Betekrstiyan Kidus Urael SG

Betekrstiyan Kidus Urael SG ቤተክርስቲያን ቅዱስ ዑራኤል St. Gallen

18/09/2026

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!

8.1.2019/ 18.09.2026
ወንጌል/ ወ.ማቴ 23: 29-ፍጻ.

29: ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም።
30: ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም።*
31: እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም።
32: ንስኻትኩምውን መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ።
33: ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧
34: ስለዚ እንሆ፡ ነብያትን ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም።
35: እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤት መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ።
36: እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

ንኢየሩሳሌም ዝተዋህበ ስምዕታ

37: ኢየሩሳሌም፡ ኢየሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም።
38-39: ደጊም፡ "ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡" ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ዘመነ ዮሓንስ (ዘካርያስ)|

16/09/2026

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!

6.1.2019/ 16.09.2026
ወንጌል/ ወ.ዮ 12.37-ፍጻ

37-38: እዚ ኽንድዚ ዚኣክል ተኣምራት እኳ ኣብ ቅድሚኦም እናገበረ ኽነሱ፡ እቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥
ጐይታይ፡ ንምስክርናኸ መን ኣመኖ፡
ቅልጽም እግዚኣብሄርሲ ንመን ተጋህደ፡
ዝበሎ ቓል ምእንቲ ኺፍጸም፡ ብእኡ ኣይኣመኑን።
39-40: ድማ ኢሳይያስ ከም ብሓድሽ፥
በዒንቶም ከይርእዩ ብልቦምውን ከየስተውዕሉ፡
ከይምለሱን ኣነ ኸኣ ከይምሕሮምሲ፡
ኣዒንቶም ኣዖረ ልቦምውን ኣትረረ፡
ኢሉ እዩ እሞ፡ ስለዚ ምእማን ሰኣኑ።
41: ኢሳይያስ ክብረቱ ርእዩ ብዛዕባኡ ምስ ተዛረበ፡ እዚ በለ።
42-43: ምስናይዚ ግና ብዙሓት ካብ መኳንንቲ ብእኡ ኣመኑ። ግናኸ ካብ ናይ ኣምላኽ ክብርስ ናይ ሰብ ክብሪ ኣብሊጾም ስለ ዝፈተዉ፡ ካብ ቤት ጸሎት ምእንቲ ኸይሰጕዎም፡ ብሰሪ ፈሪሳውያን ኣየግሃዱን።
44: ኢየሱስ ግና ጨደረ በለውን፥ ብኣይ ዚኣምን በቲ ዝለኣኸኒ እዩ እምበር፡ ብኣይ ኣይኰነን ዚኣምን።
45: ንኣይ ዚርኢ ነቲ ዝለኣኸኒውን ይርእዮ።
46: እቲ ብኣይ ዚኣምን ዘበለ ኣብ ጸልማት ምእንቲ ኸይነብር፡ ኣነ ብርሃን ኰይነ ናብ ዓለም መጺኤ አሎኹ።
47: ኣነ ንዓለም ከድሕን ደኣ እምበር፡ ንዓለም ክፈርድ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ንቓለይ ሰሚዑ ዘይሕልዎ እንተሎ፡ ኣነ ኣይኰንኩን ዝፈርዶ።
48-50: ኣነስ፡ እቲ ዝለኣኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀንን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ዘመነ ዮሓንስ|

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!5.1.2019/ 15.09.2026ወንጌል/ ወ.ማቴ 13:31-44 ምስላ ኣድርን ማይ ብሒቕን፥31: ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰ...
15/09/2026

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!

5.1.2019/ 15.09.2026
ወንጌል/ ወ.ማቴ 13:31-44

ምስላ ኣድርን ማይ ብሒቕን፥

31: ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል።
32: ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን።
33: ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል።
34-35: ኢየሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪ፡
ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግር፡
ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን።

ትርጉም ናይቲ ኣብ ግራት ዝወደቐ ክርዳድ፥

36: ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና፡ በልዎ።
37: መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ [ኣምላኽ] እዩ።
38: እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም* ፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም።
39: እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም።
40: ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ።
41: ወዲ ሰብ [ኢየሱስ] መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡
42: ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።
43: ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ዘመነ ዮሐንስ|

12/09/2026

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!

