ዓለም ዝመጻሉ ዕላማ ብሓፂሩ ኣረዲኡና ኣሎ።(መዝ. 68፡18)

ቅዱሳን ደቀ መዛሙርት፡ ጐይታ ካብ ሙታን ተፈልዩ ምስ ተንሥአ “ሰላም ንኣኻትኩም ይኹን” ብምባል የዘራርቦምን ዝበልዕዎ ኣብ ዝሰኣንሉ ጊዜ ዓሣ ብምብራክ ኣበርኪቱ የብልዖምን ስለዝነበረ ኣዝዮም ይሕጐሱ ነበሩ፡ መጠን ዝተሓጐስዎ ግና ክዓርግ ከሎ ዝኽትምና ስለ ዝተሰምዖም ኃዘኑ። ማእምረ ኅቡአት ጐይታ’ውን ባዕሉ ከምዚ በሎም፥ “ሕጂ ግና ናብቲ ዝለኣኸኒ እኸይድ ኣሎኹ፡ ካባኻትኩም ከኣ ሓደ እኳ ‘ናበይ ኢኻ እትኸይድ፧’ ኢሉ ዝሓተኒ የልቦን። እዚ ስለ ዝነገርኩኹም ግና ልብኹም ኃዘን መልአ።” (ዮሐ. 16፡5)

እቲ ሓቂ ግና ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝፈጸሞ መንገዲ ድኅነት ክንርእይ ከሎና ብልደቱን ትንሣኤኡን ዝተጀመረ ሓጐስ ብዕርገቱ ፍጹም ከም ዝኾነ ነስተውዕል። ምእንቲ ኃጢኣት ሰባት ንብዙኃት በጃ ኾይኑ ዝተወልደ መድኃኒና ኢየሱስ ክርስቶስ እንተዘይትንሥእን፡ ኣብ መበል ኣርብዓ መዓልቲ ናብ ዘለዓለማዊ ክብሩ እንተ ዘይዓርግን ነይሩ ድኅነትና ፍጹም ኮይኑ ኣይምተረጋገጸን ነይሩ።

“መንፈስ ቅዱስ ክልእከልኹም እየ፣ ካብ ላዕሊ ካብ ሰማይ ኃይሊ ክሳብ ትለብሱ ኣብ ኢየሩሳሌም ተቐመጡ” ክብል ንደቀ መዛሙርቱ ዝሃቦም ተስፋ፡ ንሱ እንተ ዘይዓርግ ኣይምተፈጸመን ነይሩ እሞ ኵሉ ምእንቲ ክፍጸም ናብ ሰማይ ዓረገ።

ዕርገት ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብጠቕላላ ኣብዚ ምድሪ ሠላሳን ሠለስተ ዓመትን ኣርባዕተ ወርኅን ዓሰርተው መዓልትን ጸኒሑ ካብ ደቂ ሰባት ብሥጋ ዝተፈለየሉ ናይ መወዳእታ ጊዜ እዩ። ብድኅሪ እዚ ዳግማይ ናብ ዓለም ዝመጽእ ንፍርዲ እዩ።

ስለዚ ኣብ ሃይማኖትና ጸኒዕና ሠናይ ግብሪ ኂዝና ክንጸንሖ እሞ ብየማኑ ክንቐውም ቅዱስ ፍቓዱ ይኹነልና!

ስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

https://www.lisantewahdo.org/…/2019-09-30-12…/item/684-16-19

09/05/2021

ዮም ፍሥሐ ኮነ በእንተ ልደታ ለማርያም/ ሎሚ ብልደት ቅድስት ድንግል ማርያም ዓቢይ ሓጐስ ኮነ!

ልደት ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ሃንደበታዊ ኣይኮነን። ካብ ፅንሰታ ክሳዕ ልደታ ኵሉ መስተንክር እዩ። ትንቢት ዝተነግረሉ፡ ሱባዔ ዝተቘጽረሉ፡ ምሳሌ ዝተመሰለሉ እዩ።

ንቕድስት ድንግል ማርያም ኣቦሓጎታታ ቴክታን በጥሪቃን ዝበሃሉ እዚ ጎድሎም እዚ ተሪፍዎም ዘይበሃሉ ሰብ ጸጋ ሃብታማት ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ በጥሪቃ ኣብ ቤተ መዛግብት ኣትዩ ብዝኂ ገንዘቡ ርእዩ “ቴክታ ኣነ መኻን ንስኺ መኻን እዚ ኵሉ ሃብቲ ንመን ኪኸውን እዩ፧’’ በላ። ንሳ ድማ “እግዚአብሔር ካባይ እንተዘይሃበካ ካብ ካልእ ይህበካ ይኸውን እምበር፧ ተመርዒኻ ደኣ ዘይትወልድ’’ በለቶ። ንሱ ግና “ነዚ ክፍጽም’ሲ ሕያው እግዚአብሔር ኣምላከ እስራኤል ይፈልጥ’’ በላ። በዚ ጊዜ’ዚ ክልቲኦም መሪር ኃዘን ተሰምዖም።

እንተኾነ ግና ብኡ ንብኡ ዘጸናንዕ ራእይ ረኣዩ፥ ፃዕዳ ብተይ ካብ ደንብኦም ክትወፅእ እታ ብተይ ብተይ እናወለደት ክሳዕ ሽዱሽተ ክትበጽሕ፣ እታ ሻድሸይቲ ወርኂ፡ እታ ወርኂ ድማ ፀሐይ ክትወልድ ተራእዮም። ኣብ ዓዶም መፈክረ ሕልም ነበረ እሞ ናብኡ ከይዶም ነገርዎ። ንሱ ድማ “ውላድ ክትወልዱ ኢኹም፡ ናይ ወርኂ ነገር ግን ካብ ፍጡራን ልዕል ዝበለ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም ፤ ናይ ፀሐይ ነገር ግን ኣይተገለጸለይን፡ ከም ነቢይ ከም ንጉሥ ዝበለ ይኸውን” በሎም።

