St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ

St.Gabriel Vancouver BC  ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ St.Gebriel is Eritrean Oriental Orthodox Church located in Metro Vancouver.

5/፭ ሓምለ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስሀ, ቅዱስ ጴጥሮስ   ጴጥሮስ ማለት ከውሒ ማለት እዩ። ብእብራይስጥ ኬፋ ይበሃል። ቀዳማይ ስሙ ስምኦን እዩ፡ ትውልዱ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ኮይኑ ኣቦኡ ዮና ይ...
07/12/2026

5/፭ ሓምለ ቅዱስ ጴጥሮስ ወጳውሎስ

ሀ, ቅዱስ ጴጥሮስ

ጴጥሮስ ማለት ከውሒ ማለት እዩ። ብእብራይስጥ ኬፋ ይበሃል። ቀዳማይ ስሙ ስምኦን እዩ፡ ትውልዱ፡ ካብ ነገድ ሮቤል ኮይኑ ኣቦኡ ዮና ይበሃል። ዝተወልደሉ ቦታ ኣብ ቤተ ሳይዳ ኣብ ገሊላ እዩ። ሰበይቱ ድማ ጴርቴዋ ትበሃል። ንሱ ዓሳ ብምግፋፍ ናብርኡ ዝመርሕ ዝነበረ ሰብ እዩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ከኣ ምስ ሓዉ እንድርያስ ዓሳ እናገፈፉ ከለዉ ንሓዋርያነት ተጸውዑ (ማቴ 4፡19) ።

ጴጥሮስ የዋህ፡ ፈጣን፡ ቅጡዕ ነበረ። የዋህ ዘብሎ ጎይታ ኣብ ማእከል ባሕሪ ክኸይድ ከሎ ምስ ረአዮ “ኦ ጎይታይ ናባኻ ኽመጽእ ፍቐደለይ” ኢሉ ብባሕሪ ክከይድ ምፍታኑ፡ (ማቴ 14፡28) ፡ ፈጣን መበሊኡ ጎይታ ንደቂ መዛምርቱ ኣብ ቂሳርያ ናይ ፊልጶስ “ሰባት ንወዲ ሰብ መን ይብልዎ” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ገሊኦም “ሙሴ ይብሉኻ፡ ኤልያስ ይብሉኻ…” ኢሎም ምስ መለስሉ፡ “ንስኻትኩም መን ትብሉኒ” ኢሉ ምስ ሓተቶም፡ ቅዱስ ጴጥሮስ “ንስኻ ኢየሱስ ክርስቶስ ወዲ እቲ ህያው ኣምላኽ ኢኻ” ኢሉ መለሰሉ (ማቴ 16፡16) ፡ ቁጡዕ ዘብሎ ድማ ኣይሁድ ንጎይታ ምስ ሓዝዎ፡ ተቖጢዑ እዝኒ ማልኮስ ብሴይፊ ምቁራጹ እዩ (ዮሓ 18፡10) ።

ጎይታ “ሃብታም መንግስተ ሰማያት ካብ ዝኣቱስ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል” ኢሉ ይምህሮም ስለ ዝነበረ፡ ሓዋርያ ጴጥሮስ “ኩሉ ገዲፍና ንኽተለካ ኣሎና ንዓና እንታይ ዓስብና፧” ኢሉ ሓተቶ። ጎይታ ድማ “ብሓቂ እብለኩም ኣለኹ ወዲ ሰብ በታ ሓዳስ ዘመን ኣብ ዝፋን ክብሩ ኣብ ዝቅመጠላ እዋን ንስኻትኩም ድማ ንዓሰርተ ክልተ ነገድ እስራኤል ክትፈርዱ ኢኹም” ኢሉ ዝረኽብዎ ክብሪ ነገሮም (ማቴ 19፡27-28) ። ሓደ መዓልቲ ኩሎም ደቂሶም ከለዉ ጎይታ ግን ኣይደቀሰን ነይሩ። ሓዋርያ ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ንጎይታ ኣይትድቅስን ዲኻ ኢሉ ሓተቶ። ጎይታ ድማ ናይ ዑንቂ ጽዋእ ዝሑል ማይ ገይሩ ሃቦ፡ ከይሰተያ ከሎ ድቃስ መጾ። ካብ ኢዱ ድማ ወደቖ ምስ ተበራበረ፡ ጽዋእ ተሰይሩ ማይ ፈሲሱ ረኣዮ እሞ ሰንበደ። ጎይታ ድማ ምስንባድ ናይ ጴጥሮስ ርእዩ “ኣነ ድማ ንዓለም ከምአ ገይረ እየ ሒዘያ ዘለኹ ዝድቅስ እንድሕር ኮይነ ከምታ ጽዋእ ትስበር ከምታ ማይ ድማ ትፈስስ ኣሰራ’ውን ኣይትርከብን” ኢሉ መለሰሉ። ጴጥሮስ ከኣ ንጎይታ “ንዓለም ከመይ ጌርካ ትሕዛ፧” ክብል ደጊሙ ሓተቶ፡ ንዓለም ኣብ ኢዱ ሒዙ ንዕኡ ድማ ኣብ ማእከላ ገበሮ እሞ ኦ ስምኦን ኣበይ ኣለኻ ኢሉ ሓተቶ፡ እንድዒ ኣበይ ከም ዘለኹ ኣይፈልጥን እየ ኢሉ መለሰሉ።

ቅዱስ ጴጥሮስ ቅድሚ ኩሉ እኳ ንጎይታ እንተስዓቦ ኣብ ግዜ ሕማማቱ ግን ቅድሚ ኩሎም ክሒዱዎ ነበረ ግን ከኣ ብንስሓ ተመልሰ (ማቴ 26፡69-75)። ጎይታ ቅድሚ ዕርገቱ “ኣባጊዐይን ዕያውተይን ሓሉ” ኢልዎ ነይሩ፡ እዚ ማለት ድማ ኣብ ፍጹምነት ኣብ ማእከላውነት ኣብ ምጅማር ዘለዉ ከም ኣቦ ኮይንካ ሓልዎም ብምባል ሓደራ ሃቦ (ዮሓ 21፡15-17) ። ጎይታ ምስ ዓረገ ኣብ 10ይ መዓልቲ መንፈስ ቅዱስ ተቀቢሉ ዝፈልጦ ጸኒዕሉ ዘይፈልጦ ተገሊጽሉ ኣብ ሓደ መዓልቲ ብስብከቱ 3000 ኣእሚኑን ኣጠሚቑን እዩ (ግሃ 2፡41) ። ምስ ዮሓንስ ጸሎት ክገብሩ ናብ ምኩራብ ምስ ኣተዉ ክውለድ ከሎ ዝለመሰ ሰብአይ ነበረ። ብስም እግዚኣብሔር ድማ ለመኖም። ጴጥሮስ ድማ “ንህበካ ወርቂ ወይ ብሩር የብልናን ብስም ኢየሱስ ክርስቶስ ግን ተንስእ” ምስ በሎ ተፈወሰ (ግሃ 3፡1-8) ።

ሓዋርያት መንፈስ ቅዱስ ምስ ተቐበሉ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዓመት ምስ መሃሩ፡ ወንጌል ንዘይ በጽሖ ብስራተ ወንጌል ከስፋሕፍሑ ብመሪሕነት ቅዱስ ጴጥሮስ ዕጫ ገበሩ ንኹሎም ኣኣብ ዝበጽሖም ሃገረ ስብከት ኣብጺሑ ንሱ ድማ ሮም ከደ። ኣብ ሮም ድማ 25 ዓመት መሃረ። ቅድሚ ናብ ሃገረ ስብከቱ ሮም ምኻዱ ኣብ ሰማርያ፡ ኢዮጴ፡ ልዳ፡ ኣንጾኪያ፡ የንጦስ፡ ገላትያ፡ ቀጶደቂያን፡ ቢታንያ፡ ምሂሩ ኣብ ኢዮጴ ንጣቢታ ካብ ሞት ኣተንስኣ፡ ኣብ ልዳ ድማ ንኤንያ ካብ ሓሚምዎ ዝነበረ ሕማም ለምጺ ኣድሓኖ። ኣብ ሰማረያ እናመሃረ ከሎ ስምኦን ዝበሃል ጠንቋላይ ብዙሕ ወርቅን ብሩርን ብምምጻእ፡ ከማኹም ተኣምር ከም ዝገብር ግበረኒ በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “መንፈስ ቅዱስ ብወርቅን ብብሩርን ክትገዝእ ደሊኻ፡ ጽኑዕ ክሕደት ከምዘለካ ይርኤካ ኣለኹ” ኢሉ መለሰሉ። ስምኦን ከምዘይኮነሉ ምስ ፈለጠ ኣንጾኪያ ከይዱ ክምህር ጀመረ። ንምእመናን የስሕት ኣሎ ኢሎም ድማ ነገርዎ። ንዮሓንስ ሒዙ ድማ ናብ ሰማርያ ወረደ፡ ምሰኦም ምክርካር ከም ዘይዋጽኦ ፈሊጡ ናብ ሮማ ከደ። ብዙሕ ህዝቢ ድማ ይስዕቦ ነበረ። ነቶም ህዝቢ ንምእማን ድማ ንመስዋዕቲ ዝተቐረበ ብዕራይ ኣብ እዝኑ ሕሹኽ ምስ በሎ፡ ኣብ ክልተ ተመቕለ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመስቀል ኣማዕተበሉ ሓፍ በለ፡ ብድሕሪ’ዚ ሓይሊ ኣጋንንቲ ተጠቂሙ ክዓርግ ፈቲኑ ቅዱስ ጴጥሮስ ብመስቀሉ ምስ ኣማዕተበሉ ካብ ላዕሊ ወደቐ ብሕማቅ ኣማውታ ድማ ሞተ። ትንሳኤ ሙታን የለን ጎይታ ንነፍሱ ብምትሃት፡ ብሕድረት እዩ ኣልዒልዎ ኢሎም ንህዝቢ ዝህውኹ ተላዕሉ። ንሓዋርያትን ኣርድእትን ኣኪቡ ብመሪሕነት ያዕቆብ ኣብ ኢየሩሳሌም ጉባኤ ገበሩ። 43 ዓንቀጻት ዘለዎ መጽሓፍ ደድስቅልያ ድማ ጽሓፈ። እዚ ዝኾነሉ ብ50 ዓ/ም እዩ። ነቶም ዝማሃሮም ካብ ሃይማኖቶም ከይዝንብሉ ክልተ መልእኽቲ ጽሓፈሎም እታ ቀዳመይቲ ብ54 ዓ/ም ኣብ ባቢሎን ኮይኑ፡ እታ ካልአይቲ ድማ ብ60 ዓ/ም ኣብ ሮማ ኮይኑ ጽሒፍወን።

