Eritreische Tewahdo Kirche Kudus Gebriel Köln

Eritreische Tewahdo Kirche Kudus Gebriel Köln ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስትያን ደብረ ሰላም ?

23/02/2020

ዓቢይ ጾም (ኣርብዓ ጾም) ዝጅምረሉ 24/2/2020 ፈረንጂ 16/6/2012 ግእዝ
ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ 40 መዓልትን 40 ለይትን ዝጸሞሉ ቦታ(ገዳመ ቆሮንጦስ)
በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ፩ዱ ኣምላክ ኣሜን።
ኣቐዲምና ብበረኸት፣ ብምሕረት ዝጓስየና ንዘሎ ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ብኣና ብድኹማት ባሮቱ፣ በቶም ከየዕረፉ ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራጽ ዘመስግንዎ ቅዱሳን መላእኽትን፡ ብኹሎም ፍጡራቱን ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!
ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ናብዚ ዓመት እዚ ብሰላም ሓልዩ ብጥዕና ስለ ዘጽንሓናን ዘብጽሓናን፡ ስሙ ዝኸበረን ዝተመስገነን ይኹን። ኣሜን!
ዝኸበርኩም ኣንበብትን ተኸታተልትን መደባትና፡ ካብዚ ቀጺልና እምበኣር ብዛዕባ እዚ ኣትዩና ዘሎ ዓቢይ ጾም (ኣርብዓ ጾም)፡ ከምኡ ከኣ ብዛዕባ እተን ኣብ ውሽጢ ዓብይ ጾም ዘለዋ ሸሞንተ ሰናብቲ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ክንርኢ ኢና። ኣምላከ ቅዱስ ምስጢሩን ጥበቡን ይግለጸልና ኣሜን!
ዓቢይጾም (ኣርብዓ ጾም)
ጾም ኣብ ቅድስት ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ካብ ቀደም ዝተስረዐ ኢዩ። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽ፡ ንሰብ ኣኽቢሩ ውልድነት ሂቡ ኣብታ ቅድስት ስፍራ፡ ኣብ ገነት ምስ ኣቐመጦ ናይ ፍቕሪ ቃል ኪዳን ንኣዳም ዝሃቦ እንተ ነይሩ፡ ናይ ጾም ስርዓት ኢዩ። እዚ ከኣ ኣዳም ተጋዛኢ እግዚኣብሔር ገዛኢ ምዃኑ ዘገንዝብ ኣምላኻዊ ትእዛዝ ኢዩ። ብኡ ኣቢሉ ድማ ናይ ጾም ስርዓት ብመንገዲ ኣቦና ኣዳም ናብዞም ዳሕረዎት ወለዶ ከም ዝሰጋገር ኮነ(ዘፍ 2፡16-17)።
ኣቐዲሙ ናይ ጾም ስርዓት ዝሰርዐ ኣምላኽ ኣብ ዳሕራዋይ ዘመን ተስፋ ድሕነት ናይ ኣዳም ዘመኑ ምስ ኣኸለ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣብ ገዳም ቆሮንጦስ ከይዱ ኣርበዓ መዓልትን ኣርበዓ ለይትን ጾይሙ ኢዩ። ንገዳማዊ ሕይወት ባሪኹ ነቲ ኩሉ ግዜ ብዘይምቁራጽ ዝፍትነና ናይ ጥንቲ ጸላኢና ዝኾነ ሰይጣን፡ ብጾምን ጸሎትን ከም እንስዕሮ ኣርእዩና ኢዩ(ማቴ 4፡1-11)።
እዚ ጾም እዚ እምበኣር ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ድሕሪ ናብ ሩባ ዮርዳኖስ ከይዱ ብዮሓንስ ምጥማቑ ከይወዓለ ከይሓደረ ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ ብምኻድ ዝጸሞ ጾም ኢዩ(ማቴ4፣2)። ዓቢይ ጾም መበሊኡ፣ ካብ ኩሎም ኣጽዋማት እቲ ዝዓበየ፣ ባዕሉ ኣምላኽና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸሞ ጾም ብምዃኑ፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸመን መዓልታት ኣርብዓ ብምዃነን ድማ፡ ካብዚ ተበጊሳ ቅድስት ቤተክርስቲያን ነዚ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ዝጸሞ ጾሞ “ዓቢይ ጾም ወይ ድማ ኣርብዓ ጾም” እንዳ በለት ትጽውዖ፣፣ ጠቕላላ ብዝሒ መዓልታት ናይዚ ጾም፡ እዚ 55 መዓልታት ክኸውን ከሎ፣ ካብቲ ጎይታ ዝጸሞ 40 መዓልቲ እተን 15 መዓልቲ ካበይ ዝመጻ እየን ንዝብል፣ ቅድስት ቤተክርስቲያን ዝሰርዓቶ ስርዓት፣ ዝሓገገቶ ሕጊ ምፍላጥ ናይ ኩላትና ግደን እጃምን ኢዩ። እዚ ምዃኑ ከይንዝንግዕ እንዳ ተላበና ጽሑፍና ክንቅጽል።
ናይ ጎይታና ኢየርሱስ ክርስቶስ ጾምን ፈተንኡን (ማቴ 4፣1-12)