እቲ ራእይ ካብ እግዚአብሔር ኮይኑ በዚ ጊዜ’ዚ ፀነሰት። ምስ ወለደት ድማ ስማ ሄኤመን በለታ። ሄኤመን ማለት ረከብኩ ተምኔትየ ረከብኩ ሥዕለትየ (ጸሎተይ ረኺበ) ማለት እዩ። ሄኤመን ንዴርዴ፡ ዴርዴ ንቶና፡ ቶና ንሲካር፡ ሲካር ንሔርሜላ፡ ሔርሜላ ድማ ንሓና ወለደት። ሓና ዓቕመ ሔዋን ምስ በጽሐት ካብ ቤተ ይሁዳ ንዝተወልደ ኢያቄም ዝስሙ ቅኑዕ ሰብኣይ ኣመርዓዉዋ። ኢያቄምን ሓናንን ብሕጊ መውስቦ ምስ ተመርዓዉ ነባሪ ዘይኮነ ጊዜያዊ ምምካን ኣጋጢምዎም እኳ እንተነበረ ብተስፋ ናብ ቤተ እግዚአብሔር እናኸዱ ይጽልዩ ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ክልቲኦም መሥዋዕቲ ከነቕርብ ኢሎም ናብ ቤተ መቕደስ ምስ ቀረቡ፡ ሮቤል ዝተባህለ ሊቀ ካህናት “ወኢይትዌከፍ መሥዋዕቶሙ ለመካናት/ መሥዋዕቲ መኻናት ኣይቕበልን’’ እንድዩ ዝብል፣ ንስኻትኩም ደኣ’ሞ “ብዝኁ ወተባዝኁ ወምልእዋ ለምድር/ ብዝኁን ተባዝኁን ንምድሪ ድማ ምልእዋ” ኢሉ ነቦና ኣዳም ዝሃቦ ቃል ዝኸልኣኩም እንዲኹም! እንተዝፈትወኩም እሞ ውላድ ምሃበኩም ነይሩ ስለዚ መሥዋዕትኹም ኣይቅበለኩምን እየ” ኢሉ መለሶም። ብኃዘን ተዋሒጦም ኣብ ትሕቲ ጽላል ኦም ኣዕሪፎም ከለዉ፡ ሓና ረጋቢት ምስ ደቀን ክጻወታ ዕፀዋት ዓምቢቡ ፈርዩ ርኣየት እሞ “ጐይታ ንረጋቢት ብባህርያተን ከም ዝባዝኃ ዕፀዋት ብባህርያቶም ከም ዝዕንብቡ ከም ዝፈርዩ ከም ዝገበርካ፣ ንኣይ ደኣ ውላድ ዝከላእካኒ ተፈጥሮይ ካብ እምኒ’ዶ ኾይኑ እዩ” ኢላ ኃዘነት። በዚ ኣምሪሮም እናኃዘኑ ናብ ገዛኦም ምስ ኣተዉ “ወዲ ይኹን ጓል እንተወለድና ንቤተ እግዚአብሔር ይኹን።’’ ኢሎም ተመባጽዑ።

ዕለት 30 ሓምሌ፡ ሓና ንኢያቄም “ፀምር ክዕጥቑኻ፡ መቆምያኻ ዓብያ ፈርያ ኵሉ ፍጥረት ክምገባ ርእየ” በለቶ። ኢያቄም ድማ ንሓና፥ “ፃዕዳ ርግቢት ሾብዓተ ሰማያት ሰንጢቓ መጺኣ ኣብ ርእስኺ ክትዓልብ፤ ብየማናይ እዝንኺ ኣትያ ኣብ ማኅፀንኪ ኽትዓርፍ ርእየ” በላ። ጊዜ ይፍትሓዮ ኢሎም ብተስፋ እናተጸበዩ 7 ነሐሴ መልአከ እግዚአብሔር ‘ዓቢይ ውላድ ክትወልዱ ኢኹም’ በሎም። በፈቃደ ኣምላክ በብሥራተ መልአክ ድማ ድንግል ማርያም ተፀንሰት።

ምስ ተፀንሰት ብዙኅ ተኣምራት ገበረት። በርሴባ እትበሃል “ሐና እግዚአብሔር ረዲኡኪ እዩ’’ ኢላ ሰብነታ ዳኅሢሣ ዓይና ምስ ሓሰየቶ በርሃላ። ነዚ ኣብነት ገይሮም ኵሎም ሕሙማን ሰብነት ሐና እናዳኅሠሡ ተፈወሱ። ከምኡ’ውን ሓና ትፈትዎ ዝነበረት ሳምናስ ዝተባህለ ዘመዳ ሞይቱ ኣብ ሬሳኡ እናዞረት ክትበኪ ከላ፡ ጽላላ ዓሪፍዎ ካብ ሞት ተንሥአ።

ነዚ ዝተገብረ መንክራትን ተኣምራትን ርእዮም ክንዲ ዝኣምኑ፡ ኣይሁድ ንኽፍኣት ስለ ዘይዓርፉ ‘ቀደም ካብዚኦም ወገን ዝኾኑ ዳዊትን ሰሎሞንን ኣኣርብዓ ዓመት ኣብ ልዕሌና ተሸይሞም ገዚኦምና እዮም፣ ስለዚ ሕጂ ካብዚኦም ዚውለድከ እንታይ ኮን ክገብረና እዩ፧’ ብምባል ብጽልኢ ተላዒሎም ንኢያቄምን ሓናን ሕማቕ ሓሰብሎም። ፍጡነ ረድኤት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ተላኢኹ መጺኡ ናብ ደብረ ሊባኖስ ዝበሃል ጫካ ኪዱ በሎም እሞ ናብኡ ከዱ። ኣብዚ ቦታ’ዚ ድማ ቅድስት ድንግል ማርያም ብሓደ ግንቦት ተወልደት። “እም ሊባኖስ ትወፅእ መርዓት/ ካብ ሊባኖስ መርዓት ትወፅእ” (መኃ. 4፡8) ዝብል ትንቢት ተፈጸመ። ዓቢይ ሓጐስ ድማ ኮነልና።

ካብዞም ቅዱሳን ወለዲ እንመሃሮ፡ ውላድ ዝህብ እግዚአብሔር እዩ ብዝብል እምነት ጸኒዖም፡ ውላድ ስኢንና ብምባል ናብ ምፍታሕን ምፍልላይን ወይ’ውን ኣብ ካልእ ሰይጣናዊ መንገዲ ኣብ ሥራይን ጥንቆላን ዘይምኻዶም እዩ። ከም ውፅኢት ዓቕሎምን ትዕግሥቶምን ድማ ንጊዜኡ ንእኦም፡ ደኃር ድማ ንዅሉ ሕዝበ ክርስቲያን ጸጋን ሃብትን ዝኾነት ውላድ ተዋህቡ።

ቀደም፡ ሓደ ሓደ ሰባት ‘እግዚአብሔር ወልድ ነቲ ካብ ሰማይ ዝመጽአ ሥጋ እዩ ለቢሱ’ ንኽብሉ ቅድስት ድንግል ማርያም ‘ኃይል ኣርያማዊት እያ’ ማለት ካብ ኣርያም ዝመጸት ኃይሊ እያ እምበር ሰብ ኣይኮነትን ዝብሉ ነይሮም እዮም። ነዚ ኸምዚ ዝበለ ትምህርቲ ግና ቅዱሳን ኣቦታትና በረኸቶም ምስ ኵልና ይኹን! ኣብ መጽሓፍ ሃይማኖተ ኣበው መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጥቅስታት መሠረት ብምግባር መልሲ ሂቦምሉ እዮም። “እቲ መልኣኽ እንሆ ዘመድኪ ኤልሳቤጥ ምባሉ (ሉቃ. 1፡35)፣ ወንጌል ማቴዎስ ናይ ክርስቶስ ሓረግ ትውልዲ ቈጺሩ ምጅማሩ፣ . . . ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ወላዲተ ኣምላኽ ዋላ እኳ ልዕሊ ፍጡራን፡ ኃፍቲ መላእኽቲ እንተ ተባህለት፡ ሰብ ጓል ሰብ እያ እምበር ካብ ኣርያም ዝመጸት ኃይሊ ኣይኮነትን። ከም ኵሎም እስራኤላውያን ነገድ ዘለዋ እያ። ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብኣቦኣ ካብ ነገደ ይሁዳ ማለት ናይ መንግሥትነት ነገድ ኽትከውን ከላ፡ ብኣደኣ ድማ ካብ ነገደ ሌዊ ማለት ናይ ክህነት ነገድ ዘለዎም እያ። ምሥጢሩ ድማ እቲ ካብኣ ዝውለድ ጐይታ ካብ ቤተ መንግሥትን ቤተ ክህነትን ኮይኑ ዘለዓለማዊ ካህንን ዘለዓለማዊ ንጉሥን ስለ ዝኾነ እዩ። በዚ ኢና ድማ “ኢየሱስ ክርስቶስ እምቤተ መንግሥት ወተክህኖ’ ብምባል ኵሉ ጊዜ እነመስግኖ።