ንጉስ ነይሮን ቄሳር መምለኺ ጣዖት ስለ ዝነበረ ብምኽንያት ሃይማኖት ኣሲርዎ ነይሩ። ንኣካይያ ዘሚቱ ምስ ተመልሰ ኣብ ጣዖት ስገድ በሎ። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ ኣይሰግድን ኢሉ ኣበዮ። ብሽንካር ተሸንኪሩ ኣብ መስቀል ተሰቒሉ ይሙት ኢሉ ፈረዶ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣህዛብ ከሸግርዎ ከለዉ ሓዊ ካብ ሰማይ ወሪዱ ክበልዖም ናብ ኣምላኽ የመልክት ነበረ። ከምቲ ዘመልከቶ ድማ ይኾነሉ ነበረ፡ ምስ ተፈርደ ድማ ከምኡ ኢሉ ጸለየ፡ ጎይታ መስቀሉ ተሸኪሙ ከሎ ተራእዮ፡ ጎይታይ ኣብ ሮማ ንኻልአይ ግዜ ተሰቒልካ በሎ። ንስኻ ስለዝፈራህካ ካልአይ ግዜ መጻእኩ በሎ። ብድሕሪ እዚ፡ ከም ጎይታ ዝተሰቅሎ ዘይኮነስ ቁልቁል ኣፈይ ገይርኩም ስቐሉኒ” በሎም። መርቄሎስ ዝተባህለ ወዲ መዝሙሩ ካብ መሰቀል ኣውሪዱ ብጸባን ብወይንን ሓጺቡ ሽቶ ቀቢኡ ብጻዕዳ ሃሪ ገኒዙ ስጋኡ ምእንቲ ከይፈርስ ኣብ መዓር ዝመልአ ሳንዱቅ ገይሩ ቀበሮ። ቅዱስ ጴጥሮስ ን50 ዓመት ዝኣክል ምስ መሃረ በዛ ዕለት እዚአ ዓረፈ።

ለ. ቅዱስ ጳውሎስ

ጳውሎስ ማለት ሕሩይ፡ ምሩጽ ማለት እዩ፡ ብኻልኣይ ድማ ብርሃን ማለት እዩ። ጳውሎስ ማለት ብርሃን ኮይኑ (ዘዳ 14፡2) ቀዳማይ ሽሙ ሳውል እዩ። ሳውል ማለት

ድማ ጸጋ እግዚኣብሔር ማለት እዩ። ትውልዱ ካብ ነገደ ብንያም እዩ (ፊል 3፡5) ። ኣቦኡ ዮስኤል ይበሃል። ጎይታ ምስ ተወልደ ኣብ ሓሙሻይ ዓመቱ ኣብ ጤርሴስ ተወልደ። ወዲ 15 ዓመት ምስ ኮነ ኣብ ኢየሩሳሌም ምስ ዓባይ ሓፍቱ ብምቕማጥ ኣብ ትሕቲ ገማልያል ሕጊ ኦሪትን መጻሕፍቲ ነቢያትን እናተማህረ ዓበየ (ግ.ሓ 22፡3) ። ብሕገ ኦሪት ኣዝዩ ቀናእ ስለ ዝነበረ “ክርስቶስ ፍጡር እዩ፡ ወንጌል ድማ ድቓላ እያ” እናበለ ንሓዋርያት ይቃወም፡ ንምእመናን ድማ የሳድድ ነበረ። ብወንጌል ዝኣመነ ድሕሪ ዕርገት ጎይታ ኣብ 8ይ ዓመቱ እዩ። ክርስቲያን ንምስዳድ ካብ ሊቀ ካህናት ወረቀት ተቐቢሉ ናብ ደማስቆ እናኸደ ከሎ መብረቕ ወደቖ፡ ሰንቢዱ ድማ ወደቐ፡ “ሳውል ሳውል ስለምንታይ ተሳድደኒ ኣለኻ፧” ዝብል ድምጺ ድማ ሰምዐ። ንሱኸኣ “ንስኻ መን ኢኻ፧” ኢሉ ድማ ሓተተ። “ንምእመናን ኣብ ዝወዓልዎ ኣየውዕልን፡ ኣብ ዝሓደርዎ ኣየሕድርን፡ ኢልካ ተሳድደኒ ዘለኻ፡ኣነ ክርስቶስ እየ፡ በሊሕ ሴፍ እንተረገጽካ ንርእስኻ እዩ ዝኸፍኣካ፡ ሕጂ ድማ ንምእመናን እንተበደልካ ዝጉዳእ ንስኻ ደኣ እምበር ኣነ ከይመስለካ” በሎ፡ ጳውሎስ ድማ “ሕጂ እንታይ ክገብር ትደሊ ኣለኻ፧” ኢሉ ሓተቶ። ተሲእካ ናብ ከተማ እቶ እትገብሮ ክነግሩኻ እዮም በሎ። ምስኡ ዝነበሩ ድምጺ እናሰምዑ መልክዑ ግን ክርእዩ ኣይከኣሉን፡ ካብ ዝወደቖ ተንሲኡ ተመሪሑ ከኣ ናብ ደማስቆ ኣብጽሕዎ እኽለ ማይ ከይቀመሰ ከኣ ሰለስተ መዓልቲ ገበረ።

ካብ 72 ኣርድእቲ ሓደ ሃናንያ ኣብ ደማስቆ ይነብር ነበረ። ጎይታ ብራእይ “ንጳውሎስ ኣእሚንካ ኣጠምቆ” በሎ። ንሱ ከኣ “እዚ ከመይ ኢሉ ይኸውን እዚ ሰብ እዚ ንምእመናን ዘሳድድ እንድዩ፧” በለ። ጎይታ ከኣ “ምሩጽ ኣቕሓ ገይረዮ ኣለኹ ኪድ ተቐበሎ ድማ” በሎ። ንሱ ከኣ ከይዱ “ሳውል ሓወይ እቲ ኣብ መገዲ ዝረኣኻዮ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ መንፈስ ቅዱስ ክሓድረካ ናባኻ ልኢኹኒ ኣሎ” ኢሉ ዓይኑ ዳህሰሶ እሞ እቲ ዓይኑ ሸፊንዎ ዝነበረ ነገር ተቐራሪፉ ካብ ዓይኑ ረገፈሉ።

ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚነ ኢሉ ክምህር ምስ ጀመረ ኣይሁድ ተገረሙ ተንኮል ካብ ምሕሳብ ስለዘየዕረፉ ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ኣብ ሶርያን ኪልቂያን ክምህር ከሎ ሲላስ ምስኡ ስለዝነበረ ንክልቲኦም ኣሲሮም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣእተውዎም። ፍርቂ ለይቲ ምስ ኮነ ዓው ኢሎም ዘመሩ፡ እቲ ቤት ማእሰርቲ ድማ ካብ መሰረቱ ኣንቀጥቀጠ፡ እቲ ሓላዊ ቤት ማእሰርቲ ምንቅጥቃጥ እቲ ቤትን ምክፋት ማዕጾን ርእዩ እሱራት ዝሃደሙ መሰሎ እሞ ካብ ቁጥዐ ሓለቓኡ ፈሪሁ ገዛእ ርእሱ ከጥፍእ ሴፍ ኣውጽአ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ “ኩላትና ኣለና ሓደ እኳ ዝኸደ የልቦን ነፍስኻ ኣይተጥፍእ” በሎ። በዚ ከኣ ኣሚኑ ተጠምቀ (ግሓ 16፡19-34)። ቅዱስ ጳውሎስ ክምህር ከሎ ብጥበብ እዩ ዝምህር ዝነበረ። ኣብ ጣዖት ንዝአምኑ ከም መምለኺ ጣዖት መሲሉ ይምህሮም ነበረ (1ቆሮ 9፡21)። ናይዚ ምኽንያት ድማ ቅዱስ ጴጥሮስን፡ ዮሓንስ ከካብ ሃገረ ስብከቶም ተመሊሶም ኣብ ኢየሩሳሌም ነበሩ፡ ቅዱስ ጳውሎስ ድማ ኣብ ኣንጾኪያ ኬድኩም መሃሩ ኢሉ ለአኾም። ንሳቶም ድማ ብደመና ተጻዒኖም ከዱ፡ እቶም ህዝቢ መምለኽቲ ጣዖት ነበሩ፡ ኣብኡ ኣትዮም ክምህርዎም ምስ ጀመሩ ንጴጥሮስ ሃሪሞም ኣብ እግሪ ጣዖት ደርበይዎ ንዮሓንስ ድማ ብዘይ ማይ ላጽዮም ኣብ ደገ ደርበይዎ። ጳውሎስ ድማ ልብሲ ካህን ተከዲኑ፡ መምለኺ ጣዖት መሲሉ መጸ። ኣብ ደገ ድማ ንዮሓንስ ረኸቦ። “ፍቁረ እግዚእ! እንታይ ኣውዲቕካ፧” በሎ። ዮሓንስ ድማ “ኣነስ ድሓን እየ ሊቀ ሓዋርያት ጴጥሮስ ሃሪሞም ኣውዲቖሞ ኣለዉ” ኢሉ ነገሮ። ናብ ውሽጢ ኣትዩ ድማ ብኢዱ ጠቂዑ ንህዝቢ ኣከቦም፡ ካብ ቄሳር ተላኢከ እየ መጺአ ነዞም ናይ ሓሶት ትምህርቲ ዝምህሩ ሒዝኩም ኣምጽኡለይ ኢሉ ኣሎ” ብምባል ነቶም ህዝቢ ነገሮም። ንሶም ድማ “ሕጊ ንጉስ ስለ ዘይሰማዕና ሃሪምና ኣብዚ ደርበናዮም” ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ “ናብዚ ኣምጽኡለይ” በሎም እሞ ኣምጽእሉ። ንሱ ከኣ “እንታይ እናበልኩም ኢኹም ትምህሩ፧”ኢሉ ሓተቶም። ቅዱስ ጴጥሮስ ድማ “ጎይታ ካብ ሰማይ ወሪዱ ካብ ቅድስት ድንግል ማርያም ተወሊዱ፡ ሞተ፡ ተንስአ፡ ዓረገ፡ ዳግማይ ድማ ክመጽእ እዩ” ኢልና ንምህር በሎ። ንሱ ከኣ “ድንግል ከመይ ኢላ ትወልድ፧ ምውት’ከ ከመይ ኢሉ ይትንእ ሓሳዊ” ብምባል ንቅዱስ ጴጥሮስ ብጽፍዒት ሃረሞ፡ ቅዱስ ጴጥሮስ ከኣ ናብቲ ናይ ቅድም ግብሩ ዝተመለሰ መሲልዎ፡ “ተመየጥከኑ ጳውሊ ሃበ ዘቀዳሚ ግብርከ” በሎ። ብድሕሪ እዚ “እዚ ትብልዎ ዘለኹም ሓቂ እንተኾይኑ ምውት ኣተንሲእኩም ኣርእዩኒ” ብምባል ናብ ሓደ ካብ ዝመውት ክልተ ወርሒ ገይሩ ዝነበረ ወዲ ንጉስ መቓብር ወሰዶም። እቶም ሓዋርያት ድማ ጸሎት ገበሩ፡ ጳውሎስ’ውን ብትሑት ድምጺ ይጽሊ ነበረ። እቲ ምዉት ድማ ተንስአ፡ “መን ኣተንሲእካ ኢሎም” ከኣ ሓተትዎ፡ ንሱ ከኣ ናይ ቅዱስ ጳውሎስ መልክዕ ካብ ጽፍሪ እግሩ ክሳብ ጸጉሪ ርእሱ ነጊሩ “ኣተንሲኡኒ” ኢሉ ነገሮም። እቶም ህዝቢ ከኣ ነዚ ተኣምር ርእዮም ብጎይታ ኣሚኖም ተጠመቑ።