ብድሕርዚ መንፈስ ቅዱስ ንጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዲያብሎስ ክፍተን ናብ በረኻ ወሰዶ፡ መንፈስ ቅዱስ ናብ በረኻ ወሰዶ ክብል ከሎ ቅዱስ ወንጌላዊ ማቴዎስ ብግዴታ ከይዱ ንምባል ዘይኮነስ፡ እንተኾነ ግን ሓሳቡ ፍቓዱ ኢዩ። ንኣብነት ጾሙን ፈተንኡን ምስ ፈጸመ ጎይታ ኢየሱስ ብሓይሊ መንፈስ ቅዱስ ናብ ገሊላ ተመልሰ ከም ዝበለ ሉቃስ ወንጌላዊ(ሉቃስ 4፣14)።
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ክፍተን ኢሉ ናብ ገዳመ ቆሮንጦስ ኣይከደን እንተኾነ፡ ኣብቲ ቦታ ከይዱ ምስ ጾመ፡ ምፍታኑ ስለዘይተረፎን ስለ ዝተፈተነን፡ ቅዱስ ማቴዎስ ወንጌላዊ ክጽሕፍ ከሎ ብዲያብሎስ ክፍተን ኢሉ ጸሓፈ።
ናብ ገዳም ምኻዱኸ ስለምንታይ ኢዩ እንተበልና ድማ፡ ኣብ ገዳም ጾም ንወጣንያን ዝቐለለ ኢዩ፡ ንፍጹማን ግና ዝበርትዐ ኢዩ፡ ስለዚ ንኹሉ ኣብነት ክኸውን ኢሉ ጎይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ገዳም ከይዱ ጾመ። ከምቲ ቅዱስ ጴጥሮስ ዝጸሓፎ ድማ ንዓና ኣርኣያ ኮነና፣ በቲ ዝኸዶን ዝሓለፎን ክንሓልፍ ከኣ ናትና ግዴታ ኢዩ።
1. ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ነቲ ፈተና ደልይዎ ኣይከደን፡ ነቲ ፈታኒ ሓይሉ ከጥፍእ ደልዩ እምበር ክፈተን ደልዩ ኣይኮነን። ከም ዝበለ ቅዱስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ። ሃይ. ኣበው 85፣25።
2. ብፍቓዱ’ውን ነቲ ፈተና ኣለዓዒሉ ኣየምጽኦን፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ፈተነታት ኣብ ልዕሊኡ ክፍጸሙ ብፍቓዱ ኣየለዓዓሎምን፣ ብታህዋኾም ድኣ፣ ብሓይሊ እቲ ምስ ስጋ ዝተወሃሃደ ቃል ጠፍኡ ከም ዝበለ ቅድስ ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ። ሃይ.ኣብው 85፣14
ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ከኣ ጾመ፡ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ዝጾመሉ፡ ትሕት ኢሉ ሰላሳ፡ ልዕል ኢሉ ከኣ ኣርብዓን ሓሙሽተን ዘይጸመ እንተተባህለ፡ በዚ ቀጺልና እንርእዮ መረዳእታታት እዩ፣፣
1. ኣቦና ኣዳም ኣብ ኣርብዓ መዓልቱ ዝተዋህበቶ ክብሪ ስለዘጥፍአ፡ ክብሪ ኣዳም ንምምላስ ኢዩ፡ እዚ ከኣ መለኮታዊ ቃል ሰብ ዝኾነሉ ቀንዲ ምስጢር እምበኣር እቲ ብምኽሪ ዲያብሎስ ካብቲ ዝነበሮ ክብሪ ናብ ምድሪ ብስደት ዝመጸ፡ ኣብ እግሪ ኣጋንንቲ ዝርገጽ ዝነበረ ኣዳም፡ ካብ ዝወደቖ ንኸተንስእ ንሞቱ ብሞቱ ንኽስዕር ስለ ዝኾነ፣ በዚ ዕለት እዚ ከኣ እታ ብኣርብዓ መዓልቲ ዝረኸብካያ ውልድነት ክመልሰልካ መጺአ ኣለኹ ንኽብል ብዘይምርመር ጥበቡ ዝገበሮ ኢዩ።
2. ሊቀ ነቢያት ዝተሰምየ ቅዱስ ሙሴ፡ ንእስራኤላውያን መሪሑ ካብቲ መሪር ባርነት ናይ ንጉስ ፎርኦን ባሕሪ ኤርትራ ኣሳጊሩ፡ ኣብ ደብረ ሲና ምስ በጽሐ ቅዱስ እግዚኣብሔር ንነቢይ ሙሴ ዓሰርተ ትእዛዛት ክቕበል ናብቲ ጎቦ ክወጽእ ኣብ ዝኣዘዞ ግዜ፡ ነቢይ ሙሴ ኣብቲ ጎቦ ናይ ሲና ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን መግቢ ከይበልዐ፡ ማይ ከይሰተየ ተቐመጠ፡ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ኦሪት ማለት ዓሰርተ ትእዛዛት ኦሪት ተቐበለ፡
ክርስቶስ ኣምላኽና ከኣ ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ጾይሙ ሕጊ ወንጌል ሰርዓልና።
ዘጽ 24፣12-18፣ 31፣18, ዘዳ 10፣9)
3. ነቢይ ሙሴ ዝለኣኾም 12 ሰለይቲ ምድረ ርስቲ ሰልዮም ኣብ ኣርብዓ መዓልቶም ተመልሱ።ዘሁ 13፣25)። ክርስቶስ ድማ ናይ መንግስተ ሰማያት መራሒ ስለ ዝኾነ፣ ኣርብዓ ለይትን ኣርብዓ መዓልትን ጾመ። ስርሑ ብጾም ጀመረ፣ ከመይ ብልዒ ናይ ተግባር ሓጢኣት መሰረት ከምዝኾነ፣ ጾም ድማ ናይ ሰናይ ተግባር መሰረት ኢዩ።
እስመ ጾም እማ ለጸሎት ወእሕትታ ለኣርምሞ ወነቅኣ ለኣንብዕ ወጥንተ ኩሉ ገድል ሰናይት ይብል መጽሓፈ መነኮሳት።
ብድሕሪዚ ጠመየ ማለቱ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ፣ ባህሪ ሰብ ከምዝተወሃሃደ ንምግላጽ ኢዩ። ከምኡ ከኣ እቲ ፈታኒ ዲያብሎስ መገዲ ንምሃብ እዩ። ብድሕርዚ እምበኣር እቲ ፈታኒ ናብ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቀሪቡ፡ ነዘን ቀጺልና እንርእየን ሰለስተ ዓበይቲ ሓጢኣት (ኣርእስተ ሓጣውእ) ኣብ ሰለስተ ዝተፈላለየ ቦታታት ናይ ገዳመ ቆረንጦስ ፈተኖ። ዝፈተኖ ፈተናን ዝተዋህቦ ኣምላኻዊ ምላሽን እንታይ ከምዝመስል ንከታተል።