በዓላተ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ብቐዳሞት ቅዱሳን ኣቦታት ዝተሠርዑ ኣብ ዓመት ሠላሳን ሠለስተን እዮም። (መቅድመ ተኣምረ ማርያም) ሓደ ካብዚኦም በዓለ ልደታ ብምዃኑ ብዓቢይ ኽብሪ ከነብዕሎ ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ። ምኽንያቱ በዓለ ልደታ ካብቶም ካልኦት በዓላታ ፍሉይነት ኣለዎ። ሓደ ባሕታዊ ካብ ፍቕሩ ዝተላዕለ ካብዘን ሠላሳን ሠለስተን በዓላትክስ ነየናይ ዝያዳ ከኽብሩልኪ ባህ ይብለኪ በላ እሞ ንሳ ድማ “ዕሥራን ሓደን ጥሪ ዕረፍተይ፡ ዓሠርተ ሽድሽተ የካቲት ኪዳነ ምሕረት ዝተቐበልክሉ፡ ሓደ ግንቦት ዝተወለድኩሉ፡ ዓሠርተ ሹድሽተ ነሓሴ ድማ ፍልሰተይ” በለቶ። ደጊሙ ድማ ‘ካብ ኣርባዕቲኤንከ’ በላ፧ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከምዚ በለቶ፥ ‘ካብ ጸቢብ ናብ ርኂብ ካብ ጸልማት ናብ ብርሃን ዝወፃእኩሉ ከምኡ’ውን ኣነ ከይተወለድኩ ንወለደይ መባእኩም ኣይንቕበለኩምን ኢሎሞም ኃዚኖም ኔሮም እዮም። ኃዘኖም ኃዘነይ እዩ። ስለዚ በዓል ልደተይ ከኽብሩለይ እፈቱ። (ትርጓሜ ቅዳሴ ማርያም)

በዚ መሠረት ካብ ካልእ በዓላት ፍልይ ብዝበለ ውዳሴን ቅዳሴን ሥርዓትን ኣገባብን ከምኡ’ውን ኣደታት ኣብ ነፍስ ወከፈ ቤት ድዩ ኣብ ገዛውቲ ብኃባር ተኣኪበን ጥጥቖን ካልእን እናገበራ ብምህላ ዘብዕልኦ በዓል እዩ።

ቅድስት ድንግል ማርያም፡ ርኅርኅትን ሕያወይትን ኣማላዲት ኣደ እያ’ሞ ኣሠራ ብቕድስና ክንስዕብ ብጸሎታን ቃል ኪዳናንን ኽንምኅፀን ይግብኣና። ንዓኣ ዘየኽብርን ብእኣ ዘይምኅፀንንን፡ ነቲ ኣማናዊ ኣምላኽ ወዳ ከኽብርን ክእዘዝን ኣይኽእልን እዩ። “ንጽዮን ዝጸልኡ ዅላቶም ይኃፍሩ፡ ተሳዒሮም ንድኅሪት ይምለሱ።” (መዝ. 129፡5) ከምዝብል መወዳእታኡ ጥፍኣት እዩ። ስለዚ ከነኽብራን ክንምኅፀናን ከነመስግናን ክርስቲያናዊ ግዴታና እዩ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር!!!
source:- Lisan Tewahdo

ወተንስኣ እግዚኣብሄር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፡ ወከመ ሓያል ወሕዳገ ወይን፡ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፣ (ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ካብ ድቃስ ዚትንስእ ሰብ ተንስአ፡ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ...
01/05/2021

ወተንስኣ እግዚኣብሄር ከመ ዘንቃሕ እምንዋም፡ ወከመ ሓያል ወሕዳገ ወይን፡ ወቀተለ ጸሮ በድኅሬሁ፣
(ሽዑ እግዚኣብሄር ከምቲ ካብ ድቃስ ዚትንስእ ሰብ ተንስአ፡ከምቲ ነቢት ሰትዩ ዚጭድር ጅግና ኮይኑ ተንስአ) መዝ ዳዊት፦ ምዕ 77፡55

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ ኣሜን!

ክርስቶስ ተንሥአ እሙታን
በዐቢይ ኀይል ወስልጣን
አሰሮ ለሰይጣም
አግዐዞ ለአዳም
ሰላም
እምይእዜሰ
ይኩን
ፍሥሓ ወሰላም

ኣዳምን ሔዋንን ቓል ሰይጣን ሰሚዖም ብርሃን ዝኾነ ትእዛዝ ፈጣሪኦም ብምፍራሶም መርገመ ሥጋን መርገመ ነፍስን፡ ሞተ ሥጋን ሞተ ነፍስን ተፈሪድዎም፣ እግዚአብሔር ካብ ዝኣክል ጐይታ፡ ገነት ካብ ዝመስል ቦታ ተሰጒጎም ወፅኡ። ነቲ ዝተዋህቦም ናይ ጸጋ ብርሃኖም’ውን ኣጸልመትዎ።
ነዚ ክገልጽ እንከሎ “ሰብሲ ክዳን ብርሃን ዝለበሰ ክነሱ ሰብነቱ ኣዕረቐ፡ ናይ ቆርበት ክዳን ኸኣ ተኸድነ” ድኅሪምባል “ኦ ኣዳም ፍርዲ ዘምጻእካልናስ እንታይ ጌርናካ ኢና፧ ኦ ሔዋን እንታይ ገበርናኪ፧ ብኣርኣያ ሰማያውያን ክንዲ እንነብርሲ እንሆ ብብዝኂ ኃጢኣት ሥጋና ጸለመ” ከምዝበለ ቅዱስ ኣትናቴዎስ። (ቅዳሴ ኣትናቴዎስ ቍ.26-29) ካብ ኣዳምን ሔዋንን ጀሚሩ ንኃሙሽተ ሽሕን ኃሙሽተ ሚእትን ዓመት ከኣ ኵሉ ሰብ ንጸልማት ኃጢኣት ክስዕር ዘይክእል ማኅደር ጸልማት ኮይኑ ኣብ ጸልማት ሕይወትን መግዛእቲ ሞትን ነበረ። (ሮሜ 5፡14) እንተኾነ ግና ኣዳምን ደቁን ኣብ ጸልማት ሕይወት ወዲቖም ንኸይተርፉ መፍቀሬ ሰብ እግዚአብሔር፡ ፍጹም ሰብ ኮይኑ ከም ዘድኅኖም ኣተስፈዎም።