ቅዱስ ጳውሎስ ንሕሙማት ውን ሕሙም ተመሲሉ ምሂሩዎም እዩ (1ቆሮ9፡22) ። እዚ ከመይ እዩ እንተተባህለ “ሓሚመ” ኢሉ ኣብ ቤት ሕሙማት ኣተወ 40 መዓልቲ ድማ እኽለ ማይ ከይበለዐ ብኸቢድ ከም ዝሓመመ ይግዕር ነበረ። 40 መዓልቲ ምስ ገበረ “ኣቱም የሕዋተይ በቲ ኣብ ኢዮሩሳሌም ዝምህር ዝነበረ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተባህለ እንድሕር ኣሚንካ ትድሕን ኢኻ ክብሉ ሰሚዐ ነይረ” በሎም። ንሳቶም ድማ “ካባኻ ንላዕሊ ሕሙም የለን እሞ ንስኻ እመን፡ እንድሕር ንስኻ ካብ ሕማምካ እንተሓዊኻ ንሕና ከኣ ብእኡ ክንኣምን ኢና” በልዎ። ጳውሎስ ከኣ “ኣነ ብኢየሱስ ክርስቶስ አሚነ ኣለኹ” በለ እሞ ተንስአ። ነዚ ርእዮም ከኣ እቶም ሕሙማት “ንሕና’ውን ብኢየሱስ ክርስቶስ ኣሚና ኣሎና” ኢሎም 200 ዝኣኽሉ ሕሙማትን ድውያትን ካብ ሕማሞም ሓውዮም ተንስኡ። ብወንጌል ኣሚኖም ከኣ ተጠመቑ። በዚ ከምዚ ከኣ ካብ ሃገር ናብ ሃገር እናኸደ ብዙሕ መሃረ ነቶም ዝመሃሮም ድማ ካብ ሃይማኖቶም ከይወድቁ 14 መልእኽትታት ጽሓፈሎም።

ብ69 ዓ.ም ሮም ኣትዩ ክምህር ከሎ ንጉስ ኔሮን ቄሳር ኣሲርዎ ነበረ። ንኣካይያ ስዒሩ ምስ ተመልሰ ካብ ማእሰርቱ ኣጸውዖ፡ መስቀሉ ሒዙ ድማ ቀረበ፡ በዚ ተቖጢዑ ብሴይፊ ክቐትልዎ ኢሉ ኣዘዘ፡ ከም በጊዕ እናጎተቱ ክወስድዎ ከለዉ ኣብ መገዲ ጓል ንጉስ ረኸበቶ። ኣሚና ስለ ዝነበረት መንዲልኪ ሃብኒ በላ፡ ንሳ ድማ ሃበቶ ብእኡ ሸፊኖም ድማ ሰየፍዎ፡ ደሙ ንላዕሊ ብምንጣር ብዓመጻ ትቀትሉኒ ኢሉ ከሰሶም፡ “ደምከ ጴጥሮስ ወልደዮና በጽዋዐ መስቀል ተቀድሐ፡ ወደመ ጳውሎስ ሰማያተ ጸርሐ” ከም ዝበሎ ደራሲ። ቀቲሎሞ ክምለሱ ከለዉ ጓል ንጉስ ረኸበቶም እሞ ጳውሎስ’ከ ኢላ ሓተተቶም። ብመንዲልኪ ሸፊና ቀቲልናዮ በልዋ። ንመንዲለይ መሊሱለይ ምስ ጴጥሮስ በዚ ክሓልፉ ርኤዮም ከለኩ ከመይ ጌርኩም ቀቲልናዮ ትብሉኒ ኢላ መንዲላ ኣርኣየቶም በዚ ድማ ኣመኑ። ተቖሪጹ ዝወደቐ ርእሲ ምስ ኽሳድ ኣልገብዎ ከም ቀደሙ ድማ ኮነሎም እሞ ቀበርዎ። መዋእል ስብከቱ 42 ዓመት ድሕሪ ምምሃር ወዲ 74 ዓመት ምስኮነ ብሰማዕትነት ዓረፈ።

ሩሑስ ብዓል ሆሳኢና 🌿🌿🌿🌿❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️ #ሆሳእና፥ማለት ካብ እብራይስጥ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ " " ወይ " " ማለት እዩ።❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️*በኣ...
04/06/2026

ሩሑስ ብዓል ሆሳኢና 🌿🌿🌿🌿
❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
#ሆሳእና፥ማለት ካብ እብራይስጥ ዝወጸ ኮይኑ ትርጉሙ " " ወይ " " ማለት እዩ።
❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️❤️
*በኣርያም ከኣ (ላዕሊ)መሕደሪ እግዚኣብሄር ፡ካብ ሰማይ መጺካ ሕጂ ኣድሕን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ካብ ነብያት ኣትሒዙ ዝተለምደ እዩ።

ያብጽሓነ ያብጽሕኩሙ አመ ከመ ዮም!!
ስእሊ፥ Kdus Gabriel Vancouver BC

04/01/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ Kdus Gabriel Vancouver BC

03/31/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem Kdus Gabriel Vancouver BC St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ

03/30/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ Kdus Gabriel Vancouver BC

7ይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾምኒቆዲሞስ ካብ ሰናብቲ ናይ ጾም ፵ ቅድሚ ሆሣዕና ዘሎ ሻብዓይ ሰሙን እዩ። ብቛንቋ ግሪኽ ትርጕም ናይ ስሙ ኒቆ (ኒከ) ማለት ዓወት፡ ዲሞስ(ደሞስ) ድማ ሕዝቢ ማለት ...
03/29/2026

7ይ ሰሙን ናይ ዓቢይ ጾም

ኒቆዲሞስ ካብ ሰናብቲ ናይ ጾም ፵ ቅድሚ ሆሣዕና ዘሎ ሻብዓይ ሰሙን እዩ። ብቛንቋ ግሪኽ ትርጕም ናይ ስሙ ኒቆ (ኒከ) ማለት ዓወት፡ ዲሞስ(ደሞስ) ድማ ሕዝቢ ማለት ኮይኑ ብሓባር 'ዓወት ናይ ሕዝቢ' ማለት እዩ። ናይቲ ዝለዓለ ናይ ኣይሁድ ባይቶ ኣባል ዝነበር ሓለቓ ኣይሁድ፣ ኣባል ናይ ባይቶ ሊቃውንቲ፣ ምሁር፣ ሃብታም ፍሉጥ/ውሩይ ሰብ እዩ። በዚ ድማ ኣብ ዮሓ ፯፡፶/7፡50 ሊቃውንቲ ናይ ኣይሁድ ንክርስቶስ ክኅዝዎ ኣብ ዝገበርዎ ጉባኤ ክሳተፍ ከሎ ተገሊጹ ኣሎ። ስሙ ካብ ኣርባዕቱ ወንጌላውያን ኣብ ናይ ዮሓንስ ወንጌል ጥራይ ሠለስተ ጊዜ ተጻሒፉ ይርከብ። እዚ ኣብ ክርስቲያናዊ ጕዕዞ ንዝነበሮ ሠለስተ ደረጃታት ማለት ብለይቲ ይምሃር ምንባሩ፣ ንዓመጽ ወይ ንሓሶት ኣብ ጉባኤ ምቅዋሙን፣ ስለ ሓቂ ብተግባር ደው ምባሉን ዘረድእ እዩ። ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝገለጾ፡ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን ድማ ኣስፊሖም ምስ ምሥጢሩ በብሓደ ገሊጾምዎ ንዘለዉ ከም ፍቓድ ኣምላኽ ኣብዚ ናይ ሎሚ ጽሑፍና ክንርእዮ ኢና።

ኒቆዲሞስ ሓደ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾነ ምሁር፣ በዓል ሹም፣ ሃብታምን፣ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ። ኒቆዲሞስ ሓደ ካብ ወገን ፈሪሳውያን ዝኾነ ምሁር፣ በዓል ሹም፣ ሃብታምን፣ ብክርስቶስ ዝኣመነ ሓለቓ ኣይሁድ እዩ። ኣብ ግእዝ መጽሓፍ ቅዱስ 'መልአኮሙ ለአይሁድ' ብምባል ይገልጾ፡ እዚ ሓለቓ ኣይሁድ ዝበሎ ብሃብቲ፡ ብመምህርነት፡ ብሽመት እዩ። ቤተ ክርስቲያንና ድማ ነቲ ነቲ ርእሲ ቤተ ክርስቲያን ብ'መልአከ ሰላም፡ ምሕረት……' ካልእን ኢላ ትጽውዖ። ብመዓልቲ ካብ ዝመጹ ኣቐዲሙ ቅድሚ ምእማኑ፡ ለይቲ ናብ ጐይታ ክመሃር ምኻዱ ድማ ብኸምዚ ይትንተን፣