2.1.2019/12.09.2026
ወንጌል / ወ.ማር 6: 14-30

ሞት ዮሓንስ መጥምቕ፥

14: ንጉስ ሄሮድስ ድማ እዚ ሰምዔ፡ ስሙ [ናይ ኢየሱስ] ተጋሂዱ ነበረ እሞ፡ *ዮሃንስ መጥምቕ ካብ ምዉታት ተንሲኡ እዩ፡ ስለዚ ኸምዚ ዝበለ ሓይሊ ብእኡ ይግበር አሎ፡ በለ።
15: ካልኦት ግና፡ ኤልያስ እዩ፡ በሉ። ካልኦት ከኣ፡ ነብዪ ኸም ሓደ ኻብ ነብያት እዩ፡ በሉ።
16: ሄሮዶስ ግና እዚ ምስ ሰምዔ፡ እዚ እቲ ኣነ ርእሱ ዘሰየፍክዎ ዮሃንስ እዩ፡ ንሱ ኻብ ምዉታት ተንሲኡ፡ በለ።
17-18: ዮሃንስ ንሄሮዶስ፡ ሰበይቲ ሓዉካ ንኣኻ ኽትከውን ኣይግብኣካን፡ ኢልዎ ነበረ። ሄሮዶስ ንሄሮድያዳ ሰበይቲ ፊልጶስ ሓዉ ኣእትይዋ ነበረ እሞ፡ ብሰራ ልኢኹ ንዮሃንስ ሒዙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሲርዎ ነበረ።
19-20: ሄሮዶስ ንዮሃንስ ጻድቕ፡ ቅዱስ ሰብኣይ ምዃኑ ፈሊጡ ይፈርሆ ነበረ እሞ፡ ይሕልዎ ኸኣ ነበረ። ምስ ሰምዖ ድማ፡ ይጭነቕ ብሓጐስውን ይሰምዖ ነበረ። ሄሮድያዳ ኸኣ ተቐየመቶ፡ ክትቀትሎውን ደለየት* ፡ ግናኸ ኣይተኻእላን።
21: ምሽእቲ መዓልቲ ምስ ኰነ፡ ሄሮዶስ እተወልደላ መዓልቲ፡ ሽዑ ንዓበይቱን ንሸለቃታትን ንሹማምቲ ገሊላን ምሳሕ ገበረ።
22: ጓል ሄሮድያዳ ድማ ኣትያ ሳዕስዔት፡ ንሄሮድስን ምስኡ ንተቐመጡን ከኣ ኣሐጐሰቶም። እቲ ንጉስ ነታ ጓል፡ ዝደሌኽዮ ለምንኒ እሞ ኽህበኪ፡ በላ።
23: ክሳዕ ፍርቂ መንግስተይ እንተ ዀነ እኳ፡ ዝለመንክኒ ኽህበኪ እየ፡ ኢሉ መሐለላ።
24: ወጺኣ ድማ ነዲኣ፡ እንታይ ክልምኖ፧ በለታ ንሳ ኸኣ፡ *ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ፡ በለታ።
25: *ብኡብኡ ቐልጢፋ ናብ ንጉስ ኣትያ፡ ርእሲ ዮሃንስ መጥምቕ ሕጂ ሕጂ ኣብ ሒላብ ጌርካ ኽትህበኒ እደሊ አሎኹ፡ ኢላ ለመነቶ።
26: እቲ ንጉስ ኣዝዩ ሐዘነ፡ ስለቲ ማሕላኡን ስለቶም መቓምጡን ግና ኪኸልኣ ኣይፈተወን።
27: ብኡብኡ ድማ እቲ ንጉስ ንሓደ ዓቀይታይ፡ ርእሱ ኼምጽእ ኣዚዙ፡ ለኣኾ። ንሱ ኸኣ ናብ ቤት ማእሰርቲ ኸይዱ ርእሱ ሰየፈ።
28: ብሒላብ ኣምጺኡ ድማ፡ ነታ ጓል ሃባ፡ እታ ጓልውን ነዲእ ሃበታ።
29: ደቀ መዛሙርቱ ድማ ሰሚዖም መጹ፡ ነቲ ሬሳኡ ኣልዒሎም ናብ መቓብር ኣእተውዎ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት / ዘመነ ዮሐንስ|