እግዚኣብሔር ኣምላኽና ኻብቲ ዓሚቚ ለውሃቱ ዚተላዕለ ከም እሙን ቃሉ ሰዓትን ደቂቅን ከየሕለፈ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ኣብ ቤተ ልሔም ብምውላድ ናብዛ ዓለም ሰብ ኮይኑ ብምምጻእ፡ ንብዙሕ ዓመታት፡ ንሥጋና ኣብ መቓብር፡ ንነፍስና ኣብ ሲኦል፡ እናተቘራነየ ኪገዝኣና ኻብ ዚጸንሐ ጸላኢና ዲያብሎስ ኣላቒቑ፡ ንምልኣተ ኃጢኣት፡ ብኽቡር ደሙ ሓጸበልና፡ ኣርዑት ሓጢኣት ክርስቶስ ብዕለት ዓርቢ ኣብ መስቀል ውዒሉ ብኣካል ነፍሲ ድማ ናብ ሲኦል ወሪዱ፡ ነቶም ኣብኡ ዚነበሩ ነፍሳት ኣድኃነ፡ ንሲኦል ውን በርበራ። ሥጋ ጐይታና ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ኸሎ፣ ሽዑ መቓብራት ተኸፍቱ፡ ፈጣሪኦም ምስ ረኣዩ ድማ፡ ሓለውቲ ኣፍ ደገ ሲኦል ሃዲሞም ፋሕ በሉ። ነቲ ብማዕጾ ሓጺን ዚተመሰለ ፍዳ፡ ሰበሮ። ነቲ ብመፍትሕ ሓጺን ዚተመሰለ ጽንዓት ፍዳ ቐጥቀጦ። መዝ፦ 106፡14 በቲ ሽዑ ዝፈሰሰ ደሙን ብሞቱን ብትንሣኤኡን ሰንሰለት ሓጢኣት ሓንሳእን ንሓዋሩን ሰቢሩ ምእንቲ ንሕና ደቂ ሰባት ብነጻነት ክንነብር ንኩሉ ስቃይናን ሓዘናን መግዛእቲ ሓጢኣት ብምርሓቅ ኩሉ ስቃይና፡ሕማምና፡ኣበሳናን ንሞት ብሞቱ ብምስዓር ምስ ገዛእ ርእሱ ብምትዕራቅ ምሉእ ነጻነትን ሓጎስን ኩርዓትን ኣጓናጺፍና፣ “ምእንቲ ብሓርነት ክንነብር ክርስቶስ ሓራ ኣውፂኡና እዩ” ገላ፦ 5-1፡ ኣርዑት ባርነት ዚተባህለ፡ ኃጢኣት እዩ፡ ሎሚ እቲ ሰብ ብግሉ ዚፍጽሞ ኃጢኣት ደኣ እምበር፡ ሰብ ብምዃኑ ጥራይ ኃጢኣተኛ ምዃን ተረፈ።

ሎሚ እውን ክርስቶስ ኣምላኽና ነዚ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ነጻ ከውጻኣና ብፍቅርን ምትሕልላይን፡ብልመናን፡ጸሎትን፡ ነብሰና ኣንጺሕና ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ብምሉእ ልብና ክንመለስ ቤተ ክርስቲያና ሕጂ እውን ከም ኩሉ ግዜ ሓደራ እንዳበለት ንህዝባ ኣብ ምጽዋዕ ኢያ እትርከብ እሞ እግዚኣብሄር ስቡር ልብን ቅጥቁጥ ሕሊናን ሂቡ መንገዲ የማኑ ክመርሓና ቅዱስ ፍቃዱ ይግበረልና። ሽሕ እኳ ብሰንኪ እዚ ሕማም ኣኣብ ቤትና ንሃሉ፡ካብ እግዚኣብሄር ኣምላኽናን ካብ እምነትናን ርሒቅና ማለት ግና ስለዘይኮነ፡ ከይተሸብርናን ከይፈራህናን ኩሉ እምነትና ስእለትናን ናብ ልዑል ኣምላኽና ጌርና ብሰቂለ ሕልና ብንጽሐ ልቦና፡(ኣዕይንተይ ናብ ኣኽራን ጠመትኩ፡ ረድኤተይ ካበይ ኮን እዩ ዝመጸኒ፧ ረድኤተይሲ ካብቲ ሰማይን ምድርን ዝገበረ እግዚአብሔር እዩ” መዝ፦ 121፡1) እንዳ በልናን ብመንገዲ ጽድቂ እንዳ ተመላለስናን ክነብር ቤተ ክርስቲያን ሓደራ ትብለና።

ኣብ መወዳእታ ቤተ ክርስቲያን ፈዋሴ ድዉያን ልዑል እግዚኣብሔር ኣምላኽና በዚ ሕማም ንዝተለኽፉ ፈውሰ ምሕረቱ ክልእከሎምን፡ ኩሉ መዓቱ ናብ ምሕረት፡ መቅሠፍቱ ናብ ለውሃት፣ ቁጠዓኡ ናብ ትዕግሥት ፈውሰ ምሕረት ይልኣኸልና እንዳበት ንኩሉ ህዝበ ክርስቲያን እንቋዕ ናብ ብርሃነ ቅንሳኤሁ ብሰላም ኣብጽሓና ትብል።

እግዚኣብሄር ንሃገርናን ንምሉእ ዓለም ይባርኽ!

ይትባረክ እግዚኣብሄር ኣምላከ ኣበዊነ

29/04/2021

ጸሎተ ኃሙስ ዘሕማማት።

ብዕለተ ኃሙስ ቅድሚ ሥጋ ምልባሱ “ለታውፅእ ባሕር ዘቦ መንፈሰ ሕይወት”። ዘፍ፦1፣20 ኣብ ዚበለሉ ጊዜ ንመግቢ ዝኾኑ እንስሳታትን ኣዕዋፍን ተፈጥሩ። ድኅሪ ሥጋዌ’ሥውን ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ በዛ ዕለት እዚኣ ዘለዓለማዊ መግቢ ዝኸውን ኣማናዊ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን ንደቀ መዛምርቱ ዝሃበላ ዕለት እያ።

እዛ ዕለት እዚኣ መድኃኒና ንደቂ መዛምርቱ እግሮም ዝሓፀበላ ዕለት እያ። እዛ ዕለት እዚኣ ብምኽንያት ሕፅበተ እግሪ ንሐዋርያት ከም ጥምቀት ዝተቘጽረትሎም ዕለት እያ። ነዚ ዘረድኣና ድማ ሊቀ ሐዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ “እግርኻ ኽሓፅበካ” ምስ በሎ ትሕትና ዝገበረ መሲልዎ “ኣይትሓፅበንን ኣይከውንን እዩ” በሎ። ጐይታና ድማ “እግርኻ እንተዘይሓፂበካ ምሳይ ዕድል የብልካን” በሎ እሞ እምበኣርከስ “እግረይ ጥራይ ዘይኮነስ፣ ርእሰይን እግረይን እምበር” በለ። ዮሐ፦13፣4-10። “ተጠምቁ አርድእት በምሴተ ኃሙስ ለጸቢሐ ዓርብ እምቅድመ ይንሥኡ ሥጋሁ ቅዱሰ ወደሞ ክቡረ ወወደየ ማየ ውስተ ምንዛኅ ወአጥመቆሙ ለኵሎሙ አርዳኢሁ” (ተስእሎተ ባስልዮስ)። ከምኡ’ውን ንደቂ መዛምርቱ “ሓደ ኻባኻትኩም ኣኅሊፉ ኺህበኒ እዩ” ዝበለላን እቲ ዚፈትዎ ወደመዝሙሩ ዮሐንስ’ውን ናብ ጐይታ “መን እዩ ኣኅሊፉ ዚህበካ፧” ኢሉ ብምሕታቱ ምልክት ዝረኸበላ፣ ኣብ ጌተሴማኒ እዛ ጽዋዕ ካባይ ኣኅልፋ ኢሉ ደጋጊሙ ንምጽላይ ኣብ እዋን ፈተና ጸሎት ከም ዚግባእ ዝመሃረና፣ ኣብ መወዳእታ ንይሁዳ “ንወዲ ሰብ ብምስዓም ኣኅሊፍካ ትህቦ” ኢሉ ዝተዛረበላ፣ ጴጥሮስ ንዝቘረጻ እዝኒ ማልኮስ ኣገልጋሊ ሊቀ ካህናት ዝፈወሰላ፣ ንገዛእ ርእሱ ብፍቓዱ ኣኅሊፉ ዝሃበላ ዕለት እያ።