ቀዳማይ፡ መምህር እየ እናበለ ክሳዕ ሕጂ ብትምህርቲ ጽጉብ ኣይኮነን ክብሉኒ እዮም ኢሉ ውዳሴ ከንቱ ብምድላይ እዩ።

ካልኣይ፡ በቲ ሓደ ድማ ልቦና ካብ መዓልቲ ለይቲ ንቑሕ ስለዝኾነ ትምህርቲ ምእንቲ ክርድኦ እዩ። ብለይቲ ምምጽኡውን ካብቲ ብዙኅ ሰብን ዓብይ ድምፅን ተፈልዩ ክመሃር ምድላዩ እዩ፡ ነዚ ቤተ ክርስቲያን ንደቃ ውሉደ ክህነት ካብ ኵሉ ነገራት ብዝዓርፈሉ ሰዓት መሪጻ ብለይቲ እዋን ትምህሮም። በዚ ጊዜ ዝወሃብ ትምህርቲ ናብ ኣእምሮ ምስፋርን ምኃዝን ብጸሎት ተደጊፉ ዝዛዘምን ስለዝኾነ ኣዝዩ ምቹእ ሰዓት ኴይኑ፡ ንውዳሴ ማርያም፡ ሰዓታት፡ ትምህርተ ዜማን ካልእን ንምሃብ ተገልግለሉ ኣላ።

ሣልሳይ፡ ከምኡውን “ኣይሁድ ‘ንሱ መሲሕ እዩ’ ኢሉ ንዝኣመነ ካብ ቤተ ጸሎቶም ክሰጒዎ ተሰማሚዖም” ስለዝነበሩ ከይስጐግ ፈሪሁ እዩ (ዮሓ ፱፡፳፪/9፡22)። እንተ በዚ እንተ በቲ ግና ካብ ኦሪት ከም ዘይተላቐቐ ብመንፈስ ቅዱስ ከም ዘይሞቐ ዘረድእ እዩ።

ኒቆዲሞስ ብክርስቶስ ከም ዝኣመነ ንጐይታ ምእንቲ ከረድእ “መምህር በጀካ እቲ ኣምላኽ ምስኡ ዝኾነ ሰብ፡ ነዚ ንስኻ እትገብሮ ዘሎኻ ተኣምራት ክገብሮ ዝኽእል ሓደ እኳ የልቦን እሞ፡ ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእካ ንፈልጥ ኢና።” ኢሉ ንጐይታ ምስ ተዛረቦ ጐይታ ከኣ ጽንዓቱን ግሉጽነቱን ርእዩ “ሰብ ካልኣይ ጊዜ እንተ ዘይተወልደ፡ ንመንግሥቲ ኣምላኽ ክርእያ ከቶ ከም ዘይኽእል፡ ብሓቂ፥ ብሓቂ፥ እብለካ ኣሎኹ” ብምባል ዓቢይ ምሥጢር ነገሮ። ኒቆዲሞስ እቲ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ዝተነግሮ ረቒቑ ምርዳኡ ምስ ሰኣነ “ሰብከ ምስ ኣረገ ከመይ ኢሉ ክውለድ ይኽእል፧ መሊሱ ናብ ከርሲ እኖኡ ኣትዩስ ክውለድዶ ይኽእል እዩ፧” ኢሉ ሓተተ፣ ጐይታ ድማ ብዝግባእ ሊቆሙ/መምህር ኢሉ እናለማለመ ወይ እናቀባጠረ፣ ነዚ ኣይትፈልጥን ዲኻ ኢሉ እናገሠጸ ብዝግባእ ኣረድኦ። [ትርጓሜ ወንጌል ኣብ ዮሓ ፫፡፩-፳፩/3፡1-21 ዝተዋጽኣ/ዝተጸምቘ]

ከምኡውን ኒቆዲሞስ ብለይቲ መጺኡ ክነሱ ንጐይታ “ንስኻ መምህር ኴንካ ኻብ ኣምላኽ ከም ዝመጻእኻ ንፈልጥ ኢና።” ምስ በሎ ጐይታ ከምኡ ምዃነይ እንተ ፈሊጥካን ኣሚንካን ድኣ ንምንታይ ብሕቡእ ብለይቲ ጸልማት ትመጽእ፡ ንምንታይ ብጋህዲ ዘይገበርካዮ ኢሉ ንኒቆዲሞስ ኣይመለሰሉን ወይ ኣይገሠጾን ከመይሲ ጐይታ ዝመጸ “ንሱ ኣይክከራኸርን፥ ኣይክጭድርን እዩ፥ ሓደ እኳ ኣብ ቅርዓት ድምፁ ኣይክሰምዕን እዩ። ፍትሒ ናብ ዓወት ክሳዕ ዘብጽሕ ቅጥቁጥ ሻምብቆ ኣይክሰብርን፥ ንዝተክኸ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣይከጥፍእን እዩ፥ ኣሕዛብ ድማ ብስሙ ተስፋ ክገብሩ እዮም።’ ተባሂሉ ዝተነግረ ምእንቲ ክፍጸም እዩ” ማቴ ፲፪፡፲፱-፳፩/12፡19-21፣ ኢሳ ፵፪፡፫/ 42፡3።

ቅዱስ ዮሓንስ ኣብ ወንጌሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ክጽሕፍ ከሎ “ወውእቱ መጻ ኀበ እግዚእ ኢየሱስ ቀዲሙ ሌሊተ/ንሱ እቲ ኣቐዲሙ ብለይቲ ናብ ጐይታ ዝመጸ እዩ” ኢሉ ምግላጹ ዝቕጽል ታሪኽ ከም ዘለዎ ዝገልጽ ምዃኑ ሊቃውንተ ቤተክርስቲያን “ቀጺሉ ንግንዘት ከም ዝመጽእ ስለዝጽሕፍ ኣብዚ ኣቐዲሙ ኢሉ ጀሚሩ” ብምባል ይትርጕምዎ። ከምኡውን ጐይታ “እቲ ሓቂ ዝገብር ግና ከም ትእዛዝ ኣምላኽ ስለዝገበረ እቲ ግብሩ ምእንቲ ክግለጽ ናብ ብርሃን እዩ ዝመጽእ” ኢሉ ንኒቆዲሞስ ጸልማት ገዲፉ ብብርሃን፡ ብስውር ገዲፉ ብጋህዲ ክመላለስ ከም ዘለዎ ዝተዘርበ ቃለ ማዕዳ እዩ። ኣብ መጀመርያ ብድኹም እምነትን ፍርህን ብለይቲ እኳ እንተ መጸ ኣፍ ደገ ጐይታ ግና ኣብ ኵሉን ንዅሉን ርሕው እዩ ነይሩ፡ ረኣይዎ በሉ እቲ ሕያዋይ ዘይታኸስ ጓሳ ነቶም ካብ ልቦም ንዝዂሕኵሑ ለይቲ ኮነ ቀትሪ ዝኸፍት ምዃኑ (ሉቃ 11፡9 ፣ ማቴ 7፡7)። እሞኸ ድኣ “‘ብምሽእቲ ሰዓት ሰማዕኩኻ ብመዓልቲ ምድኃን ረዳእኩኻ’ ከም ዝብሎ፥ እንሆ እታ ምሽእቲ ሰዓት ሕጂ እያ፡ እንሆ እታ መዓልቲ ምድኃን ሕጂ እያ።” ካብ በለና (፪/2 ቆሮ ፮፡፪/6፡2)፥ ሕጂ ሎሚ ጽባሕ ከይበልና ናብኡ ንቕረብ ንድለዮ፥ ንለምን፥ ኣፍ ደጊኡ ድማ ንዃሕኵሕ፥ ከመይሲ “ለምኑ ክወሃበኩም እዩ፥ ድለዩ ኽትረኽቡ ኢኹም፥ ማዕጾ ኳሕኲሑ ክረሓወልኩም እዩ። ከመይ ዝለመነ ዅሉ ይቕበል፥ ዝደለየ ይረክብ፡ ማዕጾ ዝዃህኲሐ ድማ ይረሓወሉ እዩ።” ይብል (ማቴ ፯፡፯-፰/7፡7-8)። ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅውን “ኒቆዲሞስ ናብ ጐይታ እዋን ኣብ ዘይብሉ ለይቲ ካብ ኣይሁድ ፈሪሁ ብስውር እኳ እንተ መጸ፡ እቲ ዓቢይ ምሕረት ናይ ጐይታ ግና ኣይነጸጎን። ምቕራብን ምምሃርንውን ኣይከልኦን፡ በንጻሩ ድኣ ሓቚፉ ዓቢይ ምሥጢር መሃሮ። እዚ ምሕረት ንኒቆዲሞስ ይግባእ እዩ።” ብምባል ኣብ ቀዳማይ ጕዕዞ ናይ ኒቆዲሞስ ብለይቲ ኣቐዲሙ ናይ ምምጻኡ ምኽንያትን ናይ ጐይታ ምሕረትን የረድኣና። ብሓቂ ነብይ ኢሳይያስውን በዚ ከብርህ እንከሎ ከምዚ ይብል 'ንእግዚአብሔር በቲ ዚርከበሉ ጊዜ ድለይዎ፡ ቀረባ ኸሎውን ጸውዕዎ።' (ኢሳ 55፡6)፡ 'በቲ ዝርከበሉ ጊዜ' ዝተበሃለ ከምቲ ቅድም ክንገር ዝጸንሐ ሕጂ እዩ።

እቲ ካልኣይ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝተገልጸ ኣብ ዮሓ ፯፡፶/7፡50-ፍጻ ዘሎ እዩ።

ፈሪሳውያን ንጐይታ ኂዞም ከምጽእዎ ዝለኣኽዎም ልኡኻት ትምህርቲ ናይ ጐይታ ሰሚዖም ብምድናቕ “ከምዚ ሰብኣይ እዚ ገይሩ ዝተዛረበ ኸቶ የልቦን” ኢሎም ምስ መለሱሎም፥ ፈሪሳውያን ብቝጥዐ፡ "ንስኻትኩምውንዶ ስሒትኩም ኢኹም፧ ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧ እዚ ሕጊ ዘይፈልጥ ሕዝቢ ግና ርጉም እዩ።” ብምባል ተራገሙ። “ሓደ ኻብኣቶም፥ እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስ፡ ‘ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧’ በሎም ንሳቶም ከኣ ‘ንስኻውንዶ ካብ ገሊላ ኢኻ፧ መርምር እሞ ካብ ገሊላ ነቢይ ከም ዘይትንሥእ ክትርኢ ኢኻ፧’ ኢሎም መለሱሉ። ዅሎም ከኣ ነናብ ቤቶም ከዱ።”