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!*  ሓዱሽ ዓመት 2019 ግ. (ዘመነ ሉቃስ)🌻1.1.2019/ 11.09.2026ወንጌል/ ወ.ማቴ 11:1-20 ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ናብ ኢየሱስ ዝ...
11/09/2026

ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን ሓደ ኣምላኽ!*

ሓዱሽ ዓመት 2019 ግ. (ዘመነ ሉቃስ)🌻

1.1.2019/ 11.09.2026
ወንጌል/ ወ.ማቴ 11:1-20

ካብ ዮሓንስ መጥምቕ ናብ ኢየሱስ ዝተላእኩ፥

1: ኰነ ድማ፡ ኢየሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም
ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ።
2: ዮሓንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡
3: እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ።
4: ኢየሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሓንስ ንገርዎ፡
5: ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።
6: ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ።
7: ንሳቶም ምስ ከዱ፡ ኢየሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሓንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፡
8: እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገሥታት ኣለዉ።
9: ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።
10: እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡
እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ።
11: ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሓንስ መጥመቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን ። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ።
12: ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥመቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ።
13: ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሓንስ ተነበዩ።
14: ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ።
15: እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ።
16: ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል።
17: እሞ ዚብልዎም፡
እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኼኹምን።
18: ዮሓንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ።
19: ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ዘመነ ዮሐንስ|

10/09/2026

በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!

5 ጳጕሜን.2018/ 10.09.2026
ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ማቴ. 5: 1-17

ዓንቀጸ ብጹኣን፥

1: ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ ከረን ደየበ ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።
2: ኣፉ ኸፈተ፡ ከምዚ እናበለ ድማ መሀሮም፡
3: ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
4: ዚጕህዩ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
5: ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
6: ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን* ፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
7: መሓርቲ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ *ብጹኣን* እዮም።
8: ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
9: ገበርቲ ሰላም፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
10: ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
11: እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም።
12: ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም።
13: ንስኻትኩም ጨው ምድሪ ኢኹም። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።
14: ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።
15: መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም።
16: ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ ቅድሚ ሰብ ይብራህ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ጳጕሜን, ጎሕ, ጽባሕ, ብርሃን, መዓልት|

በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!4.ጳጕሜን.2018/ 09.09.2026ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ማቴ 18: 23-ፍጻ.23: ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል።24: ኪጸባጸ...
09/09/2026

በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!

4.ጳጕሜን.2018/ 09.09.2026
ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ማቴ 18: 23-ፍጻ.