ኣቦታትና ሓዋርያት ካብዛ ዕለት እዚኣ ኽሳዕ ትንሣኤ እኽሊ ኣይንጥዕምን ኢና ብምባል እኽሊ ኸይጠዓሙ ከምዝቐነዩ (ግብረ ሕማማት ይነግር)። ነዚ ብምዝካር ሎሚ’ውን ደቂ ቤተክርስትያን ካብ ኃሙስ ክሳዕ ትንሣኤ ዝጾሙ ኣለዉ።

ጸሎተ ኃሙስ በጽርሐ ኒቆዲሞስ

ውስተ ቤተ አልኣዛር ዐርኩ / ውስተ ቤተ ስምዖን ዘለምጽ ይብሎ

እዚ ኣርእስቲ እዚ መንፈሳውን ሥጋውን ፍልጠት ንዝከታተሉ፣ ምሥጢር መጻሕፍቲ ንዝመራመሩ፣ ተመራሚሮም’ውን እወታዊ ቓሉ ኣብ ሰሌዳ ንዚኅዙ ዅላቶም ታሪኻዊ ትምህርቲ ዚህብ እዩ።

እምበኣርከስ ናብታ ቐዳመይቲ “ቃል ጽርሐ ኒቆዲሞስ” እትብል ንመለስ። እዚ ኒቆዲሞስ ዝተባህለ ሰብኣይ ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝብል ጸሎተ ኃሙስ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ፋሲካ ገይሩ ሥርዓተ ቊርባን፣ ምሥጢር ሥጋኡን ደሙን ዝገለጸሉ መለኮታዊ ኃይል ዝዓረፎ ዓቢይ ቤት ጽርሐ ኒቆዲሞስ እዩ።

ኣብዚ ሓደ መልሲ ዘድልዮ ሕቶ ኺለዓል ይኽእል እዩ። ነቲ ሕቶ መለዓዓሊ ዚኸውን ከኣ ኣብ ማቴ፦26፣6 “ወበጺሖ እግዚእ ኢየሱስ ቢታንያ ቦአ ቤተ ስምዖን ዘለምጽ” ዚብል እዩ። ኣብ ማር፦14፣12-17, ሉቃ፦22፣7-14, ዮሐ፦13፣1-20። እዚ ኸኣ ቤት አልአዛር ከምዚኾነ የመልክት ምኽንያቱ “ወረፈቀ እግዚእ ኢየሱስ ውስተ ቤተ አልአዛር ዐርኩ”። ከምዚብል (ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ) “ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤት ፈታዊኡ ኣልኣዛር መኣዲ ሠሪዑ ተቐሚጡ ኸሎ ንደቂ መዛሙርቱ ስለ እቲ ኣብ ሓድሽ ኪዳን ዚሥዋዕ ሥጋኡን ዚፈስስ ደሙን ብኅብስትን ብወይንን ምሳሌ ገይሩ ገለጸሎም” ይብል፣ (ቅዳሴ ኤጲፋንዮስ ገጽ 149 ቀዳማይ ዓምድ)።

ኣብ መጽሐፈ ቅዳሴ “ጽርሐ ኒቆዲሞስ” ዝበሎ ካብ መጽሐፈ ግብረ ሕማማት ዝተወስደ እዩ፣ ብዙኃን ጸሓፍቲ መንፈሳውያን መጻሕፍቲ ግና እቲ ሥርዓት ቊርባን ዝተዳለወሉ ቤት እንዳ ኣልኣዛር ምንባሩ ይናገሩ፣ እምበኣርከስ ጐይታ ንሥርዓተ ኃሙስ ካብዘን ዝተሰምያ ሠለስተ ቦታታት ኣበየናይ ቤት ከም ዝፈጸሞ ኣይተፈልጠን፣ እንተኾነ ግና ኺፍለጥ ይግብኦ ነይሩ እናበሉ ብልቡናኦም። እናተመራመሩ ኸውርዱ ኸደይቡ ኂዞምዎ ዝነበሩ ሰባት ከምዘለዉë ይግመት።

እምበኣርከስ እቲ ቤት ሓደ ኾይኑ ግና ኽፍልታት ዘለዎ እዩ። ማለት እቲ ቤት ናይ ሓደ ሰብ ከምዝኾነ ኣየጠራጥረናን እዩ።

ስለዚ ነቲ ታሪኹ ኸመይ ከምዝኾነ ምግላጽ ኣድላዪ እዩ፣ ካብ ነገደ ንፍታሌም ዝኾነ ዓሌቱ ሄድኖክዮስ ዝተባህለ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ኣብ ቢታንያ ይነብር ነበረ፣ ንሱ ኸኣ ሠለስተ (3) ኣወዳት። ክልተ (2) ኣዋልድ ወለደ፣ ስሞም ከኣ፣-

ኣልአዛር (ዓርኩ) ማርያም (እኅተ ኣልኣዛር)
ስምዖን (ዘለምጽ) ማርታ(ዘኣስተዳለወት ሲሳየ)
ኒቆዲሞስ (መምህር)
ዝተባህሉ ኾይኖም ነዚ ዝተባህለ ኣቦ ሄድኖክዮስ ኣብ ቢታንያ ሓደ ዓቢይ መካበብያ ዘለዎ ብዕየቱን ብስፍሓቱን ዝተፈልጠ ቤት ነበሮ፣ ኸምኡ’ውን ዝተፈላለየ ደርብን ክፍልታትን ዘለዎ ዓቢይ ሕንፃ። ዝለዓለ መቐመጢ ዘለዎ ቤት ነበሮ።

ካልእ’ውን ብጀካ እዚ በዓል ፋሲካን በዓለ ሰዊትን ኣብ ዘኽብረሉ ጊዜ ናይ ቤትን ስፍራን ሽግር ከየጋጥሞ ኢሉ ኣብ ከባቢ ከተማ ኢየሩሳሌም ናይ ከተማ ቦታ ተዋሂብዎ ማእከላይ ቤት ሠሪሑ ነበረ፣ ስለዚ እቶም ካብ ከተማ ወፃኢ ዝመጽኡ ኣይሁድ በዓል ንምብዓል ናብ ከተማ ኢየሩሳሌም ኣብ ዚድይቡሉ እዋን ኣብዚ ዝተባህለ ቤት ድንኳን ተኺሎም። ዳስ ሠሪሖም በዓሎም የኽብሩ ነበሩ።

ከምኡ’ውን ናይቲ በዓል ፍጻሜ ምስ ኮነ ብዛዕባ ንዝመጽእ ዓመት ኣበየናይ ቤት ኮይኖም ከም ዘብዕሉ ይዘራረቡ ነበሩ፣ ካብዚ ብምብጋስ ኣብ ከባቢ ኢየሩሳሌም። ብሕጊ ቦታ (መሬት። ጤሳ) ተዋሂብካ ናይ ምሥራሕ ዝበለጸ ምዃኑ ስለዝፈለጡ ነቲ በዓል መዕረፊ ዝኾኖም ቤት በብማይ ቤቶም ሠርሑ።