ኣብዚ ኒቆዲሞስ ካብ ኣባል ጉባኤ ሊቃውንት ናይ ኣይሁድ ሓደ ስለዝነበረ ኣብ ጉባኤኦም ክሳተፍ ንርኢ። “ካብ መኳንንቲ ወይ ካብ ፈሪሳውያን ብእኡ ዝኣመነዶ ኣሎ እዩ፧” ኢሎም ብቝጥዐ ክዛረቡ ከለዉ፡ 'ኣነ ኣለኹ!' ኢሉ እኳ ክምስክር እንተ ዘይደፈረ ብዓቕሙ ግና ንሓሳቦም ‘ሕግናኸ ንሰብ ቅድም ከይሰምዖን እቲ ዝገበሮ ከይፈለጠንዶ ይፈርዶ እዩ፧’ ኢሉ ተቓዊምዎ እዩ። ቅዱስ ቄርሎስ ብዛዕባ እዚ ክዛረብ ከሎ “ምስቶም ንጐይታ ዝረግሙን ዝጻረፉን ምእካቡ ነፍሱ መንቅሒ [መንቕሒ ደወል] ኮይንዎ ሓሰበ። ሰብ ድማ ሕሊናኡ ክቃወሞ ከሎ ሱቕ ስለዘይብል ብግልጺ እኳ እንተ ዘይኮነ ብምርድዳእ ቍሩብ ኣዋሪድዎም እዩ። እዚ ናይ ተቓውሞ ቃላት ነቲ ሕጊ ብተዘዋዋሪ ወይ ብግልጺ ንጊዜኡ ከም ዘይጽቀጥ ገይሩ እዩ።” ቅዱስ ዮሓንስ ኣፈወርቅ እውን “ኒቆዲሞስ ንፈሪሳውያን ሓለውቲ ሕጊ ከም ዘይኮኑ ኣቃሊዕዎም እዩ፡ ፈሪሳውያን ነቲ ሕጊ ኣይፈልጥዎን ኣይሕልውዎን ከኣ እዮም፡ እቲ ሕጊ ቅድም ስማዕ እዩ ዝብል። ንሳቶም ግና ቅድሚ ምስማዖም ንምቕታል ቅልጡፋት እዮም ስለዚ ነቲ ሕጊ ኣይእዘዝዎን እዮም።” ኢሉ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ዝገበሮ ገሊጹ እዩ። ብሓፈሻ እዚ ካልኣይ መንፈሳዊ ወይ ክርስቲያናዊ ደረጃ ናይ ኒቆዲሞስ እዩ። ከመይሲ መጀመርያ ብሕቡእ ለይቲ ካብ ኣይሁድ ፈሪሁ ዝመላለስ ዝነበረ ሕጂ ግን ንሓሳቦም ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ብምቅዋም ክሳዕ መከራ ንምቕባል ኣብ ድልውነት በጺሑ እዩ።

እቲ ሣልሳይ ናይ ኒቆዲሞስ ታሪኽ ኣብ ዮሓንስ ወንጌል ምዕራፍ ፲፱፡፴፱-፵/19፡39-40 ብዛዕባ ግንዘቱ ድማ ይዛረብ።

“እቲ ቕድም ብለይቲ ናብ ኢየሱስ መጺኡ ዝነበረ ኒቆዲሞስውን ሠላሳን ሓደን ኪሎ ግራም ኣቢሉ ዝኸውን ከርበ ምስ ዓልወ ዝተሓወሰ ኂዙ መጸ። ንሥጋ ኢየሱስ ወሲዶም ከኣ ኸምቲ ልማድ ኣይሁድ ምስ ሽቱ ብሓድሽ ዓለባ ገይሮም ገነዝዎ።” ኢሉ ዝገልጾ እዩ። ጐይታ ዝተቐብረ ቀዳሚት ሰንበት ከይኣተወ ፀሐይ ቅድሚ ምዕራባ እዩ። በዚ ኣብ ዕለተ ግንዘት ናይ ጐይታ፡ ፍርሃቱ ከመ ዝተኣለየ ኣብ ክንዲ ብሕቡእ ብጋህዲ ብለይቲ ዘይኮነ ፀሓይ ከይዓረበ መንነቱ ኣግሂዱ እዩ። ከመይሲ ንጐይታ መን ከም ዝገነዞ ንምፍላጥ ካብ ኣይሁድ ዝሕባእ ኣይኮነን።

ቅዱስ ዮሓንስ ብዛዕባ ኒቆዲሞስ ኣብ ዝጸሓፈሉ ሠለስተ ቦታታት እቲ ብለይቲ ዝመጽእ ዝነበረ እናበለ ዝገለጾ፥ ኒቆዲሞስ ዝነበሮ ሠለስተ ደረጃ ዕቤት ናይ ክርስትያናዊ ጕዕዞ የመልክት ዝተባህለ ነዚ እዩ። ከመይሲ መጀመርያ ብሕቡእ ለይቲ መጺው ብምምሃር፣ ካልኣይ ኣብ ማእከሎም ኮይኑ ከይፈለጥዎ ብምቅዋም፣ ሣልሳይ ድማ ብጋህዲ ንጐይታ ብምግናዝን ብምቕባርን ኢሉ ካብ ሕቡእነት ክሳዕ ንሰማዕትነት ድልው ምዃኑ ዘረድእ እዩ። እዚ ምናልባት ኣብዚ ዘለናዮ እዋን ቀሊል ኮይኑ ይርኣ ይኸውን እምበር ኣብቲ ዘመን ኣዚው ከቢድ ተወፋይነት ዝሓትት፡ እረ ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ ፍሪዲ እዩ ነይርዎ። በዚ ኒቆዲሞስ በቲ ካብ ክርስቶስ ዝተማህሮ ቃል ብመንፈስ እናዓበየ ከም ዝኸደ ብተግባር ኣርእዩና እዩ። ካብዚ ኣብ መንፈሳውነትና ዕቤት ከይነርኢ መሓልኾ ኮይንና ዘሎ ነገር እንታይ ከም ዝኾነን ብኸመይ ነቲ ዝዕንቅጸና ዘሎ ከም እንኣልዮ ንመሃር።

እቲ ንኒቆዲሞስ ፈተና ኾይኑ ብሕቡእ ለይቲ ዘመላልሶ ዝነበረ ሃብቱ፡ ዝናኡ፣ ሥልጣኑን፣ ትምህርቱን፣ ሎሚ ንብዙኃት ሰባት ኣብ ቤተክርስቲያን ከይመሃሩ ከቢድ ፈተና ዝኾኖም ዘሎ እዩ። 'ኣነ ዶክተር፣ ሃብታም፣ ውሩይ፣ ብዓል ሥልጣን ክነሰይ፡ ኣብዚ በዚኦም ከመይ ኢለ ክመሃር ይኽእል!' ኢሉ ክዕበ ይብል ይኸውን፥ ኒቆዲሞስ ግን በዚ ዝዓይነቱ ውሽጣዊ ፈተና ይፍተን እኳ እንተ ነበረ ብዓቕሙ ግና ለይቲ ተሓቢኡ ርእሱ ትሕት ብምባል ይመሃር ነበረ። ከመይሲ ሰብ ንርእሱ ድኻ ገይሩ ትሕት እንተ ዘይኢሉ፡ ኣብ ቤተክርስቲያን ክመሃር ኣይኮነሉን እዩ። ምኽንያቱ ጐይታ “ድኻታት ወንጌል ይብሠሩ ኣለዉ”፡ “ንድኻታት ከበሥሮም ስለ ዝቐብኣኒ መንፈስ እግዚአብሔር ኣብ ልዕለይ ኣሎ፤” ኢሉ እዩ (ማቴ ፲፩፡፭/11፡5, ሉቃ ፬፡፲፰/4፡18)። እዚ ሃብቲ ንዘይብሎም ድኻታት ንማለት ዘይኮነ ሃብቲ ከለዎም ንርእሶም ከም ድኻ ዝገብሩ፡ ምሁራት ክነሶም ከም ዘይተማህሩ፡ ብዓል ሥልጣን ክነሶም ከም ተራ ሰብ ንርእሶም ዝርእዩ፡ ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ ንምባል እዮም። ንኸም እዚኣቶም ዝኣመሰሉ ሰባት ጐይታ “ብመንፈስ ድኻታት ዝኾኑ መንግሥተ ሰማያት ናቶም እያ እሞ፡ ብፁዓን እዮም” (ማቴ ፭፡፫/5፡3) ኢልዎም እዩ።

ሕንፃ ቤተክርስቲያን ንምሥራሕ ኢሉ ገንዘቡን ጕልበቱን ፍልጠቱን ካብ ዘፍስስ፡ እቲ ኮፍ ኢሉ ቃል እግዚአብሔር ብምስማዕ ንነፍሱ ሕንፃ ቤተ መቕደስ ዝገብር ይበልጽ። ከመይሲ እቲ ዝዓበየ ከም ማርያም እህተ ኣልኣዛር ነቲ ሰማይን ምድርን ክኃልፍ ከሎ ንሱ ግን ኃላፊ ንዘይኮነ ቃል ኣምላኽ ምስማዕ ስለ ዝኾነ። እዚ ከምቶም ካብ ልቦም ቃሉ ሰሚዖም ዝትግብሩ ድኣ እምበር ከምቲ ዓሻ ሰብኣይ ቃሉ ሰሚዖም ንዘየተግብሩ ከም ዘይኮነ ርዱእ እዩ። ቅዱስ ጴጥሮስ ኣብ ደብረ ታቦር፡ ኤልያስን ሙሴን ኣብ ዝተገልጹሉ ንጐይታ “‘ኣብዚ ሠልስተ ዳስ ክንሠርሕ፥ ሓደ ንኣኻ፥ ሓደ ንሙሴ፥ ሓደውን ንኤልያስ” ምስ በሎ ኻብቲ ሰማይን ምድርን ዝፈጠረ እግዚኣብሔር አብ “ዘፍቅሮ፥ ብእኡ ዝተሓጐስኩ ወደይ እዚ እዩ፥ ንእኡ ስምዕዎ” (ማቴ 17፡5) ኢሉ ንሓዋርያት ምምስካሩ ካብ ዅሉ ቃል ናይ ክርስቶስ ሰሚዕካ ነፍስኻ ምሕናፅ ከም ዝበልጽ ዘረድእ እዩ። እቲ ንኽልቲኡ ማለት ነፍሱን ቤት ኣምላኽን ምሕናፅ ዘማልእ ግና ካብ ኵሎም ዝበልጽ እዩ። ምኽንያቱ ኣብ ምድሪ ኮፍ ኢሉ ነፍሱ ይሓንፅ፥ ብምጽዋት ድማ ኣብ ሰማያት ቤት ስለዝሓንፅ። ስለዚ በዚ ነቲ ዝጐደለና ፈሊጥና ንነፍስና ብዅሉ ንሕነፃ።