23: ስለዚ መንግስተ ሰማያት ምስ ባሮቱ ኺጸባጸብ ዝደለየ ንጉስ ትመስል።
24: ኪጸባጸብ ምስ ጀመረ፡ እልፊ [ሽሕ/ዓሰርተ ሽሕ] መክሊት ዕዳ ዘለዎ ናብኡ ኣቕረቡ።
25: ዚፈድዮ ምስ ሰኣነ ግና፡ እቲ ጐይታኡ፡ ንሱን ሰበይቱን ደቁን ዘለዎ ዅሉን ኪሸይጥ እሞ እቲ ዕዳ ኺፍደ ኣዘዘ።
26: ሽዑ እቲ ባርያ ተደፊኡ፡ ጐይታይ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኸኣ ክፈድየካ እየ፡ ኢሉ ሰገደሉ።
27: ጐይታኡ ድማ ነቲ ባርያ መሐሮን ፈትሖን፡ ዕዳኡውን ሐደገሉ።
28: እቲ ባርያ ምስ ወጸ ግና፡ ካብቶም ብጾቱ ሚእቲ ዲናር ዕዳ ዘለዎ ሓደ ባርያ ረኸበ። ሒዙ ኸኣ፡ ኣባኻ ዘሎ ዕዳ ፍደየኒ፡ ኢሉ ሐነቖ።
29: ሽዑ እቲ ብጻይ ባርያ፡ ተዐገሰኒ፡ ኵሉ ኽፈድየካ እየ፡ ኢሉ ተደፊኡ ለመኖ።
30: ንሱ ግና ኣበዮ፡ ከይዱ ድማ፡ ክሳዕ ዕዳኡ ዚፈዲ፡ ኣእሰሮ።
31: እቶም ብጾቱ ባሮት ዝገበሮ ርእዮም ብዙሕ ጐሀዩ። ከይዶም ከኣ፡ ዝዀነ ዅሉ ንጐይታኦም ነገርዎ።
32: ሽዑ ጐይታኡ ጸዊዑ፡ ኣታ ኽፉእ ባርያ፡ ኣነ ኽንዲ ዝለመንካኒ ብዘሎ ዕዳኻ ሐደግኩልካ።
33: ንስኻኸ ኸምቲ ኣነ ዝመሐርኩኻዶ፡ ነቲ ብጻይካ ኽትምሕሮ ኣይምተገብኣካን፧ በሎ።
34: ጐይታኡ ዀርዩ፡ ኵሉ ዕዳኡ ኽሳዕ ዚፈዲ፡ ንዜጽብቡሉ ኣሕሊፉ ሀቦ።
35: ነፍሲ ወከፍኩም ነንሓዉ ነቲ በደሉ በብልብኹም ይቕረ እንተ ዘይበልኩምሉ፡ እቲ ሰማያዊ ኣቦይ ድማ ከምኡ ኺገብረኩም እዩ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ጳጕሜን, ጎሕ, ጽባሕ, ብርሃን, መዓልት|

08/09/2026

በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!

3.ጳጕሜን.2018/ 08.092026
ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ማቴ 25:31-ፍጻ.

ዳግም ምጽኣት ክርስቶስ

31: ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ።
32: ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም።
33: ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማኑ፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን።
34: ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ።
35: ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ኣስቴኹምኒ ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።
36: ዐሪቐ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ።
37: ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልሱሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧
38: መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ እሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧
39: መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ።
40: እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
41: ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ።
42: ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን።
43: ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን።
44: ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መዓስ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልሱሉ።
45: ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።
46: እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ናይ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ጳጕሜን, ጎሕ, ጽባሕ, ብርሃን, መዓልት|

07/09/2026

በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!

2.ጳጕሜን 2018/ 07.09.2026
ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ሉቃ 10:1-12

ጐይታ 72 ከምዝለኣኸ፥

1: ድሕርዚ ጐይታ ድማ ካልኦት ሰብዓ ሰርዔ፡ በብኽልተ ገይሩ ኸኣ፡ ናብቲ ንሱ ዚኸዶ ዘበለ ኸተማን ስፍራን ቀቅድሚኡ ለኣኾም።
2: በሎም ከኣ፥ እኽሊ ብዙሕ እዩ፡ ዓየይቲ ግና ሒደት እዮም። ስለዚ ነቲ ጐይታ እኽሊ ንእኽሉ ዓየይቲ ኺልእኽ፡ ለምንዎ።
3: መገድኹም ኪዱ። እንሆ፡ ኣነ ኸም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ።
4: ማሕፉዳን ለቘታን ኣሳእንን ኣይትማልኡ፡ ኣብ መገዲ ንሓደ እኳ ኸመዓልካ ኣይትበሉ።
5: ኣብ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ቅድም፡ ነዛ ቤት ሰላም ይኹን፡ በሉ።
6: ኣብኣ ወዲ ሰላም እንተሎ፡ ሰላምኩም ኣብኡ ኺሐድር እዩ፡ እንተ ዜልቦ ግና፡ ሰላምኩም ኪምለሰኩም እዩ።
7: ኣብታ ቤት ከኣ ንበሩ፡ ንዓያዪ ዓስቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ኣባታቶም ካብ ዘሎ ብልዑን ስተዩን። ካብ ቤት ናብ ቤት ኣይትሕለፉ።
8: ኣብ ዝኣቶኩምዋ ኸተማውን እንተ ተቐበሉኹም፡ ዝቐረቡልኩም ብልዑ።
9: ኣብኣ ንዘለዉ ሕሙማት ኣሕውዩ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ቀሪባ ኣላ፡ ከኣ በልዎም።
10: ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ኸተማ እንተ ዘይተቐበሉኹም ግና፡ ናብ ኣደባባይ ወጺእኩም፥
11: እቲ ኻብ ከተማኹም ዝለገበና ተጐጓ እኳ ንነግፈልኩም አሎና። እታ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም ከም ዝቐረበት ግና፡ እዚ ፍለጡ በሉ።
12: በታ መዓልቲ እቲኣ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኩም አሎኹ።