ስለዚ ሄድኖክዮስ ከኣ ኣብ ከባቢ ጎልጎታ ቦታ ተማሲሑ ቤተ ጸሎት ሠሪሑ። ንነዊኅ ጊዜ ድኅሪ ምጽናሑ ጊዜ ሞቱ ምስ ኣኸለ ነቲ ኣብ ቢታንያ ዘሎ ቤቱ ንኣልኣዛርን ስምዖንን ኒቆዲሞስን። ነቲ ኣብ ኢየሩሳሌም ዘሎ ቤቱ ከኣ ንማርያምን ንማርታን ኣካፊልዎም ካብዚ ዓለም እዚ ብሞት ተፈልየ።

እዞም ዚተባህሉ ደቂ ሄድኖክዮስ ፍቁራን ብምንባሮም ብዘይ ጽልእን ቅርሕንትን ልክዕ በታ ኣቦኦም ዘውረሶምን ዘመኃደሮምን ሓደ ኣካል ኮይኖም ዝመጽአ ጋሻ እናተቐበሉ ኻብ እግዚኣብሔር በረኸት እናተዓደሉ ዝነብሩ እሙናት ኣኅዋት ኮኑ፣ ድኅሪ እዚ ዅሉ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ መድኃኔ ዓለም ኣጋ ምሸት ኃሙስ ደቀ መዛሙርቱ ኣስዒቡ ኣብዚ ዝተባህለ ቤት ኣትዩ ኣብ ዘዳለወሉ መኣዲ ተረኺቡ በረኸት ቃሉ ኣኅደረሎም፣ ናይ ዘለዓለም ሕይወት ዓደሎም፣ ድራር ምስ በልዐ ንበረኸት ኢሎም ዘምጽኡሉ እንጌራ ኣልዒሉ። ነቲ ጽዋዕ’ውን ባሪኹ ቀዲሱ “ጽባሕ ዓርቢ ንበጃ ዅሉ ዓለም ኣብ ልዕሊ መስቀል ዚሥዋዕ ሥጋይ እዩ፣ ከምኡ’ውን ነቲ ጽዋዕ ኣልዒሉ ስለሥርየት ኃጢኣት ዚፈስስ ደመይ እዩ። እንኩ ስተዩ” ኢሉ ንዓሠርተው ክልተ ሓዋርያት ሃቦም፣ ተሠዊሩ ዝነበረ ምሥጢር ሞቱ ገለጸሎም።

ነዞም ሠለስተ ኣኅዋት ዝተዋህበ ጸጋ እግዚኣብሔር ንኻልእ ኣይተዋህበን፣ በብኣስማቶም ዚቕበልዎ ሰማያዊ ኽብሪ ዝተፈላለየ ከም ምዃኑ መጠን። ቤተ ኣልኣዛር። ቤተ ስምዖን። ቤተ ኒቆዲሞስ ኢሉ እኳ ኣብ ሠለስተ ኸፊሉ ይናገር እምበር ብዛዕባ ሓደስ ሓደ እዩ፣ ማለት ኅውነቶምን ሓድነቶምን ኣጽኒዖም ብፍቕሪ። ብሃይማኖት ተሠሪቶም ዝነበሩ ኣቦኦም ሄድኖክዮስ ዝሃቦም ሓንቲ ዓባይ ቤት እያ፣ ኣብ ቀዳማይ ገጽ ዝተጠቕሰ ታሪኽ። ብስፍሓት። ብዕምቈት። ብጥልቀት ክሳዕ እዚ በጺሑ ዘሎ ቤተ ኒቆዲሞስ ዚብል ንመረዳእታ ዚኣክል እዩ፣ ስለዚ ሠለስቲኦም ኣኅዋት ኣብ ሓንቲ ቤት እዮም ዝነብሩ ነይሮም።

ጸሎተ ኃሙስ ኣይሁድ ፋሲካኦም ከብዕሉ ከለዉ። ድሮ ሞት ጐይታ ምስ ኮነ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብዛ ቤት እዚኣ ዝፈጸሞም ተግባራት ኃሙሽተ እዮም፣-

ትሕትና ምእንቲ ኪምህረና እግሪ ደቂ መዛሙርቱ ሓፀበ፣ ዮሐ፦13፣1-20
ምሥጢረ ቊርባን ሓድሽ ሕጊ ሠርዓልና፣ ማቴ፦26፣26, ማር፦14፣12, ሉቃ፦ 22፣7፣
ኪተኃዝ ከሎ ዅላቶም ገዲፎምዎ ኸምዝተበተኑን ቅዱስ ጴጥሮስ ደርሆ ኸይነቀወ ሠለስተ ጊዜ ኸምዝኽሕዶን ተዛረበ፣ ማቴ፦26፣30-35።
ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ሰፊሕ ትምህርቲ መሃረ፣ ዮሐ፦14፣1-16-33።
ኣብ ጌቴሴማኒ ንኣና ኣብነት ዚኸውን ጸሎት ጸለየ፣ ማቴ፦26፣39።
ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መግቢ ኣብ ዝተዳለወሉ ጠረጴዛ ምስ ተቐመጠ ደቀ-መዛሙርቱ ቐጺሎም ናይ ክብሪ መቐመጢ ንምኃዝ “ኣነ እበልጽ። ኣነ እባ እበልጽ” ብምባል ኪቀዳደሙ ኸለዉ። ኣተኲሩ ረኣዮም እሞ ኻብቲ ተቐሚጥዎ ዝነበረ ተንሢኡ ኽዳኑ ኣቐሚጡ። መወልወሊ ጨርቂ ኣልዒሉ ሕቖኡ ተዓጢቑ ማይ ብዅስኲስቲ ቐዲሑ እግሪ ደቀመዛሙርቱ ኺሐፅብ ጀመረ፣ ናብ ስምዖን ዚተባህለ ጴጥሮስ ምስ በጽሐ ጲጥሮስ “ንኣይ ንስኻ ንዘለዓለም እግረይ ኣይትሓፅበንን ኢኻ” ስለዝበሎ ጐይታ ኸኣ “ኣነ እንተዘይሓፂበካ ምሳይ ዕድል የብልካን” ኢሉ መለሰሉ።

ሽዑ እግሪ ደቂ መዛሙርቱ ሓፂቡ ምስ ወድአ ነቲ ጨርቂ ኣልዒሉ ኽዳኑ ተኸዲኑ። ንኻልኣይ ጊዜ ምሳሕ ተቐመጠ፣ ኣብቲ መኣዲ ንዝተዳለወ ዘይጸለመን ዘይሓረረን እንጌራ ኣልዒኡ ጸልዩ፡ ባሪኹ፡ ኣብ 13 ቘሪሱ። ሓደ ንእኡ ነቲ 12 ኸኣ ነቶም 12 ደቀ-መዛሙርቱ ሃቦም፣ በዚ እዚ ኣብ ጊዜ ኦሪት ዚሥዋዕ ዝነበረ መሥዋዕቲ እንስሳ (ጤለ-በጊዕ) ተተክአ።