ኣምላኽና እግዚኣብሔር ዘስተውዕል ልቦና ይዓድለና ኣሜን።
1. ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኾንካስ፡ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል በሎ። (ማቴ 4,3፡ ሉቃ 4,3) ኣብ ግዜ ጥምቀት ናይ ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ናይ ባህሪ ኣብኡ(እግዚኣብሔር ኣቦ)፣ ንሱ ብተዋህዶ ሓደ ኣካል ሓደ ባህርይ ምዃኑ መስኪርሉ ኢዩ። ከመይ ብህልውንኡ ምስ ባህርይ ኣብኡ ኣብ፡ ምስ ባህርይ ሕይወቱ መንፈስ ቅዱስ፡ ህሉው ኮይኑ ዝነብር ወልደ እግዚኣብሔር፣ ንሱ እቲ ሰብ ዝኾነ ኣምላኽ፣ ስጉው ቃል ድኣ እምበር ካልእ ኣይኮነን። እቲ ኣቐዲሙ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ቂሳርያ “ንስኻ ውዲ ህያው እግዚኣብሔር ኢኻ (ማቴ 16፣15) ኢሉ ዝመስከረሉ፣ ደጊሙ ባዕሉ እግዚኣብሔር ኣቦ ኣብ ማይ ሩባ ዮርዳኖስ “ብእኡ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ እዚ እዩ” ክብል ዝሰምዐ ሰይጣን እምበኣር፣ “ወዲ ኣምላኽ እንተ ኾንካስ እዘን ኣእማን እንጌራ ይኹና በል”። ከምቲ ንኣዳም ብብልዒ ምኽንያት ዘስሓቶ፣ ጠምዩ ኣሎ እሞ ሕብስቲ ርእዩ እንተስሓተ ብምባል ኢዩ። ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ግና “ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዝወጽእ ቃል ኩሉ ድኣ እምበር፡ ብእንጌራ ጥራሕ ኣይነብርን ኢዩ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ኢሉ” መለሰሉ(ማቴ 4፣4, ዘዳ 8፣3)።
ንሰብ እንስሳዊ ባህርን፣ መንፈሳዊ ባህርን ኣለዎ፣፣ እንስሳዊ ባህርኡ፣ ካብ መግቢ እንተተኸልከለ ኣብ ሞት ይበጽሕ። መንፈሳዊ ባህሪኡ ድማ ካብ ቃል እግዚኣብሔር እንተ ተኸልከለ ናብ ሞተ ነፍሲ ይበጽሕ። ከመይ ቃል እግዚኣብሔር መንፈሳዊ መግቢ ኢዩ። ኣሞጽ ነቢይ “ሲሲተ ልብ ቃላቲሁ ለእግዚኣብሔር” ቃላት እግዚኣብሔር መግቢ ልቢ እዩ” ይብል። ቅዱስ ቄርሎስ መጽሓፈ ሊቃውንት።
2. ድሕርዚ ዲያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ከተማ ወሰዶ እሞ፡ ኣብ ገምገም ቤተ መቅደስ ደው ኣበሎ፣ “ብሓቂ ወዲ እግዚኣብሔር እንተ ኾንካስ ካብዚ ዘሊልካ ንታሕቲ ተወርወር(ጽደፍ)” በሎ።ዲያብሎስ ዘሊልካ ጽደፍ ዝበሎ ሓይሉ ንምግምጋም ኢዩ። ድኹም ሰብ እንተኾይኑ ክስበር ኢዩ ሓያል ሰብ እንተኾይኑ ከኣ ኣይስበርን ኢዩ ካብ ዝብል ሓሳብ ተበጊሱ ኢዩ ከምኡ ክብል ዝተራእየ። መሊሱ ዲያብሎስ ንዘረብኡ መራብሒ ወይ ድማ መራጎዲ ዝኾኖ፣ “ምኽንያቱ ኣብ ኩሉ መገድኻ ክሕልዉኻ እግኣርካ ብእምኒ ከይትዕንቀፍ ውን በእዳዎም ከልዕሉኻ ንመላእኽቱ ክእዝዘልካ እዩ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ ክብል እዩ ተዛሪቡ(ማቴ 4፣5-6, ሉቃ 4፣9-11, መዝ 90፣11-12) ብድሕርዚ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ” ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ። (ማቴ 4፣7, ሉቃ 4፣12, ዘዳ 6፣16)።
3. ብድሕርዚ ዲያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዩ ነዊሕ እምባ ወሰዶ፣ መንግስታት ኩሉ ዓለም ንኩሉ ንብረቱን ድማ ኣርኣዮ፡ ኣብዚ ክንርድኦ ዘሎና ሓደ ነገር ኣሎ ንሱ ከኣ ዲያብሎስ ድኣ ንባዕሉ መሰሎ እምበር ንጎይታስ ኩሉ ተለዊጡ መሲሉ ኣይረኣዮን። ሰይጣን ደፋር ስለ ዝኾነ “ተደፊእካ እንተ ሰገድካለይ፡ ኢድ ውን እንተ ነሲእካለይ እዚ ኩሉ ክህበካ እየ” በሎ። ድሕር’ዚ
እቲ ሓያል ኣምላኽ ከምዚ እንዳ በለ ተዛረቦ፣ “ንእግዚኣብሔር ኣምላኽካ ስገድ ንዕኡ ንበይኑ ድማ ኣምልኽ ዝብል ጽሑፍ ኣሎ በሎ እሞ ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” በሎ። ሰይጣን “እንተ ሰገድካለይ” ስለ ዝበሎ “ኪድ ካባይ ርሓቕ” በሎ “ደድሕረይ ካብ ዝስዕቡ ምእመናን ርሓቕ ንምባል ውን እዩ “ኪድ ሰይጣን ካባይ ርሓቕ” ዝበለ።