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ጳጕሜን, ጎሕ, ጽባሕ, ብርሃን, መዓልት|

04/09/2026

*በስመ ሥላሴ ሓደ ኣምላኽ!*

29.12.2018/ 04.09.2026
*ናይ ዕለት ወንጌል ወ.ማቴ. 5: 1-17*

_*ኢየሱስ ትምህርቲ ብጽእና ከምዝመሃረ፥*_

1: ብዙሕ ህዝቢ ምስ ረኣየ፡ ናብ *ከረን ደየበ* ። ምስ ተቐመጠ ኸኣ፡ ደቀ መዛሙርቱ ናብኡ ቐረቡ።
2: *ኣፉ ኸፈተ* ፡ ከምዚ እናበለ ድማ *መሀሮም* ፡
3: *ብመንፈስ ድኻታት፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብጹኣን እዮም።*
4: *ዚጕህዩ* ፡ ምጽንናዕ ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
5: *ዓቃላት* ፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
6: *ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን* ፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
7: *መሓርቲ* ፡ ምሕረት ኪረኽቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
8: *ጹሩያት ልቢ* ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
9: *ገበርቲ ሰላም* ፡ ውሉድ ኣምላኽ ኪበሀሉ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።
10: *ምእንቲ ጽድቂ ዚስደዱ* ፡ መንግስተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ *ብጹኣን* እዮም።
11: *እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩምን፡ ብጹኣን ኢኹም*።
12: ከምኡ ኸኣ ቅድሜኹም ንዝነበሩ ነብያት ሰጕጎምዎም እዮም እሞ፡ ኣብ ሰማያት *ዓስብኹም ብዙሕ ስለ ዝዀነ፡ ተሐጐሱ ባህውን ይበልኩም* ።
13: ንስኻትኩም *ጨው ምድሪ ኢኹም* ። ጨው መቐረቱ እንተ ኸደኸ፡ ብምንታይ ይምቅር፧ ብሰብ ኪርገጽ ንግዳም ምድርባዩ እንተ ዘይኰይኑ እምበር፡ ዚጠቅም የብሉን።
14: *ንስኻትኩም ብርሃን ዓለም ኢኹም* ። ኣብ ከረን ዘላ ኸተማ ኽትክወል ኣይከኣላን እዩ።
15: *መብራህቲ፡ ኣብ ቤት ንዘሎ ኹሉ ኼብርህ፡ ኣብ ቀዋሚ ቐንዴል ኪሰቕልዎ እምበር፡ ኣብ ትሕቲ ኸፈር ኬንብርዎ ኣየብርሁን እዮም* ።
16: *ከምኡ ኸኣ ነቲ ጽቡቕ ግብርኹም ርእዮም፡ ኣብ ሰማያት ንዘሎ ኣቦኹም ምእንቲ ኼመስግንዎ፡ ብርሃንኩም ኣብ* *ቅድሚ ሰብ ይብራህ።*

አሜን!

|ዘመነ ክረምት/ ጎሕ, ጽባሕ, ብርሃን, መዓልት|

Adresse

Heimatstrasse 13
Saint Gallen
9008

Öffnungszeiten

08:00 - 12:00

Webseite

Benachrichtigungen

Lassen Sie sich von uns eine E-Mail senden und seien Sie der erste der Neuigkeiten und Aktionen von Betekrstiyan Kidus Urael SG erfährt. Ihre E-Mail-Adresse wird nicht für andere Zwecke verwendet und Sie können sich jederzeit abmelden.

Verknüpfungen

Teilen

Kategorie