ብተወሳኺ’ውን ካብዚ እንመሃሮ መንፈሳውነት ወይ ክርስቲያናዊ ሕይወት ናቱ ዝኾነ ደረጃታት ዘለዎ ምዃኑ እዩ። ቀዳማይ ናብ ቤቱ ከይንቐርብ ንዝዓግተና መጻወድያ ሰጊርና ትምህርቲ ሃይማኖት ብምምሃር ዶግማን ሕጊ፡ ሥርዓት፡ ትውፊትን ታሪኽ ቤተክርስቲያንናን ብዝግባእ ምፍላጥ እዩ።

እቲ ካልኣይ “ንስኻ ግና በቲ ዝተመሃርካዮን ዝተረዳእካዮን ነገር ጽናዕ። ካብ እንመን ከም ዝተመሃርካ ትፈልጥ ኢኻ፡ ካብ ሕፃንነትካ ጀሚርካ ነተን ቅዱሳት መጻሕፍቲ ትፈልጠን ኢኻ። ንሳተን ንክርስቶስ ኢየሱስ ብምእማን ናብ ምድኃን ከብጽሕ ዘኽእል ጥበብ ክህባኻ ይኽእላ እየን። እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ ፍጹም፥ ንሠናይ ግብሪ ዘበለ ኣጸቢቑ ዝተዳለወ ምእንቲ ክኸውን፡ ብመንፈስ ኣምላኽ ዝተጻሕፈ ቅዱስ መጽሓፍ ንትምህርቲ፥ ንተግሣጽ፡ ንምእራም፡ ቅኑዕ ናብራ ንምምሃር ይጠቅም እዩ።” (፪/2 ጢሞ ፫፡፲፬/3፡14-ፍጻ) ከም ዝብል፡ በቲ ኣብ ቤተክርስቲያን ዝተመሃርናዮ እናነበርና ከም ኒቆዲሞስ ንሓቂ ደው ኢልና ንሓሶት ምቅዋም፡ "እምበኣርከስ ብዛዕባ መጻኢ ሕይወትና እንዳ ተጨነቕና ዘይኰነስ፤ ነቲ ዚተመሃርናዮ ብግቡእ እንዳተግበርና፤ ንቅድስና ዝበቕዕ ናብራ ንንበር።" ይብል ቅዱስ ባስልዮስ ዘቂሳርያ።

ሣልሳይ ድማ በቲ ዝጀመርናዮ ክርስቲያናዊ ሕይወት “ንስኻ ግና ክሳዕ ሞት እሙን ኩን።” (ራእይ ፪፡፲/2፡10) ከም ዝብለና፡ ክሳዕ ዕለተ ሞትና እሙናት ምዃንን ምጽናዕን እዩ። ኣብ መንፈሳዊ ጕዕዞናውን እናወሰኽናን እናጠለቕናን ክንከይድ ድኣ እምበር ንድኅሪት ክንብል የብልናን። "መንፈሳዊ ሕይወት ኩሉ ጊዜ ምስ ዕብየት ዝተሓሓዘ ስለዝኮነ፡ ካብ ፍጹምነት ናብ ኣዝዩ ፍጹም እንሰጋገረሉ እዩ።" ፖፕ ኣቡነ ሽኖዳ ሣልሳይ፡ ምኽንያቱ እቲ ብጥልቀት ቀሪቡ ብፍቕሪ ዝስዕቦ ዝነበረ ሊቀ ሓዋርያት ቅዱስ ጴጥሮስ ጐይታ ክተኃዝ ከሎ ብርሑቕ ምስዓብ ምስ ጀመረ ብፈተና ንጐይታ ክሳዕ ምኽሓድ በጺሑ እዩ። በንጻሩ ግና እቲ ካብ መጀመርታ ክሳዕ መወዳእታ ብትብዓት ዝሰዓቦ ዮሓንስ ፍቁረ እግዚእ ግና ሃብተ መንግሥተ ሰማያት ዝተዋህባ ቅድስት ድንግል ማርያም ተዋሂባቶ እያ። ስለዚ ንሕና በዚ ከምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ደረጃ ክንዓቢ ይግበኣና እዩሞ፡ ኣብ እምነትና ክሳዕ ሞት ንጽናዕ። እቶም ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎት ዕዮን ነይሮም ዝገደፍዎ፡ ክምለሱ ከለዉ እቲ ኵሉ ጽዒሮም ዘጥረይዎ ናይ መንፈሳዊ ልምምድ ከምቲ ዝገደፍዎ ዝጸንሖም ከይመስለና እሞ፡ ከይንጋገ ንጠንቀቕ።

ከም መዛዘሚ ናይዚ ጽሑፍ ጐይታ ምስ ኒቆዲሞስ ብዛዕባ ምሥጢረ ጥምቀት ንዝተዛረቦ ብምትእስሳር ኣብ ናይ ዕለቱ ምንባብ ኣብ ሮሜ ፯፡፩-፲፪/7፡1-12 ፡ ፩/1 ዮሓ ፬፡፲፰/4፡18-ፍጻ ምስ ገለጸ፥ ኣብ ግሓ ፭፡፴፬/5፡34-ፍጻ ብዛዕባ እቲ ካብ ሊቃውንቲ ኣይሁድ ሓደ ንጳውሎስውን መምህሩ ናይ ዝነበረ ገማልያል ብምግላጽ መምህርን ኣብቲ ዝለዓለ ባይቶ ናይ ኣይሁድ ኣባል ክነሱ ኣብ ማእከል ጉባኤኦም ንኣይሁድ ብምቅዋም ንሓቂ ከም ኒቆዲሞስ ከም ዝመስከረ ብግብሪ ድማ ንኒቆዲሞስ ከም ዝመሰሎ ንዘረድእ ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ቃል ይገልጽ። በዚ ንሕናውን ኣሰር ኒቆዲሞስ ብምስዓብ፡ ብመንፈስ እናዓበና ናብ ዝለዓለ ደረጃ ክንበጽሕ ከም ዘሎና 'ንትምህርትናን ተግሣጽናን ዝተጻሕፈ እዩሞ' ዝበሎ። ብኸምዚ ዝበለ መንፈሳዊ ዕቤት ክንድልድል እግዚአብሔር ይደግፈና፥ ወላዲተ ኣምላኽ ብኣማላድነታ፡ ኵሎም ቅዱሳን ብጸሎትን ይደግፉና። ኣሜን።

ስብሐት ለእግዚአብሔር፡ ወለወላዲቱ ድንግል፡ ወለመስቀሉ ክቡር።

03/28/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ Kdus Gabriel Vancouver BC

03/25/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ Kdus Gabriel Vancouver BC

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን። ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብዓይኒ ምሕረቱ እናጠመተ ዝጓስየና ዘሎ ብልሳን ኩሉም ፍጡራቱ ዝኸበረን ዝተመስገን ይ...
03/22/2026

በስመኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ ኣምላክ ኣሜን።

ቅዱስ እግዚኣብሔር ኣምላኽና ካብ ዕለት ናብ ዕለት ብዓይኒ ምሕረቱ እናጠመተ ዝጓስየና ዘሎ ብልሳን ኩሉም ፍጡራቱ ዝኸበረን ዝተመስገን ይኹን። ኣሜን!