ኣብዚ ክንርእዮ ዝጸናሕና፣ ወንጌላወያን ድማ ዝጸሓፍዎ፣ “ወሰዶ፣ ወሰዶ” ዝብል ቃል ሰይጣን ሓሳቡ ንምርኣይ ስለዝኾነ እዩ እምበር፡ እቲ ንኹሉ ዘቕውም ሓያል ኣምላኽ ተገዲዱ ኣይኮነን።
ሰለስተ ኣርእስተ ሓጣውእ ዝበሃሉ እምበኣር
1. ስስዐ፣ ዘይተዋህበካ ምድላይ ኢዩ
2. ትዕቢት፣ ኣምላኽነት ምድላይ ኢዩ
3. ፍቕሪ ገንዘብ፣ ይኣኽለኒ ዘይምባል ኢዩ
ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ በዚ ሰለስተ ኣርስተ ሓጣውእ ተፈቲኑ ንጸላኢና ዲያብሎስ ስዒሩልና ኢዩ።
ሀ. መነኮሳት ዝደለይዎ ስለ ዘይረኸቡ፣ ጾሮም (ስምዒት ) ስስዐ ኢዩ። ኣብ ገዳም (በረኻ )፣ ዲያብሎስ ብስስዕቲ እንተመጸ ብትዕግስቲ ስዒርሎም ኢዩ።
ለ. ካህናት ኣእምሮና ዓሚቊ ረቂቕ፣ ማዕርግና ልዑል ምጡቕ’ዩ ብምባል ስለ ዝዕበዩ ጾሮም ትዕቢት ኢዩ፣ ኣብ ቤተ መቕደስ ብትዕቢት እንተፈተኖ ብሕትና ስዒርሎም ኢዩ።
ሐ. ነገስታት ጸሮም ፍቕሪ ገንዘብን ስልጣንን ኢዩ፣፣ ስለ ዝኾነ ኣብ እምባ ብፍቕሪ ገንዘብ እንተ ፈተኖ ገንዘብ ብምጽላእ ስዒርሎም ኢዩ።
ድሕሪ’ዚ ሓጢኣት ካብ ስሩ ከም ዝተማሕወት ኦም ገነት ኮነት “እዛ ምትላል እዚኣ ንኣዳም ናብ መሬት ከም ዝምለስ ዝገበረቶ ኢያ፣ ናብ ኣምላኽ ናብቲ ንኹሉ ወሃቢ ሲሳይ ምስ በጽሐ ግና ሰይጣን ሓፊሩን ተሳዒሩን ተመልሰ ይብል ሳዊሮስ ዘኣንጾኪያ። ሃይ.ኣበው 85፣35።
4. ድሕሪዚ ዲያብሎስ ሓደጎ
ሉቃስ ወንጌላዊ ግና “ሽዑ ዲያብሎስ ፈተንኡ ዘበለ ምስ ወደኤ ንጊዜኡ ሓደጎ” (ሉቃ 4፣13) ኢሉ ጽሒፉ ኣሎ። እዚ ማለቱ ዳሕራይ ኣብ ልቢ ይሁዳን፡ ኣይሁድን ሓዲሩ ክሳዕ ዘስቅሎ ንጊዜኡ ሓደጎ በለ።
5. እንሆ ድማ መላእክቲ መጺኦም ኣገልገልዎ
ነዚ ቃል እዚ ዝረኣየን ዘንበበን ሰብ፡ ኣምላኽ ወዲ ኣምላኽዶ ኣይኮነን፣ ቅድሚኡኸ መላእኽቲ ኣየገልግልዎን ድዮም ነይሮም ክብል ይኽእል ይኸውን። እዚ ግን እቶም ፍጡራቱ ዝኾኑ ቅዱሳን መላኽቱ ቅድሚኡ ዘይገልግልዎ ነይሮም ዘይኮነስ፣ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ምባሉ።
1. “ሓይሊ ምስጋና ይግባኣካ እዩ” ክብሉ እዮም እምበር ኣይገልግልዎን ኔሮም ዘስምዕ ኣይኮነን።
2. በቲ ሓደ ወገን ካኣ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ ማሌቱ ዲያብሎስ ምስ መላእኽቱ ኮይኑ ስዒሩኒ እምበር ኣይምሰዓረንን ንኸይብል እዩ።
ምሳሌ ሓደ ዓቢይ ንጉስ ንንእሽቶ ንጉስን
ሓደ ዓቢይን ንእሽቶ ንጉስን ንዂናት ተሰለፉ። እቲ ዓቢይ ንጉስ፡ ነቲ ካብኡ ዝትሕት ንኡስ ንጉስ “ህዝቢ ካብ ዝሓልቕ ንሓድሕድና ንግጠም” በሎ እሞ ገጠሙ። እቲ ዓቢይ ንጉስ ነቲ ንእሽተይ ንጉስ
ሰዓሮ። ኩሉ ንብረቱ እውን ማረኾ። ድሕሪ’ዚ እቲ ዓቢይ ንጉስ ስዒሩ ክምለስ ከሎ፣ ሰራዊቱ ብሓጎስን ብዕልልታን ተቐበልዎ ይብል ቅዱስ ኤጲፋንዮስ። ሃይ.ኣበው ምዕ 55፣13
ስለዚ ክርስቶስ በይኑ ንዲያብሎስ ስለ ዝሰዓሮ እንሆ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልገልዎ በለ።
ንስኻትኩም ውን ብትዕግስቲ እንተሰዓርኩም፡ መላእኽቲ ክግለጽልኩም እዮም ንምባል ንኣብነት እዩ።
ታሪኽ
ሓደ ባሕታዊ ካብ በዓቱ ከይወጽእ መብጽዓ ነበሮ። ኣብ በዓቱ ኪነብር ከሎ ሰይጣን መጺኡ ንጉስ ይጽውዓካ ኣሎ በሎ፡ ንሱ ድማ ብዘይካ ጎይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ንጉስ የብለይን በሎ እሞ፡ እቲ ሰይጣን ኣብ ዓለም ተቐሚጥካስ ንጉስ የብለይን ትብል ኢሉ ብዝሓዞ በትሪ ቀጥቂጥዎ ከደ፣ ብድሕር’ዚ መልኣከ ዑቃቤ፡ ሓላዊ መልኣኽ ተገልጸሉ እሞ፡ መን ኢኻ በሎ? ንሱ ድማ ኣነ ሓላዊኻ መልኣኽ ኢየ በሎ፣ ክሳዕ ሕጂ ድኣ ኣበይ ኔርካ እንተበሎ? ሕጂ እውን ስለዝተዓገስካ ኢየ ዝተገለጽኩልካ በሎ።
ጾመ ሕርቃል
