Finote Selam St. Uriel Church Calgary

Finote Selam St. Uriel Church Calgary Finote Selam St. United in faith, we serve and uplift our community in Calgary and beyond.

Uriel Tigrayan Orthodox Church is a spiritual home rooted in apostolic tradition, offering worship, sacraments, and fellowship to all who seek God’s grace.

🔴 Watch LiveJoin us live for today’s  church service here:
05/29/2026

🔴 Watch Live

Join us live for today’s church service here:

Enjoy the videos and music you love, upload original content, and share it all with friends, family, and the world on YouTube.

Join us tomorrow and Saturday morning for the Holy Liturgy as we honor and celebrate St. Mary and St. Uriel.Come and wor...
05/28/2026

Join us tomorrow and Saturday morning for the Holy Liturgy as we honor and celebrate St. Mary and St. Uriel.

Come and worship with us in prayer, thanksgiving, and fellowship. May their prayers and blessings be with us all. 🙏🏽✨

05/26/2026
 #ዕርገት ማለት ካብ ዐርገ-ዓረገ ዝብል ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ትርጕሙ ከኣ ምዕራግ ማለት ኢዩ።—> ዕርገት ዝብል ብናይ ግዕዝ ኣጸዋውዓ ሰሓቢ ዘርኢ(ሰ.ዘ) ይበሃል፣   እትብል መጽሓፈይ ገጽ 40...
05/22/2026

#ዕርገት ማለት ካብ ዐርገ-ዓረገ ዝብል ግሲ ዝወጸ ኮይኑ ትርጕሙ ከኣ ምዕራግ ማለት ኢዩ።

—> ዕርገት ዝብል ብናይ ግዕዝ ኣጸዋውዓ ሰሓቢ ዘርኢ(ሰ.ዘ) ይበሃል፣ እትብል መጽሓፈይ ገጽ 408 ተመልከት።

#ስለ’ዚ ሰሓቢ ዘርኢ ዝተበሃለሉ ዋና ምኽንያቱ ከኣ ፈጣሪና ካብ መሬት መሬታዊ ዘርኢ(ካብ ሥጋን ነፍስን ድንግል ማርያም) “ተዋሒዱ” ናብ ሰማይ ስለ ዘዓረገ ኢዩ ሰሓቢ ዘርኢ ዝተበሃለ።

#ሕቶ
?

1. ጎይታናን መድኃኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ኣብ 40 ዕለት ዝዓረገሉ ምኽንያት ናይ ኣዳም ካሕሳ ንምምላስ ኢዩ። እዚ ማለት ኣቦና ኣዳም ካብ’ቲ ኣብ መበል 40 ዕለቱ ዝተወሃቦ 7ተ ሃብትታት እቲ ሓደ ሃብተክህነት ኢዩ ኔሩ፤ ነዚ ከኣ ጎይታ ክዓርግ ከሎ ንሓዋርያት ሃቦም።

2. ምትሓት ኢዩ መታን ከይበሃል፣ ጎይታና ኢየሱስ ክርስቶስ ሽዑ ንሽዑ ዓሪጉ ኔሩ እንተ ዝኸውን መንፈስ እንበር ሥጋ የብሉን ምተበሃለ ኔሩ፣ ነዚ ንምድምሳስ ከኣ ኣብ 40 ዕለት ዓረገ።

3. ቅዱስ ያዕቆብ ዘሥሩግ ኣብ ድርሳን ቅዳሲኡ ከም ዘስፈሮ ወድሰብ ኣብ 40 ፍጹምነቱ ሰብእነቱ የረጋግጽ ይብለና፣ ጎይታና ከኣ ነዚ ንምርግጋጽ ኣብ 40 ዕለቱ ዓረገ።

4. ቅዱስ ኣትናቴዎስ ውን ናይ ወድሰብ መልክዕ ኣብ 40 ዕለቱ ይሰኣል ይብለና፣ ጎይታ ከኣ ፍጹም ሰብ ከምዝኾነ ንምርዳእ ኣብ 40 ዕለቱ ዓረገ።

መጽሓፋዊ_ዲዩ_ዕርገቱ?

==>እወ መጽሓፋዊ ኢዩ ነዚ ውን ቅድሚ ልደት 1000 ዓመት ዝነበረ ዘማራይ ዳዊት ኣብ መዝሙሩ መዝ 46 "“ርገ እግዚአብሔር በይባቤ"”(እግዚኣብሔር ብዕልልታ ዓረገ) ብምባል ይነግረና።

==>ቅዱስ ሕርያቆስ ውን ኣብ ቅዳሲኡ "“ ምዕራግ ዘበኀቤኪ አደዉ አበው ቀደምት እሞት ውስተሕይወት"”ብኣኺ ኣቦታት ካብ ሞት ናብሕይወት ዝተሣገሩልኪ ንስኺ መዕረጊ ኢኺ ብምባል፡ ሥጋ ብዝለበሶ ካብኣ "“ረገ” ከም እንብለሉ ኣበው ይነግሩና።

==>ናይ ጎይታና ዕርገት ማርቆስ ኣብ 16፡19 ሉቃስ ከኣ ኣብ ወንጌሉ 24፡50, ኣብ ግብሪ ሓዋርያት ዝጸሓፎ ከኣ 1፡6 ጽሒፎሙልና ኣለዉ።

05/10/2026

ዮም ፍስሀ ኮነ
በእንተ ልደታ ለማርያም

05/06/2026

Last Sunday, we had the blessing of attending the annual St. George celebration at Debre Tsige St. George Tigray Orthodox Tewahedo Church in Edmonton. It was truly a spiritual and memorable journey filled with prayer, worship, fellowship, and joy.