ሎሚ እውን መቐጸልታ ናይቲ ዝሓለፈ ጽሑፍና ብዛዕባ እዛ ሻድሸይቲ ሰንበት ከም ፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣምላኽ ከም ዝፈቐደልና መጠን ኽንርኢ ኢና።
እዛ ቅድስት ዕለት እውን ከምተን ዝሓለፋ ሓሙሽተ ሰንበታት ቅዱስ ያሬድ ማህሌታይ ዝሰየማ ኮይና፡ በዛ ቅድስት ዕለት ኩሉ ስብከት፡ መዝሙር፡ ንባባትን ወንጌልን ስለ እዛ ቅድስት ዕለት ዝገልጹ እዮም።
መበገሲ ናይዚ ዕለት እዚ ጎይታናን ኣምላኽናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ ማቴዎስ ወንጌል ምዕራፍ 25 ብዛዕባ መንግስተ ሰማያት ብምስላ ኣብ ዝምህረሉ ዝነበረ ግዜ ስለ እሙን ኣገልጋሊ ኣመልኪቱ ዝመሃሮ ትምህርቲ እዩ።
“ከምቲ ክገይሽ ዝደለየ ሰብ እሞ ንኣገልገልቱ ጸዊዑ ክነግድሉ ገንዘብ ዝሃቦም እዩ። ፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ነቲ ካልኣይ ክልተ መክሊት፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ መክሊት ሂብዎም ገሸ”(ማቴ25፣14-15)።
ቀዳማማይ፦ሓሙሽተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ። ሓሙሽተ መክሊት ንዝሃቦ ሰብ ረብሓ ኣለዎ።
ክልተ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፦ክልተ መክሊት ንዝሃቦ ረብሓ ኣለዎ።
ሓደ መክሊት ዝሃቦ ኣሎ፣ንሱ እውን ከምኡ።
ንኹላቶም ከከም ዓቕሞም ሂብዎም ገሸ ።
እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ብኡ ብኡ ከይዱ ነገደሉ። ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ድማ ረብሐ። ከምኡ ድማ እቲ በዓል ክልተ ካልእ ክልተ ረብሐ። እቲ ሓንቲ መክሊት ዝተቐበለ ግና፣ከይዱ ምድሪ ኲዒቱ ወርቂ ጎይትኡ ሓብአ። ድሕሪ ነዊሕ እዋን ካኣ ጎይታ ናይቶም ገላዉ መጺኡ ምስኣቶም ክጸባጸብ ጀመረ። እቲ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ጎይታይ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ፡ እንሆ ድማ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ እና በለ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽአ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ክልተ መኽሊት ዝተቐበለ ድማ ቀሪቡ ፣ጎይታይ ክልተ መክሊት ሂብካኒ ነይርካ እንሆ ከኣ ክልተ መኽሊት ረባሕኩ በለ። ጎይትኡ ድማ ጽቡቕ ኣታ እሙንን ሕያዋይን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ፣ ናብ ሓጎስ ጎይታኻ እቶ በሎ። እቲ ሓደ መክሊት ዝተቐበለ ድማ ጎይታይ ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ ጨካን ሰብኣይ ምዃንካ እፈልጥ እየ ፣ስለዚ ፈሪሔ ከድኩ ፣ነቲ መክሊትካ ድማ ኣብ ምድሪ ሓባእክዎ፣እንሆ ገንዘብካ በሎ። እቲ ጎይትኡ ግና መሊሱ በሎ ፣ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፣ዘይበተንክዎ ከም ዝእክብ እምበኣር ትፈልጠኒ ዶ? ስለዚ ነቲ ገንዘበይ ኣብ ባንኪ ክተእትዎ ይግብኣካ ነይሩ። ኣነ ከኣ ንዝረብሕሉ ሰባት ምሃብክዎም ነይረ። ነቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝነበሩ ከኣ “እምበኣርሲ ነቲ መክሊት ካብኡ ኣግዲፍኩም ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሃብዎ በሎም። ምኽንያቱ ንዘለዎ ዘበለ ኩሉ ይዋሃቦ ይወሰኮ እውን፣ንዘይ ብሉ ግና እቲ ዘለዎ እውን ኣግድፍዎ። ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ካኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ክኸውን እዩ።
ካልኣይ፦በዓል ሓሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ ሰብ እዩ። በዓል ክልተ መክሊት ድማ ምጡን ትምህርቲ ተማሂሩ ዝመሃረ እዩ። ንኣብነት ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ ፣ጳውሎስ ንጢሜትዎስ ምሂሮም ከም ዘፍረዩ። በዓል ሓደ መክሊት ድማ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይምሃረ እዩ። እቲ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህረ ምሂሩ መኺሩ ንዕኡ ዝመስል ወደመዝሙር ኣፍረየ። ጎይታ ድማ “ጽቡቕ ኣታ ሕያዋይን እሙንን ኣገልጋሊ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፣ኣብ ልዕሊ ብዙሕ ክሸመካ እየ። ናብ መንግስተ ሰማያት እቶ” በሎ።
እቲ ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ ዘይመሃረ፣ ጎይታይ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ ልቦና ፈሊጥኩም፣ መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ።
ዓላውያን ነገስታት ከየሳቕዩኒ፡ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ ስለ ዝፈራህኩ ብዝተመሃርክዎ ትምህርቲ ኣይመሃርኩን፣ብዝተዋህበኒ ሓላፍነት ኣይሰራሕኩን ማለት እዩ።
ቅዱስ ሉቃስ ኣብ ወንጌሉ “ኣብ ቁራጽ ዓለባ ቆጺረ ዘጽናሕክዋ ወርቅኻ እነሃልካ” ክብል ጽሒፍዎ ኣሎ። እዚ ከኣ እቲ ኣቐዲሙ ዝተዋህቦ ሽመት “ እንሆ ሽመትካ” ክብል ከሎ እዩ። ጎይታ ግና መሊሱ በሎ መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም መምህር ከይመደብኩ፡ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን ምዃነይ ትፈልጠኒ ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ከኣ ንዘገልግል ምሃብክዎ። ንመላእክት ከኣ ናይ መምህርነት መክሊቱ ወሲድኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ መክሊት ወስኽሉ በሎም። ነዚ ሃካይ መምህር ግና ኣውጽእዎ ማለት፡ ማዓርግ ምምህርና ተሪፍዎ ከም ህዝባዊ ናብ መንግስተ ሰማያት ምእታው እዩ።
ትርጉም መክሊት
1.በዓል ሓሙሽተ መክሊት
ከምቲ ኣቐዲሙ ዝተገልጸ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ፍጹም ትምህርቲ ተማሂሩ፡ ምሂሩ ድማ ንዕኡ ዝመስሉ ሰባት ዘፍረየ ሰብ እዩ። ልክዕ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ሰናይ ዝኾነ ቃል ዝተማህረ፡ ስልጣን ዝተቀበለ እሞ በዚ ዝተዋህቦ ትምህርቲ ምሂሩ ብዝተዋህቦ ስልጣን ካኣ ሽመትን ማዕርግን ዝዓደለን ዝሃበን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ንቀሌምንጦስ፡ ብርሃን ዓለም ዝተሰምየ ቅዱስ ሃዋርያ ጳውሎስ ንጢሞቴዎስ ከም ዘፍረዩ እዩ።
በዓል ሓሙሽተ መክሊት፡ ሙሴ ሓሙሽተ ኦሪት ስለ ዝጸሓፈ እዩ።
ብኻልኣይ ካኣ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ከኣ ብኣንብሮ ኢድ ኣብ ልዕሊ ጳጳስ ምሻም፡ ቀሲስን ዲያቆንን፣ ምቑራብን ምጥማቕን እዮም። ምኽንያቱ ናይ ሊቀ ጳጳሳት ማዓርግን ዝተዋህቦ ሓደራን ካብ ኩሉ ንላዕሊ ስለ ዝኾነ። ንምእመናን ምፍራይ ጥራሕ ዘይኮነ እውን ንዕኡ መሲሎም ፣ነቲ እግሪ ተኸቲሎም ኣብ ጉስነትን ሓላፍነትን ዝመጹ ካብ ዝተሓተ ማዕርግ ናይ ዲቁና ክሳዕ ሊቀ ጳጳሳት ምፍራይን ምምልማልን ናቱ ሓላፍትነትን ስልጣንን እዩ። ነቶም ኣብ ትሕቲኡ ዘለዉ ጳጳሳትን ኣብ ኩሉ ቦታታት ዘለዉ ናይ ቤተክርስቲያን መማህራን ኣቦታትን ንሃዋርያት መሲሎም ሃዋርያት ዝመስሉ ሰባት ከፍርዩ ምቁጽጻርን ምጉሳይን ናይዚ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ናይ ቤተክርስቲያና ዝኾነ ሊቀ ጳጳሳት እዩ። እዚ ስለ ዝኾነ በዓል ሓሙሽተ መክሊት ተመሲሉ ኣሎ።
ከምኡ እውን ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀት፣ተኣምኖ ሓጣውእ፣ሰማእትነት፣ብሕትውና፣ምንኩስና እዮም።
ሓሙሽተ መክሊት ዝተባህሉ እውን እምነት፡ ደስታ፡ ምሕረት፡ ትዕግስቲ፡ ተስፋ እዮም።
2.በዓል ክልተ መክሊት
በዓል ክልተ መክሊት ዝተባህለ ተማሂሩ ምሂሩን መኺሩን ዘፍረ እዩ።
በዓል ክልተ መኽሊት ቅዱስ ጴጥሮስ እዩ። ምኽንያቱ ቅዱስ ሃዋርያ ጴጥሮስ ክልተ መልእኽቲ ስለ ዝጸሓፈ እዩ። ከምኡ እውን ብሉይ ኪዳንን ሓዲሽ ኪዳንን ስለ ዝመሃረ እዩ(1ጴጥ1፣10-12, 2ጴጥ1፣19-21)።ከምኡ’ውን ክልተ መክሊት ዝተባህሉ ጥምቀትን ተኣምኖ ሓጣውእን(ሓጢኣት) እዮም።
3. በዓል ሓደ መክሊት
በዓል ሓደ መክሊት ይሁዳ እዩ ከመይ ይሁዳ ሓንቲ መጽሓፍ ጽሒፉ ኣሎ።
ሊቀ ጳጳሳት ብዓል ሓሙሽተ፡ ቀሲስ በዓል ክልተ መክሊት ክኾኑ ከለዉ በዓል ሓደ መክሊት ዝተባህለ ካኣ ዲያቆን እዩ።
ከምኡ እውን በዓል ሓደ መክሊት ዝተባህለ ጥምቀት እዩ።
ብሓሙሽተን ብክልተን መክሊት ዝተመሰሉ፡ ፍጹም ትምህርቲ ዝተማህሩ መማህሩን ብዙሕ ነገር ደኺሞም ላዕልን ታሕትን ኢሎም ምሂሮም ንዓኣቶም ዝመስሉ ሰባት ዘፍረዩ ክኾኑ ከሎዉ በዓል ሓደ መክሊት ግና “ዓላውያን ብእሳት ከየሳቕዩኒ መናፍቓን ተኸራኺሮም ከይረትዑኒ “ኢለ ፈሪሔ ንሃይማኖተይ( ዝተመሃርክዎ ትምህርቲ) ከይመሃርኩ፣ ከይመኸርኩ ኣብ ልበይ ኣቐሚጠዮ(ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ንብረቱ ክሓብእ ከሎ ጉድጓድ ኲዒቱ ዘቐምጦ ማሌት እዩ) ብምባል ስለ ሃይማኖቱን እምነቱን ዘይምስክር፣ንዘይተማህሩ ከኣ ዘይምህር ሰብ እዩ።
እግዚኣብሔር ኣብ ዝሓተቶ ግዜ “ዘይዘራእካዮ እትዓጽድ፡ ዘይበተንካዮ እትእክብ (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕካ ብስነ ልቦና ፈሊጥኩም፡ መምህር ከይመደብካ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ እትብል) ጨካን ምዃንካ ይፈልጥ እየ። ነቲ ዝተወሃበኒ ሓላፍነት ዘይሰራሕክሉ፡ ነቲ ዝተማሃርክዎ እውን ዘይመሃርክሉስ፡ እንሆ ዓላውያን ብሰንሰለት ኣሲሮም ናብ እሳት ደርብዮም ሃይማኖተይ ከየኽሕዱኒ፡ መናፍቓን ከኣ ተኸራኺሮም ምእንቲ ከይረትዑኒ ፈሪሐ ንሃይማኖተይ(እምነተይ) ኣብ ውሽጢ ልበይ ሓባእክዎ ኣይሰራሕክሉን ኣይተዛረብኩን ካኣ እና በለ ዝምልስ እዩ።
እዚ ዝሰምዐ ጎይትኡ ከኣ “ኣታ ክፉእ ሃካይ ኣገልጋሊ ዘይዘራእክዎ ከም ዝዓጽድ፡ ዘይበተንክዎ ከምዝእክብ (መምርሒ ሕጊ ከይሰራዕኩ፡ ብስነ ኣእምሮ ፈሊጥኩም መምህር ከይመደብኩ፡ ብስነ ፍጥረት ተመሪሕኩም ስርሑ ዝብል ጨካን ምዃነይ) ትፈልጠኒ ዶ፧ ሓላፍነትካ ክተረክብ ምተገብኣካ ኔሩ ፣ኣነ ካኣ ንዘገልግል ምሃብክዎ ነይረ። እዚ ዝበሎ ሽመት ሒዝካ፡ ስልጣን ተዓዲልካ እንተኾነ ስራሕ ጸሊእካ ዝኸውን ነገር ስለ ዘየሎ እዩ። እቲ ሽመት ዝተዓደለ፡ ስልጣን ዝተዋህበ ሰብ ንሓላፍነቱ ክሰርሓሉ ግዴታ እዩ። እንተዘይኮነስ ብዝተዋህቦ ስልጣንን ሽመትን ተሓታቲ እዩ። ስልጣኑን ሽመቱን ኣብ ክንዲ ዝሰርሓሉ፡ ካብ ምስራሕ እንተ ድኣ ተቖጢቡን ስቕ ኢሉን እቲ ዝተዋህቦ ሽመት ኣብ ክንዲ ዝምጎሶሉ መፍረዲኡን መኾነኒኡን ይኸውን ንኽብል ዝተዛረቦ ቃል እዩ።
ኣብ መጨረሽታ መክሊቱ ኣሕዲግኩም ንኻልእ ሃብዎ ማለቱ፡ ዝነበሮ ማዓርግን ስልጣንን ፣ናይ ምምሃር ሓላፍነት ተሓዲጉ ከም ተራ ምእመን ይኹን ማለት እዩ። እዚ ከኣ ናብ መንግስተ ሰማያት ብምምህርና ማዕርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይኑ እዩ ዝኣቱ ምኽንያቱ ሃይማኖቱ ስለ ዘይከሓደ።
ብኻልእ ወገን “ ነዚ ሃካይ ጊልያ ግና ኣብ ፍጹም ጸልማት ደርብይዎ ኣብኡ ካኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናን ክኸውን እዩ” ዝበሎ
ቀዳማይ —-ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ፡ “ዝተዋህበኒ ናይ ምምሃር ስልጣንን ሓልፍነትን ተጠቒመ ላዕልን ታሕትን ኢሉ ደኺመ እንተ ዝምህርን ከማይ ዝኣመሰሉ ሰባት እንተ ዘፍርን ኔረ ከም ናይ መማህራን ማዓርግ ዘይኮነስ ከም ህዝባውያን ኮይነ ናብ መንግስተ ሰማያት ኣይምኣተኹን” እና በለ ናይ ምስትንታኑ ምሳሌ ክኸውን ከሎ በቲ ካልኣይ ወገን ካኣ ሃይማኖቶም ናይ ዝኸሓዱ ናብ ሲኦል ናይ ምእታዎም ምልክት እዩ።
ሓደ ምኽሊት ንዘለዎ ሰብ ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ ሃብዎ፡ ምኽንያቱ ንዘለዎ ይውሰኾ ንዘይብሉ ግና እቲ ዘለዎ እኳ የግድፍዎ ዝበሎ ቃል፡ እንሆ እምነት ሒዙ ምግባር ዘይጸንሖ፡ ካብ ግብሪ ጽድቂ ዝረሓቐ ሰብ ምዃኑ ይነግረና። ነታ ሓንቲ መኽሊቱ /እምነቱ/ ሒዙ ምግባር ወሲኹ ክነብር እና ተገብኦ እንተኾነ ግን እዚ ብዘይ ምግባሩ ናብ ክሕደት ዝበጽሕ፡ ሃይማኖቱ ዝገድፍ ሰብ ኮይኑ ናይ ምርካቡ ምሳሌ እዩ፡። ምኽንያቱ ዝነበሮ መኽሊት “ኣሕዲግኩም ነቲ በዓል ዓሰርተ ሃብዎ” ምባሉ ሃይማኖትን ምግባርን ኣጣሚሩ ዘይሓዘ ሰብ ኣብ መወዳእታ ናይ ሃይማኖት ሰብ ኮይኑ ክቕጽል ስለ ዘይክእል እዩ። እምነት ሒዙ ጥራሕ ብሰንኪ ፍርሒ ኣብ ምግባር ዘይተዋፈረ ሰብ ኣቐዲሙ ምግባር ጽድቂ ከም ዝገደፎ ሃይማኖቱ እውን ይገድፍ። ብኻልእ ወገን ካብ እምነቱ እኳ እንተ ዘይዓለወ፡ እንተኾነ ግን ካብ ክፉእ ስርሑ ተመሊሱ ንስሓ እንተ ዘይኣተወን ግብሪ ጽድቂ ክሰርሕ እንተ ዘይጸንሐን፡ ሃይማኖት ጥራሕ ሒዙ ብምጽንሑ ካብ ፍርዲ ዝመልቆሉ መገዲ የብሉን። እዚ ስለ ዝኾነ ከኣ ኣብ መጨረሽታ በዓል መክሊት ኢኻ ነይርካ ተባሂሉ ናብ መንግስተ ሰማያት ክኣቱ ዘይኮነስ ምግባር ሒዙ ብዘይምጽንሑ ኣብ ክንዲ ናብ መንግስተ ሰማያት ናብ ገሃንም እሳት ይኣቱ። ነዚ ኣመልኪቱ ቅዱስ ያዕቆብ ኣብ መልእኽቱ፡ “እምበኣር ስጋ ብዘይ ነፍሲ ምዉቲ ከም ዝኾነት እምነት እውን ብዘይ ግብሪ ምውቲ እያ” ክብል ጽሒፉ ኣሎ (ያዕ4፣26)።
ኣብ ብዙሕ ምሻም እንታይ ማለት እዩ፧
በዚ መልክዕ ዝተኣዘዝናዮ እና ተግበርና፡ ዝተዋሃብናዮ መክሊት ክነብዝሕ፡ ስለ ሃይማኖትና እንፈልጦ ዘበለ፡ ዝተመሃርናዮን ዝበጻሕናዮን ኩሉ ሰባት መታን ክፈልጥዎን ክበጽሕዎን ምጽዓር ናይ ኩላትና ግዴታ እዩ። ኩሉ ሰብ ነናቱ ዝኾነ ጸጋ ኣለዎ። ከምቲ ቅዱስ ጳውሎስ ገሊጽዎ ዘሎ በቲ ሓደ መንፈስ ቅዱስ ዝተዋበን ዝዕደልን በበይኑ ዝኾነ ውህበት ኣሎ። እንተኾነ ነቲ ዝተዋህበና ውህበት ኣለሊና እንጥቀመሉ ክንደዮኖት ንኸውን፧ ብሓቂ ዝተፈላለየ ጸጋ ዝረኸብና ስልጣን ተዓዲልና ከም መጠን ጸጋናን ዝተዋህበና ስልጣንን እንነብር ሰባት ኣሎናዶ፧ ንነፍሲ ወከፍ ርእሱ ክምርምር የድሊ።
ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ ማለት ኣብ‘ዚ ምድራዊ ህይወትና እንዳ ነበርና ከሎና ኣብቲ ዝተዋህበና ጸጋ ጸኒዕና፡ ብሃይማኖትን ብግብርን ክርስቲያን ኮይንና ምስ እንርከብ ኣብ መንግስተ ሰማያት ድማ ቦታ ይህልወና፡ ወረስቲ ሰማያዊት ቤት ንኸውን ማለት እዩ። ነዚ ከመልክት እዩ ከኣ ብውሑድ ተኣሚንካ ኢኻ እሞ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ ዝበለ ጎይታ። እንተኾነ ሰማያዊ ስፍራ ዝደሊ ሰብ፡ ኣብ ማሕበረ ማላእክት ክርከብ፡ ዝማሬ መላእክት ክሰምዕ ዝደሊ ዘበለ ኩሉ ኣብ ምድራዊ ህይወቱ እሙን ኮይኑ ምርካብ የድልዮ። እግዚኣብሔር ዝኣዘዞ ኩሉ ሕግን ስርዓትን ክፍጽም፡ ነቲ ዝፈለጦ ድማ ሰባት በቲ ፍልጠት እቲ ዓብዮም እሙናት ኮይኖም ንኽነብሩ ክጽዕት ይግብኦ እዩ።
“ውሑድ”ተባሂሉ ዘሎ ከምቲ ዝተገልጸ ምድራዊ ዕድመና እዩ። ቅዱስ ዳዊት ዕድመ ወዲ ሰብ ሰብዓ እንተ ነውሐ ሰማንያ እዩ (መዝ 90፣10) ከም ዝበለ ዝነውሐ ዕድመ ኣብዚ ምድሪ ነይሩ ዝባሃል ማቱሳላ እውን 969 ዓመት እዩ። እዚ ምስቲ ድሕሪ መፈጸምታ ዓለም ዝኸውን እንተ ኣወዳዲርናዮ ኣዝዩ ውሑድ እዩ። ነዚ እዩ ከኣ ጥበበኛ ሰሎሞን ካብቲ ብህይወት እትነብሮስ ድሕሪ ሞት ዘሎ ግዜ ከም ዝነውሕ ኣስተውዕል ክብል ዝተዛረበ። ስለዚ ኩሉ ኣብዚ ዓለም እነሕልፎ ግዜ ኩሉ ዋላ እውን እቲ መሪር ናይ ሞት እዋን እውን እንተኾነ ምስቲ ኣብ ሰማይ ዝጽበየና ዘሎ ክብሪን ናይ ህይወት ናብራን ፈጺሙ ዝመዓራረ ኣይኮነን (ሮሜ8፣28)። እዚ ምዃኑ ፈሊጥና እምበኣር መታን ኣብታ ዘይትሓልፍ መንግስቲ ቦታ ክንረክብ፡ ኣብታ ዘመን ዘይቁጸረላ ሃገር ከኣ ክንነብር ኣብዛ ሓጻር ዕድመና እሙናት ንኹን። እዚ ክንገብር ኣምላኽና እግዚኣብሔር ጸጋኡ ይሃበና (ገላ4፣14,ዘዳ32፣32,ዮሃ6፣9)
ኣርእቲ መዝሙር ንባባት መዝሙር
መኑ ውእቱ ገብርሔር 2ጢሞ2፣1-16 መዝ37፣21-22
1ጴጥ5፣1-12
ግ.ሃዋ1፣6-9
ማቴ25፣14-31

