18/10/2026
እምነት ንኣምላኽ ብምስማዕን ነቲ ዝበለካ ከኣ ብምምላስን እያ እትጅምር፡ ሰሚዕካ እንተ ዘይተኣዚዝካ እምነት ኣይኮነትን፡ከይሰማዕካ ስጉምቲ እንተወሲድካውን እምነት ኣይኮነትን፡ እምነት ትብዓት ወይ ቆራጽነት ወይ ከኣ ሳዕቤን ከይፈራህካ ስጉምቲ ምውሳድ ኣይኮነን፡ እምነት ማለት ካብ ምስማዕን ምእዛዝን ድምጺ ኣምላኽ ዝመጽእ ዘይነቓነቕ ጽኑዕነት እዩ።
ብዙሓት እንተ ካብ ጽሑፋት ወይ ብሕልሚ ወይ ብራኢ ካብ ኣምላኽ ንልቦም ዝድርኽ ቃል ተቐቢሎም እዮምቕ፡ ግን ከኣ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ነቲ ዝበሎም ራሕሪሖሞ እዮም፡ እምነት ግን ንቃል ኣምላኽ ኣጽኒዓ ሒዛ ኩነታት ብዘየገድስ ነቲ ቃል ከኣ ትነብር፡ እምነት ሓንቲ ካብተን ዝዓበያ ናይ ኣመንቲ መሳርሒት ኮይና፡ ናብቲ ዘይረአ ዓለም ተራኽበናን ንዓለም ክንስዕራ ኸኣ ተኽእለና ።
ስለዚ ናብቲ ኣምላኽ ዝተዛረበና ንመለስ ፡ ናብ ሕልምና ንመለስ ፡ ናብ ራኢና ንመለስ፡ ናብ ቃሉ ንመለስ፡ ከበድቲ ፈተናታት መጺኦም ንድምጺ ኣምላኽ ኣብ ሂወትና ክዓብስዎ ኣይነፍቅድ፡ ንስመዓዮ፡ንእመኖ። ንዛረቦን ስጉምቲ ኸኣ ንውሰድ።
እዚኣ እያ እምነት።