ሎሚ ቤተክርስቲያን ብዛዕባ ምሥጢረ ቊርባን ክትምህር ከላ። ዝኾነ ቘራቢ ሰብ 18 ሰዓት ጾይሙ ንኣፉ ምረት ኪስምዖ ኸሎ እዩ ኢላ ተረድእ፣ ሊቃውንቲ ነዚ ኸም መረዳእታ ዘቕርብዎ “ጐይታናን ኣምላኽናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ካብ ለይቲ 9።00 ሰዓት ክሳዕ ሰዓት 9።00 ሰዓት መዓልቲ። ብድምር 18 ሰዓታት ዝተፈላለየ መከራታት ተቐቢሉ። መሪር ሓሞት ንዝሰተዮ መዘኻኸሪ እዩ” ይብሉ፣ ዝኾነ ይኹን ሰብ ቅዱስ ሥጋኡን ክቡር ደሙን እንተዘይወሲዱ መንግሥተ ሰማያት ኪኣቱ ኣይኽእልን እዩ፣ ዮሐ፦6፣51-56፣ ነዚ ንምውሳድ ከኣ ኻብ ቂም። በቐል። ጽልኢ ተነሲሕካ። ነጺሕካ። ነጻ ዄንካ ምቕባል ከም ዚግባእ ይምህረና፣ “ከይተገብኦ ዝበልዐ ግና ኣብ ርእሲ ዕዳ ዕዳ ከም ዘለዎ” ሓዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ኣብ 1ቆሮ፦11፣23-29። ከምኡ’ውን ሊቃውንቲ ኺምህሩ ኸለዉ ንቝርባን ብመብልዕን መስተን ዝገበሮ ምኽንያት ብልዕን መስተን ምስ ሰብነት ከምዚወሓሓድ ንሱ ኸኣ ፍጹም ከም ዝተወሓሓደና የረድእ፣ ብኻልኣይ ደረጃ። መብልዕ መስተ የፋቕር እዩ። ንሱ ኣዝዩ ከም ዘፍቅረና ይገልጸልና፣ ብስርናይን ወይንን ዝገበሮ ትንቢት ንምፍጻም። ዘፍ. 14፦18-20፣ ካልእ ጐይታን ቅድስት ድንግል ማርያምን ኣብ እዋን መዋዕለ ሥጋዌኡ እኽሊ ንጥዓም ኣብ ዚበሉሉ ጊዜ እቲ ዝጠዓምዎ ሥርናይን ወይንን እዩ ዝነበረ።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!
source:- lisan tewahdo

27/04/2021

ዕለተ ሠሉስ ዘሕማማት።

እዛ ዕለት እዚኣ ጐይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ብኣይሁድ ብዛዕባ ሥልጣኑ ዝተሓተላ ዕለት እያ። ብዕለተ ሰኑይ ነቶም ኣብ ቤት መቕደስ ዚሻየጡ ዝነበሩ ብምስግጓ “በየናይ ሥልጣን ኢኻ ነዚ ትገብር ዘሎኻ፧” ኢሎም ሓተትዎ። ከምዚ ኢሎም ኪሓትዎ ኸለዉ ዚሓሰብዎ “ንሸቃጦ ምስጓጉን ምፍቃድን ሥራሕ መንግሥቲ እዩ፣ ስለዚ በየናይ ሥልጣን ትገብር ኣሎኻ እሞ ንበሎ፣ ‘ብሥልጣነይ” እንተበለ ንስኻ ኣንጻር ንጉሥ ኢኻ እትኸይድ፣ ኢልና ንኽሰሶ” ኢሎም ከም ዚሓትዎ ስለዝፈለጠ ንሕቶኦም ብሕቶ ሓቲቱ ኣፎም ኣትኃዞም። ማቴ. 20፣23-25።

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!
source:- lisan tewahdo

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ስግደት(ኪርያ ላይሶን) በብመዓልቱን ሰዓታቱን ዝንበቡ ንባባትን።እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይምሓረናን ይራህርሃልናን ጸሎት...
26/04/2021

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ

ናይ ሰሙነ ሕማማት ስርዓተ ስግደት(ኪርያ ላይሶን) በብመዓልቱን ሰዓታቱን ዝንበቡ ንባባትን።

እግዚኣብሄር ኣምላኽና ይምሓረናን ይራህርሃልናን ጸሎትናን ስግደትናን ተቀቢሉ ነዛ ሰሙን እዚኣ ከኣ ብሰላም ኣፈጺሙ ኩሉ መዓትና ከንጢጡ ብፍጹም ሓጉስን ደስታን ብርሃነ ትንሳኤሁ የርእየና።

ስብሐት ለእግዚኣብሄር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!

እቶም ሕጂ መከራ መስቀሉ እናዘከሩ ዝኃዝኑ ኺሕጐሱ እዮም”ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወሪዱ ሥጋና ዝተዋሓደ ንድኅነተ ዓለም እዩ። ንዝሞተ ከ...
26/04/2021

እቶም ሕጂ መከራ መስቀሉ እናዘከሩ ዝኃዝኑ ኺሕጐሱ እዮም”

ካብ ሠለስተ ኣካል ሓደ ኣካል ወልደ እግዚአብሔር ካብ ሰማየ ሰማያት ናብ ምድሪ ወሪዱ ሥጋና ዝተዋሓደ ንድኅነተ ዓለም እዩ። ንዝሞተ ከድኅን ንዝኃዘነ ከጸናንዕ እዩ። ነዚ ግብረ ምድኃን’ዚ ብቓሉ ኽፍጽሞ ዝኽእል እኳ እንተኾነ ፍጹም ሰብ ብምዃን ኵሉ ጸዋትወ መከራ ተቐበለልና። ንሕና ደቂ ኣዳም ኽንቅበሎ ዝግብኣና መከራ ተቐበለ፣ ሰላም ምእንቲ ኽንረክብ ንስቓይና ኣብ ርእሱ ጸዓኖ፣ ብሰሪ ገበንና ቈሰለ፡ ብሰሪ ኣበሳና ተኸትከተ፡ መስቀል ተሰኪሙ ወደቐ፡ ምስ በደለኛታት ተቘጺሩ ኣብ መንጎ ክልተ ሸፋቱ ኣብ ቀራንዮ ኣብ መስቀል ተሰቕለ። (ኢሳ. 53፡5፣ ኤፌ. 2፡13-18)) በዚ ኸኣ ካብ ኃጢኣት ናብ ጽድቂ፡ ካብ ሞት ናብ ሕይወት ተሰጋገርና። ርስቲ መንግሥተ ሰማያት ኪንወርስ ፍጹም መሰል ተዋህበና። (1ይ ጴጥ. 1፡4)

ስለዚ ነቲ ዝተቐበሎ መከራን ኣባና ዘለዎ ፍቕርን እናዘከርና ክንኃዝን ይግባእ። “ስለምንታይ መከራ መስቀል ተቐበልካልና፧” እናበልና ዘይኮነስ “ንዓና ኽትብል መከራ መስቀል ተቐበልካ፣ ካብ ኃጢኣትን ሞትን ኣውፂእካኒ ከሎኻ ኣነ ግና ገና ኣብ ኃጢኣት ኣሎኹ እሞ ይቕረ በለለይ” ብምባል እዩ።
ፍቁረ እግዚእ ሓዋርያ ዮሓንስ ንልዕሊ ሰብዓ ዓመት ነቲ መድኃኔ ዓለም ክርስቶስ ዝበጽሖ መከራ እናዘከረ ይኃዝን ነበረ። ከምኡ’ውን ኣቡነ መበዓጽዮን ብፍላይ ብዕለተ ዓርብ መከራ ጐይታ እናዘከረ ይበክን ንሰብነቱ ይገርፍን ከም ዝነበረ ኣብ መጽሐፈ ገደሉ ተዘጊቡ ኣሎ።