Here is a compilation of some of our cherished moments from the trip. May the blessings of St. George be with everyone always. 🙏❤️







04/27/2026

ክንፉ ፀለላ (2)
ተፈስሒ ለድንግል ይቤላ (4)

04/27/2026

ንሴብሖ ንሴብሖ ለእግዚኣብሄር (2)
ስቡሓ ዘተሰብሐ (2)

ቀዳም – ቅዱሳት አንስትእዛ መዓልቲ እዚኣ ነተን ብስቅለት ዕለት ብብኽያት ዝሰዓባኦን፡ ብትንሣኤ መዓልቲ ድማ ሽቱ ሒዘን ቀዲመን ናብ መቃብር ዝገስገሳን ቅዱሳት ኣንስቲ መዘከርታ ዝተሰመየት እ...
04/19/2026

ቀዳም – ቅዱሳት አንስት

እዛ መዓልቲ እዚኣ ነተን ብስቅለት ዕለት ብብኽያት ዝሰዓባኦን፡ ብትንሣኤ መዓልቲ ድማ ሽቱ ሒዘን ቀዲመን ናብ መቃብር ዝገስገሳን ቅዱሳት ኣንስቲ መዘከርታ ዝተሰመየት እያ። 🏺💐

ዓርቢ ማዕዶት — ምስጢር ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን!!!እንኳዕ ናብዛ ሓምሸይቲ መዓልቲ ሰሙነ ትንሣኤ (ዓርቢ) ብሰላም ኣብጽሓኩም/ና!እዛ ዕለት እዚኣ “ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን” ተባሂላ ትጽዋዕ።...
04/17/2026

ዓርቢ ማዕዶት — ምስጢር ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን!!!

እንኳዕ ናብዛ ሓምሸይቲ መዓልቲ ሰሙነ ትንሣኤ (ዓርቢ) ብሰላም ኣብጽሓኩም/ና!

እዛ ዕለት እዚኣ “ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን” ተባሂላ ትጽዋዕ። እዛ ጎይታ ብደሙ ዝመሠረታ ቤተ-ክርስቲያን፤ ሎሚ ብትንሣኤኡ ተሸሊማ፤ ብርሃን ተጐልቢባ ትርከብ። ዓርቢ ስቕለት ናይ ቃንዛን ናይ ሞትን መዓልቲ ነበረ፤ ዓርቢ ማዕዶት ግን ናይ ዓወትን ናይ ድሕነትን መዓልቲ እዩ።

ካብዛ መዓልቲ እዚኣ እንታይ ንመሃር?
1) ክብርና ኣብ ክርስቶስ እዩ፦ ቤተ-ክርስቲያን ክብሪ ዝረኸበት ብትንሣኤ ጎይታ እዩ። ንሕና እውን ኣባላት ኣካሉ ከም ምዃንና፤ ክብሪ ዝህልወና ምስኡ ክንትንስእ ከለና ጥራይ እዩ።

2) ካብ ፈተናታት ናብ ዓወት ምስጋር፦ ዓርቢ ናይ ስቓይ መዓልቲ ነይራ፡ ኸዚ ግና ናይ “ቅድስና” መዓልቲ ኮይና። ኣብ ህይወትና ዘጋጥሙ ናይ “ዓርቢ” ስቓያት ኩሎም ብትንሣኤ ናብ ናይ “ዓርቢ” ሓጐስ ክቕየሩ እዮም።

ሎሚ ቅድስት ቤተ-ክርስቲያን ብትንሣኤ ጎይታ ከም ዝተሓጐሰት እግዚአብሔር ኣምላክ ብምኽንያት ትንሣኤኡ ንኹላትና ዝተማልአ ደስታን ሓጎስን፤ በረከተ ሥጋን ድሕነተ ነፍስን ይዓድለና!!!

ርሑስ ናይ ሓጐስን ቅድስናን መዓልቲ ይኹነልና!!!

Address

355 Riverglen Drive SE
Calgary, AB
T2C3H7

Opening Hours

6am - 11am

Website

https://www.youtube.com/@sturielchurchcalgary

Alerts

Be the first to know and let us send you an email when Finote Selam St. Uriel Church Calgary posts news and promotions. Your email address will not be used for any other purpose, and you can unsubscribe at any time.

Contact The Place Of Worship

Send a message to Finote Selam St. Uriel Church Calgary:

Share