ይትባረክ ኣምላከ ኣበዊነ!!!!

03/18/2026

ዓቢ መንፈሳዊ ጉባኤ ኣብ ቤተክርስትያን ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ካናዳ

"ኣነ ኣብ ማእከሎም ምእንቲ ኽነብር ድማ መቅደስ ግበሩለይ" ዘፀ 25፥8

ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ዓቢ ናይ ጎፋንድሚ ላይቭ መደብ ንዕለት 3ን4 ሚያዝያ ዓርብን ቀዳምን ካብ ሰዓት 10:00 AM – 10:00 PM ኣብ ክልቲኡ መዓልቲ!!

Kdus Gabriel Vancouver BC St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ ደብረ መንክራት ቅዱስ ቂርቆስ ወአቡነ ፊልጶስ፡ ማይጭሆት-አሥመራ Debre Hayel St Michael DebreGenet Medhanealem Betekirstian Winnipeg Biettmhrti Senbet Kidanemhret Gbxi Debre Mehret Medhane Alem

Address

271 Ingleton Avenue
Burnaby, BC
V5C5R8

Opening Hours

Saturday 4pm - 9pm
Sunday 3am - 9am

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when St.Gabriel Vancouver BC ቅዱስ ገብርኤል ቫንኮቨር ቢሲ posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Shortcuts

Share