ጾም ግዜኡን ንውሓቱን ይፈላለ እምበር እግዚኣብሔር ዝሰርዓልና፡ ቅዱሳን ኣቦታት እንዳ ፈጸምዎን እንዳ ኣርኣዩናን ዝሓለፉን ዘለዉን፣ ምስ ኣምላኽ ዘሎና ፍቕሪ፡ መግለጺ ንሓጢኣትና መደምሲ፣ ኣብ ልዕሊ እቲ መጻርርትና ዝኾነ ዲያብሎስ ድማ ዓወት እንረኽበሉ፡ ሓደ ካብቲ ብዙሕ ኣጽዋር ኣምላኽ ኢዩ። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ቅድስት ቤተክርስቲያን፣ ኩሉ ግዜ ብዘይ ምቁራጽ ክንጸሞሎም ዘሎና ግዚያት ብፍላይ ከኣ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት እትሕብረና። ሓደ ካብቲ ብኣዋጅ ዝንገረና ቀዳማይ ሰሙን ናይ ጾም ኣርብዓ ዝኾነ ድማ፡ ጾመ ሕርቃል ኢልና እንጾሞ ጾም ኢዩ። ናይ ውልቂ ኮነ ናይ ኣዋጅ ኣጽዋማት ከምቲ ኣቐዲምና ዝገለጽናዮ፣ መጽሓፍ ቅዱስ ዝነግረና፣ ቤተክርስቲያን እትምህረናን ኩሎም ንኽንጸድቕ ኢልና ኢና እንጸሞም። እዚ ጾመ ሕርቃል ድማ፡ ኲኖ መንፈሳዊ ጸጋን ጽድቅን፣ ከምቲ ሰባት ካብ ዘይምስትውዓል ዝብልዎ፣ ንጉስ ዝጾሞ እዩ እንዳ ተባህለ ብሸለልትነት ዝሕለፍ ዘይኮነስ፡ ብስጋን ብነፍስን ዘርበሓናን ቤተክርስቲያን እትእዝዞን ምዃኑ ፈሊጥና ብፍጹም ትሕትና ክንጸውም፣ ብጾም ዝርከብ ጸጋ ተኻፈልቲ ምእንቲ ክንከውን ሃረር ክንብል ይግባኣና። እዚ ክንገብር እግዚኣብሔር ኣምላኽና፡ ምስትውዓሉ ይዓድለና ኣሜን።
ታሪኽ ቤተክርስቲያን ከምዝሕብረና፣ ቅዱስ መስቀል ናይ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ፡ ኣቐዲሙ ብጸረ መስቀል ዝኾኑ ኣይሁድ ንልዕሊ 200 ዓመታት ዝኸውን ተቐቢሩ ከምዝነበረ ይዝከር። እንተኾነ ቤተክርስቲያን ይተዓጾ፡ ቤተ ጣዖታት ይከፈቱ ዝብል ዝነበረ ናይ ዓላውያን ነገስታት ኣዋጅ ሓሊፉ፣ ብኣንጻሩ ቤት ጣዖታት ይተዓጸዉ፣ ቤተክርስቲያን ይከፈቱ ዝብል ኣዋጅ ዝሓዘ ሰላማዊ ንጉስ ቆስጠንጢኖስ መጸ። በዚ ግዜ እዚ ኢዩ ከኣ እቲ ንብዙሕ ግዜ ተቐቢሩ ዝነበረ ቅዱስ መስቀል ብመርሒነት ንግስቲ ኢሌኒ ካብቲ ተቐቢርዎ ዝነበረ ተዃዒቱ ዝወጸ። ብድሕሪዚ ግን መቐጸልታ ናይቲ ብዙሕ ግዜ ንኢዮሩሳሌም እንዳ ወረሩ ዘዕንውዋ ዝነበሩ ነገስታት ፋርስ፣ ከም ልማዶም፣ ከስሮኤስ ዝተባህለ ንጉስ ፋርስ፡ ንግብጺ ወሪሩ ክምለስ ከሎ፡ ናብ ኢዮሩሳሌም ኣትዮ ብዙሕ ሃብትን ንብረትን፣ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባትን፡ ማሪኹ ናብ ዓዱ ናብ ፋርስ ከደ። ምስቲ ማሪኽዎ ዝኸደ ብሩርን ወርቅን ከኣ ነቲ ቅዱስ መስቀል ናብ ቤት መቕደስ ኣትዩ፣ ዝፈርስ ኣፍሪሱ ዝስበር ሰቢሩ፣ ሒዝዎ ከደ። ብናጽነት ክነብሩ ዝጸንሑ ህዝቢ
ኢዮሩሳሌምን ከባቢኣን፣ ቅዱስ መስቀል፣ ኣቐዲሙ ካብ ዝተቐበሮ ብምውጽኡ ክሕጎሱ እኳ እንተጸንሑ፣መጠን እቲ ዝተሓጎስዎ ድማ ኣዝዮም ጓሃዩ። ቅዱስ መስቀል ኣብ ፋርሳውያን ብምውዳቑ ድማ ልቦም ብጓሂ መልአ።
ድቃስ ኣበዮም ኣምሪሮም ከኣ ናብቲ ልዑል ኣምላኽ ጸለዩ። ኣብዚ ሰዓት እዚ እዩ ከኣ ንንጉስ ሕርቃል ዘነቓቅሖ። ንጉስ ሕርቃል፣ መስቀል ከም ዝተማረኸ ምስ ሰምዐ ንኹሎም ክርስቲያን መልእኽቲ ልኢኹ ብጸሎት ክሕግዝዎ፣ ጾም ኣወጀ። ነቲ ቅዱስ መስቀል ካብ ምርኮ ንምምላስ ከኣ ሱባኤ ኣተወ።
ንእግዚኣብሔር ብጾምን ጸሎትን ተማዕቊቡ ድማ፡ መገዱ ናብ ፋርስ ጀመረ። ከምቲ እግዚኣብሔር ንእስራኤላውያን ተዋጊኡ ካብ ጸላእቶም ዘናገፎምን ዓወት ዝሃቦምን፡ ንንጉስ ሕርቃል እውን ኣብ ልዕሊ ፋርሳውያን ዓወት ሃቦ ብሰላም ካብ ኲናት ተመለሰ፡ ነቲ ቅዱስ መስቀል ከኣ ካብቲ ተማሪኽሉ ዝነበረ ስፍራ መለሶ።
ሎሚ ኣብ ቤተርክርስቲያን ዝጽወም ጾም እምበኣር ንንጉስ ሕርቃል ዓወት ዝሃበ፣ ንጸረ መስቀል ዝኾኑ ሰባት ዝሰዓረሉ፣ ሎሚ’ውን እቶም ኩሉ ግዜ ጸረ መስቀል ኮይኖም ንጥፍኣትና ዝጽዕቱ ዘለዉ ኣጋንንቲ፡ ካብ ዙርያና ከርሕቐልና፣ ሓይሊ ክህበና ኢልና ንእግዚኣብሔር እንዳ ለመንና እንጾሞ ጾም ኢዩ። ስለዚ ንቕዱሳን ኣቦታት፡ ብጸሞም ጸጋ ኣብ ልዕሊ ጸጋ ዝሃቦም ንዓና ውን ናይ ኩሉ ጸጋ በዓል ቤት ዝኾነ እግዚኣብሔር ጸጋ ክህበና፣ ኣብ እምነትና ከጽንዓና ኣሰር እቶም ዝሓለፉ ናይ እምነት ኣቦታት ስዒብና ተኻፈልቲ ናይ ጾም እዚ ክንከውን፡ ቅዱስ ፍቓዱ ይኹን፣፣ኣሜን!!!
ብኻልእ መገዲ ድማ እዘን ምስ ኣርብዓ ጾም ሓቢረን ዝጽወማ 15 መዓልታት ድምር ናይዘን ኣብ ኣርብዓ ጾም ዘለዋ ቀዳምን ሰንበትን እየን፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ዓቢይ ጾም ሸውዓተ ቀዳምን ሸመንተ ሰንበትን ኣለዋ፡ ቤተክርስቲያን ቅዳሴ ሰሪዓ ክሳዕ ናይ ምሸት(ሰርክ)እትጾመን 40 መዓልታት ኢየን። እዚ ስለዝኾነ ከኣ ነዘን ኣርብዓ መዓልታት ንኽመልኣ ነተን 15 መዓልታት ናይ ቀዳምን ሰንበት ክውሰኻ ዝገበረት፣፣
መወከሲ
ትርጉም ኣንድምታ ወንጌል ብትግርኛ ካብ ገጽ 48-52 ዝተወስደጽሑፍ
ወስብሓት ለግዚኣብሔር ልዑል
ለወላዲቱ ድንግል
ወለ መስቀሉ ክቡር
ኣሜን