ኣሰረ ፍኖቶም ዝሰዓቡ ካልኦት’ውን ከምኡ ክሳዕ ፍጻሜ ዓለም ይገብሩ ኣለዉ። ምኽንያቱ እቲ ዘይሕሶ ቃሉ “ ብፁዓን እለ ይላህዉ ይእዜ እስመ እሙንቱ ይትፌሥሑ/ እቶም ሕጂ ዝኃዝኑ ኽሕጐሱ እዮም እሞ ብፁዓን እዮም” ስለዝብል። (ማቴ. 5፡4)

ነዚ መሠረት ብምግባር ቅድስት ቤተ ክርስቲያንና፡ ኣብ ሰማያዊ ዓለም መንግሥተ ሰማያት ምእንቲ ኺንሕጐስ ሕጂ ኣብዚ ምድራዊ ዓለም ኵሉ ጊዜ መከራ መስቀሉ እናዘከርና ኽንኃዝን ትምህረና። ብፍላይ ግና ኣብ ዓቢይ ጾም ኣብ ሰሙነ ሕማማት ብብዝኂ ጸሎት፡ ጾምን ስግደትን ኣሰኒና መከራ መስቀሉ ንኽንዝክር ሠሪዓትልና ኣላ።

በተን ኵለን ዝተቐበልካየን ጸዋትወ መከራ፣ ኵሉ ኃጢኣተይ ይቕረ ኽትብለለይን ካብ ኵሉ ዕዳ ኃጢኣት’ውን ከተድኅነንን ኦ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ንዘለዓለም እምኅፀነካ ኣለኹ!

ወስብሐት ለእግዚአብሔር ኪያነ ዘፈጠረ ከመ ናምልኮ!
source:- Lisan tewahdo

24/04/2021

ሆሳዕና 8ይቲ ሰሙን ዓቢይ ጾም

“ካብ ኣፍ ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ” መዝ. 8፡2

ሆሳዕና ማለት ‘መድኃኒት ወይ ሕጂ ኣድኅን’ ተባሂሉ ይትርጐም። ብልማድ ኣጸዋውዓ ‘ኣጕሳዕና’ ይብሃል። በዓለ ሆሳዕና ቅድሚ ፋሲካ ወይ ትንሣኤ ጐይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ዘላ ሰንበት ይኽበር። መሠረታዊ ታሪኹ ከኣ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ብኸምዚ ዝስዕብ ተገሊጹ ኣሎ።

ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ ልሔም ተወሊዱ፡ ካብ ገሊላ ክሳብ ናዝሬት ከኣ ዝዓበየሉ ኣከባቢ እዩ። ብቕዱሳን ነቢያት ዝተነግረ ትንቢታት ንምፍጻም ግና ብኢያሪኮ ኃሊፉ ከባቢ ኢየሩሳሌም በጽሐ። ናብዛ ዓባይ ከተማ’ዚኣ ብሕቡእ ክኣቱ ኣይደለየን።
ስለዚ ድማ ኣብ ጐደቦ፡ ማለት ኣብ ደብረ ዘይቲ እትርከብ ቤተ ፋጌ ኾይኑ፡ ክልተ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ከምዚ ኽብል ለኣኾም፥ ናብ ቅድሜኹም ናብ እትርከብ ዓዲ ኺዱ፡ ኣብኡ ኸኣ እሱር ኣድግን ገልገል ኣድግን ኽትረኽቡ ኢኹም’ሞ ፈቲሕኩም ኣምጽኡለይ። ምናልባት ሰብ እንተሓተተኩም ድማ “ጐይታኦም ይደልዮም ኣሎ።” ኢልኩም መልሱሉ በሎም። እዚ ዅሉ ኸኣ “ኣቲ ጓል ጽዮን ኣዚኺ ተሓጐሲ! ኣቲ ጓል ኢየሩሳሌም ዕልል በሊ! እንሆ ንጉሥኪ ኣብ ኣድጊ ጻዕብ ኣድጊ ተወጢሑ ይመጸኪ ኣሎ።” ተባሂሉ ዝተነግረ ትንቢት ምእንቲ ኽፍጸም እዩ። (ዘካ. 9፡10)

እቶም ዝተላእኩ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ኣድግን ገልገል ኣድግን ኂዞም መጽኡ። ብድኅሪ’ዚ ጐይታ ተወጢሑ ናብ ኢየሩሳሌም ክኣቱ ኸሎ፡ ሕዝቢ ኢየሩሳሌም በቲ ዝኃለፎ መንገዲ ክዳውንቶም ኣንጸፉሉ። ካልኦት ድማ ጨናፍር ኣእዋም ሰሊዖም ይንስንሱሉ ነበሩ። “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፡ እቲ ብስም እግዚኣብሔር ዝመጽእ ቡሩኽ ኢዩ። ሆሳዕና ኣብ ኣርያም።” እናበሉ’ውን እቶም ሕዝቢ ብኽብሪ ተቐበሉዎ። እታ ዓባይ ከተማ ኢየሩሳሌም ከኣ “መን እዩ እዚ፥” ብምባል ተናወጸት። እቶም ሕዝቢ ‘እዚ ኣብ ናዝሬት ናይ ገሊላ ዝዓበየ ጐይታ ኢየሱስ እዩ።” በሉ።

ከምዚ’ሉ እውን ጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ቤተ መቕደስ ኣትዩ ነቶም ኣብኡ ዝሸጡን ዚሻየጡን ዝነበሩ ዅሎም ሰጐጎም። ናውቲ መሸጣ’ውን ገላበጠ። ‘ቤተይ ቤት ጸሎት እዩ’ ብምባል ንቤቱ ምስ ኣጽረያ ድማ ነቶም ኣብ ቤተ መቕደስ ዝነበሩ ዕውራትን ሓንካሳትን ግና ኣሕወየ። ሕፃናት ኢየሩሳሌም ከኣ “ሆሳዕና ንወዲ ዳዊት፡” እናበሉ ዓው ኢሎም ዘመሩ። ልቦናኦም ዝተደፍነ ዓበይቲ ካህናትን መምህራን ሕግን ግና፡ ነቲ ዅነታት ምጽዋሩ ሰኣኑ። “እዚ ዝብልዎ ዘለዉስ ትሰምዕዶ ኣሎኻ፥” ኢሎም’ውን ሓተትዎ። ጐይታና ድማ “እወ፡ እቲ ካብ ቈልዑትን ሕፃናትን ምስጋና ኣዳሎኻ ዝብል ጽሑፍዶ ኣየንበብኩምን ኢኹም፥” ኢሉ ኃዲጉዎም ናብ ቢታንያ ኸደ። (ማቴ 21፡1-17)

እምበኣርከስ ንሕና’ውን ሕዝበ ክርስቲያን! ከም’ዞም ናይ ኢየሩሳሌም ሕፃናት፡ ዅሉ ጊዜ ሆሳዕና! እናበልና ንጐይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ንምምስጋን ዝተዳሎና ኽንከውን’ያ፡ ኣዴና ቕድስት ቤተ ክርስቲያን ትምህረና።

ሆሳዕና በኣርያም ሆሳዕና በኣርያም ሆሳዕና በኣርያም ለወልደ ዳዊት!

ወስብሐተ ለእግዚአብሔር ወለወላዲቱ ድንግል ወለመስቀሉ ክቡር፡ አሜን!

Source (ምንጪ):- Lisan Tewahdo Eritrea

Adresse

Kalker Haupstraße 244
Cologne
51103

Öffnungszeiten

06:30 - 13:30

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኡን ጀርመን erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Die Kultstätte Kontaktieren

Nachricht an ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኤርትራ ደብረ ብስራት ሊቀ መላእክት ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኡን ጀርመን senden:

Teilen