16/02/2020

በስም ኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሓዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።

በስመ ሥላሴ እቀጠቅጥ ከይሴ !

ትብትጻሓለይ ናብ ኩሉኹም ውሉድ ክህነት።
ርድድእ ምስ ኩሉ፡ ኣብ ኩሉ፡ ክትዕን ኮለልን ዘይብሉ።

ዝኾነ ሰብ፡ ክሰርሖ ዝግብኦ ስራሕ እንተዘይሰሪሑ፡ እሞ ሰለምንታይ ዘይገበርካዮ ኢልካ ምስእትነቕፎ፡ ኣብክንዲ ብቕንዕና ንነብሱ ዝነቅፍን ካብ ጉድለቱ ዝመሃርን፡ ይከላኸለለይ እዩ ንዝበሎ ምኽኒት ናብ ምንዳይ ኢዩ ሃሰምሰም ዝብል።
ሓንቲ ምኽኒት ምስ ረኸበ ድማ ንምኽኒት ትብቃዕ ኣይትብቃዕ እታ መልሲ (መዕጸዊት ኣፍ፡ መከላኸሊት ነብሰይ) ትኸውን ኢያ ዝበላ ምኽኒት ዱብ ኣቢሉ ኣብ ርእሲ ገበኑ፡ ሓሶት(ምኽኒት) ጀሊቡ ድማ ኣብ ርእሲ ጌጋ ጌጋ እናወሰኸ ኣብዘይተደልየ ሻኼላ ይኣቱ።

ግናኸ እወ ክገብራ ይግባእኒ ኔሩ ግና ኣይገበርዋን እንተበለስ እንታይ ኮን ከይከውን ኢዩ።
እዚ ኣብነት እንታይ ንምባል ከምዘምጻኽዎ መቸም ዝዝንግዖ ኣገልጋሊ ቤተ ክርስትያን ኣሎ ኣይብልን። ከመይ ሓደ ክንገብሮ ዝግበኣና ግን ከኣ ዘይገበርናዮ፡ ንከይንገብሮ ድማ ምኽኒት እናኣምጻና ንሃድመሉ ዘለና ጉዳይ ቤትና(ቤተ ክርስትያን) ንጹር ስለዝኾነ።

ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ፡ እዚ ምእሳር ብጹዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ ቅኑዕ ኣይኮነን፡ ዝብል ዘረባ ክለዓል እንከሎ፡ ኣብ ቤተ ክርስትያንና ዓቢ ጉድኣት ኣምጺኡልና እዩ። ስለዚ ብዛዕባ እዚ ነገር እዚ እንታይ ንግበር ዝብል ሕቶ (ሓሳብ) ናብ ዉሉደ ክህነት ምስ እትቐርብ፡ ብዙሓት ኣቦታት ካህናትን፡ ዲያቆናትን፡ መምሃራንን ዝምልስዎ መልሲ እንተዳኣ ሃልዩ፡ እዚ ነገር ልዕሊ ዕቕምናዩ፡ ወላሓንቲ ክንገብሮ ንኸል የልቦን፡ ስለዚ ስቅ ኢልና ኣገልግሎትና ንግበር ዝብል፡ መስመሩ ዘይሓለወ ግብረ-መልሲ ይስማዕ።

ግን ብርግጽ ድዩ እዚ ግብረ መልሲ እዚ ምሳና ዝሰማማዕ? ቀንዲ ኣብ ዓበይቲ ጉዳያት ኣብ ተውጸኦም ቃላት ጥንቃቐ ምግባር ኣገዳሲ እዩ።
እንተዘይኮይኑ ኣፍካ ዝሃበካ ምዝራብ፡ ናብ ኣፍካ ክምልሶ ዘይከኣል ሕቶታት ኢዩ ዝወስደካ።

ኣቦታተይ ካህናት አስከ ሓንቲ ሕቶ ክሓተኩም ኣፍቅዱለይ፡ እቲ ኣብ ኢድና ኣንጠልጢልናዮ ዘለና እንታይ ኢዩ???
መስቀል ዶ ኣይኮነን??? እወ እቲ ጎይታ ክርስቶስ ብዕለት ዓርቢ በቲ ቅዱስ ደሙ ዝቐደሶ መስቀል፡ እወ እቲ ሓይልና፡ ጽንዓትና፡ ቤዛና፡ መድሓኒት ነፍስና እናበልና መዓልታዊ እንደጋገሞን፡ እቲ ኣርማ ናይ እምነትና እናበልና እንምክሓሉ መስቀል ዶ ኣይኮነን እዩ???

እሞ እዚ ኣብ ኢድካ ኣንጠልጢልካ፡ ወላሓንቲ ክገብር ኣይክእልን ኢየ ምባልን፡ ኣብ ሽግር ቤትካ(ቤተ ክርስትያን) ድሕርሕር ምባል ደኣ ቅኑዕ ዶ???

መስቀል ጎይታ ክገብሮ ዘይክእል ከ ኣሎ ድዩ??? እወ ጎይታ ክርስቶስ ብመስቀሉ ጌሩ ክገብሮ ዘይከኣሎ ኣሎ ድዩ? ጎይታ ክርስቶስ ይትረፍ ኣብቲ ብቅዱስ ደሙ ዝቐደሶ መስቀል ኣብ ልብሲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ሓዲሩ ኣይኮነን ድዩ ንሕሙማት ዝፈወሰ፡ ንለምጻማት ዘንጸሀ፡ ዕውራት ዘብረሀ። እሞ ልብሲ ሃዋርያ ቅዱስ ጳውሎስ ዶ ይኸብር ወይስ መስቀል????
መልሲ ንሕልናኹም።

እስመ ኣልቦ ነገር ዝይሰኣኖ ለእግዚኣብሔር (ንእግዚኣብሔር ዝሰኣኖ የለን) ኢልኩም እናመሃርኩምና፡ መስቀል ክርስቶስ ኣንጠልጢልኩም ወላሓንቲ ክንገብር ኣይንኽእልን ተበልኩምና ከ፡ ነቲ ቀዳማይ ቃልኩም ኣየፍርሶን ዶ????
ነየናይ ከ ኢና ክንእምን?

በዓል ጠበንጃ ብሓይሊ ሰራዊቱን ዕጥቁን፡ ንዓለም ፈጥፈጥ እናበላን፡ ኣነ ክገብሮ ዘይከኣል የለን ኢሉ እናሓንሓነን ንዓለም ክቆጻጸራ እናፈተነ፡ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ሽግር ቤቱ ወላሓንቲ ክገብር ኣይክእልን ኢየ ክብል ከመይ ይወርደሉ።
ጎልያድ እቲ ትማሊ በታ ዕጥቂ ዳዊት ኢዱ ዝሃበ፡ ሎሚ ደቁ ብዕጥቆምን እጽዋሮምን አንክምክሑ" ደቂ ዳዊት ድማ ዕጥቆም ሓቢኦም ኢዶም ክህቡ ከመይ ዝበለ ስንፍና እዩ።
ኣቦታተይ ኣብ ኢድኩም ዘሎ ዕጥቂ ዶ ይበልጽ ወይስ ኣብ ኢድ ዳዊት ዝነበረት ዕጥቂ ??? ሕጂ ውን መልሲ ንሕልናኹም።

ሕጂ ውን ዝሓለፈ ውሑጅ ይውሰዶ፡ ሕጂ ግን ኩሉኹም መስቀልኩም ኣልዒልኩም ኣብ ጉዳይ ቤትኩም ክትዕጠቑ፡ ኣሕዋት ድያቆናት ውን ምስቲ ኣብ ቅኑዕ መገዲ ደው ብምባል፡ ንጉዳይ ቤተ ክርስትያን ሕቐኡ ሸጥ ኣቢሉ ዝዓጠቐ (ዝዓጠቑ) ኣቦኩም (ኣቦታትኩም)፡ ኣብ ጎድኑ(ጎድኖም) ደው ክትብሉ ምሕጽንታይ የቕርበልኩም።

ክስዕበኒ ዝፈቱ እንተሎ፡ ህይወቱ ቐቢጹ፡ መስቀሉ ኣልዒሉ ይስዓበኒ። ማቴ 16፡24

ኣምላኽ ንቤተ ክርስትያና ሰላሙ ይዓድላ

ጸልዩ በእንተ ሰላመ ቤተ ክርስትያን፡ ኣኃቲ ቅድስት ጉባኤ እንተ ሃዋርያት ርትዕት በእግዪኣብሔር።

ሎቱ ስብኃት

16/02/2020

በስመኣብ፡ ወወልድ፡ ወመንፈስ ቅዱስ፡ ኣሃዱ ኣምላክ፡ ኣሜን።

ሽግር ኣብ ተዋህዶ ስለምንታይ???

ሓደ መንእሰይ ናብ ሓደ ኣቦ ቀሪቡ ከምዚ ክብል ሓተቶም።

ሕቶ መንእሰይ፡
ኣቱም ኣቦ ስለምንታይ እዩ ሽግርን፡ መከራን ኣብ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ጥራይ ዝወርድ? ካልኦት ብሰላም እንዳነበራ ሃይማኖትና ግን ሰላም ሲኢና፡ እንታይ እዩ እቲ ጸገም? ኣምላኽ ምሳና ስለ ዘየለ ድዩ?

መልሲ እቦ፡
ዝወደይ ኣብ ሓደ ዓዲ ክልተ ገረብ ነበራ። እታ ሓንቲ ፍረ ዝባሃል የብላን፡ እታ ሓንቲ ግና እዝዩ ቡዙሕ ዝኾነ ፍረ ነበራ፡ እዞም ነብረቲ ዓዲ በቲ መንገዲ እተን ገረብ ዘለውኦ ክሓልፉ እንከለዉ፡ እምኒ ናበይ ይድርብዩ ይመስለካ ዝወደይ?

መንእሰይ፡
እዋአ እዚ ድኣ ፍሉጥ እንድዩ፡ ናብታ ፍረ ዘለዋ እዩ እቲ ሰብ እምኒ ዝድርቢ።

ኣቦ፡
ስለምንታይ ናብታ ፍረ ዘይብላ ዘይድርቢዩ? እታ ፍረ ዘለዋኸ ሕማቅ ዘይትጠቅም ስለ ዝኾነት ድያ ብእምኒ ትውረር ዘላ? እንታይ ይመስለካ ዝወደይ?

መንእሰይ፡
ፍረ ስለ ዘይብላ እንታይ ክረኽቡ እሞ ናባ ክድርብዩ? እታ ሓንቲ ግን ፍረ ስለ ዘለዋ ግድን እዮም ፍረ ክረኽቡ ኢሎም ናብኣ ክድርብዩ።

ኣቦ፡
ጽቡቅ መለስካ ዝወደይ። እዚ ዝሓተትካኒ ድማ ከሙ እዩ። ሰይጣን ናብ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘለዋ ድኣሉ ቅስቱ ዝውርውር እምበር፡ ናብቲ ፍረ መንፈስ ቅዱስ ዘይብሉስ ኣይውርውርን እዩ ዝወደይ።

መንእሰይ፡
ናይ ብሓቂ ኣቦይ ጽቡቅ መረድኣታ ጌርኩም ኣረዲኢኹምኒ የቀንየለይ።

ኣቦ፡
ምስጋና ንኣምላኽ እዩ ዝወደይ። ስጋ ከይበሰለ ዝበልዕ ሰብ የለን፡ እንድሕር ትጠቢሱን በሲሉን ግና ኩሉ ሰብ ይሃርፎ። ጉዕዞ ሂወት ክርስትና ድማ ብእሳት እንተ ዘሓሊፋ ጸጋ መንፈስ ቅዱስ ኣቦና ንኽሓድር ቦታ ስለ ዘይብሉ ገዲፉና ይከይድ።

ስለዚ ዝወደይ ንኣምላኽካ ሽግር ከርሕቐልካ ዘይኮንካ ንሽግር ዝጸውር ጸጋ ትዕግስቲ ሃበኒ በሎ። ጻድቅ ኣቦና ኢዮብ እንተ ዘይፍተን ነይሩ፡ ብጀካ ኣዝማዱን ሰበይቱን ደቁን መን መፈለጦ ነይሩ? እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝዘነበ ዝናብ ሽግርን መከራን ግን ስሙ ካብ ጻት ዓለም ክሳብ ጻት ዕለም ካብ ጥንቲ ክሳብ ዘልኣለም አንዳተዘከረ ከም ዝዝከር ገይርዎ እዩ።

ስለዚ ዝወደይ ኣጆኻ ብሽግር ክትሑጎስ ድኣ እምበር ተስፋ ክርቖርጽን ክትጣራጠርን ኣይግበኣካን እዩ።

መንእሰይ፡
ናይ በሓቂ ኣቦየ የቀንየለይ።

ወስብሃት ለእግዚኣብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር፡ ኣሜን።

ብጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3 ፓትራሪክ ዘሃገረ ኤርትራ
20/01/2020

ብጽዕ ወቅዱስ ኣቡነ ኣንጦንዮስ 3 ፓትራሪክ ዘሃገረ ኤርትራ

20/01/2020

ሰላም ደቂ ማሕበር ቅዱስ ገብርኤል ከለንን ከባቢኣን፡ ነዚኣ ገጽ ላይክን ሸርን ክትገብሩዋ፡ ብትሕትና ንሓትት።

Adresse

Cologne

Öffnungszeiten

09:00 - 17:00

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Eritreische Tewahdo Kirche Kudus Gebriel Köln erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Teilen